Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሌላ ምስ ከፊላዊ ምስሊ ሚኒስትሪ ዜና “ህግደፍ” – መበል 12 ክፋል

ሌላ ምስ ከፊላዊ ምስሊ ሚኒስትሪ ዜና "ህግደፍ" መበል 12 ክፋል ዓሊ ዓብዱ፦ ሕቶ ጀበርቲ ንዘይቅበል ጉጅለ ዘገልገለ ተወላዲ ጀበርቲ ድሕሪ ምእዋጅ ወግዓዊ ናጽነት ኤርትራ፤ ኣብ 1994 ናይ ብሄር ሕቶ ብምልዓል ሕቶኦም ናብ ናይ ሽዑ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ዘቕረቡ

ሌላ ምስ ከፊላዊ ምስሊ ሚኒስትሪ ዜና “ህግደፍ”

መበል 12 ክፋል

ዓሊ ዓብዱ፦ ሕቶ ጀበርቲ ንዘይቅበል ጉጅለ ዘገልገለ ተወላዲ ጀበርቲ

ድሕሪ ምእዋጅ ወግዓዊ ናጽነት ኤርትራ፤ ኣብ 1994 ናይ ብሄር ሕቶ ብምልዓል ሕቶኦም ናብ ናይ ሽዑ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ዘቕረቡ ዓበይቲ ዓዲ ጀበርቲ እንታይ ከም ዘጓነፎም ዘይንፈልጥ ወይ ዘይሰማዕና ንህሉ ኢና ዝብል ግምት የብለይን። ስርዓት ኢሳያስ ኣብ ስልጣን ክሳብ ዘሎ ሕቶ ጀበርቲ እንተስ ተቐባልነት ክረክብ እንተስ ክንጸግ ናብ ህዝባዊ መድረኽ ወሪዱ ፍርዲ ህዝቢ ንኽረክብ ዕድል ክወሃቦ ዘይሕሰብ እዩ። ምኽንያቱ እንዳ ኢሳያስ ነተን ዝርካበን “ብሄራት” እናበሉ ዝጽዉዑወን’ኳ ዊን ክብሎም ከሎ “ናይ ቋንቋ ጉጅለታት” ዝብል ስም እዮም ዘጠምቕወን። ሓደ እዋን፤ “ድሕሪ ሕጂ ዝኾነ ኣባል ቋንቋታት እምበር ብሄራት ከይብል ተባሂሉ ኣሎ” ኢላ ሓላፊት ቤተ ሙዚቃ ክፍሊ ሬድዮ ወ/ሮ ዳረት ዮሴፍ ንኣባላት እቲ ክፍሊ መምርሒ ክትህበና እዝከረኒ። እዛ መምርሒት ንከባቢ ክልተ ዓመታት ኣብ ስራሕ ዉዒላ ነይራ።

. . . .ዝኾነ ኾይኑ ነዚ ኣርእስቲ’ዚ ዘልዓልኩሉ ምኽንያት ብዛዕባ ሕቶ ጀበርቲ ንምዝራብ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ! ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ኣፍልጦ ዘይረኸበ “ጀበርቲ”ነትን “ሓማሴን ዝመበቈሉ” ጸቢብ ጉጅለ መሪሕነትን ተቐርቒሩ ብኽቱር ቅልዉላዉ መንነት ካብ ምስቓይ ዝተላዕለ፤ ሓድሽ ናይ ትዉልዲ ከባቢ ክሳብ ምምራጽ ዝበጽሐ ዓሊ ዓብዱ ገለ ንምባል እምበር! እቲ ጉዳይ ከምዚ ዝስዕብ እዩ። ኣብ ዓንሰባ (ሓማሴን) ኣብ ከባቢ ደቂ ሸሓይ ዝተባህለት ዓዲ፤ ንዉለድ ኢና ኢሎም ናይ መሬት ሕቶ ዘልዓሉ’ሞ ብትዉልዶም ግን ናይ ቀረባ ኣዝማድ ዓሊ ዓብዱ ዝኾኑ ሽማግለታት፤ ሕቶኦም ሒዞም ናብቲ ከባቢ ይመላለሱ ነበሩ። ደቀባት ናይቲ ከባቢ ግን እቲ ሕቶ ቅኑዕ ኣይኮነን በሃልቲ ስለዝነበሩ ናብ ሓደ ካብቲ ከባቢ ዝዉለድ ላዕለዋይ ሓላፊ ከይዶም ጠርዑ። እቲ ሓላፊ ኮሎኔል ጋይም ተስፋሚካኤል ዝተባህለ ሓላፊ ክፍሊ ስለያ ወጻኢ ኣብ “ሃገራዊ ድሕነት” ነበረ። እዚ ሰብ እዚ ነቲ ጉዳይ ስርሐይ ኢሉ ክከታተሎ ምስ ጀመረ ብድሕሪ እቶም ሽማግለታት ኢድ ዓሊ ዓብዱ ከም ዝነበረ ኣረጋገጸ’ሞ ነቲ ሕቶ ብህልኽ ኣበርዓኖ።

እዚ ኾይኑ ገለ ሳምንታት ምስ ሓለፈ ሓደ መዓልቲ ሰመረ ዝተባህለ ጋዜጠኛ (ስሙ ብናቱ  ጠለብ ቀይረዮ ኣለኹ) ኣብ እንዳ ሓዘን ናይ ሓደ ቤተሰቡ ከባጽሖ ይሓተኒ’ሞ ምስኡ ናብቲ እንዳ ሓዘን እኸደልኩም። ኣብቲ ዳስ እትዉ ክንብል ከለና ኣጋጣሚ ኮሎኔል ጋይም ተስፋሚካኤል ኣብኡ ይጸንሓና’ሞ ንሰመረ ብኢዱ ምልክት ገበረሉ። ክልቴና ተመራሪሕና ከኣ ናብቲ ንሱ ዝነበሮ ቦታ ኬድና ኮፍ በልና። ሰላምታ ምስ ተለዋወጥና ሰመረን ኮሎነል ጋይምን ኣጸቢቖም ዝፋለጡ ደቂ ሓደ ከባቢ ስለዝነበሩ ኣብቲ ዳስ ሓዘን ኮፍ ኢልና ከለና ናይ በይኖም ዕላል ሒዞም ጉጅም ክብሉ ጀመሩ። ዕላሎም ወዲኦም ድሕሪ ገለ ሰዓታት ካብቲ ዳስ ምስ ወጻእና ኮሎኔል ጋይም ንኽልቴና ተፋንዩና ኣብ መኪናኡ ተሰቒሉ ተዓዝረ። መኪና ኮሎኔል ጋይም ኣርሒቓ ምስ ከደት ነቲ ጫፍ ጫፉ ጥራይ ዝሰማዕክዎ ዕላሎም ብዝያዳ ንምጥላል “ምስ’ዚ ዘመድካ ደኣ እንታይ ኢኹም ትበሃሃሉ ኔርኩም? ኢለ ንሰመረ ምስ ተወከስክዎ ቁሩብ ሰጋእ ድሕሪ ምባል ነቲ ክበሃሃልዎ ዝጸንሑ ብኸፊል ኣዕለለኒ። “ዓምኻ ዓሊ ኣይጠዓየን እንድዩ ክብለኒ ጸኒሑ” በለኒ። ብድሕሪኡ ዝበለኒ ነዊሕ ስለዝኾነ ከሕጽሮ። ብሓጺሩ ዕላማ ናይቲ ዓሊ ብድሕሪት ኮይኑ ብመገዲ እቶም ሽማግለታት ዝደፍኣሉ ዝነበረ ሕቶ፤ ከምቲ ኮሎኔል ጋይም ንሰመረ ዘዕለሎ፤ ኣብ ዓንሰባ መሬት ወሲድካ ወዲ ሓማሴን ምዃን ነበረ።

(ዓሊ ዓብዱ ወዲ ዉቕሮ ማርያም ምዃን ድቃስ እዩ ዝኸልኦ። ዓጋመ ከይበሃል ፈሪሑ ትብሉ ትኾኑ። እንታይዓጋመ እንተተባህለ!? ወላዲኡ ኣቦይ ዓብዱ ዝኾርዑሉን ብዘይሕብእብእ ዝዛረቡሉን ትዉልዲዶ ኣይኮነን!? ደሓር ከኣ ብስደት ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ብዙሓት ዜጋታትና፤ ካብ መንጎኦም ዓጋመኢሉ ዝጻረፍ ሰብ ምስ ዘጋጥሞም እስከ ግደፉና! ዓጋመ ኣበይ ኣለዉ! ንሕናኸ ኣበይ ኣለና!?” እናበሉ ንሓድሕዶም ክገናንሑ ብዙሕ እዋን ኣጋጢሞምኒ እዮም። ሓደ መዓልቲ ኣብ ኤዉሮጳ ዝቕመጥ ሓደ ዓርከይ ከም ዘዕለለኒ እዉን ኣብ ስዊዲን እትቕመጥ ሓንቲ ደጋፊትህግደፍ  ሓደ ናይ ለዉጢ ተቓላሳይ ኣብ መደበር ባቡር ምስ ረኸበቶጽናሕ ኣንታ ዓጋመ!” በለቶንሱ ድማ እናሰሓቐ፤ በየናይ ዕድለይ ክረኽቦኢሉ ምስ መለሰላ እንደገና ተመሊሳ ዕደ ደኣ ረኸብካያ በል!” ብምባል ኣስናና ሓርቀመትሉ። ነቲ ጸርፊ መሲልዋ ዘልገበትሉ ትዉልዲ በል ኣይትረኽባን ኢኻ ከኣበለቶ። ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚታት ከም ኣብነት ዘቕርቦ ዘለኹ ኣብዚ ጉዳይ ማዕረ ክንደይ ናይ ኣተሓሳስባ ለዉጢ ይምዝገብ ከም ዘሎ ኣመት ክህብ ስለዝደለኹ እየ። ዝኾነ ኾይኑ ሰብ ቀደም ጥዑም ዘመን ክናፍቑ ከለዉ፤ ወዲ ዉለዲሞ መለስ በልዮ መለስ ዘመን ክምለስ!” እናበሉ ይለሃዩ ነይሮም ይበሃል። ዓጋመንመለስ ወሊዶም ዘመኖም ተመሊሱሎም እዩ። እታ ብናይ ነቢዪ ስም ዝጽዋዕ ሰይጣን ዝወለደት ሃገርና ድማ ንዓና ንህዝባ ለኪማ ኣብ ጎደና ብርሰት ትመላለስ ኣላ። ነዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ትግራይን ዘሎ ዝተፈላለየ ኩነታት፤ ኣነ ጥራይ ዘይኮንኩ እቶም ብጉዳይ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ነፍስሄር  ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ቅሬታ ከም ዘለዎም ዝገልጹ ፕሮፌሰር ተስፋጽዮን መድሃኔ እዉን ኣብታ ኣብ ወርሒ መስከረም ዝዘርግሕዋን ብዙሕ ዘዛረበትን ጽሑፎም መስኪሮሞ እዮም።)

ናብቲ ኣቐዲመ ዘልዓልኩዎ፤ ዓሊ ዓብዱ ዝፈተኖ ሓድሽ ትዉልዳዊ ቦታ ናይ ምፍሓር ተግባር ክመልሰኩም። መበቈላዊ ናይ ትዉልዲ ቦታኻ ክሒድካ ኣብ ናይ ካልኦት ትዉልዳዊ  ከባቢ ናይ “እዉለድ እየ” ሕቶ ምልዓል፤ ብዘይካ ሕማም ነብሰ ምትሓት ካልእ ክኸዉን ኣይክእልን እዩ። ዓሊ ዓብዱ ጊላ ኢሳያስ ኮይኑ ዝዓበየሉ ማሕበራዊ ከባቢ ግዲ በዲልዎ ኮይኑ ቀዳማይ ሃብቲ ወዲ ሰብ ርእሰ ምትእምማን ምዃኑ ኣይርድኦን እዩ። ከምኡ ዓይነት ሰብ ስለዝኾነ ድማ ካልእስ ይትረፍ ብተወለድቲ ጀበርቲ’ኳ ጽቡቕ ስም የብሉን። ጀበርቲ ብሄር እዩ ዝብል እምነት ዋላ እንተሃለዎ ኣፉ መሊኡ “ጀበርቲ እየ” ከይብል “ብሄር”ነት ጀበርቲ ብወግዒ ኣይተጸንበለን። ምስ ተወለድቲ ጀበርቲ ናይ ስምዒት ምትእስሳር ከይፈጥር ድማ ነቲ “ጀበርቲ ብሄር ኣይኮነን” ዝብል ስርዓት እዩ ወዲ ዉሻጠ ኮይኑ ኣገልጊልዎ። ብኸምዚ ነታ ካብ ተወለድቲ ጀበርቲ ክረኽባ ዝኽእል ዝነበረ ምድንጋጽ እዉን ከሲርዋ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ።

ምዃን እዚ ሰብ እዚ ብብርቱዕ ሕማም ህርፋነ ስልጣን (Megalomania) ተለኺፉ ስልጣኑ ስለዘቐደመ’ዶ ኣይኮነን፤ ብዘይ ዝኾነ ገበን ተኣሲሮም ንዝነበሩ ወላዲኡ’ኳ ከፍትሖም ዘይፈተነ!?። እኳ ደኣ ነታ ብወልመጥመጥ ዝረኸባ ስልጣኑ ክዕቅብ ክብል “ከም ሰቡ” እናበለ ኣብ ልዕሊ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ ኣቦኡ ዘባጨወ ሰብ ምዃኑ ዓለም ብዓለሙ ዝፈልጦ እዩ። ስለዚ ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ዘይስዋእ ባርያ ናይ ስልጣን፤ ብዛዕባ ሕቶ ጀበርቲ ቅጭጭ ክብሎ እዩ ኢልካ ምሕሳብ ኣይከኣልን። ሕጂ ግን ምስ ጉጅለ “ህግደፍ” ሓንሳብን ንሓዋሩን ተባቲኹ ስለዘሎ፤ ርግጸኛ እየ፤ ብሕቶ ጀበርቲ እናተመጻደቐ ተደናገጽቲ ንምኽሳብ ክፍትን እዩ።

(ምሩኽ ኲናት ኢትዮ ኤርትራ ኮይኑ ኣብ ደዴሳ ድሕሪ ምጽናሕ ብመገዲ ኣህጉራዊ ቀይሕ መስቀል ኣብ 2002 ናብ ኤርትራ ምስ ተፋነወ፤ ምስ ኣብ ኢትዮጵያ ዝመደበሮም ተቓወምቲ ዉድባት ኤርትራ ርክብ ነይሩካ ተባሂሉ ኣብቲ ኣቦይ ዓብዱ (ኣቦኡ ንዓሊ) ተኣሲሮምሉ ዝነበሩ ካርሸሊ (ብልምዲ ወንጀል ምርመራ እናተባህለ ዝጽዋዕ ቤት ማእሰርቲ) ተኣሲሩ ዝነበረሞ ኣብዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ተሰዲዱ ዝነብር ሃብቶም ወልደንጉስ ተስፋማርያም ዝተባህለ ዜጋ ኣቦይ ዓብዱ ድሕሪ ማእሰርቶም ብዘጋጠሞም ጥልመት ዉላዶም ማዕረ ክንደይ ይበሳጨዉ ከም ዝነበሩ ዘዕለለኒ ኣሕጺረ ከዉግዓኩም። ሓደ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት እቲ ቤት ማእሰርቲ፤ ኣቦይ ዓብዱ፤ ኣቦና መሓመድ ሱናበራን ኣቦና መሓመድ ኬክያን ዝርከቡዎ ገለ ዉሑዳት ናይ ፖለቲካ እሱራት ብሓንሳብ ጸሓይ እናተጸልዉ የዕልሉ ነበሩሞ፤ ኣቦይ ዓብዱ ካብቶም መተኣስርቶም ዘይረብሕ ኮይኑ እምበር ንስኹምስ ዕሕሕ ዝብል ዉላድ ነይሩኩም!” ዝብል ዘረባ ምስ መጾም ብሕርቃን ከምዚ ኢሎም መለሱሎም፦ ነዚስ ከኣ ዉላድ ኢልኩሞ። እዚ ደኣሞ ዉላድ ከም ዝሰኣንኩ ስሕታን መዓልቲ ዉዒለ ዝወለድኩዎ ርጉም ዉላድ እንደኣሉ! ካብ ዝዉለድ ግን ማይ ኮይኑ ክኸይድ ነይርዎ። ኣምላኽ ነዚ ክርኢ ኢሉኒ ግን….” እናበሉ ሃንደበት ብኽልተ መዓጓጉርቶም ንዝወረደ ንብዓት ኣብ ምሕንሳስ ኣተዉ።……………ሎሚ ድማ እዞም ክልተ ግዜ ተኣሲሮም ድሕሪ ምፍትሖም ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ከይረኣዩ ተኣጊዶም ዝነበሩ ኣቦይ ዓብዱሳልሳይ ግዜ ብዘይ ወዓልዎ ገበን ብሰንኪ እዚ ርጉም ዉላድ ተኣሲሮም ክሰምዕ ከለኹ ኣመና የሕዝነኒ።)

መበል 13 ክፋል ይቕጽል….

ኣማኑኤል ማህደረ

(iamamanuel@yahoo.com)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
40 COMMENTS
  • Meron March 28, 2013

    Thank you Ema for exposing the real being of you. From this disintegrated part, apart from your obsession with Ali Abdu, you have surfaced your inner narrow emotions predominantly based on ethnicity, regionalism, Isseyasophobea, MelesoRomnia (Romanization of Meles) and the Politics of Biher Bihere Sebat.
    Another major things that exposed in this redundant narrations is your poor journalistic approach or your ignorance of basic journalistic approach, which you claim to have degree on it. When you were in the Ministry you were blaming the system for hindering you to exercise your sincere and scientific journalist approach – so who are going to blame now. Bro… Bele tebahle… belabelow…. Gimit… is not journalism. Please try to learn on how to raise a subject and how to substantiate it form some prolific writers in either in some opposition webs if not BBC, AlJAZEERA, NBC, FOX NEWS…

    • Kidane Tesfit March 28, 2013

      Dear Meron I guess you’re a Journalist since you seem to criticize the narrative of the article. can you please enlight us how the basic skills of journalism so we can benefit from it ? Tnx

  • Berhe March 28, 2013

    to the muslim Tigrigna(jeberti)
    “For you information any Jeberti who made a mistake against Jeberti and apologise and want to serve his community and fight for his right we Jeberti are Muslims and we forgive him. If Ali Abdu made a bad mistake or made a bad comment and apologies we have to forgive as it is our Islamic believed and Allah said so.” Interesting!what will happen if any christian made a mistake?I hope it is not a behead.whether you like it or not you are Bhere tigrigna muslim like tigrigna orthodox, tigrigna catholic and other religions.

    • manfree March 29, 2013

      THAT IS YOUR DREAM TO CALL US TIGRIGNA, I CAN NOT BLAME YOU AS YOU DO NOT KNOW YOUR HISTORY AND BACKGROUND AND ACCEPT TO BE CALL TIGRIGNA BY DIA . FOR YOUR INFORMATION TO KNOW YOUR REALLY BEHARE PLEASE LISTEN TO MR TESFAY TEMONO INTERVIEW AT WEGAHATA RADIO OR JEBERTI WEB SIT . I CAN SAY THAT YOU ARE A VICTIME OF DIA AS YOU ACCEPT ANY THING THAT HAS BEEN SAID BY HGDEF AND TRY TO APPLY IT IN YOUSELF , YOURFAMILY AND OTHER ERITREAN COMMUNITY . PLEASE GROWUP YOU ARE LIVING IN THE CIVILASE SOCIATY WHICH IN WEST AND TRY TO COPY THE GOOD THING OF THEIRS. THAT IS ENOUGH FOR NOW BUT IF YOU WANT TO KNOW THE HISTORY OF JEBERTI , YOU CAN GOOGLE THANKS FOR TECHNOLOGY ATLEAST YOU CAN OPEN YOU MIND THAT IS BLOCK BY HGDEF AND DIA PROPAGANDA
      MUSILM JEBERTI, JEBERTI FOREVER

      • warsai March 30, 2013

        Mr. Manfree,
        You dont have to waste your time to know the history of GEBERTI. Gebertis ( tax payers ) in tigrnya language came to present day Eritrean Highlands when Atsie (emperor) Yohannes of Tigrai chased them out of Tigrai when they failed to fight against the Islamist sudanese (mahdist) army in 1895. Those of them who escaped the execution got asylum in kebesa. And until Shaebia came to power in Eritrea, Gebertis have never owned a land in the villages but they were traders and tailors. Gebertis are opportunist muslims panic with identity complex syndrome.
        SEMAY ANDI YEBLUN GEBERTI ADI YEBLUN!!
        MIND YOU!! IT’S GEBERTI , NOT Jeber

        • Haighet April 1, 2013

          To you M. Warsai the grand son of Atsie Yohannes, the word is Geberti but the real meaning is Jeberti in Arabic. The literal meaning of Jeberti is those who mend or fix things that are broken. If you are not educated go learn history, the Jeberti tribes are all over the Middle East and East Africa. So, if Jeberti means something in other areas it should not be translated different in Eritrea. Ammanuel Mahdere lost his credibility just because he tried to distort facts.

          • warsai April 17, 2013

            MR. SAM,
            I WISH IF EMPEROR YOHANNES OF ETHIOPIA WAS MY GRAND FATHER. YOU KNOW WHY? BECAUSE HE MADE HISTORY,HE SHAPED THE MAP OF THE EAST AFRICA AND AT LEAST HE DEPORTED YOUR GRAND FATHER, THE COCKROACH GEBERTI (TAX PAYERS) OUT OF HIS SIGHT.
            MR TAX PAYER( MINI GEBERTI), WHEN YOUR GRANDPA CAME TO KEBESA, HE COULD NOT OWN A LAND , HENCE HE WAS USING THE LAND IN A DEAL THAT ALLOWS HIM TO PAY 2/3 OF HIS YIELD TO HIS MASTER(THE NATIVE). THUS HE WAS LIVING BY PAYING TAX AND HENCE GEBERTI( KEFALI GBRI). SO SINCE YOUR PARENTS CAME TO TIGRINYA LAND, A NAME WILL BEGIVEN TO THEM IN TIGRINYA.
            IT’S FUNNY THAT GEBERTIS TRY TO ASSOCIATE THEIR ORIGINS TO MIDDLE EAST,,,,
            I’M SURE,AFTER SOME YEARS, GEBERTIS IN AUSTRALIA WILL CLAIM TO BE THE REAL ABORGINES OF AUSTRALIA AND THOSE IN USA WILL CLAIM TO BE THE RED INDIANS OF AMERICA!!
            NEED TREATMENT FOR YOUR IDENTITY COMPLEX SYNDROME? WRITE ME!

      • warsai March 31, 2013

        mr. webmaster
        I DONT KNOW WHY U ARE DELETING MY COMMENT. WHEN MANFREE GEBERTI IS TELLING US (TIGRINYAS) THAT WE DONT KNOW OUR HISTORY, YOU POSTED IT. AND U DELETED MY VERSION OF HISTORY OF GEBERTIS, AS IT STARTS FROM THE TIME OF EMPEROR YOHHANES. I HOPE YOU DONT SELL YOUR PROFESSION FOR A PENNY CONTRIBUTED TO U FROM UN RIGHTOUS GEBERTI, AS IT WILL EVENTUALLY LEAD YOU TO A DEATH ROW WHERE YOUR CURRENT SPONSOR GEBERTI WILL BE THE ONE TO BEHEAD YOU! LONG LIVE ERITREA AND ITS 9 ETHNIC GROUPS!

      • Morroso April 9, 2013

        Manfree:
        I grow up with jebertes in Asmara most of my friends were muslim jeberti I have never seen jebeti in mead even one N’chena I use to ask where are my friends? One of my friend told him named all of them in Saudi Arabia,Egypt, USA,Europe wa gedli dea n men gedifomo and been told they are from ethiopia and fled from yohans hm ile 1982 my friend from Saho trybe came to sudan and he promise me to send visa from saudi arabiya for me 1983 4month after we met he send visa for me I never forget what he did for me,Omer took me to our old friends from Asmara (jebeti) the invite for coffee and told me we will meet and never try to meet of help in anyway they can.yigerim iyu then i new those are muslims jebert couz i know muslims they help example all Saho,tigre helped me, had a job and lived in Jeddha for 9years helping ppl then one of my friends in prison it who is jeberti who happen to be one the friends didn’t have time for me but I help it him to get our of prison finally i believed ab med dibeluni Eritrawian aykonu even now abzi zelekuwo adi kla gdefana ilom ayikafelun iyom. good day

  • negaseh mohamed March 30, 2013

    hiiiii

  • negaseh mohamed March 30, 2013

    ሰላም.ሓበሬታኹም ኣገዳሲ ሲለ ዝኾነ ቀፅሉዎ ok

  • SAM April 1, 2013

    Ammanuel, you are so wrong on the issue of Jeberti, it is amazing to hear you say that Jeberti is not officially recognized by the people. Regardless of what guys like you think, Jeberti is here to stay whether you approve it or not. Tell me, in your genius thinking, have you ever heard the identity of any society is brought to public whether to be accepted or rejected. I don’t think you brought this issue to defame Ali Abdu, to me it seems you have a doubt whether Jebertis are Eritreans or not. We don’t need someone to give us a name nor to approve for us that we are Eritreans.

  • adiam April 10, 2013

    difference difference difference humilation humilation humilation that is wat we blacks good at n wil leave the poor mother earth we our poor immortality hmmmmmmmmm

  • Aaron M. May 21, 2013

    AyTefakan’do?

  • Pleroma Rightousness September 3, 2013

    Kab Bahali’u Degami’u Emma Slemntai Nab Hanatzi Hagerawi Kibrtat Zeyteqlb! Kemzi Zbelkayo Eti Ab bzuhat SEbesiltan PFDJ zdegesse Rekik Thtehagerawi Hmam Flsfna Sahl Iyfewesson …… Emma Hadsh Approach Tezebye….. Anyway Izye Yednqeka….

Post a Reply to yonas kidane Cancel Reply