Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ለበዋ ንመንእሰያት ኤሪትራ – 2ይ ክፋል

ለበዋ ንመንእሰያት ኤሪትራ 2ይ ክፋል ከመይ ትኾኑ ተኻታተልቲ መርበብ ሓበረታ ኢንተርነት ኣብ ቀዳማይ ክፋለይ ብዛዕባ ክብረት ሰብ ንመንእሰያት ተላብየኩም ኔረ እዚ ኣነ ብዝፈልጦ ወገን ኮይኑ ግን ኣብ መላእ ኤሪትራ ኣብ ወወረድኡ ወይ ምምሕዳሩ ግፍዒ ዘይወረዶ ለባም ወይ

ለበዋ ንመንእሰያት ኤሪትራ

2ይ ክፋል

ከመይ ትኾኑ ተኻታተልቲ መርበብ ሓበረታ ኢንተርነት ኣብ ቀዳማይ ክፋለይ ብዛዕባ ክብረት ሰብ ንመንእሰያት ተላብየኩም ኔረ እዚ ኣነ ብዝፈልጦ ወገን ኮይኑ ግን ኣብ መላእ ኤሪትራ ኣብ ወወረድኡ ወይ ምምሕዳሩ ግፍዒ ዘይወረዶ ለባም ወይ ዘይደሃልዎ ሽማግለ የለን። ንኣብነት ኣብ ሰማንያታት ኣብ ባርካ መንእሰያት ክገፉ ህ.ግ. ምስ መጹ እቲ ህዝቢ ነዞም መንእሰያት ኣወዳት ውሰድዎም ኣዋልድ ግን ባህልናን ሃይማኖትናን ስለ ዘይፈቅድ ኣይትቕረብወን ስለ ዝበሉ ጥራይ ዓዲ ምሉእ ብጥይት ረሺኖሞ። እሞ ኣብ በረኻ ከለዉ ከምዚ ዝገበሩ ዓዲ ምስ ሓዙ ሰላም ክህቡኻ ኣይትጽበየምን እኻ። ንስኻትኩም ዝረኣኹሞ ግፍዒ ኣብ ህዝቢ ኤሪትራ ዝወረደ ይበዝሕ ዝብል ግምት ኣለኒ። ምኽንያቱ ኣነ እቲ ቀደም ህዝባዊ ሓይልታት ውሑዳት ከለዉ ስለ ዝገደፍኩዎም። ስለዚ ካብ ነብስኹም ጀሚርኩም ምክብባር ፍተዉ እየ ዝብለኩም።

2) ንጸላኢኹም ከም ቀሊል ጌርኩም ኣይትርኣይዎ (Don’t under estmate your enemy) ህድእ ኢልኩም ሰጉሙ፡ ኣብ ጭቡጥ ነገር እመኑ ጸላኢኹም ነዚ ከምዚ ናታትኩም ምጥርናፍ ሓያል ስለ ዝኾነ ህዝባዊ ስለ ዝኾነ ዘይተባህለን ዘይተገብረን ኣብ ውሽጥኹም ክነዝሓልኩም ክፍትን እዩ። ቋንቋኹም ዝዛረቡ ሕልምኹም ዝሓልሙ ተመሲሎም መሳትኹም ክልእከልኩም እዩ፡ ህድእ ኢልኩም መዚንኩም ሰጉሙ። ትዕቢትን ጃህራን መንገዲ ናይ ውድቀት ስለ ዝኾና ከይትኽተልወን፡ ዝዕበ ዝጃሃር ሰብ ድሑር እዩ ረዳኢ ወይ ሓጋዚ የብሉን። ከምቲ ኣቦታትና (ቅንፍዝ ከመይ ጌርኪ ደቅኺ ትሓቁፊ ከከም ገጾም) ዝብልዎ ብዝተኻእለ መጠን ንኹሉ ከከም ገጹ ክትሕዝዎ ፈትኑ። ንሓድነት ህዝብን ሃገርን ተቃለሱ ብዝወሓደ ደረጃ ሕድገታት እንዳ ገበርኩም ንክትሰማምዑ ምረጹ ግን ዘውድቐኩም እንተ ኮይኑ ደው በሉ።

3)ንውልቀ-ሰብ እንባ-ገነን ኣይትግበሩ ንዓና ንህዝቢ ኤሪትራ ኣብዚ ኹሉ መከራ ዘውደቐና ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዘይወዓሎ ንሱ ጌሩዎ፡ ገጽ ውግእ ከይረኣየ ንሱ ተዋጊኡ እንዳበሉ ብዘይናቱን ብዘይወዓሎን ስለ ዝወደስዎ ዘዳመቕሉን ኣብ ክንስከሞ ዘይንኽእል ጸገም ኣውዲቑና ይርከብ። እዚ ኩሉ ሰበብ ስልጣን ዝደልዩ ሰባት እዮም ፈጢሮም። ኣንባ-ገነን ክትኮኑ’ውን ኣይትፈትኑ መውደቒኹም ከይከውን። እንባ-ገነን ክኸውን ዝደሊ ዲኽታቶር ወይ ካልእ ኣጀንዳ ዘለዎ ጥራይ እዩ።

4) ሃይማኖት ኣኽብሩ ከም ተጋደልቲ ሻዕቢያ ሃገር ብቕልጽምና ኣምጺእናያ ኣበይ ዘሎ ፈጣሪ ከይትብሉ። ኩሉ ፈጣሪ ዝኣዘዞ እዩ ዝኸውን እሞ ጸሎት ሓጋዚ እዩ። ንዓይቢ ንሽማግለ ሰብኣይ ይኹን ዓባይ ሰበይቲ ጸሎትኩም ኣይትጋደፉና በሉዎም። ምርቓ ዓበይቲ ይበጽሕ እዩ ብዝተኻእለ ክትምረቑ ጸዓሩ። ግን ብዙሕ ግዜ ለዋህ እንተ ኮንካ ትድፈር ኢኻ’ሞ እንተ ተደፈርኩም ተዓገሱ መልሲ ከኣ ብህድኣት ሃብዎም። ሕጊ ንዝጥሕስ እሰርዎ ወይ ብሕጊ ተተሓሓዝዎ ግን ንሰብ ከተሐጉሱ ኢልኩም ሸለል ኣይትበልዎ፡ እዚ ንባዕሉ ጉቦ እዩ ዝቑጸር። ሕጊ ጥዑም እዩ ሕጊ ግን ሕሱም እዩ፡ ምኽያቱ ጥዑም ዝኾነሉ ንኹሉ ብማዕረ ስለ ዝፈርድ፡ ሕሱም ዝኾነሉ ከኣ ናብ ነብስኻ ስለ ዝመጸካ። እቲ ይኹን እቲ ብሕጊ ተገዚእካ ምኻድ ዝመስልዎ የለን። ስለዚ ኣብ ሞንጎኹም ንኹሉኹም ዝጥርንፍ ዘተሓቋቁፍ ወይ ዝጠምር ናይ ሓባር ሕጊ ግበሩ።

5) ደቂ-ኣንስትዮ ፍርቂ ኣካል ሕብረተ-ሰብ ኤሪትራ ከም ዝኾና ብዕግበት ወይ ብመትከል ኣሚንኩም ኣብ ስራሕ ማዕረኹም ኣዋፍርወን። ብዘይከአን ዓወት የለን። ከም መሳርሒ ከይትሓስብወን ወይ ከይትጥቀሙለን ሓደራ። ብዛዕባ ሕጻናት ኤሪትራ ዘትይሉ ምኽንያቱ ኣብ ሃገርና ብዙሕ ግዜ ሕጻናት እንዳ ተበደሉ እዮም ዝዓብዩ። ገለ ብስእነት ገለ ከኣ ብሰንኪ ናይ ኣተሓሕዛ ሕጽረት ኣፍልጦ፡ ክንክን ሕጻናት ኤሪትራ ብሕማቕ ይዓብዩ ስለ ዘለዉ ብዛዕብኡ ክትዝትዩ ይግባእ ምኽንያቱ እዞም ሕጻናት እዚኦም ናይ ጽባሕ ወረስቲ ሃገር እዮም። ይቕጽል……

 

ካብ መኮነን ዓንደሚካኤል

ቶሮንቶ ካናዳ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
8 COMMENTS
  • THE NOBLE TEACHER May 27, 2014

    Bravo Mekonnen,

    They need wise advice,Eritrean young have no good role models.Thank you for suggesting sound advice without getting too much in to political side of it.

    I am impressed,I hope the young ppl are too.

  • Dawit May 28, 2014

    Mokie Lebam seb

  • Medber May 28, 2014

    Entay kewoso, Lebam zerba.

  • ERITRAWIT May 28, 2014

    Nay behakey des zble mensey thtey amlak awet msaka ykun.

  • Awet Nihafash May 28, 2014

    woow very wise… THE WAY YOU WRITE IT AND THE EMOTIONS BEHIND IT REMINDS ME OF ABONA WOLDEAB WELDEMARIAM `S ARTICLES…I LIKE IT

  • Hidat May 28, 2014

    BIZAEBA HIXANAT ERITRA ZETILU MIKNYATU HIXANAT AB HAGERNA ENDATEBEDELU EYOM ZIABYU………………WEY BIDEEEEEE.

    • Sorobeti May 28, 2014

      Hidat

      Remember the tenth of thousands of children who became orphans due to the adventurous wars of DIA. Imagine a child who lose his father in war and mother going to Gulf countries to work as a maid, how he will be grown up. The children of tenth of thousands that are perished in the prisons of the mafia regime.
      Hidat, the mafia regime has turned Eritrea to a country of tenth of thousands of ORPHANS.

  • Hidat May 28, 2014

    SOROBETI

    ADVENTUROUS WARS NIMEN YIMILKET KABAY NILELI SILE TIFELTO MINGAR AYDLEYENIN EYU.

POST A COMMENT