Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህጹጽ ጻውዒት ንኹሎም አብ ስደት ዝነብሩ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ – نداء عاجل لجميع الارتريين في جميع أنحاء العالم

እቲ መስዋእትን ስንክልናን ብሉጻት ደቂ ሃገር ዝሓተተ ናጽነት ንህዝቢ ኤርትራ እቲ ዝተጸበዮ ሰላምን ራህዋን አየጨበጦን ፡ ብኣንጻሩ እኳደኣ ኣብ እዋን ባዕዳውያን ገዛእቲ ከማን ርእዩዎ ዘይፈልጥ ዘስካሕክሕ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል ተፈድዩ ይርከብ። አብዚ ዝሓለፈ 25 ዓመት

እቲ መስዋእትን ስንክልናን ብሉጻት ደቂ ሃገር ዝሓተተ ናጽነት ንህዝቢ ኤርትራ እቲ ዝተጸበዮ ሰላምን ራህዋን አየጨበጦን ፡ ብኣንጻሩ እኳደኣ ኣብ እዋን ባዕዳውያን ገዛእቲ ከማን ርእዩዎ ዘይፈልጥ ዘስካሕክሕ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል ተፈድዩ ይርከብ። አብዚ ዝሓለፈ 25 ዓመት ኣብ ትሕቲ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ፤ ሓዘንና ፡ ሞትና ፡ ስቓይና ፡ ማእሰርትና ፡ ስደትና ፡ መከራና ሳዕሪሩ ፤ ኩሉ ነገር ካብ ዝኸፍኤ ናብ ዝገደደ ይኸይድ ኣሎ ፤ እነሆ ክብርና ተቐንጢጡ ፡ መሰልና ተጋሂሱ ፡ንብዓት አደ ንውላዳ ኮይኑ ዘመኑ። ቁጠባዊ ፡ ማሕበራዊ፡ ፖለቲካዊን ሰብኣዊን መሰልና ኣብ ትሕቲ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ጅሆ ተታሒዙ። ሕድሪ ስዉኣት ተጠሊሙ : ወርቃዊ ዕድል መንእሰያትና ባኺኑ ፡ ገጠራት ኤርትራ ባዲሙ ፡ ወላዲት ወላድ መኻን ኮይና ፡ ቤተሰባት ጸኒተን:: ጭካነ ስርዓት ህግደፍ ቃልዕ ወጺኡ እነሆ ቅንጸላ መንእሰያትና ካብ በረኻ ናብ ከተማ ኣስመራ ኣትዩ ደም ንጹሃት መንእሰያት ኣብ ቅድሚ አዴታቶም ኣብ ጎደና ኣስመራ ክፈስስ ተራእዩ። መከራን ስቓይን ህዝብና ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለም ሳሕቲ ዝኽሰቱ ተርእዮታት ኮይኑ ‘ሎ።

ነዚ ኩሉ ኢሰብኣዊ ፍጻሜ ኣብ ኣስመራሳህራማእከላይ ባሕሪ እንዳሰማዕና ስቕ ክንብል ሕልናና ኣየፍቅደልናን፣ ታሪኽውን ክሓተናዩ። “ኣነ እንተዘይተበጊሰ መን’ዩ ክብገስ? ጉዳይ ሃገረይ ኣነ እንተዘይጌረዮ መንዩ ዝገብሮ? ሎሚ እንተዘይጌረዮ እሞ ማዓስ ክዓሞ?” ኢልና ነብስና ንሕተት  ከምቀደምና።

እዋናዊ ተመክሮና ኣይ ፍሽለት ጥራይ ኣይኮነን። በቲ ሓደ ወገን፣  መስርሕን ውጽኢትን መርመራ ናይታ ገበናት  ኢሰብኣዊ ስርዓት ህግደፍ ንምጽራይ ትሰርሕን ትቕጽልን ዘላ መርማሪት ኮምሽን ብምድጋፍ ኣብ ኣፍደገ ቤት/ጽ ሕቡራት ሃገራት አብ ጀኔቭን ኒውዮርክን ካልኦት ከባቢታትን፣ ደላይ ፍትሒ ዝገደፈ ገዲፉ ኣሽሓት ማይላት ተጓዒዙ ብኣሻሓት ብምስላፍ  ኣብ ክንዲ እቲ ውጹዕ ህዝቡ፣   ብዓውታ “ምልኪ ይፍረስ ፍትሒ ይንገስ” ክብል ነጎድጓዳዊ ድምጹ ከስምዕ ምስረኤኻን ምስ ሰማዕካን “ኣንታ እዚ ህዝቢ ዘበግሶን ዝውድቦን እዩ ስኢኑ እምበር ታሪኽ ናይ ምስራሕ ኣመሉ ‘ባ ኣይመተን” ዘየብል ኣይኮነን።

ዝኸበርኩም ሰብ ሕልና ደለይቲ ፍትሒ፡ ካብዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ወድዓዊ ክውንነት ብምብጋስ ፡ ንሕና ቃንዛ ህዝብና ዝተሰማዓና ቁስሊ እዛ ሃገር ዘቐንዘወና ካብ ዝተፈላለየ ድሕረባይታ ዝመጻናን ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላተ-ዓለም እንነብርን ብውልቂ ይኹን ብእኩብ ደገፍቲ ናይ’ቲ  – ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ ዝኣመተ ናይ ሓፋሽ ምንቅስቓስ (grass-root movement) ዝኾና ተቓለስቲ ኢና።  “ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን ንምድንፋዕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ “ ወይ Global Initiative To Empower Eritrean Grassroots’ Movement (GIEEGM)” ተባሂሉ ዘሎ ግዝያዊ ናይ ስራሕ ስምና ከምዘነጽሮ ፡ ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ ዝኣመተ ምንቅስቃስ (grass-root movement) ምስ ኩለን ፖለቲካውያንን ዘይፖለቲካውያንን ማሕበራት ብሓባር ብምስራሕን ንኹሎም ኤርትራውያን ብዘይ ኣፈላላይ  ብምስታፍን፣ ምልኪ ብምልጋስ ዲሞክራስያዊ ምስግጋር ከረጋግጽ ዝኽእል  – ዝሰለጠን ኣሳታፍን ቀጻልነት ዘለዎን መንገዲ እዩ ዝብል እምነት ኣሎና።

ኣብ ዝሓለፈ ሒደት አዋርሕ ሰሙናዊ ብመራኸቢ ቴክኖሎጂ ተጠቒምና ክንላዘብን ክንመኻኸርን ድሕሪ ምጽናሕ ከም ኣሳለጥቲ ኴይንና ኣብ ቀረባ እዋን ንኹሎም አብ ስደት ዘለዉ ኤርትራውያን “ካብ ታሕቲ ንላዕሊ” ዝመሰረቱ ብናይ ሓፋሽ ህዝቢ ተሳትፎ ፡ ዓለምለኻዊ መሪሕነት ንኽመርጽ ዝጽውዕ ሰነድ ንምቕራብ ከኣ ‘ዩናይ ቀረባ ምደብና ። ስለዚ “ካብ ህዝቢ ንህዝቢ” ክኸውን መታን ነዚ እነዳልዎ ዘሎና ሰነድ ሓፋሽ ህዝቢ ክሳተፎ ስለዘለዎ ኩልኹም ደለይቲ ፍትሒ ነቲ አብ ቀረባ እዋን እንልእከልኩም ሰነድ አንቢብኩም ክታምኩም ከተንብሩሉ ብትሕትና ንጽውዕ።

እቶም ብዝተፈላለየ ርዱእ ምኽንያት ክታምኩም ከተንብሩ ዘይትኸሉ ከኣ ጠለብኩም ተረዲእና አስማትኩም ዓቂብና ኩሉ እትገብሩልና ደገፋት ብስቱር ክንሕዞ ምዃንና ቃል ንኣትወልኩም። እቲ ብህዝቢ ዝቐውም ዓለምለኻዊ መሪሕነት ምስ ፖለቲካውያን ውድባትን ካልኦት ጥርናፈታትን ሓቢርካ ናይ ምስራሕ ባይታ ምፍጣርን ውድቀትን ስዕረትን  ናይቲ ንህዝብና ዘሳቒ ዘሎ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ምቅልጣፍን ደኣ እምበር፣ ንውድባት ወይ ካለኦት ጉጅለታት ናይ ምትካእ ዕላማ የብሉን። ተበግሶና ፖለቲካዊ ውድብ ኣይኮነን፣ ኣብ መጻኢ ስልጣን ናይ ምሓዝ ሕልሚ’ውን የብልናን። ዕላማና  ካብ ምስላጥን ምቛምን ሕጋዊ ቅቡልነትን መዝነትን ዘለዎ ኣህጉራዊ መሪሕነት ኤርትራ ዝሓልፍ ኣይኮነን።

እቶም ክታምኩም ብምንባር ይኹን ብኻልእ ሸነኽ ክትተሓባበሩ ፍቓደኛታት ዝኾንኩም እቲ ክንዝርግሖ ንቀራረበሉ ዘሎና ሰነድ ቅድሚ ምፍናውና ከተንብቡዎን ናይ ምምሕያሽ ርእይቶኹም ንኽትህቡና ክንልእኸልኩም መታን በዚ ዝስዕብ ኢመይል ክትረኽቡና ብትሕትና ንጽውዕ። ዝኾነ ሕቶ እንተሃልዩኩም ወይ መብርሂ እንድሕር ኣድዩኩም’ውን በዚ ዝስዕብ ኢመይል ክትውከሱና ብትሕትና ንሓትት።

gieegm@googlegroups.com

 

ዝርዝር ኣስማት ኣባላት ሓይሊ ዕማም

ስም ከተማ ሃገር ኢ-መይል
ኣሕመድ ብርሃኑ ዋሽንግቶን ሲያትል ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ  berhanuamen@yahoo.com
ኣማኑኤል ኢያሱ ለንደን ዓባይ ብሪጣንያ aseye.asena@gmail.com
ፕሮፈሰር ኣርኣያ ደበሳይ ንውኣርክ፣ ደላዌር ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ Araya124@gmail.com
ኢራሂም መሓመድ ኣምስተርዳም ነዘርላንድስ ibrahimms100@gmail.com
ዶ/ር ሰለሙን ገብረዝጊ ለንደን ዓባይ ብሪጣንያ solomongg2@yahoo.com
ተኽኣ ዮሃንስ ኒውዮርክ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ teka.yohannes@yahoo.com

 

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!!

نداء عاجل لجميع الارتريين في جميع أنحاء العالم
أيها الإخوة والأخوات،

نحن نكتب لكم  أن تكونو  طليعة دعوة لجميع الارتريين في المهجر للانضمام الى الحركة  الشعبية  التي تهدف لانتخاب القيادة العالمية الإريترية .

قد تحقق استقلال بلدنا بعد التكلفة الضخمة لمئات الآلاف من أبنائه وبناته. ولكن، لم يؤد إلى حياة أفضل للارتريين. بل على العكس تماما، كان الوضع أسوأ بكثير من أي وقت مضى.  في السنوات الأخيرة، التجربة الاريترية كانت واحدة من أسوأ في تاريخ العالم.

و لهذا من الضروري توحيد الاريتريين في المهجر لإنقاذ شعبنا وبلادنا. ومن المشجع أن هناك بالفعل ارتريين في أجزاء كثيرة من العالم الذي يتم تنظيمها أو يجري تنظيمها على المستوى الشعبي لإنقاذ شعبهم. من أجل أن تكون أكثر فعالية  يجب تنسيق هذه الجهود وتعزيزها من قبل القيادة العالمية المنتخبة ديمقراطيا. القيادة العالمية المنتخبة ديمقراطيا  ستنسق  وتوجيه الأنشطة على المستوى الشعبي. ونحن نعتقد أن عدم وجود مثل هذه الهيئة العالمية كان الحلقة الأضعف للمعارضة الإريترية. نحن بحاجة إلى إنشاء هذه الحلقة المفقودة الحيوي. وليس المقصود من هذه الهيئة العالمية لتحل محل أو إضعاف عمل الجماعات أو المنظمات السياسية. بل لإنشاء ارتباط بينهما وتنسيق وصياغة أنشطتهم لتحقيق نتائج ملموسة لإزالة النظام الدكتاتوري وتحقيق التغيير الديمقراطي لشعبنا.

هدفنا الرئيسي هو توحيد جميع الارتريين في نضالنا الديمقراطي من أجل التغيير.  و مهمة تشكيل القيادة العالمية هي مسؤولية جميع الإريترية الذين هم على استعداد وقادرة على المساهمة في نجاح المهمة. هذا هو الغرض من دعوتنا المفتوحة لجميع الارتريين. فإن الأفراد الذين تظهر أدناه أسماء بمثابة قوة مهمة مؤقتة لدعوة الإخوة والأخوات الإريترية لدعم “نداء عاجل إلى جميع الاريتريين في جميع أنحاء العالم.”

نحن نعتقد اعتقادا راسخا ان هذا هو أنجع السبل لتسهيل عملية توحيد الارتريين حتى نتمكن من انتخاب جماعي للقيادة  العالمية الشرعية. وسيكون دور القيادة العالمية يتمثل في إعداد الأساس لنقل إريتريا لتكون دولة ديمقراطية، وستبذل جهد كبير لإشراك جميع المنظمات المدنية الإرترية والجماعات، والأحزاب السياسية، والجماعات الإثنية واللغة والدينية، كلا الجنسين، والشباب، وغيرها.  ونحن نفهم أن التغيير سيأتي من داخل البلد، ونحن نعتقد ان تلك العناصر التغيير داخل البلد سيكون أكثر شجع  إذا كان كل الارتريين المحبة لعدالة بما في ذلك المنظمات المعارضة في الشتات هي موحدة والعمل معا.

ونعتقد أن هذه الدعوة تدعو وتشجع جميع الأجزاء المكونة لمجتمعنا في المهجر.  وسوف تكون أكثر نجاحا إذا جميع  الارتريين في القارات الخمس نتكاتف لتوحيد طاقاتنا وجهودنا ونعتمد هذه الدعوة، ونصبح الموقعين على النداء.

وأولئك الذين لديهم أسباب وجيهة لعدم تقديم أسمائهم ، لديهم دور يلعبه في تحقيق نجاح الحركة الشعبية في مجموعة متنوعة من الطرق التي سيتم وصفها في رسالة الدعوة.

ونحن نطلب أولئك الذين هم على استعداد ليكون الموقعين على الرسالة في الاتصال بنا باستخدام عنوان البريد الإلكتروني هذا gieegm@googlegroups.com. إذا كان لديكم أي أسئلة أو إذا كنت تحتاج إلى توضيح، لا تترددوا في الاتصال بنا.

هؤلاء على استعداد ليكونو الموقعين –  سيكون لديهم الفرصة لقراءة واقتراح التحسينات قبل صدور  الدعوة للجمهور.

من نحن؟

نحن الموقعين أدناه،  مجموعة متنوعة من الناشطين الاريتري من جميع مناحى الحياة مع خلفيات مختلفة تقع في أجزاء مختلفة من العالم. نحن نتكون أساسا من مختلف المجموعات الذين كانوا كمجموعة أو كأفراد، أنصار نهج من أسفل إلى أعلى ونشطاء من الحركة الشعبية. كما يشير اسمنا “المبادرة العالمية لتمكين الحركة الشعبية الإرترية” (GIEEGM) “، ونتخذ هذه المبادرة لتمهيد الطريق أمام كل الإريتري للمشاركة في إحداث تغييرات إيجابية في بلدنا. ما جمعتنا  نحن على اقتناع   – بأن الحركة الشعبية من أسفل إلى أعلى  -هي الأكثر فعالية وديمقراطية إلى توحيد جميع الارتريين في إنهاء مشاكل بلدنا. نحن لسنا منظمة سياسية، وليس الدافع وراء مبادرة  و نحن لا نرغب في تولي دور القيادة . كل ما نقوم به هو لتسهيل انتخاب القيادات العالمية من خلال إشراك الارتريين في الشتات على المستوى الشعبي.

فرقة العمل في ترتيب هجائي:

عنوان بلد مدينة اسم
 berhanuamen@yahoo.com الولايات المتحدة سياتل، واشنطن السيد أحمد برهانو
aseye.asena@gmail.com المملكة المتحدة لندن السيد أمانويل اياسو
araya124@gmail.com الولايات المتحدة نيوارك ديلاوير بروفسور ارايا دبساي
ibrahimms100@gmail.com هولندا أمستردام السيد إبراهيم محمد
solomongg2@yahoo.com المملكة المتحدة لندن الدكتور سلمون جبرجرجويس
teka.yohannes@yahoo.com الولايات المتحدة نيويورك السيدة تخاء يوهانس

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
24 COMMENTS
  • Semur Ghenbar April 21, 2016

    ንዘሎ ምጥንኻርዶ ፤
    ወይስ
    ንዘሎ ረጊጽኻ ሐድሽ ምጅማር ?

    ካብ ታሕቲ ንላዕሊ (Grass root movement) ዝመሰረቱ ብናይ ሐፉሽ ሕዝቢ ተሳትፎ ዓለምለኻዊ መሪሕነት ንኽመርጽ ዝጽውዕ ሰነድ ንምቅራብ ከእዩ ናይ ቀረባ መደብና ብዝብል ሐደሽቲ ብ Global Initiative To Empower Eritrean Grass roots Movement.(GIEEGM ) ትፍለጡ ምስ አስማት ዝርዝርኹም ቕረብኹም አለኹም።
    ተጋዳላይ አማኒኤል ምስቲ ኹሉ በዳህን ሕልኽልኻትን ሐንሳብ ሐንሳብውን ተስፉ ዘቑርጽን ከይተሐለልኻ አብ ኤርትራ ልዕላውነት ሕግን ፍትሕን ክነግስ ክተሰርሖ ዝጸናሕኻን ትሰርሖ ዘለኻን ስራሕ አባኻ ዘለኒ አድናቐትን አኽብሮትን ምወዳደሪ አይርኸቦን።
    ከምኡውን ፓሮፈሰር አርአያ አብ ቕረባ ጊዜ ምስ ረድዮ አሰና ዝገበርኻዮ ተደጋጋሚ ቓለ መሕትት ተኸታቲለ ፤ አዝየ የድንቐኻን የኽብረኻን።
    እቶም ካልኦት አብቲ አስማት ዝርዝር ዘለኹም የሕዋተይውን ሽሕኳ ዘይፈልጠኹም እንተጸናሕኹ፤ በዚ ንህዝብኹምን ሀገርኹምን ከተድሕኑ እጅገኹም ሰፍስፍኩም ተበጊስኹሞ ዘለኹም ዘለኒ አድናቐትን አኽብሮትን የቕርበልኹም።

    ይኹን እምበር ከምቲ አብ ዝሐለፈ ጽሑፈይ ዝገለጽኹዎ ብሽም ” ህዝባዊ ናዕቢ ” ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ህዝቢ አብዘዘለዎ ዓለም ተጠርኒፉን ተወዲቡን እሂን ምሂን ተበሀሂሉ ካብ ውሽጡ ” ይኾኑኒ እዮም ” ይውኽሉኒ እዮም ” ዝበሎም መሪጹ አብቲ ናይ መጨረሽታ ዓለማዊ ( Global)ምስ ለአኸ እታ ካብዚ ትውለድን ትመጽእን ምርጽቲ ኾምቴ እታ እንኾ ተወኻሊት ሕዝቢ ኤርትራን ” አፍን እዝንን ” ኤርትራውያን ኾይና ስልጣን ተረኺባ ተሐታትነታ ንሕዝቢ ኤርትራ ኾይኑ ” ስልጣን ናይ ሕዝቢ ምኳኑ ዝረጋገጸሉ አሰራርሐ እዩ ኔሩ ፓሮግራማ።
    አብ መጨረሽታ ድማ ዝወሰደ ጊዜ ይውሰድ ካብ ” መሰረት ዘይብሉ ተብተብ ስሉጡነት ሕዝቢ ዝዝውሮ ዝቐጻጸሮን አድማዕነት “ከምዝሐይሽን ዝምረጽን አባላታ አብ ዝተፈላለየ ሚድያን ፓልቶኽን ቓለመሕተትን እዮም ብስፊሕን ብዘአምንን አብሪሆምን የዕጊቦምን ይሰርሑን አለዎ።
    እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኢኹም እምበአር በዓል አማኒኤል ቑልጡፍ ፍታሕ ንምምጻእ ተበጊስኹም ትጎዩ ዘለኹም።
    ግን ሕጅውን ምስዛ ተበጊሳን ብዙሕ ሰራሕ ሰሪሐን ትሰርሕን ዘላ ተሐዊስኹም እንተትሰርሑ እቲ ውጺኢት ቑልጡፍን አድማዕን ምኾነ ይብል።
    አብ መጨረሽታ ከስምረሉ ዝደሊ ከምቲ መምህር አማኒኤል ሳህለ አብ ቐረባ ጊዜ ብሰፊሕን ብሱልን አቐራርባ ” ኅብረት ፤ ኃቢርኻ ምስራሕ እታ እንኾ አማራጺ ዘይብላ ነዚ ብውሽጥን ብደገን ቦኽቢኹ ዘሎ ስሚ ኤርትራውያን ህግደፍን ዝምቡዓት ደገፍትን ተቦንቒሮም ዝእለዩላ መሳርሒት ምኳናን እዩ።

    ሕጅውን ምስዘሎን ዝሰርሕን ዘሎ ተሐዊስኻ ምስራሕ ይምረጽ ካብ ንዘሎ ረጊጽካን ገዲፍኻን ሐድሽ ምጅማር ይብል።

    “ኅብረት ኃይሊ እዩ ።

    • Zewoldi April 22, 2016

      Dear Semur
      We do not have any initiation to destroy the existing initiative; the first step we took was to contact those existing organized organization how to work together; that includes Hizbawi Meleal, NegabaE; Our Voice; Wedi Vaccaro Group and Eritreans for Bright Future; these organization; those which we manage reached them.
      Therefore, dear brother , to explain briefly our aim therefore (1) to create synergy with sister organization those believe the same objective; even without changing your name in your locally as your name implies brand to your organization; (2) those not yet active community taking lessen from those established one create their own “BAIYTO”; and (3) upscale the initiative to regional and global
      Therefore brother may you please drop us your detail to our email; so that we can call you to discuss about your concern

      Thank you very much
      Zewoldi

    • Debre April 25, 2016

      ክቡር ሰሙር
      እዛ”ተበጊሳን ብዙሕ ሰሪሓን ትሰርሕ ኣላ” ዝበልካያ ምንቅስቃስ መን እያ፧ ፕሮግራማታ ብግልጺ ንህዝቢ ዘርጊሓ ነራ ዶ፧ ብዙሕ ዝሰርሓቶን ትሰርሖ ዘላ ከ እንታይ እዩ፧

      • Semur Ghenbar May 7, 2016

        ክቡር Debre ፤

        ምስ ጊዜ ምሕጻርን ዘይምፍታሽን ሕቶኻ ሎሚ እየ ረኺበያሞ መልሰይ ንሕቶኻ ፤
        ፓሮግራሞም ንዝምልከትን ክሳብ ሽዑ ጊዜ ዘካየደቶ ስራሕን ትቕጽሎ ዘላ ዕማምን አብቲ ምስ ራድዮ አሰናን ራድዮ ኤረናን ከምኡውን አብ paltalk አትዮም ብዝግባእ ሐቢሮምን አነጺሮምን እዮም ይሰርሑን ይጽዕሩን ከምዘለውን ድማ ይከታተል እየ።
        የቕንየለይ።

  • Gezakenisha April 22, 2016

    Unity on the reality could be power full.

    WOW it is a great move to make developments in this country. However in the analogous part of our identity and sonority needs to revise we were, are and will an Ethiopian.

  • Semur Ghenbar April 23, 2016

    ዝኸበርኻ ዘወልዲ ፤

    ዘቕረብኻዮን ዝመለስኻዮን ጽሑፍኻ የኽብሮን የድንቖን።
    እታ ” ረጊጽኻ ” ትብል ቃል ድማ ብ ነጢርኻ ክትእረመለይ ብትህትና ይሕብር።
    አብቲ ቐንዲ አርእስተይ ክምለስ፤
    እሞ ምስታ ተበጊሳን ቕድሚት ትምርሽ ዘላዘላ አውቶቡስ አርኺብኻ ተሰቒልኻ አብ ውሽጣ አቲኻ እህን ምህን ተበሀሂልኻ ተአራሪምኻ ብ (ኳርታ) ራብዓይ ማርሻ ተሐንቢብኻ ንሕዝቢ ኤርትራ ካብዚ ወሪድዎ ዘሎ መቕዘፍቲ ምድሐንዶ አይምሐሸን ካብ አብ ሐዳስ አውቶብስ አምጺኻ ሐዲሽ ጉዕዞ ምጅማር ?
    ሕዝቢ ኤርትራ እኾ አብ( EMERGENCY ) አብ ሐደጋ እዩ ዝርከብ ዘሎ።ደቑን ንብረቱን ተዘሚቱ ከለዎ ዝጠመየ ብሽም ባጤራ ምቕያር ገንዘቡ ዝተዘምተ ሐርቢትዎ ካብ ዝኾነ ዝኾነ ፍታሕ ቑልሕ ይብል አሎ።
    ንሕና ግን ንግሆ ንግሆ ሐሕደሽቲ አውቶቡሳት አምጺእና ንኺድ ንበገስ ንብል ኾይና ጊዜዶ አይንመጥጥን አለና።
    አብዚ እዋን እዚ አብ ኤርትራ አብ ነብስወከፍ ሰከንድ ቅትለትን ማእሰርትን ራስያን ዓመጸን ዝምታን ኮታስ እንታይ ኢኻሞ ክትብሎ ዝሐልየሉን ዝጣበቐሉን ስኢኑ ሕብሩ ተደምሲሱ ሞራሉ ወዲቑ ብጔሂ ማዓንጥኡ ሕሪሩ አብ ትካዘንን ሐዘንን እኾ እዩ ዝርከብ ዘሎ ።
    እሞ ሕዝብና አብ ከምዚ ዘድምም ኩነታታ ከሎ አውቶቡሳት እንተቐያየርና አፎርኩቡ ነርኽብዶ ?

  • Desalegn April 24, 2016

    ዝኸበርካ ሰሙር,

    ንዘሎ ምጥንኻርዶ ፤ ወይስ ንዘሎ ረጊጽኻ ሐድሽ ምጅማር ?

    ኣብ ቀንዲ ኣርእስትኻ ኣስፊርካዮ ከምዘለኻ ከምዚ ዝስዕብ ይብል “እሞ ምስታ ተበጊሳን ቕድሚት ትምርሽ ዘላ አውቶቡስ ኣርኪብካ ተሰቒልካ አብ ውሽጣ አቲኻ እህን ሚህን ተበሀሂልካ ተአራሪምካ ብ (ኳርታ) ራብዓይ ማርሻ ተሐንቢብካ ንሕዝቢ ኤርትራ ካብዚ ወሪድዎ ዘሎ መቕዘፍቲ ምድሐንዶ አይምሐሸን ካብ አብ ሐዳስ አውቶብስ አምጺኻ ሐዲሽ ጉዕዞ ምጅማር ?”

    ኣዚ ኣበሃላዚ ብግዳም ኮይንካ ክተንብቦ ከለኻ ሓቅነት ዘለዎ ይመስል ኮይኑ ግን ንሓቅነቱ ኣብቲ ዘሎ ባይታ ክተረጋግጽ ምስትፍትን ግና ካብ ሓቂ ኣዝዩ ዝራሓቐ ኮይኑ ኢኻ ትረኽቦ። ሓንቲ እትዉስ ንኽትስቀላ ቀዳምነት መበገሲኣ ቦታ ክትፈልጥ ኣለካ እዚ ምስ ዘይኸዉን ኣብ መንገዲ ክትስቀል ምስ ትደሊ በቲ ክትጓዓዘሉ ትደልዮ ቦታ ኣብ ሰዓትካ ተረኺብካ ኢኻ ክትስቀል ዝግበኣካ ይመስለኒ።

    ኣብ ቀንዲ ነጥበይ ከኣቱ

    እዛ ” ህዝባዊ ናዕቢ ” ትበሃል ጠቒስካያ ዘለኻ ንኤርትራዊያን ብምዉካል ትንቀሳቐስ ኣላ ትብላ ዘለኻ ብጽሑፍን ብዘረባን ከምዚ ሕጂ ትብሎ ዘለኻ እንተዘይ ኮይኑ ንናይ በሓቂ ሃለዋታን ስራሓን ህዝቢ ኣፍልጦ ዘለዋ ኣይመስለንን አዩ።

    ናይ ” ህዝባዊ ናዕቢ ” ምንቅስቓስን ሃለዋትን ከምዚ ክጠቕሶ ፈቲነ ዘለኹ ምስ ዝኸዉንን እታ ጠቒስካያ ዘለኻ ክትሕንበብ ተሓሲባ ዘላ እትዉስ ደኣ ኣበይ እያ ክትርከብ ንክትሕንበበላን ቀልጢፍካ ኣብ ዘድለየካ ቦታን ክትበጽሓላ ? ከምኡውን እዛ ክትሕንበበላ ትሕሰብ ዘላ እትዉስ ከምቲ ዝድለ ፍጥነት ዘይትጓዓዝን ወይ ኣብቲ ዝድለ ቦታ ክተብጸሓካ ዘይትኽእል ምኻና ምስ ትፈልጥ ካሊእ እተዉስ ንኽትቅይር ክትግደድ ኢኻ ምኽኛቱ ናቢ ክትበጽሖ ወጢንካዮ ዘለኻ ቦታ ናይ ግድን ክትበጽሕ ሰለዘልካ ።

    ኣነ በወገነይ ክብሎ ዝደሊ ነጥቢ እተሃለዎ ዉድባት ብደርዘን ምቑጻር ዘይኮነ ዘድሊ ካብ ሃገርና ወጻኢ ንንርከብ ኤርትራውያን ዝውክለና ሓደ ጥርኑፍ ሓይሊ መስሪትና ንሓፋሽ ህዝብና ገጢምዎ ንዘሎ ሽግርን ጸበባን ንፈትሓሉ መንገዲ እንተመረጽና ዝሓሸ እዩ ዝብል ኣረኣእያ እዩ ዘለኒ ስለዚ እዚ ሕጂ ተወጢኑ ንዘሎ ብ Global Initiative To Empower Eritrean Grass roots Movement.(GIEEGM ) እዘን እቐዲመን ቆይመን ዘለዋ ዉድባት ይኹና ከምኡውን ኣብ ወጻኢ ንርከብ ኤርትራዊያን ሓቢርና ብምስታፍ ነዚ ተወጢኑ ዘሎ መደብ ትግበረ/ ንምግባር እንትዓየና ተመራጺ እዩ።

    ኢንጅ ደሳልኝ

  • Zewoldi April 24, 2016

    Dear Semur;

    We would like to work with any initaitive similar with our objective; and make them strong may you please give us contact person and contact name; so that we can call and engage them how to work together; if should we aware about your organization we should have reached them; please; we are not building or buying new bus; we are trying to make the bus bigger and better please; we want to bring them on board and learn lessen please; we are faciltiters

    with regards
    Zewoldi

  • dawit April 25, 2016

    Dear Amanual ,
    I highly admire your hardworking and commitment for bringing change in Eritrea , i wish u success in struggle ,but from my point of view , it is better to join the initiatives which have been taken such Nairobi , participating in that and contribute your part and correct if there is wrong ,However starting new grass movement from scratch ,it is wasting time and we are bored , please ,we have not to emphasis on individual ,but it is idea what matter , in addition , we have to get rid of the idea that i has to be the initiator ,

  • Debre April 25, 2016

    ክቡራት GIEEGM ኣባላት
    ሕውነታዊ ሰላምታይ የቀድም። ቀጺለ ንተበግሶኹም ኣድናቆተይ ክህብ እፈቱ።
    ኣብ መልእኽትኹም ዘላ “ኣነ ሎሚ እንተዘይተበጊስ” ትብል ሓረግ ኣገዳሲት እያ። ኣብ ውራየይ ካልእ ኽዕጠቀለይ ክጽበ ከምዘይብለይ ተነጽር መልእኽቲ እያ። ፍርህና ቀንጢጥና ክንብገስ ይግበኣና። ፍርህና ካብ ምንም ዝተበገሰ ኣይኮነን። ምፍራህና ወይ ነፍስኻ ወይ ስድራኻ ግዳይ ንምዃን ስለትቃላዕ፡ ካብ ‘ቲ ሓደገኛ ጉጅለ ሓደጋ ክንከላከል ክንብል ክኸውን ይኽእል። ምፍራህና ጥርናፈ ስለዘይብልና ብንጽል ንገብሮ ምንቅስቃስ ፍሬ ስለዘይብሉ እዩ። ቃልሲ በይንኻ ክሃሲ ‘ምበር ውጽኢት ከምጽእ ኣይተራእየን። ፍርህና ዝቕንጥጥ ባይታ የድሊ። ቀደም ከምቶም ኣቦታትና ዝነበረ ሓቢርካ መሰልካን ግዴታኻን ምኽባር። እቲ መንፈስ እቲ ክምለስ ኣለዎ። ኣቃሊዕኻ ኣሕሊፍካ ምሃብ ከብቅዕ ኣለዎ።
    ሓቂ እዩ ከምቲ ዝበልክሞ እዚ ህዝቢ ዘበግሶ ወዳቢ ኣካል ጎዲልዎ ከምዘሎ ብሩህ እዩ። ሓሳብኩም ነዚ ጋግ ንምምላእ እንተኾይኑ ቅዱስ ሓሳብ እዩ። ከምዚ እንድሕር ኮይኑ ሓሳብኩም ፍርህና ቀንጢጥና ክንስዕበኩም ከም ኣማራጺ ንርእዮ ጉዳይ ኣይኮነን። ከም ሓሳብ ኣብ ዳግመ ግምት ከተእትዉዎ ዝደልዮ ነገር ኣሎ።
    እዚ ፋሕ ጭንግራሕ እቲዎ ዘሎ ደላይ ፍትሒ ኣብ ሓደ መኣዲ ቃልሲ ኣምጺእኻ ከተቃልሶ ምሕሳብኩም ተበግሶኹም ድንቅ ሓሳብ እዩ። ንዓይ ብፍላይ ብኣካል ዝፈልጠኩም ክልተ ሓያላት ሰባት ኣብቲ ጥርናፈ ምህላውኩም ሞራልን ተስፋ ዘስነቀኒ ምጅማር እዩ። እንተኾነ እዚ ናይ ፋሕ ጭንግራሕ ጋግ ንምጽባብ ሓያልን ተባዕን ውድብ የድልየና ኣሎ። ናይ ኣሳላጥነት ኣገልግሎት ክትህቡ ምምራጽኩም ዳግመ ግምት ክግበረሉ ዘለዎ ኮይኑ ይስመዓኒ።
    ጥርናፈኹም ኣብ ኣፍሪቃ ብፍላይ ከኣ ኣብ ጎረባብቲ ኤርትራ ዘለዉ ሃገራት ክኸውን ከምዘለዎ ከተስምርሉ ይግባእ። ተፈንቲትካ ቃልሲ ከም ቃልሲ በይናዊ ፍሬ ኣይርከቦን ስለዝኾነ።

    ብዝተረፈ ሓሳብኩም ክሰምር እግዚኣብሄር ኢዱ የንብረልኩም። ኣሜን

    ምልኪ ይፍረስ ፍትሒ ይንገስ

  • Semur Ghenbar April 25, 2016

    ክቡር ሐው ዘወልዲ፤

    ስለቲ ተገዲስኻ ፕሮግራምኩምን ዕላማኹምን አነጺርኻ ዘብራህካለይን ዝገለጽካለይን ብልቢ የመስግነኻ።
    ዘይአነስ ካብ ኽቱር ሕንጡይነትን ዝነበረኒ ስክፍታ ንምግላጽን እምበር መዓስ ካባኹም ለቢመን ፈሊጠን ኾይነ።
    በሉ ኺዱ መርሹ ሕዝብኹምን ሀገርኹምን አድሕኑ ሕዝቢ ኤርትራ ካልአይቲ ዓርቢ ክርኢ ጭንን ይብል አሎ።ሕዝቢ ኤርትራ ድማ ልቡን ቐልቡን ምስ ደለይቲ ፍትሒ እዩ ዘሎ።
    እግዚአብሔር ምሳኹም ይኹን።

  • Zewoldi April 25, 2016

    Dear Semur Ghenbar;

    We are trying to collect peice and peice of pocket of initiative world-wide; our beleive is that everyone is sitting with one peice part of the puzzle to complte the puzzle each of us we need to put that peice puzzle in the right place.
    Therefore, as GIEEGM our responsiblity is that to put or assemble those piece of puzzel together so that we can see the puzzel is complte done; from your side you have menitioned there is initiative working from bottom to up around your area; but you have not given to us the contact focal person neither didn’t sent email in support of the idea you will help to mobize or bring those active entity to us; therefore; please donot hide that peice of puzzle

    With regards
    Zewoldi

  • g michael April 30, 2016

    The question to ask. Is grass root movement of bottom up approach as indicated by ‘mle’eal’ not rising to the occasion? The occasion being the urgency with which GIEEGM is correctly calling for global leadership still based on bottom up.

    g michael

Post a Reply to Debre Cancel Reply