Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ልኡኻት ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ሚላኖ፣ ኣብታ ከተማ ዝርከባ ኣዴታት ካብቲ ኣብ ቦለኛ ከካይዱዎ መዲቦሞ ዘለዉ ፈንጠዝያ ከይቦኽራ መታን ዝተፈላልየ ብልሓት እናተጠቕሙ ብቐጻሊ ጸቕጢ ይገብሩለን ከምዘለዉ ተፈሊጡ።

ኣብ ከተማ ሚላኖ ዝርከቡ ቆንስል ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስን መሓዮታቱን፣ ኣብታ ከተማ ዝርከባ ኣዴታት እቲ ስርዓት ኣብ ቦለኛ ከካይዶ መዲቡዎ ካብ ዘሎ ፈንጠዝያን ዳንኬራን ከይተርፋ ምእንቲ፣ ን 7-8 ግዜ ብቴለፎን እናደወሉ፣ “ኣብቲ ውራይ ንነፍሲ ወከፍክን መደብ

ኣብ ከተማ ሚላኖ ዝርከቡ ቆንስል ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስን መሓዮታቱን፣ ኣብታ ከተማ ዝርከባ ኣዴታት እቲ ስርዓት ኣብ ቦለኛ ከካይዶ መዲቡዎ ካብ ዘሎ ፈንጠዝያን ዳንኬራን ከይተርፋ ምእንቲ፣ ን 7-8 ግዜ ብቴለፎን እናደወሉ፣ “ኣብቲ ውራይ ንነፍሲ ወከፍክን መደብ ስራሕ ተዋሂቡክን ስለዘሎ ፣ ብሰንኪ ምትራፍክን እቲ ተመዲቡልክን ዘሎ ስራሕ እንተቦዂሩ፣ ብሓላፍነት ተሓተቲ ኢኽን፣ ከይትተርፋ” እናበሉ ብቐጻሊ ጸቕጢ ይገብሩለን ከምዘለዉ ምንጭታት ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።

እቶም ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ምፍርራሕ ዕማም ተዋፊሮም ዘለዉ ልኡኻት ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፣

1 –  ርእሶም ገብረገርስ – ቆንስል ህግደፍ

2 – ዮርዳኖስ  – ጸሓፊት ቆንስል

3 – ተስፋይ – ካብ ቤትጽሕፈት ቆንስል

4- ጎይቶኦም ዮሃንስ ዝተባህለ ልኡኽ ህግደፍ እዮም።

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ልኡኻት ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ እቲ ብስም መበል 40 ዓመት ኣብ ቦለኛ ከካይዱዎ ዝሸባሸቡሉ ዘለዉ ፈንጠዝያ መታን ከይጽሙዎም፣ ኣዴታት ናብ ኤርትራ ክገብራኦ ዝሓሰባ መገሻ ኣቋሪጸን ክሳተፋ ብምሕባል፣ ገና ኣብ መስርሕ ሕቶ ዑቕባ ንዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ‘ውን ኣብ መጽንሒ ቦታኦም ልኡኻት ኣዋፊሮም ብምድንጋር ኣብቲ ፈንጠዝያ ከምዝሳተፉ ክገብሩዎም ኩሉ ዓይነት ውዲታት ይጥቀሙ ኣለዉ።

ብዘይካ ‘ዚ፣ ኣብ ዓዲ ጥልያን ንዝርከቡ ደገፍቲ ናይቲ ምልካዊ ስርዓት ተቓወምቲ ክመጹ ስለዝኾኑ መታን ከየጥቅዑኹም ኣብ ክንዲ በብውልቂ በብጉጅለ ክንቀሳቐሱ ኣለኩም ዝብል ናይ  ምፍርራሕ ሜላ ብምምሃዝ፣ መኻይድቲ ሒዞም ክመጹ ይጉስጉሱዎም ኣለዉ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
42 COMMENTS
  • giorgis July 3, 2014

    አርትራ ኣንክል ካን ወያነ ውያነ ክትብል ጽሓይ ዓሪባትካ ህግደፍ ኢሰያስ ታይ ተቓዋሚ ኣድልይዎ ኣይባዕሉ እንድዩ ወድቀቱ ዝትልም ዘሎ እዛ ሕስርቲ ፕሮፖጋንዳውያነ ውያነ ተበሊላ ኣይትሰርሕን እያ ፡፡ኣብ ኤርትራ ገለ ገለ ሰባት ልክዕ ከምዚ ናትካ ንኢስያስ ተምልክ ዘሎካ ንሃይለ ስላሰ ዘምልኩ ነይሮም ዉድቀቱ ምስቀረበ ንሳቶም ቅድሚ ኩሉ ክከድዕዎ ጀሚሮም ምስደርጊ ኮይኖም፡፡ ኢስያስ ከማካ ዘኣምሰሉ እጸቢቁ ዝፈልጠኩም ስሱዓት ክላብ ምካንኩም፡፡ እውራጃታት ሓዲግኩም ኣብ ወረዳታት ወሪድኩም መሳኪን ደረፍቲ ኣኪብካ ያኢ ሰብ ክትጥበረለይ ኣኪላትኩም እያ ሎምዘመን ንሱ የፍርስ ይገርፍ ይኣስር ንስኩም ተጣቕዑ ንወድቀትኩም’፡፡

POST A COMMENT