Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ልቢ ዘይብሉ ልቢ የብቁል፡ ልቢ ዘለዎ ልቢ ይዓድል!

ትማሊ 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ፡ ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ካብ ዝተዘከራ መዓልቲ ስዉኣት ዝተፈልየት ብምዃና፡ ንርእሳ ንነዊሕ እዋን እናተዘከረት ክትነብር እያ። ኣብታ ሓርነትን ናጽነትን፡ ሕግን ፍትሕን ተሓሪሙዋ ዘሎ ሃገርና፡ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ፡ ጽንጽንታ ሰላም

ትማሊ 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ፡ ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ካብ ዝተዘከራ መዓልቲ ስዉኣት ዝተፈልየት ብምዃና፡ ንርእሳ ንነዊሕ እዋን እናተዘከረት ክትነብር እያ። ኣብታ ሓርነትን ናጽነትን፡ ሕግን ፍትሕን ተሓሪሙዋ ዘሎ ሃገርና፡ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ፡ ጽንጽንታ ሰላም ሰሚዑ ተስፋ ዝሰነቐላ መዓልቲ ስለዝኾነት።

ምስቲ ኹሉ ገጢሙዎ ዘሎ መስገደል፡ ዝኽሪ ሰማእታት ካብ ኣእምሮን ልብን ህዝቢ ኤርትራ ምንቕ ዘይብል ረዚን ኣጋጣሚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ሰማእታቱ ብኣካል `ኳ እንተተፈልዩዎ፡ ከም ሓድጊ ህያውነቶም ምእንትኡን ምእንቲ መጻኢ ወለዶታቱን ዝገደፉሉ ሕድሪ ከይፈረየ ከምዘይተርፍ ተስፋ ቆሪጹ እምነት ኣጥፊኡ ስለዘይፈልጥ እዩ። እንሆ ድማ፡ ድሕሪ 20 ፈተነ፡ 20 ሰነ 2018፡ ጎጎብ ተስፋ ኮይናትሉ ውዒላ። ከምቲ ደጋጊምና ዝበልናዮ፡ ዝኽሪ ስዉኣት ንህሉዋት ተስፋ ምስ ዝምግብ፡ ህላወ ህሉዋት ምስ ዘረጋግጽ እዩ፡ ትርጉምን ነባርነትን ዝህልዎ።

እቲ ኣብ ቅድሚ ልቦናን ልዙብነትን ናይቲ ንኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነ ንቐርኒ ኣፍሪቃ ከይተረፈ ካብ ሰማይ ዝወደቖ ኮኾብ ኣብይ ኣሕመድ፡ ካርድታቱ ሓቚፉ ዝቐነየ ኢሳይያስ፡ ቅማሪኡን ግምታቱን ብዘየገድስ፡ ዋላ `ኳ ድሕሪ `ቲ ብደረጃ ኣፍሪቃ መመሰሊኡ ኮይኑ ዝነበረ ንጹል መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን፡ ካብቲ ተሓቢኡሉ ዝጸንሐ ብዓቲ ወጺኡ፡ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ንመጀመርያ ግዜ ንክዉንነት ፊትንፊት ጠሚቱ፡ ኣውንታዊ ቃና ከድምጽ ትብዓት እንተርኣየ ክምስገን ዝግብኦ ብርቂ ተርእዮ እዩ።

ገና ኣሽንባይ ዶ ጎጎ ክስንከት፡ መቕሎ ኳ ናብ ኦትን ኣብ ዘይተሰቕለሉ እዋን ኣብ ሻኻ ተስፋ ሃለዋትካ ክሳብ ዝጠፍኣካ ምድቃስ እዋኑ ኳ እንተዘይኣኸለ፡ ናብኡ ምብጻሕ መታን ክከኣል፡ ኣብ ከርሲ `ዚ ብርቂ ተርእዮን ጎጎብ ተስፋን፡ ህዝብታትን መንግስታትን ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ነዚ ተፈጢሩ ዘሎ ዕድል ብዘይ ግብዝና ክጥቀሙሉ ምእንቲ፡ ልቢ ከብቁሉ ወይ ልቢ ክዕድሉ ይግባእ። ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ዘባኸኑዎ ህይወትን ግዜን ዘጥፍኡዎ ናይ ልምዓትን ምዕባለን ዕድል መዳርግቲ ከምዘይብሉ ተገንዚቦም ንኣበገስቱ ክድግፉዎም፡ ነቶም ዕድላት ከኣ ክከናኸኑዎም ኣለዎም።

ኩሉ ተርእዮ ሳዕቤን ከምዘለዎ መጠን፡ ንዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝፈጠሮ ኩነታት ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝገበሮ ምንቅስቓስ እዩ። እዚ ኪኖ ኢትዮጵያ ንኩነታት ኤርትራ ከይተረፈ ሓቚኑዎ ዘሎ፡ ዋላ ናብ መሬት ወሪዱ ኸሎ መመሊሱ ዝዂላዕ ኮኾብ ናብ ሰማይ ስለዘይምለስ ግን፡ ኣብኡ ይጽንሓልና `ሞ ኣብ ጉዳይና ነተኩር።

መጀመርያ፡ ኣቤት `ወ ኣብቲ ናይ ፈንጠንዝያን ሕጽኖትን እዋን፡ ቅድሚ 27 ዓመት፡ ከምዚ ሕጂ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንኣቢይ ኣሕመድ ዝብሎ ዘሎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኮኾብ ክኾነሉ ዝተመነዮ `ሞ፡ ከይወዓለ ከይሓደረ ኣብቲ ብኢደ ወነኑ ዝገበቶ ዘበነ ስልጣን ኳዂቶ ኮይኑ ከሳቕዮ ብዝጸንሐ ኢሳይያስ ክንፍልም። ካብቲ ትማሊ 20 ሰነ፡ ናብ ኢትዮጵያ ልኡኽ ክሰድድ ምዃኑ ዝኣመተሉ መግለጺ ድማ ክንጅምር።

ኢሳይያስ፡ ምሉእ ምስጋና ኣይትርከብ ኢሉዎ፡ እንተስ `እዝኒ ህዝቢ ኤርትራ ክፉእ ምስማዕ ስለዘላመድኩዎ ነቲ ብስራት `ውን ምስማዕ ከይስእኖ` ኢሉ፡ እንተስ ኣመል ከይተርፍ፡ ኣብ መንጎ እቲ ብሱል ዝሕውሶ ዝነበረ ጥረ፡ ኢሳይያስ ገና ልቢ ኣቢይ ንምግዛእ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ጥራይ ከምዝርከብ ዘመልክት `ኳ እንተኾነ፡ እቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ልኡኽ ክሰድድ ምዃኑ ዝሃቦ መግለጺ ክሙጎስ ዝግብኦ እዩ። ኳዂቶ ሰቲ ክኸውን `ኳ እንተዘይከኣለ፡ እሾኹ ጎዲሙ ምውጋእ እንተገደፎ `ውን ካብ ምርጋም ስለዘድሕን ጽቡቕ ፋል እዩ።

እቲ ኹሉ `ወያነ` እናበልካ ጸርፍን ዘለፋን ግን እንታይ ኣምጽኦ፡ እንታይ እቶት ከ ክህልዎ እዩ? ብሓቂ ከምቲ ዝእምቶ ዝነበረ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሰላምን ምትሕግጋዝን ክመጽእ፡ ዝምድና ክልቲኦም ህዝብታት ናብ ንቡር ክምለስ ዝደሊ እንተደኣ ኮይኑ፡ ኢትዮጵያ ትግራይ ረጊጽካ እምበር፡ ትግራይ ሰጊርካ ኣይትርከብን እያ። ንኢትዮጵያ ኣብ ክልተ ከፊልካ ንምዝራብ ዝፍጠር ዘሎ ሓድሽ ናራቲቭ ወይ ኣገላልጻ እምበኣር ትርጉም የብሉን።

ልክዕ እዩ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ብስምምዕን ውሳኔን ዶባት ከምዝቕየድ ኣፍሊጡ ጻውዒት ሰላም ኣብ ዘቕረበሉ ግዜ፡ ቅድሚ ኹሉ ብሓጎስ ክቅበሎ ዝነበሮ፡ እቲ ካብ ዝኾነ ኢትዮጵያዊ ወገን በዚ ግጭት ናይ ዝተሳቐየን ዝተቐርቀረን ህዝቢ ትግራይ ወኪል ዝኾነ ህውሓት እዩ። እንተኾነ፡ ነቲ ካብ ባይትኡ ተበጊሱ ቅድሚ ኹሉ ምእንቲ ሰላምን ዕርቅን ጻውዒቱ ዘመሓላለፈ ህዝቢ ትግራይ፡ ኣንጻር ድሌቱን ጠቕሙን ንሰላምን ዕርቅን ክቃወም ንሰላማዊ ሰልፊ ከምዝለዓል ምግባሩ ወይ ከኣ ጠቕሙ ከምዝርድኦ ገይሩ ከምዝዘሓሓል ኣብ ክንዲ ምግባር፡ ነቲ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሕልፊ ድማ ንህዝቢ ትግራይ ዘርብሕ እስትራተጂካዊ ተበግሶ ሰላምን ዕርቅን ዘተኣጓጒል ዘይንጹርን መደናገርን መግለጺ ምውጽኡ፡ ዓቢ ስሕታን እዩ። ንስሕታን ዕብዳን እንተተወሲኹዎ ግን ምስይጣን እዩ ዝመጽእ። ስለዚ ሕጂ `ውን ህግደፍን ህውሓትን ንህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ብሕልፊ ድማ ንህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ትግራይን ኣብ ምውጻዕ ሕዞሞ ዝጸንሑ ብርክታት ገና ምሉእ ብምሉእ ከምዘይሰሓቡዎ እዩ ዝእምት። ስለዚ ቅድሚ ኹሉ ልቢ ከብቁሉ ዘለዎም ንሳቶም እዮም።

ኣንቱም ሰባት፡ ህዝቢ ኤርትራ `ኮ ኣብ ገዛእ ቤቱ ምንባር ስኢኑ ጸሪሩ፡ ተጸንቂቑ እዩ። ይኣኽሎ! እንታይ ገበረ ብኽልተ ከምጸላእቲ እናተጻረፉ፡ ኣብ ወፈራ ምጥፍኡ ዝተሓጋገዙ መሻርኽቲ ብቐጻሊ ክሳቐ ዝነበር። እቲ ዕላማ ከምቲ ካብ ርኹስ መልሓስ ገለ ጽያፋት ዝወጽእ ሕቖኡ ምስባር እንተደኣ ነይሩ ሳላ ሓገዝ ኢሳይያስ እንሆልኩም ተፈጺሙ። እሞ ኸ፡ ህዝቢ ኤርትራ ሕቖኡ ስለዝተሰብረ፡ ሕቖ ህዝቢ ትግራይ ደልዲሉ ዶ፡ ክልተ ዓንዲ ሕቖ ኣጫሊዱ ዶ ይመስለኩም? ኣይፋልን፡ ነቲ ሓቂ እቲ ደቁ ኣብ ደቡብን ማእከልን ምዕራብን ኢትዮጵያ ከም ማንቲለ እናተሃድኑ ዝተቐትሉዎ ህዝቢ ትግራይ፡ ካብ ምጉሳስ ሕቖ፡ ሞት ከምዝኸፍእ ኣጸቢቑ ይፈልጦ እዩ። ብሰሜንን ደቡብን ኣብ ስግኣት ቁሊሕ እናበለ ተቐርቂሩ ክነብር እትፈርዱዎ ደኣ ስለምንታይ? ነቲ ቅድሚ ክልተ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣዋርሕ ዝተፈጸመ ናዕብን ጥፍኣትን ዕንወትን፡ ኣሽንባይ ዶ ንዓኹም ንዓና `ኳ ንረዲኤት ዘደናደነና ከቢድ እዋን ከም ሕማም ሕርሲ ርስዕ ኣቢልኩም፡ `ኢሮብ ካብ ኤርትራ ትዓቢ` ዝተጻሕፎ ታቤላ ዘሰከምኩሞ ግሩህ ትግራዋይ ሰሪዕኩም ኣንጻር ድሌትን ሃንቀውታን ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ልዕሊ ኹሉ ኣንጻር ድሌት ህዝቢ ትግራይ ምንቅስቓስኩም ዘይሓላፍነታዊ ተግባር እዩ። ስለዚ ብኽልቲኡ ወገን፡ ኣብ ላዕለዎት ቀጸላ ዘሎ፡ እቲ ኣብ ጸቢብ ናይ ስልጣን ረብሓ ዝተመስረተ ህልኽን ውድድርን ከብቅዕ ኣለዎ።

ከምቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣብ ፓርላማ ኢትዮጵያ ብልዙብ ኣገባብ ዝኣለዮ፡ ኢሳይያስ፡ ናይ ዕርቅን ስኒትን ላዛ ዘለዎ ቋንቋ ብምጥቃም፡ ናይ ሰላም ድሌቱ ከንጸባርቕ እንተዝፍትን፡ ኣብቶም ዝዘለፎም ትግራዎት ከይተረፈ ናይ ሰላም ድሌት ኣጠጢዑ ነቲ ናይ ዶር ኣብይ ተበግሶ ኮነ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ባህጊ መጎልበተ ነይሩ። ህውሓት ድማ፡ ተሓላቒ ናይቲ ባዕሉ ከም ኣባል ኢህወደግ ዝወሰኖ ትግባረ ስምምዕን ውዕልን ደኣምበር፡ ተቓዋሚኡ ኮይኑ ከተኣጓጒሎ ክፍትን ኣይነበሮን። በንጻር`ቲ ሰብ እናሸምገለ ክኸይድ ከሎ ናብ ኣምላኽ ክቐርብ ዝፍትኖ፡ ጉንዲ ሸይጣን ሓቚፍካ ምንባር፡ ሓጥያት ክልቲኡ ውድባት ኣራቢሑ ህዝቢ ዝልክም ኣበሳ እዩ።

መቸም ደላዪ ሰናይ እንተተረኺቡ ልቢ ንኹሉ እንድዩ ዝኣክል፡ ካብዚኦም ቀጺሎም ክልብሙ ዘለዎም፡ ብኽልቲኡ ወገን ዘለዉ፡ ከይተመራመሩ ሆ ምባል ዝሓዳሮም፡ ኣብ ክንዲ ማይ ዘፍስሱ ቀሸም ዝውስኹ እሙናት መጋበርያታት እዮም። ብሕልፊ እቶም ኢሳይያስ ዓይኑ ሰም ከምብል ሰም ዘብሉ፡ ከጽቅጥ ዘጽቅጡ፡ ኢሳይያስ ከም ጆክ ጥራይ ዝርእዮም መጣቓዕቲ ደገፍቲ ህግደፍ፡ ጎይትኦም ኣንፈት ከሊኡዎም ኣብ ማይ ዝኣተወት ኣንጭዋ ኮይኖም ከምዘይቀነዩ፡ ትማሊ 20 ሰነ ኢሳይያስ ዝበሎ፡ ‘Game Over’ ዝብሉዎ ናይ ኢንክሒራ ቃል እናደገሙ ኣብቲ ክቡር ዕለተ ሰማእታት ሽምዓኦም ደርብዮም ክሰኽሩ ምሕዳሮም ዘተሓሳስብ  እዩ። The game has just begun! ኣንቱም መሳኪን፡ በጃኩም ዋላ ንሓንቲ መዓልቲ ኣእምሮኹም ወኒንኩም፡ ናይ ገዛእ ርእስኹም መርገጺ ውሰዱ። ከም ዝሞተት ኣድጊ ዝብኢ ናብ ዝወሰደኩም ክትጉሰሱ ኣይትንበሩ። ፈለማ፡ Congratulations ክብሃል ዝነበሮ 1ይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ እምበር ኢሳይያስ ኣይኮነን። ንስኻትኩም ግን፡ ቀጠልያ መብራህቲ ኢሳይያስ ስለዝደንጎየኩም እቲ ዮሃና ንመን ከምዝብሃል `ውን ጠፊኡኩም ከተዕነይንዩ፡ ከም ኣመልኩም ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ባድመ ከይወጽአ ዝርርብ ዝብሃል የለን ክብሃል ከሎ 18 ዓመት ከምዘየጣቓኩም፡ ሕጂ ልኡኽ ኤርትራ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክኸይድ ዩ ክብሃል ከሎ `ውን ተጣቕዑ ኣለኹም። እንተኾነ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ባድመ ከምዘይወጽአ፡ እቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኸይድ ልኡኽ ኤርትራ ድማ ክዘራረብ እምበር ቦክስ ክገጥም ይኸይድ ከምዘየሎ ክበርሃልኩም ይግባእ። እምብኣር ኩሉ ግዜ ጨነ ካብ ትኹኑ፡ ስለ ኽብረትኩም ነብስኹም ወንኑ፡ ሓንጎል ሰብ ይሃልኹም። ሓቀኛ ጻውዒት ሰላም ክመጽእ ከሎ፡ በየናይ ምኣዝን መጺኡ ብዘየገድስ ምስ እትድግፉዎ ጥራይ እዩ፡ ኣብ ህዝብኹም ተገዳስነት ከምዘለኩም ዝርአ። ንረብሓ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን እምበር ጎይቶትኩም ከተሐጉሱ ኣይትንበሩ።

ካልእ ብዓቢኡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ጉዳይ`ዚ ክዝክሮ ዘለዎ፡ ግጭት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዋላ እንተተፈትሐ፡ ሽገር ኤርትራ ተፈቲሑ ማለት ከምዘይኮነ ክዝንግዕ ከምዘይብሉ እዩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዚ ናይ ዕርቂ ጉዳይ ዝበጽሐ፡ ፈለማ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ፡ ኣብ ፍትሕን መሰልን ዜጋታት ኣድላዪ ወፈራ ጽሬት ብምግባር ጀሚሩ እዩ። ስለዚ ቅድሚ ኹሉ፡ ወይ ከኣ ማዕረ ማዕረ እዚ መስርሕ ዕርቅን ሰላምን ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ጸገማቱ ፈቲሑ፡ ናይ ውሽጡ ዕርቅን ሰላምን ክፍጽም ከምዘለዎ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ዘይተሰርሐ ዕዮ-ገዛ ከምዘለዎ፡ እቲ ብምስምስ ተጎልቢቡ ዝጸንሐ ጉዳዩ ከምብሓድሽ ዝጅምረሉ እዋን ሕጂ ምዃኑ ኣጸቢቑ ክግንዘብ ኣለዎ።

ካብቲ ዕዮ ገዛ ብቀዳምነት ዝርአ ቁልፊ ኣርእስቲ ድማ፡ እቲ ኢሳይያስ ከም ኣታሓዛ ፈራሓት ኣብ ትሕቲ ወንበሩ ጉድጓድ ፍሒሩ ቀቢሩዎ ዘሎ ብዘይ ወዓል ሕደር ክትግበር ዘለዎ ሃገራዊ ቅዋም ኤርትራ እዩ። ነቲ ሰማእታት ኤርትራ ብሕድሪ ዝገደፉዎ ቅዋም ሞይቱ እናበልካ፡ ኣብ 20 ሰነ ብስዉኣት ምቑዛም ላግጺ ጥራይ እዩ። ነዚ ቅድሚ 20 ዓመት ከሰላስሎ ዝነበሮ ሕቶ እምብኣር፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብለዓቱ ዓትዒቱ ክተሓሓዞ ኣለዎ። ትግባረ ቅዋም ማለት፡ ምሕላው ሰብኣዊ መሰል፡ ምፍታሕ እሱራት፡ ምኽባር ሕጊ ምርግጋጽ ፍትሒ፡ ምውሓስ ነጻነት ምንቅስቃስ፡ ምኽፋት ናይ ስራሕ ዕድል፡ ምርግጋጽ ቁጠባዊ ሓርነት ማለት እዩ። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ፡ ትንፋሱ ኣብ ቅዋም ተሓቢኡ ከምዘሎ ተገንዚቡ፡ እቲ ዝምነዮ ሰላም ምሉእ ምእንቲ ክኾነሉ፡ ትንፋሱ ክረክብ ክከራኸር ኣለዎ።

ብዘይ ቀልዓለም ክንዛረብ እንተደኣ ኴንና፡ ኢሳይያስ ነዚ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዘቕረቦ ጻውዒት በቲ ዝበሎ መንገዲ ዝቐበለሉ ዘሎ ምኽንያት ደላዪ ሰላም ስለዝኾነ ኣይኮነን። መመሳመሲ ካርዱ ሓሪሩ ኣብ ኩርናዕ ስለዝኣተወ እዩ። ከምቲ ናይ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ጎደናታት ወጺእካ ኳ እንተዘይተሰለፍካ፡ ነቲ ፌንጂ ዝተቐብሮ፡ መንደቕ ጽልኢ ዝተተኽሎ ዶብ ሰጊርካ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ምድናቕካ ንርእሱ መርኣያ ተቓውሞኻ ንኢሳይያስን ኣብ ክንድኡ ናይ ኤርትራ ኣብይ ክትረክብ ናይ ዘለካ ሃረርታ መርኣያን እዩ። እቲ ሰላምን ዕርቅን ብሓባራዊ ድሌትን ጻዕርን ኩሎም ኢትዮጵያውያን ጥራይ ክመጽእ ከምዝኽእል ኣጸቢቑ ዝፈልጥ ኢሳይያስ፡ ነታ ሓንቲ ላም ብየማን ንኢዱ ብጸጋም ምቊንጻቡ `ውን ገና መራግእቲ ናይቲ ዘይበለየሉ ምስምስ ከቐምጥ ስለዝደለየ ምዃኑ ድማ ክፍለጥ ይግባእ። ስለዚ፡ ነቲ ጻውዒት ብኣውንታ ምምላሱ ህያብ ኢሳይያስ ዘይኮነ ጉንዖኻ እዩ። ስለዝኾነ፡ ኢሳይያስ ሂቡ ከይከልኣካ ከተቀባጥረሉ ዘይኮነ፡ ነቲ ኣውንታዊ ምላሽ እናተባባዕካ፡ ሕሳብ ውሽጣዊ ጉዳይካ ካብ ምግባር ክትቦኲር የብልካን። ኣብዚ መድረኽ`ዚ ክትርስዖ ዘይብልካ ተመክሮ ፡ ባህርያት ኢሳይያስ እዩ። ኢሳይያስ፡ ረብሓ ህዝብን ሃገርን ዘቐድም ንነዊሕ ዝጥምት ስትራተጂካዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎ መራሒ ዘይኮነ፡ ብሕትውና ስልጣኑ ንምንዋሕ ግዝያዊ ስልቲ ናይ ምጥቃምን ግዜ ናይ ምምራጽን ፍሉይ ክእለት ዘለዎ ሓደገኛ ሰብ ምዃኑ ክትርስዕ የብልካን። በዚ መሰረት፡ ከምቲ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተጻልኣሉ እዋን፡ ምስታ ተጻሊኡዋ ዝነበረ ሱዳን `ኣኽዋን ኣኽዋን` ዝተበሃሃለ፡ ሕጂ ናብ ኢትዮጵያ ገጽ ዝመልሰሉ ዘሎ እዋን፡ ምስ ሱዳን ምትፍናን ኣብ ዝጀመረሉ እዋን ምዃኑ `ውን ኣይትዘንግዕ።

ኣመል ኢሳይያስ ከምዘመልክቶ እምብኣር፡ ነቲ መስርሕ ዕርቂ ምስ ኢትዮጵያ፡ ንዓኻ ንህዝቢ ኤርትራ ብዝጥዕም መንገዲ ዘይኮነ፡ ዕድመ ስልጣኑ ኣብ ምንዋሕ ብዝሕግዝ መንገዲ ክሳብ ዝገብሮ፡ ብዝተኻእሎ መጠን ግዜ እናመጠጠ ከደናጉዮ ከምዝፍትን ተገንዚብካ፡ ዕቱብ ምክትታል ክትገብር `ውን ከድልየካ እዩ። ኣብ መወዳእታ እቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝግበር ርከብ ንባዕሉ ናይ ገዛእ ርእሱ ድርኺት ወይ ዳይናሚክስ ምፍጣሩ ስለዘይተርፎ፡ ባህግኻን ድሌትካን ንሰላምን ራህዋን ሓርነትን ግድን ክቀላጠፈልካ ምዃኑ ከተስተውዕለሉ ይግባእ።

ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሰላም፡ ሕግን ፍትሕን፡ ምዕባለን ስልጣኔን፡ ፍስሃን ራህዋን ዝዝጥጥዓላ ባይታ ብዓባያ ስለዝኾነት፡ ብጽቡቕ ድሌትካን ቃልስኻን ዱዂዒ ክትውስኸላ ክትጓየ ሓላፍነት ኣለካ። እዚ ብሰንኪ ጽላለ መራሕቲ ቅድሚ 20 ዓመት ዝመጽአ ግጭትን ንሱ ዘስዓቦ ምትፍናንን ኣኽሲሩካ ዘሎ ዕድል ሓደ ወለዶ ኣምሊስካ ከም ዓለምካ ንቡር ህይወት ከተስተማቕር ዝግብኣካ ውጹዕ ህዝቢ ኢኻ `ሞ እግርኻ መሊእካ ጉየ፡ ልብኻ መሊእካ ሕሰብ። ሰላም ይንገስ፡ ቅዋም ይተግበር ኢልካ ዕርፊ ኣጽንዕ። ኣጆኻ፡ እቲ ከም ህዝቢ ኣብ ደንደስ ምጽናት ዘብጽሓካ መስርሕ ደኣ ይኮለፍ እምበር፡ እግርኻ ምስተኸተኽለ፡ ልብኻ ምስ ጨብጨበ ንኹሉ ዓሚምካ ኣብቲ ስዉኣት ደቅኻ ብዋጋ ህይወት ዝተመነዩካ በሪኽ ሰፈር ክትስቀል ምዃንካ ዘማትእ ኣይኮነን። ምእንቲ`ዚ፡ ሎሚ ልቢ ዘይብሉ ልቢ የብቁል፡ ልቢ ዘለዎ ድማ ልቢ ይዓድል።

ምልኪ ይፍረስ ፍትሒ ይንገስ!

ኣብ መንጎ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ሰላም ይስፈን!

ኣማኑኤል ኢያሱ

ሓሙስ 21 ሰነ 2018

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • Hara June 21, 2018

    Senay zereba!! Kendii hiji iyu..nezi SebAy kintinkekelu zelena..nhna kinkedom do adey Marta…endabele ..kolel kebla iyu….Ata Amaniel kem beAl nska Hizbi ziHareyom telazibom
    zikElu….dlet hizbi zemaliU yedili….ALO…
    .AMLAK YHAGHZ

  • meretse June 21, 2018

    ኣንታ እወ እቲ ቀለም – ኣወዳድቃ ዘረባ
    ናይ ገለ ገለን – ትሩፍ ደጊም ዓለም ቶባ
    ናይ ሓደ ሓደን – ጣዕሙ መዓር ጸባ
    ፍረ እንተዝከውን – ንነብሲ ቀለባ
    ከብዲ ምጸገበት – ካብዚ ቀናጢባ
    ኮኮብ ኣሎ ትብል – ኣብ ማዕዶካ
    “ኮኮብ ጽባሕ” – እንከሎካ ባዕልካ
    እንተ ናይ እቲኣቶም
    እቲ ሓደ ዃዂቶ እቲ ሓደን ደንደር
    እዚኦም ከሎዉ ደቂስካ ነይሕደር
    ውጹዕ ህዝቢ ተንስእ ተበራበር
    ሕልሚ ፈሪሕካ ደቂስካ ነይሕደር
    ነዚ ጽሑፍ ናይ ህቡብ ጋዜጠኛ፡ ሓው ኣማኒኤል ኢያሱ፡ ምስ ኣንበብኩ፡ ብዘይ መጠን ተሓጒሰ፤ ብኡ መጠን ከኣ፡ ብዘይካ እዛ ሓጻር ሪእቶ፡ ዝብሎ ስኢነ። ሓው ኣማኒኤል ዕድመን፡ ጥዕናን፡ ሓቅን ኩሉ ግዜ ንዓካ ይሃብ !!!

  • meretse June 21, 2018

    ይቅረታ ኣብ ጽሕፈት ዝተሰግረት
    እቲ ሓደ ዃዂቶ እቲ ሓደን ደንደር
    ጣዕሞም ዝጨረሹ ኩሎም ሓደ ዒደር

    • Danilo June 21, 2018

      ሓው መረጸ፡ባላ-ይ-ብልካን።ኣማንኤል እያሱ’ውን ዚኣጎመ ልቢ ዘብቁልን ዘከፋፍልን ማእከል ግብረ ስርናይ እንሆ ይኽፍት።እቲ ማዕረድ ( exhibition ) free of charge ንባጎኒታት ህግደፍ ጥራይ ።እቲ ዝተረፈ ግን ኮሚተ ፍትሒ ንወከስ ጥራይ።

  • fessehazion zemicael June 21, 2018

    An Empowering article

    An awakening article targeting not to forget our homework against the internal oppression of our people and exposing the cheats of the dictatorship in Eritrea while seizing the opportunities of peace calls from Ethiopia to solve the meaningless border conflict. Both the Ethiopian and Eritrean people living in this border must be included in resolving this conflict. There is no problem if both dialogue and demarcation go side by side. The forces for democratic change in Eritrea must be careful not to be cheated by this divisive narratives of self-appointed Eritrean president.

  • Yordanos June 22, 2018

    Amanuel eyasu kind shih zblae zereba tsebuk gerka felitkayom aloka nsu yu eti haki keep going bro god be with you!

  • k.tewolde June 22, 2018

    Do they know that it is the solstice( the first day of summer) in Eritrea? on this day the voice of their son cracks across the planes,above the mountain peaks and through the cotton clouds of our homeland beckoning his people to rise for this new season,take this rare opportunity of peace offer and use it as a tool to carve their own future,it is a message for the ages,are you listening?

  • ተወልደመድህን June 22, 2018

    ኣብዛ ህልኽ ዝመል ኣ ዓለም ብዙሕ ዘይእሰር ነገር ኣሎ።ገሊኡ ትቃለሶ ገሊኡ ምስ ግዜ ስለዝመሓየሽ ሸለል ኢልካ ይረአ።ንጸዋዒት ሰላም ምላሽ ምሃብ ግቡእ ጥራይ ዘይኮነ ሳዕቤኑ ዝርከቦ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ።ቅጭ ዘምጽእ ዕብዳን ኢስያስ ግን።ል ኡኹ ን ኣዲስ ኣበባ ምስዳድ ወይ ነገር ንምእላም ከምታ ኣብ ለንደን ዝተካዝየደ ኣኬባ።ድሕሪኡ ኣነ ከይመጻእኩ ኣስመራ ኣይትእተው ኢሉ መልእኽቲ ዘመሓላለፈ ወይ ከኣ ብሓቂ ተምበርካኽነት ኢዩ።ኩሎም ንሰላም ቅሩባት እንተኮይኖም ን ኣዲስ ሎክሎኽ ከይበላክ ክስናዶ ዝግበኦ ርካብ ተገይሩ ኣብ ሳልሳይ ሃገር ርክቦም ኣካይዶም ድህሪኡ ከም ስምምዖም ክገብሩዎ ይኽእሉ።እዚ ባዕልካ ሎክሎክ ምባል ኢድ ምንሳእ ኢዩ።ንሰላም ዘሎኒ ተገዳስነት ኣብ ቦት ኡ ከሎ።ህዝብን ሃገርን ዘንዕቕ ስራሕ ምስራሕ ሰንኪ ኣለዎ።ካልእ ብዘይካተን “ነዚ ክቡር ዕለት ዝወፈቡ——–“ምባል ነጢሩ ኣብ ጸርፍን ሁከት ዝመልስ ኣዘራርባን ኢዪ ሓሊፉ።እዚ ከኣ ኣብ መዓልቲ ስውኣትን ኣብ ቅድሚ መቓብርን ምጅሃር ምትህልላክ ባህሪ ሓደ ጥዑይ ሰብ ኣይኮነን።

Post a Reply to Hara Cancel Reply