Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሌላ ምስ ከፊላዊ ምስሊ ሚኒስትሪ ዜና “ህግደፍ” 5ይ ክፋል

ወዳጄ “ልምዓታዊ ሚድያ”! ሚኒስትሪ ዜና ከም ዝኾነ ናይ ፕሮፖጋንዳ ትካል ንተልእኾኡን ዕላማታቱን ዝዉክል ስትራተጂ ኣለዎ። ንሱ ድማ ብጉልባብ ስትራተጂ “ልምዓታዊ ሚድያ” ህዝቢ ምድንጋር እዩ። ንምዃኑ ኣብዛ ኢሳያስ ዝነገሰላ ኤርትራ ፖሊሲ ልምዓት ኣሎ ድዩ!?

ወዳጄ “ልምዓታዊ ሚድያ”!

ሚኒስትሪ ዜና ከም ዝኾነ ናይ ፕሮፖጋንዳ ትካል ንተልእኾኡን ዕላማታቱን ዝዉክል ስትራተጂ ኣለዎ። ንሱ ድማ ብጉልባብ ስትራተጂ “ልምዓታዊ ሚድያ” ህዝቢ ምድንጋር እዩ። ንምዃኑ ኣብዛ ኢሳያስ ዝነገሰላ ኤርትራ ፖሊሲ ልምዓት ኣሎ ድዩ!? እቲ ሚኒስትሪ ዜና እኽተሎ’የ ዝብሎ ስትራተጂ ‘ልምዓታዊ ሚድያ’ኸ መጎታዊ ባይታ ኣለዎ ድዩ!? ብመሰረቱ ንልምዓት ዘንቀደ ፖሊሲ ምስ ዝህሉ ልምዓት ይህሉ፡ ልምዓት ምስ ሃለወ ድማ ልምዓታዊ ሜድያ ይህሉ። ስለዚ እተን ኣብ ትሕቲ ሚኒስትሪ ዜና ዝምእከላ ሚድያታት ወግሐ ጸብሐ ዘቃልሓኦ ልምዓታዊ መደባት ነቲ ብልቡ ሸፊቱ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ንምኽሳብ ዝግበር ሃቐነ ካብ ምዃን ዝሓልፍ ኣይኮነን። ንኣብነት ‘ውሕስነት መግቢ’ ዝብል ዛዕባ ወረቓቕቲ ክሳብ ዝውዳእ ዝጸሓፈሉ፡ ዓንቀር ክሳብ ዝልሕልሕ ዝልፍለፈሉ ናይ ወትሩ ኣጀንዳ ሚኒስትሪ ዜና “ህግደፍ” እዩ። ኣብ ኤርትራ ብዛዕባ ውሕስነት መግቢ ንዛረበሉ እዋን ንኽንበጽሕ ኩነታትና ከመይ ድዩ ክኸዉን ነይሩዎ!? ዉሕስነት መግቢ ንምርግጋጽ ተወፋይነት ዘይብሉ ስርዓት ኣብ ዝዉንነን ሚድያታት ‘ዉሕስነት መግቢ’ ዝብል ኣጀንዳ እናልዓልካ ኣእዛን ህዝቢ ምድንቋር ብዘይካ ዳእላ ካልእ ክኸዉን ኣይክእልን። “ካብ ተጸባይነት ዝናብ ክንገላገል፡ ብመግቢ ርእስና ክንክእል” እናበልካ፡ ንስለ ናይ ሚድያ ሃልኪ፡ ንህዝቢ ማእከል ዘይገብር ቀንጠ-መንጢ ስራሕ እናሰራሕካ ልምዓታዊ መንግስቲ ክትመስል ምፍታን ከንቱ ድኻም እዩ።

ውሕስነት መግቢ ናይ ምርግጋጽ ስትራተጂን ጽላት ሕርሻ ናይ ምምዕባል ዕማምን ዘይነጻጸሉ ንጥፈታት እዮም። ምኽንያቱ ዉሕስነት መግቢ ኢልካ ሕርሻ፡ ሕርሻ ኢልካ ድማ ዉሕስነት መግቢ ስለዝኾነ። ከምቲ ግቡእ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ጽላት ሕርሻን መሳለጥያታቱን ሚኒስትሪ ሕርሻ እዩ ክኸዉን ነይርዎ። ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ኩሉ ትሕተ-ቕርጺታት ሕርሻ ግን ኣብ ትሕቲ ሚኒስትሪ ሕርሻ ዘይኮነ ኣብ ትሕቲ እቲ ብኮሎኔል ወልዱ ባርያ ዝምራሕ ማእከል መንግስታዊ ጋራጃት ይመሓደር። ሓደ ኮለኔል ንትራክተር እንታይ እዩ ክገብራ!? ናብ ታንኪ ድዩ ናብ ሚሳይል ክቕይራ!? ትራክተር ንክኢላታት ሕርሻ ስለእትምልከት ምምሕዳራ’ዉን ኣብ ትሕቲ’ቲ ክኢላታት ሕርሻ ዝመሓደሩሉ ሚኒስትሪ ሕርሻ እዩ ክኸውን ዝግባእ። ዝኾነ እንዶ ናይ ሕርሻ ዘይብሎም ኮሎኔላት ኣመሓደርቲ ሕርሻዊ ንጥፈታት ኮይኖም ኣለው። ክኢላታት ሕርሻ እናበሳጨዉ ካብ ሃገር ከም ዝነፍጹ ብምግባር ድማ ሃገር ብሕጽረት ክኢላታት ከም እትሳቐ ክገብሩ ይዉዕሉ ኣለዉ።

(ኣብ ወርሒ ግንቦት 2011 ዝተወሰንና ኣባላት ሚ/ዜና ብምኽንያት ጽንብል መበል 20 ዓመት ናጽነት ኣብ ናይ 20 ዓመት ጉዕዞ ጽላታት ዘተኮረ መጽናዕቲታት ከነካይድ ምስ ተኣዘዝና ኣጋጣሚ ኣነ ንጽላት ሕርሻን ጽላት ዓሳን ዝምልከት ኣርእስቲ በጽሓኒ’ሞ ነቲ ናይ ጽላት ሕርሻ ዝምልከት ዳታ ንምእካብ ናብ ሚኒስትሪ ሕርሻ ከይደ ካብ ዳይረክተር ቤት ጽሕፈት ሚኒስተር ሕርሻ ኣቶ ሰለሙን ሃይለ ዝተወሰነ ዳታ ረኸብኩ። እንተኾነ ግን ኣብቲ ሰለሙን ዝሃበኒ ዳታ ንትሕተ ቕርጺ ዝምልከት ሓበሬታ ስለዘይነበረ፤ “ንትሕተ ቕርጺ ዝምልከት ዳታ ኣይሃብካኒን” ምስ በልክዎ፤ “ንሱስ ናብ ወልዱ ባርያ ኬድካ ኢኻ ትረኽቦ” በለኒ። “ንትሕተ ቕርጺ ሕርሻ ዝምልከት ሓበሬታ ደኣ እንታይ ክገብር ኣብ እንዳ ወልዱ ባርያ ይርከብ?” ኢለ ብሓበሬታ ሰለሙን እናተገረምኩ ተሰናቢተዮ ካብ ቤት ጽሕፈቱ ወጻእኩ።)

ሎሚ ሕርሻ ሃገርና ኣይኮነን’ዶ ከምቲ ብመናፍሓት ፕሮፖጋንዳ “ህግደፍ” ዝግለጽ ብዘመናውነት ክምራሕ፤ ነቲ ኣቦታትና ዘጽንሑልና ያታዊ ሕርሻ’ኳ ክንስእኖ ቁሩብ ተሪፉና ኣሎ። ስለዚ እምበኣር ጽላት ሕርሻ ሃገርና ኣብ ከምዚ ኩነታት እናሃለወ እንከሎ፡ ብዛዕባ ውሕስነት መግቢ ክትዛረብ ኣይከኣልን ጥራይ ዘይኮነ ኣሰር ዉሕስነት መግቢ ንምርካብ’ዉን ኣጸጋሚ እዩ። ተልእኾን ባህርያትን ማዕከናት ዜና “ህግደፍ” ግን ኣብ ባይታ ንዘየሎ ነገር ኣብ ኣእምሮ ሰባት ምፍጣር ስለዝኾነ ነቲ ኣብ ክዉንነት ዘየሎ ዉሕስነት መግቢ ብሓሳባዊ መልክዑ ኣብ ሓንጎል ዜጋታት ንምቕራጽ ብዙሕ ክብላ ይስመዓ።

እቲ ካልእ ካብ ምርግጋጽ ዉሕስነት መግቢ ተነጺሉ ዘይረአ ኣጀንዳ፡ ጉዳይ ምዕቃብ ማይን ሓመድን እዩ። ሚድያታት “ህግደፍ” ወትሩ ምስ ዉሕስነት መግቢ ኣተኣሳሲረን ካብ ዝዝምራሉ ጉዳያት ሓደ፤ ሓመድን ማይን ናይ ምዕቃብ ስራሕ እዩ። ሓመድን ማይን ዓቂብካ ብትሕዝቶ ዝሃብተመን ፍርያምን መሬት ንምዉናን ክግበሩ ካብ ዘለዎም ቀዳሞት ተግባራት ሓደ፤ ሽፋን ቡቕሉ ንዝተቐንጠጠ ከባቢ ምድረበዳነት ከየጥቅዖ ምግራብ እዩ። ኣብ ኤርትራ ክረምታዊ ማእቶት ብ1994 ካብ ዝእወጅ ኣትሒዙ ኣብ ዉሽጢ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ጥራይ 94 ሚልዮን ፈልስታት ገረብ ኣብ መላእ ኤርትራ ከም ዝተተኽለ ሚኒስትሪ ሕርሻ ብምኽንያት ጽንብል መበል 20 ዓመት ናጽነት ኣብ ዘዳለዎ ሲምፖዝየም ገሊጹ ነይሩ። መዓልቦ ናይ’ቲ ፈልስታት ማለት ክንደይ ጸዲቑ? ክንደይ’ከ ሓሪሩ? ዝብል ነገር ግን ኣብቲ ኣጋጣሚ ብመጽናዕቲ ተደጊፉ ከም ዘይቀረበ ዝዝከር እዩ። ስለዚ ብዛዕባ ምግራብ ከይተዛረብካ ብዛዕባ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ምዝራብ ዘይከኣል እንተ ደኣ ኮይኑ፤ ናይ ምግራብ ንጥፈት ኣብ ዘይካየደሉ ሃገር ብዛዕባ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ምዝራብ ዝከኣል ኣይኮነን።

ፍልስፍና ርእሰ-ምርኮሳ’ዉን እቲ ካልእ ዛዕባ ሚኒስትሪ ዜና “ህግደፍ” እዩ። ርእሰ-ምርኮሳ ማለት ንዉሽጣዊ ዓቕምታትካ ቀዳምነት ብምሃብ ክትምዕብል ምጽዓር ማለት እዩ። ዉሽጣዊ ዓቕሚ ክበሃል ከሎ ድማ ብቐንዱ ሰብኣዊ ዓቕሚ ማለት እዩ። ኣብ ሓንቲ ሃገር ዝርከቡ ባህርያዊ ጸጋታት፤ መስሪሑ ናብ ረብሓ ህዝቢ ዘዉዕሎም ዓቕሚ ሰብ እንተዘይረኺቦም ትርጉም ኣይህልዎምን። ሰብኣዊ ዓቕሚ ንኽስስን ድማ ጥዑይ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊን ማሕበራዊን ሃዋሁ ክነግስ ኣለዎ። ማሕበረ-ቁጠባዉን ፖለቲካዉን ኩነታት ኤርትራ ብሰንኪ ጉጅለኣዊ ረብሓኡ ጥራይ ዘገድሶ ጭፍራ ተሓሚሱ፤ ሃገር ብስደት ሰብ ሞያን ክኢላታትን ትሳቐ ብምህላዋ ግን ሎሚ ኤርትራ ብዛዕባ ርእሰ-ምርኮሳ እትዛረበላ ሃገር ኣይኮነትን። ብርግጽ ሃገርና ብባህርያዊ ጸጋታት ዝተዓደለት ብምዃና ጥዑይ ፖለቲካዊ ስርዓት እንተዝነግሰላ ዝሓሸ ቁጠባዊ ዓቕሚ ዘለዋ ሃገር እያ። ዝሩግ ፖለቲካዊ ኩነታት ዘለዋ ሃገር ግን ብዕቑር ሃብታ ጥራይ እናተመክሐት ብባዶ ናይ ርእሰ-ምርኮሳ ፍልስፍና ህዝባ ክትጥብር ኣይትኽእልን። ከምኡ ምግባር ትርጉም እንተዝህልዎ’ሞ እዛ ሕጂ ሰላም ስኢና ዘላ ሃገረ ኮንጎ’ዉን ኣብ ልዕሊ ዕቑር ሃብቲ ኣልማዝ ዝተደኮነት ሃገር እያ ነይራ።

እቲ ቀንዲ ንሃገራዊ ቁጠባ ዓንዲ ማእከል ኮይኑ ክቕልሶ ዝኽእል ዝነበረ መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ወፍሪ ባርነት ተጸሚዱ ብምህላዉ ስርዓተ-ቁጠባ’ታ ሃገር ካብ ናይ መፍረ ቁጠባ (Production Economy) ናብ ናይ ሃልኪ ቁጠባ (Consumption Economy) ተሰጋጊሩ ኣሎ። ብሰንኩ ድማ ከየፍረየ ዘህልኽ ሕብረተሰብ ተፈጢሩ ኣሎ። ኣብ ሃገርና ኣፍራይነትን ፈጠራዉነትን ዝቐትል ፕሮግራማት ተሓንጺጹ ብመደብ እናተሰርሓሉ ከሎ ብኸመይ ብዛዕባ ርእሰ-ምርኮሳ ምዝራብ ይከኣል!? እቲ ሓቂ እምበኣር እዚ እዩ። ኣብ ሃገርና ህዝቢ ዝመርሖን ተመሊሱ ንህዝቢ ዘገልግልን ስርዓተ-ቑጠባ ክህሉ ኣይከኣለን። በዚ ምኽንያት ኣብ ኤርትራ ህዝቢ ድኻ፡ መንግስታዊ ስልጣን ጨቢጡ ዘሎ ጉጅለ ድማ ሃብታም ኮይኑ ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ ጻዕራም ህዝቢ ክነሱ ካብ ስራሕን ናጻ ምንቅስቓስን በዂሩ ኣፍራይነቱ መታን ክዳኸም ውሑድ እናተዋህበ’ዩ ጅሆ ተታሒዙ ዘሎ። ድኳናት ሕድሪ ከም ኣብነት እንተወሲድና፡ ማዕከናት ዜና እቲ ስርዓት ዕላማ ምምስራት ድኳናት ሕድሪ ንህዝቢ ካብ ተበለጽቲ ነጋዶ ሓራ ምግባር ከም ዝኾነ እየን ዝሕብራ። እቲ ሓቀኛ ዕላማ ግን ንህዝቢ ዝተዓቀነ መቑነን እናሃብካ ብዛዕባ ከብዱ ጥራሕ ከም ዝሓስብ ምግባር እዩ። ብኸብዱ ካብ ምሕሳብ ዘይተገላገለ ህዝቢ ድማ ንፖለቲካዊ ስልጣን ስግኣት ኣይከዉንን።

ብዛዕባ ርእሰ ምርኮሳ ምስ ኣልዓልኩ’ስ ሓደ እዋን ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ተዳልዩ ክፍኖ ዝተመደበ ሓደ መስደመም መደብ ዘከርኩ። እቲ ጉዳይ ከምዚ ዝስዕብ እዩ፦ ናይ ሎሚ ዋና ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ኣቶ ሳምሶን ሃይለ ኣባል ኒዉስሩም ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣብ ኤሪ ቲቪ ዝፍኖ ሓደ “ፍሉይ” መደብ ከዳሉ ከም ዝሓሰበ ንዓሊ ዓብዱ ኣማኸሮ። እቲ መደብ ፍልስፍና ርእሰ ምርኮሳ ኣብ ደቂ ሰብ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ እንስሳታት’ዉን ንኽሰርጽ ክስርሓሉ ከም ዘለዎ ዘተሓሳስብ መደብ ነበረ። ነዚ ኣብነት ክኾና ድማ ኣብ መንገዲ ኣስመራ ዱባርዋ ከባቢ መንጉዳ ዝነብራ ኣህባይ እየን ተሓርየን። ከም ልምዲ ብኣዉቶብሳትን ሚኒባሳትን ናይ ገዛ መካይንን በቲ ከባቢ ዝጓዓዝ ህዝቢ ነተን ኣብኡ ዝርከባ ኣህባይ ባናና እናቐረፈ ይድርብየለን እዩ። ምኽንያቱ እንስሳታት ተዋሂበን እምበር ኣፍርየን ክበልዓ ተፈጥሮ ኣይዓደለንን። ናይ ኣቶ ሳምሶን ጽሉል መደብ ግን ንተግባራት ናይቲ ህዝቢ ብኸፊል ዝነቅፍ ኮይኑ እተን ኣህባይ ኣብ ክንዲ ዝተቐርፈ ባናና ዘይተቐርፈ ባናና ክወሃበን ከም ዘለዎ ዝምዕድ እዩ። እቲ ዝገርም ዓሊ ዓብዱ በቲ ሳምሶን ዘምጽኦ ሓሳብ ተመሲጡ ኣብ ኤሪ ቲቪ መደብ ክስረሓሉ ቀጠልያ መብራህቲ ምዉልዑ እዩ። ርእሲ ኣቶ ሳምሶን ዝሓሰቦ’ስ ያኢ ኣህባይ መንጉዳ ርእሰ ምርኮሳ ክመሃራ’ሞ ነቲ ዝወሃበን ባናና ከፍርያኦ ዋላ እንተዘይከኣላ ባዕለን ቀሪፈን ናይ ምብላዕ ልምዲ ከም ዘማዕብላ ምግባር እዩ።……….ኣስሒቑኩም’ዶ ኣስደሚሙኩም!?………………….ብዝኾነ ነዚ ዛንታ’ዚ ዝነግረኩም ዘለኹ ዝተጸለላ ኣራእስ ሚኒስትሪ ዜና ከምዚ’ዉን ከም ዝሓስባ ክትፈልጡ ስለዝደለኹ እየ።

ሻድሻይ ክፋል ይቕጽል…

ኣማኑኤል ማህደረ
(iamamanuel@yahoo.com)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
18 COMMENTS
  • JEMAL February 4, 2013

    I appreciate ur investigative analysis brzr, i hope u to continue with full energy.

  • Wedi Birhin February 7, 2013

    Bravo Amanuel Mahdere , Samson ezi hasawi girim gerka geliskayo aleka , Editor nay hadas-Eritrea kikewn zigebero keman eti kezab mukanu eyou zikewn , Ezis May-Temenay Asmera tewelide abye kibil diyu , dehan gin gizie alewo n Kulu ….

  • Meretse Asmelash February 7, 2013

    Very important information and please continue informing us much as you can.

  • we February 8, 2013

    Anbesa, I am following with interest!

POST A COMMENT