Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሌላ ምስ ከፊላዊ ምስሊ ሚኒስትሪ ዜና “ህግደፍ” መበል 13 ክፋል

ሌላ ምስ ከፊላዊ ምስሊ ሚኒስትሪ ዜና "ህግደፍ" መበል 13 ክፋል ወኪላት ዜና ዞባታትን ናይ ስራሕ ብድሆታቶምን ኣብ ዞባታት ሃገርና ኩለን ሚኒስትሪታት ብደረጃ ጨናፍር ክዉከላ እንከለዋ ሚኒስትሪ ዜና ግን ብደረጃ ሓደ ንኡስ ኣሃዱ እዩ ዝውከል። ኣብያተ ጽሕፈት ናይተን

ሌላ ምስ ከፊላዊ ምስሊ ሚኒስትሪ ዜና “ህግደፍ” መበል 13 ክፋል

ወኪላት ዜና ዞባታትን ናይ ስራሕ ብድሆታቶምን

ኣብ ዞባታት ሃገርና ኩለን ሚኒስትሪታት ብደረጃ ጨናፍር ክዉከላ እንከለዋ ሚኒስትሪ ዜና ግን ብደረጃ ሓደ ንኡስ ኣሃዱ እዩ ዝውከል። ኣብያተ ጽሕፈት ናይተን ኣሃዱታት ኣብ ዋና ከተማታት ናይተን ዞባታት ዝቐዉም ኮይኑ ከከም ብዝሒ ኣባላት እናተራእየ ድማ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ዝምደቡ ወኪላት ዜና ነይሮምን ኣለዉን። ብፍላይ ከኣ ሚኒስትሪ ዜና ካብ መዓስከር ሳዋ ብዝምደቡ ኣባላት እናዘቕበበ ምስ ከደ ንገለ ካብኦም መባእታዊ ናይ ጋዜጠኛነትን ኣጠቓቕማ ካሜራን ስልጠና ብምሃብ ኣብ ነፍስ ወከፍ ንኡስ ዞባ ሓደ ወኪል ዜና ናይ ምምዳብ ስራሕ ተጀሚሩ ነይሩ፥ ዋላ’ኳ መሊኡ ዝተተግበረ መደብ እንተዘይኮነ።

ኣብ ዞባታት ከም ወኪላት ዜና ኮይኖም ዝሰርሑ ጋዜጠኛታት ካብ ሚኒስትሪ ዜና ብዘይካ ፒሮን ወረቓቕትን (ንሱ’ውን ኣብ ኢድ 09 ስለ ዝኾነ ኣብ ዝተደልየሉ ግዜ ኣይርከብን እዩ) ዝኾነ ካልእ ዝወሃቦም ነገር ስለዘየለ ናይ መሳርሒታት (ደረቕን ተንቀሳቓስን ኣሳእል ዝስእላ ካሜራታት፤ ኮምፕዩተራትን ፕሪንተራትን) ከምኡ’ዉን ናይ መጓዓዝያ ጠለባቶም በቲ ተመዲቦም ዝሰርሑሉ ምምሕዳር ዞባ እዩ ዝማላእ። በዚ ምኽንያት ንቃላት ኣመሓደርቲ እናጸባበቑ ካብ ምምጓስ ሓሊፎም ንድሌት ህዝቢ ኣብ ግምት ዘእቱ ዜናዊ ጸብጻብ ከቃልሑ ዘይሕሰብ እዩ።

ኣብዘን ዝሓለፋ ቀረባ ዓመታት ሚኒስትሪ ዜና ኣብ ምዕዳግ ሓደስቲ ዜናዊ መሳለጥያታት ገዚፍ ወፍሪ እኳ እንተገበረ ነቶም ኣብ ዞባታት ዝርከቡ ናይ ዜና ወኪላቱ ግን ንመተባብዒ ይኹን ንመዐደጊ ንብረትን መካየዲ ስራሕን ሳንቲም’ውን ትኹን ወጻኢ ገይሩሎም ኣይፈልጥን። ኣብ ርእሲ’ዚ ዝበዝሑ ካብቶም ወኪላት ዜና ብስም “ሃገራዊ ኣገልግሎት” ካብ ወርሒ ናብ ወርሒ ብዘየሰጋግር ደሞዝ እናሰርሑ ብዘይ ዝኾነ ራእዪ ክነብሩ ዝተፈርዱ እዮም። ስለዚ ድማ መዓልታዊ ስርሖም ንምስልሳል፤ ኣብ ፍጹም ምሕረትን ድንጋጸን ሓለፍቲ ምምሕዳር ናይተን ዝሰርሑለን ዞባታት ክወድቁ ይግደዱ። እቲ ሓቂ ንሱ ስለዝኾነ ድማ ነቶም ኣብ ስርሖም መሻርኽቲ ዝኾንዎም ሓለፍቲ ምምሕዳር ብዜና ክነቕፉዎም ኣይክእሉን። እኳ ደኣ ብኣንጻሩ ነቶም ኣብ ዞባታት ዝረኣዩ ዓበይቲ ናይ ጥፍኣትን ዕንወትን ተግባራት ብምሽፋን ነቶም ዝርካቦም ንኣሽቱ ምዕባለታት ጥራይ እናቃልሑ፤ ነቲ ልቡ ሸፊቱ ዘሎ ህዝቢ ከም ዘደዓዕስዎ ይግበር።

ክበሃል ዝወዓለ ገዲፍካ ክበሃል ዘይወዓለ ቃላት እናሰናዕካ ዜናታት ምድላዉ እዉን እቲ ካልእ ወኪላት ዜና ዞባታት ተገዲዶም ዝሰርሕዎ ስራሕ እዩ። ንኣብነት ዓቕሚ ምሕደራ ዘይብሎም ገለ ኣመሓደርቲ ምስቲ ብግቡእ ከመሓድርዎ ዘይከኣሉ ህዝቢ ኣኼባ ኣብ ዘካይዱሉ እዋን፤ ዋላ እኳ ድኽመታቶም ንምሽፋን ነቲ ምስኪን ህዝቢ ጸርፊን ዘለፋን እንተኣዝነቡሉ፤ ዉዕሎ ናይቲ ኣኼባ ግን ብዘይበልዎ ቃላት ተመላኺዑ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ክቐርብ ይስማዕ። ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፈ ህዝቢ እዉን ትሕዝቶን መንፈስን ናይቲ ኣኼባ ፍጹም ተቐዪሩ ኣብ ዜና ክቐርብ ምስ ሰምዖ፣ “ኣየ ጋዜጠኛታት ሃገርና! መቸም ነዚ መንግስቲ ህይወት ሰዂዕኩምሉ ዘለኹም ንስኻትኩም ጥራሕ ኢኹም!” እናበለ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ከባጩ ይረአ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፤ ሚኒስትሪ ዜና፤ ነቐፌታ ከም ዘቃልሕን ትርግታ ልቢ ህዝቢ ከም ዝሰምዕን ንምምሳል ዘተኣታተዎ፤ ንታሕተዎት ሓለፍቲ ናይ ምንቃፍ ምስሉይ ተግባር፤ ነቶም ወኪላት ዜና ኣብ መዋጥር ከም ዝኣትዉ ይገብሮም። ንኣብነት ብዛዕባ ሓደ ነቐፌታ ዘድልዮ ጉዳይ ዝተማልአ ጭብጢን ሓበሬታን ንምርካብ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ክዘራረቡ ኣብ ዝፍትኑሉ እዋን፤ እቲ ጉዳይ ብኣፍልጦን ሓላፍነትን ናይቶም “ዘይንቀፉ” ዝበሃሉ ኣካላት ዝተፈጸመ እንተደኣ ኮይኑ፤ ኣጻርዮም ሓበሬታ መታን ከይረኽቡ ዝተፈላለየ መሰናኽላት የጋጥሞም ወይ መጠንቀቕታ ይወሃቦም። ፈሪሖም ኣእዳዎም እንተኣጣመሩ ድማ “ከዳሚ ኣመሓዳሪ ዞባ ኢኻ!”፤ “ኣበል ስለ ዝኸፍለካ ክትነቕፎ ኣይደለኻን!” እናተባህሉ ብዓሊ ዓብዱ ናይ ዘለፋ መዓት ይወርዶም። ኣብ ጸሊም መዝገብ ሰፊሮም ከኣ ሓደ መዓልቲ ኣሰር እቶም ህጣሞም ዝጠፍአ ንጹሃን ጋዜጠኛታት ከም ዝስዕቡ ናይ መጠንቀቕታ ብጫ መብራህቲ ይውለዓሎም።

ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ፤ ኣመሓደርቲ ዞባታት ነተን ኣብ ትሕቲ ክሊ ስልጣኖም ኮይነን ብናይ ገዛእ ርእሶም ምወላ ዝሰርሓ ኣሃዱታት ሚኒስትሪ ዜናን ኣባላተንን፤ ከም ድላዮም እናኣዘዙ ባህ ዝበሎም ዜናታት ከስርሑ እዮም ሃጸፍጸፍ ዝብሉ። ድሌታቶም ምስ ዘይፍጸም ወይ ከኣ ብኣንጻሩ ንምሕደራኦም ዝነቅፍ ዜና ምስ ዝቃላሕ ክሳብ ነተን ኣሃዱታት ምዕጻዉ ዝበጽሑሉ ኩነታት እዩ ዝፍጠር። ንኣብነት ሓደ እዋን እቶም ኣብ ንጥፈታት ዞባዊ ኣሃዱታት ሚኒስትሪ ዜና ብዙሕ ወጻኢታት ብምግባር ዝፍለጡ ኣቶ ካሕሳይ ገብረሂወትን ኣቶ ሙስጠፋ ኑርሑሴንን ምስ ኣቶ ዓሊ ዓብዱ ኣብ ከቢድ ምፍጣጥ ኣትዮም ነይሮም። እቲ ምኽንያት፤ እዞም ክልተ ኣመሓደርቲ ነተን ኣብ ዞባታቶም ዝርከባ ኣብያተ ጽሕፈት ኣገልግሎት ዜና ብዙሕ ወጻኢታት ገይሮምለን ክነሶም ኣብ ኣገልግሎቶም ስለ ዘይውዓላን ገለ ጋዜጠኛታት ብዝተዋህቦም መምርሒ መሰረት ስለ ዝነቐፉን እዩ። ኣብ መወዳእታ ግን እቶም ተቐርቂሮም ዝሰርሑ ጋዜጠኛታት እዮም ግዳይ ኮይኖም። ብኡ ንብኡ ከኣ ንማሕበራዊ ህይወቶም ዘመዛበለ ቅልጡፍ ምቅይያራትን ማእሰርትን ኣጋጢሙ። ጋዜጠኛታት ሓምድን ኣሕመድ ምርካብን ንትእዛዝ ዓሊ ዓብዱ ስለ ዘየኽበሩ፤ ጋዜጠኛ ዓብዱ መሓመድ ዓንዱ ንሓደስቲ ህንጻታት ከተማ ከረን ዝምልከት ነቐፌታ ስለ ዝጸሓፈ፤ ጋዜጠኛ ኣቡበከር ዓብዱልኣወል ድማ ንምዕጻው ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ዞባ ጋሽ ባርካ ኣብ ናይ ስራሕ መዓልታት ስለ ዝነቐፈ ቅልጡፍ ምቅይያራት ተገብረሎም።

ምስዚ ኣቐዲመ ዝጠቐስኩዎ ዝተኣሳሰር ካልእ ኣብነት ክጠቅስ። እዋኑ 2008 ኮይኑ ዓሊ ዓፈር ዝተባህለ ኣባል ሚኒስትሪ ዜና፤ ሓላፊ ኣሃዱ ኣገልግሎት ዜና ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ዝነበረሉ ግዜ እዩ። ኣብ መወዳእታ ወርሒ ግንቦት ናይቲ ዓመት ኣብ ከተማ ዓሰብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ዜና ንሰለስተ ኣዋርሕ መመላእታ ክዕጾ እንከሎ፤ እቲ ጠንቂ ኣብ መንጎ ዓሊ ዓብዱን ኣመሓዳሪት ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ዝነበረት ወ/ሮ ጽጌረዳ ወልደገርግስን ዝተፈጥረ ናይ “መን ናብ ኣያ ኢሳያስ ቀረበ” ምፍጣጥን ዉድድርን እዩ ዝነበረ። ብሰንኪ ምዕጻዉ ናይቲ ቤት ጽሕፈት ንሰለስተ ኣዋርሕ ፍጻመታት ናይቲ ዞባ ኣይተቓልሐን። ኣብዚኣ ክንፈልጣ ዘለና፤ ዓሊ ዓብዱ ንሱ ንዝጸልኦ ሓላፊ (ዋላ እቲ ጽልኢ ውልቃዊ ይኹን) ክትጸልእ፤ ንሱ ንዝቐርቦ ሓላፊ ድማ ክትውድስ ከይሓፈረ እዩ ዝእዝዘካ።

ካልእ ኣብነት ክዉስኸኩም። ጋዜጠኛን ደራሲን ሚኪኤል በርሀ ፍሪላንስ ኣዳላዊ ናይታ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ዝተቛረጸት “ኣጋር ጋዜጠኛ” እትብል ዓምዲ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፤ ፖሊሲ ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ ሓደገኛ ሳዕቤን የምጽእ ምህላውን እተን ነቲ መደብ ዝቃወማኦ ብሄራት ድማ ስምዕታአን የቕርባ ምህላወንን ንገለ ደቂ ብሄረ ብሊን (ኣደ መንበር ስማዊ ባይቶ ዞባ ዓንሰባ እትርከቦም) ኣዘራሪቡ ሓቐኛ ነቐፌታ ምስ ኣቕረበ ብድሕሪኡ ጽሑፋት ሚኪኤል በርሀ ኣብ ሓዳስ ኤርትራ ኣይተራእዩን። ዓምዲ “ኣጋር ጋዜጠኛ” እዉን ብኡ ኣቢላ ጠፊኣ። ሚኪኤል በርሀ ዝጸሓፎ ዓንቀጽ ንፖሊሲ “ህግደፍ” ዝዳፈር እኳ እንተነበረ ምስ ዓሊ ዓብዱ ድልዱል ዕርክነት ስለ ዝነበሮ ግና ንሱ ዋልታ ኮይንዎ ዕጫ እቶም ደሃይ ዘይብሎም ጋዜጠኛታት ኣየጋጠሞን።

ሚኒስትሪ ዜና ነቶም ኣብ ዞባታት ዝርከቡ ወኪላት ዜና ነቐፌታዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ዜናታት ከዳልዉ መምርሒ ዘመሓላልፈሎም እኳ እንተኾነ ዒላማ እቲ ዝጸሓፍ ነቐፌታ ግን ታሕተዎት ሓለፍቲ ክኾኑ ከም ዘለዎም እዩ እቲ መምርሒ ዘተሓሳስብ። እዚ መምርሒ’ዚ ብላዕለዎት ካድራት “ህግደፍ” ብዓቢኡ ድማ ብ”ፕረዚደንት” ዝተሓንጸጸ ኮይኑ ንላዕለዎት ሓለፍቲ እንተላይ ንኢሳያስ ካብ ተሓታትነት ንምንጻህ ዝተማህዘ ብልሓት እዩ። ነዚ ሜላ እዚ ዘብርሁ ኣብነታት ክጠቅስ፦

ንኣብነት ኣብ ዝኾነ ዞባ ወይ ንኡስ ዞባ ኣብ ነፍስ ወከፍ ሓድሽ ዓመተ ትምህርቲ፤ ኣብያተ ትምህርቲ ንቡር ስርሐን ኣብ ምጅማር እንተደንጉየን ወይ ድማ መማህራን ኣብ ግዜኦም ከይመጹ እንተኣብኲሮም ነዚ ዝምልከት ነቐፌታ ከም ዝጸሓፍ ይግበር። እቲ ነቐፌታ ብመልክዕ ዜና ተዳልዩ ናብ ህዝቢ ምስ ተፈነወ እቲ ነቐፌታ ዝወርዶም ሓለፍቲ፤ ብዓቢኡ ፖሊሲ ትምህርትን ብደረጃ ሃገር ዘሎ ኣተሓሕዛ መምህራንን ክንቀፍ ዝግብኦ እንከሎ ኢድ ሚኒስትሪ ዜና ግን ናብኣቶም ጥራይ ዘወጣዉጥ ምዃኑ እናገረሞም፤ “ሓቀኛ እንተዀንካ ደኣ ንኹሉ እቲ ስርዓት ዘይትነቅፍ!” እናበሉ ምስ ጋዜጠኛታት ኣብ ግጭት ክኣትዉ ይረኣዩ። ንኣብነት ኣብ ድምጺ ሓፋሽ “ዝረኣናዮን ዝሰማዕናዮን” ዘርእስቱ ሰሙናዊ መደብ ዘቕርብ ጋዜጠኛ ገብረመስቀል ገረዝግሄር ሓደ እዋን ናብ ዞባ ጋሽ ባርካ ተጓዒዙ ንኣሰራርሓ ጨንፈር  ትምህርቲ ዞባ ጋሽ ባርካ ዝነቅፍ መደብ ኣዳልዩ ምስ ፈነወ፤ በቲ ኣብቲ እዋን ተጸዋዒ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ጋሽ ባርካ ዝነበረ ሓላፊ ተመሳሳሊ መልሲ እዩ ተዋሂብዎ። ገብረመስቀል ግን እቲ ሓላፊ ንዝሰንደወሉ ቃላት ኣየቃልሖን። ንመምሃራንን ሓለፍቲ ትምህርትን ናይቲ ዞባ ጥራይ እዩ ተሳሂልዎም።

ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ዓይነት ምስሉይ ነቐፌታ ምቅላሕ፤ ዝበዝሕ ግዜ ንዓሊ ዓብዱ ዘሐጉስ እኳ እንተኾነ ኣብ ገለ እዋናት ግና መከላኸሊ ዘይርከቦ ሓደጋ ዘስዕብ ክኸዉን ይኽእል እዩ። ንኣብነት ዝኾነ ኣብ ዞባታት ተመዲቡ ዝሰርሕ ጋዜጠኛ ብታሕተዎት ሓለፍቲ ክፍጸም ንዝረኣዮ ጸይቂን ብልሽዉናን ብዜና ንምቅላዕ ኣብ ዝብገሰሉ እዋን፤ ነቶም ምስ ኣመሓደርቲ ዞባታት፡ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ስራዊትን ሚኒስተራትን፤ ዝምድናን ዕርክነትን ዘለዎም ታሕተዎት ሓለፍቲ ምስ ዝትንክፎም ዘጋጥምዎ ሓደጋታት ቀለልቲ ኣይኮኑን። ብውሑዱ ብድሕሪኡ ፒሮ ኣልዒሉ ከም ዘይጽሕፉ እዩ ዝኸዉን። ካብኡ ዝገደደ ድማ ብቀጥታ ናብ ቤት ጽሕፈት ዓሊ ዓብዱ ተደዊሉ እቲ ጋዜጠኛ ትሕተ-ሃገራዊ ስምዒት ከም ዘለዎን ብዙሕ ጌጋታት ከም ዝፍጽምን፤ ንጉድለታት እምበር ንለውጢ ዝርኢ ኣዒንቲ ከም ዘይተዓደለ ዝገልጽ ናይ ቃልን ጽሑፍን ጸብጻባት ኣንጻሩ ይመሓላለፍ።

እቶም ኣያ ዘይብሎም ኮይኖም ብዝፈጸምዎ ጌጋ ዝንቀፉ ታሕተዎት ሓለፍቲ እዉን ካብቲ ንሳቶም ዝፍጽምዎ በደል ዝዓቢ ገበን ዘለዎም ላዕለዎት ሓለፍቲ እናሃለው ናታቶም ጥራይ ምቅልሑ ኣመና ስለ ዘሕርቖም ነቲ ዝነቐፎም ጋዜጠኛ ብዓቕሞም ከፈራርሕዎ ይፍትኑ። ካብኡ ሓሊፎም እዉን ነቲ ጋዜጠኛ ንምጥቃዕ ኣብ ኣኼባታት፤ እቲ ዝተቓልሐ ነቐፌታ፤ ፕሮፖጋንዳ ጸላእቲ (ማለት ናይ ሲ.ኣይ.ኤ.ን ወያነን ፕሮፖጋንዳ)  ከም ዝኾነ፤ እቲ ጋዜጠኛ ድማ መሳርሒ ጸላእቲ ከም ዝኾነ ኣምሲሎም የጸልምዎ። እቲ ብዝተዋህቦ መምርሒ መሰረት ነቐፌታ ዝጸሓፈ ሚስኪናይ ጋዜጠኛ ከኣ ጸግዒ ዘይብሉ ይተርፍ። ክሳብ ብህይወት ዝድለየሉ ኩነታት እዉን ከጓንፎ ይኽእል። ኮሎኔላት ሽጉጥ ሒዞም ዝደልዩዎም ጋዜጠኛታት ነይሮም እዮም። እዚ ኹሉ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት እናተፈጸመ ግን እቲ ብናይ ባዕሉ መምርሒ ኣብ ሓደጋ ዘእተዎም ዓሊ ዓብዱ ተጣቢቑሎም ኣይፈልጥን።

ኣብ ዞባታት ተዋፊሮም ዝሰርሑ ጋዜጠኛታት እምበኣር ከምዚ ዓይነት ሓደጋታት ስለዘጋጥሞም፤ ክንቀፍ ንዝግብኦ ናይ ምጥፍፋእን ብልሽውናን ተግባራት ርእዮም ከም ዘይረኣዩ ክሓልፍዎ ይግደዱ። ሕልናኻ ኳሕኲሑካ ወይ ጥርዓናት ህዝቢ በዚሑ ኢልካ  ነቐፌታ ምጽሓፍ (እቲ ነቐፌታ ንታሕተዎት ወይ ኣያ ንዘይብሎም ሓለፍቲ ጥራይ ተሓታቲ ዝገብር እንተዘይኮይኑ) ክሳብ ማእሰርቲ ዘብጽሕ ሳዕቤን ከም ዘለዎ ብዙሕ እዋናት ብግብሪ ተራእዩ እዩ።

እቲ ብሃገራዊ ቋንቋታት ጥራይ ከም ዝቃላሕ ዝግበር ነቐፌታዊ ዜናታት ዝትንክፎም ኣመሓደርቲ፤ ኣዘዝቲ ወይ ሚኒስተራት ነቲ ምስ ጭብጥታቱ ኣብ ዜና ዝቐርብ ጉድለታቶም ንምእራም ኣይጽዕሩን እዮም። ብኣንጻሩ ብኣካል ናብ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ዜና ብምኻድ ነቲ ዝተቓልሐ ዜና ክቋረጽ ወይ ከይድገም ይእዝዙ። ኣብዚኣ ክንዝንግዓ ዘይብልና፤ ብመሰረቱ ዕላማ ናይቲ ዝቃላሕ ነቐፌታዊ ዜና፤ ምእራም ዘይኮነ “ትካላት መንግስቲ እዉን ይንቀፋ እየን” ዝብል ተዋስኦ ንምስራሕ እዩ። እቶም ተነቒፍና ኢሎም ዘንጸርጽሩ ላዕለዎት ሓለፍቲ ግን ንተልእኾ ናይቲ ተዋስኦ ብግቡእ ዝርድእዎ ኣይመስሉን እዮም። ዝኾነ ኾይኑ ሓሓሊፉ ነቐፌታዊ ዜናታት ምስ ዝቃላሕ ላዕለዎት ሓለፍቲ ዘንጸባርቕዎ ዜሮ ተጻዋርነት ንምብራህ ክልተ ኣብነታት ክጠቅስ፦

ሓደ ግዜ ንኣሰራርሓ ሆስፒታል ሓሊበት ዝምልከት ነቐፌታ ኣብ ማዕከናት ዜና ምስ ቀረበ፤ ሚኒስተር ጥዕና ዝነበረ ነፍስሄር ኣቶ ሳልሕ መኪ ከም መልሰ ግብሪ ናይቲ ዝተቓልሐ ዜና፤ ናብ ኩለን ዞባታትን ትካላት ጥዕናን ዘዋሪ መልእኽቲ ብምስዳድ ብዛዕባ ኣገልግሎት ጥዕና ዝምልከት ዝኾነ ይኹን ሓበሬታ ንጋዜጠኛታት ሚኒስትሪ ዜና ከይወሃብ ኣዘዘ። ነፍስሄር ሳልሕ መኪ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ሚኒስትሪ ዜና ዘንበሮ ኢደ ወነናዊ እገዳ ክሳብ ዝለዓል ከኣ ኣብ መንጎኡን ዓሊ ዓብዱን ነዊሕ ዝገበረ ምፍጣጥን ምትህልላኽን ተራእየ።

ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ማለት ኣብ ክራማት 2009 ድማ ትራክተራት ካብ ኢድ ሚኒስትሪ ሕርሻን ውልቀ ሓረስቶትን ወጺአን ኣብ ትሕቲ ማእከል መንግስታዊ ጋራጃት ክጥርነፋ ዝተመሓላለፈ ትእዛዝ ተግባራዊ ክኸዉን ምስ ጀመረ፤ ህዝቢ ስክፍታኡ እናገለጸ ሓረስቶት ድማ እናተቓወሙ ሰማዒ እዝኒ ኣይረኸቡን። ኣብቲ ወቕቲ እቲ ሕርሻ ተሰናኺሉ መሬት ከይተሓርሰ ከሪሙ። ኣብቲ ግዜ’ቲ ብመን ከም ዝተጻሓፈት ዘይዝክራ ሓንቲ ንጥርዓን ህዝቢ ዞባ ጋሽ ባርካ ዝሓዘት ዜና ምስ ተቓልሐት ላዕለዋይ ሓላፊ መንግስታዊ ጋራጃት ኮሎኔል ወልዱ ባርያ፤ ኣብቲ ዝበዝሕ ኣባል ሚኒስትሪ ዜና ንምሳሕ ነናብ ገዝኡ ዝተፈደሰሉ ሰዓት፤ መኪናኡ ኣልዒሉ ናብ ፎርቶ ብምኻድ ኣብኡ ንዝጸንሖ ዋና ዳይሬክተር ኤሪ ቲቪ ኣቶ ኣስመላሽ ኣብርሃ ከም ቈልዓ ኣጉባዕብዓሉ። ኣቶ ኣስመላሽ  ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ብዝወርዶ መፈራርሂ ዝንቅጥቀጥን መእተዊኡ ዝጠፍኦን ሰብ ብምዃኑ ንቃላት ወልዱ ባርያ ጎሲሙ ትእዛዙ ካብ ምኽባር ወጻኢ ካልእ ኣማራጺ ኣይነበሮን። ነቲ ዘጋጠሞ ንዓሊ ዓብዱ እንተነገሮ እዉን ዘምጽኦ ለዉጢ ኣይነበረን። እታ ዜና ግና ሓንሳብ ምስ ተቓልሐት ከይተደግመት ብኡ ኣቢላ ሃጠመት።

ሓላፊ ኩባንያ ህንጻ ሰገን ኣቶ ተስፋይ ጎይትኦም፤ ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ዝነበረ ኣቶ ሙስጠፋ ኑርሑሴን፤ ሚኒስተር ትምህርቲ ኣቶ ሰመረ ርእሶምን ካልኦትን ገለ ካብቶም ትካላቶም ብሚድያ ኣብ ዝንቀፈሉ ግዜ (ዋላ እዉን እቲ ነቐፌታ ነቶም ኣብ ትሕቲኦም ዝሰርሑ ሓለፍቲ ዝምልከት እንተኾነ) ንጋዜጠኛታት ኣብ ምፍርራሕ ዘይቅደሙ ሓለፍቲ እዮም።

እቲ ዓሊ ዓብዱ ብትእዛዝ ኣያኡ ዘተኣታተዎ ንታሕተዎት ሓለፍቲ ብሚድያ ናይ ምንቃፍ ተግባር፤ ነቲ ብህዝቢ ተኣማንነት ዝሰኣነ መራኸቢ ብዙሃን “ህግደፍ” ንምብርባር ተባሂሉ ዝተጀመረ መደብ እዩ። ነቲ ኣብ ዘመነ ገድሊ ነይሩ ዝበሃል ባህሊ “ነቐፌታን ነፍሰ ነቐፌታን” ዘሐደሰ ስለ ዝመሰለ ድማ ንሓያለ ሰባት ኣገሪሁ እዩ። ብኡ ምኽንያት ብዙሓት ዜጋታት ኣብ ከባቢኦም ብዝተፈላለዩ ኣመሓደርቲ፤ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ሓለፍቲ ጸጥታን ንዝፍጸም ናይ ብልሽውናን ምጥፍፋእን ተግባራት ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ንኽቀርብ ምስ ጭብጥታቱ ናብ ጋዜጠኛታት ሒዞሞ ይመጽኡ። ንጉዳይ መሬት፤ ዕደላ ነዳዲ፤ ምህጋር ንብረት፤ ምሕዳስ ፍቓድ ንግድን ምኽፋል ግብርን፤ ማእሰርቲን ምፍርራህን፤ ምምዳብ መማህራን፤ ወገናውነትን ረብሓን ዝመንቀሊኡ ኣድልዎ፡ ምዝመዛ ወነንቲ ህዝባዊ መጓዓዝያን ልምሰት ኣብያተ ጽሕፈት ሚኒስትሪ መጓዓዝያን፤ ቅጥፈት መራሕቲ መካይን ሓራትን ሓለፍቶምን………ገለ ካብቶም ህዝቢ ብየዋህነት ናብቶም ኣብ ዞባታት ዝርከቡ ጋዜጠኛታት ዘቕርቦም ጥርዓናት እዮም። ግን ኣበየናይ ባይታ ኰንካ እዩ’ሞ እዚ ከምዚ ዝበለ ግዕዙይ ምሕደራ ብማዕከናት ዜና “ህግደፍ” ናብ ህዝቢ ክቃላሕ!?

መበል 14 ክፋል ይቕጽል….

ኣማኑኤል ማህደረ

(iamamanuel@yahoo.com)

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
10 COMMENTS
  • Fthi Ynges April 7, 2013

    We can find nothing more than this facts about the corrupted system of the PFDJ clique. This is the junta that the puppets in Diaspora try to illustrate as a representative of the People!

  • Stefen Temolso April 7, 2013

    We can find nothing more than this facts about the corrupted system of the PFDJ clique. This is the junta that the puppets in Diaspora try to illustrate as a representative of the People!

  • Stefen Temolso April 7, 2013

    Many thanks Amanuel Mahdere! These facts must be written in a document form. We need more exemplary journalists like you. I wish you the best of Luck.

  • senay April 7, 2013

    Good job Amanuel, I am really impressed with yourr fact based informationand insider knowledge of the ministry of information. Please keep it up, this is an important document.

  • Yemane Johar April 7, 2013

    By just reading above accont ( though tip of an ice burg) one can come easly to a sane conclusion that pfdj with its corupt culture is not fit to run a day care let alone a NATION! To be employed,administered and live under this corupt mafia cliqu must be a living hell and I feel sorry for our people to put up with this disfuctional system day in day out! Alas, sooner or later, Isaias will be gone leaving this corubt and cancerous culture which will take years to uproot and eradicate! What a legacy! Now we all know what the best TEMOKRO Mieda has in store to offer! Thanks Amanuel for this eye oppening report and keep hammering brother!

  • selam April 8, 2013

    you forget nothing! Please try to rewrite it as a magazine or a book.this is a prove a true prove what is going on in Eritrea.
    good job!

  • Romay Abraham April 8, 2013

    Good “”fiction” writer!

  • selam berhe April 8, 2013

    the insider info Amanuel Mahdere is giving needs to be documented.

  • Aman April 9, 2013

    Hit the the buchers hard where it really hurts and serve them ”the truth”.
    Good job Amanuel.

  • Ali-lol April 10, 2013

    SO EMBARRASSING THAT Fthi Ynges and Stefen Temolso is ONE PERSON. LOOK AT THE TIMING AND ITS CONTENT. EWAY Hifret! nezi hatewketew nimidigaf si kindizi tirihtsa?

Post a Reply to Ali-lol Cancel Reply