Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ካናዳ ጉዳይ ናይቲ ብምዝመዛ ነጻ ጉልበት ኤርትራውያን ዝተኸሰ ኩባንያ ዕደና ነቭሱን ሪሶርስ ኣብ ፍርዲ ክርአ ድሕሪ ምፍቃዱ ብዙሓት ግዳያት ዝነበሩ ኤርትራውያን ተመሳሳሊ ክሲ ንምምስራት ተቐሪቦም ከምዘለው ኣብ ዘ ጋርድያን ዝወጸ ዓንቀጽ ኣገንዚቡ።

ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ካናዳ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጉዳይ ናይቲ ብምዝመዛ ነጻ ጉልበት ኤርትራውያን ዝተኸሰ ኩባንያ ዕደና ነቭሱን ሪሶርስ ኣብ ፍርዲ ክርአ ብቓድ ብምህብ ብርቂ ውሳኔ ድሕሪ ምሃቡ ብዙሓት ግዳያት ዝነበሩ ኤርትራውያን ተመሳሳሊ ክሲ ንምምስራት ተቐሪቦም ከምዘለው

ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ካናዳ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጉዳይ ናይቲ ብምዝመዛ ነጻ ጉልበት ኤርትራውያን ዝተኸሰ ኩባንያ ዕደና ነቭሱን ሪሶርስ ኣብ ፍርዲ ክርአ ብቓድ ብምህብ ብርቂ ውሳኔ ድሕሪ ምሃቡ ብዙሓት ግዳያት ዝነበሩ ኤርትራውያን ተመሳሳሊ ክሲ ንምምስራት ተቐሪቦም ከምዘለው ኣብ ዘ ጋርድያን ዝወጸ ዓንቀጽ ኣገንዚቡ።

ብመሰረት ‘ቲ ሓበሬታ፣ ሓደ ካብቶም ክሲ ክምስርቱ ዝቀራረቡ ዘለዉ ከም ሓለዋ ከምኡ ‘ውን ምምሕዳር ዝዓዩ ኤርትራውያን ሰራሕተኛታት ቢሻ ነበር፣ “ መደበር ዕደና ቢሻ ከም ክፉት ቤትማእሰርቲ እዩ ነይሩ፣ ንሕና ንብረት ናይ መንግስትን ናይቲ ናይ ወጻኢ ኩባንያን ኢና ኔርና፣ ከም ንብረቶም መጠን ድማ ድላዮም ይገብሩና ነይሮም።” ብምባል፣ ከም ሰባት ናጽነቶም ተገፊፉ ምስ ብዙሓት ካልኦት ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ትሕቲ ሕማቕ ኩነታት ጊላዊ ኣበርክቶ ክገብር ከምዝተገደደ መስኪሩ።

እቶም ኣብቲ ንነቭሱን ሪሶርስስ ብምኽሳስ ዝካየድ ሕጋዊ መስርሕ ምስክርነቶም ክህቡ ተቐሪቦም ዘለዉ፣ ስድራቤቶም መታን በቲ ስርዓት ሕንሕነ ከይወርዶም ንግዚኡ መንነቶም ሓቢኦም ዝተዛረቡ ክልተ ኤርትራውያን ድሮ ኣብ ኤውሮጳ ዑቕባ ረኺቦም ዝነብሩ ዘለዉ እዮም።

እቲ ኣብ 2015 ኣብ ኤርትራ ኣብ ዘካየዶ ዕደናዊ ስርሓት $357 ሚልዮን ጽሩይ ኣታዊ ዝረኸበ ኣብዚ ዓመት ‘ዚ ናይ ዕደና ፕሮጀክትታቱ ኣብ ምስፋሕ ዝርከብ ነቭሱን ሪሶርስስ ነቲ ክሲ ከምዝነጸጎ ይፍለጥ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT