Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህጹጽ መጸዋዕታ ንኤርትራውያን ተቐማጦ ዋሽንግተን ዲሲ፣ መሪላንድ ቪርጂንያ

ህጹጽ መጸዋዕታ ንኤርትራውያን ተቐማጦ ዋሽንግተን ዲሲ፣ መሪላንድ ቪርጂንያ   ኤርትራን ሰፊሕ ህዝባን ድሕሪ መሪርን ነዊሕን ዕጥቃዊ ቃልሲ ሃገራዊ ነጻነቶምን ልዑላውነቶምን ኣረጋጊጾም ከብቅዑ፣ ብሰንኪ ውልቀ ምልካዊ ጉጅለ፣  ክቡር ህዝብና  - ህዝባዊ ሓርነትን ራህዋን ሰላምን ከይረኣየ ንዓሰርተታት ዓመታት ክሳቐ ጸኒሑ። 

ህጹጽ መጸዋዕታ ንኤርትራውያን ተቐማጦ

ዋሽንግተን ዲሲ፣ መሪላንድ ቪርጂንያ

 

ኤርትራን ሰፊሕ ህዝባን ድሕሪ መሪርን ነዊሕን ዕጥቃዊ ቃልሲ ሃገራዊ ነጻነቶምን ልዑላውነቶምን ኣረጋጊጾም ከብቅዑ፣ ብሰንኪ ውልቀ ምልካዊ ጉጅለ፣  ክቡር ህዝብና  – ህዝባዊ ሓርነትን ራህዋን ሰላምን ከይረኣየ ንዓሰርተታት ዓመታት ክሳቐ ጸኒሑ።  ንብዓል ነጎዳ ብሓዊ ደብሶ ከም ዝበሃል፣  ነቲ ብኸብድ መስዋእቱ ዘረጋገጾ ነጻነትን ልዑላውነትን  ናብ ዋጋ ዕዳግ ዘእቱ ሓዲሽ ሽርሕታትን ስዉር ውዑላትን ይቀላቐሉ ኣለው።   ንልዑላውነት ኤርትራ ዝፈታተን ሽርሕታት  ንምፍሻልን፣  ምሉእ ሓርነትን ሰላምን ርግኣትን ራህዋን ንምርግጋጽን  –  ካብ ህዝቢ ብህዝቢ ንህዝቢ  ዝካየድ  ስሙር  ቃልሲ ዝሰለጠ ናይ ዓወት መንገዲ ምዃኑ ብሩህ’ዩ።   ነዚ ንምዕዋት፣ ኣብ ከተማና ብዘይ ዝኾነ ኣፈላላይ ንኹሎም ንልዑላውነትን ፍትሕን ዝቃለሱ ኤርትራውያን ዝጥርንፍ፣  ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ  – ህዝባዊ ባይቶ ምቛም ህጹጽ ጉዳይ እዩ።  

ከተማ ዋሽንተንን ከባቢኡን፣ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ዝነብሩሉ ፣  ናይ ዓለምና ዝሓየለን ዝዓበየን ሃገር ዋና ከተማን፣  ዝዓበዩ ሃገራውን ኣህጉራውን  ትካላት ዝርከብዎን፣  ስትራተጂያዊ ኣገዳስነቱን ኣብ ምድሓን ሃገርን ህዝብን  ኣድማዒ ግደ ክጻወት ከም ዝኽእል ዘጠራጥር ኣይኮነን።  ኤርትራውያን ነበርቲ ዋሽንግተንን ከባቢኡን፣ ምስቲ ኩሉ ዝሓለፍዎ ተመኩሮታት ካብ መጀመርያ ሰብዓታት ክሳብ ሕጂ ኣብ ጉዳይ ህዝቦምን ሃገሮም ዓቢ ኣበርክቶ ከም ዝገበሩ ርጉጽ እዩ።  ኣብዚ ጽንኩር፣  ሃገርና ኤርትራን ሰፊሕ ህዝባን ኣብ ሓደጋ ወዲቖምሉ ዘለው ናይ  ኣፈርክቡ እዋን፣  ኤርትራውያን ነበርቲ ዋሽንግተንን ከባቢኡን፣ ኣብ ምድሓን ህዝቦምን ሃገሮምን ስሙር ንጡፍ ተራ ጻውቱ ዘኽእል – ካብ ህዝቢ ብህዝቢ ንህዝቢ ዝኾነ – ናይ ዋሽግተን ዲሲ፣ መሪላንድ፣ቪርጂንያ ህዝባዊ ባይቶ ኤርትራውያን ንምቛም ንጽውዕ።      

እዚ ቅዱስ ዕማማ እዚ ብዝተፈላለዩ ሽርሕታት ምልካዊ ጉጅለ  ክተዓናቐፍ ጸኒሑ እዩ።  ሎሚ ከም ትማሊ ዘይኮነ፣ ብሓድሽ መንፈስ ማዕረ ህጹጽነቱ ግብራዊ ስጉምቲ ክንወስድ ህዝብናን ሃገርናን ማሕበረሰብናን ይጽወዓና ኣሎ።  ኣብ እዚ ሂወታዊ ጉዳይ –  ህዝባዊ ባይቶ ንምቛም ዝካየድ ህዝባዊ ኣኼባ ክትሳተፉ ብኽብሪ ንዕድም።

 

ዕለት፣ 30 መጋቢት 2019  ሰዓት 3 – 7 ድ.ቀ.

ቦታ፣ Bisdorf Bldg, Room AA196

 5000 Dawe Ave, Alexandria, VA 22311

ብደሓን ምጹ

ሓይሊ ዕማም ህዝባዊ ባይቶ

ዋሽንግተን መሪላንድ ቪርጂንያ

 

 

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT