Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ልኡኽ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞሲያዊ ለውጢ ምስ ናይ ኣመሪካ ወጻኢ ጉዳያት ተራኺቡ።

ብኣቶ ተወልደ ሃብተሚካኤል ኣባል ፈጻሚት ሽማግለን ሓጂ ጀሚል ኣማን ኣቶ ክፍለዝጊ ገብረመድህን ኣባላት ባይቶን ዝምራሕ ልኡኽ ብሚያዝያ 16, 2012 ምስ ናይ መንግስቲ ኣመሪካ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሰበ-ስልጣናት ኣብ ዋሽንግቶን ተራኺቦም ሰፊሕ ዘተ ኣካይዶም። ብዛዕባ ሃገራዊ

ብኣቶ ተወልደ ሃብተሚካኤል ኣባል ፈጻሚት ሽማግለን ሓጂ ጀሚል ኣማን ኣቶ ክፍለዝጊ ገብረመድህን ኣባላት ባይቶን ዝምራሕ ልኡኽ ብሚያዝያ 16, 2012 ምስ ናይ መንግስቲ ኣመሪካ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሰበ-ስልጣናት ኣብ ዋሽንግቶን ተራኺቦም ሰፊሕ ዘተ ኣካይዶም። ብዛዕባ ሃገራዊ ባይቶ ዘካይዶ ዘሎ ንጥፈታት ኣስፊሖም ዘትዮም። ኣብዚ እዋን’ዚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ግፍዓውን ጨካንን ህግደፍ ዝተባለ ጉጅለ ዘሕልፎ ዘሎ ሓሳርን መከራን ዝመልኦ ናብራ ብዝርዝር ኣብሪሆም።ክምኡ ድማ መንግስቲ ኣመሪካ ነቲ ብባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመሓላለፈ ማዕቀብ ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ግብሪ ክትርጎም ከም ዘለዎን ከምኡውን ነቲ ህግደፍ ካብ ኣብ ኣመሪካ ዝነብሩ ኤርትራውያን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝእክቦ ግብሪ (2%) ደው ክብል ከምዘለዎ ኣጥቢቖም ሓቢሮም።

ብተወሳኺ ብዛዕባ ኣቃውማ ሃገራዊ ባይቶን ዕላምኡን ከምኡውን እዚ ባይቶ ዳርጋ ናይ ኩለን ተቓወምቲ ውድባትን፡ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮን፡ መንእሰያትን ከምኡውን ሲቪካውያን ማሕበራትን ወካሊ ምዃኑ ኣብሪሆም። ሃገራዊ ባይቶ ካብቲ ዘካይዶ ዘሎ ንጥፈታት ሓደ ምስ ዝተፋላለዩ መንግስታትን ከምኡውን ዓለምለኻዊን ዞባውን ውድባት ዘካይዶ ዘሎ ዝምድናታት ኣብሪሆም። እዚ ዝምድናታት እዚ ድማ ኣብ ናይ ሓባር ጥቕሚ ዝተመርኮሰ ኮይኑ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናማዕበለ ዝኸደሉ ኩነታት ኽልቲኦም ወገን ዘትዮሙሉ።

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ

4/20/2012

aseye.asena@gmail.com

Review overview
25 COMMENTS
  • Agamino2001@yahoo.com April 22, 2012

    Korakur woyentieeee!!! Hasot hasot!!!! you will die one by one in the middle of lie. We and Afom keep marching while you thugs and bugs will bark. hah aha ha . Woyentie!!! Korakur!! Eritrea will exploded with massive minerals and floursish across the world. Chenawi zenawi and you will bee ended up with empty illusion. Ha ha