Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህግደፍ ክንስደድ ክቅስበና ይኽእል’ዩ፡ ፍቅሪ ሃገርና ካብ ልብና ክሓኮ ግን ኣበደን

ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ኩለንተናዊ ለውጢ ከምጽእ ዝኽእልን ህላወ ሃገር ዘውሕስን መንእሰይ፡ ምሁር ኣካል፡ በዓል ሃብትን ሰራዊትን ሕመረት ክፋል ሕብረተሰብ፡ ርእሱ ከምዘድንን፡ ናብ ስደት ከምዝበታተን፡ ክብሪ ከምዝስእን፡ ሓቢሩ ከምዘይመክር፡ ኣበርቲዑ ሰሪሑሉን ገና

ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ኩለንተናዊ ለውጢ ከምጽእ ዝኽእልን ህላወ ሃገር ዘውሕስን መንእሰይ፡ ምሁር ኣካል፡ በዓል ሃብትን ሰራዊትን ሕመረት ክፋል ሕብረተሰብ፡ ርእሱ ከምዘድንን፡ ናብ ስደት ከምዝበታተን፡ ክብሪ ከምዝስእን፡ ሓቢሩ ከምዘይመክር፡ ኣበርቲዑ ሰሪሑሉን ገና ይቅጽሎ ኣሎን። ህግደፍ፡ ተበላጽን ነውራምን ዕላማታቱ ኣብ ግብሪ ንምትርጓምን ኣብ እንግድዓ ህዝብና ተኾይጡ ንዘልኣለም ንኽነብርን፡ ሎሚ ንሓደ ይውድስን ይሸይምን ጽባሕ ድማ  ነቲ ካልእ የነኣእስ ወይ ይጸርፍ፡ ካብ ስልጣን የባርር ወይ ይኣስር።

 

ድሕሪ ናጽነት፡ መንእሰይ ካብ ዝኾነ ክፋል ሕብረተሰብና ንላዕሊ እቲ ዝያዳ ግዳይን ተቀባልን ኩሉ ዓይነት ሕሰም ስርዓት ህግደፍ ኢዩ ኮይኑ። ስርዓት ህግደፍ፡ “ተጋደልቲ ዘይተወድአ ናጽነት ኣምጺኦምን ኣብ ውልቃዊ ረብሓ ጥሒሎምን፡ ናይ ሎሚ መንእሰያት ኣይረብሑን’ዮም” ዝብሉ በለካ ለኽዓካ ወረታት ብምንዛሕ፡ እቲ ኣብ መንጎ ኣውረስትን ተረከብትን ክህሉ ዝነበሮ ሰንሰለት ታሪኽ ከምዝልሕልሕን ከብድን ሕቆን ከምዝኸውንን ገይሩዎ። መንእሰያት መታን ኣብ ትሕቲ ወለዶምን ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብን ተኾስኩሶም ከይዓብዩን ተሞኩሮ ከይቀስሙን፡ ብጉልባብ ክረምታዊ ማእቶትን ሃገራዊ ኣገልግሎትን መጻኢ ህይወቶም ከምዝኹለፍ ኮይኑ። ኣብ መዋእል ስርዓት ህግደፍ፡ ሞያን ትምህርትን ዝዓጠቀ፡ ብስነ ስርዓት ዝተማእዘነ፡ ካብ ጽግዕተኛነት ዝተናገፉን ተስፋ ዝሰነቐን መንእሰይ በኒኑ። ኣብ ስደት ምንባርን ምብትታንን፡ ጎደና ስቃይን ምትን ክንሱ ዕረ ዝጥዕም ምርጫ ኮይኑ።

 

ውልቀመላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ህላዊኡ ንኸረጋግጽን ህዝብና ክጭፍጭፍን፡ ከም ቀዋሚ ፖሊሲ ዝሰርሓሉ ሰንካም  ሜላ፡ ንሰባት ብሓለፋን ቁጠባዊ ጸገማቶምን ምጥባር፡ ብትሑት ንቅሓቶምን ግርህነቶምን ምትላልን፡ ምፍርራሕ ወይ ሓይሊ ምጥቃምን’ዩ። ስርዓት ህግደፍ ምስ እከይ ተግባራቱ ክቅጽል እንተኾይኑ ድማ  ኣብ መሬት ኤርትራ ዘየለ ክውንነት ክፈጥር ኣለዎ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያቱ ኣድሂቡ ውራዩ ዘሰላስል፡ ንድኽመታት ህግደፍ ዝምክትን ዝእርምን፡ “ብግዳም መሬትና ተወሪርና፡ ተጻብኦ በዚሑና፡ ተዓጠቕ ተዳሎ” እናበለ ነጋሪት ኩናት ይእውጅ። ብኡ ኣቢሉ ድማ ኤርትራዊ ቀዳምነታቱ ጎስዩ፡ ኣብ ጓል መንገዲ ከምዝህውትት ይኸውን። ንኣብነት ህግደፍ፡ ኣብ ኤርትራ ግሉጽነትን ሰብኣዊ ክብሪ ዝሕሉን ቅዋማዊ መንግስቲ ንኸይህሉን ህዝቢ ወናኒ ህይወቱ ከይከውንን፡ ልኡላውነትና ተደፊሩ’ሎ” እናበለ ዕድላትን ተሰፋን መንእሰያት ኣጸልሚቱ’ሎ።

 

ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ተረከብትን ዓቀብትን ሕድሪ ስውኣት ወለድናን ኣሕዋትናን ስለዝኾና፡ ብህይወትና እንከለና፡ ታሪኽን መንነትን ናይቶም ምእንቲ ህዝቦምን መሬቶምን ክቡር መስዋእቲ ዝኸፈሉን ዝሰንከሉን ዜጋታትና መላገጺ ጎሓላሉ ክኸውን፡ ኣብ ዕዳጋ ወሪዱ ክሽየጥን ክመራሳሕን እንከሎ ብሕልናን ብሞራልን ቅቡል ኣይኮነን። ውልቀመላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ብምፍርራሕን ብምድንጋርን ንመንእሰያት ኤርትራ ዝተፈላለየ ኣስማት ኣጠሚቁን  ዘቁጸልጽል ጭርሖታት ኣሰኪሙን ኣንጻር ህዝቦምን ሃገሮምን በደል ክፍጽሙ ይቅስቦም ኣሎ። መንነትን ጅግንነትን ኤርትራውያን መንእሰያት፡ በቶም ሓደ ክልተ ዝሩጋት፡ ኣንፈቶም ዝሰሓቱን ሃካያትን ዝልካዕን ዝምዘንን ኣይኮነን። ግደ ሓቂ ንምዝራብ ግን ከምቲ ህግደፍን ሒደት ተሓባበርቱን፡ ጉድለታቶምን ድኻማቶምን ንምኽዋል ዝጥቀሙሉ ሕልኩስ ምኽንያት ዘይኮነ፡ መንቋሕቋሕታን ተስፋን ዘለዎም ሰራሕቲ ተኣምር መንእሰያት ከምዘለዉ ክፍለጥ ኣለዎ። መንእሰያት ጥጡሕ ባይታ ተፈጢሩሎም፡ “ኣጆኹም” ኢሉ ብገንዘብ፡ ብምኽርን ብሞራልን ሓጋዚ እንተረኺቦም ቅያ ከምዝፍጽሙ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ብቅዓቶምን መሃዚ ክእለቶምን ኣመስኪሮም ኢዮም።

 

መንእሰያት ካብ ንፈትዋ ሃገርናን ስድራቤትናን ምንጻልናን ኣብ ዓዲ ጓና ተሰከምቲ በብዓይነቱ ሕሰም ምቅላዕና ከይኣክል፡ ዶባት ኤርትራ ሰጊርና ኣብ ጉዕዞና ዘሕለፍናዮ ሓሳረ መከራ ረሲዕናን ተስፋ ቆሪጽናን ጾር ካልኦት ክንከውን የብልናን። ኣብ ዘዘለናዮ ቦታ ዘሎ ዕድላት ክንጥቀመሉ ንሓድሕድና ክንተሓጋገዝን ክንከባበርን ክንመሃርን ነብስና ከነማዕብል፡ ሕብረተሰብና ከነገልግሎ መሪሕ ተራ ክንጻወት እምበር ግዙኣት ኣዕናዊ ልምድታትን ወልፍታት ከም መስተ፡ ጠላዕ፡ ሽጋራ ክንከውን የብልናን። ብሕግታት ዘለናዮ ሃገር ተቀይድና ዕለታዊ ናብራና ክንመርሕ እምበር ገበናትን እምባጓሮ ክንፍጽም፡ ቀይዲ በተኽ ክንከውን ኣይግባእን። ድሕሪ’ቲ መሪር ጉዕዞ፡ እንተጸኒዕና ብሩህ መጻኢ ከምዘይብልና ክንሓስብን ከነስቆርቁርን የብልናን። እቲ ንሃገርናን ህዝብናን ብመርዛም ኣጽፋሩ ዓትዒቱ ዘሳቂ ዘሎ ውልቀመላኺ ስርዓት ህግደፍ ነባሪ ኣይኮነን። ናትና ጥምረት፡ ንቅሓትን ምጽማምን እንተልዩ እቲ ንምነዮ ዘለና ራህዋ፡ ክብረት፡ ብልጽግና፡ ምትሕቁቋፍ ስድራቤትን ሓቀኛ ናጽነትን ርሑቕ ኣይኮነን። መጻኢናን ዕድልናን ካብ ኢድ ውልቀመላኺ ስርዓት ህግደፍ ንምምጣል ድማ ኣበርቲዕና ንቃለስ። ብዘይክኡ ካልእ ፍታሕ የለን። ስርዓት ህግደፍ ድማ፡ ንግዚኡ ካብ ንፈትዋ ሃገርና ክንስደድ ክቅስበና ይኽእል ይኸውን፡ ፍቅሪ ሃገርና ካብ ልብና ክሓኮ ግን ኣበደን። መባልዕትና ሓድሽ ዓመት ይግበረልና።

 

ጽላል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 22 ታሕሳስ 2019

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • k.tewolde December 22, 2019

    Quotable>>, ‘እቲ ኣብ መንጎ ኣውረስትን ተረከብትን ክህሉ ዝነበሮ ሰንሰለት ታሪኽ ከምዝልሕልሕን ከብድን ሕቆን ከምዝኸውንን ገይሩዎ። መንእሰያት መታን ኣብ ትሕቲ ወለዶምን ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብን ተኾስኩሶም ከይዓብዩን ተሞኩሮ ከይቀስሙን፡ ብጉልባብ ክረምታዊ ማእቶትን ሃገራዊ ኣገልግሎትን መጻኢ ህይወቶም ከምዝኹለፍ ኮይኑ።’..we were just recently talking about this subject with a friend of mine,yes indeed,it is a generational disconnect,HGDEF was experimenting this from the get go,because we gave him the carte blanche to the lab (the society at large) and look at the specimen he came up with,look what grew in the agar.A young female randomly interviewing people in Asmara asks a question, how many bones in the human body,a young teen answers two,another question ensues,name the hill where the the first bullet was shot to start our armed struggle by H.I.A.? one answered Keren,another smart one blurted Asmara,I was holding my breath someone might say Mekele,did the one in adi halo did his homework? is this liberation or proliferation of an alien species? Thanks Tsilal you never cease to amaze me.

    • k.tewolde December 22, 2019

      In other words this is how a nation gets undone,this is how identity and history gets deleted,who would have thought someone from the Kunama tribe would end up becoming a mormon in Salt Lake City, U.S.A.

POST A COMMENT