Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህጹጽ ዜና ካብ ኣስመራ

እዚ ዜና’ዚ ካብ ኣሥመራ ዝለኣኽ ዘሎ ዜና’ዩ። ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ-እንጦንዮስ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ወፓትርያርክ፥ ዘሃገረ-ኤርትራ። ብሓላፊ ሃገራዊ-ድኅነት፥ ብ/ጀረናል ኣብርሃ ካሣ፥ ምፍርራህን ጸቕጥን ይግበረሎም ከምዘሎ፥ እቶም ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ዝከታተሉዎ ዘለዉ እሙናት ደቂ ቤተ-ክርስቲያን ይሕብሩ ኣለዉ። እዚ ማለት ድማ

እዚ ዜና’ዚ ካብ ኣሥመራ ዝለኣኽ ዘሎ ዜና’ዩ። ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ-እንጦንዮስ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ወፓትርያርክ፥ ዘሃገረ-ኤርትራ። ብሓላፊ ሃገራዊ-ድኅነት፥ ብ/ጀረናል ኣብርሃ ካሣ፥ ምፍርራህን ጸቕጥን ይግበረሎም ከምዘሎ፥ እቶም ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ዝከታተሉዎ ዘለዉ እሙናት ደቂ ቤተክርስቲያን ይሕብሩ ኣለዉ።

እዚ ማለት ድማ እዚ ዝተባህለ /ጀረናል ኣብርሃ፥ ኣብዚ ሰሙን ናብቲ ቅዱስኣቦና፥ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ኣባሉቃስ፥ ብማሕዩር ተታሒዞሙሉ ዘለዉ ፍሉይ ቦታ ብምኻድ ንብፁዕ ወቅዱስ ፓትርያርክ፥ ከፈራርሆምን ክድህሎምን ፈተነ ከምዝገበረ ዝንገር ዘሎ። ቅዱስፓትርያርክ ግና እግዚኣብሔር ናይ ትብዓት መንፈስ ስለቦም፥ ብቐሊል ክደሃሉሉ ኣይከኣሉን።

እቲ ብመጀመርታ ከም መበገስ ዘረባ ጠንቂ ዝኾነ፥ ኣብ መንጎቶም ፓትርያርክን ገዳም ደብረቢዘንን፥ ብምሥጢር ርክብ ይግበር ኣሎ ስለዝተባህለ። ነቶም ንቅዱስኣቦና ተራዳኢ ኮይኖም፥ ዝለኣኹዎም ዘለዉ ኣቡነቀሲስ፥ ንስኹም ኢኹም ምስቶም ገዳም ተራኽቡዎም ዘለኹም ብምባል፥። ኣጋፊዑ ካብ ብጹዕ ፓትርያርክ ፈልዩ ከምዝሰጎጎም ዝንገር ዘሎ ማለት እቲ ኣብ ገዳማትን ኣብቲ ሕዝብን ዝርአ ዘሎ ናይ ጽንዓት መንፈስ ብመገዲ ገዳም ደብረቢዘን፥ ምስቶም ፓትርያርክ ዕለታዊ ርክብ ይግበር ከም ዘሎ ስለዝጠርጠሩ እዮም።

በዚ መሠረት ድማ፥ ነቶም ኣቡነቀሲስ ኣጋፊዑ ድሕሪ ምስጓጉ። ናብቶም ኣብ ዕድመ 90-ዓመት ዝርከቡ ፓትርያርክ ገጹ ብምምላስ፥ “…..ንስኹም ነዚ ሃገር ኣብ ከቢድ ጸገም ኣውዲቕኩሞ ትርከቡ ዘለኹም ሰብ ኢኹም። እቶም ገዳማት ኮኑ ንስኹም፥ ኣብ ፓትርያርክነት ክትምለሱ ትጽቢት ትገብሩ ዘሎኹም። እዚ ኩሉ ግና ኣሽምባይዶ ክግበር፥ ፈጺሙውን ኣይሕሰብን እዩ….” ክብሎም ዝተሰምዐ።

ንሶም እቶም ቅዱስፓትርያርክ ድማ “…. ኣነ ዕድመይ ዝኣኸልኩ ሰብ እየ። እግዚኣብሔር መዓስ ከምዝጽወዓኒ ዝጽበ ዘሎኹውን እየ። ድሮ ፓትርያርክ ስለዝኾንኩ ግና፥ ካባኻትኩም ዝጽበዮ  ፓትርያርክነት የለን። ንስኻትኩም ፓትርያርክ ክትሾሙን ክትስዕሩን እትኽእሉ ስለዘይኮንኩም፥ ንዓኻትኩም ዝጽበ ሰብ የለን። ዘይብሉ ከኣ ክህብ ኣይክእልን እዩ። ንስኻትኩም ከኣ ክትህቡን ክትከልኡን እትኽእሉ ኣይኮንኩምን….” ብምባል ቅዱስ ኣቦና ብትብዓት ክምልሱ ከም-ዝኸኣሉ’ዮም፥ እቲ ዜና ዝሕብር ዘሎ።

እቲ ናይ ህግደፍ /ጀረናል ግና፥ እቲ ካባኻትኩም ዝጽበዮ ሽመት የብለይን ምባሎም። ሽመተይ ክገድፍ ከምዝበሉ ገይሩ ስለ-ዝወሰዶ “….እሞ እንድሕሪ ሽመት ኣየድልየንን በሃሊ ኮንኩም፥ ብጽሑፍ ጌርኩም መረጋገጺ ሃቡና። እቲ ዝሓጸረ ግልግል እዚ….” ብምባል፥ ብጽሑፍ መረጋገጺ ክህቡዎ ክሓትት ዝተራእየ። ንሶም ግና ….ትማሊ ኮነ ሎሚ ኣነ ፓትርያርክየ። እዚ መዓርግ ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ብማሕላ ዝተቐበልኩዎ ስለዝኾነ፥ ብሕይወት ክሳብ ዘሎኹ፥ ካባይ መንዚዑ ክወስዶ ዝኽእል የለን። ደሓር ከኣ ናይ ሕዝቢ ተዋሕዶ ጉዳይ እዩምበር፥ ዝኾነ ካልእ ኣካል ኣብዚ ጉዳይዚ፥ ኢዱ ክመልስ መሰል የብሉን….” ዝብል ትብዓት ዝመልኦ መልሲ ከምዝሃቡዮም፥ እቶም ብቐረባ ርሕቀት ነቲ ጉዳይ ዝከታተሉዎ ዘለዉ ዉሉደክህነት ዝሕብሩ ዘለዉ።

እቲ ሕጂ እዚ ጉዳይ’ዚ ንክለዓል፥ ምኽንያት ኮይኑ ተረኺቡ ዘሎ። ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ይፈትሑ ብምባል ዝቃላሕ ዘሎ ድምፂ፥ በብእዋኑ እናበዝሐን እናስፋሕፍሐን ይኸይድ ስለዘሎ። ኣብ ልዕሊ መንግሥቲ ህግደፍ፥ ከቢድ ጸቕጢ ይገብር ምህላዉ ዝተፈልጠ’ዩ። ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተገብረ፥ ባዕላቶም ዝኾነ ፓትርያርክ መሪጽና ኢና ብምባል፥ ምርጫ ከየካይዱ ድማ፥ እቲ ብማኅበረ-ሰብ ዓለም ክመጽእ ዝኽእል፥ ውግዘትን ተነጽሎን ገና ብርሑቑ ከሎ የባህርሮም’ዩ ዘሎ። እዚ ከኣ ንዓታቶም ነፍሰ-ቅትለት ስለ-ዝኾነ፥ ደፊሮም ክገብሩዎ ዝኽእሉ ኣይኮኑን።

እቲ ቅድሚ ሕጂ ዕርቂ ተገይሩ ብምባል፥ ከተግብሩዎ ዝደልዩ ዝነበሩ ተዋስኦ ስለ-ዝፈሸሎም ከኣ፥ ነቶም ፓትርያርክ ምስ ሰብ ክራኸቡ ኣብ ዘይክእልሉ በዓቲ፥ ወሲዶም ምስ-ዓሸጉዎም ከኣ፥ እቲ ነገር ዝተሃዳዳእ’ዩ መሲሉዎም ዝነበረ። ከም-ዝሓሰቡዎ ኮይኑ ግና ኣይተረኽበን። እቲ ኣቦታት ገዳም ደብረ-ቢዘን ዝመርሑዎ ዘለዉ፥ ፓትርያርክና ኣብ መንበሮም ይመለሱ ዝብል ድምፂ-ተቓውሞ፥ ሰላምን ቅሳነትን ዝህቦም ኮይኑ ኣይተረኽበን። ስለዚ ከኣ’ዮም ሕጂ ዝገብሩዎ ስለ-ዝጠፍኦም፥ ኣብ ታህዲድን ምፍርራሕን ኣትዮም ዝርከቡ ዘለዉ።

ግዳስ ንዓታቶም ደኣ’ዩ ዝመስሎም ዘሎ እምበር፥ እቲ ኩነታት ተቐይሩ’ዩ። ሕዝቢ ተዋሕዶ’ውን ሕጂስ ካብ ድቃሱ ተበራቢሩ ነቒሑ’ዩ። ዝበሉ እንተ-በሉን ዝገበሩ እንተ-ገበሩን’ውን፥ ከዐሽዉዎ ዝኽእሉ ኣይኮኑን። ሕጂ’ውን እዚ ጉዳይ’ዚ ሓደ መወዳእታ ክህልዎ ዝድለ እንተደኣ ኮይኑ፥ ካብ ሱሩ መሠረቱ እቲ ጉዳይ፥ ጉዳይ ሕዝቢ ተዋሕዶ ስለ-ዝኾነ፥ ንሕዝቢ ተዋሕዶ ዝግደፍ ደኣምበር፥ ህግደፍ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ኢዶም ክመልሱ፥ መሰል የብሎምን ሕጊ’ውን ዝፈቕደሎም ኣይኮነን። ወዮ ደኣ ኣይርድኦምን ኮይኑ’ዩ እምበር፥ ሕዝቢ ተዋሕዶስ ኢድኩም ኣክቡልና’ዩ ዝብሎም ዘሎ።

ደቂ-ተዋሕዶ ካብ ኣሥመራ

 
Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Dawit February 19, 2018

    Is this negis so-called general from Eritrea, if yes then I wonder from which part of Eritrea and if he is truly Christian?
    May the all mighty God protect our kudus and highly respected father from all those nasty sold out greedy beasts.
    We also pray that the all mighty God will give our dearest father all the strength, wisdom, peace of mind and the best of health to come out of this temporary test stronger, wiser and healthier and forgiveness to his tormentors/devils.

  • Almaz February 19, 2018

    Dawit, the so called general is one of the yes men of DIA he and his likes are performing all the evil and dirty job so that their mafia boss will stay in power.

  • k.tewolde February 21, 2018

    The patriarch,Haj Mussa and so many like them in their feeble waning days,women and children……these helpless segment of the population continue to be the target of HGDEF revealing the coward,sinister and moribund character of the perpetrators.These two elderly victims of tyranny possess the character of Daniel from the Bible,you can shred my flesh and feed it to the wolves but my soul remains intact,that’s the message they are communicating to their assailants.They are endangered species in today’s Eritrea.

Post a Reply to Dawit Cancel Reply