Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ለብም ኢሰያስ ኣፈወርቂ

ኣብ ዝሓለፈ ቅነ ኣብ ከተማ ጊሰን (ጀርመን) ኣኼባ ህግደፍን ከምኡ ድማ ኣንጻር እዚ ኣኼባ ህግደፍ ዝቃወሙ መንእሰያት ዝመብዝሕተኦም ሰላማዊ ሰልፊ ዘካይዱ ኔሮም ብሕጽር ዝበለ ክልተ ውራይ ኣብ ሓደ ህሞት ። ቅድሚ ጽሑፈይ ምፍላመይ ነዚ ጽሑፍ “ለብም

ኣብ ዝሓለፈ ቅነ ኣብ ከተማ ጊሰን (ጀርመን) ኣኼባ ህግደፍን ከምኡ ድማ ኣንጻር እዚ ኣኼባ ህግደፍ ዝቃወሙ መንእሰያት ዝመብዝሕተኦም ሰላማዊ ሰልፊ ዘካይዱ ኔሮም ብሕጽር ዝበለ ክልተ ውራይ ኣብ ሓደ ህሞት ።
ቅድሚ ጽሑፈይ ምፍላመይ ነዚ ጽሑፍ “ለብም ኢሰያስ ኣፈወርቂ“ ዝብለ ዘበገሰኒ ሓደ ፈታዊየይ ብስልኪ (ቴሌፎን) ዘዕለለኒ ክነግር መሪጸ ኣሎኹ ። ንሱ ድማ  ብዕለት 03.10.201 ሰዓት  18:00 ድሕሪ ቀትሪ ስልኪ ይድወለኒ   ………………….
ጭርርርርርርርር…..

ሄሎ መን ክብል ….. ድሕሪ ሰላምታና ን ውልቃዊ ዕላልናን ትኽ ኢልና  ናብታ ኩሉ ጊዜ እተሳቕየና  ጉዳይ ሃገርና ኣቶና ። እቲ ናይ ሽዑ ዕላልና ኣብ ናይ ድርኡ መዓልቲ ዝነበረ ናይ ከተማ ጊሰን ውዕውዕ ኩነታት ዘተኮረ ኢዩ ኔሩ ። ኣብዛ ናይ ቴሌፎን ዕላል ድማ ብዛዕባ ናይቶም ተባዓት ተቓለስትን ጀጋኑን ደለይቲ ለውጥን መሰልን ዘይኮነስ ብዛዕባ እቲ ኣብቲ ኣዳራሽ ውራይ ህግደፍ ዝዋዓለ ሃዋህው ከመይ ከምዝነበረ ዝሕብር‘ዩ  ዝነበረ።  ከምዚድማ ይመስል …..
ኣነ ኣብቲ ኣዳራሸ ናይ ጊሰን ክኸይድ እንከሎኹ  ኢሰያስ ይመጽእ ኣሎ ምስ ሰማዕኩ ኣነን ሓደ ዓርከይን ናይ ኢድ ቴሌፎን (ሞባይል) ኣዋዲድና ኣብቲ ኢሰያስ ዝዛረበሉ ሰዓት ንዕኡ ዘሕፍር ሕቶታትን ኩነኔን (በኤርትራውያን ዝተነጸገን ፉንፉንን  ከምዝኾነ) ብምግላጽ ኣብ ቅድሚ ኮራኹሩ ክንምክቶ ሓሲብና ተዳሊና መጺና ። ናብቲ ኣዳራሽ ክንኣቱ እንከሎና እቶም ጀጋኑ ኣሕዋትና  ኣብ ደገ ሆ  እንዳበሉ ነቲ ናብቲ ኣዳራሽ ዝኣቱ ዝነበረ ኣንቱም ከዳዓት ደም ስዉኣት ረጊጽኩም ኣይትሕለፉ , ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ኢሰያስ ኣይተሰወአን,ኣሰር ጀጋኑ ሓዙ ,ንመግዛእቲ ዘይተምበርከኽኩም ንምልኪ  ኣይትፍርሑ ,ኢሰያስ ሓላፊ‘ዩ ታሪኽኩም ኣይተበላሽዉ ወዘተ… ኣንዳበሉ  ብ ነድሪ ይጭድሩ   ነበሩ  እቶም ቁንጣሮ ህግደፋውያን ኣብቲ ቅድሚ እቲ ኣዳራሽ ዝነበረ ብሓጹር ዝተኸበ (ከም ኣብ ጋቢያ ዘለዉ እንስሳታት) ብብደዔ ይጻረፉ ነበሩ ። እቲ ዝገረመኒ ድማ ንመጀመሪያ ጊዜ ኣናብስ ኣብ ደገ ሰብ ኣብ ጋቢያ ተዓዚበ ። ኣነን ብጻየይን ግን ዕላማ ስለዝነበረና ናብቲ ኣዳራሽ ኣምራሕና እቲ ናይቶም ጀጋኑ ጠላማት ዝብል ጸርፊ ንዓና‘ውን ተዋህበና ። ንሕና ግን  ብደጌና (ብግዳማዊ መምዘኒና) እወ ጠላማትን ከዳዓትን ኢና ብልብና ግን ኣብ ጎኖም ጥራሕ ዘይኮነ በቲ ዘካይድዎ ዝነበሩ ሕጉሳትን ፍሱሃትን ኢና ኔርና ።ዝኾነ ኾይኑ ኣብቲ ኣዳራሽ ምስ በጻሕና ወረቐት ዕድመ ብኣምባሳደር ህግደፍ ጴጥሮስ ጸጋይ ዝተወቀበ ኣርእዩና በሉና ነናትና ኣርኣናዮም ። ብሕልፊ ንዓይ እቲ ኣብቲ ኣፍደገ ወረቀት መእተዊ ዝተቆጻጸረኒ ሰብ ብብደዔ ናብ ልብኻ ተመሊስካ እምባኣር በለኒ ። ካብ ልበይሲ ኣይራሓቕኩን ኢለዮ ሓለፍኩ ። ኣብቲ ወሽጢ እቲ ኣዳራሽ ምስ ኣቶና እዚ ዘይባሃል ህዝቢ ተጸቕጺቑ ጸነሓን ብዘይ ምግናን ልዕሊ 1500 ዝኸውን ሰብ ኔሩ ። ንድሕሪት ንገለ 30 ደቓይቕ ተመሊሰ ክሓስብ ጀመርኩ ።  ኣብ ደገ እንከሎኹ ልዕሊ 400 ዝኾኑ ሰላማዊ ሰልፊ ኣንጻር እዚ ኣኼባ ዘካይዱን ኣብ ቅድሚኦም ድማ ቁንጣሮ ህግደፍ ሪኤ ምንባረይ  ባእስታትን ጎነጽን  ከምዝነበረን ደራፋይ ተስፋይ ፊሒራ ኣንታ ፊስቶ  ምስ በልዎ እግረይ ኣውጽእኒ  ክሃድም ከሎን, ሓንቲ ሰበይቲ ዓጋመ  ኢላቶም ብጽፊዒት ክትዕሎ ከላን , እቲ ናብቲ ኣዳራሽ ዝውሕዝ ዝነበረ ብስምባደ ተበታቲኑ ክሃድም ከሎ  ትዝ በለኒ ።  እንታይ ኮይኑ ደኣ እዚ ኩሉ ህዝቢ ንህግደፍ ወኪሉ ክባኣስ ንደገ ዘይወጸ ኢለ ንነብሰይ ሓተትክዋ … ምናልባት ከኣ ከምዚ ኸማይ ሰብ ዕላማ ይኾኑ ወይስ እንታይ ገደሰና ነዚ ነቀይቀይ ዝብል ዘሎ ስርዓት መማውቲ ንኾኖ  ኢሎም ዶ ሓሲቦም ይኾኑ , ኢለ‘ውን ንነበሰይ ኣዳዓዓስክዋ ። ኣብቲ ኣዳራሽ ድሕሪ ምእታውና እቶም ኣነ ዝፈልጦም መሽረፈት ህግደፍ ኣብቲ ልዕሊ ምእራጎም ገጾም ተደዊኑ ሰብ ሓዘን እምበር ሰብ ሕጉሳት ውራይ ኣይመስሉን ኔሮም ። ቁሩብ ከይጸናሕና ነቲ ኣብቲ ኣዳራሽ ዝነበረ ሙዚቃን ትልሂትን ዝስዕር ነጎዳ ዝጥዕም „“ ኣንቲ ኤረይ ኩሕሎ ኣስመራዶ ብህግደፍ ትሕሎ  ሎም ዘበን ሓዲኡ‘ሎ ( ኢሰያስ ይታዓሎ)“ ዝብል  ድምጺ ኣንጎድጎደ ። ኣብ ገጽ እቲ ኣብኡ ዝነበረ ዝበዝሕ ህዝቢ ድማ ከምቲ ቀደም ተጋደልቲ ቀሪቦም ኢልና ኣእዛናን ኣዒንትና ቀው ነብል ዝነበርና   ከምኡ ልክዕ ታሪኽ ዝተደገመ ኮይኑ ተሰማዓኒ። ቲሕም ቲሒም ድማ ተጀመረ ,በብጉጅለ ተታኣምኖ ሒዝካ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዕላል ምዕላል ኮነ ።ኣነ ድማ ኢሰያስ ኣበይ ኣሎ መዓስ‘ዩ ደኣ ከምታ ናይ ኒው ዮርክ ሰሚናር ዘስማዓና ኢለ ንሓደ ዝፈልጦን ዝኣምኖን ተወከስክዎ ንሱ ግን ኣመና ሰትዩ ስልዝነበረ ከይተሰከፈ ከምታ ናይ ኒው ዮርክሲ ኣብ ደገ‘ያ ዘላ .. ሰብኣይ  ኣይመጸትን ኢሎማ  በለኒ  ። ኢሰያስ ከምዝመጽእሲ ርግጸኛታት ስለዝነበሩ ነቲ መእተዊ ብነጻን ብዝወቀበ ወረቐት መእተዊ ዘለዎ‘ዮም ጌሮሞ ። እቲ ነገር ገሪሙኒ ኣብቲ ኣዳራሽ ክንዘውር  ጀመርና ። ሓደ ነገር ድማ ኣስተብሃልኩ ኣብ መድረኽ ልዕሊ 20 ደረፍቲ ክንደኦም ዝኾኑ ገጠምቲ ክንዲ ዕጽፎም ዝኾና ኮማሮ ዝመስላ ወጅሂ ዘይብለን ደቂንስትዮ , ኣብ ፍቐዶ ስፍራ ስእሊ ሰይጣን (ኢሰያስ),ኣብ ከራቫታ ሰኣሊ ሰይጣን (ኢሰያስ),ኣብ ናይ ኣእዳዎም ሰዓት ሰኣሊ ሰይጣን (ኢሰያስ),ኣብ ካናቴራታት ሰኣሊ ሰይጣን (ኢሰያስ),ኣብ ካቴና ናይ ክሳድ ሰኣሊ ሰይጣን (ኢሰያስ),ኣብ ዝመሓላለፍ ዝነበረ ተንቃሳቐሲ ቪድዮ ሰኣሊ ሰይጣን (ኢሰያስ),ኮታ  እቲ ሂትለር ናይ ኤርትራ ሰኣሊ ሰይጣን (ኢሰያስ) ዘይነበረታ ኣይነበረን ። እዚ ድማ ኤርትራዊ ክሳብ ክንደይ ብመስዋእቱ ባርነት ከምዝሸመተን ነገራት ይስተብህል ከምዘየለ  የርእየካ ። ካብ ኩሉ ዝገርም ድማ እቶም መብዛሕቶኦም ዘውደኽድኹ ዝነበሩን ደረፍትን ተዓጠቕትን ኩሉም ኣባላት መስፍን ሓጎስ ዝነበሩ‘ዮም ። እቲ ንሰምዖ ዝነበርና ኢሰያስ  ብሊብያ ከምዝኣተዉ ኣምሲሉ ሰለይቲ ናብ ኣውሮጳን ኣሜሪካን ከምዘስሎኸን ኣብ ናይ መስፍን ሓጎስ ተመዝጊቦም ከም ተቓወምቲ ዑቕባ ክሓቱ ከምዝግበርን ተቐባልነት ምስ ረኸቡ ድማ ኣብ ማሕበረ ኮማትን  በርግሳውያን ካልእን  ተመሲሎም ንህዝቢ ክስልዩ መጺኦም ኣሎው ዝተባህለ ተጋሂዱልና ,ኩሎም ኣብ ሓላፍነት ናይ መስፍን ሓጎስ ሰልፊ ዝነበሩ ወታሃደራዊ ተግባራቶም ሪኢናዮ ።ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝስልይዎን ዝከታተልዎን ዝነበሩ ድማ መብዛሕቶኦም ንሳቶም ኔሮም። ቴሌፎን ክትድውል እንተደለኻ ጽግዕ ምግዕ ይብሉኻ ብካሜራ ምስኣል ፍጹም ኩልኩል ኔሩ ብጀካ እቶም ናታቶም ዕሱባት ። ኩነታት ከምዚ ስለዝቐጸለ ኣጋ ሰዓት 1 ናይ ለይቲ  ሰይጣን (ኢሰያስ) ከምዘይመጽእ ምስ ኣረጋገጽና ገዲፍናሎም ኬድና ።

ክቡራት ኣንበብቲ ኣዚ እቲ ኣብኡ ዝዋዓለ ሰብ  ዝሓበሮ ኢዩ ኣነ ድማ ናብታ ቀንዲ ኣርእስተይ ክመለስ ለብም ኢሰያስ ኣፈወርቂ :-  እዛ ለበዋ ንዓኻ ‘ያ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ……ህዝቢ ኤርትራ ኣዚዩ ለዋህን ለባምን‘ዩ , ከምቲ ካልእ ኣህዛብ ኣፍሪቃ ይኹን ካልኦት ዓለማት ኣይኮነን ህዉኽን ደላይ ነገርን እውን ኣይኮነን , ናይዚ መርኣያ ድማ ልዕሊ 20 ዓመት ንዓኻን ነቶም ዘይ ደቂ ማህጸኑን ክዕገሰኩም ጸኒሑ, ንስኻን ብጾትካን ግን ሓንሳብ ቢኢዱ ሓንሳብ ብእግሩ ሓንሳብ ብኣፉ ሕጂ ኸኣ ብኸብዱ ሒዝኩሞ ኣሎኹም :: ብደዔኻ ድማ ኣብ እትገብሮ ዘሎኻ ቃለ መጠይቓት ንሰምዖ ኣሎና .. ርሑቕ ከይከድና ኣብኒውዮርክ ምስ VOA ዝገበርካዮ ገለ ከዘክረካ ብዛዕባ 20 ዓመት ብዘይ ምርጫ ህዝቢ ኣብ ስልጣን ተወጢሕካ ህዝቢ ዝመረጽናዮ መራሒ ኢና ንደሊ ይብለካ ኣሎ ኢሉ ምስ ሓተተካ ዝሃብካዮ መልሲ ንዓይ ኮንትራት(ውዕል) ዝሃበኒ የለን ኢልካ ። ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኮንትራት (ውዕል) ዘይብሉ ሰብ ስራሕ ዝሰርሕ ጸሊም ስራሕ ኢዩ ዝባሃል ። እዚ‘ውን ከሕፍረካ ምተገበኤ , ንዓይ ደሞዝ ዝኸፍለኒ የለን ኢልካ : ድሞዝ ዘይብሉ ስራሕ  እትሰርሕ ደኣ እንታይ ካልእ ረብሓ ስለዘሎካ‘ዩ…?   ወላስ ደም ህዝቢ ኤርትራ ምስታይ ስለዝለምድካ‘ዩ ? ዝኾነ ኮይኑ ሕጂ ሓንቲ ዕድል ኣላትካ ከምቶም ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ዝነበሩ መራሕቲ ዘጋጠሞም ከየጋጠመካ ከሎ ,ከም ኡ‘ውን ነብስኻን ነብሲ ቤተስብካን ከይለከምካ ከሎኻ ናይ ለባማት ጌርካ ተኣለ ። ምስ ህግደፍ ብላንጋላንጋ ልብኹም ኣብ ክልተ ተመቒሉ ዘሎ ኩነታት ትርእይዋ ኣሎኹም ነብስኹም እለዩ ።
እዚ ወደሓንኩም
ሓውኹም
ሓ.ባ    05.10.2011

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • stefanos Temolso October 9, 2011

    ስለቲ ኣገዳስን ሃናጺን ኣበርክቶኻ ዓቢ ምስጋና ይግብኣካ። ሓደ ስርዓት ናብ ምውዳቕ ገጹ ክቀራረብ ከሎ እምነቱ ኣብ መትከሉ ዘይኮነ ኣብ ዕላማ ዘይኮነ ናብ ውልቀመላኺ ክስግሮ’ዩ ዝጅምር። ከምኡ ስለ ዝኾነ’ዩ ድማ እቲ ትሕትና ኣርዮስ ዝጥቀም ኢሳያስ ኣብ ደገ ማለት ኣብ ፓብሊክ ስእሉ ክርአ፡ ክውደስ ወይ ብዙሕ ናእዳ ኣይደልን’ዩ ዝብሃል ዝነበረ ውልቀመላኺ ሕጂ ብጋህዲ ከም ሓደ ዲክታተር ስሙ ክጋነነሉን፡ ከም መንግስቱ ያላ ኣብ ማልያታትኩም ስኣሉኒ፡ ወድሱኒ፡ ብዘይካይ ዝኾነ ነገር ክፍጸም ከም ዘይክእል ጨርሑ! ዝብል ዘሎ። ውድቀት ይብልኹም ከምዚ እናበለ’ዩ ዝጅምር።

    • Alem Habte Nega October 10, 2011

      To The Writer: you can say any, it’s acceptable although your writing is not much qualified, just because of the rush rush issue of the opponent websites, it has come to be read anyway. Look! who is not against who today. you contradicted yourself through your immatured writing. you said you were wondering if people were forced to be in the hall where Issayas was expected or in the gathering, and now you are insulting the same people who were pretending jas if they are happy just like and now there you are insulting the very same people Komaro/Fisto/to an exteent you approved an assault to a weak woman. It’s not Issayas who should grow up, It’s you and I hello!

      • Hagos Bahta October 12, 2011

        ንኣገልገልቲ ህግደፍ እሱ‘ውን ክውሕዶም ሓርድቲ ,ቀተልቲ, ወዘተ ክባሃሉ ኢዩ ዝግባእ። ንስኻ ግን እንዳራኣኻ ዝዓወርካ,እንዳሰማዕካ ዝጸመምካ ኮይንካ‘ምበር ህዝቢ ኤርትራ ካብ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ዝኽፍእ ሂወት እንዳሕለፈ ከመይ ጌሩ ነብስኻ ይገብረልካ ንኢሰያስ ክትሕለቕ ። ኤርትራዊ ኩን ኣይትኹን ብዘየገድስ እዚ ሕልና ንዘለዎ ሰብ ቅድሚ ምጽሓካ ክልተ ግዜ ምሕሳብ ኣገዳሲኔዎ እመስለኒ ። ምኽንያቱ ንህዝቢ ኤርትራ ምስ ህግደፍ ኮይንካ ንሞትን,ጥፍኣትን ትፈርዶ ስለዘሎኻ።ግዲ‘ብልካን ደበና ይሰርብ‘ዩ ዘሎ, ዘኒቡ ከኣ መሬት ክጽሕይ‘ዩ
        ከማይን ከም ወዲ ተምልሶን ብቋንቋኻ (ብዘየገድስ በየናይ ቋንቋ ናይ ኤርትራ) ተኣማሚንካ ጸሓፍ ።

        • Hagos Bahta October 12, 2011

          ይቕሬታ 1 ፊደል ጎዲላ ኣብ “ ኣገዳሲ ኔርዎ እመስለኒ „።

  • stefanos Temolso October 9, 2011

    ህዝቢ ደንቈሮ ኣይኮነን፡ ብፍላይ ህዝብና መጀመርያ ንዝኾነ መራሒ ብግርህነትዩ ዝቕበሎ። ምኽንያቱ መራሒ ክብሃል ከሎ ከም ሓላዪ ህዝቢ፡ ርህሩህ ስለ ዝፍለጥ። ኵነታቱ ዘይምእምኦ ወይ ረብሓኡ ከም ዘይሕልወሉ ኣብ ዝፈልጠሉ ግዜ ግን ኣንጻሩ ይግምጠል። ጃንሆይ ዘይወዲ ሃገር ማለት ባዕዳዊ ገዛኢ ከሎ፡ ካብዚ ናይ ኢሳያስ ዝልዕል ከበሮኮ ተሃሪሙሉ ነይሩዩ። ኣወዳድቓኡ ግን ኣየርእየና’ዩ ነይሩ። ህዝቢ ምስ ጥቕሙዩ፡ ረብሓኡ ንዘይሕሉ ሰብ ካብ ስልጣን ጥራይ ዘይኮነ ምንባርውን ኣይፈቕደሉን’ዩ።

  • stefanos Temolso October 9, 2011

    ስለቲ ኣገዳስን ሃናጺን ኣበርክቶኻ ዓቢ ምስጋና ይግብኣካ። ሓደ ስርዓት ናብ ምውዳቕ ገጹ ክቀራረብ ከሎ እምነቱ ኣብ መትከሉ ዘይኮነ ኣብ ዕላማ ዘይኮነ ናብ ውልቀመላኺ ክስግሮ’ዩ ዝጅምር። ከምኡ ስለ ግዜ ብዙሕ ከርእየና’ዩ። ይትረፍ ኢሳያስ ሓደ ብጀጋኑ ኤርትራውያን ተደጊፉ ዝኸይድ ፈራሕን ንኤርትራ ሃልዩ ጠፊኡ ትርጉም ዘይህብ ሰብ፡ ክንደይ ኣለና ዝብሉ ስርዓታትውን ነብረ ኮይኖም ኣለዉ። ጸይቀ ዕሉል ሂትለር፡ ንጉስ ኢራን ነበር ሻህ፡ ሺያውሸስኮ ናይ ሮማንያ፡ መንግስቱ ወዘተ። ስለዚ፡ ነቶም ኣብ ክንዲ ነዛ ልዕሊ ሚእቲ ሽሕ ህይወት ዝተኸፍለላ ሃገር ዝሓልዩ ንሓደ ውልቀመላኺ ክውድሱ ዝፍትኑ ፍንፉናት ሰባት ምስተን ዓጣሮ ኣጫፈርቶም ካብ ታሪኽ ተመሃሩ እብሎም። ንሓ. ባ ድማ ዳግማይ አመስግኖ።

  • stefanos Temolso October 9, 2011

    ትሕዝቶ ጽሑፈይ ክጨራርሞ ስለ ዝተገደድኩ ይቕሬታ ነንበብቲ እሓትት።

Post a Reply to Hagos Bahta Cancel Reply