Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህጹጽ ሃገራዊ ጻውዒት ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ – ምእንቲ ድሕነት ሃገር፡ ብቕጽበት ተላዓል!

ህጹጽ ሃገራዊ ጻውዒት ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ምእንቲ ድሕነት ሃገር፡ ብቕጽበት ተላዓል! `ዝኸበርኩም ኣዘዝትን ኣባላትን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡` ኢለ ጻውዒተይ ክጅምሮ ኸለኹ፡ ብዙሓት በዚ ህልዉ ኩነታት ሃገርና ዘይቀሰኑ ኤርትራውያን፡ `ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ደኣ ኣሎ ዲዩ?` ብምባል ቅሬታኦም ይገልጹ

ህጹጽ ሃገራዊ ጻውዒት ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ

ምእንቲ ድሕነት ሃገር፡ ብቕጽበት ተላዓል!

`ዝኸበርኩም ኣዘዝትን ኣባላትን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡` ኢለ ጻውዒተይ ክጅምሮ ኸለኹ፡ ብዙሓት በዚ ህልዉ ኩነታት ሃገርና ዘይቀሰኑ ኤርትራውያን፡ `ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ደኣ ኣሎ ዲዩ?` ብምባል ቅሬታኦም ይገልጹ ምህላዎም ዋላ እንተተፈለጠኒ፡ ግዝያዊ ሃለዋቱ ብዘየገድስ፡ እቲ ኢሳይያስ ዝሓልሞ ዘይኮነስ፡ እቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝብህጎ ክኾነለይ ስለዝምነ፡ ኣብ ልዕሊኡ ዘለኒ ኣኽብሮትን ተስፋን ከየጒደልኩ ክቕጽል እየ።

መራሒ ሃገር ኣብ ፖለቲካዊ ድለላ ተዋፊሩ፡ ሃገር ኣብ ሓደጋ ክትኣቱ ኸላ፡ እቲ ናይ መወዳእታ ተስፋ ድሕነት ኣብ ሓይልታት ምክልኻል እዩ ዝወድቕ። ተስፋ ህዝቢ ትጽቢቱ ዝማልኣሉ ግን፡ ሰራዊት ተኸላኻሊ ሃገርን ህዝብን ደኣምበር፡ ሓለዋ ውልቀመራሒ ከምዘይኮነ ንቕሓት ምስ ዝህልዎ እዩ።

ኪኖ`ዚ ኣድማሳዊ ፍልስፍና ሰራዊት፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ከምዚ ዝኣመሰለ ትጽቢት ክገብር ዝድረኸሉ ተወሳኺ ምኽንያት ግን ኣሎ። ንሱ ድማ፡ ባህሊ ናይቲ ንናጽነት ኤርትራ ክዉን ዝገበረ ህዝባዊ ሰራዊት፡ ኣብ ስሩዕ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ `ውን ገና ኣሰሩ ክህሉ ስለዝትስፎ እዩ። ነዚ ባህሊ`ዚ ጭቡጥ ኣብነታት ኣለዎ።

ዓርቢ 24 ግንቦት 1991 ህዝባዊ ሰራዊት ን ሰራዊት ደርግ ስዒሩ ናብ ኣስመራ እናገስገሰ ኸሎ፡ እቲ ኣብ ለንደን ዝነበረ ኣቦ ወንበር ህዝባዊ ግንባር ነበር ኢሳይያስ፡ `ኣስመራ ከይትኣትዉ፡ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዓሪድኩም ጽንሑ` ዝብል ትእዛዝ ምስ ሃበ፡ ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራን ኣዘዝቱን፡ ንመምርሒ ናይቲ ኣብ ኤውሮጳ ዘመሓላለፎ ትእዛዝ ነጺጎም ናብ ከተማ ኣስመራ ብምእታው ነቲ ሓርነት ሃረር ዝብል ዝነበረ ውጹዕ ህዝቦም ዓወት ኣበሰሩዎ። ኣብ 2000 ዓመት ምህረት፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንወደብ ዓሰብ ንምቊጽጻር ኣብ ዘካየዶ መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ `ውን፡ እቲ ኮማደር ኢን ቺፍ ክኸውን ዝፈተነ ኢሳይያስ፡ ኣብ ኣስመራ ኮይኑ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ መከላኸሊ ዕርድታቱ ራሕሪሑ ንዓሰብ ንሰራዊት ኢትዮጵያ ክገድፈሉ ዘመሓላለፎ ትእዛዝ ነጺጉ፡ ኣብ ጻሕ ዝበለ ጎልጎል ደንከል ብዘይ መዝገብ ብጅግንነት ተዋጊኡ፡ ክቡር ዋጋ ከፊሉ ወደቡ ብምዕቃብ፡ ነቲ ብምትሓዝ ባረንቱን ተሰዓርነትን ኢሳይያስን ሞራሉ ተተንኪፉ ዝነበረ ህዝቢ ኤርትራ ሓበን ከምዝመለሰሉ መዛግብቲ ታሪኽ ኤርትራ ሰኒዱዎ ዘሎ ሓቂ እዩ። እዚ ድማ፡ ባህሊ ህዝባዊ ሰራዊትን ሓይልታት ምክልኻልን መላግቦኡ ከምዘይተበትከ፡ ውርሻ ህዝባውነቱ ከምዘየጥፍአ ዝምስክር እዩ ነይሩ።

ዝኸበርካ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ሕጂ ደኣ`ሞ፡ እታ ንትእዛዝ ኢሳይያስ ነጺግካ ብጅግንነት ዝተኸላኸልካላ ወደብ ዓሰብ፡ ብዊንታ ኢሳይያስ፡ ኢማራትን ኢትዮጵያን ክማስሓኣ ከለዋ፡ ልኡላውነት ኤርትራ ብዓቢኡ ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ከሎ፡ ነቲ መስተንክራዊ ቅያኻ ደጊምካ ዋሕስ ሃገርን ህዝብን ካብ ምዃን ዓዚሙካ ዘሎ እንታይ እዩ?

ኢሳይያስ ነቲ ህዝባውነት ዝሕመረቱ ባህልኻ ስለዝበተኾ ዲዩ ኣጊሙካ? ወይስ እቲ ኢሳይያስ ሰላም ዝብል ኣርእስቲ ሂቡ ዘካይዶ ዘሎ ተዋስኦ ሰላሕታ ኲናት ቶኽሲ ስለዘይብሉ `ዩ ግብረመልሲ ካብ ምሃብ ግር ኣቢሉ ዋልታ ህዝብን ሃገርን ካብ ምዃን ኣደንዚዙካ? ምናልባት፡ እቲ ን 50 ዓመት ዘዳህለለካ ድራማ ኢሳይያስ፡ ህዝባውነትካ ናይ ምጥፋእ ውዲቱ ኣብ መወዳእትኡ እንተበጽሐ ኸ፡ ክብሪ ነብስኻ ከም ወተሃደር ካብ ምሕላው ዝዓግተካ እንታይ እዩ?

ኣብቲ ናይ ህዝቢ ንህዝቢ ውራይ ሰላም ዛላምበሳ፡ እቲ ኣብ ኲናት ፈሲሱ ዝደረቐ ደምካ፡ ብንብዓት ሓጎስ ዝተናፋፈቑ ህዝብታት ምትርካሱ፡ ብዛዕባ ትርጉም ኣልቦነት እቲ ኲናትን ኣድላይነት ሰላምን እኹል ምዕራፋት ጽሒፉ ክንሱ፡ ኢሳይያስ ዕጥቅኻ ኣፍቲሑ፡ ጃለ ገይሩ፡ ዶብ ኣሳጊሩ፡ ከም ምሩኽ ከሳልየካ ኸሎ፡ ነቲ ንኤርትራን ህዝባን ናይ ምድሃልን ምውራድን ውጥኑ እዩ ዘማልእ ነይሩ። እዚ ድማ መቐጸልታ ናይቲ ንኣዘዝትኻ ኣኪቡ፡ ደጊም ኣይተድልዩን ኢኹም ምዓልትኹም ኣኺሉ `ዩ ከምዝበሎም ዝተነግረሉ ኣንደበት እዩ።

ኪኖ `ዚ ገጽካ ዝመስከሮ ውርደት፡ ብቐንዱ፡ ዶብ ኣመሳሚሱ ኣብ ኲናት ዝጠበሰካ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፡ ዶብካ ከይተሓንጸጸ ሰላም ኣመኽንዩ ጃለ ክገብረካ ኸሎ፡

ብደምካ ዝተኸላኸልካሉ ወደብ ብዘይግሉጽ ናይ ውሻጠ ውዕል ንጓኖት ክዕድሎም ከሎ፡

ሃለዋት ሓይሊ ባሕርኻ ከይፈለጥካ፡ ኣብ ቀይሕ ባሕርኻ፡ ሓይሊ ባሕሪ ናይታ ኣፍደገባሕሪ ዘይብላ ኢትዮጵያ ክጣየስ ክሸባሸብ ከሎ፡

ናይ ሓባር ሰራዊት ብዝብል ምኽንያት መሳርዕ ሓይልታትካ ክበታትን ክውጥን ከሎ፡

መንእሰይ ሃገር ካብ ኤርትራ እናተሰደ፡ መንእሰይ ኢትዮጵያ ቱሪስት ኮይኑ ኣስመራ ከክዕንደር ከሎ፡

ኣብ ኣፍሪቃ ተበቲኑ፡ ፓስፖርት እናለመነ፡ ንደቂ ሃገር ኣሰኒፉ ኣብ ስደት ተዓዊቱ ዝምስገን ዘሎ ኤርትራዊ ነጋዳይ ተጓንዩ፡ ኢትዮጵያዊ ነጋዳይ ኣብ ሃገርካ ከውፍር እናተዓደመ ኸሎ፡

እቲ ኣሽንባይ ዶ ጸላኢ መሬትና ክደፍር፡ ሓመድና ኳ ብንፋስ ተበቊጹ ዶብ ኣይሰግርን እዩ ዝብል ኒሕ ዝነበሮ ህዝብኻ፡ ብስም ፍቕሪ ንእዱ ንኣምሓራ ገዲፉ ኣብ ገበላ ክሓድር ምዃኑ ክምሰለሉ ኸሎ፡

በቲ ካልእ ኲናት ዘርኢ ዓደበኦኻ ንምብራዝ ውዲት እናተኣልመ ኸሎ፡

እቲ ጠላም ኢሳይያስ፡ ውልቀመላኽነት ዒፍ ኢሉዎ ጸጊቡ፡ ነቲ ሕድገት ዘብዝሓሉ ምቕሉል ህዝቢ ንዒቑ፡ ወለዶታት ንዝተሰውኡላ ሃገርና ኤርትራ፡ ከም ናይ ጅባኡ ንብረት እንተደለየ ምስ ኢትዮጵያ እንተደለየ ምስ ኣዕራብ ክዋገየላ ኸሎ፡

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ከም ናይ ስዑዲ ስርዓት ንወዱ ወራስ ዓራት ክገብሮ እናዳለዎ ኸሎ

ብዓቢኡ ዝተዋጋኣካ ወተሃደር ቀይሕ ምንጻፍ ረጊጹ ኣብ ሃገርካ ሸናዕ እናበለ፡ 50 ዓመት ናይ ቃልሲ ብጻይካ ኮይኑ ምእንቲ ኤርትራ ዝተወፈየ፡ ሕጂ `ውን፡ ክድዓት ኢሳይያስ ኣስተብሂሉ ንድሕነት ኤርትራ ሓቂ ዝተዛረበ ጅግና ተጋዳላይ ብርሃነ ኣብርሀ ክምቋሕ ከሎ፡ ንኤርትራ እንተዘይተኸላኺልካላ ደኣ `ሞ ትርጉም ህላዌኻ እንታይ እዩ? ከመይ ኢልካ ኸ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ክትብሃል ኢኻ?

ኤርትራ፡ እቶም ዘይረኣዩዎ ወለዶ ሕድሮም ክቕበል ምዃኑ ተኣማሚኖም በጃ ብዝሓለፉላ ስዉኣት ዝተረበበት ሃገር፡ እተን ቦኽርን ሕሳስ ልደን ስኢነን ደቂ-ደቀን ኣብ ክንዲ ዝስዕማ፡ ኣብ መንደቕ ዝተሰለመ ምስክር ወረቐት ሰማእታት እናረኣያ ክድቅሳን ክትንስኣን ዝነብዓ ዘለዋ ኣዴታት ኤርትራ፡ ከምዚ ሕጂ ብጥልመት መቓብር ስዉእት ክነቓነቕ፡ ሕድሪ ጀጋኑ ክኽዳዕ ከሎ ቁሊሕ ዝብሉዎ እንኮ ተስፋ ንዓኻ ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ `ሞ፡ ኣብ ልዕሊ `ቲ ናይ ወለዶታት ቃልስኻ ክድዓት ዝፈጸመ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ብዘይወዓል ሕደር ተላዓል። ዕጥቅኻ ኣውሪዱ ከይበተነካ ኸሎ፡ ሕነ ናይቲ 30 ዓመት ኣንጻር መግዛእቲ ተቓሊሱ፡ ኣስታት 30 ዓመት ኣብ ናጽነቱ ተገዚኡ ራህዋን ቅሳነትን ዘይረኸበ ህዝብኻ ሕነ ፍደ። ብኣድራጋ ፌርማታት ኢሳይያስ ልብኻ ከየጥፍእካ፡ ብሓንቲ መንፈር ኣቃብጾ። ከምዚ ዝኣመሰለ ተባዕ ስጉምቲ እንተወሲድካ፡ ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ናይ 1991 ክዓስለካ እዩ።

ኣብ ዓለም እንከለኻ፡ እታ ብቓልስኻ ዘምለስካያ፡ ብመኸተኻ ዝተኸላኸልካላ ሃገር ብፌርማ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ተሸይጣ፡ ብስም ምድማር ጎዲሉ፡ ናጽነት ሃገርካ እንተባኺኑ፡ ሃየንታኻ ኣርእስቲ ታሪኽ ኮይኑ ክነበር እዩ። ካብዚ ምቑሕ ታሪኽ ሓራ ክትከውን፡ ሃገርካን ህዝብኻን ከተድሕን ዘለካ ግዜ ሓጺር ፡ ዘለካ ዕድል ሓደ እዩ፡ ብቕጽበት ተጠቐመሉ። ነቲ መንሽሮ ሃገር፡ ከዳዕ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፡ ብዘይነግፈረግ፡ ብሓይሊ ኣሊኻ፡ ንኤርትራ ናይ ኤርትራውያን ግበራ። ኣብ ኤርትራ ቅዋማዊ ስርዓት ኣትኪልካ፡ ህዝብኻ ብሕጊ ተመሓዲሩ፡ ፍትሒ ከምዝረክብ ግበር።

ምእንቲ እዚ ቅዱስ ዕላማ እንተተበጊስካ፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ተደጒሉ ዘሎ ኤርትራዊ ሓይሊ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ስደት ተበቲኑ ወጊሑ ክሳብ ዝዓርብ፡ ብዛዕባ ጥልመት ኢሳይያስ ክዛረብ ድቃስ ስኢኑ ዘሎ ሃገራዊ ከይተረፈ፡ ንዋሕዚ ስደት ቀልቢሱ ኣብ ማዕበል ለውጥኻ ክጽንበር ናባኻ ከቋምት እዩ። ፊስካኻ ክሰምዕ፡ ስጉምትኻ ክርኢ ኣብ ተተንቀቕ እዩ ዝርከብ ዘሎ።

ሓርበኛ ተጋዳላይ ብርሃነ ኣብርሀ፡ ንኢሳይያስ ወይልኻ ዝበሎ፡ ካብ ሰማይ ተወንጫፊ ኮኾብ ክወድቀካ እዩ ማለቱ ኣይኮነን። ንየማነ ጸጋም ቁሊሕ ኣይትበል፡ ኮኾብ ኤርትራ ንስኻ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኢኻ። ነቲ ኢሳይያስ ዘጸልመቶ ዘበን፡ ብባና ሓርነት ኮልዓዮ። ንኤርትራ ወላድ መኻን ኣይትግበራ፡ ምቑሕ ህዝቢ ኤርትራ ፈቲሕካ፡ ዳግማይ ሓርነት ኣበስሮ። ትርጉም ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ንሱ እዩ። ንጥልመት ብእምነት፡ ንመግዛእቲ ብናጽነት፡ ንባርነት ብሓርነት፡ ንሕጊ ኣልቦነት፡ ብፍትሓዊ ስርዓት ምትካእ። ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ኣምር ስምካን ሕድሪ ተልእኾኻን ኣብ ግብሪ ተርጒምካ፡ ዋልታ ሃገር፡ ደጀን ህዝቢ፡ ሓወልቲ ታሪኽ ኩን።

ምልኪ ይፍረስ፡ ሕጊ ይንገስ!

ኣማኑኤል ኢያሱ

20 መስከረም 2018

aseye.asena@gmail.com

Review overview
18 COMMENTS
  • Danilo September 20, 2018

    እዚ እዋናዊ ጻውዒት ደወል ክተት እዩ።እንተ ሃሊና ኣለና ንበል ኩልና ወላ ኣብ ስደት ዘለና ። እቲ ሓርቢቱና ዘሎ ግን ንውሕዘሉ ሜዳ ምስኣና እዩ።ንሕና ኣብ ስደት ዘለና እንትርፊ ማይ ሌፋ ጽዓዱ ምጭብራቅ፡እንትርፊ ምስዋድ ደላሎ ፡እንትርፊ ዝወለድናዮም ምኽሳር ናብራና ናብራ ዕደ እምበር ንቡር ናብራ ክብሃል ዝኪኣል ኣይኮነን።ባህልና ተበሪዙ እዩ።ኣብ ቅድሚ ዓይንና ንበርስ ! ሃገር’ውን ትሽየጥ ኣላ።ካን! ካላሺን ንፎርማ ድዩ? እሕሕሕሕሕ..,,,,,ንበል ቅድሚ ኡይይይይይ…..ምባልና።

    • Dawit September 20, 2018

      You’ve only been beating the empty vessels/kebero and crying the crocodile cries for 27 years. At last however you seem to realize that you’ll never ever bring any positive changes in Eritrea from your comfortable zone hiding behind screens with a remote controls and eating hamburgers, drinking beers. Change will only come from within Eritrea and by brave EDF soon.

  • k.tewolde September 20, 2018

    It is indeed a historical,powerful gut checking call from brother Amanuel,however the army he is calling out to defend our homeland is not the army which liberated it anymore,this army is tampered with ,compromised,genetically and psychologically modified by the tyrant to serve exclusively the tyrant, that is why it won’t respond to the noble call,it is like trying to charge an I Phone with an android charger.There is a time warp which only the tyrant used productively to his own good while we basically wiped each other out and here we are today we woke up in a daze unaware of the time lapse calling on the gallant army we knew then….ahhhhhh! I wish I can have them back my brothers and sisters the way they were who scared the shit out of the tyrant and he got rid of them early,the rest was piece of cake.Forgive me, I tell it as is.It wont be easy to undo what was done,this nation has to unravel,deconstruct and reconstructed back up one brick at a time.

    • Tsehaye September 21, 2018

      Mr big-head talkative cowboy, you talk so muck bullshit nonsense, take a break like everyone else and give it a rest as you are boring readers to death.
      I bet you only do a disappearing act when poor assenna are asking for contributions to their satellite radio funding scheme or donations to their good causes! Isn’t that the fact talkative opportunist?

      • k.tewolde September 21, 2018

        Mr. cyber spy since when did you start monitoring the fund raiser,that is why you are bored,how about try watching the rerun of Sidra.

        • Tsehaye September 21, 2018

          I was going to suggest that you should try a stand up comedy instead of the mafia’s fraudster politics that you bore people with but you’ll be more boring again!

        • Tsehaye September 22, 2018

          Dear K. Tewolde,

          Congratulations! Now you have two impeccable friends who share the same name, Tsehaye 😊. The problem is that the other Tsehaye, and that is me, rarely visits this ናዲ (club) to say hi to the tragic useful idiots. May I ask you how long you been stuck here?

          ሞኽሲ: could you please add something to your name so that the ninjas don’t assume you and I are the same person 😂.

          • k.tewolde September 22, 2018

            I have been stuck here as far as the time you have been harassing people with good will assuming multiple identities.Can you post something of a substance for a change even praising and adoring the tyrant back home as long as it is related with the subject matter.In other words,stop the knee jerk reaction to posts that hit the nerve.If you are bored download candy crash on your cellphone and get busy,it is actually brain stimulating.

          • Taehaye September 22, 2018

            Dear K. Tewolde,

            Could you please show some decency by starting your comment with a greeting😊? I think assenna should make it part of its rule. Could you also show some courage to prove that I have used multiple identities? What for what purpose? FYI, the PFDJ mafia does not have a greater enemy than Tsehaye.
            መቋጽርቲ!

  • Genet Original September 21, 2018

    Dear Amanuel ,
    Well said!
    All Eritreans are wondering about this issue. You brought good points. The case of port of Asab during Badme war, 20 years ago. How DIA tried to let Ethiopia take over by giving order for our EDF to leave Asab and to go to Asmara. But our EDF refused and kept fighting and prevented Ethiopian force from getting in to Asab. He committed Treason by giving dangerous order to EDF. why was he left in power after that? now he came back and is giving our port willingly without any condition.
    Again we don’t even have one man can take action. Are they aware of what is going on?

    • Temesgen September 21, 2018

      Why can’t you be a man and take an action as you seem to be more aware of what is going on?

      • Temesgen September 21, 2018

        It is not only men who can take actions, strong women can also take decisive actions.

        • Genet Original September 22, 2018

          Temesgen
          Stop the bipolar madness,
          You,man or woman aren’t capable of anything. If you can’t even get your thought process straight, how can you do anything.
          FYI, see your own post below.

        • Genet Original September 22, 2018

          You are right woman can take decisive actions. For that matter, I think a woman would be better than you for sure.
          Saba, the dictator’s wife would be the perfect pick..

      • Genet Original September 22, 2018

        Temesgen is this your post too?

        Temesgen
        SEPTEMBER 21, 2018
        You can’t even spell ‘Asmera’ correctly! You seem to be stuck in the 1950s, it is simply a lot better to have black African brothers and sisters of Amhara/Oromo than your 1950s where ‘Asmera’ was full of foreign Italians and Arabs abusing and using our people as servants and as second class citizens, do you see the differences? Wake up and smell the Oromo coffee!

  • amanuel September 21, 2018

    The list goes on and on…..
    – Giving unjustified orers in Assab
    – Giving unjustified orders in Badme, take out land mines befrore the war
    – squashing and sabotaging Eritrean Naval force
    – Giving orders not to go in to Asmara in 1991….
    – etc… etc… etc…

    why was all this never spotted and dealt with? could the Army/ A army act ever…. worst at this time.

    We are just holding the last straw, praying! that we get another chance.

    we all have been sleeping on the job!!!!! Ahhhhhh

  • neguse September 21, 2018

    Neguse
    KKKKK Mr WolfaS i just wonderd to this day since you start telling lies and lies you couldn’t fine single Eritrean to do the dirty job onbehalf of you. You try to incite people to do the dirty job that you do not want to do and yet you failed misirably Wayane Tplf junta Lekimatika teterEsatika wediKa. kkkkk I remember you when you were carying PIAs bag at times going around him but i can see now houw cleaver PIAs is to kick off from his side as he doesn’t like WoshelakaT like you. Any way our defence force is not going to listen you and do the dirty job for you if you were brave enough or a man enough you are the one very close to PIAs more than any Eritreans why didn’t do what men do at the time. kkkkkk kabey kimexiE HamoT. so why you asking others to do the dirty job that you do not want to do by yourself then? Belex Belx kE. Dew BeleLey kibilexelka Politica ke. So kkkkk Can you you please think of others like yourself. for one minute if yes . Everyone is like you do not want to do the dirty job for others. kkkkk

  • Hidat September 22, 2018

    እዚ መጸዋእታ ከይደለየ ነዛ ሃገር ነጻ ኣዉጺኡዳግማይየ ተካላኪሉ ሃገር ዘዉሓሰ ብጽንዓቱ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላም ዘንገሰ ሰራዊት እንተተባህለ ዘይበዝሖ ሃይልታት ምክልካል ኤርትራ ክብሪ ይሰማዕካ ዘላኣለማዊ ዝክሪ ንስዉኣት ደጊም ሰላም ኮይኑ ተዕርፈሉ ሰዓት ኣኪሉ እዩሞ ክብሪ ነቲ ሰማይን መሬትን ዝፈጠረ ጎይታ/ረቢ………….ካብ ዳግማይ ሕጹጽ ጻዊዒት ይሰዉረና…ኣሜን

Post a Reply to Temesgen Cancel Reply