Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህግደፍ ን5 ጳጳሳት ተዋህዶ ኣደስኪልዎም ን1 ፈላሲ ኣሲርዎም

5 ጳጳሳት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ደሃይ ካብ ዘጥፍኡ ድሮ ገለ ሰሙናት ሓሊፉ ኣሎ:: ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዝኾነ ንግደት ይኹን መንፈሳዊ በዓላት ከይሳተፉ ካብ መንፈሳዊ ኣገልግሎቶም ብምኽልካል ብጽኑዕ ሓለዋ ይከታተሎም ኣሎ:: ንሳቶም (1) ኣቡን ቀርሎስ ጳጳስ ዞባ

5 ጳጳሳት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ደሃይ ካብ ዘጥፍኡ ድሮ ገለ ሰሙናት ሓሊፉ ኣሎ:: ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዝኾነ ንግደት ይኹን መንፈሳዊ በዓላት ከይሳተፉ ካብ መንፈሳዊ ኣገልግሎቶም ብምኽልካል ብጽኑዕ ሓለዋ ይከታተሎም ኣሎ:: ንሳቶም (1) ኣቡን ቀርሎስ ጳጳስ ዞባ ደቡብ ዓዲ ቀይሕ፥ (2) ኣቡን ሰላማ ጳጳስ ዞባ ደቡብ – መንደፈራ (3) ኣቡን ዮሃንስ ጳጳስ ሰሜናዊን ደቡባውን ቀይሕ ባሕሪ፥ (4) ኣቡን ጴጥሮስ ጳጳስ ዞባ ማእከል፥ (5) ኣቡን ኣትናትዮስ ጳጳስ ዞባ ጋሽ ባርካ እዮም:: ስርዓትህግደፍ ሓድሽ ፓትሪያሪክ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ንምምራጽ ኣብ ዝሸባሸበሉ ዘሎ እዋን እዞም 5 ጳጳሳት ግን ሓድሽ መራሒ ኣይንመርጽን ኢሎም እምቢ ስለዝበሉ ንድሌቱ ዝጻባእ ዘይተጸበዮ መርድእ ኮይንዎ ኣሎ::
 
እዞም 5 ጳጳሳት: ሓድሽ ፓትሪያሪክ ኣይንመርጽን ኣምሳያኡ ግን ነቶም ኣብ ማሕዩር ዝርከቡ ፓትሪያሪክ ኣንጦንዮስ ካብ ማእሰርቲ ተፈቲሖም ይምርሑና ብምባል ካልእ ሓድሽ ፓትርያርክ ከምዘይመርጹ ምስ ሓበሩ ስርዓት ህግደፍ እቲ ሓድሽ ኣካይዳ ጳጳሳት ስለሰምበዶ ክድህሎምን ክህድዶምን ፈቲኑ:: ሞባይል ስልኮም ቆሪጹ ምስ ሰባት ከይራኸቡን ክንጽሎምን ዝከኣሎ ጻዕሪውን ይገብር ኣሎ:: ቅድሚ ሓደ ወርሒ እዞም 5 ጳጳሳት በቲ ስርዓት ዝተመወሉ ክልተ ኣማሓደርቲ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ነቲ ስርዓት ከይሓበሩ ስለዘባረርዎም ኣብቲ ስርዓት ቝጥዐ ፈጢሩ ቀንዩ ነይሩ:: ኣባ ክብረኣብ ዝበሃሉ ፈላሲ ናይ ገዳም ኣቡነ ፍሊቆስ ቢዘን ስርዓት ህግደፍ ብ6 ጥሪ 2016 ኣሲርዎም ኣሎ:: ኣባ ክብረኣብ: መንግስቲ ካብ ቤተክርስትያን ተዋህዶ ኢዱ የውጽእ ስለዝበሉ እዮም ተኣሲሮም::
ኣብዚ ግዜዚ ኣባ ሉቃስ ዝበሃሉ ናይቲ ስርዓት መሳርሒ ብምዃን ንበይኖም ይጋልቡ ኣለዉ:: ኣባ ሉቃስ ከም መራሒ ተዋህዶ ኮይኖም ኣብ በዓላትን ንግደትን ዝቕልቀሉ ዘለዉ ድማ እቲ ስርዓት ሕጹይ ፓትሪያሪክ ተዋህዶ ንሶም እዮም ንምባል ዝዓለመ ዩ::
 
ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነብሩ ክልተ ጳጳሳት: ስርዓት ህግደፍ ንዝገብሮ ዘሎ ጣልቃ ብምቅዋም ምስቲ ስርዓት ዝነበሮም ርክብ በቲኾም ኣለዉ:: ጳጳስ ሽኖዳ ዝበሃሉ ኣብ ኣብ ኣሜርካ ዝቕመጡን ሕጂ ኣብ ኤውሮጳ ዝቕመጡ ዘለዉ ኣቡን ማርቆስ ዝበሃሉ ጳጳስ ካብቲ መንግስቲ ተነጺሎም ይነብሩ ኣለዉ::
 
የርህዎዝጊ
ከባቢ ጸጸራት, ኣስመራ::

aseye.asena@gmail.com

Review overview
19 COMMENTS
  • haile2 February 5, 2016

    PFDJ arrest the people, nothing. PFDJ kill people, still nothing, pfdj distroy houses nothing..pfdj steal money well you know where i am going. OUr people has no MeAnta to stand up to PFDJ. Watch the oromo something our people should learn.

    • tome February 6, 2016

      First u have to buy gut, then fight

  • Ti February 6, 2016

    We,all eritreans,have no MeAnTa to stand up against PFDJ. Except wedi Ali.

  • smsom hadgu February 6, 2016

    aba antionse bihewt kelwu kale patiarcie zebhale yeln

  • Berhe February 7, 2016

    ኣብይ መስዋአቲ ይሓትት ስለ ዝኮነ ሕዝቢ ኣብ ጎድኒ ጳጳሳቱ ደው ክብል ኣለዎ።

  • tesfabruk February 7, 2016

    bizaba aba shuneda zibelkumo izi ewin kiwihdo eritrawiyan kifelali kab higdef zitelake iyu neyru
    kab eropa nab america zileako hadinet eritrawiyan ab amerika slezefrho higdef iyu

  • ቢኒ February 8, 2016

    እዚ ትብሎ ዘሎኻ ውጽእ ሓሶት እዩ። ንምንታይ ኢኻ ግን ነገራት ከየረጋገጽኻ ሓሶት ወረ ትነዝ። ሽሕ ግዜ ምንግስት ህግደፍ ጽላእ ብዘየገድስ፡ ግን መንግስት ረከብኹ ኢልኻ ኣብ ጉዳይ ሓይማኖት ኣቲኻ ሃተፍ እንተመልኻ ሰናይ ኣይኾነን ንዓካውን ጠቃሚኻ ኣይኾነን። ቤተ ክርስቲያን ደንብ ኣለዋ፡ ስርዓት ኣለዋ – ብእኡ ድማ ተመሪሓያ ትኸይድ።

    ኣነ ካብቶም ኲሉ ግዜ ዝከታተለካ ሰብ እየ፡ ካብዛ ኣብ ኦርቶዶክስ ተኣዋህዶ ኢድኻ እንዳ ኣእተካብ ብሁልን ዘይብሁልን ከትብል ምስ ሬኤኹካ ግን ሰንቢደ። እቲ ብእምነት ዘንብቦ ዝነበርኲ ጽሑፋትኻ ተመሊሰ ክጠራጠሮም ጀሚረ።

    ስለዚ ኣነ ክብለኻ ዝደሊ ኢድካ ካብ ጉዳይ ሃይማኖት ተውጻእካ እዩ ዝሓይሽ። ሃይማኖት ከም ፖለቲካ ወገን ሒዝካ ትከደሉ መድረክ ኣይኾነን።

    • Berhane February 9, 2016

      HIGDEF Mendef neseb ketetalel be kaleseb amsileka ente seahfka zeamneka yelon. Kulu zitebahle haki eyu bejeka Abune Shinoda nessu hade Ewala keshi aytebelo wodini behigdef zitelake seb eyu neiru hiji gin menberi america woreketu misrekebe echi HIGEF elu abiyu. kab hamushete amet nelaeli enda Selassie zibhal betekreistian D.C. beliu beliu hiji abez kemzetehabe ayfeleten eyu..
      Ezgio meharen kristos nebel 12….

  • Meharenazgi Merhawi February 17, 2016

    11(ዓሰርተ ሓደ) ሓዋርያት ከምኡ’ውን ተሓባበርቶም ከም በዓል እስጢፋኖስ ሰማእት ኣብ እምነቶም ጸኒዖም ምእንቲ ክርስቶስ ብግፍዒ ተሰዊኦም፣ኣብ ኣመንቲ ክርስትና ኣእምሮ ካብ ውሉድ ወለዶ ተቐሪጹ ዝነብር ቅዱስ ታሪኽ ገዲፎሙልና ሓሊፎም. ሕጂ’ውን ኣቦታትና ጳጳሳት ኣብታ ጀሚሮማ ዘለዉ እምነት ዋላ ክሳብ መስዋእቲ እንተጸንዑ ታርኾም ነባሪ ኢዩ።ንሕና ኣመንቲ’ውን ነዚ ጸኒዖሙሉ ዘለዉ ቅዱስ ተግባር ከነታባብዖም ኣሎና።ከምቲ ዘሎ ሃዋህው ኣቡነ ሉቃስ ናይ ፓትርያርክነት መዓር በቲ ሰላም ናይ ህዝብን ሓድነት ኣብያተ ክርስትያናትን ዘይደሊ መንግስቲ እንተ ተሸሞም፣ኣብ ቤተ ክርስትያና ዓቢ ውድቀት ኣብ ኣመንታ ድማ ዓቢ ምፍልላይ ከም ዘስዕብ ዘጣራጥር ኣይኮነን

POST A COMMENT