Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ለውጥን ዕርቅን – ብ ዳኒኤል ተስፋዮሃንስ

(ምሉእ ትሕዝቶ ናይ’ቲ ኣብ ኣኼባ ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ኣብ ኦክላንድ ካሊፎርንያ ዝቐረበ ወረቐት) ብዛዕባ’ዚ ሃገርን ህዝብን ዝህውጽ ዘሎ ማዕበል እንዳ ዝናን-ባህታን ምዝራብን ምጽሓፍን ካብ ዝጅምር፣ ጻዕረይ ነቲ ኣነ ዝፈልጦ፣ መሲሉ ብዝተራእየኒ መንገዲ ከንጸባርቕ ስለዝደለኹ ደኣ’ምበር፣  ፍሉይ

(ምሉእ ትሕዝቶ ናይ’ቲ ኣብ ኣኼባ ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ኣብ ኦክላንድ ካሊፎርንያ ዝቐረበ ወረቐት)
ብዛዕባ’ዚ ሃገርን ህዝብን ዝህውጽ ዘሎ ማዕበል እንዳ ዝናን-ባህታን ምዝራብን ምጽሓፍን ካብ ዝጅምር፣ ጻዕረይ ነቲ ኣነ ዝፈልጦ፣ መሲሉ ብዝተራእየኒ መንገዲ ከንጸባርቕ ስለዝደለኹ ደኣ’ምበር፣  ፍሉይ ናይ ውድብ ፖለቲካዊ ጽልዋ ወይ ድማ ክረኽቦ ዝዓለምኩ ረብሓ የብለይን። ኣብ መስርሕ ለውጥን ዕርቅን ናተይ ርኢቶ ክገልጽ ዝፍትን ዘለኹ ዜጋ ኢየ። ናይ ምቅዋም ወይ ድማ ናይ ምድጋፍ ተልእኾ የብለይን። ኣብ ኤርትራ ለውጢ የድሊ’ሎ፣ እዋን ድማ ናይ መንእሰይ ኢዩ ዝብል መስመር ተኸቲለ ግን፣ እቲ ኣነ ዝፈልጦን ቅኑዕ መሲሉ ዝተራእየንን  ሓሳብ ካብ ምግላጽ ድሕር ኣይበልኩን።
ቅድሚ ናብ’ቲ ቀንዲ ኣርእስቲ ምእታወይ ከኣ እዘን ዝስዕባ ናይ ቀደም ጽሑፋት ከም መዘኻኸርን መበገስን ክጠቕሰን።
ሀ) ጋዜጣ መቓልሕ – ንመዓት ኣበሳ ዓለባ ልቢ’ዩ ጣዕሳ። (ኣስመራ 08/08/2000)
ለ) ጋዜጣ ዘመን – መበል 21 ክፍለ ዘመን’ሲ እነሀት መጺኣ፣ ንምዃኑ ናይ መን’ያ? (ኣስመራ 01-01-2000)
ሐ) ጋዜጣ ቀስተ ደበና – ዘይመነኑ ሚስዮናውያን (ኣስመራ 08/02/2000)
መ) ጋዜጣ ቀስተ ደበና – እዋን (ኣስመራ 03/29/2000)

ኣብ’ዚ ናይ ኢንተርነት ዓለም ድማ፣
ሀ) እዋን – ንእሽቶ መጽሓፍ ናይ ግጥምታት (2010 )
ለ) ዓውድኻ ከም ዘርእኻ – ኣርባዕተ ተኸታተልቲ ጽሑፋት።
ሐ) ዝናን-ባህታን ናጽነትን-ሱቕታን – …….
ስለ’ዚ ለውጥን ዕርቅን ኣብ ምድላይ’ሲ ነዊሕ’የ ጌረ። ሎሚ ድማ ኣብ ባይቶኹም፣ ባይቶ ኤርትራውያን መንእሰይት ንለውጢ! ክውዕልን ርኢቶይ ክዛረብን ዕድል ስለዝሃብኩምኒ ዓቢ ሓበንን ተስፋን’ዩ ዝስምዓኒ፣ የቐንየለይ! ክብረት ይሃበለይ።
ስም ይመርሕ ጥዋፍ የብርህ፣ ይብል ምስላ ዓደቦና። ስምኩም ድማ ካብ ፖለቲካዊ ዝምባሌ ንላዕሊ፣ ኣብ ግዜ ሰላምን ከይተረፈ ዘገልግል፣ ንምዕባለ ዘቋምት፣ እዝኒ ሰማዒ ዘዕግብ ዓቢ ተስፋ ዘሕድር ስም’ዩ። ንኹሉኹም ኣብ’ዚ ናይ ተስፋ መንገዲ ትጽዕሩን ትደኽሙን ዘለኹም፣ ዝዓበኹምን ዝነኣስኩምን ኤርትራውያን ድማ እንቅዓ ጣፍ ኩኑ ዝብል ምስላን ምርቓን እደግመልኩም።
ናይ ሎሚ ዛዕባና፣ ለውጥን ዕርቅን ዝብል’ዩ። ብፍላይ ነቲ ብኹልና ኤርትራውያን (ብምፍላጥን ብዘይምፍላጥን) ብፍላይ-ብፍላይ! ድማ ብመራሕትና ኮነ-ተባሂሉ ብጎቦ ዓይኒ እንዳተራእየ ክሕለፍ ዝጸንሐን ዝሕለፍ ዘሎን፣ ቀንዲ ሕማም ናይ’ዚ ኹሉ ሕምፍሽፍሽ  ግቡእ ኣድህቦ ክግበረሉ ዝጽዕር ትሕዝቶ ከንጸባርቕ ክፍትን’ዩ።
ህሉው ኩነታት ናይ ሃገርና፣ ብዘይቃልዓለም እዝኒ ሰማዒ ዝብህጎ መሪጽካ ምዝራብን ምጽሓፍን ዘተባብዕ ባህሊ’ዩ ከተባብዕ ጸኒሑ። ሎሚ ግን ይበራበር ኣሎ። ንስኻትኩም መንእሰያት ደው በሉ። ኣናፍሳ ንፋስ እንዳረአኻ መኣዝናካ ምትዕርራይ ጎደና ምዕባለ ኣይኮነን፣ ለውጢ የድሊ’ሎ! ትብሉ’ለኹም።
ሓሳብ ልብኹም የስምረልኩም። ኣጆኹም!!!!!!!
ብዛዕባ ለውጥን ዕርቅን ክንዛረብ ካብ ተኣከብና፣ እሞ ድማ ንስኻ’ስኪ ቅድም ተዛረብ ስለዝበልኩምኒ፣ ክብረት ይሃበለይ። እቲ ጉዳይ ብቐጻሊ ብሓባር ንኹስኩሶ መስርሕ ደኣ’ምበር ናይ ሓደ መዓልቲ ዛዕባ ኣይኮነን። ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ ዝወራረስ መስርሕ’ዩ።
ናብ’ቲ ቀንዲ ነጥቢ ንምእታው  ድማ  —–  እቲ ክንልውጦ ንደሊ  እንታይ ኢዩ?
ኢሳያስን ህግደፍን ምልጋስ ጥራይ ድዩ?
ካብ ዝብል መበገሲ ክነቅል’ሞ፣  ናብ’ዛ ሓጻር መብርሂት ብዛዕባ ዘይምቅድዳው  ክሳገር።
ዘይምቅድዳው (conflict) – ብኣሉታ ጥራይ ዝርአ ኣይኮነን። ብጸጋማይ ዓይኒ ጥራይ እንተዘይተራእዩ’ሲ፣ ናይ ሂወት መቐረት ናይ ለውጥን ምዕባለን መሰረት’ዩ።  ወግሐ ጸብሐ ኣብ መንጎ ኣስራሕን-ሰረሕተኛን፣ ውሉድን-ወላድን፣ ሰብኣይን-ሰበይትን፣ መምህርን-ተመሃራይን ዓዳጋይን-ሸያጣይን ወዘተ …. ውልዕ ጥፍእ ዝብል ናይ መዋእል መናብርቲ ኢዩ። እቲ ጸገም ምውላዕ ናይ ዘይምቅድዳው ኣይኮነን።
ዘይምቅድዳው ምስ ተጋህደ ዝስዕብ ፍልልይ ናይ ኣተሓሕዛ ወይ ድማ ኣተኣላልያ’ዩ ተኣምራት ዝፈጥር።
ምኽንያቱ እቶም ዝተዓደሉ እሂን-ምሂን ይበሃሃሉ’ሞ ብመስርሕ (conflict management) ናብ ለውጥን ዕርቅን ይጎዓዙ።  ዝወረዶም ድማ በ’ባትር ይኮሳተሩ’ሞ፣ ዝኸሰሩ ምስ ከሰሩ፣ እንተ ሰሊጥዎም ብመስርሕ (conflict resolution) ናብ ለውጥን ዕርቅን ይጎዓዙ።
ብዛዕባ ብዝሕን ዓይነትን (conflicts) ናይ ሃገርና ምምይያጥ ድማ፣ ዝተደጎለ ሓዊ ንምስዋር ዘይኮነስ፣ ምእንቲ ለውጥን ዕርቅን ኣግሂድና ክንዛረበሎም ዝግብኣና፣ እንተኾነ ግን ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ተፈሪሖም ክሕለፉ ዝጸንሑ ዛዕባታት (taboo topics) ኣለዉና። ገለ ካብኣቶም ንምጥቃስ፣
ሀ) ጀብሃን ሻዕብያን፣
ብፍላይ ኣብ ወጻእን ኣብ መንጎ ዓበይትን ገኒኑ ዝርአ፣ ህልኽ ዘለዎ ዝምባሌ (ትረንድ) ኮይኑ፣ ግቡእ ኣቓልቦን ኣቕርቦትን (recognition) ይደሊ። ምናልባት ንሓዋሩ ብዝሒ ሰልፍታት ብዝፈቅድ ሕጊ ክእለ ተስፋ እገብር።
ለ) መንግስትን ህዝብን፣
መራሕትና ኣባታዊ (patriarchal system) ናይ ፖለቲካ መስመር ሰሪዖም፣ ብዘይ ሕጊ ፈረድትን ሓረድትን ኮይኖም’ዮም፣ ንፖለቲካ ናይ ሓዳስ ኤርትራ ጀሚሮሞ። ኣብ ኩሉ መስርሕ ናይ ሂወት፣ ኣብ ገጠርን ኣብ ከተማን ኣትዮም ድማ ነቲ ንቡር ናይ ለውጥን ዕርቅን ተራ ናይ ዓበይትን መራሕቲ ሃይማኖትን ከይተረፈ ብምንጻግ ኣብ ባህልን ወግዕን እንዳ’ባ ሰፈ ዘይብል ክሳራ ኣውሪዶም ኣለዉ።
ስለ’ዚ ኣብ ዝምድና ህዝብን መንግስትን መሰራታዊ ለውጢ የድሊ’ሎ። እዚ ናይ ለውጢ ዝምባሌ ድማ ንመንእሰይ ዝምልከት’ዩ።
ሐ) ይከኣሎን ዋርሳይን፣
በዓል ይከኣሎ፣ ነዚ ኣብ ሳሕል ዝተሰርሐ ክጽገን ዘይኽእል ቄባዕ ቅዲ-ኣመራርሓ ተሰኪሞም’ዮም ዓዲ ኣትዮም።  ዝገደደ ድማ ነዚ ዝመስል ቅዲ ኣመራርሓ ኣብ ምሉእ ዓለም ኣይርከብን’ዩ። መተካእታ የብሉን። ኣብ ስራሕ ኣይጋገ ኣይውቀስ ኣይሕመ፣ ካብ ምባል ሓሊፎም፣ ማዕረ-ማዕርኡ ንርእሶም ምእንቲ ክሰርዑ  “ይከኣሎ” ዝብል ምኩሕ ስም መሪጾም። ነቶም መራሕቲ ድማ ቁሊሕ ኢሎ ክጥምትዎም ኣብ ዘይክእሉሉ፣ መዋርዶ ኣብ ዘይብሉ፣ ህልም ዝበለ ናይ ስልጣን ጸድፊ ኣደይቦም’ዮም ጉዳይ ሃገርን ህዝብን ጀሚሮሞ።  ብኡ’ቢሎም ድማ ንሕና ንኽእሎ መን ይኽእሎ ዝብል ናይ ዝናን-ባህታን መስርሕ ሰሪዖም ተበጊሶም።
ነዛ መስርሕ’ዚኣ ድማ ዓወት’ዩ ድራራ ኢሎም።
ስለ’ዚ ዓወት’ሲ ድራር ዝናን-ባህታን ኮይና ምሸት ምሸት ኣብ መኣዲ ምእንቲ ክትቀርብ፣
ተዓዊትና ንምባል ይህንጠዩ
ተዓዊትና ንምባል ኲናት ይውልዑ
ኲናት ንኽውልዑ ወተሃደር ይምልምሉ
ወተሃደር ንኽምልምሉ ነጻ ኣገልግሎት ይእውጁ
ኣብ መወዳእታ ድማ ጸላኢ ይፈጥሩ።
ስለ’ዚ ድራር ዝናን-ባህታን ዝኸውን ተዓዊትና ንምባል ከኣ ውዑይ ደም የፍስሱ።
ዝናን-ባህታን እምበኣኣርከስ ጸላኢ ብዝብል ጎንፊ (enemy deprivation syndrome) ተጎኒፎም’ዮም።
ፖለቲካን ዝናን ድማ ኣብ’ዛ ናይ ይከኣሎን ዋርሳይን ምዕራፍ’የን ተዋሲበን። እወ! ብስም ልኡላውነት ሃገርን ልኡላውነት መንግስትን፣ ብጉልባብ ሕድሪ ስዉኣትን፣ ብጉራን ፈኸራን ራእይ መራሕትናን፣ ብምፍርራሕ ሓደ ህዝቢ ሓደ ልቢ ….. ኤርትራዊ ንመራሕቱ ኣይሓትትን’ዩ …. ብኸብዱ ኣይዛረብን’ዩ፣ ኤርትራዊ ክትኩስን ክጽልን ጥራይ’ዩ ዝምብርከኽ፣ ኢትዮጵያ ዝበሃል ናይ ኤርትራ ጸላኢ ኣሎ ……. ብዝብል ንፋስ ዝተነፍሐት ዓፍራ (bubble) ምዕራፍ ዋርሳይ ተፈጢሩ።
ዘሕዝን’ዩ። ጥሜትን ጽምእን ጥራይ ዘይኮነ፣ ምስ ዕጥቁ ናይ መዋእል ናጻ ኣገልግሎትን፣ ዘየቋርጽ ኲናትን ዝጽመም መንእሰይ መልሚልና።  ብዘይምግናን ድማ ኣብ ምንፋሕ ናይ’ዛ ናይ ንእስነት ፍናን ዘፍዘዘት ዓፍራ’ዚኣ ኡፍ ዘየበለ ኤርትራዊ ዳርጋ የለን። እንተ’ልዮም ከኣ በጻብዕ ዝቑጸሩ እዮም። ኩላትና በብዓቕምና ነፊሕናያ ኢና። ስለ’ዚ ንመንእሰያትና ከምእዋኖምን ከምዓለሞምን ከይጎዓዙ ንሕና ወለዶምን ዓበይቲ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ኣደናጊርናዮም ኢና። ብሓላፍነት ንሕተት ንሕና ኢና። ንመንእሰያትና በዲልናዮም ኢና። ሕጂ’ውን ብመንጽር ናይ ዝሓለፈ ታሪኽ፣ ንመጻኢ ዕድል ክትቅይስ ምፍታን፣ ክፋል ናይ’ዛ ክትትኮስ ቀሪባ ዘላ ዓፍራ ኢዩ።   ……….. ብሓጺሩ ጸላኢ ዝብል ቃልን ኢትዮጵያ ዝብል ቃልን ክንፈላሊ ይግብኣና።
ሕጂ ድማ እዛ ባብል ክትትኮስ ቀሪባ’ላ።
ካብ ሊድስ ዓዲ እንግሊዝ ዝጀመረ ብኒው ዮርክ ሓሊፉ ክሳብ አውሮጳን እስራኤል ዝልሕም ዘሎ ናይ መንእሰያት  ምንቅስቓስ ንእንዳ ዝናን-ባህታን ዕርቃኖም ኣውጺእዎም’ዩ። መስርሕ ለውጢ ተጀሚሩ ኢዩ።
መ) መሃያን ናጻ ኣገልግሎትን፣
እንዳ ዝናን-ባህታን ካብ መስርሕ ገድልን-ምግዳልን ዝወረስዎ ናይ ናጻ ኣገልግሎት ወልፊ (addiction) ኣለዎም። እቲ ዝገርም እቶም ብዙሓት ንባዕሎም መሃያ! ንናእሽቱ ኣሕዋቶም ድማ ናጻ ኣገልግሎት ዝእውጅ ፖሊሲ ከም ቅቡል ምውሳዶም’ዩ። እዚ ዝምባሌ’ዚ ንታሪኽ ዝግደፍ ሕቶ’ኳ እንተኾነ፣ ድሕሪት ተመሊስካ ዘጣቑስ ኣይኮነን። መንእሰያት ምእንቲ ለውጥን ዕርቅን ብናይ ምሕረት ዓይኒ ርእዮም፣ ሓዲሽ ባይታ (new normal) ክፈጥሩ ዓቕምን ዓቕልን ይሃቦም።
ስለ’ዚ እዛ ኤርትራና ብውሽጥን ብደገን ካብ ዓቕማ ንላዕሊ ኮንፍሊክትስ ተሰኪማ ኣብ ቅድሚ ዓለም ትርአ’ላ። ለወጢ የድሊ’ሎ። ንጽባሕን ንደቅና ዝኸውንን ምቅርራብ የድሊ’ሎ። እዛ መደረኽ ከኣ ናይ መንእሰያት’ያ። እቶም ንኹሉ ንኽእል ኢና እንዳበሉ ዝቐረቡ መራሕትና ሓዲሽ ሓሳብ ተወዲእዎም፣ ካልእስ ይትረፍ ዓወቶምን ውድቀቶምን ናይ ምፍላይ ሚዛኖም ከምዘጥፍኡ’ኳ ብተግባር ይረኣዩ’ለዉ።
እሞ!! ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ እንታይ ይሓይሽ?
ብፍላይ ብፍላይ ኣብ’ዚ ዘለናዮ ሃገር፣ ማለት ዓዲ-ኣመሪካ ኾንካ ብዛዕባ ለውጢ ምሕሳብ ዓቢ ጸጋ’ዩ። ብዘይምግናን ኣመሪካ ናይ ለውጢ ሃገር’ዩ። ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ! ኣመሪካውያን ንሂወቶምን ንምዕባለኦምን ብመንጽር ንግድን ዕዳጋን’ዮም ዝዕቅንዋ። ካልእስ ይትረፍ ቁርሶም ምስሖም ድራሮም ኣብ ንግድን-ዕዳጋን’ዩ። ስለ’ዚ ነዚ ኩነታት ዘመሓድር ንንግድን ዕዳጋን ዝገዝእ – ካስተመር- ዝበሃል ንጉስ ኣለዎም። እዚ ንጉስ’ዚ ምሕንቃቕ ስለዝፈቱ ድማ፣ ብሕግን ስርዓትን – ካስተመር ኬር- ተኸናኺኖም’ዮም ዘሐንቅቕዎ።
ምኽንያቱ ሰማያዊ ንጉስ እንተ ኾርዩ ……………………………………… ናብ ገሃነም!
እዚ ናይ ዕዳጋ ንጉስ እንተ ኾርዩ ድማ ……………………………….. ናብ ድኽነት!
ከም ዝድርብዩኻ ስለዝፈልጡ ኣመሪካውያን ንኽልቲኦም ኣኽቢሮም’ዮም ክሕዝዎም ዝፍትኑ።
እቲ ናይ ሰማይ ንጉስ’ኳ ሕያዋይ ስለዝኾነ ቁሩብ’ዩ ዝኣኽሎ። እዚ ናይ ንግድን ዕዳጋን ንጉስ ግን ………. እንተ ተቐይሙ ንሕስያ ዘይብሉ ጨካን ንጉስ ምዃኑ ስለዝፈልጡ ኣመሪካውያን፣ ብፍሉይ ስርዓት መጽሓፍ ካስተመር ኬር ተማኣዚዞም’ዮም ዝከናኸንዎ። እዛ መጽሓፍ’ዚኣ ከኣ ብቐሊሉ ክርሳዕ ዝኽእል ኮይኑ’ምበር፣ ከም ስላሴ ብሰለስተ እግሪ ዝቖመ ኣዝዮ ቀሊል  ደንቢ’ዩ  ዘለዋ። እወ ኣብ ስራሕ እንከለኻ ካስተመር እነተመጺኡ’ሲ፣
ሀ) ሓንጎፋይ በሎ! (eye contact/acknowledge)
ለ) ዘድልዮ ንኽረክብ ብፍሕሽው ገጽ ሓግዞ (smile/act)
ሐ) ኣብ መወዳእታ ድማ ኣምስጊንካ ኣፋንዎ (positive thinking/appreciate)
ሕጂ ድማ እዘን መሰረታውያን ሕግታት ናይ ካስተመር ኬር ኣይንረስዕ’ሞ፣ ናብ’ቲ ህጹጽ ለውጥን ፍታሕን ዝደሊ ዘሎ ቐንዲ ምኽንያት መበገሲ ናይ’ዚ ኹሉ ሕምፍሽፍሽ ናይ ኤርትራና ክንሳገር።
መ) ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን።
ኤርትራን ኢትዮጵያን’ሲ ኣብ ልዕሊ’ቲ ባህላውን ታሪኻውን ምቅርራበን፣ ንናይ ሓባር ረብሓ ዝኸውን ባህርያዊ ትዕድልቲ ኣለወን። ኩሉ ሰብ ከም ዝፈልጦ ድማ ወያነን ሻዕብያን ካብ በረኻ ምስኣተዉ ብፖለቲካ አኮኖምን ወተሃደራውን መዐቀንታት ገዚፍ ……ናይ ሓባር ረብሓ ዘለዎ ዓውዲ …… መስሪቶም ኔሮም። ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣብ ተኸታታሊ ጽሑፋት ናይ ዝናን-ባህታን ዝተናኸፍኩዎ ጸብጻብ ናይ ሓባር-ረብሓ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበረ ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ኤርትራ፣ ዝነበርዎ ብዝሒ ሰራሕተኛታት ምስ’ቲ ዝዓበየ ኤምባሲ (ናይ ኣመሪካ) ዝመጣጠን’ዩ ኔሩ።
ዝኾነ ኾይኑ ሻዕብያን ወያነን ገዚፍ ናይ ሓባር ረብሓ ዘለዎ ዓውዲ ኣውዲቖም ተበጊሶም ከብቅዑ፣ ኣብ ሓጺር እዋን ብዝተፈጥረ ዘይምቅድዳው ብሓባር ክሰርሑሉ ናብ ዘይክእሉ ደረጃ በጺሖም። ኣብ ጎደና ምዕባለ ፍጥነቶምን ምትዕጽጻፎምን ኣዝዩ ተፈላልዩ። እንዳ ዝናን-ባህታን ኣኻይዳና ኣኻይዳ ኣባ ጎብየ’ዩ እንክብሉ፣ ወያኔ ድማ ትናንት ዛሬ ኣይደለም! ፈጣን ነው ባቡሩ! ክብሉ ጀሚሮም።
ብፍላይ ንእንዳ ዝናን-ባህታን ከኣ ሕግታት መጽሓፍ ካስተመር ኬር ክወሓጠሎም ኣይከኣለን። እዛ ቐላል ኣተኣላልያ ናይ ዘይምቅድዳው — ካስተመር ኬር——- ስለዝበርትዓቶም ድማ ናብ’ቲ ድራር ዝና ይርከቦ’ዩ ኢሎም ዝኣምኑሉ  ናይ ዓወት መንገዲ ማለት … ኲናት … ንምእታው፣
ኣርእስቲ ቀይሮም።
ናይ ዶብ ሕቶ ዝብል መበገሲ ጌሮም’ሲ ናብ ህልም ዝበለ፣ ናይ ሓባር ዓወት (win – win) ክርከበሉ ዘይክእል ናይ ህልኽ ገደል ኣትዮም። ብጋህዲ ድማ ንለውጥን ዕርቅን ተስፋ ዘይብሉ፣ መን’ዩ ጎብለል ናይ’ዚ ዞባ ንምፍላይ ዝግበር ኲናት’ዩ ዝብል ኣርእስቲ ወሲኾሙሉ።
መብዛሕትኡ ኤርትራዊ ከኣ ኣብ’ዛ እንዳ ዝናን ባህታን ዝፈጠርዋ ገደል (blind spot) ተደናጊሩ ሸተት ኢሉ። ስለ’ዚ መራሕትና ብጥልመት (professional malpractice) እቶም ዝሰዓብና ድማ እምነትን ስምዒትን ብዝፈጠርዎ ምድንጋር (misdiagnosis) ከምኡ’ውን ኲናትን ሃገራዊ ስምዒትን ብምሕዋስ ኣብ ታሪኽ ክንዝከር ኢና።
ስለ’ዚ እታ ቐንዲ መልእኽቲ ናይ ሎሚ መዓልቲ እምበኣርከስ ኣብ’ዚኣ’ያ ዘላ። እቲ ዛዕባ ብመንጽር’ቲ ክትከል ተፈቲኑ ዝፈረሰ ናይ ሓባር-ረብሓ ዝምዘነሉ ለውጢ ናይ ኣተሓሳስባ የድሊ’ሎ ንምባል፣ ብምቕጻል ከኣ ንመጻኢ እንታይ ምግባር ይሓይሽ ንምባል’ዩ ጻዕረይ። እዚ’ዩ ጎደና ለውጥን ዕርቅን ዝብሎ ኣነ።
ከም ርኢቶይ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተፈጢሩ ዘሎ ዘይምቅድዳው ንምፍታሕ፣ ብሸነኽ ኤርትራ  ሕግታት ካስተመር ኬር ምትእትታው እቲ ቐንዲ ፍታሕ ኢዩ። ልክዕ ከም’ቲ ኣርባዕቲአን ጎረባብትና ማለት ሶማል ሱዳን ከንያ ጂቡቲ ምስ ንግድን ዕዳጋን ናይ ኢትዮጵያ ዘርእይኦ ዘለዋ ዝምባሌ ናይ – ካስተመር ኬር ክርአ ይግብኦ። …………….  እዛ ዝምባሌ’ዚኣ ናይ ለውጥን ዕርቅን መሰረት ኢያ።
እንዳ ዝናን-ባህታን ዓዊሮም’ዮም፣ ብኢዶም ሒዙ ዝመርሖም ሓዲሽ ሓሳብ ሓዲሽ ሰብ ከምኡ’ውን ምስ እዋን ዝተዓጻጸፍ ቅዲ ኣመራርሓ የድልዮም ኣሎ። ………….  እዚ ድማ ናይ መንእሰያት ስራሕ’ዩ።
ኣቶ መለስ ዜናዊ ኣብ’ዚ ቀረባ ግዜ ምስ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ኣብ ዘካየዶ ሕቶን መልስን፣ ክልተ ነገር ቀቲልና ይብል። (ሀ) ንደርጊ ቀቲልናዮ  (ለ) ህላዌ ኢትዮጵያ …… ብዘይወደብ ንዝስከፍ ስግኣት ናይ ኢትዮጵያውያን ከኣ ቀቲልናዮ ክብል ንጹር መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።
ኩሉ ሰብ ከምዝፈልጦ ወያነን ሻዕብያን ንደርጊ ንምስጓግ ብሓባር’ዮም ክሳብ ቤተ መንግስቲ ናይ ኣራት ኪሎ ኣትዮም። ክልቲኦም ኣብ’ቲ ቤተ መንግስቲ ምስ በጽሑ ግን፣ ወያኔ ካብ’ቲ ቤተ መንግስቲ፣ ነቶም ናይ ንጉስን ናይ ደርግን ዝነበሩ ዝኣረጉ መጻሕፍቲ ፈቲሾም፣ ብፍላይ ነቶም እዋኖም ዘሕለፉ መምዮም ጉሒፎሞም።  እንዳ ዝናን-ባህታን ከኣ መሪጾም ነተን ኢትዮጵያ ብዘይካ ኤርትራ …. ዝብል ስግኣት ዘንጸባርቓ ናይ ንጉስን ናይ ደርግን መጻሕፍቲ ካብ’ቲ ጎሓፍ ኣልዒሎም፣ ብታንኪ ጽዒኖም ነ’ስመራ ወሲዶመን። ክሳብ ሎሚ ድማ ተተርኢሶመን ይድቅሱ’ለዉ። ዝሞተን ዝተጓሕፈን ሓሳብ ምቕባር ስኢኖም’ሲ፣ ንጉስን ደርግን ክወሩና እዮም። ኢትዮጵያ ጸላኢትና ኢያ፣ ክብሉ ንሰብ ደቃስ ከሊኦም ኣለዉ።
ሕጂ ድማ በል መንእሰይ ተበራበር እዋኑ ዘሕለፈ ሓሳብ ቅበር! ክብል’የ ናብ ባይቶ ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ክጽንበር ዝመጻእኩ።
መንእሰያት ድማ መጻኢ ዕድልኩም፣ ስራሕን ደሞዝን ጡረታን ዕረፍትን (vacation) ዘውሕስ፣ ኣምላኽ ዝሃበኩም ባህርያዊ ትዕድልቲ ኣርባዕቲአን ጎረባብቲ ሃገራት ክማቐልኦ ይጓየያ’ለዋ። ንስኻትኩም ድማ ፈቐዶ ውቅያኖሳትን ሃገራት ዓለምን፣ ክሳብ በረኻታት ሊብያን ሲናይን ላቲን ኣመሪካን ደቡብ ሱዳንን ደቡብ ኣፍሪቃን ትርህጹን ትሓሙን ትሞቱን ትቕበሩን ኣለኹም። በዚ ዝርአ ዘሎ ዝምባሌ መሰረት፣ ምስ’ዚ ኣምላኽ ዝሃበና ባህርያዊ ትዕድልቲ ንምውሳእ ተሪፋትና ዘላ ኣማራጺት ከኣ ሓሙሸዪት ሪጋ ምጽባይ ኢያ። ሓሙሻይ ድማ ስሙ’ኳ ኣይጥዑምን። ሓሙሻይ መስርዕ ከስምዕ ስለዝኽእል!
እዚ ክብል እንከለኹ ግን ኤርትራ ብዘይካ ኢትዮጵያ ከም ሃገር ሂወት የብላን ኣይበልኩን። ኣብ ቀረባ ዘሎን ንሕጂ ክንጥቀመሉ ንኽእል ዕድልን’ዩ ዘዛርበኒ ዘሎ። ኣብ ርሑቕ ዘሎን ንጽባሕ ዝኸውንን ዝበለጸን ዝዓበየን ዕድል ግን ንእዋን ዝግደፍ ሕቶ’ዩ። ብርግጽ እዛ ዓለም ዕዳጋ ከም በዓል ቻይናን ህንድን ዝመስሉ ሓዊ ሓዊ ዝጨንዩ ኣብ ምምዕባል ዝጓየዩ ገዘፍቲ ዕዳጋታት ኣለውዋ። ናብኦም ምቁማት ሓላል’ዩ። ንእግረ መንገድኻ ግን ምስ በዓል ሆንግ ኮንግ ሲንጋፖር ዱባይ ……. ዝኣመሰሉ ምዕቡላት ተመሳሳሊ ወሃብቲ ኣገልግሎት ውድድር ከምዘሎ ዘይምዝንጋዕ።
ስለ’ዚ ብሰንኪ ሕመቕ ናይ እንዳ ዝናን ባህታን፣ ካብ’ዚ ናይ ስራሕ መኣዲ ብምርሓቕና፣ ክሳብ ሕጂ ዝኸሰርናዮ ክሳራ ቀሊል መለክዒ የብሉን። ምናልባት ነዚ ናይ ስራሕ መኣዲ’ዚ ብዝምልከት ንሓሳበይ እንተጠርነፈትለይ ድማ “ጽቡሕ መኣዲ” ትብል ገላጺት ቃል ናይ መንእሰይ ኣማኑኤል ኢያሱ (ኣሰና) ሕጂ’ውን ብኣድንቖት እደግማ።
ስለ’ዚ ዛዕባና ናብ’ቲ ናይ ብሓቂ ከባእስ ዝኸኣለ ጉዳይ ናይ ሓባር ረብሓ ንቐይሮ፣ ሽዑ ብሕግታት ካስተመር ኬር ንርኣዮ። እዚ ዝምባሌ’ዚ’ዩ ጎደና ምዕባለ፣ ናይ ልፍንትን ስምምዕን፣ ከምኡ’ውን ምኽንያት ናይ ምቅድዳውን ዘይምቅድዳውን ክኸውን ዝኽእል። እንዳ ዝናን-ባህታን ሕሙም ከምዝፍንፍን ሓኪም ወይ ድማ ሰኽራም ከም ዝንዕቕ በዓል ባር ዓሚሎም ኣይፈልጡን’ዮም። ስለዝኾኑ ድማ እነሆ ለኪሞሙና ጠፊኦም።
ኣብ መወዳእታ ንመንእሰያት ኤርትራውያን ንለውጢ ክላበዎ ዝደሊ፣
ሀ) ተራ ደቀ’ንስትዮ ኣብ መስርሕ ሰላማዊ ጉዕዞ ክበራበርን ክምዕብልን ምጽዓር። ኣብ ሓዘን ንብዓት ኣብ ሓጎስ ድማ ዕልልታ ዘንጸባርቕ ባህልና ሂወት ዝህብኦ ንሳተን’የን። ብብረትን ዕጥቅን ምሕሳብ ንኽተርፍ ሓገዘን ወሳኒ ኢዩ።
ለ) ምስ’ቶም ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መዓቑቦ ስደተኛታት ዘለዉ ህዝብን ምስ’ቶም ኣብ ዩኒቨርሲታት ናይ ኢትዮጵያ ዘለዉ መንእሰያትን ብቐጻሊ ርክብ ምጅማር።
ሐ) ምስ ኢትዮጵያ፣ ፍሉይ ናይ መንእሰያት ዲፕሎማሲ ማለት ምስ ናይ ሞያ ማሕበራት፣ ዩኒቨርሲታት ወይ ድማ ናይ ኢንቨስትመንት ማእከላት ከምኡ’ውን ካልኦት ተመሳሰልቲ ትካላት ሓዲሽ ዝምድና ንምጅማር (new normal) ምጽዓር። ዕርቂ ማለት ሓዲሽ መንፈስ ሓዲሽ ዝምባሌ ማለት’ዩ። ሓዲሽ ሓሳብን ሓደስቲ ሰባትን’ዮም ንፖለቲካን ንናይ ሓባር-ረብሓን ሓዲሽ ኣንፈት ኣትሒዞም ንኽልወጥን ክምዕብልን ሂወት ዝህብዎ። ኣብ ከም’ዚ ዓይነት ኣኼባ ድማ ወላ ኢትዮጵያውያን ወሃብቲ ርኢቶ ምዕዳም መንገዲ ለውጥን ዕርቅን’ዩ።
መ) ጀሚርኩሞ ዘለኹም ናይ መንእሰያት ምንቅስቓስ ድማ ኣዝዩ ዘብህግን ተስፋ ዝህብን’ዩ። ብፍላይ ነቲ ኣብ መንእሰያት ንኸይምዕብል፣ ብእንዳ ዝናን-ባህታን ተኸልኪሉ ዝጸንሐ፣ ተራ መሪሕነት ናይ መንእሰይ፣ ዘንጸባርቕ ብርሃን ይርአ’ሎ። ብዙሓት ከይተሓለሉ ነዚ ናይ ለውጢ ዝምባሌ ዘወሃህዱ መንእሰያት ኣብ ውሽጥኹም ይረኣዩ’ለዉ።
ረ) ነቲ ኣብ ትሕቲ ዋርሳይ-ይከኣሎ……… ዝብል ዝምባሌ ተፈጢሩ ዘሎ ሃጓፍ ድማ ንሓዋሩ ዝኸውን ናይ ጡረታ መሰል ዝእንፍት ሕንጻጽ ብመደብ ብምሓዝ፣ ኣብ ቤት ትምህርትን ኣብ ገዛውትን ክወሃብ ዝኽእል በብዓይነቱ ናይ ትምህርቲ ፕሮግራማት መደብ ብምውጻእ፣ ብዓቢኡ ድማ ብዓይኒ ምሕረት (foregiveness) ሓሊፋክ ንቕድሚት ምጥማት ንሃገርን ህዝብን ዓቢ ህያብ’ዩ።
ራህዋን ቅሳነትን ንህዝቢ ኤርትራ።
ዳንኤል ተስፋዮውሃንስ ተኽለጊዮርጊስ
Ewandt54@gmail.com
*****ኣብ ኦክላንድን ከባቢኣን ዝተዓዘብኩዎ ናይ መንእሰያት ዝምባሌ ኣዝዩ ሃናጺ ኣብነት’ዩ። ተሳታፍነቶምን ኣተኣላልያ ናይ ውራዮምን ብቓላት ክገልጾ ኣይክእልን። ኣዝዩ ምዕቡል’ዩ። ማሕበር ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ክድገፍን ዕቱብ ኣድህቦ ክግበረሉን ዝግብኦ ማሕበር ምኻኑ ተማሂረ።        ከምኡ ድማ ኣባላት ማሕበር ምትሕግጋዝ ኤርትራውያን ኣብ ሳንታ ክላራ፣ ኣብ ልዕሊ’ቲ ምዉቕ ምትሕቑቛፎም ኣብ ቤት ጽሕፈቶም ንሓገዝ ብዝተኸልወን ኮምፕዩተራት ንኽልተ ናብ ኣመሪካ ዝኣተዉ ሓደስቲ መንእሰያት ናይ ኢመይል ኣካውንት ንምኽፋት ክሕግዝዎም ከተባብዕዎምን ስለዝረኣኹ ኣድንቖተይን ምስጋናይን እገልጸሎም። *****

ለውጥን ዕርቅን። (10/15/2011)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
8 COMMENTS
  • Semhar October 21, 2011

    Gaddafi is dead Isayas is next!

    Yes we can DISTROY the dictator ISAYAS and his terrorist organization the PFDJ where ever they are.
    Yes we will DISTROY the dictator ISAYAS and his terrorist organization the PFDJ where ever they are.
    Eritrea will be free soon!

    – The international community’s talking peace and carrying big stick [sanctions] is having an effect.
    – The Eritrean people are beginning to realize that there is no point in waiting for the regime to reform itself — that it needs to be overthrow.
    This is the moment we must come together to save our land and our people.

    Let freedom ring in Akeleguzay!
    Let freedom ring in Barka!
    Let freedom ring in Denkel!
    Let freedom ring in Hamasien!
    Let freedom ring in Sahil!
    Let freedom ring in Semhar!
    Let freedom ring in Senhit!
    Let freedom ring in Seraye!

    Let freedom ring in ERITREA!

    Let freedom ring allover Eritrea!
    Let’s LIVE FREE OR DIE with dignity.
    Our martyrs did not die to crown the tyrant.
    We must reclaim our flag, our constitution, Highi Indaba, our land (our original provinces), our people, and our culture.
    DISTROY the dictator ISAYAS and his terrorist organization the PFDJ where ever they are.
    Eritrea will be free soon!

    • justice October 21, 2011

      Nice written Semhar. keep

  • Amos October 21, 2011

    So called Semhar, this shows your stupidity.

  • Haile October 21, 2011

    Higdef is rotten, will be gone sooner than we’ve expected. Real Eritreans must rise NOW!

  • Tesfamariam Beyan Asrat October 21, 2011

    i understand your idea, keep it. Time of change will come soon,but there might be idiological differences which could not simply be cured. to get rid off, needs to understand this word objectibly and learn from each other with modest advanced way. i am 63year old and try to convey my oppinion to my kids. Thank you!!

  • Neguse October 21, 2011

    God bless you let us leave the backward Jebha Shabia start fresh

    • Huluf October 22, 2011

      Neguse.
      100% on the point. Start afresh…all that has been in leadership of ELP & EPLF should be retired honorably.
      Some the Eritrean people must deliver justice of course.

  • Semhar October 21, 2011

    To Amos,
    Sorry;
    You have identity crises!
    Meninet kiliulaw aleka!

Post a Reply to Haile Cancel Reply