Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሊሎየ ሊሎ ፡ ድምጺ ኣሎና ይስማዕ’ሎ

ሊሎየ ሊሎ ፡ ድምጺ ኣሎና ይስማዕ’ሎ ብዋዛ እተሰቅለ ገበል ኣብ ዘንቀና ውሕጅ ደም ይትምነ ንጥፍኣት ኩልና ፍጡር ኣባሪሩ ገዛ ባዶ ኮይኑ ንግሆ ዝንቑ ደርሆ ተሳኢኑ ሽላን ኣሞራን ሸይሙ መዃንንቲ መግቦም ካብ ገበላ ኮይነን ጨቕውቲ ጸሊም ተከዲኑ ኣብ’ቲ ዝባን ናሕሲ ኣብ ጉንባሕ ኮይኑ ሙሉእ

ሊሎየ ሊሎ ፡ ድምጺ ኣሎና ይስማዕ’ሎ

ብዋዛ እተሰቅለ ገበል ኣብ ዘንቀና

ውሕጅ ደም ይትምነ ንጥፍኣት ኩልና

ፍጡር ኣባሪሩ ገዛ ባዶ ኮይኑ

ንግሆ ዝንቑ ደርሆ ተሳኢኑ

ሽላን ኣሞራን ሸይሙ መዃንንቲ

መግቦም ካብ ገበላ ኮይነን ጨቕውቲ

ጸሊም ተከዲኑ ኣብ’ቲ ዝባን ናሕሲ

ኣብ ጉንባሕ ኮይኑ ሙሉእ  ኣባት ነብሲ

ተሓብኤ ከይተርፍ ገለ ተቀመጠ

መንደላይ ተሓርዩ ጸጥታ ውሻጠ

ጸዋር ሕማቅ ወረ ዕሉል ጋዘጤኛ

ጸሓዩ በሪቃ ጉንጓ ኮይኑ ዳኛ

ለዋሃት ኣዕዋፍ ኩለን ምስ በረራ

ገበላ መሊኣ ብሽላ ኣሞራ

ብስራተን ይጥዓም ኣዕዋፍ ሃገርና

ኔረን ኔረን ሎሚስ ኣሎና ኢሎናና

ኣብ ኣፈን ቆጽሊ ኣብ ኣእጋረን ጥዋፍ

ትሕዝቱአን ጸይረን ናይ ሃገርና ኣዕዋፍ

ጀሚረን ኩለን ብሓንሳብ ክበራ

ኣብ ምድረ ባሕራ ሰማያት ኤረትራ

ንግሆ ረጋቢት ምሸት ለዃዂቶ

ይዝምራ ኣሎዋ መዝሙር እቶ እቶ

ንተንስእ ሎሚስ ናይ ሓቂ ወጊሑ

እንሆንዶ ድምጸን ብዓውታ ጋዊሑ

ስልማት ምድሪ ውቁባት ተፈጥሮ

ንሰን ዘይብሉስ ዘይመልእ መንብሮ

ሰፈርክን ህነጻ ኣክናፍክን ዘርግሓ

ኣብ ኣእዋም ገድዲፍክን ኣብ ጎተና ስርሓ

ለከ ኣብ’ዚ ዓለም “ኣደ” እንተ ጸዊዓ

ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ኩሉ’ዩ ዝሰምዓ

ጊዜ ከይጋገ ዅዅናይ ከይስሕታ

ድሉው’ዩ ኣርሓ ደርሆ ክህቦ ምልክታ

ሓቢርክን እተዋ ረጋቢት ምስ ሊሎ

መረጸ ኣስመላሽ   —–   8/25/2018

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • meretse September 1, 2018

    ክንዲ ኢድካ ምስዳድ ኣብ’ቲ ተቀረበ
    ከብዲ ሕራይ ትብል ዓይኒ ግን ጸጊበ
    ብጨረርታ ዓይኒ የሎን ዝተደረ
    ወስ ደኣ ምሓሸ ዋላ እንተ መረረ
    ምንጣር ፡ ምስጋር፡ ከበባ መኣዲ
    ቃልዓለም ወዲሰብ ሓደ ሕማቕ ልምዲ
    እሞ ይሕመቅ ይጸብቅ እናክብ ኮነ ናተይ
    ባዕለይ ዘይዃዝሞ ሸዊት ናይ ግራተይ
    እስኪ ደሓን ትእቶ ባሕቲ መስከረም
    ቦኹሪ ናይ ኣዋርሕ ብስራታ ለምለም

  • meretse September 1, 2018

    መአረምታ፡
    ደሓን ከኣ ትእቶ “ባሕቲ መስከረም”
    ቦኹሪ ናይ ኣዋርሕ ብስራታ ለምለም

Post a Reply to meretse Cancel Reply