Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ላምፔዱሳ፡ ጸገምና ዝምድናና እምበር ዕላማና ኣይኮነን

ላምፔዱሳ፡ ጸገምና ዝምድናና እምበር ዕላማና ኣይኮነን ካልኣይ ክፋል እዚ ኣብ ላምፔዱሳ ዘጋጠመ ዓቢ ክሳራ ብዘይካ ንኢሳያስን ብጣዕሚ ኣዝዩ ጸቢብ ኣጠማምታ ዘለዎም ኣዝዮም ውሑዳት ሰባትን ዘየሰንበዶ የለን። ዋላ እቶም ምስ ስርዓት ኢሳያስ ኮይኖም ዝሰርሑ ዘለዉ ሰባት እውን፡ እዚ

ላምፔዱሳ፡ ጸገምና ዝምድናና እምበር ዕላማና ኣይኮነን

ካልኣይ ክፋል

እዚ ኣብ ላምፔዱሳ ዘጋጠመ ዓቢ ክሳራ ብዘይካ ንኢሳያስን ብጣዕሚ ኣዝዩ ጸቢብ ኣጠማምታ ዘለዎም ኣዝዮም ውሑዳት ሰባትን ዘየሰንበዶ የለን። ዋላ እቶም ምስ ስርዓት ኢሳያስ ኮይኖም ዝሰርሑ ዘለዉ ሰባት እውን፡ እዚ ቅዝፈት’ዚ ሽለል ኢሎም ክሓልፍዎ ዝኽእሉ ኣይኮኑን። ንሱ ስለዝኾነ ከኣ ኢዩ ምምላስ ሬሳታት ላምፐዱዛ ንዓዲ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዝኣተወ። እተን ን22 ዓመታት ደሃይ ስደተኛታት ይኹን ጸገማቶም ኣስሚዐን ዘይፈልጣ ናይቲ ስርዓት መራኸቢ ብዙሓን፡ ምኽንያት ቀይረን ከቕርበኦ ምጅማረን ከኣ ክሳብ ክንደይ ኣብ ዘይሕባኣሉ መድረኽ ከምዝበጸሐ ዘርኢ ኢዩ።

እዚ ምኽንያት’ዚ ብጀካ ነቶም በሃልቱ ንህጻን እውን ዘእምን ኣይኮነን። ሓደ ዘሕልፎ መልእኽቲ እንተሎ ግን፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ተቓውሞታት በርቲዑ ምህላዉ ኢዩ። ነዚ ኣብ ኣፈፌት በጺሑ ዘሎ ናይ ሓዋሩ ፍታሕ፡ ኩሉ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዘሎ መታን ተሳታፊ ክኸውን ከኣ፡ ጸላእትና ምንጻር የድልየና ኣሎ። ኩሉ ምስቲ ስርዓት ዝሰርሕ ዘሎ ሰብ፡ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ወይ ድማ ደጋፊ ናይቲ ብውሑዳት ዝውነን ስርዓት ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። ብልክዕ ንምዝራብ ካብ ኣብ ደገ ዘሎ ተቓዋሚ እዚ ስርዓት፡  እቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ብዕጽፍጻፍ ይበዝሕ። ስለዚ፡ መን ኢዩ ጸላኢና ብንጹር ከነለሊ እንተዘይክኢልና፡ ንሓድሕድና ከናቑቱና ዝሓልሙ ውሑዳት ሰብ ረብሓ ኣይክሳኣኑን ኢዮም።

ዳርጋ ብምልኦም፡ ኣብ መንጎ ውድባት ይኹኑ ናይ ሰብኣዊ መሰል ማሕበራት ዘሎ ምትፍናን፡ ካብ  ውልቃዊ ዝምድናታት ዝነቐለ እምበር ካልእ ፖለቲካዊ ይኹን ማሕበራዊ ጸገማት የብሉን። ኩልና ልክዕ ከም ኢሳያስ ኣብ ክንዲ ብዛዕባ ራኢን ዕላማን መትከልን እንሓስብ፡ ብዛዕባ ሰባት ንሓስብ  ከይንህሉ ነብስና ምፍታሽ ከድልየና ኢዩ። ንድሕሪት ተመሊስና’ሞ ናይ ትማሊ ታሪኽና ንዘክር፡ ጉጅለ 15 ካብ ጥፍኣት ከድሕኑና ምስ ነቐሉ፡ “ኣበይ ነይሮም ኢዮም ሕጂ ዝዛረቡ” ዝበልና ብዙሓት ኢና። ሕጂ’ኸ ደኣ ልዕሊ 360 መንእሰያትና ኣብ ቅድሚ ዓይንና ክጠፍኡ እንከለዉ ኣበይ ኔርና፧ እንታይ’ከ ንብልን ንገብርን ኣለና፧

ስለምንታይ ጉጅለ 15 ኣቐዲሞም ዘይተዛረቡ እትብል ሕቶ፡ ዘይሰመዐ ወይ ዘይሓተተ ሰብ ኣይነበረን። ባዕልና ብዙሕ መልስታት ክንፍትሽ እኳ እንተፈተንና፡ እታ ልክዕ መልሲ ግን ክንረኽባ ኣይከኣልናን። እዞም ኣብ ላዕለዋይ  ጽፍሒ ናይቲ ስልጣን ዝነበሩን ክሳብ ሕጂ ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ስርዓት ኢሳያስ ዘለዉን ናይ ዕላማ ፍልልይ ኣይነበሮምን። እዞም ሓንቲ ዕላማን ራኢን ዝነበሮም ሰባት ከመይ ጌሮም ብጥምሮ ኣብ ኣርዑት ኢሳያስ  ወዲቖም፧

እቲ ልክዕ መልሲ፣ ኣብ መንጎ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግ ንነዊሕ ዝኸደ ውልቃዊ ዘይምስምማዕ ስለዝነበረን፡ ነንሓድሕዶም ኪዘራረቡን ኪተኣማመኑን ስለዘይጸንሑ ኢዩ። እዛ መልሲ እዚኣ ጥራይ ከኣ  ኢያ፡ ብልክዕ ነቲ ድሒሩ ዝሰዓበ ክውንነት እተንጸባርቕ። ነቲ ክፋእ ኩላቶም እንዳፈለጥዎ፡ ተወዳዲቦም ብሓንሳብ ንኽሰርሑ ግዜ ስለዝወሰዱ፡ ኣደዳ ሓደ ገባቲ ስርዓት ኮይንና። ንሳቶም ብሕማቕ ጠፊኦም ሃገር ከኣ ኣብ ዘሰምብድ ሽግር ወዲቓ፡ ድሮ ሳልሳይ ወለዶ ለኪምና እነሀና።

ስለዚ እቶም ሽዑ “ኣበይ ኔሮም” ዝበልና ሕጂ እንታይ ተማሂርና፧ ብሰንኪ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ኣዝዩ ውልቃዊ ዝኾነ ዘይምቅዳው፡ ብፖለቲካ ጎልቢብና፡ ገለን ተሓላቒ ህግደፍ ገለን ተሓላቒ ወያነ ኣምሲልና ክንምድር ድሕሪ ህልቂት ላምፔዱሳ ዘምሕረልና ኣይኮነን። ጸገምና ውልቃዊ ዝምድናታትና እምበር፡ እቲ ሓደ ኤርትራዊ መርገጺ ስለ ዘለዎ፡ እቲ ካልእ ድማ ኤርትራዊ መርገጺ ስለ ዘይብሉ ኣይኮነን።

ሰራሒ ታሪኽ ሓፋሽ ኢዩ። ብርግጽ ሰራሒ ታሪኽ ሓፋሽ ኢዩ። ሓቅነቱ ኸኣ ኣብ ታሪኽና ብግብሪ ርኢናዮ። ቃልሲ ሓርነት መላእ ሓፋሽ ስለዝተሳተፎ ታሪኽ ተሰሪሑ። ሰራሕ ታሪኽ ከኣ ሓፋሽ ኢዩ ነይሩ። ይኹን እምበር ጨጨጓሩ ንውሽጢ እንዳገበሩ ዝኸዱ ቀለስቲ ኔረሞ። ቀላሲ ዘይብሉ ሓፋሽ ንሓድሕድ ክናቖት ጸገም የብሉን። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ሃገርን ህዝብን ዝሓስብ ቀላሲ ሓይሊ ይደሊ ኣሎ። ንኣካይዳን ሕግታት ዓለምን ዞባናን ክርዳእ ዝኽእል ቀላሲ። ነዚ ኣብ ዘበነ-ኢሳያስ ዝተበናጠሰ ዲፕሎማስያዊ ሓረግ ከዕሪ ዝኽእል ሓያል ቀላሲ። ነቲ ባይታ ጥዒሙ ንቕልቁል ዝንቆት ዘሎ ቁጠባ-ሃገር ንምሕዋይ፡ ንጹር ናይ ቁጠባ ፖሊሲ ክነድፍ ዝኽእል ምሁርን ለባምን ቀላሲ። ነቲ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ገዛ ኣትዩ ዘሎ ጠበናጁ ቁልቁል ኣፉ ንኽንደፍእ ብዘተ ከእምን ዝኽእል እሙን ቀላሲ።  ነቲ ኣብ ኤርትራን ኣብ ወጻኢን ነንበይኑ ዝቃለስ ዘሎ በዓል ሕድሪ ከተኣሳስር ዝኽእል ምኩር ቀላሲ። ልዕሊ ኩሉ ድማ፡ ከሎ ገና ዝምድናታት ፈጢሩ፡ ንሃገርን ህዝብን ካብ ሕንፍሽፍሽን መወዳእታ ዘይብሉ ውግእ-ሓድሕድን ጥፍኣትን ከድሕን ዝኽእል ዓቕሚ ዘለዎ ቀላሲ። ድሮ እተን ንሶማልያ ዝረኽሞሻ ፖለቲካዊ መምዘኒታት ኣብ ኤርትራ ክረኣያ ጀሚረን ኣለዋ። ሃገራዊ ስምዒትና ላዕሊ በጺሑ ሰማይ እንተዓረገ፡ ስርዓት ኢሳያስ ባይታ ጥዒሙ ትሕቲ ባዶ እንተወረደ፡ ብዘይ ሓያል ቀላሲ ዋጋ የብሉን።

እዚ ስርዓት’ዚ ኣብዚ ሕጂ ወሪድዎ ዘሎ መድረኽ ከብጽሕዎ ዝኸኣሉ ሰለስተ ዓበይቲ ረቛሒታት ኣለዉ። ቀዳማይ፡ እቲ ስርዓት ዝተኸተሎ ግዕዙይ ምሕደራ። ብሰንኪ ደረቕን በይናዊ ውሳኔ ናይ ሓደ ውልቀ-ሰብን፡ ሃገር፡ ምስ ምሉእ ዓለም ከምትናቖት ገይሩዋ። ብዝተኸተሎ ገባቲ ቁጠባዊ ፖሊሲ ንኹሉ ክሰርሕን ከፍርን ዝኽእል ዓቕሚ ሰብ ኣምኪኑ፡ ንህዝቢ ኣብ ድኽነት ከምዝነብር ገይሩዎ። ፖለቲካዊ ምስግጋር  ብፍላጥ  ከም ዝዳናጎን፡ ሃገር ሕጊ-ኣልቦ ኮይና ንኽትተርፍን ብዕቱብ ሰሪሑ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ሃገር ብዘይ ኣዕኑድ መንግስቲ ኣብ ገምገም ጸድፊ ከምትንጥልጠል ጌሩ።

ካልኣይ፡ ብሰንኪ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራትን ሶማልያን ዝተኸተሎ ናይ ቂም ፖሊሲ፡ ብማሕበረ-ሰብ ዓለም ተነጽሎን ኩነኔን ወሪድዎ። ባዕሉ ድማ፡ ዓለም ኣብ ልዕሊኡ እገዳ ክትገብር  ዓዲሙ። ብሰንኪ ዝወረዶ እገዳ ማሕበረ-ሰብ ዓለም፡ እቲ ስርዓት ፍጹም መሓዛን ሰማዒን ስኢኑ።

ሳልሳይ፡ እቲ ንነዊሕ እዋን ማእዝኑ ኣጥፊኡ ዝጸንሐ ደንበ ተቓውሞ፡ ሓያል ቁጽሪ መንእሰያት ምስ ተሓወሶ፡ ነቲ ኣብ ወጻኢ ብደገፍቱ ዝረኽቦ ዝነበረ ፋይናንሲያውን ፖለቲካዊ ደገፍን ስኢንዎ። ቁጽሪ ደገፍቱ ስለዘንቆልቆለ ድማ ንኤርትራውያን ተቓወምቲ ከም ኢትዮጵያውያን ኣምሲሉ ኪገልጾምን ካልእ መንነት ኪህቦምን ጽዒሩ። ብኹሉን ኣብ ኩሉን ስለዝኸሰረ ከኣ፡ ብወግዒ ጽዩፍ ትሕቲ ሃገራዊ ስምዒታት  ከንበድብድ ጀሚሩ።

ሕልሚ ኢሳያስ እምበኣር ክልተ ኢየን። እንተኪኢሉ ክሳብ ግዜ ሞቱ ኣብ ስልጣን ክጸንሕ። እንተዘይኮነ ሃገር ድሕሪኡ ከም ሃገር ጠጠው ምባል ስኢና ኣብ ሕንፍሽፍሽ ክትነብር። ነዘን ክልተ ሕልምታት እዚኣተን ክሰብሩ ዝኽእሉ፡ ንኤርትራ ካብዚ ኣትያቶ ዘላ መዓሙቕ ኣውጺኦም ናብቲ ንቡር ሂወት ክመልሱ ዝሕልኑ፡  ኣሻሓት ዓቕሚ ዘለዎም ሰባት ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ኣለዉና። እዞም ሰባት እዚኣቶም ግን፡ ውልቃዊ ዝምድናታቶም ብቤላ-ቤለውን ሓያል ህልኽን፡ ዘይጭቡጥ ወረን ሓድሕዳዊ ጸለመን ተጎዲኡ፡ ብሓንሳብ ኮፍ ኢሎም ክሰርሑ ኣይከኣሉን ዘለዉ። እዘን ሰለስተ ነዚ ስርዓት ዝረኽሞሻ ውሽጣውን ግዳማውን ረቛሒታት ናብ ንቡር ክምለሳ እንተኾይነን፡ እቶም ከዐርዩ ዓቕሚ ዘለዎም ሰባት፡ እሂን ምሂን ተባሂሎም ብሓንሳብ ምስ ዝሰርሑ ጥራይ ኢዩ።

ሓድሕድ ዝምድና ናይዚ ናይ ለውጢ መሪሕ ክኸውን ዝኽእል ሓይሊ ምልሕልሑ ኢዩ እምበኣር፡ ነቲ ኩነት ኣዝዩ ሓደገኛ ዝገብሮ። ሃገር ዋና ስኢና ንዕርብርብ ከይትጠፍእ፡ መጀመርያ ኣብ ርእሲ፡ ደሓር ድማ ኣብ እግሪ ተሪር ሓድነት ከድልየና ኢዩ። ሕጂ ‘ውን ከም ትማሊ ጸገምና ውልቃዊ ዝምድናታትና እምበር ዕላማና ኣይኮነን። መን ኣሎ ኣብ ኤርትራ ቀሲኑ ክነብር ዘይደሊ? መን ኣሎ ምስ ደቁን ደቂ ደቁን ኣብ ዓደብኡ ብሰላም ክመላለስ ዘይሃርፍ? መን ኣሎ ብህዝቢ ዝቖመ ስርዓት ኣብ ኤርትራ ክህሉ ዘይብህግ? ባህግናን ዕላማታትናን ሓደ ከሎ፡ ብሰንኪ ውሑዳት ጉጅለ ሓድሕድ ክንራጸም፡ ሃገር ብሬሳ ኣዕለቕሊቓ ትጥምተና ኣላ። ስለዚ ናይ ስምረትን ሓድነትን ዘተስፉ መልሲ ኪንህባ ጽባሕ ዝይኮነ ሎሚ ዓቲብካ ምስራሕ የድልየና ኣሎ። ንካልኣይ ግዜ “ባዕለይ ተዘንጊዐ’የ” ኢልካ ካብ ምድራፍ ከሎ ገና መንገድኻ ምጽፋፍ።

ጸጋይ ገብረሂወት
tgbokru@yahoo.co.uk

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
9 COMMENTS
  • Selamawit November 3, 2013

    As usual well done Tsegay. Keep it up!

  • mehari November 3, 2013

    a nice article at the right time. tnx

  • luna November 3, 2013

    Thanks for the timely analysis and hope to have more of your insights which is badly needed at this cross road where Eritrea is.

  • denden November 4, 2013

    HASAWI wahid !!!hasot walahanti ayteqmekan eu .

    • stefanos temolso November 4, 2013

      ንስኻስ ብሓቂ ደንደን ዲኻ ትብሃል? ኣቤት ሓሶት! እንቱም መንእሰያት አረ እንታይ ኢኹም ዄንኩም? ንሓደ ስለ ሃገር ኢሉ ዝጽሕፍን ግዜኡ ዘጥፍእን ዘሎ፡ ስለ ሃገር ግቡኡ ዝፈጸመ ከምዚ ጌርካ ምቍንጻብ ነውሪ እዩ። እንተ ኽኢልካ እጃምካ ኣበርክት። ንሕና ኤርትራውያን፡ ነዚ ጨካን ጭፍራ እዚ ወዮ’ኳ ሓቢርና እንተ ኽኢልናዮ። ስለዚ፡ ከምቲ ባህልናን ልምዲ ናይ ኣቦታትናን ተኸባቢርና ሃወይ ሃውተይ ተባሃሂልና እንተ ኸድና እዩ ዝሓይሽ። ደንደን፡ ማሕታ ወዘተ ዝብል ናይ ጕልባብ ኣስማት ተጠቒምና ነህዋትና እንተ ዋርድና ትርጕም የብሉን። ኣብ ሃናጺ ተግባር ደኣ ንዋፈር። ኣምላኽ ይፈትዎ ሰብ ይፈትዎ። 370 ጭልቅዓት ቀቢርና እንታይ ኢና ክንደግም! ደጊም ይኣክል!

  • wedi hzbi November 4, 2013

    tsegay kulu seb komEu ybl slemntay ena beaL KUSTO AQMI ALOKUM MRHUNA ZEYNBL BZWAHADE abdege zelew Eritrawian

    • Tsegay November 4, 2013

      ሰላም ወዲ ህዝቢ። ሓቅኻ። ኩሉ ሰብ ከምኡ ይብል ይኸውን ኢዩ። እቲ ጸገም እቲ ከምኡ ዝብል ሰብ ስለ ዝወሓደ ኢዩ። ሃገርና ንእሽቶ ስለዝኾነት፣ ኣብ ኤርትራ መን ዓቕሚ ኣለዎ መን ዓቕሚ የብሉን ጽቡቕ ጌርና ንፋለጥ ኢና። ፖለቲካ ግን ብዙሕ ግዜ ናይ እምነት ነገር ኢዩ። ካብ ንዘይትኣምኖ ፈላጥ ንእትኣምኖ ዘይፈላጥ ሰብ ኢና ዝያዳ ሚዛን ንህብ። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ ዋላ ኣነ ኩስቶ ይምርሓና እንተበልኩ፣ ብዙሓት ኩስቶ እባ ይሓይሽ ከምዝብሉ ርግጽ ኢዩ። ዋላኳ ዝተፈላለየ ሰብ ምምራጽና ጽቡቕ እንተኾነ፣ ነቲ ዘይመርጽናዮ ሕኛ ተምሰልናዮ ግን ሓገዚ ኣይክኸውንን ኢዩ። ስለዚ ጽሑፈይ እውን ንዕኡ ንምብራህ ኢዩ። ነቶም ክሰርሑ ዝኽእሉ ትንፋስ ንሃቦም ደሓር ካብኣቶም ብመሰረት ሕጊ ንመርጽ። ነንሕድሕድና ክንራጸም መላገጺ ዓያሹ ኣይንኹን ኢየ ዝብል ዘለኹ። ከሎ ገና ኣብ ምርጫ ከይበጻሕና ኣይንኽሰስ ኢየ ዝብል ዘለኹ።

  • Sam BB November 4, 2013

    Hi Tsegay. I am really impressed by ur ideas and the way u convey ur message. I think u and people like u can lead us to succes. No group of people can bring change in Eritrea more than u. After all you are the bridge between two generations.

  • rti November 4, 2013

    denden, are you so desperate as to resort to insults? Shame, shame shame on you!

POST A COMMENT