Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ልቢ ሳላ ዝገበርና ልቢ ወሲኽና ! ( ትዕዝብቲ ጉባኤ)

ክብደት ናይቲ ኤርትራ ሃገርና ወዲቓትሉ ዘላ ፖለቲካዊ ቅልውላው ንምርዳእ ዓሚቝ ትዕዝብቲ ኣየድልን። ነቲ ኣብ ኣኻውሕ ሲናይ ብፊደላት ግእዝ ዝተጻሕፈ፡ “እዚ ‘ውን ይሓልፍ” ዝብል ሓጺር ሓረግ ኤርትራውያን ግዳያት ሓንሳብ ቁሊሕ ኢልካ ምርኣይ ጥራይ ኣኻሊ እዩ። ነዚ

ክብደት ናይቲ ኤርትራ ሃገርና ወዲቓትሉ ዘላ ፖለቲካዊ ቅልውላው ንምርዳእ ዓሚቝ ትዕዝብቲ ኣየድልን። ነቲ ኣብ ኣኻውሕ ሲናይ ብፊደላት ግእዝ ዝተጻሕፈ፡ “እዚ ‘ውን ይሓልፍ” ዝብል ሓጺር ሓረግ ኤርትራውያን ግዳያት ሓንሳብ ቁሊሕ ኢልካ ምርኣይ ጥራይ ኣኻሊ እዩ። ነዚ ሓረግ’ዚ ከም ኣርእስቲ ህያው ታሪኽ ኤርትራ ሓንሳብ ኣብ ሓንጎልካ ኣቐሚጥካ ከተሽርፎ እንተፈቲንካ፡ እቲ ታሪኽ ጥፍኣት ወለዶ፡ ታሪኽ ውርደት ህዝቢ፡ ታሪኽ ዕንወት ሃገር! ቅጅል ኢሉ’ዩ ዝረኣየካ።

እቲ ንመስዋእቲ ኣሽሓት ኤርትራውያን ጀጋኑ ኣባኺኑ ትርጉም ናጽነት ዘቃወሰ ኣውራ ኣባሲ፡ እቲ ንሃገር ካብ መቓብር ኣውጺኡ ናብ መቓብር ዝመለሳ ስርዓት ህግደፍ እዩ። ከምቲ ንኤርትራ ካብ ጉድጓድ ኣብ ምውጻኣ ንበይኑ ዘይከኣሎ፡ ናብ ጉድጓድ ኣብ ምምላሳ ‘ውን፡ ከም ህዝቢ፡ ኩልና ከምዝተሓባበርናዮ ግን ክዝንጋዕ ኣይግባእን።  ከም መርኣያ ናይ’ዚ ፍሽለት’ዚ ክጥቀስ ዝክኣል፡ ሓደ ካብቶም ውድቀት ሃገርና ንምክልኻል ዝዓንቀጹና መዳያት፡ ኣማዕቢልናዮ ዝጸናሕና ኣሉታዊ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ባህሊ እዩ። ፖለቲካ ንዝተፈላለየ መርገጺ ዘለዎም ባእታታት ናይ ምዝርራብ፡ ምዝታይ፡ ምርድዳእ መኣዲ እዩ። ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ባህሊ ኣሉታዊ ዝኾነሉ ምኽንያት ከኣ፡ ስሙር ኣረኣእያ ዘለዎም ወገናት ጥራይ ዝራኸቡሉ፡ ብኻልእ ኣበሃህላ፡ በንጻሩ ናይ ዘይምዝርራብ፡ ዘይምዝታይ፡ ዘይምርድዳእ ዓውዲ ኮይኑ ተሪፉ ምህላዉ እዩ። ኣብ ኤርትራውያን ኣብ መንጎ ፖለቲካን ኵናትን ዘሎ ፍልልይ ንእሽቶ እዩ። እዚ ዘይንቡር ኣተሓሕዛ ፖለቲካ’ዚ ነቲ ከቢድ ኩነታት ሃገርና መሊሱ ሓላሊኹዎ ምህላዉ ድማ ኣይዝንጋዕን።

ንኤርትራዊ ፖለቲካ ማዕረ ኵናት ምጥቃስ ምግናን ክመስል ይኽእል ይኸውን። እንተኾነ፡ ‘ወረዳ ባድመ እጀታይ ‘ያ’ ኢሉ ምሉእ ኵናት ዝኣወጀ ስርዓት ንኤርትራ ከም ሃገር ምስ ዘይኣምኑላ ከም ቅንጅት ዝኣመሰሉ ኢትዮጵያውያን ተቓወምቲ ክፋቐር ምርኣይ መንርኣያ ናይዚ እዩ።

እዚ ንለውጢ ከም ታኼላ ዓትዒቱ ብምሓዝ፡ ብተዘዋዋርን ብቐጥታን ኣልሚሱና ዘሎ ድኻም’ዚ ካብ ‘እንታይ ገደሰኒ!’ ጀሚሩ ክሳብ ‘ኣነ እንተዘየለኹሉ ኣይሃሉ’ ዝዝርጋሕ፡ በቲ ሓደ ካልኣይ ዘይብሉ ልኡምነት፡ በቲ ሓደ ጠረፉ ከኣ ኣምሳያ ብሕታውን ጉጅልኣውን ህንጡይነት፡ ህዝብን ሃገርን ከይተረፈ ዝፈታተን ኩነታት ዋላ እንተመጸ ምትዕጽጻፍ ዘይሕውስ ደረቕ መርገጺ እዩ።

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓጺቕ እዋን፡ እቲ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ መለሳ ክረክብ፡ ልቢ ዘየዕቢ፡ ነዚ ግድል ‘ዚ ንምፍታሕ ህጹጽ ለውጢ ንምቅልጣፍ ዘይሓስብ ከኣ ብስጋ እምበር ብሕልና ኤርትራዊ ክበሃል ኣይክእልን።

እንተኾነ፡ ልቢ ዚገበረ ወሰኽ ልቢ ኣይስእንን እዩ ‘ሞ፡ እንሆ እቲ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ፖለቲካዊ ኩነታት፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ኢትዮጵያ፡ ከተማ ኣዋሳ ዝተኻየደ፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ነዚ ናይ ስርዓት ህግደፍን ተቓወምትን ናይ ሓባር ረቛሒ ኮይኑ ዘሎ ዓንቀጽ ንምጥሓስ ልቢ ዝገበሩ ኣማኢት ኤርትራውያን ዜጋታት ዘራኸበ ጉባኤ ኮይኑ። ብተዛማዲ፡ ፍሉይ መኣዝን ዘርሓወ መድረኽ እዩ ነይሩ ‘ውን ክብሃል ይከኣል።

ንሳቶም፡ በቲ ኣብ ሃገርና ዝላሕለሐ ሱር ሰዲዱ ንውጹዕ ህዝብና ላሕ ዘብል ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ካብ መሰረቱ ተበርቍቑ ክጓሓፍ ዝጸንሖም ሕዱር ድሌት ጥራይ ዘይኮነ፡ እንተላይ በዚ ክትኣምኖ ዘጸግም እዋናዊ ስቅያት ህዝቢ፡ ናይ ለውጢ ሽውሃቶም ዝያዳ ጋህ ኢሉ፡ ህጹጽነት ዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝሃወጾም ከምዝነበሩ፡ ኣብ ገጾም ይንበብ፡ ካብ ቃሎም ይስማዕ ነይሩ። ነዚ ዝተዓዘበ ሰብ ኣብ ኣእምሮኡ ዝመላለሶ ሓደ ዘጨንቕ ነገር እንተነይሩ ክዉንነት ግብራዊ ትርጉሙ ጥራይ እዩ።

ኣብ ሃገርና፡ ‘ዕዳጋ ከምዝጸንሓካ ‘ምበር፡ ኣዴኻ ከምዝለኣኸትካ ኣይኮነን’ ዝብል ምስላ ‘ኳ እንተሎ፡ ኣብቲ ፈላሚ ጉባኤ ዝተሳተፉ ካብ መላእ ዓለም ዝገሹ ኤርትራውያን፡ ኣዲኦም ዝለኣኸቶም ‘ምበር፡ ዕዳጋ ዘጽንሓሎም ክቕበሉ ዘይተዳለዉ፡ ብዘይካ ዓወት ካልእ ምርጫ ከይምዘይብሎም ዝተገንዘቡ እዮም ነይሮም። እቲ ሃዋህው ከምዝኣዘዞ፡ ታሪኽ ክስራሕ ተዋዲዱ፡ ሰራሕቲ ታሪኽ ጥራይ ‘ዩ ዝጽበ ነይሩ። እዞም ብዙሕ ውልቃዊ ዕማማት ንድሕሪት ገዲፎም፡ ገንዘቦም ከፊሎም ኣሽሓት ማይላት ብምጕዓዝ ኣብዚ መድረኽ’ዚ ዝዓለቡ ግዱሳት ኤርትራውያን ከኣ፡ ነዚ ብድሆ’ዚ ንምግጣም፡ ሕብሮም፡ ቋንቍኦም፡ እምነቶም፡ ዓቕሞም ብዘየገድስ፡ ምሉእ ድሌት ከምዝነበሮም ኣየማትእን። ነቲ ካብ ዕምቆት ልቢ ተጋባእቲ ዝወጽእ ዝነበረ፡ “ሕጂ ወይ ድማ ፍጹም” ዝብል ቆራጽ ድሌት- ዓወት ክትሰምዕ ከለኻ፡ ዓወት ከይኩለፈካ ክትኮኖ ዘይትደሊ ነገር፡ ዘይትምነዮ ክእለት ኣይነበረን። ብርግጽ፡ ነቲ ኣብ ዘይሓሰቦ ደልሃመት ተሸኺሉ ምውጻእ ጸጊሙዎ ዘሎ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ መንፈስን ሕልናን እዩ ዘድልዮ።

እተን ቀዳሞት ክልተ መዓልታት ንጉባኤ ኣብ ምቅርራብ ሓለፈን ጉባኤ ምስ ተደናጎየ፡ እዚ መንፈስ’ዚ ኣብ ፈተነ ኣትዩ፡ ተጋባእቲ ውዲት ይእለም ከይህሉ ኣብ ምጥርጣር ወዲቖም ብኣኼባታትን ጉጅለታትን ሕቶታት ምልዓሎም ንገዛእ ርእሱ፡ እቲ ናይ ስራሕን ዓወትን ባህጊ ክሳብ ክንደይ ልዑል ከምዝነበረ ዘመልክት እዩ። ነቲ ዝተረኽበ ግዜ፡ በብማሕበራዊ ጉጅለ ተወዳዲቦም፡ እቲ ጉባኤ ከፍሪ ክጻወቱዎ ዝግብኦም ተራ ኣብ ምምማይ ከሕልፉዎ ምዕዛብ ‘ውን መርኣያ ናይቲ ኣብ ልቢ ተጋባእቲ ዓሲሉ ዝነበረ በሪኽ ድሌት እዩ።

ክሳብ ለይቲ ሎሚ ንዝጸንሐ ሰንደልደል ኤርትራውያን ዝተዓዘበ ሰብ፡ ኣዋሳ ልዕሊ 50 ቋንቋን ብሄርን ዘለዎም ኢትዮጵያውያን ብስኒት ዝነብሩሉ ከተማ ምዃኑ ደኾን፡ ነዞም ሰብ ትሽዓተ፡ ‘ከመይ ዘይኸውን! ኣቢሉዎም?’ ክብል ይኽእል እዩ። መንገዲ ኣዋሳን ኣዋሳን፡ ፍርያም ብምዃኑ “ኣብኡ ዝጸንሖም ፍረ ‘ዩ፡ ባዕሎም ዘፍረዩዎ ኣይኮነን” ኢሉ ብሓሳብ ዝወሳወስ ‘ውን ኣይሰኣንን።

ባህርያዊ ተውህቦ ናይቲ ከባቢ፡ ዝተነጽፈ ቃላያቱ፡ ጻሕ ዝበለ ጎልጎሉ፡ ልምዓቱን ንፋሱን፡ ኣኣምሮ ዘስሕት መሳጥነት እዩ ዘለዎ። ትዝታ ኤርትራውያን ዘንቀሎ ብዙሕ ዕላላት ‘ውን ሰሚዕናሉ። ንዓይ ዝዓጀበኒ ግን፡ እቲ ብባህሪ ዝዓደለ ዘይኮነስ እቲ ብሰብ ዝተገብረ እዩ። እቲ ኣብ ወሰናስን ጽርግያ ዝረኣኹዎ፡ መወዳእታ ዘይብሉ ዕንበባታት ዝፈርየሉ ደረት ዓይኒ ዝጽንቅቕ ናይ ግሪን-ሃውስ ልምዓት ድማ ሓደ ካብ መሰኻኽረይ ‘ይ ነይሩ ። ኣብቲ ጉባኤ ዝተረኽበ ዓወት ‘ውን ከምኡ፡ ብርግጽ፡ እቲ ቦታ ዘይኮነስ፡ ኣብቲ ቦታ ዝተኣከበ፡ ህጹጽነትን ሓደጋን ሃገር ዝተሰወጦ ኤርትራዊ ዘምጽኦ እዩ። ነዚ ዓቢ ስጉምቲ ድማ ኩልና ኤርትራውያን ከነብዕሎ ይግባእ። ገለ ‘ልዕሊ ፍርቂ ብርጭቆ’ ገለ ኸኣ ‘ትሕቲ ፍርቂ ብርጭቆ’ ክንብል ንኽእል ንኸውን፡ እታ ብርጭቆ ማይ ከምዝነበራ ግን ክኽሕድ ዝኽእል ከቶ የልቦን።

ሓደ ንመስርሕ ጉባኤን ውጽኢቱን ብመንገዲ ኣሰና ተኸታቲሉ፡ ሓጎስ ከምዝተሰመዖ ንምምስጋን ካብ ካልእ ክፍሊ-ዓለም ተሌፎን ዝደወለ ግዱስ ኤርትራዊ፡ ነቶም ወኪሎሞም ናብ ጉባኤ ወፊሮም ዝቐነዩ ኤርትራውያን ናይ መቐበሊ ብዓል ከዳልዉሎም ይቀራረቡ ከምዘለዉ ምስ ሓበረኒ፡ ካብቲ ዘቕረበለይ ምስጋና ንላዕሊ ዝተዓጻጸፈ ፍሉይ ሓጎስ ተሰሚዑኒ። ቅድሚ ሒደት ደቓይቕ ህዝቢ ኣዋሳ ናብ ጎደናታት ወጺኡ ንጉባኤኛታት ብኣዝዩ ምዉቕ ስነስርዓት ከምዘፋነዎም ስለዝተኸታተልኩዎ ከኣ፡ ብልበይ፡ ጎረቤት ‘ኳ ዘፋነዎም ብዓልገዛ ደኣ ከመይ ዘይቕበሎም በልኩ። እቲ ንዘዝተበገሰ ምቝጻይ፡ ምትሕንዃል፡ ጽቡቕ ንዝገበረ ጭቃ ምልካይ፡ ዓወት ምንእኣስ በዚሑዎ፡ ጥቁዋት ተስፋ ከቝርጽ፡ ንተበለጽቲ ከሳሲ፡ ኣብ ድንግርግር ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ሃዋህው ኤርትራውያን ገጽ ክመልስ፡ ዓወት ናይ ዝወዓለን ናይ ዘይወዓለን ደላይ-ጽቡቕ ምዃኑ ግንዛበ ክሓድር ምርኣይ፡ እቲ ሓቀኛ ኤርትራዊ መንፈስ ይምለስ ከምዘሎ ዘበስር እዩ። ዓወት ዓወት ይወልድ ዝብልኹም ከምዚ እዩ።

ሓፈሻዊ ሃዋህው ናይቲ ጉባኤ ኣሚትናዮ ንህሉ፡ ነገር ኣብ ጣሻ ከይጠፍኣና ግን ‘ስከ ነቲ ወሰኽ ልቢ፡ ብኽልቲኡ ሸነኹ ንመልከቶ። እንታይ እዩ እቲ ዓወት እንታይ እዩ ኸ እቲ ሕጽረት? ኣብዚ ክዝከር ዘለዎ፡ ዓወትን ሕጽረትን ብተዛማድነት ከም ዝልካዕ እዩ። ኣብ ነዊሕ ዓመታት ተዋህሊሉ ንዝተሓላለኸ ሽግር ናይ ምፍታሕ ዕማም ንባዕሉ መስርሕ ከም ዘድልዮ ምስትውዓል የድሊ።

እቲ ቀዳማይ ኣገዳስን ዓወት፡ ኩሉ ጉባኤኛ፡ ውክልናኡ ሕልናዊ እምበር ሕጋዊ ከምዘይኮነ ኣሚኑ፡ መጠን ሓላፍነቱ ብግቡእ ምምዛኑ እዩ። ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ከምዘይውክል ተረዲኡ፡ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ምቅልጣፍ ግቡእ ተራኡ ብምጽዋት፡ መላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብሕልፊ ድማ እቲ ኣብ ትሕቲ ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ተገዚኡ ዘሎ ሕብረተሰብና፡ ዲሞክራስያዊ መሰሉ ዝጥቀመሉ ፖለቲካዊ ሃዋህው ንምፍጣር እምበር፡ ንመላእ ህዝቢ ወኪሉ ዝመሰሎ ውሳኔታት ከሕልፍን ክፍጽምን ሓላፍነት ከምዘይብሉ ምግንዛቡ ንቕሓትን ምቕሉልነትን ናይቲ ጉባኤን ተሳተፍቱን የንጸባርቕ። ነቲ ከም ንድፊ ቀሪቡ ዝነበረ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዘይተሳተፈሉን ዘይእዋናውን፡ ‘ንድፊ መሰጋገሪ ቅዋም’ ብዝበዝሐ ድምጺ ምንጻጉ ኸኣ ሓደ ጭቡጥ ኣብነት ናይ’ዚ እዩ።

እቲ ካልኣይ ዓወት፡ እቶም ካብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ዝመጽኡ፡ ዝተፈላለየ ድሕረ ባይታን ዝንባለን፡ ኩሉ ዓይነት ፍልልያትን ዘለዎም ኣማኢት ኤርትራውያን፡ ነቲ ወኪሎሞ ዝመጽኡ ህዝቢ ደው ኢሎም ብትሪ ክካትዑሉ፡ ግን ከኣ ሓደ ብዘይ’ቲ ሓደ ከምዘይሰልጦም ተገንዚቦም፡ ካብ ጸቢብ ጉጅለኣዊ ረብሓ ግልል ኢሎም፡ ንጉዳያት ብናይ ካልኦት ኣሕዋቶም ዓይኒ ክርእዩዎ፡ ክዛተዩ፡ እናካን ሃባን ክበሃሃሉ፡ ክጸዋወሩ፡ ዲሞክራስያዊ ባህሊ ክለማመዱዎ ምርኣይ እዩ።  ቅድሚ ሕጂ ምስ ዝተኻየዱ ናይ ተቓወምቲ ኣኼባታት ክርአ ኸሎ፡ እዚ ናይ ሎሚ ብስምምዕን ስኒትን ዝተፈጸመ ጉባኤ ብምዃኑ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት እዩ።

እቲ ሳልሳይ ዓወት፡ ቀዳምነቱ ብልክዕ ምልላዩ እዩ። ጉባኤ በቶም ዘጽደቖም ሰለስተ ሰነዳት፡ ማለት ፖለቲካዊ ቻርተር፡ መሪሕ ሓሳብ (ሮድ ማፕ) ከምኡ ‘ውን ሕገ-ህንጻ መሰጋገሪ ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ፡ ከተኵረሉ ዘለዎ እንኮ ዕማም ምዕናው ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍን ምርግጋጽ ዲሞክራስያዊ ለውጥን ምግባሩ እዩ።

በዞም ዝጠቐስናዮም ሰለስተ ነጥብታት ክረጋግጽ ከምዝኽእል፡ እቶም ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝካየዱ ዝነበሩ ኣኼባታትን ዋዕላታትን ተቓወምቲ ሓነቕቲ ዝኾኑ ዝነበሩ፡ ጉዳይ መሰል ብሄራትን ሃይማኖታትን መሰል ምንጻልን ከም እዋናውያን ዛዕባታት ዘይምልዓሎም፡ ንውድቀት ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ክውሃብ ዘለዎ ትዅረት ኣብ ቦትኡ ምህላዉ ዘንጸባርቕ እዩ።  ኣብዚ ክበርህ ዘለዎ፡ ብሄር ይኹን ሃይማኖት፡ ኣብ ኤርትራ ብዙሓዊ ሕብረተሰብ ክዉንነት ምዃኑ ተኻሒዱ ማለት ኣይኮነን። እንታይ ደኣ፡ እቲ ዝመጽእ ለውጢ ማዕርነትን ተሳታፍነትን ኩሎም ኤርትራውያን ዜጋታት ዘረጋጋግጽ ፍትሓዊ፡ ሓቀኛ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ክኸውን ከምዘለዎ ምትእምማን እናመጽአ ምስ ምኻዱ፡ እዋናዊ ቀዳምነታት ኣብ ምልላይ ‘ውን ንቕሓት ይጥረ ከምዘሎ ንምእማት እዩ። ዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ዝዕወተሉ እዋን፡ ኣብ ባይታ ንዘለዉ ፍልልያት ጥራይ ዘይኮነ፡ ዋላ ንግምታት ኣፈላላይ (perceptions) ከይተረፈ ብዕቱብነት ምምልካቶም ዘይስገር ፍትሓዊ ዕማም እዩ። ኩሉ ኤርትራዊ ቀዳማይ ዜጋ ከምዝኾነ ዝተኣማመነሉ ኩነታት ከይተፈጥረ ምሉእ ለውጢ ተረጋጊጹ ክብሃል ኣይክእልን እዩ።

ራብዓይ ዓወት፡ ነቲ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ዝካየድ ቃልሲ ዝመርሕን ዘወሃህድን ‘ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ’፡ ብኽርክርን ልዝብን ምምራጹ እዩ። ቀንዲ ዕላማ ናይዚ ባይቶ ሰፊሕ ተሳታፍነት ህዝቢ ኣብ ቃልሲ ብምርግጋጽ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ምቅልጣፍ ከም ምዃኑ መጠን፡ ንብዙሕነት ሕብረተሰብና ከንጸባርቕ ነይሩዎ። እዚ ምሉእ ብምሉእ ተረጋጊጹ ክብሃል ዘይክእል ‘ኳ እንተኾነ፡ ኣገዳሲ ገስጋስ ኣርእዩ ከምዘሎ ግን ዘይከሓድ እዩ።

ኣብዚ ግደ ዝነበሮም ረቛሕቲ፡ ታሪኻዊ ኣመጻጽኣ ደምበ ተቓውሞን ጂኦግራፍያዊ ውዳበ ኤርትራዊ ስደተኛን እዮም። ካብ ሱዳንን ማእከላይ ምብራቕን ኣውስትራልያን ዝመጽኡ ኤርትራውያን ንኣብነት ዳርጋ ኹሎም ንሓደ ወገን ክፋል ሕብረተስብና ዝውክሉ እዮም ነይሮም። እዚ ምስቲ ዝተጠቕሰ ታሪኻዊ ኣመዓባብላ ተቓወምቲ ውድባት፡ ከምኡ ‘ውን ኣብ ገለ ሃገራት ዝነበረ ሓላፍ ዘላፍ ኣመጻጽኣ ወከልቲ ተደሚሩ ርኡይ ዘይሚዛናውነት ‘ኳ እንተኣኸተለ፡ ዝበዝሑ ጉባኤኛታት ልቢ ኣዕብዮም፡ እቲ ዝምረጽ 127 ዝኣባላቱ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ንብሄር፡ ሃይማኖት፡ ጾታን ዕድመን ኣብ ግምት ኣእትዩ፡ ብዝተኻእለ መጠን ካብ ፖለቲካዊ ሓይልታት፡ ሲቪካውያን ማሕበራት፡ ደቂ ኣንስትዮ፡ መንእሰያት ክውክል ጉባኤኛታት ዝወሰዱዎ ተበግሶን ጻዕርን ዘተባብዕ እዩ።

ደረጃ ኩነታትን ምዕባለን ሕብረተስብና ስለዝድርኸና ኣብዚ መድረኽ’ዚ ንዝቡሕነትና ከነተኵረሉ ግዴታ ከምዘለና ርዱእ እዩ። ይኹን’ምበር ብዋጋ ብቕዓት ክኸውን የብሉን። ስለዚ፡ ወትሩ ኣብ መንጎ ክልቲኡ መዳያት ሚዛን ክንሕሉ ይግባእ።

ምቛም ባይቶ ግን ሓደ ስጉምቲ ጥራይ እዩ። ስጉምቱ ናብ ዝላ ክቕየር፡ ነቲ ዝጸንሐ ምክፍፋል ተቓወምትን ደለይቲ ለውጥን ኣስሚሩ ዝለዓለ ኣካል ደምበ ተቓውሞ ምዃኑ ብግብራዊ ስራሕ ከረጋግጽ ኣለዎ። ኣብ ወጻኢ ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝካየድ ቃልሲ ከምዝዓስል ክገብር፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝነብር ህዝብና ‘ውን ኣብ ልዕሊኡ ሃንቀውታ ከሕድር፡ ብውሳኔታቱን ግብራዊ ስርሑን ክስሕቦ፡ ለውጢ ብዓቢኡ ብተሳታፍነት ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ህዝቢ ከምዝመጽእ ተገንዚቡ ጭቡጥ ምትእስሳር ክፈጥር ይግባእ። ነዚ ንምዕዋት ብኣስተብህሎ ክሰርሓሉ ዘለዎ ዕቱብ ጉዳይ ከኣ፡ ዕብለላ ናይተን ናይ ምምንጫት ባህሊ ምሉእ ብምሉእ ዘይሓደገን ፖለቲካዊ ውድባት ብምግታእ፡ ኣብቲ ባይቶ ህዝባዊ ልዕልና ከረጋግጽ ኣለዎ።

ካልእ ኣብዚ ከይተጠቕሰ ክሓለፍ ዘይብሉ ኣውንታዊ ምዕባለ፡ ጉባኤ ኣብ ደምዳሚ ኣዋጁ፡ ስልጣን ናይ ህዝቢ ምዃኑ፡ ተራ ናይቲ ባይቶ ለውጢ ኣብ ምምጻእ ጥራይ ምዃኑ ዓው ኢሉ ምእዋጁ እዩ። እቲ ባይቶ፡ ‘ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ’ ተባሂሉሉ ዘሎ ምኽንያት ድማ ነዚ ንምጕላሕ እዩ።

ሓፈሻዊ ጎኒ ዓወት ጉባኤ ክንድምድም ከለና፡ ኣብዚ ከም ኣውንታዊ ተራ ከይተጠቕሰ ክሓልፍ ዘይግብኦ ነጥቢ ንዓመትን ፈረቓን ዕቱብ ጻዕሪ ብምክያድ ጉባኤ ክዉን ዝገበረ ኮምሽን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝገበሮ ኣበርክቶ እዩ። ሕጽረታት ኣይነበሮን ማለት ኣይኮነን፡ እንተኾነ፡ እቲ ዘማልኦ ዕማም ይመዝን።  ስልጣኑ ንጉባኤ ኣብ ምርካብ ዘርኣዮ ምቕሉልነት ‘ውን ከይተጠቕሰ ክሓልፍ ኣይግባእን። ንቐጻሊ ይመልኣልና እዩ ዘብል።

ልብና ግን ብዓወት ጥራይ ኣይኮነን መሊኡ፡ ኣሉታዊ ትዕዝብትታት ‘ውን መዝጊቡ እዩ። ልቢ ሳላ ዝገበርና ልቢ ወሲኽና ክብሃል ከሎ፡ ዝተወደነ ወሰኽ ልቢ ከምዝረኽበና ምግንዛብ የድሊ።

እዚ ኩሉ ከም ዓወት ዝገለጽናዮ ርኽበታት ብተሳታፍነት ኩሎም ጉባኤኛታት ዝተረጋገጸ ክኸውን ከሎ፡ ህላወ ህዝብን ሲቪካውያን ማሕበራትን ዘውሓሶ ከምዝኾነ ምጥቃስ ኣድላዪ እዩ። መብዛሕትኦም ፖለቲካውን ውድባት፡ ብዝያዳ ድማ ኪዳንን እቶም ካብ ኪዳን ወጻኢ ዘለዉ ውድባትን፡ እቲ ቅድሚ ሕጂ ዕንክሊል ዘብሎም ዝነበረ፡ ነቲ ዓቢ ሃገራዊ ጉዳይ ጎሲኻ ኣብ ጸቢብ ውድባዊ ረብሓ ናይ ምውሓጥ ሕዱር ሕማም በጨቕ ክብሎም ተራእዩ እዩ። ስልጣንን ዕብለላን ናይ ምቍማት ዝንባሊኦም እናተዳኸመ ይመጽእ‘ኳ እንተሎ፡ ምሉእ ብምሉእ ኣይበለየን። ህዝቢ ነዚ ኣሉታዊ ዝንባለ’ዚ ብኣስተብህሎ ክርእዮን ክቃለሶን ኣለዎ። ነዚ ዘብርህ ጭቡጥ ኣብነታት ‘ውን ኣለና።

መጀመርያ፡ ንተሳታፍነት ህዝቢ፡ ‘ወዮ ተረኺቡ’ ኢልካ ብኣውንታ ብምርኣይ ኣብ ክንዲ ምትብዑ ብዓይኒ ስግኣት ምጥማት ሓደ ካብቲ ብፖለቲካውያን ውድባት ዝተራእየ ጉድለታት እዩ። ተሳታፍነት ህዝቢ ክዉን ኮይኑ ኣብ ዝተረኽበሉ ግዜ ኸኣ፡ ንህዝቢ ኣብ ክንዲ ከምቀንዲ ተዋሳኢ ከም መለቀብታ ወይ ‘ሓፋሽ ውድባት’ ኣተሓሒትካ ምጥማት ኣውንታዊ ኣተሓሳስባ ኣይኮነን።

ሓደ ጭቡጥ ኣብነት ናይዚ፡ ኣባላት ባይቶ ንምሕራይ፡ ብጽሒት ህዝብን ፖለቲካዊ ውድባትን ኣብ ዝማቓራሓሉ ዝነበረ ግዜ፡ ብመሰረት’ቲ ኮምሽን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ተሳታፍነት ህዝቢ ኣብ ጉባኤ 60 ካብ ሚእቲ፡ ናይ ውድባት ድማ 40 ካብ ሚእቲ ክኸውን ወሲኑዎ ዝነበረ፡ ኣባልነት ባይቶ ‘ውን ተመሳሳሊ ረሾ ክህልዎ ኣብ ክንዲ ምጽዓርን ምቕባልን፡ በንጻሩ፡ ኣባልነት ህዝቢ ኣብ ባይቶ 40 ካብ ሚእቲ ናይ ውድባት ድማ 60 ሚእታዊት ክኸውን ተኸራኺሮም። ኣብ መወዳእታ ኸኣ፡ ናይ ውድባት 52 ሚእታዊት (66 ወናብር) ናይ ህዝቢ ድማ 48 ሚእታዊት (61 ወናብር) ክኸውን ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ። ኣባልነት ህዝቢ ኣብ ባይቶ ዝበዝሐ ክኸውን ዝእዝዝ ሕጋዊ ዓንቀጽ ይንበር ኣይንበር ብዘየገድስ፡ እቲ ኣብ ጉባኤ ዓብላሊ ተሳታፍነት ህዝቢ ከምዝህሉ ንምግባር ቅቡል ኮይኑ ዝተረኽበ ርትዒ ክዕጸፍ ኣይነበሮን።

እዚ ጸገም’ዚ ኣብቲ ጉባኤ ኣይኮነን ጀሚሩ፡ ተወከልቲ ክመጽኡ ከለዉ፡ ውድባት፡ ብቐጥታ ወከልቲ ክሰዳ ኣብ ልዕሊ ዝተወሃበን ዕድል፡ ኣባላተን፡ ምስቶም ንህዝቢ ወኪሎም ዝመጹ ተሳተፍቲ ከምዝጫረቱ ብምግባር ካልኣይ ዕድል ምርካበን ፍትሓዊ ኣይነበረን። እዚ ጸገም’ዚ ኸኣ፡ ኣባላት ባይቶ ኣብ ምሕጻይ ‘ውን ተመሳሳሊ ሳዕቤን ኣኸቲሉ።

ፖለቲካውያን ውድባት ዕብለላ ህዝቢ ንምቕባል ምትዕጽጻፍ እንተዘርእዩ፡ ነቲ ኣባላት ውድባት ኣብ ልዕሊ’ቲ ውድባቶም ዝረኸባኦ ብጽሒት፡ ከም ህዝቢ ካልኣይ ዕድል ተጠቒሞም ብምምጽኦም ንዘጋጠመ ምዝንባል ብምክሕሓስ ተሳታፍነት ህዝቢ ኣብ ባይቶ ክብ ንምባልን ንምትዕርራይን ኣበርክቶ ምሃለዎ ነይሩ። ብዓቢኡ ግን፡ ነቲ ዝተሳተፈ ይኹን ብማዕዶ ዝዕዘብ ዝነበረ ህዝቢ፡ ቅሩብነትን ለውጢ ኣተሓሳስባን ውድባት ኣብ ምርካብ ስልጣንን ፖለቲካዊ ተሳታፍነት ህዝብን ኣውንታዊ ምልከት ምኾነ ነይሩ።

ካልኣይ ድኻም ፖለቲካውያን ውድባት፡ ነቲ ኣብ መንጎ ሕድሕደን ዘሎ ምውድዳርን ምትዕብልላን ስልጣን ዝእምት እዩ። እጃመን ካብ ናይ ህዝቢ ተፈልዩ፡ 66 ወናብር ክረኽባ ኣብ ስምምዕ ምስተበጽሐ ‘ውን፡ መሊሰን ኣብ ነንሕድሕደን፡ ኪዳንን ካብ ኪዳን ወጻእን ኣብ ዝብል ናይ ወናብር ክርክር ተሸኺለን። ህዝቢ በብዞብኡ 61 ወከልቲ መሪጹ፡ ናብ መዛዘሚ ጽምብል ኣትዩ ኸሎ፡ ኪዳንን እተን ካልኦት ውድባትን ንኽልተ መዓልታት ብወናበር ተሰሓሒበን። እዚ ኣሉታዊ ዝምባለ’ዚ ክውገድ ኣለዎ።

ኣብዚ ምናልባት ክበርህ ዘለዎ ጉዳይ፡ እቲ ናይ ውድባት ወናብር ኣብ ባይቶ ካብ ናይ ህዝቢ ክውሕድ ዝድለየሉ ምኽንያት ንማለቱ ኣይኮነን። እቲ ባይቶ ብዝተኻእለ መጠን ንሰፊሕ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዘንጸባርቕ ክኸውን ኣለዎ። ምብዛሕ ኣባላት ውድባት ኣብቲ ባይቶ ግን ነዚ ተኽእሎ’ዚ ኣዝዩ’ዩ ዘጽብቦ። ከም ኣብነት ናይተን ፍርቂ ሕብረተሰብና ዝኾና ደቀንስትዮ ተሳተፍነት ኣብ ባይቶ እንተወሰድና፡ ብመንገዲ ውድባት ክረጋገጽ ኣይክእልን እዩ።  ብጭቡጥ ንምዝራብ፡ ካብቶም ብመንገዲ ውድባት ዝተመርጹ ወይ ዝተሓርዩ ኣባላት ባይቶ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ የላን።  እቶም ናይ ለውጢ ሓይሊ እንብሎም መንእሰያት ‘ውን ከምኡ፡ እንተልዮም ኮይኖም ኣዝዮም ውሑዳት እዮም።

እዞም ክብል ኢሎም ዝተጠቕሱ ክልቲኦም ኣብነታት፡ ምስቲ ኣብ መጻኢ ስልጣን ንህዝቢ ምርካብ ዝብል ኣምር ብቐጥታ ዝጋራጨዉ ስለዝኾኑ፡ ኣብ መስርሕ እናሓቐቑ ክኸዱ ህዝቢ ከስተብህለሎምን ክቃለሰሎምን ኣለዎ። ሓደ ፍታሕ ናይዚ፡ እቲ ባይታ ረጊጹ ዘሎ ተሳታፍነት ህዝቢ ሰፊሑን ሰሲኑን ነዚ ድኻም’ዚ ፍጹም ክውሕጦ ኣለዎ። ጉባኤ፡ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ባእታ ይኹን ስልጣን ዘይነበሮ ዜጋ ኣብ ባይታ ተደላዲሉ፡ ብማዕረ ቀጻልነት ናይ ሓደ ዕላማ ዝቕይሰሉን፡ ስልጣንን ወንበርን ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ዘመቓራሓሉን መድረኽ እምበር፡ ዝሓዘ-ሓዘ ኮይኑ፡ ብተምሳል ዲሞክራሲ ሕጋውነት ስልጣን ዝስረቐሉ ኣጋጣሚ ኣይኮነን።

ካልእ ከም ሳልሳይ ነጥቢ ዝጥቀስ፡ ከም ድኻም ጥራይ ዘይኮነ ከም ዕድል ‘ውን ክርአ ዝኽእል ተረኽቦ፡ ካብ ክዉንነት ሕብረተሰብ ኤርትራ ወጻኢ ዝኾነ ስርዓት ዝትንበዩ፡ ብሰላሕታ ዝንቀሳቐሱ ባእታታት ከምዘለዉ ክልለዩ ምኽኣሎም እዩ። ነቲ ናይ ወናብር ክርክር ካብ ዘባልሑዎ ጉዳይ ሓደ እዚ ዝንባለ’ዚ ከምዝኾነ ‘ውን ኣይሰሓትን። ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ደጊምና ከነነጽሮ እንደሊ ነገር እንተልዩ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ብሃይማኖት ይኹን ብሄር ንብዙሕነት ህዝቢ ኤርትራ ዘንጸባርቕ፡ ኣብ ብዙሕነት ዝተሰረተ ሓድነትን ሕድሕድ ምክብባርን ዘምጽእ፡ ማዕርነት ኩሎም ዜጋታት ዝሕሉ፡ መሰል እምነት ዘኽብር፡ ግን ከኣ ካብ ሃይማኖት ነጻ ዝኾነ፡ ስኒት መላእ ሕብረተሰብ ዘረጋግጽ ፍትሓዊ ስርዓት ጥራይ ከምዘዋጽእ እዩ።

ሓደ ዕቱብ ብድሆ ናይዚ ቆይሙ ዘሎ ‘ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ’ እምብኣር፡ እቲ ባይቶ ካብ ዕብለላ ናይቶም ዝጠቐስናዮም ጸበብቲ ረብሓታት ሓራ ዝኾነ ‘ሃገራዊ ባይቶ’ ከምዝኸውን ምግባር እዩ። እዚ ባይቶ’ዚ፡ ዝለዓለ ወኪል ደምበ ተቓውሞ ኮይኑ፡  ዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ምርግጋጽ ኣድማዒ ተራ ክጻወት፡ ነዚ ተረኪቡዎ ዘሎ ሓላፍነት ብብቕዓት ክጥቀመሉ ኣለዎ። ኣሰር ናይዞም ዝጠቐስናዮም ኣሉታዊ ዝምባለታት ኣጥፊኡ፡ዘተኣማምን ፖለቲካዊ ኣካል እንተኾይኑ፡ ህዝቢ ዘይስሕበሉ፡ ሞራላዊ ሕጋውነት ዘይረኽበሉ ምኽንያት የልቦን። ካብዚ ሸተት እንተኢሉ ግን፡ ተሰማዕነት ኣጥፊኡ ተዋሲኑ ክተርፍ እዩ። ዓወትን ውድቀትን ኣብ ኢዱ እዩ ዘሎ። ጉባኤን ምርጫ ‘ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጥን’ ሓደ ስጉምቲ እዩ። ዲሞክራስያዊ ለውጢ ኤርትራ ኸኣ፡ ብዝላ እምበር ብስጉምቲ ጥራይ ዝረጋገጽ ኣይኮነን። ከምቲ ጉባኤኛታት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ብዘይካ ዓወት ካልእ ኣማራጺ የልቦን ብምባል፡ ነቲ ጉዳይ ንምዕዋት ዝተቓለሱዎ፡ እዚ  ባይቶ’ዚ ‘ውን፡ ኣእምሮኡ ኣብሊሑ፡ እጅግኡ ሰብሲቡ፡ ብግልጽናን ተሓታትነትን እንተሰሪሑ፡ ሓይሊ ህዝቢ ኣዋህሊሉ ዘይዘለሉ፡ ዘይዕወተሉ ምኽንያት የልቦን።

ኣማኑኤል ኢያሱ

05 ታሕሳስ 2011

ከም ካልኣይ ክፋል ዝቕጽል ኣርእስቲ፡ ጉባኤ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኢትዮጵያ ምክያዱ ዝነበሮ ጽልዋ ምስ ሓፈሻዊ ኩነታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብምዝማድ ዝድህስስ ክኸውን እዩ።   

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
14 COMMENTS
  • Zigeremo December 7, 2011

    Emma,

    Your wish is our wish. However, I started blaming you for not saying a word about what happen to our brother Daniel Tewolde. People are awaiting your replay.

    • Ande December 8, 2011

      Just keep up the wonderful job. I am very happy to learn that a young Eritrean is at the fore front of our Revolution for Democratic Change.

    • ziblo December 9, 2011

      Amanuel sahle entay dea tiblo zineberka neger sengi’eka nay hade seb mesel mighas nay kalie kem ziteghase eyu tibl neyrka ezi kindi zikon ekea nay daniel tewelde mesel mighas mis mintay eyu ziqutser haye gele bele eka sigab hiji gin tim hitm koinu kulu negerka zigerm eyu haberata kem zeleni nimntay suk elka terediuni alo gin kemu kitkewn yeblkan politican Hign meseln fithin rieten gimt habo kedamnet sir’ayo eka eye kibl zifetu.qusli habi’eka fewsi ayrkeb eyu kemzibehal eye zibl zleku.

  • Popular Front for Dictatorship and Jail(PFDJ) December 7, 2011

    Hgdef mendef makes our country the most hateful and isolated country …
    so the regime must follow his master mind Gaddafi…
    i wish to see Isayas is drown deep in side red sea… so that no one can make a memorial for him………

    • Huluf December 9, 2011

      Popular Front for Dictatorship and Jail(PFDJ,

      I agree with you 100% . It was almost embarassing to see the deliberation of IGAAD in a video. How much detested we have become….never the less it is DIA not even his henchmen. We shall overcome and re-map our culture collectively and earn our credit of the liberation struggle that was so historic.

  • ahmed saleh December 8, 2011

    Amaniel
    It is well analyzed and educational article. I think we need these kinds of teachings to promote
    a healthy mind and soul within our society. Concerning our women issue, I agree with you they
    had been pushed out. We shouldn’t minimize the role they played and their martyrdom to our
    past and present stuggle in Eritrea. Therfore, they are entitled to have a fare share on every aspects of life in our society. The heroic efforts of our brothers/sisters made us feel stronger, hopefull and united and we will continue to advocate our demand to democratic reform in dignity. I assure you, each of us can make a difference and play a role in making our country
    a truly democratic, beutifull and peacefull place where we respect the existence of one onother
    with harmony.

    • ahmed saleh December 8, 2011

      There are a lot of problems to aknowledge regarding our women young and old in
      general. To face the challenge and fight for their right, we as men have obligation to give our patriotic sisters a moral boost and support . That is the best tribute we can give to all of them to show appraciation as civilized people.

  • ጎይተኦም December 8, 2011

    ክቡር ሓው ኣማኑኤል ኢያሱ ሃገራዊ ሰላምታይ የቅርበልካ፡ ኣብቲ ዝተኻየድ ሃገራዊ ጉባኤ ፡ ንጉዳይ ብሄራት ዝምልከት ኣብቲ ናይ ኣዋሳ ብሄራት ሓምሳ (50 ) ብሰላም ክነብሩ እዞም ትሻዓተ ብሄራት”ክ ኢልካ ምጥቃስካ ፡ ማለተይ ነቲ ጉባኤ ዝነጽጉ ትሻዓተ ብሄራት ኢልካ ምግላጽካ”ስ ፡ ጊና በቲ ናይ ህ.ግ.ደ.ፍ ዘጽደቆ ምድጋፍካ”ስ ፡ እንታይ ኾን ይኽውን ? እቲ ሓቂ ኣብቲ ጃርተር ዝጸደቀ ግን መሰል ኩለን ብሄራት ዝኾና መሰለን ተሓሊዩ ኢዩ ጸዲቁ ዘሎ ፡ ብኽመይ ኢኻ ክሳብ ሕጂ ብ 9 ብሄራት ኣብነት ትጠቅስ ዘለኻ፡ እሞ እዚ እውን ካብቲ ዝሃብካዮ ገምገም ጉባኤ ብኣሎታ ምቅራብ ዶ ኣይኮነን። ዮሃና ብሄር ዝኾና ብሄር ኤርትራና ብሄረን ዝረጋገጻ ኣብ ሃገራዊ ጉባኤና።

  • ahmed saleh December 8, 2011

    To my people in ASSENNA.
    I just find out somebody used my identical name at 4.15 p.m on Nov. 24th, as Ahamad Saleh
    mispelling my initial name to portray me the as religious fanatics. I want you all to be alerted.
    And ASSENNA , use his e’ mail address and warn him , It is against the law to do that .

    • ahmed saleh December 8, 2011

      RUMORS ARE SPREAD BY HATERS AND ACCEPTED BY IDIOTS. We better watch out
      from our surroundings.

  • Tsahaye December 8, 2011

    aye amanuel eyasu, kem gazetena koinka srah gazeta keitserh hlnaka shetka. nhaqi shefinka, nktwds ember critically news keyteqrb afka te’atsika. As a journalist, Eritreans expect you to tell them the good, the bad, the obvious and the hidden. Why are you silent about the illegal expulsion of Daniel Tewelde from the leadership of ENCDC? Why were you the first person to defend his rights to attend the conference at Awassa? woyane zbla’e kebdimo keimey gera defira ktzareb. What a shame. Just click the following link gurub libi entegeberka.

    • Tsahaye December 8, 2011

      “Why were you the….” should be “why were you not the…”

  • tek December 8, 2011

    Hi amanuel. I am your fun, when it comes to your superior journalistic qualification, with
    regards to exposing the Issayas regime, and keep the good work. Your comments on the
    congress in Awassa to me was out of touch and self serving.

  • truly, Truly i say to you December 8, 2011

    What an outstanding journalist! what a clear report! Brother Amanuel may God bless you! Please keep it your good job. I realy appreciate all your marvellous presentation. Ignore those criticizing you because you not mentioned about Daneil Tewolde . It is an indication of your cleverity. These people they want to push and divert us from main Issue by bringing individual persons case as the main nation burden issue. Ofcourse I not mean we have to ignore Daneil´s case, even himself many times, cleverly explained us that his case is secondary ,but the nation case as it is primary, because of that I can say Daneil deserves my respect too. But to know who was right or wrong about his case, the responsible nominees themselves they should to examine and justify all the matters atlast they should bring to us the facts, inorder we to know, the decision that has taken against him weather it was fair or not. Those continuously talking about individuals are typical hgdef( PFDJ) agents! If they can what they attempting is simply “a diverting manoeuvre” like the Tigrina say goes “NEGER GEDIFNA NAB GUAL NEGER ” ( ነገር ገዲፍና ናብ ጓል ነገር ንከተእትዉና አይትፈትኑ። )No one is fool!

POST A COMMENT