Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሌላ ምስ ከፊላዊ ምስሊ ሚኒስትሪ ዜና “ህግደፍ” – መበል 11 ክፋል

ሌላ ምስ ከፊላዊ ምስሊ ሚኒስትሪ ዜና "ህግደፍ" መበል 11 ክፋል ዲፕሎማስያዊ ፍሽለት ዝጠንቁ እንጽርጽሮት ሚኒስትሪ ዜና፤ ነቲ ብቐደሙ'ዉን ዘይጥዑይ ዝምድናታት ወጻኢ ስርዓት "ህግደፍ" ጥርዚ ንኽበጽሕ ዓቢ ኣበርክቶ ዝገብር ዘሎ ትካል እዩ። ስርዓት "ህግደፍ" ኣብ ሰላምን ሰናይ ጉርብትናን ዘይኣምን

ሌላ ምስ ከፊላዊ ምስሊ ሚኒስትሪ ዜና “ህግደፍ”

መበል 11 ክፋል

ዲፕሎማስያዊ ፍሽለት ዝጠንቁ እንጽርጽሮት

ሚኒስትሪ ዜና፤ ነቲ ብቐደሙ’ዉን ዘይጥዑይ ዝምድናታት ወጻኢ ስርዓት “ህግደፍ” ጥርዚ ንኽበጽሕ ዓቢ ኣበርክቶ ዝገብር ዘሎ ትካል እዩ። ስርዓት “ህግደፍ” ኣብ ሰላምን ሰናይ ጉርብትናን ዘይኣምን ፖሊሲ ከም ዝኽተል ልዕሊ ተግባራቱ ምስክር ኣየድልን። ንጎረባብቲ ሃገራትን ዉድባትን ወትሩ ብትዕቢት ምስ ጠመቶም እዩ። ምዃን ንገዛእ ህዝቡ ዝንዕቕ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ህዝብታትን መንግስታትን ጎረባብቲ ሃገራት ኮነ ዞባዊን ዓለማዊን ውድባት ኣኽብሮት ክህልዎ ኣይክእልን። ምኽንያቱ ባህርይ ናይ’ዚ ስርዓት’ዚ ካብቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ዘለዎ ኣረኣእያ እዩ ዝምንጩ።

“ህግደፍ” ደቀንስትዮ ብዝተሳተፍኦን መስዋእቲ ብዝኸፈላሉን ቃልሲ ናብ ስልጣን ዝመጸ ዉድብ ክነሱ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ክቱር ንዕቀት ከም ዘለዎ፡ ንዞባዊን ዓለማዊን ውድባትን መንግስታት ጎረባብቲ ሃገራትን ብትምክሕቲ ብኣንስታይ ጾታ ክገልጾም እንከሎ እዩ ዝፍለጥ። “ወያነ ዝብልዋ! ከዳሚት!”፤ “ኢጋድ ትብሃል ውድብ! ከዳሚት!”፤ “ሕብረት ኣፍሪቃ ትብሃል ውድብ! ከዳሚት!”፤ “እዘን ከደምቲ እዚአን!”…ወዘተ” ዝብል ክትሰምዖ ከለኻ ኣእዛንካ ዝኹርኩሕ፣ ይትረፍ ካብ ልሳን ሓደ መንግስትን ህዝብን ይመርሕ’የ ዝብል ‘መራሕ’ን ስርዓትን፤ ካብ ሓደ ፖለቲካ ይፈልጥ እዩ ዝበሃል ተራ ሰብ’ዉን ዘይትጽበዮ ቃላትን ሓረጋትን፤ ኣብ ተራ ጽሑፋትን መደባትን ጥራይ ዘይኮነ ኣብ’ቲ መርገጺ መንግስቲ ዝግለጸሉ ሰሙናዊ ሓተታን መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻእን ከይተረፈ ይወጽእ። እንዳ ‘ህግደፍ’ ግን ሕጂ ዘለዉዎ ኣይንርኣዮ እዩ። ሕማቕ ኣለዉ። እታ ብዘለፋኦም ትዕግስታ ዝወድአት ዓለም መለበሚ ትምህርቲ ክትህቦም ደልያ ሰፍ ዘይብል እገዳ ምስ ጸዓነቶም ዓዲ ዓዲ እናኸዱ ኣማልዱና ኢሎም ክልምኑ ንርእዮም ኣለና።

ሓንሳብ ብመገዲ ናይ ኬንያ ኣምባሳደሮም ንመንግስቲ ኬንያ “ናብ ኢጋድ ክንምለስ ሓግዘና” ይብሉዎ፤ ሓንሳብ ንመንግስቲ ደቡብ ሱዳን “ምስ ወያነ ዕረቑና” ይብሉዎ፤ ሓንሳብ ንመንግስቲ ቱርኪ “ምስ መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማል ሸምግሉና” ይብሉዎ፤ ሓንሳብ ከኣ ንመንግስቲ ቐጠር “ኣብ ኢጋድን ሕብረት ኣፍሪቃን ከም ቀደምና ከይንዋሳእ ወያነ እያ ዓጊታትና’ሞ ምስ ወያነ ግዳ ዘይትዓርቁና” እናበሉ ምስጢራዊ ናይ ማልዶት ሓገዝ ከም ዝሓቱ ካብ ማዕከናት ዜና ዓለም ዝተኸወለ ሓበሬታ ኣይኮነን። ኢሳያስ ግን ነቶም ኩነታት ምስ ጸንከሮ ዝደሃዮም ሽማግለታት “ክንፊ ዘለዎም ጻድቃናት ክመስሉ፤ ለባማትን ፈላጣትን ኢና በሃልቲ ክሳብ 70 ግዜ ፈቲኖምና ኣቢናዮም ኢና” ብምባል ክሒድዎም እዩ። እንዳ ኢሳያስ ግን ዘይ ከምቲ ኣብ ማዕከናት ዜናኦም ክመስልዎ ዝፍትኑ፤ ንሜዳ ፖለቲካ ዓለም ከከም ገጹ ከም ዝኸድዎ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ከለኹ ካብ ዝነበረኒ ተመኩሮ ተበጊሰ ክምስክር እኽእል እየ።

ኣብ ታሕሳስ 2009 ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊን ፖለቲካዊን መራሕቲ “ህግደፍ” እገዳ ምስ ተወሰነ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ኣነ ዝነበርኩዋ 10 ዝኣባላታ ኮሚተ ተመስሪታ ናይ ጸረ ኣሜሪካን ጸረ ሕቡራት ሃገራትን ጎስጓሳዊ ጽሑፋት ብምድላዉ ሓንቲ መጽሓፍን ዶኲመንታሪ ፊልምን ክተዳሉ ተኣዚዛ ነበረት። እቶም ኣባላት ከካብ ዝነበርናዮ ኣሃዱታት (ጋዜጣ፤ ሬድዮን ቲቪን) ናይ ሰለስተ ሰሙን ዕረፍቲ ተዋሂብና ምሉእ ግዜና ወፊና ከም እንሰርሖ እዩ ተገይሩ። ኣባላት እታ ኮሚተ ነቲ ብኣርእስታት ተኸፋፊሉ ዝተዋህበና ዕዮ ገዛ ኣብ ዉሽጢ እቲ ዝተዋህበና ናይ ግዜ መቓን ፈጺምና ናብ ጠርናፊና ዝነበረ ኣቶ ሰሎሞን በርሀ ምስ ኣረከብናዮ ብድሕሪኡ እቲ ክሕተም ዝተሓስበ መጽሓፍ ከይተሓትመ እቲ ክዳሎ ዝተሓስበ ዶኲመንታሪ ፊልም ድማ ከይተሰርሐ ነዊሕ ገበረ። “እዚ ኹሉ ተኣንጎት ተሸብሸብ ኢሎም ኣድኪሞምና ከብቅዑ ደኣ እንታይ ኮይኖም ነቲ ጽሑፋት ሒዞሞ በጥ ኢሎም!?” ኢልና እንተሓተትና መልሲ ሰኣንና። ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ ግና ጽንጽንታ ናይቲ ምኽንያት ረኸብና። ኣቶ ዓሊ ኣኼባ ሓለፍቲ ክፍሊ ብምጽዋዕ “ኣተሓሕዛ ፕሮፖጋንዳና ኣብ ጉዳይ ኣሜሪካን ሕቡራት ሃገራትን ንግዚኡ ተቐይሩ ስለዘሎ ክሳብ ሓድሽ መምርሒ ዝመጽእ ንኣመሪካን ሕቡራት ሃገራትን ብሕማቕ ከይተልዕሉወን። ነዚ መምርሒ እዚ ነቶም ኣብ ትሕቴኹም ዘለዉ ኣባላት ኤዲቶርያል ቦርድ ሓብርዎም” ከም ዝበሎም ሰማዕና።

ድሕሪ ሳልስቲ ሓላፊ ክፍልና (ክፍሊ ሬድዮ) ኣቶ ግርማይ በርሀ (ዓሲምባ) ንኹሎም ኣባላት ክፍሊ ሬድዮ ዝምልከት ኣኼባ ኣብ ኣዳራሽ ‘ሃገር ሚድያ’ ጸዉዐ’ሞ እቲ ናይ ክልተ ሰዓት ኣኼባ ምስ ተወደአ “ንኣባላት ኤዲቶርያል ቦርድ ዝምልከት ፍሉይ ሓበሬታ ስለዘሎ እቶም ኣባላት አዲቶርያል ቦርድ ዝኾንኩም ኣብዚ ትረፉ እቶም ካልኦት ግን ነናብ ስራሕኩም ክትከዱ ትኽእሉ ኢኹም” በለ።  እቲ ኣኼባ ይምልከተኒ እኳ እንተነበረ ካብ ሓደ ኣኼባ ናብ ካልእ ፍሉይ ኣኼባ ብዘይ ዕረፍቲ ምቕጻል ቅጭ ስለዘምጽኣለይ ምስቶም ካብቲ ኣዳራሽ ዝወጹ ዝነበሩ ኣባላት ተሓዊሰ ሞሊቐ ከድኩ። ብድሕሪ እቲ ኣኼባ ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ሃገረ ሀይቲ ከቢድ ባህርያዊ ሓደጋ ኣጋጢሙ ብጉልባብ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣሜሪካን ሕቡራት ሃገራትን ኣብታ ሃገር ዝፈጸምዎ ጌጋታት ነበረ’ሞ ንጌጋታቶም እተቃልዕ ሓንቲ ነዋሕ ጽሕፍቲ ጽሒፈ ብተኸታታሊ ኣብ ድምጺ ሓፋሽ ይፍኑ ስለዝነበርኩ እታ ጽሕፍቲ ኣብ ሳልሳይ ክፋል ምስ በጽሐት ከም እትቋረጽ ተገብረ። “ስለምንታይ ተቛሪጻ!? ኢለ ምስ ሓተትኩ እቲ መምርሒ ካብ ዓሲምባን ዓሊን ከም ዝመጸ ናይ ቀረባ ሓላፊየይ ሓበረኒ። ናብ ዓሲምባ ከይደ “እንታይ እዩ እቲ ጸገም!” ኢለ ምስ ሓተትክዎ “ብቐዳማይ ኣባላት ኤዲቶርያል ቦርድ ንዓኹም ዝወሃብ ፍሉይ ሓበሬታ ስለዘሎ ኣብዚ ትረፉ እናበልኩ ሞሊቕካ ኬድካ። ኣብቲ ኣኼባ ስለዘይነበርካ እምበር ኣንጻር ኣሜሪካን ሕቡራት ሃገራትን ዝግበር ጎስጓስ ንግዚኡ ደዉ ይበል ተባሂሉ እዩ። ብኸምኡ ኢና ነታ ጽሕፍትኻ ደዉ ኣቢልናያ” በለኒ። ጸኒሕና ከም ዘረጋገጽናዮ ግን ምስዞም ክልተ ኣካላት (ኣሜሪካን ሕቡራት ሃገራትን) ጥራይ ዘይኮነ ምስቲ “ተላኢኹ እምበር እንታይ ዓቕሚ ኣለዎ” ዝብልዎ መንግስቲ ኢትዮጵያ እዉን ምስጢራዊ ዝርርብ ክካየድ ከም ዝጀመረ ነንዝቐርቡኻ ሓለፍቲ ኣረቂ እናስተኻ ምስጢር ምርካብ ተጀመረ።

ኣምባሳደር ግርማ ኣስመሮም ዝመርሖ ልኡኽ ንምስጢራዊ ዝርርብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝኣተወ፡ ብድሕሪኡ እዉን ገለ ኣባላት ናይዚ ቀዳማይ ልኡኽ ዝነበርዎ ካልእ ጉጅለ ምስ ሰበስልጣን ሕብረት ኣፍሪቃ ዘይወግዓዊ ርክብ ንምግባር ናብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝተጓዕዘ ይኣምኑኒ እዮም ንእትብሎም ሓለፍቲ እንዳ ዜና እናጋበዝካ ብቐሊሉ ዝረጋገጽ ሓበሬታ ኮነ። ስርዓት ኢሳያስ ግን ካልእስ ይትረፍ ነቲ ባዕሉ ተሓሲምዎ ዝነበረ ኣባልነት ኢጋድ ንምሕዳስ ብወግዒ ንዘቕረቦ ሕቶ’ኳ ንህዝቡ ኣይሓበረን። ሕሉፍ ሓሊፉ ቢንያም በርሀ ንዝተባህለ ተልመዴን ዲፕሎማት ናብ ዘይተዓደመሉ ኣኼባ ኢጋድ ልኢኹ “ናብ ኢጋድ ተመሊስና፤ እነሆ ኳ ወኪልና ኣብ ኣኼባ ተሳቲፉ” ኢሉ ህዝቢ ከዐሹ ሃቂኑ ነይሩ።  ኣብ ማእከል ሆቴል ሸራተን ኣዲስ ዝተፈጸመ መስደመም ፍጻመ ስለዝነበረ ግና ዓለም ብዓለሙ ተዛረበሉ። እቲ ኣመና ዘሕዝን ግና ገለ ማዕከናት ዜና ዓለም “ወኪል ኤርትራ ኣኼባ ኢጋድ ዘሪጉ” ኢለን ክጽሕፋ ከለዋ ገሊአን ድማ “ኤርትራ ኣኼባ ኢጋድ ዘሪጋ” ኢለን ምጽሓፈን እዩ። “እምበር’ዶ ኤርትራዉያን ኣካይዳ ዓለም ይፈልጡ እዮም” ክሳብ ንበሃል ኬንና። እንተኾነ ግን ፈቲና ጸሊእና ከም በዓል ቢንያም ዝኣመሰሉ ዓዋናት ብዝለኣኹዎ ስርዓት ንምራሕ ክሳብ ዘለና ዓለም ብዛዕባና ግጉይ ምስሊ ክሕዝ ናይ ግድን እዩ። ኢሳያስን ሰዓብቱን ዝፍጽምዎ ተግባራት መግለጺኦም ጥራይ ኮይኑ ከም ዘይተርፍ፤ መግለጺና ኮይኑ እዉን ክረአ ከም ዝኽእል ክንፈልጥ ኣለና። ነገር ዓለም ከምኡ ስለዝኾነ!

*   *   *

ስርዓት “ህግደፍ” ኣብ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ብዘጋጥሞ መሰናኽላት ከንጸርጽር እንከሎ ኣንስታዊ ቃላት እናተጠቕመ ንዉድባትን መንግስታትን ከም ዝጻረፍ ኣቐዲመ ገሊጸ ነይረ። እዚ ስርዓት እዚ ከምቲ ኣብ ዲፕሎማሲ ንዝሰዓሩዎ መንግስታት ኣንስታዊ ባህሪ ኣልቢሱ ዝዝልፎም ህዝቦም ንዝፈንፈኖም መራሕቲ ድማ ብኣቑጸልጻሊ ቅጽላት እዩ ዝንእዶም። ንኣብነት ስርዓት ቓዛፊ ህዝቡ ዝፈንፈኖ ናይ 42 ዓመታት ዉልቀ መላኺ ክነሱ ስሙ ግን ብማዕከናት ዜና “ህግደፍ”፤ “ሙዓመር ኣል-ቓዛፊ መራሒ ሰውራ ሊብያ” እናተባህለ ኢዩ ዝግለጽ ዝነበረ። ቓዛፊ መን ምዃኑ ግን ህዝቡ ባዕሉ መስኪሩልና ኣሎ። ጉጅለ “ህግደፍ” ምስ መንግስቲ ሱዳን ክመሓዞ እንከሎ ንመራሒ ሱዳን “ጀነራል ማርሻል ዑመር ሓሰን ኣልበሽር” ኢሉ ይሰምዮ። በቲ ጻሕታሪ ባህሪኡ ምስ ተባእሶ ድማ “መራሒ ስርዓት ኻርቱም” ኢሉ ይጽዉዖ። ሓደ ግዜ’ዉን እዝከረኒ ሸኽ ሸሪፍ ሸኽ ኣሕመድ ዝተባህለ መራሒ ሕብረት እስላማዊ መጋባእያታት ሶማል ንስርዓት “ህግደፍ” ራሕሪሑ ናብ ሶማል ምስ ተመልሰ ንዕኡ ብዝምልከት ኣብ ዝተጻሕፈ ዜና ስሙ “ሓደ ሸሪፍ ኣሕመድ ዝተባህለ” ጥራይ ተባሂሉ ሓሊፉ። እዚ ሰብ’ዚ ምሉእ ስሙ ሸኽ ሸሪፍ ሸኽ ኣሕመድ እዩ። ከምቲ ኩላትና ንፈልጦ ድማ “ሸኽ”ነት ብትምህርትን መንፈሳዊ ኣገልግሎትን ጥራይ ዝርከብ ሃይማኖታዊ መዓርግ እዩ። ስርዓት “ህግደፍ” ግን ንሰበስልጣናቱ ከም ድላዩ መዓርግ ዝዕድልን ዝቕንጥጥን ስርዓት ስለዝኾነ ነዚ ሶማላዊ በዓል ስልጣን’ዉን ብኢደ ዋኒኑ ብዘይ ሃይማኖታዊ መዓርግ ክዝንጥሎ ደፈረ።

*   *   *

ስርዓት “ህግደፍ” ምስ ገንዘብን ንዋይን ክቱር ፍቕሪ ስለዘለዎ ገንዘብ ምስ ዝልግሱሉ መንግስታት ክመሓዞ ጸገም ዘይብሉ ስርዓት ኢዩ። ንኣብነት ኣብ ማእከል ኣስመራ ሓወልቲ ፑሽኪን ከም ዝተሃንጸ ንፈልጥ ኢና። ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ፍርቂ ኣካላት ፑሽኪን ዘርኢ ሓወልቲ እዩ ተተኺሉ። ኣብ ኤርትራ ግን ንመጀመርያ ግዜ ምሉእ ኣካላት ፑሽኪን ዘርኢ ሓወልቲ እዩ ተሃኒጹ። ኣብቲ እዋን እዝከረኒ ነቲ ስርዓት ባህ ዘይበሎ ርእይቶ ካብ ህዝቢ ይለዓል ነበረ። እቲ ዝለዓል ዝነበረ ርእይቶ ድማ “ኣብ ሓርነታዊ ቓልስና ክትኣምኖ ዘጸግም ቅያን ጅግንነትን ዝፈጸሙ ሓርበኛታት ሓወልቲ ዘይቈመሎም’ሲ፡ ፑሽኪን እንታይና ስለዝኾነ እዩ ኣብ ማእከል ርእሰ ከተማና ሓወልቱ ዝትከል!?” ዝብል ነበረ። ሓወልቲ ብዓል ሓምድ እድሪስ ዓዋተ፡ ወልደኣብ ወልደማርያም፡ ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን፡ ሸኽ ዓብደል-ቃድር ከቢረ ክተክል ዘይደሊ፣ ይትረፍ’ዶ ሓወልቶም ክተክል ኣብ ሚድያኡ ብዛዕብኦም ብዙሕ ክብሃል ዘይደሊ ስርዓት፡ ስለምንታይ እዩ ሓወልቲ ፑሽኪን ክሃንጽ ደልዩ ዝብል ሕቶ ሽዑ ኮነ ሎሚ ብዙሓት ዜጋታት ዝሓቱዎ ሕቶ እዩ።

እቲ ሓወልቲ ኣብ ዝተመረቐሉ ዕለት ዓሊ ዓብዱ ናብ ኩሎም እቶም ኣብቲ መመረቕታ ዝወዓሉ ሪፖርተራት ብመገዲ ጠርናፊኦም ሓደ ትእዛዝ ኣመሓላለፈሎም። እቲ ትእዛዝ፤ “እቲ ዝዳሎ ጸብጻባት ኣብቲ ጽንብል ጥራይ ዘተኮረ ይኹን፤ ብዛዕባ መንነት ፑሽኪንን ወለዶኡን ግን ብዙሕ እንተዘይተባህለ ይሓይሽ” ዝብል ነበረ። ገለ መዓልታት ድሕሪ’ቲ መመረቕታ እቲ ትእዛዝ ዝገረሞም ሓለፍቲ ሚኒስትሪ ዜና ኣብቲ ትካል ኣብ ዝተዳለወ ሓደ ናይ ምዝንጋዕ ኣጋጣሚ ከም ዕላል ኣምሲሎም ስለምንታይ ከምኡ ኢሉ ከም ዝኣዘዘ ንዓሊ ሓተቱዎ።

እቲ ብዝነበሮ ፖለቲካዊ ናጽነት (Political Immunity) ኣፉ ዝሃቦ ክዛረብ ድንብርጽ ዘይብሎ ዝነበረ ዓሊ ዓብዱ “ንሕና እኮ መንግስቲ ሩስያ ብስም መጸገኒ ጎደናታት ኣስመራ 12 ሚልዮን ዶላር ስለዝሃበና ነቲ መንግስቲ ከነሐጉስ ኢልና ኢና እምበር ፑሽኪን ከም ዘይብጽሓና ነጋሪ ኣይንደልየሉን ኢና” ኢሉ መለሰሎም። ንጽንብል መመረቕታ ሓወልቲ ፑሽኪን ባሪኻ ዝኸፈተቶ ዕድምቲ ጋሻ ካብ መንግስቲ ሩስያ ዝተላእከት ኣባል ፓርላማ ሩስያ (ዱማ) ብምንባራ ድማ ነቲ ዓሊ ዝበሎ ክንኣምኖ ተገደድና። መቸም ስርዓት “ህግደፍ” ገንዘብ ምስ ዝህብዎ መንግስታት ክመሓዞን ንምሕጓሶም ክጽዕርን ጸገም ዘይብሉ ስርዓት ምዃኑ እዚ ጭቡጥ ኣብነት እዩ። ኣካይዳኡ “ክዉዕየካ ብማንካ ክዝሕለካ ብኢድካ” ስለዝኾነ እምበኣር እታ ካብ ክሳድ ንላዕሊ ብሚድያኡ ዝጸርፋ ኣሜሪካ’ዉን እንተ ደኣ ዘይተኣደነ ገንዘብ ሓፊሳ ኣዕሚኻቶ ከሐጉሳ ክብል ሓወልቲ ጆርጅ ዋሺንግተን ኣብ ኣስመራ ወይ ኣብተን ካልኦት ከተማታትና ንምህናጽ ድሕር ዝብል ኣይኮነን። መትከል ረጊጽካ ደድሕሪ ገንዘብ ዞኽ ዞኽ ምባል ኣመሉ ስለዝኾነ።

መበል 12 ክፋል ይቕጽል….

ኣማኑኤል ማህደረ

(iamamanuel@yahoo.com)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
36 COMMENTS
  • MightyEmbasoyra March 19, 2013

    Anyone,
    Do you know what happened to Michael Abraha, the Eritrean journalist? I don’t see him writing any articles any more. The last time I have read his article was after he summarized the Awassa meeting.

  • Mesinas March 23, 2013

    ዝኸበርካ ሓው ኣማኑኤል ማህደረ፡ ንስኻ ሓደ ካብቶም ብትብዓት ንጃንዳ ህግደፍ ብምቅላስ ሓርነት ህዝብኻ ንምምጉንጻፍ ልዑል እጃምካ ተበርክት ስለ ዘለኻ፡ ሓበን ህዝብን ሃገርን ምዃንካ ዝያዳ ኪትስውድን ቃልስኻ ከተባራትዕን ከም ዘለካ ከዘኻኽረካ እፈቱ። ነቶም እንተ ብፍርሂ እንተ ብናዓይ ይጥዓመኒ እዚ ኹሉ ጉድን በደልን ህግደፍ ዝረኣዩን ዘሳሰዩን ከምዚ ከማኻ ዚኣመሰሉ ብዙሓት ጋዜጤኛታት ጌና ኣብ ማይ ከም ዝኣተወት ኣንጭዋ ደሃይ ብምጥፋኦም፡ ክልተ ሞት ምዃኑ በዚ ኣጋጣሚ ከዘኻኽሮም እደሊ።

POST A COMMENT