Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ለበዋ ንዓመተ 2017

ክቡራት ኣንበብቲ ነዛ ሓጻር መልእኽቲ ብትዕግስቲ ክተንብቡዋ እምሕጸነኩም። ብቀዳምነት ርሑስ ሓድሽ ዓመት ክኾነልኩም እምነ። ብምቕጻል፡ ኣብዚ ህዝብናን ሃገርናን ኣብ ኣዝዩ ተኣፋፊ ኵነታት ኣብ ዘለዉሉ እዋን፡ ኣብ ወጻኢ እንነብር ኤርትራውያን፡ ነፍስወከፍና ክንገብሮ ዝግብኣና ንገብርዶ ኣለና ኣይንገብርን ኢልና

ክቡራት ኣንበብቲ ነዛ ሓጻር መልእኽቲ ብትዕግስቲ ክተንብቡዋ እምሕጸነኩም።

ብቀዳምነት ርሑስ ሓድሽ ዓመት ክኾነልኩም እምነ። ብምቕጻል፡ ኣብዚ ህዝብናን ሃገርናን ኣብ ኣዝዩ ተኣፋፊ ኵነታት ኣብ ዘለዉሉ እዋን፡ ኣብ ወጻኢ እንነብር ኤርትራውያን፡ ነፍስወከፍና ክንገብሮ ዝግብኣና ንገብርዶ ኣለና ኣይንገብርን ኢልና ንነፍስና ክንሓትት ይግብኣና። ናይዚ መልሲ ንምርካብ ድማ ብዙሕ ኰለል ዘድሊ ኣይመስለንን። ወዮ ወዲሰብ ሓቂ ኣይፈትዋን እዩ’ምበር እቲ ቅኑዕ መልሲ ብኣሉታ ዝምለስ እዩ። እንታይ እዩ እቲ ጸገም ኣብ ዝብል ሕቶ ምስ እንኣቱ፡

  1. እኹል ተወፋይነት ስለ ዘይብልና
  2. ቅኑዕ ኣገባብ ቃልሲ ንጥቀም ስለ ዘየለና
  3. ኣብ ዕላማና ስለ ዘይንጸናዕና
  4. ኣብ ነንሓድሕድና ተጻዋርነት ስለ ዘየማዕበልና
  5. ደሞክራስያዊ ባህሊ ስለ ዘየስፈንና
  6. ቀዳምነት ብዛዕባ ዝወሃቦም ጕዳያት ኣብ ክንዲ ምዝራብ ኣብ ካልኣዊ ጕዳያት ነተኵር ስለ ዘለና
  7. ቅኑዕ ኣፈታትሓ ግርጭት ንጥቀም ስለ ዘየለና
  8. ማሕበራዊ ድሕረት ስለ ዘሎና

እዞም ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለዉ ነጥብታት ከም ቀንዲ ድኻማትና ዝትቀሱ ኮይኖም ከም መርኣያ ሳዕቤኖም ነዚ ዝስዕብ ዝርዝራት ክጥቀስ ይከኣል።

  1. ደለይቲ ፍትሒ ተባሂልና ኣኼባ ወይ ጉባኤ ክጽዋዕ ከሎ ወይ ሓደ ዕማም ክወሃበና ከሎ ቀምሽ ኣደይ ሓንኵሉኒ ዝዓይነቱ ምኽንያት ብምሃብ ኣብ ኣኼባ ኣይንርከብን ወይ ድማ ነቲ ስራሕ ኣይንፍጽሞን።
  2. ኣብ ቃልሲ ክንጥቀመሉ ዝግብኣና ቅኑዕ ኣገባብ ከሎ ብዝመሰለና ክንከይድ ናይ ምድላይ ኣንፈት ይርአ። ቃልሲ ክብሃል ከሎ ብመምርሒታት ተቐዪድካ ምኻድ ንዓወት ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ብኣቋራጭ ዝዕወት ቃልሲ ዘሎ እናመሰለና ግዲ ኾይኑ ወይ ጕድለት ንቕሓት ግን ቅኑዕ ኣገባብ ቃልሲ ክነካይድ ኣይንርአን። ገለ ብረታዊ ቃልሲ እዩ ኣድላዪ ክንብል ከለና፡ ገለ ድማ ፖለቲካውን ጐነጻውን፡ ገለ ድማ ዘይጐነጻዊ ጥራይ፡ ገለ ካብታትና’ውን ኣብ ጽገናዊ ለውጢ እንኣምን ኢና። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ ግን ነፍወስከፍ ምንቅስቓስ ቅኑዕ በቲ ዝኣመነሉ ኣገባብ ቃልሲ ጸኒዑ ክቃለስ ዘይምኽኣል ተርእዮ ኣሎ። ግድን በቲ ኣነ ዝኣምነሉ ኪድ ኣይብሃልን እዩ።
  3. ዝኾነ ሰብ ኣብ ሓደ ዕላማ ወይ ምንቅስቓስ እንተ ተሳቲፉ ጸኒዑ ክቃለስ ኣሎዎ። ካብኡ በለ ቃልሲ ክብሃል ከሎ ክውዕየካ ብማንካ ክዝሕለልካ ከሎ ድማ ብኢድካ ኣይኮነን። ብፍላይ ኣብ ወጻኢ እንነብር ምስ ኵነታት ስራሕ ይኹን ኵነታት ንነብረሉ ዘለና ሕብረተሰብን ባህልን ናይ ምሕንቃቕ ነገር ነርኢ ኢና። ህዝብና ኣብ ምንታይ ኵነታት ከም ዘሎ ንፈልጥ ካብ ኮንና ግን ቍሩብ ሕልና ክንገብር ክንክእል ኣለና። ኣብ ውሽቲ ዝነብር ህዝብና’ኮ ዘሎዎ! ኣነ ደኣ እበልዕ፡ እሰቲ እኽደንን ከም ድላየይ እንቀሳቐስን ኣለኹ፡ ብምባል ነቲ ካባና ዝግባእ ነገር ኣብ ምፍጻም ክንነጥፍን ብጉሳት ክንከውን ይግባእ።
  4. ኣብ ነንሓድሕድና ምክብባርን ተጻዋርነትን ስለ ዘይብልና ሓድነትና ድልዱል ኣይኮነን። ይትረፍ ክድልድል፡ ኣብ ክንዲ ምሉእ ዓቕምና ኣንጻር ቀዳማይ ጸላኢ ነቕንዖ፡ ኣብ ነንሓድሕድና ክንተሃናዀት ንጽንቅቖ ኣለና። እዚ ልክዕ ከምቲ ኣቕሑ ብክቡር ዓዲጉ ብሕሱር ዝሸይጥ ዓሻ ነጋዳይ የመሳስለና ኣሎ። ኣሕዋት ቍሩብ ንሕሰብ! ቃልስና ከምቲ ኣቦታትና ዝብሉዎ፡ ዛግራ ናብዚ መሸንጐጋ ናብቲ ኣይንግበሮ።
  5. ብፍላይ እቶም ኣብ ኤውሮጳ እንነብር ኤርትራውያን ካብቲ ንነብረሉ ሕብረተሰብ ክንመሃር ክንክእል ኣለና። ኤውሮጳውያን ኣብ ባይቶኦም ብዛዕባ ዝተፈላለየ ጕዳያት ብክትዕ ሃመድ ክጋበሩ ውዒሎም ኣማስያኦም ብሓደ ኮፍ ኢሎም ክሰትዩን ክዘናግዑን ንርእዮም። እቲ ኣብ ባይቶ ዝገብሩዎ ንህዝቢ ብጋህዲ ዝርአ ክትዕ’ውን ናህሪ ዘይተሓወሶ ልዙብን ርጉእን ኣገባብ ምዃኑ ኣዝዩ ይምስጠካ። ቍሩብ ንሕሰብ፡ ንሳቶም ዝገፍዖም ጸላኢ ዘይብሎም ከለዉ እዮም ከምዚ ንርእዮም መንፈሳዊ ቅንኢ ዘሕድር ዘተን ልዝብን ዘካይዱ። ንሕና ግን ናይ ሓባር ጸላኢ ከለና፡ ኣብ ግዜ ሰላማዊ ሰልፍታት ጐረሮና ክሳዕ ዝጭደድ ዳውን ዳውን እናበልና ክንስና ጽምውዋር ዝብሃል ሓሪሙና ንርአ ኣለና። ከምዚ ሎሚ ህግደፍ ነቲ ክቡር ባህልና መሃነኑ ከየጥፍኣሉ ከሎ፡ ኣቦታትናን ኣቦሓጐታትናን ኣብ ናይ ዓዲ ባይትኦም ብስነስርዓትዮም እሂን ምሂን ዝብሃሉ ነይሮም። ቈልዓ ኮይነ ንዓድና እከይድ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ዓበይቲ ዓዲ ኣብ ባይቶ ሃዲኦም ክዝትዩ ከለዉ ሕጂ ኮይኑ ይረኣየኒ። ስለዚ፡ ሓደ ሰብ ኣብ ፈይስቡክ ይኹን ኣብ ፓልቶክ ርእይቶኡ ስም ዝህብ፡ ስሙን ዘይስሙን እናሃብና ክንጽሕፍ ወይ ክንዛረብ ከለና ብመሰረቱ ቅኑዕ ኣይኮነን፡ ነቲ ቃልሲ ድማ ንድሕሪት ዝጐትት ተግባር እዩ። ዝኾነ ሰብ ይትረፍ ሓሳቡ ክገልጽ መሰል ካልኦት ክሳዕ ዘይገሃሰ ድላዩ ክገብር መሰል ኣሎዎ። ስለዚ፡ ንሕና ዘይንሰማምዓሉ ርእይቶ ምስ ዘፍስስ ክንቍጥዖ፡ ክንድህሎን ክነጥቅዖን ግቡእ ኣይኮነን። ናይ ሓደ ጽፉፍ ሕብረተሰብ ባህሊውን ኣይኮነን። ስለዚ፡ ኣብቲ ጽባሕ ንግሆ ዝትከል ሰላምን ደሞክራስን ዝሰፈኖ ስርዓት ብግቡእ ክንዋሳእ እንተዄንና ካብ ሕጂ ነዚ ምዕቡል ናይ ኣቦታትና ባህሊ ክንርዖሞ ኣለና። ደሓር ከኣ ንህግደፍ ዘይደሞክራስያዊ ጭፍራ እዩ ዝብል ቅጽል እናሃብና፡ ንሕና ከምኡ ኦኣይነት ባህሪ ክነጥሪ እንተዄንና ብየናይ መለክዒ ኢና ንቃወሞ ዘለና? ንስልጣን ጥራይ ዲና ንህግደፍ ንቃወሞ ዘለና? ኣይመስለንን። ምስ ህግደፍ መትከላዊ ፍልልይ እዩ ዘሎና። ፍልልይና ግን ብተግባር ክነርእዮ ኣለና። ጭርሖናን ተግባራትና ክሳነ ኣሎዎ።
  6. መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ደለይቲ ፍትሒ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ መንእሰያት ዝርአ ኣሉታዊ ተርእዮ ኣሎ። ብልጭ ኢሉ ዝጠፍእ ስለ ዘይኮነ ድማ ቀሊል እናመሰለ ሳዕቤናት ከኸትል ጸኒሑ። ንህዝብና ኣዝዩ ዘሳቕዮ ዘሎ ህላዌ ኢሰያስ እዩ። ስለዚ፡ ኵሉ ዓቕምና ንኢሰያስ ብኸመይ ንእለዮ? ዝብል ክኸውን እዩ ዘሎዎ። እንተ ተዓዘብና ግን ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት፡ ኣብ ፓልቶክን ኣብ ፈይስቡክን ብዛዕባ ዝተፈላለየ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣገዳስነት ዘይብሉ ተጋደልቲ ሰፋቱ ድዮም ኣይኮኑን? ኣየነይቲ ባንዴራ ኢና ንጥቀም? ታሪኽ ቃልሲ ኤርትራ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ድዩ ኣይኮነን? ብዛዕባ ቅዋም እንታይ ንግበር? ሕቶታት ብዙሕ ተጻሒፉን ተዘሪቡን። ብቀዳምነት ክንፈልጦ ዘለና፡ ንሕና መን ስልጣን ምስ ሃበና ኢና ብዛዕባ እዚ ጕዳያትዚ ክንውስን? ይትረፍ ስልጣን ክህልወና ህዝቢ ከም ወግዓውያን ተቓለስቲ ክእምነልና እንተኾይኑ’ውን ቅድም ሃደ ጭቡጥ ዝኾነ ፍረ ክነርኢ ኣለና። ንባዕልና ሓቢርና ኣብ ሓደ ስሙር ግንባር ወይ ግዝያዊ መንግስቲ ከይተጠርነፍና ብህዝቢ ኣፍልጦ ክንረክብ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ስለዚ፡ መጀመርያ ኣንጻር ወልቀምልኪ ንገብሮ ቃልሲ ብኣድማዕነት ንሓዞ። ንሱ ምስ ወዳእና እቲ ድሕሪ ስርዓት ኢሰያስ ዝትከል ብዝህቢ ዝተመርጸ ሕጋዊ ኣካል ወይ ባይቶ ንባንዴራ፡ ቋንቋ፡ ሕቶ መሬት፡ ሕቲ ገበነኛታት፡ ሕቶ ቅዋም ወዘተ ክውስን እዩ። ስለዚ፡ ነቲ ነገር መን መርዓት ምስ በለኺ ትኰሓሊ ኣይንግበሮ። ደሓር ከኣ ቦኣቢኡ ህዝብና ይኹን ማሕበረሰብ ዓለም ይዕዘበና ከም ዘሎ ክንፈልጥ ኣለና። ሰላሳ ዓመት ክንቃለስን ብሃያላት መንግስታት ዝተደገፈ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ዝነበሮ ገዛኢ ሓይሊ ክንስዕር ዘይጸገመና ህዝቢ ንሓደ ኣብ ሕብረትሰብ ኤርትራ ሰፊሕ ባይታ ዘይብሉ ውልቀመላኺ ካብ ስልጣኑ ምእላይ ከመይ ኢሉ ክጽግመና ይኽእል? ብናትና ድኻም እንተ ዘይኮይኑ እቲ ኦኣቕም ኣሎ!!
  7. ዝኾነ ቃልሲ ይኹን ውልቀሰብ ግቡእ ኣፈታትሓ ግርጭት ክፈልጥ ክኽእል ኣለዎ። ይትረፍ ኣብ ቃልሲ ዘሎ ምንቅስቓሳት ውልቀሰባት ኣብ ዝበኣሱሉ ግዜ’ውን ኣሕዋት ወይ ኣዕሩኽ ክኾኑ ከልዉን ጓኖት ኣብ ዝኾኑሉ እዋንን እቲ ኣፈታትሓ ከከም ኵነታቱ ክፈላለ ይኽእል። ዜርካ ዜርካ ግን ጽልኢ ብጽልኢ ስለ ዘይፍታሕ ኵሉ ጻዕርና ንግርጭታት ብልዝብን ብዘተን ኣብ ምፍታሕ ዘተኰረ ክኸውን ኣለዎ። ብፍላይ ኣብ ቃልሲ፡ ንካልኣዊ ግርጭታት ብልዝብ ምፍታሕ ዝብል መትከል ክንትግብሮ ኣለና። ህሓሓኤ ምስ ተሓኤ ዝነበሮም ግርጭት ካልኣዊ ክነሱ ዘይምለክዑ ሒዙ ናብ ብረታዊ ግጭት ስለ ዘምርሐ ብዙሓት ጀጋኑ ብከንቱ ተሰዊኦም። ድሒሮም ግን ሳላ ጸቕጢ ህዝቢ ክላዘቡን ብሓደ ክሰርሑን ክኢሎም። ድሒሩ ግን እቲ ንዘተ ዝጭርሕ ዝነበረ ህግሓኤ ምስ ደልደለ ንትሓኤ ብወተሃደራዊ መንገዲ ካብ ሜዳ ኤርትራ ሰጕጉዋ። ሕጂ’ውን ደለይት ፍትሒ ብረት ስለ ዘይሓዝናን ኣብ ደሞክራኢ ዝሰፈነን ሃገራት ንነብር ስለ ዘለናን ኢና’ምበር፡ ዕጥቃዊ ቃልሲ ነካይድ ውድባት እንተ ንነብርስ፡ በዚ ንኽተሎ ዘለና ኣገባብ ብገለ ኣጋጣሚ ኣብ ረጽሚ ክንኣቱ ቀሊል ነይሩ ዝብሉ ተዓዘብቲ ኣለዉ። ስለዚ፡ ኣብ ሓደ ዕላማ ስለ ዘለና ኣብ ልዝብን ዘተን ንእመን። ይትረፍ ኣንጻር ከማና ተቓለስቲ ኣንጻር ደገፍቲ ህግደፍ’ውን ግዕዙይ ቃላት ክንጽሕፍን ክንዛረብን ቅኑዕ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ጸላኢና እቲ ስርዓት እዩ’ምበር ደገፍቱ ኣይኮኑን። ነቲ ስሮኣትኮ ኩላትና ንድግፎ ኔርና ኢና። ናይ ሕጂ ደገፍቱ’ውን ጽባሕ ንግሆ ራሕሪሖሞ ናባና ክመጽኡ ምዃኖም ክንፈልጥ ኣለና። ስለዚ፡ ነዚ ፈሊጥና ከም ዘይቀርቡና ኣይንግበሮም። ኣገባብ ቃልሲ ንፍለጥ።
  8. ማሕበራዊ ድሕረት ክብሃል ከሎ ንሰፊሕ ኣርእስቲ ዘጠቓልል እዩ። ከም ሓቂ ሕብረተሰብና ምቕሉል፡ ተደናጋጺ፡ ተቐባል ጋሻን ለዋህን እዩ። ካልእ ይትረፍ ሰቡ ተቐቲሉዎ’ውን ኣብ ነገር ከይኣተወ ብዕርቂ እዩ ዝፍጽሞ። ኣብዚ ሕጂ ሒዝናዮ ዘለና እዋን ኣብ መንእሰያት ዝርአ ዘሎ ባህሪ ግን ቍሩብ ዘሰክፍ እዩ። ሳላ ምህዞ ኢንተርኔትን ምዕቡል መራኸቢ ብዙሓንን ወዲሰብ ብፈይስቡክ፡ ትዊተር፡ ኢንስታግራም፡ ሞባይል፡ ኢመይል፡ ጉግል ዝደለዮ ሓበሬታ ይእክብን ይዝርግሕን። እዚ ኮይኑ መንእሰያትና፡ ብዘይካ ውሑዳት ዝበዝሑ ነዚ ብልጫ’ዚ በቲ ዝድለ መልክዑ ክጥቀሙሉ ኣይተራእዩን። ኣብ ፈይስቡክን ፓልቶክን ክንጻረፍን ቆሎ ጥጥቖን ክነዕልል ንውዕል ወይ ነምሲ እንተዄንና፡ ናይ ምሕሳብ ዓቕምና በቲ ዝድለ መጠን ክዓቢ ኣይክእልን እዩ። ስለዚ፡ ኣብ ኣተሓሳስባና፡ ኣዘራርባና፡ ኣጸሓሕፋና፡ ኣካይዳና፡ ኣብ ምድላብ ፍልጠት ለውጢ ክነምጽእ እንተዄንና፡ ንዓበይቲ ክንውከስን ምንባብ ክነዘውትርን ይግብኣና። ወዲሰብ ከንብብ ዘይክእል ወይ ፍልጠት ዝቐስመሉ ኣገባብ ዘይጥቀም እንተኾይኑ ንቕድሚት ክስጕም ዘይኮነ ወይ ኣብታ ዘለዋ ጋም ማን! ክብል ወይ ድማ ንድሕሪት ክምለስ እዩ ዝርአ። ስለዚ፡ ኣብ ቃልሲ ክነድምዕ እንተዄንና ምስ ግዜ ዝኸይድ ፍልጠትን ኦኣቕምን ክህልወና ኣለዎ። ካብኡ በለ፡ ኣብ ኣኼባ ተሳቲፍና ክነብቅዕ ኣብቲ ኣኼባ እንታይ ተባሂሉ ዘይርድኣና እንተኾይኑ፡ ይትረፍ እቃለስ ኣለኹ ክንብል ኣብዛ ኦኣለም ምህልዋና’ውን የጠራጥር። ልዕሊ ኵሉ ግን ወዲ ሰብ ንካልኦት ክቃለስ እንተኾይኑ መጀመርያ ንገዛእ ርእሱ ክኸውን ኣለዎ። እዚ ንክኸውን ድማ ኣድማዒ ፍልጠትን ዓቕምን ክውንን ኣለዎ። ኣብዚ ዘሎናዮ ወቕቲ ሓደ ወዲ 25 ዓመት ብውሑዱ 12 ክፍሊ ክውድእ ጥራይ ዘይኮነ ዘለዎ፡ ምስ ዝኾነ ሰብ ክረዳዳእ ንዝኾነ ሰብ ድማ ከረድእ ክክእል ኣለዎ። ነዚ ንኽገብር ምንባብ ክፈቱ፡ ካብ ዝፈልጡ ክመሃር፡ ግዜኡ ኣብ ዘይጠቅም ነገራት ክንዲ ዘሕልፎ ኣብ ሃናጽን ዘማዕብሎ መዳያት ከተኵር ኣለዎ።

መደምደምታ፡ ነዊሕ ተዛሪበ ኣይትሓዙለይ። ዕድመ ከም ዝደፍአ ሰብ መጠን ብፍላይ መንእሰያት ኣብ ፈይስቡክ ይኹን ኣብ ፓልቶክ ቀንጠመንጢ ክዛረቡን ክጽሕፉን ክሰምዕ ወይ ክንብብ ከለኹ ብዙሕየ ዝድንግጽ። ምኽንያቱ ነዚ ምዕቡል ቴክኖሎጂ በቲ ክከስቡሉ ዝግብኦም ኣገባብ ይጥቀሙሉ ከም ዘየለዉ ስለ ዝግንዘብ። ርግጽ’ዩ፡ ብዙሓት ርጡባት መንእሰያት ኣለዉ ኣብ ቋንቋ ይኹን ኣብ ካልእ ኣገዳሲ ታሪኻውን ፖለቲካውን ጕዳያት ዝጽሕፉ። ጠመተይ ናብቶም ኣሉታዊ ነገራት ዝጽሕፉን ግዜኦም ይኹን ዓቕሞም ንከንቱ ዘባኽኑን እዩ። ንኣብነት ገለ ሰባት፡ ንሓደ ኣዕናዊ ሓሳብ ወይ ዕላማ ዘሎዎ ሰብ ክምልሱሉ ይፍትኑ። ከምዚ እንተ ገይሮም እቲ ሰብ ዕላማኡ ወቒዑ ማለት’ዩ። ስለዚ፡ ንኸምዚኦም ዓይነት መልሲ ኣይትህቦምን ኢኻ። እዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ድማ ብዝተፈላለዩ ኣንጻርቲ ቃልሲ ብዝኾኑ ጕጅለታት፡ ማሕበራት ወይ ስርዓታት ዝተላእኩ እዮም። ምኽንያቱ ውልቀሰብ ብናቱ ተበግሶ ክንድዚ ዝኣክል ኣዋርሕ ክቕጽል ኣይክእልን እዩ። ስለዚ፡ መልሲ እንተ ኸሊእናዮም ወይ ነቲ ፓልቶኮም እንተ ኣጽሚናዮ ዕላማኦም ኣይክወቕዑን እዮም። ቍሩብ’ኮ ክንሓስብ ኣለና። ክንደይ መዓልቲ እዮም ክጻወቱልና?? ነጋሲ ጸጋይ ነይሩ፡ ፓይሎት ነይሩ፡ ፎሮ መጺኢ ብሕጂውን ካልኦት ክቕልቀሉ እዮም። ነዚኣቶም ንቕሓትና ክብ ኣቢልና እንተ ዘይመኪትናዮም ናብ ባምቡላኦም ክቕይሩና እዮም። እታ መድሃኒት ድማ ኢግኖር ምግባሮም እዩ። ክንመላለሶም እንተዄንና መፍቶኦም እዩ። ምኽንያቱ፡ ዕላማኦም መልሲ ክንህቦም እሞ ሽዑ ኣብ ነንሓድሕድና ክንተሃናዀት ስለ ዝኾነ። በሉ ኵሉ ዝተባህለ ኣብ ልብና የሕድሮ። 20167 ዓመተ ሰላምን ራህዋን፡ ፍትሕን ቅሳነትን ክትኮነልኩም እናተመነኹ፡ ደጊመ ርሑስ በዓል ልደትን ብሩኽ ሓድሽ ዓመትን ይኹነልኩም እብል።    

እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል ተሞልሶ

ኖርወይ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • PH December 31, 2016

    ብጣዕሚ ጹቡቅ መልእኽቲ።ኩሉ ዝተጠቅሰ ዝወጾ የብሉን።ብሓጺሩ፡ ኣብ ልብና የሕድሮ amen!!!

POST A COMMENT