Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህጹጽ እዋናዊ ዜና፡ ኩሉ ብግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ዝተዋህበ ኤርትራዊ ወረቐት መንነት ሒዙ ዘሎ ሰብ ክሳብ 23 ግንቦት 2019፡ ናብ ኤሚግሬሽን ከረክብ ብጥብቂ ዘተሓሳስብ ምልክታ ኣብ ኣስመራ፡ ኣብ ምምሕዳር ገዛ ማንዳ፡ ገጀረትን ቲራቨሎን ካልኦትን ምምሕዳራትን ድሕሪ ምጥቅዑ በቲ ስርዓት ተሳሒቡ።

  ብ ዓርቢ፡ ዕለት 5 ሚያዝያ 2019፡ ኣገዳሲ ምልክታ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ናይ ቤትጽሕፈት ፕረዚደንት ማሕተምን ፌርማን ዘለዎ፡ ብዙሕ ሰብ ርእዩዎ ኳ እንተነበረ፡ ደሓር ግን ኩሉ ተቐሊጡ ብምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ከም እተሳሕበ፡ ካብ ኣስመራ ዝበጽሓና

 

ብ ዓርቢ፡ ዕለት 5 ሚያዝያ 2019፡ ኣገዳሲ ምልክታ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ናይ ቤትጽሕፈት ፕረዚደንት ማሕተምን ፌርማን ዘለዎ፡ ብዙሕ ሰብ ርእዩዎ ኳ እንተነበረ፡ ደሓር ግን ኩሉ ተቐሊጡ ብምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ከም እተሳሕበ፡ ካብ ኣስመራ ዝበጽሓና ሰነድ ኣረጋጊጹ።

ትሕዝቶ ናይቲ ሰነድ ምስናይ ጭብጡ ነዚ ይመስል፡

እቲ ተኣፋፊ ሰነድ እዚ ንኤርትራውያን ከቢድ ፖለቲካዊ መልእኽቲ ዘለዎ፡ ነቲ ኢሳይያስ፡ ንኤርትራዊ መንነት ንምብራዝ፡ እንተኽኢሉ ንምጥፍኡ ዘለዎ ውዲት መሊሱ ዘቃልዕ ከኣ እዩ። እቲ ስርዓት ነቲ ሰነድ ድሕሪ ምዝርግሑ ተጣዒሱ ዝሰሓበሉ ምኽንያት ድማ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ከለዓዕሎ ዝኽእል ስምዒትን ከቢድ ምዃኑ መግንዛቡ ዘርኢ እዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ስደተኛታት፡ ኢትዮጵያዊ ዜግነት ክሓቱ ብምዕዳም ምስ ዘውጽኦ ኣዋጅ ኣተሓሒዝካ ምርኣዩ `ውን ኣገዳሲ እዩ።

እቲ ብስም ዶባት ህይወት ኣሽሓት ኤርትራውያን መንእሰያት ዘጥፍአ፡ ኣማኢት ኣሽሓት ናብ ስደት ዝበታተነ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፡ ብኢትዮጵያ ተታሒዙ ዘሎ መሬት ኤርትራ ዘይምምላሱ ከይኣክል፡ ወደባት ኤርትራ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ክኸውን ብታሕቲ ታሕቲ ኣብ ዝሰርሓሉ ዘሎ እዋን፡ ንኤርትራዊ መንነት ዝፈታተን ውዲታዊ ስርሓት የካይድ ምህላዉ፡ መሬትን ሰብ ኤርትራ ኣብ ምጥፋእ ተጸሚዱ ከምዘሎ፡ ኩሉ ኤርትራዊ ክነቕሓሉ፡ ካብኡ ሓሊፉ፡ ዝኾነ ከይኮነ ነዚ ስርዓት ብቕልጡፍ ብምውዳቕ፡ ልኡላውነቱ ብምሕላው ብሕጊ ዝግዛእ ቅዋማዊ ስርዓት ንምትካል ብዘይውዓል ሕደር ብህጹጽ ክንቀሳቀስ ከምዝግባእ ክዝክር ይግብኦ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • Danilo April 10, 2019

    ሓደ ሓው ከም ዝበሎ ፡ብርግጽ’ውን ኣነ ዝኣምነሉ ” እዚ ሑልኩስ ” ሼይጡና እዩ።እንተ’ቲ ጉዳይ ምቅያር መንነት ኣቀዲሙ ስለ ዝተሓሔዞ ብዘይ ኣዋጅ ማእለይያ ገንዘብ ግሒጡሉ እዩ።በዚ ኣጋጣሚ “ንፍገግታ”blood group ” ይሓትት።የዋሃት ግን መንነት ዘጻሪ “DNA ” መሲሉዎም ክምዝገቡ ጸደፍደፍ ! ኣየ ህግደፍ! ለካ ከይ ወግሐ ዝኑቂ ሱሕሉል ደርሆ ፡ከይ መሰየ’ውን ከምኡ፡ኣብየት ዓሻ ሙዓኮር ዊን ከም ዝበሎ ሊቀ-ሸይጣን ዓዲ ሃሎ፡የቅልሎ “ሰውረኒ -ዘምዓቱ ዘንተ’ወእቱ”ናይ ወጋሕታ ጽአሎት ዪኣምን።

  • semere April 10, 2019

    this signiture is iseyas’s signiture you can show at the Eritrean note Nakfa . .

  • Hagherawi April 10, 2019

    ኢዚ ሰብኣይ ስርሑ ጨሪሹ ክኽይድ ዝደሊ ዘሎ እዩ ዝመስል ዘሎ።
    “የኛ ነው” ክብሉ ኣምሓራ ነዊሕ እዮም ገይሮም ፥ ህዝብና ግን ፥ ገለ ብገርሁ ገለ ድማ ብጉርሑ ፥ እንታይ ይባሃል ኣሎ ክሰምዕ ኣይደለየን።
    እነሆ ሒጂ ፥ ኣብ ቅድሚ እቶም ጀነራላት ዝባሃሉ ፥ ሁሉዋት ከለዉ ናይ ሕልና ሙውታት ፥ ተጠሊዑ ንኤርትራ ኣብ ኣፍልባ ካራ ክሸኽለላ ትንዕ ትንዕ ይብል ኣሎ።
    እታ ክብርቲ ሃገርና ፥ ኣብ ክሳዳ ረጊጹ ዘሎ ጸላኢ ዝኣልየላዶ ሲኢና ? እንታ ክንድዚ ድያ ጸኒታ ?
    ወይ ኣነ !!!

  • ተክለ April 12, 2019

    ቀደሙ ልቡ ክሃርም ዝረኣዮ ኤርትራዊ ኣሎ ዲዩ።ንሱ ንኤሪትሪያዉያን ከጣቂዑ ዝኮነ ምልክት ሂቡ ኣይፈልጥን ።ሓሳብ ልቡ ምስ ሰመረ ጊን ኣሪኡናን ኢሉናብ gam over ንዓና ንኤሪትሪያዉያን እዩ ናይ ዝኩሉ ዘጽነቶ over ሓሳብ ልቡ ሰሚርሉ።

  • ተክለ April 12, 2019

    ቀደሙ ልቡ ክሃርም ዝረኣዮ ኤርትራዊ ኣሎ ዲዩ።ንሱ ንኤሪትሪያዉያን ከጣቂዑ ዝኮነ ምልክት ሂቡ ኣይፈልጥን ።ሓሳብ ልቡ ምስ ሰመረ ጊን ኣሪኡናን ኢሉናብ gam over ንዓና ንኤሪትሪያዉያን እዩ ናይ ዝኩሉ ዘጽነቶ over ሓሳብ ልቡ ሰሚርሉ።

Post a Reply to ተክለ Cancel Reply