Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ልዕሊ ሸውዓተ ሽሕ ተምሃሮ ካልአይ ደረጃ ዞባ ማእከል ብሓይሊ ተገዲዶም ናብ ሳዋ ወሪዶም።

ብዕለት 15 ሓምለ 2015 ካብ ዞባ ማእከል ብሓይሊ ተገዲዶም ልዕሊ ሸውዓተ ሽሕ ተምሃሮ ካልአይ ደረጃ ናብ ሳዋ ወሪዶም። እዞም ናይ ዓሰርተ ሓደ ክፍሊ ትምህርቶም ወዲኡም ናይ ዓስርተው ክልተ ክፍሊ ትምህርቶም አብ ሳዋ ንኽመሃሩ፤ ከምኡ ድማ

ብዕለት 15 ሓምለ 2015 ካብ ዞባ ማእከል ብሓይሊ ተገዲዶም ልዕሊ ሸውዓተ ሽሕ ተምሃሮ ካልአይ ደረጃ ናብ ሳዋ ወሪዶም። እዞም ናይ ዓሰርተ ሓደ ክፍሊ ትምህርቶም ወዲኡም ናይ ዓስርተው ክልተ ክፍሊ ትምህርቶም አብ ሳዋ ንኽመሃሩ፤ ከምኡ ድማ ናይ መበል 29 ዞርያ ሃገራዊ አገልግሎት ኮይኑም አገልግሎቶም ንክቕጽሉ ብዝብል ስም ናብቲ ወፈሪ ባርነት ተባሂሉ ድጽዋዕ ናይ ባርነት መሰጋገሪ ማእከል ሳዋ ወሪዶም አለው። ካብዞም ተምሃሮ እቶም መብዛሕትኦም ስድራ ቤቶም ድጾሩን፤ ናይ ስድራ ቤት ሓላፍነት ዘለዎም ኢዮም። መብዛሕትኦም አብዚ ናይ ማሕረስ ግዜ ንወለዶም ዝሕግዙን ድርብ ሓላፍነታት ዘለዎም ኢዮም።፡እንተኸነ ግን ስርዓተ ህግደፍ ብምምሕዳር ከባቢታት ከቢድ ጸቐጥን መጠንቀቕታን ክህብ ስለዝቐነየ ብሓይሊ ወሲድዎም አሎ። ካብዚም ልዕሊ ሓምሳ ካብ ሚእቲ ደቂ አንስትዮ ምኻነን ተፈሊጡ አሎ። አብዚ መ ዓስከር ሓያለ ግፍዕታተን ምግሳስን ከምዝፍጸም ከምኡ ድማ ብሓማም ዓሶ ሓየለ ሰባት ከምዝሞቱ ዝፍለጥ ኢዩ። ህግደፍ ነዚ ናይ ዓሶ ግዜ ኮን ኢሉ ከምዝመርጾ ዝፍለጥ ኢዩ። ስርዓት ህግደፍ ብደረጃ ህዝብን ዓለምን፤ ነዚ ዋፍሪ ባርነት ድተሰየመ፤ ግዱድ ዕስክርና ጠጠው ከብል ተሓቲቱ ግን ብዝገደደ መልክዑ ይቕጽሎ አሎ።
ምስ እዚ ተታሓሒዙ ድማ ስርዓት ህግደፍ ኩሎም መምህራን ናብ ታዕሊም አብ ዝመጽእ ሰሙን ናብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ወትሃደራዊ ታዕሊም ንኽኣትው ከቢድ መጠንቀቕታ ሂቡ አሎ። መምህራን ነቲ ዓመት ሙሉእ ብኽለተ ፈረቓ ናይ ንግሆን ምሸተን ክምህሩ ድሕሪ ምጽናሕ፤ ዕረፍቲ ዝወስዱሉን ገለ ድማ ክረምታዊ ትምህርቲ ኮርስ ክሳተፍሉ ዝግባእ ግዜ፤ ናብ ወተሃደራዊ ታዕሊም ንክኸዱ ዘገድድ መምርሒታት አውጺኡ ይሰርሕ አሎ። መብዛሕቶም አብ መምህርና ዘለው አባላት ሃገራዊ አገልግሎት ኮይኖም ሙሉእ ታዕሊም ዝገበሩ ክንሶም ሕጅ መሊሱ ንታዕሊም ይእትዎም አሎ። እቲ ዕላማ ከም ኩሉ ሰብ ዝብሎ ዘሎ፤ ሰብ ከይቀስን ካብ ዝጥቀመሎም ሜላታት ሓደ ታዕሊም የእቲኻ ሰባት ከምዘይራኸቡ ምግባር ኢዩ። መብዛሕቶም መምህራን አባላት ሃገራዊ አገልግሎት አብ ወርሒ 450 ናቕፋ ዝኽፈሉ፤ ከምኡ ድማ እቶም ንልዕሊ 20 ዓመት ብመምህርና ዘገልገሉ ወርሓዊ ዶሞዞም 800 ናቕፋ ኮይኑ ስጋብ ሕጅ ናይ ጥሮታ መሰል ዘየብሎም ኢዮም፤መምህር አብ ኤርትራ ብድኽነት ዝፍለጥ ዜጋ ኢዩ። 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
14 COMMENTS
  • teklit July 18, 2015

    Kitet kitet kitet ayinika aytitiamet nisa iya hanti fitah ab adi halo kelo nhjemo.kalashin atiknayo alena tanki zedliuo guday ayikonen.hade sebn 20 chfrun iyom

  • lemlem July 18, 2015

    The regime lost most of his loyal fighters.they don’t have fighting army As they used to be.Most of national service had already gone seeking refugee.Now the faction is acting Mad dog.They can wildly army any person without considering age diseases or disabilities.another factor, this is a sign that pjdf are very worried and frightened about their sustainablity in power may end soon .

  • Selamawi July 18, 2015

    ጉዳም ዝኾነ ሥርዓት ንዝተወልደ ዘበለ፥ ኣብ ትሕቲ እግሩ ከየስገዶ ዘይዓግብ!
    ሰብ ክሳቐ እንተረኣየ ዝሕጔስ፣
    ሃገር ክትጸንት ከላ ባህ ዝብሎ፡
    ዓመጽ ዝፈቱ፡ ብዓል ኣምባሳደር ገራህቱ ዝወተሃደራቱ፡ ኣየውፍር ኣየእቱ፡ ሒዙና ንሕልፈቱ! ኣምላኽ ይሰውረና ካብ ሰሪ መዓቱ!

    ደቂ ሃገር ተላዚብኩም፡ ኤእጃምኩም ኣበርክቱ፥ ክሓልፈልና ዓድና ክንኣቱ፡ ናትናስ`ኳ ከም ሻሙ፡ እንተ ሓለፈሎም ነዞም ንኣሽቱ፡ ክንኣልየሎም ሥርዓት ናይ ሸፋቱ።

Post a Reply to teklit Cancel Reply