Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ልኡኽ ጉዳያት ወጻኢ ህግደፍ ዑስማን ሳልሕ፡ ብሓሶት ዝቐይሕ

ልኡኽ ጉዳያት ወጻኢ ህግደፍ ዑስማን ሳልሕ ኣብ መበል 70 ጉባኤ መራሕቲ ሃገራት ተረኺቡ መዲሩ፡፡ ኣብ’ዚ ብ3ጥቅምቲ ልክዕ ክልተ ዓመት ናይ’ቲ 368 ኤርትራውያን ኣብ ባሕሪ ላምፐዱሳ ዝጠሓልሉ ዕለት ዝገበሮ መደረ፡ ነቶም ግዳያት ክዝክር ዝተጸበዮ ኤርትራዊ ኣይነበረን፡፡

ልኡኽ ጉዳያት ወጻኢ ህግደፍ ዑስማን ሳልሕ ኣብ መበል 70 ጉባኤ መራሕቲ ሃገራት ተረኺቡ መዲሩ፡፡ ኣብ’ዚ ብ3ጥቅምቲ ልክዕ ክልተ ዓመት ናይ’ቲ 368 ኤርትራውያን ኣብ ባሕሪ ላምፐዱሳ ዝጠሓልሉ ዕለት ዝገበሮ መደረ፡ ነቶም ግዳያት ክዝክር ዝተጸበዮ ኤርትራዊ ኣይነበረን፡፡ ንህልቂት ዜጋታቱ ክብሪ ዝኸልእ ውርደተኛ ጉጅለ ስለዝኾነ፡፡ ድሕሪ ክልተ ዓመት ይትረፍ፡ እቲ ሓዘን ብውዑዩ ልቢ ኤርትራዊ ኣብ እተሰብረሉ ኣብ ክንዲ ደበስን ምጽንናዕን፡ ህግደፍ ሓንሳብ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ካልእ እዋን ሬሳታቶም ክንቅበል ንመርመራ ዲኤን ኤ ዶላር ክፈሉ ብምባልን በዓል ብምድላውን ክደፍኖ ፈቲኑ’ዩ፡፡

ዑስማን ሳልሕ ኣብ’ዚ ንመጀመርያ ጊዜ ካብ ጽላሎት ህግደፍ ርሒቁ ግን ከ  ብህግደፍ ተዳልዩ ዝተዋህቦ ጽሑፍ ኣንቢቡ፡፡

ንሱ፡” ኣብ ዘይርትዓዊትን ዘይማዕርነታዊትን ዓለም ንነብር ከምዘሎና ዘይክሓድ’ዩ፡፡ ግጭትን ኵናትን፡ ኣኺሉ ዝተርፍ ሃብቲ ከሎ ክቱር ድኽነት፡ ቆልዑ ክውገዱ ብዝኽእሉ ሕማማት ይሞቱ፡ ፍትሒ ብቐጻሊ ተረጊጹ፡፡ሕቡራት ሃገራት ነጸብራቕ ናይ’ዚ ዘይርትዓዊን ዘይዲሞክራስያውን ኣህጉራዊ ስርዓት’ዩ( world order)፡፡ ነዚ ብውሑዳትን ሓያላትን ዝተዓብለለ ኣካል ንምሕዳስ ክንጽዕት ኣሎና” ኢሉ፡፡

ልኡኽ ህግደፍ ብዛዕባ ርትዕን ማዕርነትን ኣብ ዓለምን ምሕዳስ ሕቡራት ሃገራትን  ምምዳሩ ናይ መጀመርያ ልኡኽ ኤርትራ ኣይኮነን፡፡ ኢሳያስ ኣብ ፈለማ ናጽነት  ኣብ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ መንበሩ ከየጣጥሐ ነቲ 30 ዓመት ዝገበረ ውድብ ክሕደስ ኣለዎ ብምባል ተዛሪቡ ምንባሩ ይዝከር፡፡ ልኡኽ ህግደፍ ዑስማን ሳልሕ ድማ ነቲ ዘረባ ኣብ ናይ ዓለም መንግስታት ከይሓነኸ ደጊምዎ፡፡

ንሱ ብሓቂ ዲፕሎማት ኤርትራ እንተዝነብር፡ ብፕረዚደንት ጂቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ ንዝቐረበ ንኤርትራ ዝኸስስ መደረ ክምልስ ነይርዎ፡፡ ፕረዚደንት ዑመር ገለ ኤርትራ ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዓለምን ሓደገኛ’ያ ብምባል ተዛሪቡ፡፡ ብዘይካ’ዚ፡ ሃገሩ ብ2008 ብወተሃደራት ኤርትራ ከምእተወረረትን ዛጊት ድማ እቲ ወጥሪ ብሰንኪ ኣዕናዊ ኣካይዳ ኤርትራ መዕለቢ ከምዘይተረኽቦ ናብ’ቲ ባይቶ ከሲሱ፡፡ ፕረዚደንት ዑመር ገለ ኣብ ልኡላውነት ሃገሩ ዋጋ ዕዳጋ ከም ዘይገብር እውን ኣጠንቂቑ፡፡ ልኡኽ ህግደፍ ዝቐረበ ክሲ ከቢድ ከምዝኾነ ዝስሕቶ ኣይኮነን፡፡ እንተኾነ እቲ ተለማሚድዎ(rehearse) ዝመጽአ ጽሑፍ ንልሳኑ ቆሊፉ ምግልባጥ ከሊእዎ፡፡ካብ’ቲ ዝተዳለወሉ ጽሑፍ ወጻኢ እንተተዛሪቡ ዝዓልቦ በትሪ እውን ይፈልጥ’ዩ፡፡

ልኡኽ ህግደፍ ንውድብ ሕቡራት ሃገራት እናዘለፈ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተጻዒኑ ዘሎ እገዳ ከልዕለሉ ምምሽኻኑ ተገራጫዊ መልእኽቲ ከምዘሕለፈ ንጹር’ዩ፡፡ ካብ ሓደ ዘይፍትሓውን ዘይርትዓውን ብምባል ክሕደስ ኣለዎ ዝበልካዮ ኣህጉራዊ ውድብ ፍትሒ ምልማን እግርን ከበሮን በበይኑ ዶ ኣይኮነን?

ኣቶ ዑስማን ብዛዕባ ኤርትራ ንተጋባእቲ ካብ ዘቕረቦ ድማ “ ሎሚ ኤርትራ ኣብ ዜግነታዊን ጠማሪን ዝተሞርከሰ፡ ንሰብኣዊ መሰልን ክብርን ትሕሉ፡ ሰላማዊት፡ ርግኣት ስኒትን ውሕስነትን ዘለዋ ሃገር’ያ” ኢሉ፡፡

መርማሪ ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብ ጀነቭ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ኣብ ኤርትራ ማዕረ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ተፈጺሙ ክኸውን ከም ዝኽእል ገሊጹ፡፡ ኣብ’ቲ ንልዕሊ ሓሙሽተ ሚእቲ ግዳያት ብምዝርራብን 150 ብጽሑፋት ዝቐረበሉ ኣብ ኤርትራ ዝተፈጸመን ዝፍጸም ዘሎን ግህሰት መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል ብዝርዝር ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኒውዮርክ ክዛረበሉ’ዩ፡፡ ኣቶ ዑስማን ብዛዕባ’ዚ ሽዑ ተረኺቡ ዝህቦ መልሲ ምጽባይ ዘድሊ ኣይመስልን፡፡

ኤርትራ ሰላማዊ ህዝቢ’ምበር ብሰላም ዘመሓድር መንግስቲ የብላን፡፡ ድምጺ ብረት ዘይምስማዕ ግን ምልክት ሰላም ኣይኮነን፡፡ ሰላምን ርግኣትን ብመንፈሳዊ ቅሳነት ዜጋታት ዝረጋገጽ’ዩ፡፡ ቁራስ ባኒ ንምርካብ መስርዕ፡ ማይ ንጎረሮ ኣብ ምምሕዳር ጠሪዕካ ብኩፖን ኣብ እትዕደለሉ ሃገር ሰላምን ርግኣትን ኣሎ ምባል ኣይከኣልን፡፡ ሰባት ጨቖቕ ኢሎም ዘጥረይዎ ኣባይቲ ዓዲ ቀይሕ፡ ሰገነይቲ፡ ኣርባዕተ ስመራ፡ ዳዕሮ ቃውሎስ፡ ጎዳይፍ ሕምብርቲን ካልኦትን ብዶዘራት ዓንዩ ዘልዓሎ ደሮና ብደሮና ኣቶ ዑስማን ዝዕብሎኽ ኣይኮነን፡፡

ኤርትራውያን ውሕስነት ስኢኖም ኣብ ፈቕድኦ ይብተኑ ከምዘለው እቶም ተጋባእቲ ልዕሊ ኣቶ ዑስማን ይፈልጡ፡፡ ሃገራት ኤውሮጳ ብኤርትራውያን ስደተኛታት ዓቕለን ኣጽቢበን፡ እንተተመሰለለን ነቲ ዋሕዚ ንምዕጋቱ 200 ሚልዮን ኤውሮ ክልግሳሉ ከምዝወሰና ካብ መን ክኽወል?

ኣቶ ዑስማን ንባብ ቀጺሉ “ ኤርትራ ድልዱል መሰረት ንቀጻሊ ምዕባለ ምስ ማሕበራዊ ፍትሒ ኣስፊና፡፡ንኣሰጋገርቲ ሰባት ትቃለስ ኣላ፡፡ ንመንእሰያትን ደቀንስትዮን ልዑል ደረጃ ናብራ ትህብ” ኢሉ፡፡

ህዝቢ ኤርትራ ዝነበሮ ክቡር ባህሊ ተባሕጕጉ፡ መሰረቱ ንሂሉ፡፡ ጉዳያት ብሰበይ ሰብካን ብገንዘብን ስልጣንን ዝሳለጠላ ሃገር’ያ፡፡ ኣሰጋገርቲ ሰባት ካብ ዝግርግሩ 15 ዓመት ገይሮም፡፡ ዕግርግር ዕዳጋ ሽሻይ ንሌባ’ዩ፡፡ ሕግን ስርዓትን ኣብ ዘይብላ ኤርትራ፡ ኣዘዝቲ ሰራዊት ምስ ራሻይዳን በደዊንን ተመሻጢሮም ዝዘርግሕዎ መርበብ  መሸጣ ሰብን ኣጽዋርን ከምዘሎ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ኣረጋጊጾሞ፡፡ ቀጻሊ ምዕባለስ ይትረፍ ነቲ ዝጸንሐ ምዕቃብ ተሳኢንዋ ትሰሓግ ዘላ ሃገር ከምዝኾነት ካብ’ታ ሃገር ዝወጽኡ መንእሰያት፡ መሰነይታ ዘይብሎም ህጻናት፡ ኣረጋውያንን ኣካለ ስንኩላንን ንምርኣይ ኣብ መደበር ስደተኛታት ኢትዮጵያን ሱዳንን ምብጻሕ የድሊ፡፡ ደቀንስትዮ ናጽላ ደቀን ሓዚለን  ኣብ ባሕሪን ምድረበዳን ይጠፍኣ ኣለዋ፡፡  ሂወተን ሂወት ደቀንን ናብ ሓደጋ ከእትዋ ባህጊ ስለዘለወን ወይ ከም’ቲ ኢሳያስ ዝበሎ ንዙረት ኣይኮናን፡፡

ማሕበራዊ ፍትሒ ድንቂ ቃል’ያ፡፡ትርጉም እዛ ቃል ልኡኽ ወጻኢ ጉዳያት ህግደፍ ተቐሚጥዋ ዘሎ መንበር ትነግሮ’ያ፡፡ ኣብኣ ቅድሚኡ ተቐሚጦም ዝነበሩ ንማሕበራዊ ፍትሕን ንግዝኣተ ሕግን ዋጋ ዝኸፈሉ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ጴጥሮስ ሰለሙንን፡ ሃይለ ወልደትንሳኤን ካልኦት መዛንኦምን ኣብ ዒላዒሮ 14 ዓመት መመላእታ ደሃዮም የልቦን፡፡ ሰብ ሕልናኡ ክሸይጥ ማዕረ ክንዲ’ዚ ዲዩ፡፡ ብፍላይ ከኣ ንፍትሕን ናጽነትን ተቓሊሰ ዝብል ሰብ፡፡ ንዝሰምዕ መትኒ ዝትንክፍ ፡ ስቓይን ኣውያትን ሚኒስተር ማሕሙድ ሸሪፎ   ከይሰምዖ ኣቶ ዑስማን ኣእዛኑ ብክልተ ኢዱ ዓቢሱ፡ ብጋኔን ዝተጻሕፈ ኣንቢቡ፡፡ ትማሊ ትማሊ ኸ ዓሳክር ኢሳያስ ንሚኒስተር ጸዓትን ማዕድንን  ኣሕመድ ሓጅ ዓሊ ካብ ቤት ጽሕፈቱ ከም ገበነኛ እናወቕዑ ኣሲሮም ክወስድዎ ከለው ኣቶ ዑስማን ኣይረኣዮን ወይ ኣይሰምዐን ኣይበሃልን፡፡ ነብሱ ፈትዩ፡ ነዛ ሓጻር ዕድሚኡ ብምቾት ክነብር  ምሕሳው ካብ መረጸ ግን ታሪኽ ኣለዎ ቦታ ፡ ሃገር ኣይትነብርን’ያ ጸልሚታ፡፡

ደጎል ድራር

 

———————————

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
14 COMMENTS
  • tesfa890 October 12, 2015

    nekulu geze alewo

  • saba October 20, 2015

    said why u blaiming the world tell ur boss to free eritrians frist.you guys dont know what u r talking about just flow ur the killer.God bless or ppl and eritrea

POST A COMMENT