Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ልቢ ህዝብና ደም ይነብዕ፡ ህግደፍ ይስዕስዕ

ይዝከረኒ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልስና ኣብ ዓውደ ኩናት ዝተማረኹ ወተሃደራት ኢትዮጵያ፡ ስርዓት ደርግ           “ዝተማረኹ ወተሃደራት የብለይን’’ ኢሉ ህላወ ወተሃደራቱ ክኽሕድን ብሳልሳይ ኣካል ነጻ ዝተለቁ ምሩዃቱ ምቅባል ክሕሰምን። እዚ ሎሚ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዜጋታቱ ዝፍጽሞ ዘሎ

ይዝከረኒ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልስና ኣብ ዓውደ ኩናት ዝተማረኹ ወተሃደራት ኢትዮጵያ፡ ስርዓት ደርግ           “ዝተማረኹ ወተሃደራት የብለይን’’ ኢሉ ህላወ ወተሃደራቱ ክኽሕድን ብሳልሳይ ኣካል ነጻ ዝተለቁ ምሩዃቱ ምቅባል ክሕሰምን። እዚ ሎሚ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዜጋታቱ ዝፍጽሞ ዘሎ መወዳድርቲ ዘይብሉ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል፡ ማእሰርትን ስቃይን ውራየይ ኢሉ ከይተተሓሓዞ እንከሎ፡ ኣብ ማሕበረ ሰብ ዓለም ብዛዕባ ስርዓት ደርግ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘካይዶ ዝነበረ ግፍዕታት ከቃልዕን ብዓለም ክውገዝን ጎስጓሳት የካይድ ነይሩ፡ እቲ ቅድሚ ናጽነት ኤርትራ ብህዝባዊ ግንባር ናብ ማሕበረ ሰብ ዓለም ዝቀርብ ዝነበረ ጥርዓናትን መዘክራትን ግቡእን ቅኑዕን ከምዝነበረ ዘካትዕ ኣይኮነን። ሎሚ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ልዕሊ’ቲ ናተይ ትብሎ ህዝቢ ካብ ተግባራት ገዛእቲ ኢትዮጵያ ዝኸፍአ ግፍዒ ክትፍጽም እንከለኻ ግን፡ ዘበንያ ግርምቢጥ ማይ ንዓቀብ’ዩ። ኣብዚ ከስምረሉ ዝደሊ ጉዳይ፡ ገዛእቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፈጸምዎ ሰብኣዊ፡ ቁጠባውን  ባህላውን በደል ንምሕባእን መመኽነይታ ንምሃብን ኣይኮነን። ክሳብ ኢትዮጵያ ንህዝቢ ኤርትራ ብወግዒ ይቅሬታ ትሓትትን ወይ’ውን ዝፈጸመቶ ዕንወት ትኽሕስን፡ እቲ በሰላ ካብ ታሪኽናን ኣእምሮናን ብቀሊሉ ዝሕከኽ ኣይኮነን። እቲ ዝሕዝን ግን፡ ቅድሚ ናጽነት ኤርትራ ኣቲ ብገዛእቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጸም ዝነበረ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ግፍዕታትን ብህግደፍ ይፍጸም ምህላዉ’ዩ።

ሓደ ካብቲ ድሕሪ ናጽነት ብዘስካሕክሕ ደረጃ ብሃጸይ ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝፍጸም ዘሎ ጭካነን ሕጊ እንስሳን፡ ማእሰርትን ቅትለትን ዚጋታት’ዩ። እቲ ብህግደፍን ካድራቱን ቅድሚ ናጽነት ብዛዕባ ክብሪ ደቂ ሰባትን መሰላቶምን ዘካይድዎ ዝነበሩ ጎስጓሳት ምስዚ ሎሚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊ ዘካይድዎ ዘለዉ ኣሰቃቂ ተግባራት ”እንታይ ትገብሩ ኣለኹም” ኢሉ ዝሓቶም እንተዝረኽቡ እንታይ ምበሉ? እቲ መልሲ ንስርዓት ህግደፍ ቀሊል’ዩ፡ ኣሉታ ምሃብ። ኣብ ዘበነ ሃጸይ ኢሳያስ፡  ሰባት ካብ መንበሪ ኣባይቶም፡ ካብ ስርሖም፡ ካብ መገሻኦምን ካብ ጎደናታትን ብኣባላት ጸጥታ ተሓፊሶም ክእሰሩ፡ ሃለዋቶም ክጠፍእን ሰብኣዊ መሰላቶም ክገሃስን ልሙድ ተግባራት’ዩ። ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ’ውን ንጹሃት ተጋደልቲ ምርሻንን ኣብቲ ብስም ሓለዋ ሰውራ ዝፍለጥ ሲኦል ክምቑሑን ክሰራጠዩን ልሙድ’ዩ ነይሩ። ኣብ ኤርትራ ቅዋምን ሕግን ስለዘየሎ፡ ነቲ ብሃጸይ ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጸም ዘሎ ኣረሜናዊ ተግባራት፡ ንሕግታት ኤርትራ መወከሲ ጌርካ ቅኑዕ ወይ ጌጋ ኢልካ ክትማጎት ዝከኣል ኣይኮነን። ገለ ካብ መሰረታዊ ሕግታት ኣህጉራዊ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ከምዘነጽሮ ግን፡ ዝኾነ ሰብ ገበን ከምዝፈጸመ ወይ ሕጊ ከምዝጠሓሰ መርትዖ ከይተረኽቦ ክእሰር፡ ብዘይፍርዲ ንዓመታት ክእሰር፡ ክጋፋዕ፡ ብኢሰብኣዊ ኣገባብ ከትሓዝን መባእታዊ ሰብኣዊ መሰላቱ ክገሃስን ኣይግባኣን’ዩ። እንተኾነ እዚ መትከላት’ዚ፡ ብሰሪ ስጊንጢራዊ ኣሰራርሓ ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ቦታ ስለዘይብሉ፡ ከትቅተልን ካብ ገጽ መሬት ክትሽረብን ልሙድ’ዩ።

ኣብ ኤርትራ፡ እሱራት፡ ስድራቤቶምን መዘናታቶምን ክበጽሕዎም ኣይክእሉን፡ ምኽንያት መእሰሪኦም ኣይግለጸሎምን ክሓቱ’ውን ኣይክእሉን፡ ኣገልግሎት ሕክምና ኣይረኽቡን፡ ከም ዝመረተ ሓጺንን ዕንጨይትን ኣብ ትሕቲ መሬትን ኮንተይነራትን ይድርበዩ፡ ብሕዱር ሕማም፡ ስነኣእምሮኣዊ ጭንቀትን ተነጽሎን ይሳቀዩን ይሞቱን፡፡ ገዛእቲ ኢትዮጵያ፡ ዋላ’ኳ ብቃላት ንምግላጹ ዘጸግም ግፍዕታት ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ይፍጽሙ እንተነበሩ፡ ንገለ እሱራት ብስድራቤታቶም ይብጽሑ፡ መግብን ክዳውንትን ክኣትወሎምን ዕድል ትምህርቲ ክረኽቡን ይፍቀደሎም ነይሩ። እቶም ስርዓት ህግደፍ ሓጥያት ከምዘይብሉን ተሓላቂ ህዝቢ ኤርትራ ከምዝኾነ ዝማጎቱ ወገናት ድማ፡ ካብ ዝተፈላለየ ቦታታት በብእዋኑ ብኣባላት ጸጥታ ህግደፍ ዝተጨውዩ ኤርትራውያን ኣበይ ኣለዉ? ስለምንታይ ኣብ ሕጊ ቀሪቦም ዘይፍረዱ? ስለምንታይ ብስድራቤቶም ክብጽሑ ዘይፍቀደሎም? ኢሎም ክሓቱን  ቅኑዕ መልሲ ክረኽቡን ይግባእ። ኣብ ዓለም፡ ልዕሊ  ድሕነትን ክብርን ሰብ ምሕላው ካልእ ኣገዳሲ ነገር የለን። ኣራዊት ዘገዳም ጥራይ ኢዩ ብጭካነ ህይወት ዘለዎ ፍጡር ቀቲሉ ዝበልዕን ተረፍ ጽጋቡ ኣብ በዓቲ ወይ ጉድጓድ ዘቀምጥን። ስርዓት ህግደፍ፡ ልክዕ ከም ኣራዊት ኣማኢት ኤርትራውያን ብዘይ ፍርዲ ይቀትልን ክቡር ህይወት ሰብ ኣብ ጎዳጉዲ ከምዝበሊ ይገብሮን። ሃጸይ ኢሳያስ  ሰብ ክሳቀ ቅንጣብ ድንጋጸን ሓልዮትን የብሉን፡፡ብኣንጻሩ ልቢ ህዝብና ደም ክነብዕ እንከሎ ሃጸይ ኢሳያስ ይስዕስዕን ይድሰትን።

ጽላል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (ሰነ 12 2015)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Tes June 16, 2015

    Hi Tsilal
    very interesting as usual but I have comments. Iseyas doesn’t deserve the title Hatsey(king).He is a gang leader who do strange things. There is no ready name for the group to call their by name. He is not a president nor a king. Kings do have mercy they do pardon to criminals at least at their birthday or national days. This crooks they don’t allow visit nor give dead to relative for burials. He criminal beyond imagination.
    you are trying to compare with dergi atrocities and I feel you’re a bit kind to HGDEF. The ethiopeans are enemy in middle of active war. What ever they did has has reason behind it. They imprison and people visit them and knew where they were in the majority cases. For me the foreigners are more human than HGDEF. This organisation and their boss has no comparison in our contemporary world. It a bit leanant to try comparing with any past rulers.

POST A COMMENT