Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ለውጢ ኣብ ኣተሓሳስባ

ኣማኑኤል ሳህለ ኣብዚ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ብዘሰቅቕ መገዲ ኣብ ምድረበዳታትን ባሕርታትን ከም ቆጽሊ ዝረግፉሉ ዘለዉ እዋን፡ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ብዚብል ኣርእስቲ ዓንቀጽ ምጽሓፍ፡ ነቲ ብጭብጢ ዝረአ ዘሎ ስቓይ ብዘይስምዒታዊ መገዲ ክትርእዮ ምድላይ ይመስል። ግን ከኣ ኩሉ ኣብ

ኣማኑኤል ሳህለ

ኣብዚ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ብዘሰቅቕ መገዲ ኣብ ምድረበዳታትን ባሕርታትን ከም ቆጽሊ ዝረግፉሉ ዘለዉ እዋን፡ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ብዚብል ኣርእስቲ ዓንቀጽ ምጽሓፍ፡ ነቲ ብጭብጢ ዝረአ ዘሎ ስቓይ ብዘይስምዒታዊ መገዲ ክትርእዮ ምድላይ ይመስል። ግን ከኣ ኩሉ ኣብ ወድሰብ ዝወርድ መከራ ናይቲ ካብ ኣእምሮ ሰብ ዚፍልፍል እሞ ኣብ ግብሪ ዚቕየር ናይቲ ኣብ ስነመጎት ዘይኮነስ ኣብ ማሪትን ሕልምን እተሰረተ ሓሳባትን ትልምታትን ውጽኢት ምዃኑ ኪርሳዕ ኣይግባእን።

ሓሳባት ንሰብ ይቕይሮ፡ እቲ እተቐየረ ሰብ ድማ ካልእ ሓሳባት የፈልፍል። ከም ብሓድሽ እቲ ሓድሽ ሓሳባት ነቲ ሰብ ይቕይሮ። እቲ መስርሕ ቀጻሊ እዩ። ቀጻሊ ውጽኢታት ድማ ኣለዎ። እቲ ሓሳባት ክፉትን ስነሞጎታውን ምስ ዚኸውን፡ እቲ ውጽኢታት ብኣኡ መጠን ጠቓሚ ይኸውን። እቲ ሓሳባት ዝምቡዕን ሕልማውን ምስ ዚኸውን ግን፡ እቲ ውጽኢታት ድማ ብኣኡ መጠን ጥምዙዝን ዝንቡዕን ይኸውን እሞ፡ ንረብሓ ዘይኮነስ ንዕንወት ወድሰብ የቀላጥፎ።

ዘይእመን ነገር ነጊሮምን ኣረዲኦምን ዘይሓልፍ ጓህን መከራን ዘምጽኡልካ ሰባት ብዙሓት እዮም። እቲ እትኣምኖ ግን ዘልምዓካን ኣብዛ ዓለም ንኣኻን ንሰብካን ሰላምን ቅሳነትን ብልጽግናን ዘምጽእ ኪኸውን ይምረጽ። ወዲሰብ ኣብ ጭቡጥ ነገራት ኣሚኑ ነዛ ዓለም ጽቡቕ ነገራትን ዘማዕብላ ትልምታትን ገዲፉላ ኣብ ክንዲ ዚኸይድ፡ ኣብ ሕልምን ዘይጭቡጥ ነገራትን ብምእማንን ነቲ እምነት ድማ ብተወሳኺ ብምጥዋይን ብምዝንባዕን ሕማቕ ነገራት ኪሰርሕ ይረአ ኣሎ።

እዛ ዓለምና ሓንቲ እያ። ገለ ዓመታት ቆጺርና ድማ ገዲፍናያ ንኸይድ። እቲ ድሕሪ መሬታዊ ናብራ ዚመጽእ ካልእ ህይወት፡ ንኹልና ሓደ እዩ። ማለት እቲ ኪኸውን ዘለዎ ስለ ዘይንፈልጦ፡ ብተስፋ ጥራይ ኢና እንጽበዮ። እቲ ቀንዲ ዘገድሰና ህይወት ግን እቲ ኣብዛ ዓለም ምስ ከማና ዝኾነ ወድሰብ እነሕልፎ ህይወት እዩ። መብዛሕትኡ ናይ ህይወት ዕድል ድማ መከራን ህውከትን ብምዃኑ ግን፡ ኣብዛ ዓለም ክሳዕ ዘሎና ተሳኒናን ተፋቒርናን ምስ እነሕልፎ እዩ ነቢርና ክንብል እንኽእል።

ኣእምሮ ሰብ ዝተለወጠ ኣይመስልን። ኣርባዕተ ሽሕ ዓመት ንድሕሪት ተመሊስና ምስ እንርእይ፡ ውግእን ቅትለትን ጭካነን ናይ ወድሰብ ባህርያዊ ሓላገት እዩ ነይሩ። ወድሰብ ብባህርያቱ ገባትን ዓማጽን እዩ። ግን ብትምህርትን ብመንፈሳዊ ምዕዶን ሕግታትን ተሓጊዙ ንግዜኡ ነቲ ሕማቕ ጠባያቱ ወይ ባህርያቱ ይሽፍኖ እዩ። ፈጺሙ ግን ዘጥፍኦ ኣይኮነን። እቲ እንስሳዊ ባህርያት ሰብ ጸጸኒሑ በጨቕ ካብ ምባል ኣየቋርጽን።

ኣብ ሃገርና ዝካየድ ዘሎ ናይ ምብራስ ትልምታት ይገርመኒ። እቲ መሪሕነት ጽቡቕ ኪርእይ ዘይደሊ ኮይኑ ዲዩ? ኣእምሮኡ ስለ ዘጽበበ ዲዩ? በቲ ናይ እንስሳታት ሕዛእቲ ዝኾነ ናይ ምግባትን ምጭቋንን ምምንጣልን ምቕታልን ባህርያት ስለ እተሰነፈ ዲዩ?

እንታይ ኢዩ ከይልወጥ ዚኽልክሎ ዘሎ? እንታይ ኢዩ ዓይኑ ሸፊኑዎ ዘሎ? መልሱ ቀሊል እዩ። ኣነ እየ ዝፈልጥ፡ ናተይ እዩ ቅኑዕ፡ ኩሉ ንኣይ ግደፉለይ ዚብል ኣረኣእያ ስለ ዘማዕበለ እዩ።

ከምዚ ዝበለ ኣተሓሳስባ፡ ፖለቲካዊ ጥሩፍነት ተባሂሉ ኪጽዋዕውን ይኽእል እዩ። ከምቲ ሃይማኖታዊ ጥሩፍነት ዘሎ፡ ፖለቲካዊ ጥሩፈንት ከኣ ኣሎ። ኩሉ ካብ መገዱን ኣንፈቱን ኪወጽእ ወይ ኪጥምዘዝ ከሎ፡ መወዳእትኡ ብርሰትን ዕንወትን እዩ።

ሰብ ሰሪሑ ከይበልዕ፡ ኣብ ዝደለዮ ሃገር ብምኻድ ህይወቱ ከይቅይር፡ ዕድሉ ከይርኢ፡ ዘተዓናቕፉ ናይ ወድሰብ ሓሳባትን ሕልምታትን ኣለዉ። ጌና ድማ ኪህልዉ እዮም። ኣብ ዓለም ከሎኻ ዘይተሓጎስካ ደኣ ኣብቲ ዚመጽእ እንታይ እተጨበጠ ነገር ኣሎካ? ሰብ ብስርሑ ጥራይ እዩ ኪሕጎስ ዚኽእል። ሰሪሑ ጻማኡ ኪረክብ ከሎ፡ ካብኡ ንላዕሊ ዘሐጉሶ ነገር የልቦን። ብድሕሪኡ ዚመጽእ ድማ ንብጻይካ ምርዳእ፡ ነቶም ከማኻ ዕድል ዘይብሎም ካብቲ ሓጎስካን ሃብትኻን ከም ዚካፈሉ ምግባር። ካልእ ዝተረፈ ኩሉ ምንም ዚረአ ጥቕሚ ዚህብ ኣይኮነን።

ኣብ ኣተሓሳስባ ወድሰብ ለውጢ እንተ ዚካየድ ነይሩ፡ ወድሰብ ካብዚ ዘለዎ ጸቢብን ማሪታውን ጥሩፋውን ኣተሓሳስባ ምወጸ ነይሩ። ንዓለም ከም ሓንቲ ሃገር ገይሩ እንተ ዚርእያ ነይሩ፡ ነሕዋቱ ኣይምቐተለን፡ ኣይመሳቐየን። ኣነ ጥራይ እየ ዝፈልጥ እንተ ዘይብል ነይሩ፡ ሓሳባትን ርእይቶን ካልኦት ዚሰምዕ ነይሩ እንተ ዚኸውን፡ ካብ ጥረ ሓይሊ ንላዕሊ ብሱል ምስትውዓል እንተ ዚመርጽ ነይሩ፡ ዓለም ለኻዊ ዝኾነ ኣተሓሳስባን ሃገራዊ ዝኾነ ናይ ምዕባለ መገድን እንተ ዚመረጽ ነይሩ፡ ሰባት ብኸንቱ ኣይምተሳቐዩን፡ ሃገሮም ገዲፎም ኣይምኸዱን፡ ኣብ ምድረበዳታትን ባሕርታትንውን ኣይምጠፍኡን።

ዘራጊ ከሎ ጽሩይ ማይ ኣይስተን ከም እተባህለ፡ እተን ነዚ ጸገምዚ ኪፈትሓ ተኽእሎ ዘለወን ሃገራትውን ብዘይካ ንስደተኛታት ምቕባልን ምስትንጋድን ካልእ ዘላቒ ዝኾነ መፍትሔ ሃሰው ኪብላ ኣይተራእያን። እቲ ኩሉ ኣብ ስደተኛታት ዘጥፍኣኦ ማእለያ ዘይብሉ ገንዘብን ጥሪትን ኣብ ምህናጽ ደሞክራስን ኣብ ናይ ምዕባለ ትልምታትን ኣጥፊአንኦ ነይረን እንተ ዝኾና፡ እዚ ወሪዱ ዘሎ መርገም ብመጠኑ ምጎደለ። ግን ፖሊሲታት ምዕቡላት ሃገራት ኣብ ቁጠባአንን ድሕንነተንን እተመርኮሰ ብምዃኑ፡ ብጻይ ወይ መሓዛ ዘይኮነስ ናይ ጥቕሚ ፖሊሲ እዩ ዘለወን።

ምዕቡላት ምዕራባውያን ሃገራት ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ኣይገበራን። በቲ ናይ 19 ክፍለ ዘመን ናይ ኮሎንያሊዝም ኣተሓሳስባ እየን ዚጎዓዛ ዘለዋ። ቸንጅ ወይ ለውጢ ኢለን እንተ ወጨጫውን፡ ለውጢ ኣይረኣናለንን። ብስም ደሞክራሲ ሰብ ኪቕትላ ይውዕላ። ነቶም ዘድልዩወን ኣምባገነናት ይሕግዛ፡ ነቲ ዘርብሐን መገዲ እምበር፡ ነቲ ንወድሰብ ካብ ስቓይ ዘላቕቕ መገዲ ኣይወሰዳን።

ኣብ ሊብያ፡ ኣብ ኢራቕ፡ ኣብ ሲርያ ሓዊ ኣጒደን ዘይንቡር ናይ ሰብ ምዝንባል ኣምጺአን። ነቲ ዝምቡዕ ኣእምሮ ዘለዎ ህዝቢ ኣብ ክንዲ ትምህርቲ፡ ቦምቢታት ኣበርኪተናሉ። ኣብ ኩሉ ኣካየዳአን ሃረምረምን ንኣይ ይጥዓመንን ቀንዲ መሰረት ፖሊሲታተን ኮይኑ።

ለውጢ እንተ ተጸበኻ፡ እቲ ዳሕረዋዩ ካብቲ ቀዳማዩ ይገድድ። ምጕያይ፡ ናብ ናይ ሰሜናዊ ዋልታ ነዳዲ ሃርገፍገፍ ምባል። በቲ ሓደ ናይ ኣየር ብከላ ክትከላኸል ትጓየይ፡ በቲ ካልእ ድማ ናብ ናይ ነዳዲ ቦታታት ትቀዳደም። ኩሉ ነንጻሕሉ እዩ። ናይ ህርፋን ለውጢ እምበር ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ኣይረኣናን።

ኤርትራውያን ግን ብኹሉ ንኸስር ኣሎና። ኩሉ ነታ ሃገር ገገዲፉዋ ይወጽእ ኣሎ። መንእሰያትና ካብቲ ናይ ሳዋ ዝምቡዕ ኣተሓሳስባ ኣይወጹን። እንታይ ዘይገበሩ። እቲ መንግስቲ እዩ ኮነ ኢሉ ተጻዊቱሎም። ከይመሃሩ፡ ኣብ ዝብጻሕ ከይበጽሑ፡ ህይወቶም ኣብ ከርተትን ስቓይን መከራን ኣሕሊፎምዎ። ንሱ ከይኣኽሎም ድማ ምድረበዳታትን ባሕርታትን የጽንቶም ኣሎ።

እስከ ኮፍ ኢልና ንሕሰብ። እንታይ እዩ መፍትሒኡ? ብናተይ ኣረኣእያ፡ ናይዚ ኩሉ መከራ ተሓታቲ መንግስትና እዩ። ግን ትም ኢሉ ዚሓልፍ ጉዳይ ኣይኮነን። ሓደ መዓልቲ ኪሕተተሉ እዩ። እቶም ምስኡ ኮይኖም ነቲ መከራ ዘጎሃህሩ ዘለዉ ድማ ካብ ሓላፍነት ኣይከምልጡን እዮም።

ግን ንሱ ተጋግዩ ኢልና ክንጋገ የብልናን። ወጻኢ ሃገራት ኣእምሮና እነስተኻኽለሉ ቦታን ዕድልን ሂቡና ኣሎ። ኣብ ዘለናዮ ኴንና ንመራመር፡ ንሕሰብ፡ ካብ ሕልማውን ጸቢብን ማሪታውን ኣተሓሳስባ ንውጻእ። ካብቲ ናይ ኣእምሮ ጸልማት ሳንዱቕ ወጺእና ጽሩይ ናይ ስነመጎታውን ሰብኣውን ተባዕን ኣተሓሳስባ ነኻዕብት።

ብኻልእ ኣይንመራሕ፡ ናጻ ኣተሓሳስባ ይሃልወና፡ ከመይሲ እቲ ዝዓበየ ትብዓት ናይ ቅልጽምን ናይ ኣጽዋርን ዘይኮነስ፡ ናይ ኣእምሮ ትብዓት እዩ። ከምዚ ዝበለ ኣእምሮ ድማ ንኹሉ ዚፍንጥስን ናብ ጭቡጥ ዝኾነ ሓቅነትን ሰላምን ከብጽሕ ዘኽእል ሓይሊ ኣለዎ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
27 COMMENTS
  • Kiflom April 23, 2015

    The main problem with Eritrea seems to be connected partly to Eritreans not having reached a consensus on what is needed to be done to raise the poor nation from where it sadly is today.

  • Truly Truly i say to you April 24, 2015

    ክቡር ኣማን ኤል ሳህለ፡ ኣብዛ ናይሎሚ ጽቡቕ ገራ ተስ ህል ተፈታዊት ፍሎሶፋዊ ጽሑፍካ ብዙሕ ዝብሎ ነሩኒ ግዜ ተረኺበ። ግናስ በታ
    ኣብ ሃገርና ዝካየድ ዘሎ ናይ ምብራስ ትልምታት ይገርመኒ። እቲ መሪሕነት ጽቡቕ ኪርእይ ዘይደሊ ኮይኑ ዲዩ፧ ኣእምሮኡ ስለ ዘጽበበ ዲዩ፧ በቲ ናይ እንስሳታት ሕዛእቲ ዝኾነ ናይ ምግባትን ምጭቋንን ምምንጣልን ምቕታልን ባህርያት ስለ እተሰነፈ ዲዩ፧
    እንታይ ኢዩ ከይልወጥ ዚኽልክሎ ዘሎ፧ እንታይ ኢዩ ዓይኑ ሸፊኑዎ ዘሎ፧ መልሱ ቀሊል እዩ። ኣነ እየ ዝፈልጥ፡ ናተይ እዩ ቅኑዕ፡ ኩሉ ንኣይ ግደፉለይ ዚብል ኣረኣእያ ስለ ዘማዕበለ እዩ። ኢልካ ዝሓብካያ መልሲ ጥራይ እኹል ስለዘይመስለኒ፣ ናይ ኣርባዕተ ሽሕ ዓመት ንድሕሪት ተመሊካ ፡ ናይሰብ ኣእምሮ ከምዘይተለውጠ ክሳብ ዘልኣልካ፣ በቲ ዝኣበየ ህያው ቃል እግዚኣብሔር ጥበብ ነቲ ዝሓተትካዮ ኣገዳሲ ሕቶ ተውሳኪ ቀንዲ መልሲ ኵውስከልካ ተኾይነ ናይ ግድን ናብ ሰለስተ ሽሕ ዓመት ተመሊሰ ናይ ንጉስ ዳዊት ከዘንትው የድልየኒ እዩ።
    ኣብ መጽሓፈ ሳሙኤል ካልዕ መበል 11 ምዕራፍ ታሪክ ከምዘዘንትወልና
    እቲ ፈሪሓ እግዚኣብሔር ስለዘለዎ ኣምላክ ባዕሉ ኲሉ ፍቃደይ ዚገብር ሰብ ኣይ ዝከም ልበይ ንዳዊት ወዲ እሴይ ረኸብኩ ኢሉ ዝመሰከረሉ፣
    ብቅዱስ ቅብኣት ነጊሱ ዝነበረ ናይ እስራኤል ንጉስ ዳዊት፡ ሓደ ግዜ ልክእ ከምዚ ናይ ኣሜሪካ ንጉስ ነበር ክሊንተን ብዝሙት ሓጥያት ምስ ሞንካ ልዊንስኪ ወዲቁ ከምዝነበረ፣ ዳዊት´ውን ምስ ባትሴባ ትብሃል ሰበይቲ፡ (ምስ ሰይቲ ኡርያ ናይ ዳዊት ጦር ጄኔራል ዝነበት፣) ካብ ድቃሱ ተንሲኡ ኣብ ናሕሲ ቤት ንጉስ ክመላልስ ከሎ ጥራይ ነብሳ ክትሕጽብ ከላ ስለዝረኣያ ብጽባቄኣ ተጋግዩ ምስኣ ብዝሙት ሓጥያት ወዲቑ ከምዝነበረ የዘንትወልና። እቲ ዘገርም ግን ከም ሰብ ኣብ ሓጥያት ምውዳቑ ደይኮነ፣ እታ ዝተጋሰሳ ሰበይቲ ምናልባሽ ንሰብኣያ ተነገረቶ፣ መሳርያ ዝተኣጠቀ ጄኔራል ስለዝኾነ ክቀትለኒ ይክዕል እዩ ኢሉ ስለዝፈርኸ፣ ነቲ ሓጥያቱ ንምሽፋን ዋላሃደ ኣፍልጦን ኣብሳን ንዘይነበሮ ጄንራል ከይቀደመኒ ክቅድሞ ብማለት፣ ኮነ ኢሉ ናብ ውግእ ከወርድ ብምግባር ብሜላ ከምዝቅተል ምግባሩ እዩ። እምበኣርከስ ክቡር ሓው ኣማንኤል ሳሕለ፣ እቲ ናይ ምጀመርያ ሓጥያት ደይኮነ ሓጥያት፣ እቲ ካል ኣይ ነቲ ቀዳማይ ሓጥያት ንምሽፈን ዝግበር እዩ ሓጥያት ዝብል ናይ ኣቦታት ምስላ ካብኡ ግዜ ኣትሒዙ ክንጋር ከምዝተጀመረ እዩ ዝርድ ኣኒ። ይቅጽል

  • Truly Truly i say to you April 24, 2015

    እሞ ክቡራት የሕዋት ሕሰቡ´ሞ እቲ ፈሪሓ እግዚኣብሔር ዘለዎ ኣምላክ ባዕሉ ኲሉ ፍቃደይ ዚገብር ሰብ ኣይ ዝከም ልበይ ንዳዊት ወዲ እሴይ ረኸብኩ ኢሉ ዝመሰከረሉ፣ ጻድቕ ንጉስ ዳዊት፣ ንሓጥያቱ ክሽፍን ከምዚ ኣይነት ገበን ክገብር ካብቀዕ፣ እቲ ካብ ግዜ ገድሊ ጀሚሩ ናይ ክንደይ ሙሁራትን ጀጋኑን ደም ክሳብ ሕጂ ብቅንኢ ዘፍስስ ዘሎ፣ ኣድላይ ብዘይኮነ ውግዕ ኮነ ኢሉ ንሕዝብና ብምሽማም ኣጽኒቱ ጥራይ ደይኮነ ፣ መሬትናን ደሴትናን ከምዝግበት ገሩ ንሕዝብና ሕግን ፍትሕን ብምሕራም ኢሳያስን መጋበርያቱን ኣብልዕሊ ገበን ገበን እናወሰኹ ዘሳቅይሉ ቀንዲ ምክንያት ሚስጥሩ ንምፍላጥ ብዙህ ከቢድ ኣይመስለንን።። ንጉስ ዳዊትስ ሓደ ነብይ ብጥበብ ሓጥያቱ ገሊጹ ስለዝገሰጾ፡ ንጉስ ክንሱ ሓመድ ነስኒሱ ብብዙሕ ንስሓ ጾምን ምሕለላን ንኣምላክ ስልዝተማሕጸነ፣ ኣብመወዳእታ ድሕሪ ቁሩብ መቅጻእቲ ካብ ኣምላኽ ምሕረት ክረክብ በቂኡ እዩ። ናይዚ ዓለም መራሕቲም ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ መራሕቲ ድህሪ ሓደ ወይ ክልተ ግዜ ምርጫ ዝቀያያርሉ ምክንያትም ኣይፋለን ወድሰብ ብውልቃዊ ሓጥያት ንሃገር ከገልግልም ፈትዩ ድዩ ከፈተወ ብኢዱ ደም ተበዝሆ፡ ብካልእ መራሕቲ ጸሊም ዋላ ይኹን ኣብ ኣሜሪካ ይኩን ኣብ ሱልጡን ሓገራት ዓለም ፕሬዝዳንት ንክከውን ዝቀያየሩሉ ምክንያትም ካብዚ ካብ እግዚኣብሄር ብተረከበ ጥበብ ምዃኑ እግረመገደይ ክሕብር እፈቱ። ምክንያቱ ከምቲ መጽሓፍ ዝነግረና ፤ ንጉስ ዳዊት ድህሪ ዝረኸቦ ምሕረት
    ንኣምላኽ ቀኒኡ ኣቢ ቤተ መቅደስ ክሰርሓሉ ዋላዃ ቢሒጉ ክሰርሕ ኣ ብ ዝተበገሰሉ እዋን፡ ካብ ኣብ ኣምላኽ ግን ከምዚ ዝብል ቃል ስለዝመጾ፦ “ንስኻ ብዙሕ ደም ኣፍሲስካ፡ ዓባይቲ ውግእ ከኣ ተዋጊኣ ኢኻ፡ እምበኣርሲ ኣብ ቅድመይ ኣብ ምድሪ ብዙሕ ደም ስለዘፍሰስካ ንስመይ ቤት ኣይክትሰርሓሉን ኢኻ፡ እነሆ ናኻ ውዲ ክውለደልካ እዩ ንሱ እዩ ዝሰርሖ ስለዝበሎ( ቀዳማይ ዜና መዋእል ምዕራፍ 22፡ 7-9 ንበብ) በዚ ኣይነት ንኣብነት ቡሽ ወሪዱ ኦባማ ተተከዕ ብዙሕ ኣይደንጽወኩም። ካብ ኣምላኽ ካብ ሰማይ ዝመጸ ጥበብን ዲሞክራሲያዊ ናይ ኣማርሓ ሜላ ስልዝኮነ። ኣይተ ኢሳያስ ግን ብደይ ንስሓን ሕሊና ጸጸትን እጅብ ከይበሎም፣ እንተደለዩ ባእላቶም ኣፍራሲ ባእላቶም ነዳቂ፤ ዊን እንተይልዎም ባእላቶም ናይ ውግእ ሰብ ባእላቶም ናይ ሰላም ፈጣሪ፤ ኩሉ ብኹሉ ኮይኖም ይርከቡ። ምናልባሽ ልቦና ተገበሩ ብወገና ናይ መወዳእታ እጭኦም ግን ከም ቃዛፊ ኣርኮም ብሕዝቢ ተቀዝፍካ ምጥፋእ ምዃኑ እናደጋገምና ካምዝካር ኣዲ ኣይንቦክርን።

  • Koreri April 24, 2015

    “Eritrawiyan gin bkulu nkesr alona. ……..entay theygeberu eti mengsti eyu kone elu tetsawitulom. ……nsu keyaklom dma mdrebedatatn bahrn yetsntom alo.”
    Yes right it is shocking and beyond words.But sorry Ato Amanuel don’t you think the “menieseyat” youngsters should sit and think about how to make the country and them selves free from the one “zitsawetelom zelo” who is playing upon them, before they leave their country.

Post a Reply to Koreri Cancel Reply