Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሌላ ምስ ከፊላዊ ምስሊ ሚኒስትሪ ዜና “ህግደፍ” 4ይ ክፋል

ሚኒስትሪ ዜናን ትካል ሃገራዊ “ድሕነት”ን - ክልተ ገጻት ናይ ሓንቲ ሳንቲም ቅድሚ ነቲ ኣብ መንጎ ሚኒስትሪ ዜናን ትካል “ሃገራዊ ድሕነት”ን ዘሎ ምትእስሳር ምግላጸይ ኣብ ስም ናይዚ ቀንዲ ናይ ስራሕ መሻርኽቲ ሚኒስትሪ ዜና ዝኾነ ትካል ኣተኲረ ገለ

ሚኒስትሪ ዜናን ትካል ሃገራዊ “ድሕነት”ን – ክልተ ገጻት ናይ ሓንቲ ሳንቲም

ቅድሚ ነቲ ኣብ መንጎ ሚኒስትሪ ዜናን ትካል “ሃገራዊ ድሕነት”ን ዘሎ ምትእስሳር ምግላጸይ ኣብ ስም ናይዚ ቀንዲ ናይ ስራሕ መሻርኽቲ ሚኒስትሪ ዜና ዝኾነ ትካል ኣተኲረ ገለ ክብል። ብርግጽ “ሃገራዊ ድሕነት” ብዝብል ስም ክጽዋዕ ዘለዎ ትካል፡ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ዝተሰለፈ ትካል ምስ ዝኸዉን እዩ። ናይ ኢሳያስ ትካል “ሃገራዊ ድሕነት” ግን ንህዝቢ ኤርትራ ቅንጣብ ሓልዮት ዘይብሎምን ኣእዳዎም ብደም ዝተጨማለቐን ዉልቀሰባት ዝተኣኻኸቡሉ ትካል ስለዝኾነ ብዘይግብኦ ስም ዝጽዋዕ ዘሎ ትካል እዩ።

ሚኒስትሪ ዜና ካልእ ገጽ ናይ “ሃገራዊ ድሕነት” እዩ። ሓደ ክንፊ ናይቲ ጸጥታዊ ትካል ስለዝኾነ መዓልታዊ ምንቅስቓስ ኣባላቱ ብጸጥታዊ ዓይኒ ይከታተል። ሕሉፍ ሓሊፉ ኣባላት ሚኒስትሪ ዜና ምስ ጻዕዳ ይኹን ጸሊም ናይ ወጻኢ ሃገር ዜጋ ከይራኸቡ ብብርጋዴር ጀነራል ኣብርሃ ካሳ ተገዚቶም እዮም።

(ኤርትራ ሃገርና ንገዛእ ጽላሎቶም ዘይኣምኑ፤ ምስ ሸጓጉጦም ከለዉ ኢሳያስ ከም ድላዩ ዝጸፍዖም ጃጀዉቲ ጀነራላት ዝርከቡላ ሃገር እያ። ብ/ጀነራል ኣብርሃ ካሳ ድማ ሓደ ካብኣቶም እዩ። ስለዚ “ኣብ ናይ ሓበሬታ ትካል ዝሰርሕ ዜጋ ሓበሬታ መታን ከየምሉቕ ምስ ዝኾነ ናይ ወጻኢ ሃገር ዜጋ ክራኸብ የብሉን” ምባሉ ንባዕሉ ርዒዱ ንጋዜጠኛታት ከርዕድ እዩ ፈቲኑ።)

ሚኒስትሪ ዜና ዝፍጽሞ ዘሎ ህዝቢ ናይ ምድንጋር ተልእኾ በቲ ዙፋን ኢሳያስ ዝሕሉ ትካል “ሃገራዊ ድሕነት” እዩ ተዋሂብዎ። እዞም ክልተ ትካላት ዋላ’ኳ ኣብቲ ስርዓት ነንበይኑ ኣቃውማን ተጸዋዕነትን እንተለዎም፡ መወዳእትኡ ግን ሕልናዊ ማእሰርትን ኣካላዊ ማእሰርትን ዘካይዱ ተመላላእቲ ትካላት’ዮም። እቲ “ሃገራዊ ድሕነት” ዝበሃል ነቲ ስርዓት ብግሁድን ዘይግሁድን ኣገባብ ይቃወሙ እዮም ንዝበሃሉ ዜጋታት ዝሃድን፡ ዝኣስርን ዝቐትልን ቤት ጽሕፈት እዩ። ሚኒስትሪ ዜና ድማ ኣእምሮ ህዝቢ ንምእሳር ዝቘመ ትካል እዩ። ስለዚ እቲ ሓደ ናይ ኣእምሮ ማእሰርቲ እቲ ካልእ ድማ ናይ ኣካላዊ ማእሰርቲ ስራሕ ዝሰርሑ እዮም። ኣብዚ ክርሳዕ ዘይብሉ ግና ዓሊ ዓብዱ ብዘይካ ሚኒስትሪ ዜና ባዕሉ ዝመርሖን ኣብ ስርሒታት ስለያ ወጻኢ ዘዋፍሮን ሓደ ክንፊ ናይ ጸጥታ ስለዝነበሮ ኣብ መንጎ ሚኒስትሪ ዜናን “ሃገራዊ ድሕነት”ን ከም መተኣሳሰሪ ቀለቤት ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ ሰብ እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ብዘይቀጥታዊ ሓላፍነት ኮሎኔል ጠዓመ (መቐለ)፡ ኮሎኔል ፍጹም (ሌኒን)ን የማነ ገብረኣብን ምስ ቤት ጽሕፈት ስለያ ወጻኢ እናተወሃሃደ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝቐንዐ ዓሌታዊ ፕሮፖጋንዳ ዝነዝሕ ብ”ክፍሊ ኣገልግሎት ወጻኢ” ዝፍለጥ ኣሃዱ ሚኒስትሪ ዜና ምህላዉ ንባዕሉ እኹል ኣብነት ናይቲ ኣብ መንጎ ሚኒስትሪ ዜናን “ሃገራዊ ድሕነት”ን ዘሎ ምትእስሳር እዩ። ሓላፊ ናይዚ ኣሃዱ ኣቶ መኩርያ ወልዱ ብዘይካ ካብ ዓሊ ዓብዱ ካብዞም ዝተጠቕሱ ሰለስተ ላዕለዎት ሓለፍቲ’ዉን መምርሒ ስራሕ ስለዝቕበል ገጽ ኣርባዕተ ጎይቶት እናረኣየ እዩ ዝተዋህቦ ዕማም ዘሳልጥ። ሓደ ኣብነት ናይዚ ድማ ኮሎኔል ፍጹምን ኮሎኔል ጠዓመን ብቴሌፎን ክልተ መስመር ዘይመልእ ናይ ፈጠራ ሓበሬታ ሂቦም “ዜና ስርሕዎ” ኢሎም ዝእዝዙ ምዃኖም እዩ።

* * *

ብስም ተቓወምቲ ዉድባት ኢትዮጵያን ሶማልን ዝፍነዋ ሬድዮታት ኣብ ትሕቲ ክፍሊ ኣገልግሎት ወጻኢ ይመሓደራ። ሬድዮታት ኣርበኞች ግንባር፤ ግንቦት 7፤ ደምህት፤ ኦነግ፤ ኦብነግ፤ ሶማል፤ ወዘተ ገለ ካብኣተን እየን። “የሰፊዉ የኤርትራ ህዝብ ድምጽ” ብዝብል ስም እናተጸዉዓ “ድምጺ ሓፋሽ ብቋንቋ ጎረባብቲ ሃገራት” ተባሂለን ብኣምሓርኛን ኦሮምኛን ናይ ጸረ ኢትዮጵያ ዓሌታዊ ፕሮፖጋንዳ ዝካየደለን ክልተ ሬድዮታት እዉን ርእሰን ዝኸኣላ ኣካላት ናይ ክፍሊ ኣገልግሎት ወጻኢ እየን። እቲ ዝገርም እዘን ዳሕረዎት ክልተ ሬድዮታትን ሬድዮ ደምህትን ኣብ ትሕቲ ኤርትራዉያን ሓለፍቲን ኤርትራዉያን ኣባላትን ዝሰርሓ ምዃነን እዩ። ትሕዝቶ መደባት ናይተን ካልኦት ማለት ናይ ኣርበኞች ግንባር፤ ግንቦት 7፤ ኦነግ፤ ኦብነግን ሶማልን ሬድዮታት እዉን ሳንሱር ከይተገብረ ኣብ ፈነወ ኣይዉዕልን እዩ። ነቲ ናይ ሳንሱር ተግባር ዝፍጽሙ ቋንቋታት ኣምሓርኛ፤ ኦሮምኛን ሶማልኛን ዝመልኩ ኤርትራዉያን ኣለዉ።

(ሬድዮ ደምህት ክትምስረት እንከላ ኣብታ ሬድዮ ንኽሰርሑ ዝተመልመሉ ኤርትራዉያን ኣባላት፤ ዜና ይኹን መደባት ከንብቡን ክጽሕፉን ከለዉ ነቲ ትግርኛ ብናይ ትግራይ ላህጃ ከዳልዉዎን ከቕርቡዎን መምርሒ ተዋህቦም። እቲ መምርሒ፤ ኣብ ክንዲ “ሕጂ” “ሕዚ”፤ ኣብ ክንዲ “ኣቶ” “ኣይተ”፤ ኣብ ክንዲ “ደሓን’ዶ ቀኒቑም” “ዳሕና’ዶ ቐኒቑም”፤ ኣብ ክንዲ “ከመይ ኣለኹም” “ከመይ እንኤኻትኩም”፤ ወዘተ ክብሉ ዝእዝዝ ነበረ። ሄኖክ ፍረሚካኤል ዝተባህለ ኣባል “ነዚ ክገብሮ ኣይክእልን እየ” ኢሉ ብምሕንጋዱ ምስ ሓላፊ እታ ሬድዮ ኣቶ ኪዳነ ተኻሊ ንነዊሕ እዋን ኣብ ግርጭት ድሕሪ ምእታዉ ኣብ መወዳእታ ናብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ተቐይሩ ከም ዝኸይድ ተገብረ። እቶም ካልኦት ኣባላት ብፍላይ ድማ ለተኺዳንን ካሕሳይን ግና ነቲ መምርሒ ከምቲ ዝድለ ስለዝተግበርዎ ኩልና ኣባላት ሚኒስትሪ ዜና ኣብታ ሬድዮ ድምጾም ክንሰምዖ ከለና ተጋሩ ድዮም ኤርትራዉያን ኢልና ክሳብ ንጋግዮም ኢና ኬንና። ሬድዮ ደምህት ድሕሪ ምምስራታ ድሕሪ ነዊሕ እዋን “መብጽዓ ለካቲት” ዝተባህለ ናይ ቴሌቪዥን ፕሮግራም እዉን ብስም ደምህት ምስ ተጀመረ “መን ኣብ ስክሪን ይምጻእ?” ዝብል ዋጢጥ ተላዕለ። መምህር ኣማረ ዝተባህሉ ኤርትራዊ ኣባል ሬድዮ ደምህት፤ “ኣነስ ሰብ ስለዝፈልጠኒ ጽሑፍ ደኣ የዳሉ እምበር ኣብ ስክሪን መጺአስ ትግራዋይ መሲለ ከንብብ ኣይክእልን እየ” ኢሎም ኣበዩ። ተለሚኖም ምስ ኣቕበጹ ንሶም’ዉን ብመልክዕ መቕጻዕቲ ናብታ ሽዑ ዝቈመት መደስከሊት ኣሃዱ “ስትራተጅያዊ መጽናዕቲን ምርምርን” ተቐየሩ። ደሓር ግን ነቲ ኣብ ስክሪን ናይ ምቕራብ ጉዳይ ተጋሩ ኣባላት ክፍሊ ዜና ደምህት ከም ዝሕወስዎ ተገብረ።)

እዘን ብስም ተቓወምቲ ዉድባት ኢትዮጵያን ሶማልን ዝፍነዋ ሬድዮታት ዝሕዝኦ ናይ ኣየር ግዜ ተደሚሩ ካብቲ ብቋንቋታት ኤርትራ ንዝፍንዋ ሬድዮታት ዝወሃብ ናይ ኣየር ግዜ ዝበዝሕ እዩ። እቲ ዘሕዝን ቋንቋታት ኤርትራ ዘይረኸብኦ Air Time ንረድዮታት ናይተን ንህዝቢ ኤርትራ ዝጠቅም ኣጀንዳ ዘይብለን ተቓወምቲ ዉድባት ኢትዮጵያን ሶማልን ተዋሂቡ ምህላዉ እዩ። እንዳ “ህግደፍ” ከምዚ ዓይነት ዉሳነ ንኽዉስኑ ዝገበሮም ቀንዲ ምኽንያት ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ኣለና ንዝብልዎ ሽግር ብመገዲ ተቓወምተን ዉድባት ገይሮም ክፈትሑዎ ስለዝደልዩ እዩ።

(ንእግረ መገደይ ሓደ ተዋስኦ እንዳ ዜና ከዕልለኩም። እንዳ “ህግደፍ” ኩለን እዘን ዝገለጽኩልኩም ሬድዮታት ተቓወምቲ ዉድባት ኢትዮጵያን ሶማልን ካብ ኣስመራ ከም ዝፍነዋ ክፍለጥ ኣይደልዩን እዮም። ከምኡ ስለዝኾነ ከኣ ሬድዮ ደምህት “ካብ በረኻታት ትግራይ” እናበለት ትፍኑ፡ በዓል ኣርበኞች ግንባርን ግንቦት 7ን “ከነጻዉ መሬት” እናበሉ ይፍንዉ። ኦነግን ኦብነግን ድማ በብቋንቋኦም ተመሳሳሊ ቃል ተጠቒሞም ፈነወ ሬድዮታቶም የካይዱ። ኣብ ክልል ትግራይ ይኹን ኣብ ክልል ኣምሓራን ክልል ኦሮምያን ዝኾነ ይኹን ባይታ ዘይብለን ዉድባት ኣብ ዉሽጢ መሬት ኢትዮጵያ ኮይነን ፈነወ ዘካይዳ ዘለዋ ንኸምስላ ብእንዳ “ህግደፍ” መምርሒ ይወሃበን። ይትግብርኦ ድማ። ኣብ ርእሲ እዚ ንኹሎም ናይ ፈነወ ቴክኒሻናት ብዝተዋህበ ምስጢራዊ ሓበሬታ መሰረት እዘን ሬድዮታት ድሕሪ ናይ ዉሽጢ ሃገር ፈነወታት ፈነወ ክጅምራ ከለዋ ካብ ኣስመራ ይፍነዋ ከም ዘለዋ ብሰማዕተን መታን ከይፍለጥ ኣብ መንጎ ናይ 10 ካልኢታት ሃጓፍ (Pause) ከም ዝህሉ ይግበር። ንኣብነት ፈነወ ድምጺ ሓፋሽ መደብ ቋንቋ ዓረብ ተዛዚሙ ኣብኡ እንከሎ ብድሕሪኡ ሬድዮ ኦነግ ዝጅምር እንድሕር ኮይኑ ኣብ መንጎ ናይ ክልቲኡ ፈነወታት ናይ 10 ካልኢታት ፍልልይ ከም ዝህሉ ይግበር ማለት እዩ። እዚ ኹሉ ተዋስኦ መቸም እተን ተቓወምቲ ዉድባት ኣብ ዓደን ኮይነን ይቃለሳ ከም ዘለዋ ንምምሳል እዩ።)

ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣቢሉ ይኸዉን ሰዓታት ፈነወ ድምጺ ሓፋሽ መደብ ቋንቋ ትግርኛ ክዉሰኽ ተደልየ። ሚኒስትሪ ዜና ግን መተካእታ ዘይነበራ ሓንቲ መፈነዊት ትራንስሚተር ጥራይ ስለዝነበረቶ ካብ ናይ ካልኦት ብሄራት ሰዓታት ፈነወ ተነኪዩ ንቋንቋ ትግርኛ ተዋሂቡ። ስለምንታይ ከምኡ ተወሲኑ ዝብል ስምዒታት ምስ ተላዕለ “ትራንስሚተርና ሓንቲ ስለዝኾነት” ተባሂሉ። “እሞ ዕብየት ፈነወ ቋንቋ ትግርኛ ብዋጋ ፈነወ ካልኦት ቋንቋታት ኤርትራ ድዩ ክረጋገጽ ዘለዎ?” ዝብል ሕቶ ሰዓበ። ካብኡ ቀጺሉ እዉን “ሰዓታት ፈነወ ሬድዮታት ተቓወምቲ ዉድባት ኢትዮጵያ ብዋጋ ሰዓታት ፈነወ ናይ ዉሽጢ ሃገር ቋንቋታት ምዕባዩ እናገረመናስ እንደገና ድማ ሕጂ ፈነወ ትግርኛ ንኽዓቢ ፈነወ ካልኦት ብሄራት ስለምንታይ ይህሰ?” ዝብል ሕቶ መጸ። ኩሉ ዝለዓል ዝነበረ ሕቶታት ግን ዘዕግብ መልሲ ዘይኮነ መግናሕቲ እዩ ረኺቡ። ቋንቋታት ኤርትራ ኣብ ዓደን ጓኖት እየን። ሎሚ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት እዉን እንተኾነ ተመሳሳሊ ተግባር ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ይፍጸም ኣሎ።

* * *

ዓሊ ዓብዱ ኣብ መወዳእታ ኣዋርሕ 2009 ሓደ ‘ዘፍርሕ’ ተዋስኦ ምሂዙ ብመልክዕ 03 ፈነወ። እቲ ተዋስኦ፤ “ወያነ ንሚኒስትሪ ዜና ብነፋሪት ክድብድቦ ሓሲቡ ከም ዘሎ ሓበሬታ በጺሑና ስለዘሎ Standby ስቱድዮታትን ትራንስሚተራትን ኣቐዲምና ንምስራሕ መንግስቲ ንTrack B ከም ቦታ ሂቡና ስቱድዮታት ንሃንጽን ትራንስሚተራት ንተክልን ኣለና” ዝብል ነበረ። ብርግጽ ኣብቲ ግዜ ኣብ Track B ትራንስሚተራት ይህነጽ ነይሩ እዩ። እቲ ትራንስሚተራት ግን ንሬድዮታት ኢትዮጵያ ንምዕፋን (ጃም ንምግባር) እምበር ከምቲ ዓሊ ዘናፈሶ ተጠባባቒ ስቱድዮታት ንምስራሕ ኣይነበረን። እቲ ምስጢር ዝተፈልጠሉ ኣጋጣሚ ክነግረኩም። ኣጋጣሚ ኮይኑ “ህግደፍ” ንTrack B ንኻልእ ስራሕ ስለዝደለዮ እቲ ኹሉ ኣብኡ ዝተተኽለ ትራንስሚተራት ሚኒስትሪ ዜና ተነቒሉ ኣብ ዓሻ ጎልጎል ክትከል ኣዘዘ። ሚኒስትሪ ዜና ድማ ነቲ ኣብ Track B ንኽተኽሎ 6 ኣዋርሕ ዝወሰደሉ ትራንስሚተራት ነቒሉ ኣብቲ ኣብ ዓሻ ጎልጎል ዝተዋህቦ ሓድሽ ቦታ ከም ብሓድሽ ተኸሎ።

ነቲ ኣብ Track B ይኹን ኣብ ዓሻ ጎልጎል ዝተኻየደ ስራሕ ብሓላፍነት ዝከታተሎ ዝነበረ ሓላፊ ክፍሊ ሬድዮ ኣቶ ግርማይ በርሀ (ዓሲምባ) ነበረ። ኣቶ ግርማይ ናይ ዓሻ ጎልጎል ስራሕ ምስ ተዛዘመ ንኹልና ኣባላት ሬድዮ ኣብ ዝገበረልና ኣኼባ ኩልና ኣባላት ኣብ ዓሻ ጎልጎል ኬድና ነቲ “ታሪኻዊ” ዝበሎ ስራሕ ክንዕዘብን ነፍስ ወከፍና ተከናኺንና እነዕብዮ ፈልሲ ገረብ በብስምና ክንተክልን ምዃንና ሓበረና። ቅንይ ኢሉ እዚ ሓበሬታ እዚ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዓሊ ምስ በጽሐ፤ ኣቶ ዓሊ እቲ መደብ ከይትግበር ከልከለ። ኩልና ኣባላት ሬድዮ ሎሚ’ዶ ጽባሕ ኬድና ክንርእዮ እናበልና ከለና እቲ መደብ ብኡ ኣቢሉ ሃጠመ። ስለምንታይ ተገዲፉ እዉን ኣይተሓበረናን። ኣጻሪና ከም ዝረኸብናዮ ግን ኣቶ ዓሊ ንዓሲምባ ጸዊዑ “ዑደት ከተግብር ክትብል ነቲ ናይ ጃሚንግ ትራንስሚተራት ከተርእየልና ዲኻ ደሊኻ?” ኢሉ ከም ዝተቛየቖ ፈለጥና።

ሓምሻይ ክፋል ይቕጽል…

ኣማኑኤል ማህደረ
(iamamanuel@yahoo.com)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • abeba January 30, 2013

    wedi mahdere abahagoka ke men yibehal beqele diyu? aygidsekan eyu bizaaba ERI.Bzuh antehawutetka bzuh gexat awun antexehafka ERITREA gin bizxehafun bizihawtetn zeykonets bidemom zikeflun tegbar xihufomn eya terekiba.slezi kalia menberi zikoneka hlmi dea dires

  • denden January 30, 2013

    Abeba dyu shimk, zereba kolu eske aytzarebi

  • sarah February 1, 2013

    Amanuel Mahdere, good job!!! KEMAKHA YBZHU!! Please write more so that Ali, who is claiming not to know anything would remember something. Please ask otherS who suffered under this man and ministry to come forward and expose them.
    Well done!

  • Wedi Ali Jigna Jeganu February 1, 2013

    good job, Amanuel Mahdere. Your articles are very very informative.

  • habte February 1, 2013

    Thank you Amanuel please keep on exposing the crimes of Ali Abdu a man who tries to sound innocent through his speaker brother saay

    Thank You

  • adiam February 3, 2013

    ma God sebay setyie amnanu aman beaman tarikom znegr ayseann ezom vampires they will never washed the awareness we got dam heads let them now till they headed to where they belong! pls those pfdjs supporter differiencet bteween eritrean n pfdj etom nhagerom zbelus terifom eyom ezom ab qosli ztehabou jajewti gna hager yelagusula alew let say yakel!!!

POST A COMMENT