Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህጹጽ ጻውዒት ብኣፍ ግዳያት ሲናይ

እዚ ጻውዒት’ዚ ብድምጺ ኣሰና ‘ኳ ይመጽኣኩም እንተሎ፡ ናይቶም ኣብ ምድረበዳታት ሲናይ ጅሆ በደዊን ኮይኖም ታሪኽ ሓዱሽ መዝገብ ሕስረት ዝምዝግበሎም ዘሎ ደቀንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ኤርትራውያን ግዳያት እዩ። ንሕና ንመልእኽቶም ብኣውያት ኢና ተቐቢልናዮ፡ ኣውያቶም መሪሩ ስኽሕክሕ ኢሉኩም

እዚ ጻውዒት’ዚ ብድምጺ ኣሰና ‘ኳ ይመጽኣኩም እንተሎ፡ ናይቶም ኣብ ምድረበዳታት ሲናይ ጅሆ በደዊን ኮይኖም ታሪኽ ሓዱሽ መዝገብ ሕስረት ዝምዝግበሎም ዘሎ ደቀንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ኤርትራውያን ግዳያት እዩ። ንሕና ንመልእኽቶም ብኣውያት ኢና ተቐቢልናዮ፡ ኣውያቶም መሪሩ ስኽሕክሕ ኢሉኩም ብዙሓት ምስማዕ ከምዘቋረጽኩም ስለዝተገንዘብና ድማ ነቲ ኣውያት ናብ ዘረባ ቐይርና፡ ምሉእ ዛንታ ስቓዮም ወዲእኩም ከም ኤርትራውያን ጭቡጥ ስጉምቲ ክትወስዱ ከነዘኻኽረኩም ንደሊ።

ቅድሚ ኣስታት ሰለስተ ዓመት ኣቢሉ፡ ራሻይዳን በደዊንን ከም ገላዩ ሰባት ይነግዱ፡ ኮላሊት መዝሒቖም ይሸጡ፡ ብህይወት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣሕዋትና ይጻወቱ ከምዘለዉ ዓው ኢልና ኣብ ዝሓበርናሉ ግዜ ከም ጽውጽዋይ ዝሰሓቑሉን ዝተዋራዘዩሉን ኤርትራውያን ሕጂ ድማ ኣስካሕኪሑዎም ከይሰምዑዎ እዝኖም ከርእዩዎ ዓይኖም ዓሚቶም ክልተ ሳዕ ነዚ መሰክሕ ዝኾነ ስቅያት ‘ዚ ኣሽኪዖሞ ካብ ሓላፍነት ኣብ ምህዳም ክነብሩ ግቡእ ኣይኮነን።

ኣብዚ እዋን’ዚ ምስቲ ኣብ’ዚ ክልተ ጫፋት ማለት ከም ጽውጽዋይ ምርኣዩን ሕጂ ድማ ህላውነቱ ምእማን ሓሊፉ ምስክሕካሕን ዘሎ ክሕደት ንምጽብጻብ ኣይኮነን ዕላማና። ነዚ መዓልቲ መዓልቲ ነዞም ኤርትራውያን ኣሕዋት፡ ኣብቲ ብበደዊን ከም ጅሆ ተታሒዞምሉ ዘለዉ ትሕቲ መሬት ምድረበዳ ሲናይ፡ 4-5 ብሓደ ሰንሰለት ተኣሲሮም፡ ብኹርማጅ እናተቐጥቀጡ፡ ኣእዳዎም ብኻራ እናተቐንጠበ፡ ኣካላቶም ብሓዊ እናነደደ፡ ደቀንስትዮ እናተዓመጻ፡ ኮላሊቶም ተመዝሒቑ እናተሸጠ ዘሕልፉዎ ዘለዉ መሪር ስቓይን ኣብ መወዳእታ ዝገጥሞም ዘሎ ቀብሪ ዘይብሉ ሞትን ደው ንምባል ጭቡጥ ስጉምታት ንምውሳድ ኢና ብስም ‘ዞም መሳኪን ግዳያት እንጽውዓኩም ዘለና።

እቲ ኣካላዊ ስቓይ ንዓዓቶም ይወርዶም ኳ እንተሎ ነቲ ውርደት ግን ከም ኤርትራውያን መጠን ኩላትና ኢና ንማቐሎ። ስለዚ እቲ ስጉምቲ ንሕልናዊ ስቓይና ‘ውን ዘዕርፍ ስለዝኸውን እቲ ፍታሕ ምእንታኦም ጥራይ ዘይኮነ ምእንታና ‘ውን ምዃኑ ተረዲእና፡ ነዚ ሕሱር ናይ ደገፍትን ተቓወምትን ፖለቲካ ወጊንና፡ መመመርያ ኣሕዋትና ከነድሕን፡ ብኡ ኣቢልና ድማ ንሃገርና ካብ በኸነ ከነድሕና እዚ እዋን’ዚ ኣምሪሩ ይጽውዓና ‘ሎ።

ኣብዚ ንህዝብና ኣብ ታሪኹ ሰሚዑዎ ዘይፈልጥ ትራጀዲ ዘጋጥመሉ ዘሎ መድረኽ፡ ብፍላይ እቶም ነቲ ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ካብ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ኣብሊጽኩም፡ ንሕና ንመንስግትና መንግስትና ንዓና ትብሉ ዘለኹም ኤርትራውያን ከቢድ ክድዓት ትፍጽሙ ከምዘለኹም ተገንዚብኩም፡ ነብስኹም ክትሓኩ፡ ምስ ሕልናኹም ክትዛረቡ ደጊምና። ኣብ ኤርትራ መንግስቲ ዝብሃል የለን። እቶም ብሓቂ መንግስታት ዝብሃሉ፡ እቶም ሓደ ዜጋኦም ክትንከብ ከሎ ኣብ ልዕሊ መላእ ህዝቦም ገበን ከምዝተፈጸመ ቆጺሮም ቀጥታዊ ዘየላቡ ስጉምቲ ወሲዶም ፍታሕ ዘምጽኡ እዮም። ነዚኣቶም መንግስተይ ክትብሎም ከለኻ ጽድቂ ክኸውን ከሎ፡ ነቲ ሰብ ብኣማኢት ብኣሽሓት እናሞተ ቅጭጭ ዘይብሉ፡ በንጻሩ ብድዐን ዝውስኸሉ ስርዓት ህግደፍ ምስ መንግስቲ ምጽብጻብ ግን ሓጥያት እዩ። ኣብዚ ጉዳይ’ዚ መጀመርያ ዝሕተት፡ እቲ ንህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ድማ ንመንእሰያት ኣብቲ ብደምን መስዋእትን ኣሕዋቶምን ኣያታቶምን ዝተረኽበ መሬት ሰላምን ሓርነትን ረኺቦም ከይነብሩ ዝኣገደ ስርዓት ህግደፍ ምዃኑ ብዘይ ዕጻይምጻጻይ ክትቅበሉዎ ይግባእ። ንኽሕደትኩም ይኣኽሎ በሉዎ። እዞም ናይ ሲናይ ግዳያትን ቅድሚኦም ኣብ ማእከላይ ባሕርን ስሃራን ዝሃለቑ ኤርትራውያን ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ካብ ጊላነትን መግዛእትን ናይቲ ውልቀምልካዊ ስርዓት ነብሶም ሓራ ክገብሩ ኣብ መስርሕ ተቓውሞ ከምዝተሰውኡ ኤርትራውያን ግዳያት እምበር፡ ሞቶም ካብ ጽጋብ ከምዘይተፈጥረ ትሕቲ ጉጭ ልዕሊ ጉጭ ክትብሉሉ ኣይግባእን። ነዚ ናይ ሎሚ መስዋእቲ ካብቲ ናይ ግዜ ቓልሲ ዝፈልዮ እንተልዩ፡ እቶም ቀዳሞት ኣሕዋት፡ ዓወት ንሓፋሽ እናበሉ፡ እዚኣቶም ከኣ እናእወዩ ይሞቱ ምህላዎም፡ እቲ ቀዳማይ ንህዝባዊ ሓርነት፡ እዚ ካልኣይ ንብሕታዊ ሓርነት፡ እቲ ናይ ዕጡቓት እዚ ድማ ናይ ዘይዕጡቓት፡ እቲ ምስ ሓበን፡ እዚ ድማ ምስ ውርደት ምዃኑ እዩ። ከም ኤርትራውያን ብዓይኒ ሕብረተሰብ ንኽሊቲኡ ደሚርና ብሓደ ዓይኒ ክንርእዮ ኸለና ግን፡ እዚ ናይ ሕጂ ውርደት ነቲ ቅዱም ሓበን ስለዝብልሎ ሃገራዊ ክሳራ እዩ። ስለዚ ህይወት ‘ዞም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከነድሕን ከለና፡ ንሃገርና ‘ውን ካብ ውርደትን ጥፍኣትን ነድሕና ከምዘለና ስለዝቝጸር ካብዚ ዕቱብ ዕማም ‘ዚ ብዝኾነ ምኽንያት ከይነዝልቕ ሃገራዊ ግዴታ ኣለና።

ብቐንዱ እቲ ስርዓት ከም ሓፈሻዊ ጠንቂ ጥራይ ዘይኮነ፡ ጀመርቲ ናይቲ ንግዲ ሰብ ‘ውን ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ኮለኔላት ናይቲ ስርዓት ብምዃኖም፡ እቲ ስርዓት ብኽልተ ወገን ብገበን ተሓታቲ እዩ። እቶም ግዳያት ኣብ ሳልሳይ ኢድ ‘ዮም ብመንገዲ ራሻይዳ ናብ በደዊን በጺሖም ግሃነባዊ ተመክሮ ዘሕልፉ ዘለዉ። ስለዚ ከምቲ ኩሉ ሳዕ እንብሎ፡ ነዚ ሽግር’ዚ ሓንሳብን ንሓዋሩን ንምፍታሕ፡ ዲክታተርያዊ ምሕደራ ስርዓት ህግደፍ ሓንሳብን ንሓዋሩን ኣብቂዑ፡ ኤርትራዊ መንእሰይ ካብ ስደት ሃገር ከምትበልጽ ብግብሪ ኣሚኑን ርእዩን ብወለንታ ሃገሩ ክመርጸሉ ዝኽእል ኩነታት ክፍጠር ኣለዎ።

ክሳብ ሽዑ ግን፡ ነዚ ኣብ ኢድ በደዊን መዓልታዊ ዝኽፈል ዘሎ ኤርትራዊ ህይወት ብኸመይ ነገላግሎ ዝብል ሕቶ ግዜ ከምዘይጽበ ክንፈልጥ የድሊ።

ነቶም ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ግዳያት ገንዘብ ኣዋጺእካ ንበደዊን ዘዝሓተቱዎ  ዋጋ ብምኽፋል ክትፈትሖ ምፍታን መሰረታዊ ኣብ ልዕሊ ዘይምዃኑ፡ ነቲ ካብ ኤርትራ ጀሚሩ ክሳብ ሲናይ ተዘርጊሑ ዘሎ መርበብ  ሸፋቱን ነጋዶን ሰብ መተባብዒ እዩ ዝኸውን ዘሎ። በዚ ምኽንያት’ዚ ኸኣ ‘ዩ እቲ ዘመተ ኣብ ኤርትራውያን ኣተኵሩ ካብ ሓደ ክልተ ሽሕ ናብ ኣርብዓ ሽሕ በጺሑ ዘሎ። ኤርትራውያን ብኸምዚ ንሸፋቱ ምምጣው እንተቐጺልና ኸኣ፡ ሚእቲ ሽሕ ዘይበጽሓሉ ምኽንያት የለን። ስለዚ ብወገንና፡ ብዘይካ’ቲ ልዕል ክብል ዝጠቐስናዮ ናይ ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ተሳታፍነት ዝሓትት ኣገዳሲ መኸተ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ብግዝያዊ ደረጃ እዞም ዝስዕቡ ስጉምታት ክንወስድ ይግባእ።

1ይ – ኣብ ወጻኢ እንርከብ ኤርትራውያን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ ኩነታት ዝመረረ እንተመረረ፡ ኣሕዋትና በዚ መንገዲ’ዚ ክስደዱ ክንዕድምን ከነታባብዕን፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝርከብ ቤተሰብ ‘ውን ከፋኑዎም የብሉን።

2ይ – ዋላ ባዕላቶም ካብ ኤርትራ እንተተሰደዱ ‘ውን ነዚ ዝብሃለና ዘሎ ዋጋ ንበደዊን ክንከፍል የብልናን። ስርዓት ህግደፍ ንኤርትራውያን ከም ገላዩ ሒዙ ናጽነት ምንቅስቓስ ኣጊዱዎም ብምህላዉ ኣብ ከምዚ ኩነታት ይወድቁ ከምዘለዉ ርዱእ ኳ እንተኾነ፡ ውሕስነት ዘይብሉ ጉዕዞ ስደት ብምትብባዕ ብገንዘብና ሞት ኣብ ምዕዳግ ንሳግተፍ ከምዘለና ክንርዳእ ይግባእ።

3ይ- ማዕረማዕሪኡ ብማዕከናት ዜና ይኹን ብውልቂ ነዚ ዝፍጸም ዘሎ ግፍዕታት ብምንጽብራቕ፡ ንሓደገኛነት ናይቲ ጉዕዞ’ዚ ብዝምልከት ኣብ ኤርትራውያን ዘሎ መረዳእታ ከነዕቢ ክንጽዕር የድሊ

4ይ – ነዞም ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ሲናይ ከም ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ኣማኢት ኤርትራውያን ግዳያት ንምድሓን፡ እተን መዳውብቲ ሲናይ ዝኾና ሃገራት፡ ግብጽን እስራኤልን፡ ብፍላይ ድማ ግብጺ ኣብ ሲናይ ሰብኣዊ ስርሒት ወሲደን ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝፍጸም ዘሎ ኢሰብኣዊ ግፍዕን ስቅያትን ደው ከብላኦ፡ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርከብ ኤምባሲታት ግብጽን እስራኤልን ተሰማዕነት ዘለዎ ህጹጽ ሰላማዊ ሰልፍታት ከነካይድ ይግባእ። ካብዞም ኩሎም ነጥብታት እዚ እቲ ብዘይወዓል ሕደር ክስርሓሉ ዘለዎ፡ ተተግባሪ ዕማም እዩ።

5ይ – ድሕሪ ክንደይ ጥፍኣት፡ ድንጕዩ ኳ እንተመጸ፡ ኣብ ማዕከናት ዜና ግብጽን ዓለምን ተራእዩ ዘሎ ኣንውታዊ ምዕባለ ምቅላሕ ናይቲ ኩነታት ብዝለዓለ ንኽቕጽል፡ እዋናዊ ኣህጉራዊ ኣጀንዳ ንክኸውን ብቀጻሊ ብምጽዓር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከይተረፈ ብኣቓልቦ ክገብረሉ ናብ ዝኽእል ደረጃ ንምስግጋሩ ክሰርሓሉ የድሊ

6ይ – እዚ ኩሉ ምስ ዘይሰርሕን ምስ ዝደናጔን ከኣ፡ ህይወት ናይዞም ንጹሃት ኤርትራውያን ንምድሓን ብገንዘብና ጥራይ ዘይኮነ እንተላይ ብህይወትና ትብዓትን ብልሓትን ዝጸምበረ ጭቡጥ ስጉምታት ብምውሳድ ነቲ ህግደፍን በደዊንን ዘባኸኑዎ ክብርና ዝመልስ ዓለም ዘይርስዖ ታሪኽ ክንሰርሕ ኣለና።

ንለመናን ምስክንኪንን ‘ውን ደረት ክንገብረሉ ግቡእ እዩ።

ንህዝብና ምሕረት ንሃገርና ድሕነት የወርድ

ኣማኑኤል ኢያሱ

04 ሕዳር 2011

aseye.asena@gmail.com

Review overview
11 COMMENTS
  • Semhar November 4, 2011

    Thanks to US State Department. Susan Rice made Eritrea’s dictator look small.

    US Opposes Eritrea President Meeting Security Council,

  • Solomon November 4, 2011

    Thanks Amanuel: We should start our action soon!!!!!!! We should organize a well organized opposition in Europe and USA in front of Israel and Egypt Embassies until any action comes.

    • Cicero-paradiso November 4, 2011

      Why blame Israel when the crime is committed by the Arab Republic of Egypt by its own Arab citizens? Are you guys sure you stand for truth and democracy?
      If the Eritreans and other Africans in Israel are victims of organ trafficking, they have full right to any one to the Israeli high court. They have full right to strike. But they are not victims.
      In the Arab world every black man is seen as Abeed slave this includes the Ahmed Aberras, the Netabs, the Negashs, the Ali Salims … and more. All are seen as inferior slaves.
      This is disgusting. Who are you afraid of Arabs to speak against them?Their slaves?
      Egypt is the largest human organ trafficking Mecca. Every rich Arab goes to Egypt to get a kidney, liver, bone marrow, heart, eyes …. People come from the Gulf, Morroco, Saudia, Yemen, Oman

  • biniam November 4, 2011

    ብጣዕሚ ኢዩ ዘሕዝን
    ግን እቲ ቀንዲ ጠንቂ ናይ መንእሰያት ስደት ኮይኑ ዘሎ መንግስቲ ህግደፍ ዘይኮነ እዞም ምዕራብውያን ተቃወምቲ ኢና በሃልቲ
    ምክንያቱ ኣዝዩ ካብ ሓቂ ዝራሓቀ ወረ ናይ ኤርትራ ጸለም ጥራይ ዝፍንዋ ከም ወብ ሳይታት
    ከም በዓል እማኑአል እያሱ ሸየጥቲ ሃገር ን ኤርትራ ናብ ሶማል ክቕይሩ ህርግድ ዝብሉ ሰባት በዚ ጥፍእት ናይ መናእሰያት ቀዳሞት ተሓተትቲ ኢዮም

    ብኻኣይ ወገን ድማ ምዕራባውያን ሃገራት መንእሰያት ካብ ሃገሮም ክወጹ ዝጉስጉሳን ጥራይ ዊጹ ወረቀት መንበርሪ ክወሃበኩም ኢዩ እናተባህለ ዝግበር ዘሎ ሸርሒ ን ኤርትራ ናብ ሶማል ምቕያር ስለ ዝደለዩ ኢዩ

    • zgohaye November 5, 2011

      ቢናም
      ንስኻ ሓደ ዘይትጠቕም ጢሉ ድኣ ከመይ ገርካ ሓው ውጹዓት ክትከውን። ከማኻ ስለዝበዝሑ፤ መንእሰይ ንስድትን ስቕያትን ኣምሪሑ። እዞም እዞም ብኢድካን ብኢድ ቡድንን ዝሳቐዩ ዘለው የሕዋት፤ ንኽደይ ዓመታት ኣብ ኤርትራ ብዘይዝኾነ ደሞዝ ኣገልገልትኻ ዝነበሩ መሪርዎም ዝሃደሙ እዮም። እዚ ክኣ ኣማን ኤል ወይ ምዕራባውያን ዘይኮኑ ትሓተቲስ፤ ንስኻን ከማኽን፤ ቡዱንን ትሓተቲ ምኳንኩም ክርድኣካ ኣለዎ። በትሪ ሓቂ ትቐጥን እምበር ኣይትስበርን’ያ ግዲ የለን!

  • truly, Truly i say to you November 4, 2011

    To be honest, it is not to be harsh but what ever help we contribute it will not be a solution. I can´t understand why these victimized people get courage to risc their life, or prefer to die meaninglessly like a dog in Mediterranean see me, instead they turned ther courage to rid the dictator? People! It is stupidity instead focusing at the main rote of the problem if we be humanized at the effect of the problem. Please understand me what I mean . I am personally continually affected because of the situation. But what can I do? First i began to help some of members of my family,then I continue to help some very closed family members, now they started to ask me even relatives which I don´t know them closely. Is it not yours all (Eritreans) reality too. Where is the end of this vicious circle?Why the poor men like Eritreans get lost courage to marsh at Godana Harnent to ask about their rights while the rich people in Libya, Tunisia, Egypt etc risking their life in the center of their townsjust simply to fight for their rights?

    • Huluf November 4, 2011

      truly, Truly i say to you ,

      That is the most honest and heartfelt description you made and feel nothing bad…..to your surprise some of these as bad as I feel like you almost 60% would probably will be on the side of this evil governoment had they crossed to Israel. We are fighting so hard to correct….I have enought data to argue that….If one lives in this lie it is almost automatic a lie would kill you…Yes, they could have proudly stood in Godna Harnet…but the system has deliberatley crushed honor and honor deeds.

  • samrawit November 4, 2011

    biniam ezi tsihufka kab gazetta hadas eritrea dika [copy] gierkayo? i;m sorry but it;s too boring to hear. teberaber dekiska aleka

  • habrom koreda November 4, 2011

    What can we do.just i am very painfull the whole message every word .i am living in suffer when i hear like this tragedy becouse those people is my people.my brothers;sisters it always bother me it is head ace just i can say it is hell.my brother pls keep it do as much u can my god bless u,skill and peace for u.

  • Kozami November 4, 2011

    Since this event is here and now, it is far better to try to help and fail than to not do anything in fear of failure and risk the chance of success (hope it makes sense!). First and foremost, please try to refrain from throwing a political salvo whichever side of the political divide you are, people. Just resist the urge for the sake of the people in this situation. Secondly, this is not the time to pontificate about other logical alternatives that could have been, but time ask what if any that you can do to assist. Can you write a letter to your local MP, can you contact news outlets, can you write to Egyptian/Israeli embassy or help to fund the creation of campaign website, petition different organs of various relevant authorities, can you organize a creative event to attract attention, can you send or go yourself as a delegation to the area/region? Can you write encouraging and thoughtful comments in this comment sections as a mark of respect…. I know many un/non-Eritrean entities would have a field day spoiling your ideas, but can you give them deaf ears and focus on the task at hand? Perhaps you have good social rapport and network, can you facilitate to attract some credible patrons/elders to take up roles with in the over all campaign. Just, let’s ask ourselves, what is the least we could do and what is the most we could do. And decide what it is that we are comfortable of doing. All you do, please avoid lecturing politics.

  • Barentu November 5, 2011

    This is taken from CNN. Egypt has become the center of organ theft and trafficking in the Arab world. The majority of the Eritrean prisoners under the Egyptian Beduines are victims of this theft. Very few Eritreans are arriving to Israel alive. Most of the Eritreans who are still in Beduine prisons do not know this that even after paying money they are selling their body parts and dumping them.
    ” According to rights groups, refugees — from places like Ethiopia, Eritrea or Sudan — are enslaved and tortured and the women raped if they cannot come up with the large sums of money the Bedouin try to extort from them and their families to smuggle them into Israel.
    But Hamdy Al-Azazy, head of New Generation Foundation, has photos showing corpses with distinctive scars in the abdominal area….
    Al-Azazy says the organs are taken from refugees while they are still alive. “The organs are not useful if they’re dead. They drug them first and remove their organs, then leave them to die and dump them in a deep dry well along with hundreds of bodies.”

    He says he was once taken to the area where the bodies are dumped after the organ removal process. He says he believes corrupt Egyptian doctors are working with the Bedouins, coming to Sinai with mobile hospital units to perform the operations to remove especially corneas, livers and kidneys….
    http://www.cnn.com/2011/11/03/world/meast/pleitgen-sinai-organ-smugglers/

POST A COMMENT