Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህግደፍ ን በዓል ነጻነት ዳንኬራ የዳሉ!! መንእሰይ ኤርትራ ባሕሪ ይቕዘፍ!!

24 ግንቦት 2015 በዓል ናጻነት ኤርትራ ህግደፍ ንመበል 24 ዓመት በዓል ነጻነት ዳንኬራን ትልሂትን የዳሉ!! መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ሳህራን ማእከላይ ባሕሪን ይቕዘፍ!! ህግደፍ ሎሚ ኣሎ ጽባሕ ግን ኣይክህሉን ኢዩ። ብዋጋ መስዋእቲ ዝተረኽበ ናጻነት ዋናኣ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። ንዘለዓለም

24 ግንቦት 2015 በዓል ናጻነት ኤርትራ

  • ህግደፍ ንመበል 24 ዓመት በዓል ነጻነት ዳንኬራን ትልሂትን የዳሉ!!
  • መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ሳህራን ማእከላይ ባሕሪን ይቕዘፍ!!

ህግደፍ ሎሚ ኣሎ ጽባሕ ግን ኣይክህሉን ኢዩ። ብዋጋ መስዋእቲ ዝተረኽበ ናጻነት ዋናኣ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። ንዘለዓለም ከኣ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ክዝከራን ከብዕላን ክነብር ኢዩ። ህግደፍ ዕምሪ ስልጣኑ ንምንዋሕ ብስውኣት እናሸቀጠ ኣብ ውሽጢን ኣብ ወጻእን ዳንኬራታትን ትልሂታትን ብምድላው ንክልተ ባዶ ግዝያዊ ዕላማታት ኢዩ ዝጥቀመሉ። ቀዳማይ ዕላምኡ ምንጪ ገንዘብ ምርካብ ኢዩ። ካልኣይ ዕላምኡ ድማ ፖለቲካዊ ህልክን ኮንቱ ፕሮፖጋንዳን ብኡ ኣቢሉ ከኣ ብፍላይ ኣብ ዲያስፖራ ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጎድኑ ከም ዘሎ ንማሕበረሰብ ዓለም ንምርኣይ ተባሂሉ ዝተወጠነ እከይ ሜላ ኢዩ።

ነጻነት ኤርትራ  ክብዓል ናይ ግድን ኢዩ። ክብዓል እንከሎ ግን ናብዚ ንምብጻሕ ዝተኸፍለ መስዋእትን ሕጂ ኤርትራዊ ዘሕልፎ ዘሎን ሃገርና ዘላቶ ደረጃን ብምንጽጻር ኢዩ ክግምገም ዝግብኦ። ንድሕሪት ምሊስ ኢልና ዝሓልፍናዮን ንሓልፎ ዘሎናን ክንመዘን እንከሎና ግን 24 ዓመት ንኤርትራዊ ዘበነ ጸልማት ክብሃል ይከኣል ኢዩ። ሳላ ስርዓት ህግደፍ ሎሚ ኣብ መሬት ኤርትራ ሰላምን ፍትሕን ጠፊኡ። ዓመጽን ዕፈናን ብልሽውናን ነጊሱ። ባርነት፡ ድንቁርና፡ ድኽነት፡ ስደት መለለይ ኤርትራዊ ኮይኑ ኣሎ።

ብጃምላ 400 ኤርትራውያን ጸኒሖም ከኣ ንህዝቢ ዓለም ዘሰንበደ ልዕሊ 350 ኤርትራውያን ኣብ ላምፐዱዛ ብሓንቲ ሰከንዲ ክጠፍኡ ጠንቂ ዝኾነ ብልሽው ምሕደራ ህግደፍ’ዩ። ልዕሊ 200 ኤርትራውያን መዓልብኦም ዘይተፈልጠ ከም ጨው ሓቒቆም ዝጠፍኡ’ውን  እኒሆ ዓመቶም ክመልእ ኢዩ። እቶም ኣብ ፈቆዶ ሳህራ ሂወቶም ዝስእኑ ዘሎው’ውን ኣሎ። ሕጂ ድማ ኣብ ሊብያ ብISIS (ዳዕሽ) ዝፍለጥ ኣኽራሪ ጉጅለ ክርስትያን ብምዃኖም ጥራይ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ከም ከብቲ ብኻራ ተሓሪዶም።  ኣብዛ ንነብረላ ዘሎና ዓለም ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ሓደ ሰብ  ጠፊኡ ወይ ሞይቱ ምስ ዝብሃል መንግስቱ በቲ ናይ ወጻኢ ኢምባሲታቱ ኣቢሉ ኣማውታኡ ከጻርን ሬሳኡ ናብ ሃገሩ ብምጻእ ብኽብሪ ሓመድ ኣዳም የልብስዎ። መራሒ ሃገሩ ከኣ ንቤተ ሰቡ ጽንዓት ይሃብኩም ይብሎም። መራኸቢ ብዙሓን ድማ ኩነታቱ ቀዳማይ ቦታ የትሕዝኦ። ዕጫ ኤርትራውያን ግን ብኣንጻሩ ካብ መንግስቶም ይኹን ካብ ኢምባሲታቶም ሓልዮትን ድንጋጸን ይንፈጎም ጥራይ ዘይኮነ ነቲ ርኡይ ነገር ይኽሕዱ። ንወለዶምን ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ኣብ ልዕሊ ሬሳታት ደቆም ክስዕስዑ የገድዶም። ወለዲ ንቡር ሓዛን’ውን ስኢኖም።

እቲ ዘገርም እምበኣር ስርዓት ህግደፍ ብስውኣት እናሸቐጠ ኣብ በዓል ናጻነት ሳላ ጽንዓትና ንኹሉ መሰናኽላት ሰጊርና ከም ህዝቢ ህላውነትና ዓቂብና ጎደና ምዕባለ ንጎዓዝ ኣሎና እናበለ ኢዩ ኣብ ዝተፈላለየ ሓተትኡ ክግዕር ስዝስማዕ!!። ኣብዚ በዓል ናጻነት’ውን ነዚ እዩ ክደግም!! መንእሰይ ካብ ሃገር እናተባሕጎጐ በየናይ መዓቀኒ ኢዩ ምዕባለ ክመጽእ። ምዕባለ ብትምህርትን ብጥዑይ ሕብረተሰብን ኢዩ ዝመጽእ። ብመጀመርያ ወዲ ሰብ ብፈጣሪኡ ዝተዋህቦ ዘይኽከኽ መሰሉ ብነጻ ድልየቱ ሂወቱ ክሰርዕን ክመርሕ ክኽእል ኣለዎ። ምዕባለ ውጽኢት ድምር ናይ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ሂወቱ ክመርሕን ከማሓይሽን ክብል ብዝገብሮ ጻዕሪ ዝርከብ ኢዩ። እዚ ዝረጋገጽ ከኣ ኣብታ ሃገር ንኹሉ ብማዕረ ዘሳትፍ ፖለቲካውን ቁጠባውን ትካላት (Institutions) ምስ ዝረጋገጽ ጥራይ ኢዩ። ስርዓት ህግደፍ ወኪል ህዝቢ ኣይኮነን። ረብሓ ፍሉይ ጉጅለ ዝሕሉ ብሓደ ርእሲ ዝተወነነ ንስድራ ቤት ዝዘርግ ስርዓት ኢዩ። ስድራቤት እንተተዘሪጋ ከኣ ሕብረተሰብ ይዝረግ። ሕብረተሰብ ምስ ተዘርገ ከኣ ህላውነት ሃገር ኣብ ፈተና ይኣቱ።

ስለዚ ሓቀኛ ህሉው ምስሊ ኤርትራ እዚ ካብ ኮነ ብፍላይ ካብ 1998 ኩናት ኢትዮ-ኤርትራ ንድሓር ነፍሲ ወከፍ በዓል ናጻነት ህዝቢ ኤርትራስ ብውሽጡ ብጓሂን ብሓዘንን ኢዩ ሓሊፉወን። መበል 24 ዓመት በዓል ነጻነት ከኣ ከምተን ዝሓለፋ እኳ’ድኣ ብዝኸፍአ ድርብ ሓዘን ደኣ’ምበር ብጓይላን ሳዕሳዒትን ክትብዓል ኣይግባእን። ኣብ ሕብርቲ ሃገርና ዝተደኮነ ዘራጊቶ ስርዓት ህግደፍ ክሳብ ዘሎ ድማ ኣብ ኤርትራ ሰላምን ፍትሕን ምዕባለን ብልጽግናን ክርአ ፈጺሙ ዘይሕሰብ ኢዩ። ብሓጺሩ  ካብ ብዕራይ ጸባ ምጽባይ ማለት ኢዩ። ሳላ ግዕዙይ ምሕደራ ስርዓት ህግደፍ ኩሉ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ተዘናቢሉ  ህዝቢ ተሸጊሩ ይርከብ ኣሎ። መብራህቲ፡ ዝስተ ማይ፡ ሕክምናዊ ኣገልግሎት፡ ትምህርቲ፡ መጎዓዝያ ኩሉ ብዓቅሊ ጽበት እዩ ዝኸይድ ዘሎ። ንጠለባት ህዝቢ ዘይምልሽ ስርዓትን ማሕበራዊ ፍትሒ ዘይኽብርን ከኣ ስርዓት ኣሎ ክብሃል ኣይከኣልን።

ስርዓት ህግደፍ ግን ባዕሉ ብንፋስ ኣይወድቅን ኢዩ። ነዚ ስርዓት’ዚ ንምቅያር ካብ ደገ ዝመጽእ ሓይሊ ድማ ፍጹም የለን።  ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ንናጽነቱ ክቡር ዋጋ ከፊሉ ዝረኸባ ሕጂ ከኣ ባዕሉ ንመሰሉ ክልዓል ኣለዎ። ሎሚ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝሃልቁ ዘለው ድሕሪ ነጻነት ዝተወልዱ ዕሸላት ኢዮም።

ህዝባዊ ሰረት ዘይብሉ ቃልሲ ከኣ ክዕወት ኣይክእልን ኢዩ። ናይዚ መርኣያ ከኣ ደንበ ተቃውሞ ንባዕሉ ህያው ምስክር ኢዩ። ደንበ ተቃውሞ ኣብ ነንሕድሕዱ ሕልኮ ክመላለስ ኢዩ ግዜኡ ዘሕልፎ ዘሎ። መሰረት ዘይብሉን ኣብ ውድዕነት ዘይተሞርኮሰን ውዳቤታት ይርኢ ስለ ዘሎ ኢዩ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ንደንበ ተቃውሞ ሕቁኡ ሂቡዎ ዘሎ። ተጽግበኒ ቅጫስ ኣብ ሞቑላኣ እንከላ ይፈልጣ ከም ዝብሃል ኣተሓሕዛን ኣበጋግሳን ደንበ ተቃውሞ ኤርትራ ነጻ ርእይቶ ዘይውንን ብዝተፈላለየ ጸቢብ ረብሓታት ዝተወደበ ኣብ ፍረ ዘይብሉ ክዋጠጥ ግዝኡ ዘጥፍእ በየናይ እዩ እሞ ህዝቢ ክስዕቦ። እስኪ ዓሚ ዝነበሮ ኩነታት ለብዘበን ከመይ ኣሎ ንዝብል ሓታታይ መልሱ መሊሱ ደኺሙን ተፈናጭሉን እምበር ዝሰሰነ ሓይሊ የለን።

ኣብ 2011 ኣብ ኣዋሳ ዝተጋብአ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ኣብ ውሽጡ ብግርጭታት ተባሊዑ  ናብ ዝለዓለ ጥርዚ ስለ ዝደየበ ብጸቅጢ ናይ ወጻኢ ሓይሊ ህጹጽ ኣኼባ ተባሂሉ ዝተገብረ ምቅይያር ሓለፍቲ ህያው ምስክር ነይሩ። ዝሰረሖ እንተልዩ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ገዲፉ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ውልቃዊ ጥቕምን መን ኣብ ቅድሚት ተረአን ዘገድሶ ብስኒትን ብምጽውዋርን ክሰርሕ ዝተሳእኖ ኮይኑ ጸኒሑ። ብናይ ወጻኢ ሓይሊ ክጽዋዕ እንከሎ ሸበድበድ ዝብል ሃገራዊ ኣጀንዳ ሰሪዑ ኣብ መደምደምታ ዘየብጽሕ ምትእኽኻብ’ዩ ነይሩ። እሞ ሕጂኸ ከመይ ኣሎ ንዝብል እውን ካብ ቅድም ዝሰገረ ሕማም መሊሱ ይሕምሶ ምህላው ኢዩ ዝፍለጥ። ንሓንቲ ኣርእስቲ ክዝቲ 2ተ 3ተ መዓልቲ ኣኼባ ዝወስደሉ እንተኾይኑ ሃገር ከድሕን በየናይ መዓቀኒ ዘይሕሰብ’ዩ።

ደንበ ተቃውሞ ህዝብን ሃገርን ከድሕንን ህዝቢ ክዓስሎ እንተተደልዩን ካብ ሒዝዎ ዘሎ ኣወዳድባ ክቅይር ኣለዎ። ንሓድሽ ወለዶ ዘሳትፍን ቦታ ዝገድፍን ክኸውን ይግባእ። ምስ ኩውንነት ኤርትራ ድማ ክሳነ ኣለዎ። ኣይኮነን ግን ዝኾነ ነገር ወይ ፍጡር ናቱ መጀመርታን መወዳእታን ኣለዎ። ክሳብ ዘሎኹ ይንበር ድሕሪኡ ባዕሉ ይፈልጥ እንተኾይኑ እቲ ኣጀንዳ ግን ቆሎስ መለሳ ጥጥቆ ኢዩ ነገሩ።

ደንበ ተቃውሞ ብፍላይ ድማ ሓለፍቲ ውድባት ሓላፍነቶም ይገብሩ የሎውን። ቃልሲ ካብ ተመርጸ ትቃለሰሉ መስመር ብልክዕ ኣነጺርካ ቅድመ ግንባር ምስላፍ ይሓትት። ቁንጣሮ ብቁንጣሮ ተፋላሊኻ ኣብ ዝብጻሕ የለን።ይትረፍ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ህዝቢ ክብጻሕስ ኣብ ከባቢና ዘሎ ህዝቢ’ውን ኣይዕገብናዮን። ኣብ ነንሕድሕድና ክንተሓላሎ ዕላማታትና ስሒትና ኣብ ጓል መንገዲ ሸንኮለል ክንብል ግዜ ዓሪቡና። ስለዚ ብዘይሕብእብእ ነቀፈታና ክነልዕልን ብትብዓት ሽግራትና ንህዝቢ ክንሕብሮን ይግባእ።

ኣብ መደምደምታ 24 ግንቦት 2015 መበል 24 በዓል ናጻነት ነዚ ክልቲኡ ሽግራት ተሸኪማ ብኣዝዩ ኣሰካፊን ኣሕዛንን ኩነታት ኢያ ትሓልፍ ዘላ።

በዚ ኣጋጣሚ ንኹሎም ንግዳያት ስድራቤታት ጽንዓት ይሃብኩም። ነቶም ብግፍዕን ብጃምላን ዝሃለቁ ከኣ መንግስተ ሰማያት የዋርሶም። ከምኡ ከኣ ነቶም ክሳብ ሕጂ ድሃይ ዘይብሎም ዜጋታት ባዕሉ ልዑል ፈጣሪ ኣብ ዕቁቡን እሉይን ቦታ ኣጽኒሑ ጥዑም ወረ ሃለዋቶም የስማዓና።

ዘለዓለማዊ ዝኽሪ ንስዋትና!

ውድቀት ንስርዓት ህግደፍ!

ሃብተማርያም በርሀ

18 ግንቦት 215

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • yonas May 19, 2015

    HGDF’S STYLE: COLLECTING MONEY WITHOUT ANY ACCOUNTIBILITY,GUAYLA,TORTURE,KILLING,MAKE PEOPLE DISAPPEAR,IMRISONING,ZERO DEVELOPMENT AND PRAISE THE DECTATOR BY 03(ADINA TSUBUK ALA).

  • Hag pag May 19, 2015

    ኢዛ 24 መዓልቲ ናጵነት መታን ኪትከብር፡ ጓይላ-ዳንከይራስ ይትረፍ መዓልቲ ሽምዓ’ውን ኣይኮነትን።ኢንታይ ደኣ? መዓልቲ ብድሆ’ኢምበር። ህዝበይ ሆ…ግዳ ዘይንብል።

  • simon May 20, 2015

    wat kind of freedom is .in 24 yeares there is not water and eletrkcity there is not a niewe road and thre is not WORK for the popelion there not any UNIVERSIY for a niewe GENERATION. only dancing and singing.

POST A COMMENT