Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህጹጽ ዜና – ሚኒስተር ማዕድን ኤርትራ ኮይኑ ዘገልግል ዘሎ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ብጥይት ተወጊኡ።

ሚኒስተር ማዕድን ኤርትራ ኮይኑ ዘገልግል ዘሎ፡ ንነዊሕ እዋን ሚኒስተር ምክልኻል ነበር ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም፡ ትማሊ ምሽት፡ ኣብ ኣስመራ ብጥይት ከም እተወግአ ካብ ኤርትራ ዝብጽሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ። በቲ ዝወረዶ መውጋእቲ ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቡ ከምዘሎ `ውን እቲ ሓበሬታ

ሚኒስተር ማዕድን ኤርትራ ኮይኑ ዘገልግል ዘሎ፡ ንነዊሕ እዋን ሚኒስተር ምክልኻል ነበር ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም፡ ትማሊ ምሽት፡ ኣብ ኣስመራ ብጥይት ከም እተወግአ ካብ ኤርትራ ዝብጽሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።

በቲ ዝወረዶ መውጋእቲ ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቡ ከምዘሎ `ውን እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ኣገንዚቡ።

ሚኒስተር ማዕድን፡ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም፡ ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቃልሲ ይኹን ብድሕሪ ናጽነት ሓደ ካብቶም ጠመተ ዝግበረሎም ፍሉጣት ላዕለዎት ሓለፍቲ ሰውራን ሚኒስተራትን ምዃኑ ይፍለጥ።

ክቡራት ተኸታተልቲ ኣሰና፡ ንኩነታቱ ብዝምልከት ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ ዝረኸብናሉ ከነስዕበልኩም ኢና።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
8 COMMENTS
  • Principle December 20, 2018

    The revolution has started!

  • Solomon December 20, 2018

    ኢሳያስ ኣፈወርቂ ባዕሉ ቀተልቲ ሰዲዱሉ ይኸውን።

  • ሳራ December 20, 2018

    እወ። እብ ኢትዩጵያ መሬት ክናወጽ ከሎ ብለውጢ። ኤርትራውያን ውን ዝኾነ ለውጢ ይጽበዩ ኣለው። ዝርዝር ሓበሬታ ግን ከድልየና እዩ። እቲ ፖለቲካዊ ብስለት ዘለው ስብሐት ኣብ ምጥፋእ መንካዕ።።የሚን ጉጅለ 15…ወዲ ዓሊ፡።። እንታይ ይመስል ኒሩ።።።።ብዙሕ ተባሂሉስ ሕጅ ድማ ኢሳያስ ከምድልየቱ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ኣሽካዕላል እናተጻወተ ስብሐትን ብጾቱን ኣይግድን

  • Hagherawi December 21, 2018

    እዚ ወረ ቁሩብ ኣይተዋሓጠለይን።
    ስለምንታይ፥-
    ንስብሓት ክቀትል ዝደሊ ፥ ሓደ ሙኩር ተጋዳላይ ነበር ኢንተ ኾይኑ፥ እሞ ኻኣ ብፖሊቲካዊ ምኽንያት ክኽዉን ስለ ዝኽእል፥ ንስብሓት ብህወቱ ከም ዘይተርፍ ክሃርም እኻ ትጽብ።
    ብህወት ካብ ሃለወ፥ እቲ ጉዳይ ቀዳማይ ሱጉምቲ ናይ ሓደ ዓብይ መደብ ኣይመስልን።
    መሻሪኽቲ እሰያስ፥ባዓል ክልተ ገጽ፥ ጎራሕ ከም ዋኻርያ፥ ካሓዲ ከም ዩሁዳ፥ ማዓልቱ ዶ ኾን መጽያ ?

  • ሃብተጋ December 21, 2018

    ካብ ዘይ ሓኪ ዚና ተክርቡ ሓከና ዚኮነ ከተምዙ ምሓሸኩም ክትመኑ ካላይ ካብ ምሕሳው ሓሊፍካ ዋላ ሓንቲ ትገብሮ የለን አያሱ በጀካ ናይ ክፉ አምበር ናይ ዚቡክ ኣይትሃስበላን ኢካ ነታ ሃገር

  • Amanuel December 21, 2018

    ከጸብቑሉ ኢሎም እዮም እምበር ሰበይቱ እያ ትኸዉን ብካራ ናይ ሽጉርቲ ጌራ ሓንጢጣቶ፡ ኣብ ገዝኡ መጺኦም ዝወግእዎ ድኣ፡ ኣብ ደገ ረኺቦም ዘይደፍእዎ። እዝስ ሓቂ ዘለዎ ዝመስል ዘረባ ኣይኮነን። ብዝኾነ ቅድሚ ኢሰያስ`ሲ ግዲ ኣይሓልፍን ይኸዉን፡ ዉኻርያ።

  • ኤፍሬም December 21, 2018

    ኣብቲ ናይ ብርሃነ በርሀ ዝጸሓፎ መጽሓፍ ሓገራዊ ድሕነት ንኢሳያስ ምስኣሰሮ እቲኹሉ ወተሃደራዊ ሓይልታት ብስብሃት ኤፍሬም ክምራሕ ይማባጻዕ፣ ብታሪኽ ከምዝፍለጥ ውልቀ መላኺ ዝኾነ መራሒ ዝትክኦ ከይህልው ብዙሕ ኢዮ ዝጽዕር፣ ብተወሳኺ ኣብቲ መጽሓፊ ብርሃነ ወይ ንረመዳን መሓመድ ኑር ወይ ኸኣ ንባዱሪ ጊዚያዊ መራሕቲ ባይቶ ኤርትራ ኮይኖም ከገልግሉ ይላቦ፣ ንህይወቶም የስግእ እዩ ማልት ድዩ?

  • sami December 23, 2018

    why not coming good comment from all people.

Post a Reply to Amanuel Cancel Reply