Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“ልቢ ኣዕቢዩ!!!!”

ክቡራት ኣሓትን ኣሕዋትን ። ሓደ ርእይቶ ወሃባይ “በጃኹም ልቢ አዕብዩ” ብዝበሎ ክጅምር። ኣብዚ “ልቢ ምዕባይ” ማለት “ኣይንተሃወኽ” ንዝብል ትርጉም ንሃቦ። ዘለናዮ ህሞት ብዙሕ ሕልኽላኻት ዝመልኦን ዝተጠናነገ ነገራትን ዘለዎን እዋን ኢና ዘለና። እዞም ሕልኹሉኻትን ጥንግኑጋትን ብሜላን ክንወጾምን

ክቡራት ኣሓትን ኣሕዋትን ።

ሓደ ርእይቶ ወሃባይ “በጃኹም ልቢ አዕብዩ” ብዝበሎ ክጅምር። ኣብዚ “ልቢ ምዕባይ” ማለት “ኣይንተሃወኽ” ንዝብል ትርጉም ንሃቦ። ዘለናዮ ህሞት ብዙሕ ሕልኽላኻት ዝመልኦን ዝተጠናነገ ነገራትን ዘለዎን እዋን ኢና ዘለና። እዞም ሕልኹሉኻትን ጥንግኑጋትን ብሜላን ክንወጾምን ልቢ የዕቢና ክንሓስበሎምን ክንፈትሖምን ጊዚኡ ዝጠልቦ ዕማም እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ብኸምዚ ዘለናዮ ህሞት፡ ብዛዕባ ትማሊ ንዘራረብ እንተልናን ብዙሕ ከነስተንትን ኢና። ትማሊ ሓዲግዎ ዝኸደ በሰላ ቁስሊ ብቀሊሉ ክሓዊ ዝኽእል ነገር ኣይኮነን። ንዑኡ ምስትንታን ግን ንቅድሚት ከሰጉመና ዘኽእል ቁምነገር ክንገብር ዘኽእለና ኣይኮነን። ክርሳዕ ዘለዎ ፍጽሜታት ኣይኮነን። ክርስዖየ እንተበልካውን ክትርስዖ ትኽእል ፍጻመ ኣይኮነን። ትማሊ ዝኣመናዮም ሎሚ ጠላማት ኮይኖም ንኸሶም ኣሎና። ብኣንጻሩ ሰባት ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ጌጋ ጸኒሖም እንተጣዒሶም ስለምንታይ ተጣዒሶም ክንብል ኣይግባእን። ሓሳድ ረኺብና ‘ምበር ተሓላለይቲ ህዝቢ እኮ ኢና መፈጠርና። ዝተጣዕሰ ካብ ልቡ እንተነቂሉ ነቲ ዝተጣዕሰሉ ነገር እሙን ኣገልጋይ ክኸውን ይኽእል ‘ዩ። ነቲ ኣገልግሎት ከኣ ክህቡ ዕድል ክወሃቦም ይግባእ። ኣቶ ዓንደብርሃን (ይቅረታ ኣክንዲ ኣምባሳደር ኣቶ ኢለ እንተጸዋዕኹኻ ቅር ከይብለካ እሓትት) ክከላኸለሉ ደልየ ኣይኮንኩን። ኣቶ ዓንደብርሃን ካብቶም ድቁሳትን ክሳብ ሕጂ ኣገልገልቲ ኢሳይያስ ዘለዉ ይሓይሽ ዝብል እምነት ኣለኒ። ብግልጺ ብምሁርነቱን ብክእለቱን ንሕና ደምበ ተቃወምቲ ክንጥቀመሉ ክንክእል ኣለና። እዚ ሕጂ ዝገብሮ ዘሎ ምንቅስቃሳት ብምሉእ ልብና ክንድግፎ ይግባእ። ዝብለና ምስዑ ሃስያ ዘለዎ ኣይመስለንን። እቲ ሃስያ ካብቲ ዘለናዮ መስመር ከምቶም ቀዳሞት ክዕንቅፈና እንተፈቲኑ ‘ዩ።

ስሚዕቲካ ከምዝመርሓካ ብእኸውን ንሰብ ዘይናቱ ምሃብ ብሕጊ የሕትተካ ጥራይ ዘይኮነ ብሃይማኖት ‘ውን ቅቡል ኣይኮነን። ኣብ ጭቡጥ ነገር ክንዛረብ እዩ ዘጸብቀልና። እቲ ጭብጢ ከኣ ኣብ ቅድሜና እዩ ከምጸሓይ ተኾሊዑ ዝረአ ዘሎ። ብዛዕባ ኣቶ ዓንደብርሃን ንፈልጦ ነገር እንተሃሊዩ ብጭብጢ እዚን እዚን ጌሩ ንበል። ኣብ ደንበ ተቃወምቲ ክቃለስ እንዳበለና ካብ ቃልሱ ንምዕንቃፍ ምዝላፍ ባህሪ ተቃለስቲ ክኸውን የብሉን።  እቶም ካልኦት ምሁራት ይኹኑ ድቁሳት ደገፍቲ ኢሳይያስ ናብ ደንበና ክሕወሱና ምስ ዝደልዩ ሕልንኦም ኣንጺሆም ተጣዒሶም ነቲ ዘገልገልዎ ፉንፉን ስርዓት ኢሳይያስ ክቃለሱ ከነተባብዖም ኣለና እብል። ዕድመ ኢሳይያስ ክሓጽር ዝኽእል ብኸምዚ ሓቢርና ምስ ንቃለስ እዩ። ክንወቃቀስ ንኢሳይያሳዊያን ምንዋሕ ዕድመ ጊዜ ምሃብ ጥራይ እዩ ዝኸውን።

ብዛዕባ ኣቶ ዓንደብርሃን ብዙሕ ዝፈልጦ የብለይን። ንኣስመራ ዩኒቨርሲትይ ሕንፍሽፍሽ ዘእተወላ ምዃኑ ኣብ ጊዜ ጂ 15 ከኣ መዲሩ ከምዝገበረ ይንገር። መጋደልቱ ክጥለሙ ከለዉ ሓቢሩ ኣሳሲዩ ነይሩ። እንተኾነ በቲ ዝገበሮ ሰም ኢሉ ደቂሱ ዝሓደረ ኣይመስለንን። ብፍላይ ንስርዓቱ ራሕሪሑ ምስ ከደ በታ ከም መሳርሒ ኮይኑ ዝተለፋለፋ ቅሳነት ዝረክብ ኣይመስለንን። ድኽመቱ ነቲ ሓቂ ብጊዚኡ ክዛረብ ዘይምኽኣሉ እዩ። ድኽመቱ ከም ነፍሲሄር ሓርበኛ ኣቦና ወዲቫካሮ ንህዝቡ ይቅረታ ሓቲቱ ከምቲ ነቲ ክሩህ ስርዓት ዘገልገሎ ካብታ ንቲ ስርዓት ዝራሕራሓሉ መዕእልቲ ጀሚሩ ንደንበ ተቃወምቲ ከገልግል ዘይምብጋሱ እዩ። ሕጂም እንተኾነ ኣይደንጎየን። እሱ ካብቶም ምሁራት ኢና ዝብሉ ሱቕ ዝበሉ ይሓይሽ። እሱን ካብቶም ነቲ ከርፋሕ ስርዓት ዘገልግሉ ዘለዉ ምሁራት ኣዝዩ ይሓይሽ። ብዛዕባ ህሉፍ ታሪኽ ኣቶ ዓንደብርሃን ክንርድኦ ዝግበኣና ጉዳይ ኣሎ። ኣብትሕቲ ኢሳይያስ ከሎ ዝተበሃሎ ከተግብር ነይርዎ። ከምኡ እንተዘይገብር ነይሩ ምስኡ ክነብርን ናይ ኣምባሳዳርነትን ማዕርግ ክረክብ ኣይመኸኣለን ነይሩ። ኣምባሳደር ምስኮነ ከኣ እዩ ንስርዓቱ ራሕሪሑ ከይዱ።ኣቶ ዓንደብርሃንም እንተኾነ ከም ሰብ ፈሊጡም ከይፈለጠም ይኹን ንዝበደሎ ህዝቢ ክክሕስ ግደትኡ ምዃኑ ፈሊጡ ኣብ ደምበ ተቃወምቲ ኣትዩ ብቲ ዘለዎ ዓቅምን ክእለትን ከገልግል እየ እንተበለ መርሓባእ ዘይንብለሉ ምኽንያት እንታይ ኣሎ፧

በዚ ኣጋጣሚ ብዛዕባ ቅርሕንቲ ራድዮ መድረኽን ኣሰናን ኣልዒሎም ዝዛረቡ ክነቅፎም እደሊ። ብናተይ ርእይቶ ኣሰና ምስ መድረኽ ሓቢሩ ክሰርሕ ኣለዎ በሃላይ ‘የ። እቲ ዝሕመና ዘሎ ኮ ክሓብሩን ክወሃሃዱን ስለዘይከኣሉ ‘ዩ። ክለብ ኣሰና ኣብ ዝብል ጽሑፈይ ሓደ ርእይቶ ወሃባይ ብዛዕባ ማዕከን ዜና ኢሳት ዝሃቦ ርእይቶ ከም ኣብነት ምጥቃስ ይከኣል። መድረክ ክሳብ ኣብ ደንበ ተቃውሞ ዘሎ ምስ ካልኦት ዘይሓብረሉ ኣይረኣየንን። ፍልልይ እንተሃሊዩ ብምዝርራብ ክውገድ ዝከኣል ይመስለኒ። ብዙሕ ጊዜ ኣብ ሓደ እዋን ኣሰና ንመረኻዊያን ስለዝነቀፎም ሓቢርካ ምስራሕ ዘይከኣል ኣይኮነን። ነቀፌታ ማለት እኮ መአረምታ ማለት እዩ። ምንቅቃፍ ንምትእርራም እዩ ዘገልግል። ነቀፌትኦንም ተቀቢሎም ሓቢሮም ክሰርሑ እንተዝኽእሉ እቲ ናይ ማዕከን ዜናታት ውህደት ይመጽእ ኣሎ ከማለት ስለዝኾነ ክንድግፎ ዝግበኣና ይመስለኒ። ሓቢርካ ንምስራሕ ምስምማዕ ብልህነት ‘ምበር ኢድ ምሃብ ኣይኮነንን።

ክብርቲ ኣልማዝ ጓል ኣስመራ ከምቲ ብግልጺ ርእይቶ “ድሕሪ ደጊም ሕዝቢ ብጨለ ዘረባ ዘይኮነስ፡ ከም ብዓል ናይ ወዲ ባካሮ (ነብሱ ይምሓር)፡ ብግልጺ ወጺእካ ናይ ሕሉፍ ጌጋኻ ይቕረታ ምሕታትን፡ ካልኣይ ንኸይድገም ትምህርቲ ምሃብን እዩ እምበር…ገበንካ ከከዊልካ ናብ ሓደ ሰብኣይ ጥራይ ኢድካ ዊጥ ምባል …ንሕዝብና ዘዐግብ ኣይኮነን።” ዝበለቶ፡ እቶም ኣብ ጌጋ ዝነበርኩም ከም በዓል ኣቶ ዓንደብርሃን ንህዝብኹም፡ ኣብ ዝረኸብክምዎ ኣጋጣሚ፡ እቲ በቲ ከይሲ ዝተኣታተወኩም መንፈሰ ትዕቢት ቀንጢጥኩም ደርቢኹም፡ ተንበርኪኩም ካብ ልቢ ይቅረታ ክትሓቱ ይግባእ። ካልእ ይትረፍ ንስለተሳታፍነትኩም ይቅረታ ክትሓቱ ግቡእ እዩ። ይቅረ ምብህሃል ካብ እግዚኣብሄር ስለዝኾነ ክትተግሁ ግዴታኹም እዩ። ህዝብም እምነት ከሕድር ዝኽእል ከምኡ ምስትገብሩን ገበናት እቲ እከይ ስርዓት ኣቃሊዕኩም ደንበ ተቃወምቲ ኣወሃሂድኩም ነቲ ተቃውሞ ምስትድርዕዎ ጥራይ እዩ። ኣልማዝ ከምዝበለቶ  “ሕጂ ድማ ጽሩይ ሓርነታዊ ገድሊ፡ ብሕጊ (ብወረቐት) ዝሰርሕ፡ ንክርስቲያንና፡ ኣስላምና፡ መታሕትና ከበሳና፡ ኩለን ብሄራትናን ኣውራጃታትናን ዝመስል ሰፊሕ ኣወዳድባ እምበር …ብጸቢብ ዓንኬላት ዝቖመ ኣወዳድባ ትርግታ ልቢ ሕዝብና ኣይረክብን እዩ። እንታይ ክንደግም።” ከም ናይ መደምደምታ ሓሳብ ብምውሳድ ደምበ ተቃወምቲ ብትዕግስቲ ንምንቃፍ ከይተሃወኽና ክንጽበ እላቦ።

ምልኪ ይፍረስ ፍትሒ ይንገስ

ሓውኹም

ደብረ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
16 COMMENTS
  • Kilo March 30, 2015

    “Let’s look to what the South African’s did through the leadership of Wilson Mandela. They did not stop just accounting what evils have been done in the past, they have evaluated all what has happened and made reconciliation the rule of the day and are progressing forward for transforming their nation out of misery and poverty joining hands with the apartheid counterparts the white minority. ”

    Beremberas Melekino

    The South African experience is remarkable and should be a good example to all of us. That said, reconciliation is possible only when those who committed crimes or severe mistakes that costed precious lives admit guilt, tell the whole truth and ask forgiveness. Now, in our case nothing of the sort is happening. Higdef leaders want blame only one notorious mad man, as if they have nothing to do with his crimes, and then join the opposition camp as its new bosses. Is that ok with you ?. It seems for you there is no problem. For others, and there are many who express these views clearly on this forum, they want see these people show some humility, admit that they too had done mistakes, before seeing them joining the rank and file of opposition camp. Else, there is no point in dealing with them. Trust is gained only when there is sincerity and lack of it means people will have no choice but stay away from them. On the other hand, ordinary Higdefites, should not have any problem, we should do everything possible to win them on our side. For those in leadership positions it’s a different story.
    Hence, reconciliation is indeed needed, but only with those who show sincerity and ask forgiveness to Eritrean people.

POST A COMMENT