Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ልኡኻት ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ እስራኤል፣ ነቶም ብምኽንያት ንግደት የሩሳሌም ናብ እስራኤል ዝገሹ ኤርትራውያን ነጋድያን ብጽዑቕ መደባት ከምዝጽመዱ ብምግባር፣ ምስ ስደተኛታት ደቆም ከሕልፉዎ ዝግብኦም ግዜ የጻብቡሎም ከምዘለዉ ምንጭታት ካብ እስራኤል ሓቢሮም።

ልኡኻት ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ እስራኤል፣ ነቶም ብምኽንያት ትንሳኤ ናብ የሩሳሌም ዝገሹ ኤርትራውያን ነጋድያን ኣቦታትን ኣዴታትን፣ ብጽዑቕ መደባት ከምዝጽመዱ ብምግባር፣ ምስቶም ብኽንደይ መስገደልን ስቓይን ዝተሰዱ ኣብ እስራኤል ዝርክቡ ደቆም ከሕልፉዎ ዝግብኦም ግዜ ብሜላ የጻብቡሎም ከምዘለዉ

ልኡኻት ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ እስራኤል፣ ነቶም ብምኽንያት ትንሳኤ ናብ የሩሳሌም ዝገሹ ኤርትራውያን ነጋድያን ኣቦታትን ኣዴታትን፣ ብጽዑቕ መደባት ከምዝጽመዱ ብምግባር፣ ምስቶም ብኽንደይ መስገደልን ስቓይን ዝተሰዱ ኣብ እስራኤል ዝርክቡ ደቆም ከሕልፉዎ ዝግብኦም ግዜ ብሜላ የጻብቡሎም ከምዘለዉ ምንጭታት ካብ እስራኤል ሓቢሮም።

ልኡኻት ናይቲ ስርዓት ከም መቐጸልታ ናይቲ እቶም ናይ ተቓውሞን ለውጥን መንፈስ ዘለዎም ደቆም ፖለቲካዊ ጽልዋ ከየሕድሩሎምን  ስድራቤታዊ ርክቦም ንምድራትን ዝሓንጸጹዎ መደባት ን 6 ግንቦት እቶም ነጋድያንን እቶም ርካቦም ደገፍቲ ናይቲ ምልካዊ ስርዓትን ዝሳተፉዎ ጽምብል ኣዋዲዶም ከምዘለዉ እቲ ሓበሬታ ኣገንዚቡ።

ኣምባሳደር ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ እስራኤል ተኸስተ ተስፋማርያም (ወዲ ባሻይ) ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ቴልኣቪቭ ወጻኢ ተመሳሳሊ መደብ ኣብ ዝገበረሉ ኣጋጣሚ ዕግርግር ድሕሪ ምፍጣሩ፣ ካብ ቤትጽሕፈቱ ኪኖ 25 ኪሎሜተር ርሒቑ ተመሳሳሊ ጽምብል እንተገይሩ ተሓተቲ ከምዘይኮኑ ፖሊስ እስራኤል ከምዘጠንቀቑዎ ይፍለጥ።

በቲ ልኡኻት ናይቲ ስርዓት ነቶም ነጋድያን ብመደባት ኣጻቢቦም ንምቍጽጻርን ዝሓንጸጹዎ መደብ መሰረት ትማሊ 5 ግንቦት ኣብ ምዉት ባሕሪ ናይ ጃልባ ጉዕዞ ዝገበራ ካብ ኤርትራ ዝመጻ ነጋድያን ኣዴታት፣ ካብ ሓሳብን ትጽቢትን ናይቶም መራሕቲ ናይቲ መደብ፣ ነቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሓፈሻ፣ ብፍላይ ድማ እቶም ብስቓይን ግፍዕን ዝመልአ ከቢድ ጉዕዞ ስደት እስራኤል ዝኣተዉ ዝመብዝሑ መንእሰያት ዝርከቡዎም ኤርትራውያን ካብ ዝፈትዉዋ ሃገሮም ርሒቖም ንዘሕልፉዎ ዘለዉ ናይ ስደት ኩነታት ዘንጸባርቕ ምህለላ ኣብጺሐን።

ኣብቲ ብምኽንያት መብል 25 ዓመታት ናጽነት – ኣይረሳዕናዮን ብዝብል ኣርእስቲ ረቡዕ ረቡዕ ብራድዮ ኣሰና እንፍንዎ ዘለና ካብ ኣብ ሰነዳት ራድዮ ኣሰና ዝተመርኮሰ መዘኻኸሪ ትከታተሉዎ ከምዘለውኹም፣ መብዛሕትኦም እዞም ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኣሕዋትን ኣሓትን ግዳይት ነጋዶ ሰብ ራሻይዳን በደዊንን ኮይኖም ዘሕለፉዎ መከራን ስቓይን ኣብዚ ምዋእል ‘ዚ ኣብ ዓለም መዳርግቲ የብሉን። ንምህልላን ለመናን ናይተን ለዋሃት ኣዴታት ሓያልን ተንካፍን ዝገብሮ ድማ፣ ነዚ ምስ ደቀን ዝነበር ዘሎ ኣካላውን ስነኣእምሩኣውን በሰላ ዘይምርስዐን እዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • sara May 6, 2016

    I am proud of the mothers and fathers of Eritrea. …they need to take our message to our people and update our people in Eritrea . We are with them.

  • mohamed May 6, 2016

    ppl must face them every where to the bad iseias dogs

  • k.tewolde May 6, 2016

    Makes you wonder how long they can hold it together, guaranteed majority of the mushmush government’s budget goes to sileya both inside the country and in diaspora.It is crippling, the epitome of paranoia,anti revolutionary.That is why the country is on a standstill and its counterparts are placing orders for dozens of Boeing dream-liners and gazing to heavens through powerful telescopes.This one cannot even put together an airline in its own name. Jelgadat!

  • AHMED SALEH !!! May 6, 2016

    TEWAHDO church became the playing ground of HGDF savages who worship
    the power of evil to come with foolish political approach on religious elders at sacred land pilgrimage . That is shameful acts of idiots .
    We better restraint ourselves in respect HOLY LAND (ARD AL-KUDUS) to
    avoid from sinning like them and leave the judgement up to GOD .
    In fact it reflects the extension of Eritreans problem where it’s
    root had been originated inside the country . And we can’t fight
    HGDF evil tail if we can’t get close to its head .

  • Berhe Tensea May 7, 2016

    The mothers, fathers. and their children option is to ignore the PFDJ tactics systematically, otherwise they will end up in Satanic ghailan dankeran against their main objectives.

  • Berhe Tensea May 11, 2016

    Here in North America, a group is in the process of forming, and its main objective is to lobby and inform the Israeli government to stop being used and lied to by refugee claimants who are abusing the system by misleading officials about being genuine refugees.
    The Israeli government is going to be advised to deport Eritrean refugees who are trying to side with their assumed abuser.
    Israel is hosting too many refugees who don’t qualify or deserve a refuge, and hopefully things will change in few months.
    I hope and wish that the PFDJ, puppets to get deported and end up in Sawa, digging endless and useless Dighas, and end up serving and being the slaves of the generals.
    Finally, again we must stay tuned for the coming good news.

Post a Reply to AHMED SALEH !!! Cancel Reply