Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሌላ ምስ ከፊላዊ ምስሊ ሚኒስትሪ ዜና “ህግደፍ” 10ይ ክፋል

ሌላ ምስ ከፊላዊ ምስሊ ሚኒስትሪ ዜና "ህግደፍ" 10ይ ክፋል  "ዉረስ ተወራረስ!" ፦ ጓንጓ ፕሮፖጋንዳ  ሚኒስትሪ ዜና ኣብ ሃገርና ኣዉራሲ ወለዶ ነቲ ወራሲ ወለዶ ብዛዕባ እንታይ ይትርኸሉ!? ብዛዕባ ኲናት! ማዕከናት ዜና "ህግደፍ" ብዛዕባ ኲናትን ወረ ኲናትን ካብ ምዝራብ

ሌላ ምስ ከፊላዊ ምስሊ ሚኒስትሪ ዜና “ህግደፍ” 10ይ ክፋል

 “ዉረስ ተወራረስ!” ፦ ጓንጓ ፕሮፖጋንዳ  ሚኒስትሪ ዜና

ኣብ ሃገርና ኣዉራሲ ወለዶ ነቲ ወራሲ ወለዶ ብዛዕባ እንታይ ይትርኸሉ!? ብዛዕባ ኲናት! ማዕከናት ዜና “ህግደፍ” ብዛዕባ ኲናትን ወረ ኲናትን ካብ ምዝራብ ዘዕረፋሉ ግዜ ተሰሚዑ’ዶ ይፈልጥ!? ኣብ ወርሒ ለካቲት ብምስልታት ስርሒት ፈንቅል ኣዕለቕሊቑ ዝወርሐ መስኮት ኤሪ ቲቪ፡ ኣብኡ ከሎ ኣብ ወርሒ መጋቢት ድማ ብምስልታት ኲናት ኣፍዓበትን ሻድሻይ ወራርን ይቕጽል። ወርሒ ሚያዝያ ኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብይን ዝሃበሉ ወርሒ ስለዝኾነ ንዕኡ ምኽንያት ብምግባር ከኣ ኣሰቃቒ ምስልታት ኲናት ባድመ፡ ቡሬ፡ ዓሊተና መረብን ዛላምበሳን ኣብ ኤሪ ቲቪ ይቕጽል። ኣብ ወርሒ ግንቦት ከኣ ንበዓል ናጽነት ምኽንያት ብምግባር፡ “ህዝባዊ ግንባር ሽግርን ጸበባን ኣሓሊፉ ናጽነት ዘምጽአ በዓል ዉዕለት እዩ” እናተባህለ ኣብ ሰዉራ ኤርትራ ዝተኻየዱ ከበድቲ ዉግኣት ዝረኣዩሉ ምስልታት ኣብ ኤሪ ቲቪ ክፍነዉ ይዉርሑ።

(ንምዃኑ ናጽነት ዘምጽአ ህዝቢ ኤርትራ ድዩ ህዝባዊ ግንባር!? ዋንነት ታሪኽ ብኸምዚ ኣገባብ ተጠቕሊሉ ንሓደ ዉድብ ዝወሃብ እንተኾይኑሞ ህዝባዊ ግንባር፡ ህዝቢ ኤርትራ ዘይመርሖ፤ ዘየስነቖ፤ ዘየዕጠቖን ዘይተሰዉኣሉን ቃልሲ እዩ ዘካይድ ነይሩ ማለት እዩ። ሓደ እዋን ኢሳያስ ኣብ ሓደ ቃለ መሕትት፡ ዋላንቐልዓለም ህዝቢ ኤርትራ እዩ ናጽነት ኣምጺኡ እንተተባህለ ግደ ሓቂ ግና ህዝባዊ ግንባር እዩ ህዝቢን ክንዲ ህዝቢን ኮይኑ እዩ ናጽነት ኣምጺኡኢሉና ነይሩ። ህዝባዊ ግንባር ህዝቢ እዩ! ህዝባዊ ግንባር ክንዲ ህዝቢ እዩ!” ኣስተማቒርኩሞዶ ኣለኹም ነዚ ዘረባ!?………. ዋና ታሪኽ ህዝቢ ክነሱ ፈለማ ህዝባዊ ግንባር /ህግደፍ/ ጨውይዎ። ጸኒሑ ድማ ተጠቕሊሉ ኢድ ሓደ ሰብ ኣትዩ። ስለዚ ሕጂ ዛ ናጽነት ኣዋዲኣ ህዝቢ ወይ ህዝባዊ ግንባር ዘይኮነ ኢያስ እዩ!)

 

ወርሒ ሰነ ምስ ተቐልቀለ ንመዓልቲ እቶም ሕድሮም ዝተጠልመ ሰማእታትና ምኽንያት ብምግባር ምስልታት ኲናትን መሪር መስዋእትን ኣብ ኤሪ ቲቪ ክረአ ሰሙናት ይገብር። ክራማት ኣብ ምዉድኡ ድማ “ዝኽሪ ምጅማር ብረታዊ ቓልሲ” ተባሂሉ ኦሪት ቃልሲ ክጽወ ይቕኒ። ብዘይካ ኣብዞም ዝገለጽኩዎም ተኸታተልቲ ኣዋርሕ ኣብ ካልኦት እዋናት’ዉን ምኽንያታት ሃሰዉ እናበልካ ብዛዕባ ኲናት ምዝራብ ልሙድ እዩ። በዚ ኩሉ ዝተገልጸ ምኽንያታት ኤርትራዉነትን ኲናትን’ሲ ዳርጋ ክልተ ገጻት ናይ ሓንቲ ሳንቲም እዮም ዘብሎም ምስሊ ሒዞም ኣለዉ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ ስለ ናጽነት ክብል ብዂናት ደምዩ፡ ሰንኪሉን ተሰዊኡን ከብቅዕ ኣብ ትሕቲ ስማዊ ናጽነት ብዘመናዊ ባርነት እናተገርፈ እንከሎ ክንዲ’ዚ ብዛዕባ ሕሉፍ ኲናትን ሳዕቤናቱን ክንገሮ ዝድለ ዘሎ ስለምንታይ እዩ እንተተባሂሉ መልሱ ብዙሕ ዘመራምር ኣይኮነን። ብሓደ ወገን፤ መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ብዘይካ ብኲናት ብኻልእ ዘይንየቱ ሰባት እዮም። በቲ ኻልእ ወገን ድማ ዋናን ዋሕስን ናጽነት ኤርትራ መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር እዮም እናተባህለ እዞም መራሕቲ እዚኣቶም ብናይ ድሕሪ ናጽነትን ቅድሚኡን ገበናቶም ከይሕተቱ መረሳስዒ ወይ መደዓዓሲ እንተኾነ ተባሂሉ እዩ።

 

ሚኒስትሪ ዜና እምበኣር መሳርሒ ኢሳያስን ጭፍራኡን ኮይኑ ባህሊ ኲናት ከዉርስ ሒኲ ዝብል ትካል እዩ። ናይዚ ምስክር ድማ ስርዓት “ህግደፍ” ካብ ፈለማ ናጽነት ኣትሒዙ ኣብ ኤርትራ ዝተኸተሎ ኣካይዳ እዩ። እዚ ስርዓት እዚ ረፈረንደም ተኻይዱ ኤርትራ ኣብ ካርታ ዓለም ካብ ዝሰፈረትሉ ዕለት ኣትሒዙ፤ ነዛ ብናይ 30 ዓመት ኲናት ዝባደመት ሃገር ንምህናጽ መገዲ ልምዓት ኣብ ክንዲ ዝሕዝ ገዚፍ ወተሃደራዊ ሓይሊ ንምህናጽ እዩ ተሃንዲዱ። ወተሃደራዊ ባጀት ነክዩ ባጀት ልምዓት ኣብ ክንዲ ዘዕቢ “ሃገራዊ ኣገልግሎት” ዝብል ኣዋጅ ኣዊጁ ኲናት ኣብ ምጽሕታር እዩ ኣትዩ። መንእሰይ ኤርትራ ካብ ህዝባዊ ግንባርን መራሕቱን ባህሊ ኲናት ጥራይ ንኽወርስ እዩ ተደልዩ።

 

ምስዚ ኣተኣሳሲረ ሓደ እዋን ዘጋጠመ ከዕልለኩም። ተቓዉሞ ህዝቢ ኣበየናይ ደረጃ ከም ዝበጽሐ ንምዕቃን ዓበይቲ ካድራት ዝመርሑዎ ኣኼባታት ብቐጻሊ ምዉዳብ፤ ልሙድ ፖለቲካዊ ጠባይ “ህግደፍ” እዩ። ናይ መንእሰያት፡ ናይ መምሃራን፡ ናይ ተማሃሮ፡ ናይ ሸቃሎ፡ ናይ ሓረስቶት፡….ኣኼባ!… . .ኣኼባ!….. ኣኼባ!…

 

ሓደ ግዜ የማነ ገብረኣብ ንተማሃሮ ኮለጅ ማይ-ነፍሒ ኣብ ኣዳራሽ ናይቲ ኮሌጅ ኣኼባ ይገብረሎም ነበረ። ካብቲ ሒዝዎ ዝነበረ ኣጀንዳ ሓደ ብዛዕባ ምዉርራስ ነበረ። ኣብቲ ኣኼባ ኣቐዲሙ ወጺኡ ብዝነበረ መምርሒ መሰረት ሕቶታት ብጥርኑፍ እዩ ዝሕተት ዝነበረ። መግለጺ የማነ ተወዲኡ ኣብ ናይ ሕቶን መልስን መድረኽ ምስ ኣተዉ እቶም መንእሰያት ተማሃሮ ንሓደ ደፋር መዘንኦም ሓርዮም ንሕቶታቶም ከቕርበሎም ብዝሓተትዎ መሰረት ሕቶታቱ ጀመረ። ንየማነ ከምዚ ዝስዕብ ከኣ በሎ፦

 

“እቲ ኣብ ሚድያ ብተደጋጋሚ ንሰምዖ ኢኻ ደጊምካልና። ኩሉ ግዜ ምዉርራስ ኢኹም ትብሉ እምበር መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ንዓና ብዘይካ ባህሊ ኲናት ካልእ ክተዉርሱና ኣይትደልዩን ኢኹም። ምዉርራስ እንተኾይኑ ሃገር ናይ ምምራሕ ሓላፍነት ክንወርስ ኣለና። ኣብ ቁጠባ ቀለስቲ ክንከዉን ኣለና። ኣብ ኩሉ መዳያዊ ህይወት እዛ ሃገር ክንትኣኩም ኣለና። ንስኻትኩም ግን ነዚ ዝተቐረብኩም ኣይትመስሉን። ክብሎ ዝደለኹ ብምሳሌ ክነግረካ ኣፍቅደለይ። ቀደም ቈልዑ ከለና ዓበይቲ ኣሕዋትና ኣብ ግዜ ሃንሰ መስቀለ ሽግ ሒዞም ሆየ! ሆየ! ክብሉ እንከለው፡ ንሕና’ዉን ነታ ሽግ ሒዝና ሆየ! ሆየ! ክንብል ኣዚና ኢና ንብህግ ኔርና። እቶም ዓበይቲ ኣሕዋትና ግን ኣይህቡናን ነይሮም። ኣብ መወዳእታ ግን እታ ሽግ ነዲዳ ነዲዳ ኣብ ኢዶም በጺሓ ምስ ኣቃጸለቶም ይድርብይዋ። ንሕና ድማ ናይ ምሓዛ ህርፋን ስለዘለና ነታ ዝደርበይዋ ክንሕዛ ንፍትን’ሞ ምስ ኣንደደትና ከኣ ንገድፋ። ስለዚ እዛ ሒዝኩማ ዘለኹም ሽግ ስልጣን ከኣ ፈቲኹም ኮነ ብህይወትኩም ከለኹም ከምዘይተረክቡና ንፈልጥ ኢና። ምስ ኣንደደትኩም ግን ክትህቡና ኢኹም፡ ሽዑ ከኣ ንሕና ኣይክንቅበለኩምን ኢና” በሎ።  ነገር ብምሳሌ ዝብልዎ ዘረባ ለባማት ከምዚ እዩ።

 

ኣብ ሓደ ካልእ ኣጋጣሚ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ኣብ ሳዋ ንተማሃሮ ሰሚናር የካይድ ነበረ። ነቲ ሰሚናር እናካየደ እንከሎ፡ ኣብ መንጎ ህንጸት ገዛን ህንጸት ሃገርን ምምስሳላት ብምፍጣር ሃገር ትህነጸሉ ኣገባብ ካብቲ ገዛ ዝህነጸሉ ኣገባብ ከም ዘይፍለ ከረድእ ፈተነ። ስብሓት ኣብ መግለጺኡ፦ “ገዛ ክህነጽ እንከሎ ገሌኻ ነዳቓይ፡ ገሌኻ ሚነዋለ፡ ገሌኻ ፎርማን፡ ገሌኻ ኢንጂኔር ኢኻ ትኸዉን። ኩልኻ ኢንጂነር፡ ኩልኻ ድማ ሚነዋለ ኣይትኸውንን ኢኻ። ንኣብነት ኣብ ዉግእን ወተሃደራዊ ህይወትን እንተርኢና ኩልኻ ጀነራል ኣይትኸዉንን ኢኻ።” እናበለ ፍልስፍናኡ ኣንጎድጎዶ። ብርግጽ ኣብ ሓደ ፍሉይ ሃገራዊ ዕማም ኩሉ ዜጋ ዘዝበቕዖ መዝነት ሒዙን ኣብ ዘድምዓሉ ተዋፊሩን እዩ ዝዋሳእ። እንተኾነ ግን ከምቲ ኣብ ህንጸት ገዛ እቲ ሚነዋለ ዝነበረ ንመዋእሉ ሚነዋለ ኮይኑ ዘይተርፍ፤ ኣብ ህንጸት ሃገር ይኹን ኣብ ምክልኻል ሃገር እዉን እቲ ሓንሳብ መራሒ ወይ ጀነራል ዝኾነ ንሓዋሩ መራሒ ወይ ጀነራል ኮይኑ ይቕጽል ማለት ኣይኮነን። ስብሓት ከሕልፎ ዝደለየ መልእኽቲ “ሃገር ክትህነጽ ከላ ውሑዳት መራሕቲ፡ ብዙሓት ድማ ተመራሕቲ እዮም ዝኾኑ” ንምባል ዝመስል እዩ ዝነበረ። ንለባም ኣምተሉ ከም ዝበሃል ግና “እቶም መራሕቲ ዝኾንና መራሕቲ ኰንና ክንቅጽል ኢና፡ እቲ ዝተረፈ ሓፋሽ ድማ ኣብታ ንሕና እንዝዉራ ባቡር ተሳፋራይ ጥራይ ኮይኑ እዩ ዝኸይድ” ዝመልእኽቱ መደረ እዩ ኣቕሪቡ። እንዳ “ህግደፍ” ዝዝዉርዋ ባቡር ደኣ ርኢናያ እንዲና! “ንኺድ ጥራይ…!”  ዝብል ጭርሖ እናተጨርሓላ ናብ ዉድቀት ገጻ እትሕምበብ ዘላ ባቡር’ዶ ኣይኮነትን!? ናብ ናይ ስብሓት ኣጉል ፍልስፍና ንመለስ። “ኤርትራ ናይ ብሓቂ ትህነጽ ድያ ዘላ!?” ዝብል ሕቶ ግቡእ መልሲ ከይረኸበ እንከሎ ብዛዕባ ህንጸት ሃገር ክንዲ’ዚ ምፍልሳፍ እንታይ ኣምጽኦ!? ሓለፍቲ ስርዓት “ህግደፍ” ዝዝረብ ሓቂ ስለዘይብሎም ኣብ ናይ ፍልስፍና በዓቲ ተሓቢኦም እዮም ህዝቢ ክጥብሩ ዝደልዩ።

 

ህዝቢን መንግስትን….. ኢድን ጓንትን!?

 

ብሓድነት ዝመጻደቕ ትሕተ ሃገራዊ ስርዓት!

 

ኣብ እዋን ኲናት ኢትዮ ኤርትራ፤ ሚኒስትሪ ዜና ነቲ ኢሳያስ ኣብ ግዜ ኲናት ጥራይ ዝጭርሖ “ሓደ ህዝቢ ሓደ ልቢ” ዝብል ፍልስፍና ሒዙ ብምዉጻእ ኣቓልቦ ህዝቢ ክገዝእን ንሓይሊ ህዝቢ ኣብ ምቕጻል ስልጣኑ ከዉዕሎን ክኢሉ ከም ዝነበረ ኣይርሳዕን። ብርግጽ ስርዓት ኢሳያስ ዉጽኢት ሓድነት ህዝቢ እዩ። ኣብ ኮረሻ ስልጣን ምስ ደየበ ግን ሓድነት ህዝቢ ተኣምር ከም ዝሰርሕ ስለዝፈልጥ ንህዝቢ ብብሄር ሃይማኖትን ኣዉራጃን ዝኸፋፍል ተግባር ክፍጽም እዩ ተራእዩ። ስለዚ ኢሳያስ ንጉዳይ ሓድነት ኣብ ናይ ፈተነ እዋን ክኣቱ ከሎ ጥራይ እዩ ዝደልዮ። ሕጂ’ሞ ከኣ ንድሕሪት ዘይምለሰሉ ጉዕዞ ዉድቀት ክዛዝሞ ቀሪቡ ብምህላዉ ድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቈላ ዝዓይነቱ ናይ ምጉጅጃል ተግባራቱ ብዝሓየለ መልክዑ ይቕጽሎ ኣሎ። ምኽንያቱ ህዝብና ናይ ናጽነት ሕጽኖቱ ወዲኡ ብሓድሽ ንቕሓት ነቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዘሎ ክዉንነት ብነቐፌታዊ ዓይኒ እናረኣየ ክምርምሮ ጀሚሩ ኣሎ። እቲ ኢድን ጓንትን እናተባህለ ዝግለጽ ዝነበረ ዝምድና ህግደፍን ህዝብን ናይ ብሓቂ ኢድን ጓንትን ከም ዝነበረ ንርእዮ ኣለና። ነዚ ክብል ከለኹ ነቲ እንዳ ህግደፍ ዝብልዎ ዝምስክር ዘለኹ ከይመስለኩም። ዝምድና ኢድን ጓንትን  ግዝያዊ እዩ። ስለዚ እንዳ ኢሳያስ ምስ ህዝቢ ኢድን ጓንትን ኢና እንተበሉ ሓቆም እዮም። እንቋዕ ጥራይ ምስ ህዝቢ ናይ ጽብዒትን ጽፍሪን ዝምድና እዩ ዘለና ኣይበሉ። እቲ ምንታይ ዝምድና ጽብዒትን ጽፍሪን ባህርያዊን ነባሪን እዩ። ዝምድና ኢድን ጓንትን ግን ግዝያዊን ሰብ ሰርሖን እዩ።

 

እንዳ ኢሳያስ ናይ ደገፍ ተዋስኦ ክሰርሑ ከለዉ ዝበዝሕ ግዜ ነቶም ኣብ ዲያስፖራ ዝርከቡ “ደገፍቶም” እዮም ከም ኣብነት ዘቕርብዎም። ነዚ ተዋስኦ እዚ እተፍርስ ሓንቲ ኣብነት ከቕርበልኩም፦

 

ጽንብል መበል 30 ዓመት ምምስራት ሃገራዊ ኮንፈደረሽን ሰራሕተኛታት ኤርትራ /ሃኮሰኤ/ ኣብ ሆቴል ኣስመራ ፓላስ (ሆቴል ኢንተርኮንቲነንታል ነበር) ይካየድ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዘጋጠመ እዩ። ሃኮሰኤ ድምጺ ናይቲ ብመደብ ዝተረመሰ ደርቢ ሸቃላይ ኤርትራ ንምዕባስ ዝቘመ ማሕበር እዩ። ነዚ ብመደብ ዝረመስካዮ ደርቢ “ማሕበርካ ካብ ትምስረት 30 ዓመት ስለዝገበረት ንዓ ንጸንብላ” ክትብሎ ጸርፊ’ዩ። ብዝኾነ ኣብቲ ኣጋጣሚ ብዙሕ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ቀሪቡ። ሓደ’ኳ ካብቲ ዝቐረበ ወረቓቕቲ ንእዋናዊ ሕቶ ሸቃሎ ኤርትራ ዝምልስ ኣይነበረን። ኣብቲ ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 30 ዓመት ዝተዳለወ ሲምፖዝዩም መልሲ ዘይረኸቡ ብዙሓትን ከበድቲን ሕቶታት ክለዓሉ ምዃኖም ስለ ዝተፈልጠ፡ ወደብቲ ናይ’ቲ ሲምፖዝዩም  ክለዓሉ ንዝኽእሉ ሕቶታት መልሲ ክህበሎም ንየማነ ገብረኣብ ከም ናይ ክብሪ ጋሻ ዓደምዎ።

 

እቲ ማሕበር ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ኤውሮጳ ስለዝተመስረተ ካብ ብዙሓት ሃገራት ኤዉሮጳ ዝመጹ ኣማኢት “ደገፍቲ” ሰብ ዲያስፖራ  እዉን ተሳተፍቲ ናይቲ ስምፖዝዩም ነበሩ። ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ናይቲ ሲምፖዝዩም፤ እዞም መዋእሎም “ህዝባዊ ግንባር ወይ ሞት!” ዝብሉ ዝነበሩ ደገፍቲ ነቲ ኣጋጣሚ ተጠቒሞም ብዛዕባ እቲ ባህ ዘይበሎም ኣካይዳ እቲ ስርዓት ሕቶታት ክሓቱ ጀመሩ። እዚ ተርእዮ’ዚ ኣቐዲሙ ምድላዋት ተገይሩሉ ብምንባሩ የማነ ንሕቶታቶም ክምልስ ናብ መድረኽ ደየበ። ሓደ ካብቲ ዘቕረብዎ ሕቶ ከምዚ ዝስዕብ ዝብል ነበረ፦ “እቲ ቐደም ዝሓብሓብናዮ፤ ዘዕጠቕናዮ፤ ዘስነቕናዮ፤ ህይወትና ዝኸፈልናሉ ህዝባዊ ግንባር’ሲ ደሊና ስኢናዮ። ኣበይ እዩ ኣትዩ? እዚ ድዩ ነይሩ ንህዝቢ ዝትኣትወሉ መብጽዓ? ኣበይ’ዩ ጠፊኡ እቲ ህዝባዊ ግንባር ዝበሃል!?”

 

እቶም ኣብቲ ኣጋጣሚ ሪፖርተራት ኰንና ዝወዓልና ኣባላት ሚኒስትሪ ዜና፤ ነዚ ሕቶ’ዚ ካብቶም ዕሙታት ደገፍቲ እዮም ንብሎም ዝነበርና ሰባት ምስማዕና ሕዉስዋስ ስምዒት እዩ ፈጢሩልና። በቲ ሓደ ዘይልሙድ ሕቶ ብምንባሩ ተገረምና፤ በቲ ካልእ ድማ “ኣንታ እዘን ደገፍቲ ሎሚ’ስ እምበር ኣዒንተን የንቁሓ ኣለዋ” በልና። ልዕሊ ኩሉ ዝገረመና ግን መልሲ የማነ ገብረኣብ ነበረ። የማነ ኣብ መልሱ፦ “ህዝባዊ ግንባር ማለት’ኮ ኣብ ኣየር ዝተንጠልጠለ ዉድብ ኣይኮነን። ህዝባዊ ግንባር ማለት ንስኻትኩም ኢኹም። ንስኻትኩም ከም ቀደምኩም እንተሃሊኹም ህዝባዊ ግንባር ከም ቀደሙ ኣሎ። ንስኻትኩም ከም ቀደምኩም እንተዘይሃሊኹ ከኣ ህዝባዊ ግንባር ከም ቀደሙ የለን” በሎም። ህዝባዊ ግንባር ደኣ ቀደም ኮነ ሎሚ ናይ ኢሳያስን ሕብእቲ ሰልፉን እምበር ካብ መዓስ ናይ ህዝቢን ተጋዳላይን ኮይኑ ይፈልጥ!? ብዝኾነ ንፍልስፍናዊ መልሲ የማነ ንጎኒ ኣጽኒሕና ብዛዕባ ከምዚ ዝመሰለ በጨቕታ ሓቂ ናይቶም “ደገፍቲ” ምስ እንሓስብ፤ ሕቶኦም ዘርእየና ነገር እንተሎ፤ “ህግደፍ” ካብቶም ኣብ ወጻኢ ኮይኖም “ንድግፈካ ኢና” እናበሉ ዝዋጥዩሉ ዜጋታትና እዉን ሓድሽ ንቕሓት ዝወለዶ ብድሆ ይገጥሞ ከም ዘሎ እዩ።

 

መበል 11 ክፋል ይቕጽል….

 

ኣማኑኤል ማህደረ

(iamamanuel@yahoo.com)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
9 COMMENTS
  • stefanos temolso March 9, 2013

    This is a great job Amanuel, because you are informing and enlightning us about the secretive inner wrkings of the MoI. Many People know that it is structured solely to serve one master, but many People do not have a detailed idea on how it functions. Finally, I would like to request you not to forget to give us the names of the die hards and leading Stooges of the regime in the MoI.

  • Girmay March 9, 2013

    Emma , what you are doing is really fantastic. you really uncovered the inside.
    keep it up

  • hafash March 9, 2013

    Dear Mr. Amanuel Mahdere, I have been following your narration for quite some time now, and I do respect your courage to come out, and share your past experience with the public. However, regarding VOA journalist Mr. Tewelde Weldegebriel, you said that when he was in Addis Ababa, he was the supporter of the Workers’ Party of Ethiopia (WPE or Esepa in Amharic abbreviation), and a Unionist. With all your respect Mr. Amanuel, Mr. Tewelde is a very close relative of mine, and I know him very closely in person since my childhood. In fact I regard him as dear older brother, and I look up to him to this day. Mr. Amanuel, like any genuine fervent Eritrean, Mr. Tewelde was a staunch supporter of the Eritrean independence during the armed struggle, and never been a supporter of WPE or a Unionist for a single day ever in his life. Therefore, please Mr. Amauel make sure that all your records are straight before posting them online. Thank you.

    • Ali-lol March 10, 2013

      HaFash, Amanuel is a joke! But, I like his creativity just for the sake of blackening PFDJ. He must have been puppet of Ali Abdu to know these all jokes!

  • senay March 9, 2013

    Thank you Amanuel, for the honest and skillful analysis of the MOI. Keep it up.

  • Hederi March 9, 2013

    Good information dear Amanuel really it is depended on the facts and Tewolde Woldegebrial is known supporter of the dictator and also before the independence of Eritrea he was the supporter of the Derg regime and now he is sided with the regime in Eritrea so, Emma continue tell us the inner information we have knew a lot of information from your articles thank you

  • MEHRETU HABTE March 9, 2013

    ዝኸበርካ ሓው ኣማኑኤል ማህደረ፣

    እዛ ፕረሲደንት ኢሳያስ ዝበላ ዝጠቐስካያ ___“ዋላ‘ኳ ንቐልዓለም ህዝቢ ኤርትራ እዩ ናጽነት ኣምጺኡ እንተተባህለ፤ ግደ ሓቂ ግና ህዝባዊ ግንባር እዩ ህዝቢን ክንዲ ህዝቢን ኮይኑ እዩ ናጽነት ኣምጺኡ” ኢሉና ነይሩ። “______ትብል ኣነ ከም ኣነ ብሓቂ ምስቲ በሃሊኣ ምስ ፕረሲደንት ኢሳያስ እየ ዝሳማማዕ።ህዝባዊ ግምባር ንሓረስቶት፣ካብ ኣፎምን ኣፍ ደቆምን ምግቢ እናመንጠለ፣እናጸፍዔን እናገደደን፣ ብሓይሊ ቆልዑ ካብ ሕቝፊ ስድርኦም እናመንዝዔ ኣደዳ ስኽራናዊ ሞት ጌሩ እዚ ዕቡድ ዝስዓሞ ሕብረተ ሰብ እንተዘይኮይኑ ፣ኣዝዊሩ ዝሓስብ ሕብረተ ሰብ ዘይትምነዮ፣ ካብ ተዛማዲ ክብረት ናብ ፍጹም ሕስረት ዝመርሕ__ሓሪሱ ደቀይ ከዕቢ እየ ናይ ዝበለ ሓረስታይ ኤርትራ፣ ተጨቊነ ዘይበሎም፣ኖእ ተጨቊንካ ኢኻ ፣ኢሎም እዚ ንጸላኢኻ ዘይትትምነየሉ ጉሓፍ ዝተፍኦ ነጻነት ህዝባዊ ግምባር ብሽጣርኡ ኣምጺእዎ እምበር ህዝቢ ንዕኡ ዝጎድእ ስርዓት ኣየምጽእን ፤እዩ።
    ከምቲ ባዕልኻ ዝገለጽካዮ እውን ፣እቲ ህዝባዊ ግንባር ዝብሃል ማሕበር ሸፋቱ ፣ካብ ቀደሙ ብኢሳያስ ዝዝወር ዝነበረ እቶም ተኸተልቱ ድማ ደቂ ብሉቕባሻት፣ ሕስረትን ክብረትን በቲ ጥዋይ ኣማዛዝንኦም ኣጋላቢጦም ዝርእይዎ ወረዳታት ንምሁር ወዲ ሃገሮም ጠጠው ኢሎም ዘሕርዱ ወራዳታት ስለ ዝነበሩ፣እቲ ቃልሲ ዝሽሙ ሽፍትነት ኣይተጨውየ ኣይተሰርቀ___ቀደም ንሱ፣ሎሚ ንሱ___እቲ ዝተጨውየ ሓንጎል ኤርትራውያን ጥራይ እዩ ኔሩ።
    ስለዚ ከምቲ ክርእይዎ ዝጸልኡዎስ ምስ ሞትኩ የሩሳሌም ወሲድኩም ቅበሩኒ ዝበለ ኣይንደልየሎምን ።እወ ሽፍታዊ ግንባር ንሶም ዘምጽእዎ ነጻነት እዩ።እምበር ኣየነይቲ ኮሎኒ ዝኾነት ሃገር ሰስግኡ ነቶም ኮሎኒ ትግብሮም ህዝቢ እንዳሃበት ዓዓጽሙ ንደቃ ት ህብ።ሓንቲ ዓሻ ኢትዮጵያ እ ያ ኔራ።ንሳ ኽኣ ለባማት ወያነ ፈጢሩላ።እንተ ንሕናሞ ዓው ኢልካ ዘይብከ ሞት ሕጹይ ኮይኑና።ግን እንቋዕ ጥራይ ካብ ኣምሓሩን ትግራዎት ናይ ትግራይን ተፈለና እምበር ዋላ ንሙት ፧፧፧

  • MEHRETU HABTE March 10, 2013

    Selamat Hizbawi ,

    Someone decided to defame my sexy nam

    Some one sent an opinion to Salina Radio Wegahta ,using my name,, I never sent any letter or messages to Wegahta radio.Some one impeersonated me,it was read on radio salina.I am sure Hizbawi you know what is happenning here and I say good job..to whoever did it, but , I do not move an inch because someone decided to defame my name .
    While my respect is at it´s place for Tegadalay Tesfay Temnewo…OUR ERITREAN PEOPLE DO NOT NEED A SIMPLTON LIKE ME TO DIVEDE THEM BY REGION.22 SOCCER P’LAYERS &A PIECE OF LEATHER CALLED SOCCER BALL CAN MOVE ¨GANTA ASMERA & GANTA EMBASOYRA¨.With all due respect to Tegadalay Tesfay Temnewo galluble people are ready to believe there is a boogey man called Akeleguzai who is there out there to get them..and that is not perpetuated by insignificant me but by the shifta organization that you are e4xposing.I am on your side Tegadalay Tesfay Temnewo.
    An Arab who thinks every jew with qa different opinion is out to get him or his messge is pure paranoia .I RESPECT YOUR HONESTY & I WILL CONTINUE TO RESPECT YOU .I AM NOBODY´S MESSENGER.
    hAWKA

  • dafla March 11, 2013

    “እቲ ኣብ ሚድያ ብተደጋጋሚ ንሰምዖ ኢኻ ደጊምካልና። ኩሉ ግዜ ምዉርራስ ኢኹም ትብሉ እምበር መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ንዓና ብዘይካ ባህሊ ኲናት ካልእ ክተዉርሱና ኣይትደልዩን ኢኹም። ምዉርራስ እንተኾይኑ ሃገር ናይ ምምራሕ ሓላፍነት ክንወርስ ኣለና። ኣብ ቁጠባ ቀለስቲ ክንከዉን ኣለና። ኣብ ኩሉ መዳያዊ ህይወት እዛ ሃገር ክንትኣኩም ኣለና። ንስኻትኩም ግን ነዚ ዝተቐረብኩም ኣይትመስሉን። ክብሎ ዝደለኹ ብምሳሌ ክነግረካ ኣፍቅደለይ። ቀደም ቈልዑ ከለና ዓበይቲ ኣሕዋትና ኣብ ግዜ ሃንሰ መስቀለ ሽግ ሒዞም ሆየ! ሆየ! ክብሉ እንከለው፡ ንሕና’ዉን ነታ ሽግ ሒዝና ሆየ! ሆየ! ክንብል ኣዚና ኢና ንብህግ ኔርና። እቶም ዓበይቲ ኣሕዋትና ግን ኣይህቡናን ነይሮም። ኣብ መወዳእታ ግን እታ ሽግ ነዲዳ ነዲዳ ኣብ ኢዶም በጺሓ ምስ ኣቃጸለቶም ይድርብይዋ። ንሕና ድማ ናይ ምሓዛ ህርፋን ስለዘለና ነታ ዝደርበይዋ ክንሕዛ ንፍትን’ሞ ምስ ኣንደደትና ከኣ ንገድፋ። ስለዚ እዛ ሒዝኩማ ዘለኹም ሽግ ስልጣን ከኣ ፈቲኹም ኮነ ብህይወትኩም ከለኹም ከምዘይተረክቡና ንፈልጥ ኢና። ምስ ኣንደደትኩም ግን ክትህቡና ኢኹም፡ ሽዑ ከኣ ንሕና ኣይክንቅበለኩምን ኢና” በሎ። ነገር ብምሳሌ ዝብልዎ ዘረባ ለባማት ከምዚ እዩ።

    You are right and I was in the seminar.

POST A COMMENT