Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ለውጢ ኣብ ኣተሓሳስባ

ኣማኑኤል ሳህለ ኣብዚ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ብዘሰቅቕ መገዲ ኣብ ምድረበዳታትን ባሕርታትን ከም ቆጽሊ ዝረግፉሉ ዘለዉ እዋን፡ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ብዚብል ኣርእስቲ ዓንቀጽ ምጽሓፍ፡ ነቲ ብጭብጢ ዝረአ ዘሎ ስቓይ ብዘይስምዒታዊ መገዲ ክትርእዮ ምድላይ ይመስል። ግን ከኣ ኩሉ ኣብ

ኣማኑኤል ሳህለ

ኣብዚ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ብዘሰቅቕ መገዲ ኣብ ምድረበዳታትን ባሕርታትን ከም ቆጽሊ ዝረግፉሉ ዘለዉ እዋን፡ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ብዚብል ኣርእስቲ ዓንቀጽ ምጽሓፍ፡ ነቲ ብጭብጢ ዝረአ ዘሎ ስቓይ ብዘይስምዒታዊ መገዲ ክትርእዮ ምድላይ ይመስል። ግን ከኣ ኩሉ ኣብ ወድሰብ ዝወርድ መከራ ናይቲ ካብ ኣእምሮ ሰብ ዚፍልፍል እሞ ኣብ ግብሪ ዚቕየር ናይቲ ኣብ ስነመጎት ዘይኮነስ ኣብ ማሪትን ሕልምን እተሰረተ ሓሳባትን ትልምታትን ውጽኢት ምዃኑ ኪርሳዕ ኣይግባእን።

ሓሳባት ንሰብ ይቕይሮ፡ እቲ እተቐየረ ሰብ ድማ ካልእ ሓሳባት የፈልፍል። ከም ብሓድሽ እቲ ሓድሽ ሓሳባት ነቲ ሰብ ይቕይሮ። እቲ መስርሕ ቀጻሊ እዩ። ቀጻሊ ውጽኢታት ድማ ኣለዎ። እቲ ሓሳባት ክፉትን ስነሞጎታውን ምስ ዚኸውን፡ እቲ ውጽኢታት ብኣኡ መጠን ጠቓሚ ይኸውን። እቲ ሓሳባት ዝምቡዕን ሕልማውን ምስ ዚኸውን ግን፡ እቲ ውጽኢታት ድማ ብኣኡ መጠን ጥምዙዝን ዝንቡዕን ይኸውን እሞ፡ ንረብሓ ዘይኮነስ ንዕንወት ወድሰብ የቀላጥፎ።

ዘይእመን ነገር ነጊሮምን ኣረዲኦምን ዘይሓልፍ ጓህን መከራን ዘምጽኡልካ ሰባት ብዙሓት እዮም። እቲ እትኣምኖ ግን ዘልምዓካን ኣብዛ ዓለም ንኣኻን ንሰብካን ሰላምን ቅሳነትን ብልጽግናን ዘምጽእ ኪኸውን ይምረጽ። ወዲሰብ ኣብ ጭቡጥ ነገራት ኣሚኑ ነዛ ዓለም ጽቡቕ ነገራትን ዘማዕብላ ትልምታትን ገዲፉላ ኣብ ክንዲ ዚኸይድ፡ ኣብ ሕልምን ዘይጭቡጥ ነገራትን ብምእማንን ነቲ እምነት ድማ ብተወሳኺ ብምጥዋይን ብምዝንባዕን ሕማቕ ነገራት ኪሰርሕ ይረአ ኣሎ።

እዛ ዓለምና ሓንቲ እያ። ገለ ዓመታት ቆጺርና ድማ ገዲፍናያ ንኸይድ። እቲ ድሕሪ መሬታዊ ናብራ ዚመጽእ ካልእ ህይወት፡ ንኹልና ሓደ እዩ። ማለት እቲ ኪኸውን ዘለዎ ስለ ዘይንፈልጦ፡ ብተስፋ ጥራይ ኢና እንጽበዮ። እቲ ቀንዲ ዘገድሰና ህይወት ግን እቲ ኣብዛ ዓለም ምስ ከማና ዝኾነ ወድሰብ እነሕልፎ ህይወት እዩ። መብዛሕትኡ ናይ ህይወት ዕድል ድማ መከራን ህውከትን ብምዃኑ ግን፡ ኣብዛ ዓለም ክሳዕ ዘሎና ተሳኒናን ተፋቒርናን ምስ እነሕልፎ እዩ ነቢርና ክንብል እንኽእል።

ኣእምሮ ሰብ ዝተለወጠ ኣይመስልን። ኣርባዕተ ሽሕ ዓመት ንድሕሪት ተመሊስና ምስ እንርእይ፡ ውግእን ቅትለትን ጭካነን ናይ ወድሰብ ባህርያዊ ሓላገት እዩ ነይሩ። ወድሰብ ብባህርያቱ ገባትን ዓማጽን እዩ። ግን ብትምህርትን ብመንፈሳዊ ምዕዶን ሕግታትን ተሓጊዙ ንግዜኡ ነቲ ሕማቕ ጠባያቱ ወይ ባህርያቱ ይሽፍኖ እዩ። ፈጺሙ ግን ዘጥፍኦ ኣይኮነን። እቲ እንስሳዊ ባህርያት ሰብ ጸጸኒሑ በጨቕ ካብ ምባል ኣየቋርጽን።

ኣብ ሃገርና ዝካየድ ዘሎ ናይ ምብራስ ትልምታት ይገርመኒ። እቲ መሪሕነት ጽቡቕ ኪርእይ ዘይደሊ ኮይኑ ዲዩ? ኣእምሮኡ ስለ ዘጽበበ ዲዩ? በቲ ናይ እንስሳታት ሕዛእቲ ዝኾነ ናይ ምግባትን ምጭቋንን ምምንጣልን ምቕታልን ባህርያት ስለ እተሰነፈ ዲዩ?

እንታይ ኢዩ ከይልወጥ ዚኽልክሎ ዘሎ? እንታይ ኢዩ ዓይኑ ሸፊኑዎ ዘሎ? መልሱ ቀሊል እዩ። ኣነ እየ ዝፈልጥ፡ ናተይ እዩ ቅኑዕ፡ ኩሉ ንኣይ ግደፉለይ ዚብል ኣረኣእያ ስለ ዘማዕበለ እዩ።

ከምዚ ዝበለ ኣተሓሳስባ፡ ፖለቲካዊ ጥሩፍነት ተባሂሉ ኪጽዋዕውን ይኽእል እዩ። ከምቲ ሃይማኖታዊ ጥሩፍነት ዘሎ፡ ፖለቲካዊ ጥሩፈንት ከኣ ኣሎ። ኩሉ ካብ መገዱን ኣንፈቱን ኪወጽእ ወይ ኪጥምዘዝ ከሎ፡ መወዳእትኡ ብርሰትን ዕንወትን እዩ።

ሰብ ሰሪሑ ከይበልዕ፡ ኣብ ዝደለዮ ሃገር ብምኻድ ህይወቱ ከይቅይር፡ ዕድሉ ከይርኢ፡ ዘተዓናቕፉ ናይ ወድሰብ ሓሳባትን ሕልምታትን ኣለዉ። ጌና ድማ ኪህልዉ እዮም። ኣብ ዓለም ከሎኻ ዘይተሓጎስካ ደኣ ኣብቲ ዚመጽእ እንታይ እተጨበጠ ነገር ኣሎካ? ሰብ ብስርሑ ጥራይ እዩ ኪሕጎስ ዚኽእል። ሰሪሑ ጻማኡ ኪረክብ ከሎ፡ ካብኡ ንላዕሊ ዘሐጉሶ ነገር የልቦን። ብድሕሪኡ ዚመጽእ ድማ ንብጻይካ ምርዳእ፡ ነቶም ከማኻ ዕድል ዘይብሎም ካብቲ ሓጎስካን ሃብትኻን ከም ዚካፈሉ ምግባር። ካልእ ዝተረፈ ኩሉ ምንም ዚረአ ጥቕሚ ዚህብ ኣይኮነን።

ኣብ ኣተሓሳስባ ወድሰብ ለውጢ እንተ ዚካየድ ነይሩ፡ ወድሰብ ካብዚ ዘለዎ ጸቢብን ማሪታውን ጥሩፋውን ኣተሓሳስባ ምወጸ ነይሩ። ንዓለም ከም ሓንቲ ሃገር ገይሩ እንተ ዚርእያ ነይሩ፡ ነሕዋቱ ኣይምቐተለን፡ ኣይመሳቐየን። ኣነ ጥራይ እየ ዝፈልጥ እንተ ዘይብል ነይሩ፡ ሓሳባትን ርእይቶን ካልኦት ዚሰምዕ ነይሩ እንተ ዚኸውን፡ ካብ ጥረ ሓይሊ ንላዕሊ ብሱል ምስትውዓል እንተ ዚመርጽ ነይሩ፡ ዓለም ለኻዊ ዝኾነ ኣተሓሳስባን ሃገራዊ ዝኾነ ናይ ምዕባለ መገድን እንተ ዚመረጽ ነይሩ፡ ሰባት ብኸንቱ ኣይምተሳቐዩን፡ ሃገሮም ገዲፎም ኣይምኸዱን፡ ኣብ ምድረበዳታትን ባሕርታትንውን ኣይምጠፍኡን።

ዘራጊ ከሎ ጽሩይ ማይ ኣይስተን ከም እተባህለ፡ እተን ነዚ ጸገምዚ ኪፈትሓ ተኽእሎ ዘለወን ሃገራትውን ብዘይካ ንስደተኛታት ምቕባልን ምስትንጋድን ካልእ ዘላቒ ዝኾነ መፍትሔ ሃሰው ኪብላ ኣይተራእያን። እቲ ኩሉ ኣብ ስደተኛታት ዘጥፍኣኦ ማእለያ ዘይብሉ ገንዘብን ጥሪትን ኣብ ምህናጽ ደሞክራስን ኣብ ናይ ምዕባለ ትልምታትን ኣጥፊአንኦ ነይረን እንተ ዝኾና፡ እዚ ወሪዱ ዘሎ መርገም ብመጠኑ ምጎደለ። ግን ፖሊሲታት ምዕቡላት ሃገራት ኣብ ቁጠባአንን ድሕንነተንን እተመርኮሰ ብምዃኑ፡ ብጻይ ወይ መሓዛ ዘይኮነስ ናይ ጥቕሚ ፖሊሲ እዩ ዘለወን።

ምዕቡላት ምዕራባውያን ሃገራት ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ኣይገበራን። በቲ ናይ 19 ክፍለ ዘመን ናይ ኮሎንያሊዝም ኣተሓሳስባ እየን ዚጎዓዛ ዘለዋ። ቸንጅ ወይ ለውጢ ኢለን እንተ ወጨጫውን፡ ለውጢ ኣይረኣናለንን። ብስም ደሞክራሲ ሰብ ኪቕትላ ይውዕላ። ነቶም ዘድልዩወን ኣምባገነናት ይሕግዛ፡ ነቲ ዘርብሐን መገዲ እምበር፡ ነቲ ንወድሰብ ካብ ስቓይ ዘላቕቕ መገዲ ኣይወሰዳን።

ኣብ ሊብያ፡ ኣብ ኢራቕ፡ ኣብ ሲርያ ሓዊ ኣጒደን ዘይንቡር ናይ ሰብ ምዝንባል ኣምጺአን። ነቲ ዝምቡዕ ኣእምሮ ዘለዎ ህዝቢ ኣብ ክንዲ ትምህርቲ፡ ቦምቢታት ኣበርኪተናሉ። ኣብ ኩሉ ኣካየዳአን ሃረምረምን ንኣይ ይጥዓመንን ቀንዲ መሰረት ፖሊሲታተን ኮይኑ።

ለውጢ እንተ ተጸበኻ፡ እቲ ዳሕረዋዩ ካብቲ ቀዳማዩ ይገድድ። ምጕያይ፡ ናብ ናይ ሰሜናዊ ዋልታ ነዳዲ ሃርገፍገፍ ምባል። በቲ ሓደ ናይ ኣየር ብከላ ክትከላኸል ትጓየይ፡ በቲ ካልእ ድማ ናብ ናይ ነዳዲ ቦታታት ትቀዳደም። ኩሉ ነንጻሕሉ እዩ። ናይ ህርፋን ለውጢ እምበር ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ኣይረኣናን።

ኤርትራውያን ግን ብኹሉ ንኸስር ኣሎና። ኩሉ ነታ ሃገር ገገዲፉዋ ይወጽእ ኣሎ። መንእሰያትና ካብቲ ናይ ሳዋ ዝምቡዕ ኣተሓሳስባ ኣይወጹን። እንታይ ዘይገበሩ። እቲ መንግስቲ እዩ ኮነ ኢሉ ተጻዊቱሎም። ከይመሃሩ፡ ኣብ ዝብጻሕ ከይበጽሑ፡ ህይወቶም ኣብ ከርተትን ስቓይን መከራን ኣሕሊፎምዎ። ንሱ ከይኣኽሎም ድማ ምድረበዳታትን ባሕርታትን የጽንቶም ኣሎ።

እስከ ኮፍ ኢልና ንሕሰብ። እንታይ እዩ መፍትሒኡ? ብናተይ ኣረኣእያ፡ ናይዚ ኩሉ መከራ ተሓታቲ መንግስትና እዩ። ግን ትም ኢሉ ዚሓልፍ ጉዳይ ኣይኮነን። ሓደ መዓልቲ ኪሕተተሉ እዩ። እቶም ምስኡ ኮይኖም ነቲ መከራ ዘጎሃህሩ ዘለዉ ድማ ካብ ሓላፍነት ኣይከምልጡን እዮም።

ግን ንሱ ተጋግዩ ኢልና ክንጋገ የብልናን። ወጻኢ ሃገራት ኣእምሮና እነስተኻኽለሉ ቦታን ዕድልን ሂቡና ኣሎ። ኣብ ዘለናዮ ኴንና ንመራመር፡ ንሕሰብ፡ ካብ ሕልማውን ጸቢብን ማሪታውን ኣተሓሳስባ ንውጻእ። ካብቲ ናይ ኣእምሮ ጸልማት ሳንዱቕ ወጺእና ጽሩይ ናይ ስነመጎታውን ሰብኣውን ተባዕን ኣተሓሳስባ ነኻዕብት።

ብኻልእ ኣይንመራሕ፡ ናጻ ኣተሓሳስባ ይሃልወና፡ ከመይሲ እቲ ዝዓበየ ትብዓት ናይ ቅልጽምን ናይ ኣጽዋርን ዘይኮነስ፡ ናይ ኣእምሮ ትብዓት እዩ። ከምዚ ዝበለ ኣእምሮ ድማ ንኹሉ ዚፍንጥስን ናብ ጭቡጥ ዝኾነ ሓቅነትን ሰላምን ከብጽሕ ዘኽእል ሓይሊ ኣለዎ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
27 COMMENTS
  • Temahlel April 22, 2015

    “ኤርትራውያን ግን ብኹሉ ንኸስር ኣሎና።”

    Thank you. That is the Truth! The worst is in fact coming now, a lot of young Eritrean women and girls have recently started leaving the country in large numbers. Not only are women very vulnerable but also the depository of our identity, culture, community/Adi, future children and above all mothers.

    Not only that we are losing but also being humiliated and emasculated.
    We have become the shame of Africa.

    • Anti-Higdef April 23, 2015

      “We have become the shame of Africa.”

      Temahlel aka Teclay

      Stop insulting the people.
      You too are doing your part, as your cousins in Asmara, continue killing Eritreans.
      Shame on you !!

  • Futsum teferi April 22, 2015

    I’m appreciate member Amuniel, it’s logic and the only solution to achieve our objective .

  • Thomas April 22, 2015

    The Horn of Africa is the most conflict ridden region in the world. The people and the land are devastated by endless wars. The de facto no war no peace policy that has persisted between Ethiopia and Eritrea for the last 14 years affects the lives of millions in both countries and the stability of the whole region. Bringing this conflict to a peaceful resolution is of paramount importance. As bad as open war is, an endless no war no peace situation is insufferable. Time for bygones to be bygones.

    • Abadi Z. April 23, 2015

      Brother Thomas, you made good and valid points. The no war no peace situation has lasted as long as it has because the main stakeholders (the Eritrean & Ethiopian people), the people whose lives have been affected, are shut off from the political process. It is because the discussion about war and peace is done in the halls and black alleys of foreign lands, by politicians who are concerned about their petty agendas rather than the good of the broader masses. It can only be rectified if the broader public is involved in the discussion and resolution of this conflict.

      • Suleiman Salim April 23, 2015

        Abadi,

        ” .. broader public is involved in the discussion and resolution of this conflict. ”

        You are asking for more Hashewye.

  • berhe April 23, 2015

    Please let us understand amaniel sahles said, he is telling us the truth. why do we sleep consciously while our brothers and sisters are dying continuously. Are we simply carrying our head, why do not live in the reality world, avoiding narrowness and conflict of interest. Until when we continue being toys, please let us be human beings and solve our common problem by finding a common solution.

  • wedi meret April 23, 2015

    ሰላማት ዝተረፈኩም ኣሕዋት
    ቆዮቓ፣ ጸርፊ፤ምንእኣስ እትገብርዎ ዘለኹም ኩሉ
    ካብ ሕርቃን፣ካብ ጓዋሂ ዝነቀለ ምዃኑ እዩ ዝርድኣኒ;; ኩሉኹም ኣሕዋትኩም ስለዝተሳቐዩ ፤ ስለ ኣብማእከላይ ባሕሪ ስለዝሓቐቑ እሞ ክትገብሩዎ እትኽእሉ ስለዝሰኣንኩም ናይዚ ውጺኢት ክትረኽቡዎ ዝኻአለኩም ተውሩዱሉ ኣለኹም;; ዓንጾ ዓንጾ ንማዕጾ ከምዝበሃል;;
    ሱር ናይ’ዚ ኩሉ እፉፋ ግን ጠንጋር እሰያስ ኣፈወረቂ እዩ ቫይረስ ናይ’ዚ ኩሉ እዚ ዓለቱ ዘይፍለጥ ኢሳያስ አፈወረቂ እዩ;;
    ንሕና ከኣ አነቲ-ባዮቲክ ክነዲ ምዉሳድ ንጭኪ ዝነፈረና ንጥምት ኣለና;;
    ዘረባ ይትረፍ ሃየ ንዑናይ ንታአከብ ጠፈቕ ነብሎ;;

  • Haqi Tezareb April 23, 2015

    ኣዝዩ ዘሕዝን ህልቂት፣ በብሓደ ሰብ ወሓደ። ብዙሓት ምንጭታት ይሕብርዎ ከምዘለዉ: ምስ ግፋ ስርዓት ህግደፍ ንደቀንስትዮ ናይ ከበሳ ተኣሳሲሩ፣ “እቲ ዝዓበየ ህልቂት ገና ይጅምር ኣሎ። ኣብዚ ወርሓት እዚ ቁጽሪ ስደተኛታት ኤርትራውያን ደቀንስትዮ ኣናወሰኸ ይመጽእ ስለ ዘሎ፤” ነፍሲ ወከፍ ሰብ መቕረቡን ቤተሰቡን ካብዚ መገዲ ጥፍኣት ዝኾነ፣ እተረግመ ገሃነም መገዲ-ዓረብ ክርሕቁ፣ ኣጠንቅቑ፤ ኣተሓሳስቡ።

    መንግስቲ ኤርትራን ቀደም ዝበለየ ጽውጽዋይ ገድልን፣ እቶም “ተማሂርና-ኢና መራሕቲ-ኢና” ዝብሉ ደናቑርን ኣኽዳምን: ንታሪኾም ውርሻኦም ቋንቋታቶም ኣባሓጎታቶም ዝጸርፉ ኣዛብእን፣ መሪሖም ናብዚ ኣብ ዘንይወጾ ገደል ወቲፎም፣ እነሆ ጉሒፎሙና።

    ሰብኣይ ኣብ ገድል ሓደ እግሩ ምስ ኣተወ ከምዝበሎ፥ ብቐደሙ ሽዓ እንድየ ተዘንጊዔ። እቶም ተማሂርና ኢና መራሕቲ ገድሊ ኢና ዝብሉ ደናቑር፣ ተዋሪዶም ኣዋሪዶምና። ሕሱር ሰብ ዉርደትን ሕስረትን ጥራይ እዩ። እነሆና ሓሲርናን ተዋሪድና ካብ ዓይኒ ሰብ ተሓቢና ንሃድም ኣሎና።

    ከምዚ ክብል ከለኹ ግና ዉሑዳት ይኹኑ እምበር፣ ዝተማህሩን ዘይተማህሩን ለባማትን ዉርዙያትን ኣያታትን ሳንዳያትን ምዝካር የድሊ።

    ኣባሓጎታትና መንነት ኩርዓት ክብርን ትሕትናን ኔርዎም፤ ንሕና ግና ውርደት ዓቢድነት ሕስረትን ትዕቢትን ኣብ ጥራሕ መዓኮርካ ኴና ተሪፍና።

    ========================

  • Teclay April 23, 2015

    ሰላም ኣቶ ሳህላ

    እዛ ኣብ ላዕሊ ዘላ ተለስኮፕ(Telescope) ፈትየያ፣
    እወ ን60 ዐመታት ዝተኮስናዮ መድፍዕ ይኣሕለና ፣
    ኣርሒቑ ዘርኢ ተለስኮፕ ይሕሸና ፣

    As you well know .We have been guided for 60 years blindly by emotion and lies.We have reached the lowest point .
    It is very high time to change course,in fact it is not a choice but a must.A new even unpopular course is needed .
    you, the elite don’t have much time . If you don’t act now you will be accountable at least morally in the history of mankind .

  • towedeberhan weldedawit April 23, 2015

    Dear Amanuel,
    As usual I enjoyed your article. In all probability you are one of the best intellectuals we have. Certainly the only down to earth philosopher who directly deals with his people’s problem without politicizing it. Thank you for that. Having said that I have a question. Where do thoughts come from? How do they originate? What is the trigger for thought? Why do we have good and bad thoughts?
    Thank

  • Suleiman Salim April 23, 2015

    ኣብ ሊብያ፡ ኣብ ኢራቕ፡ ኣብ ሲርያ ሓዊ ኣጒደን ዘይንቡር ናይ ሰብ ምዝንባል ኣምጺአን። ነቲ ዝምቡዕ ኣእምሮ ዘለዎ ህዝቢ ኣብ ክንዲ ትምህርቲ፡ ቦምቢታት ኣበርኪተናሉ። ኣብ ኩሉ ኣካየዳአን ሃረምረምን ንኣይ ይጥዓመንን ቀንዲ መሰረት ፖሊሲታተን ኮይኑ።

    That is true. The world is a strange place.

  • Simon G. April 23, 2015

    This article is great for sane society. I am afraid our problem is not just a software but it is highly possible that could also be the hardware. Otherwise rebooting or upgrading the latest version could have fix it.

    • Teclay April 24, 2015

      simon.G

      Right nothing to add.

POST A COMMENT