Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ልዛይ ሰይጣን።

ልዛይ  ሰይጣን።         ____________ ኣቱም ሰብ ደንከለ   --   ርኣይትን ሰማዕትን፣ ሰብ ሰምሃር ሕርጊጎ --  ዋነይትን ሓንበስትን፣ ኣቱም ሰብ  ኣከለ --    ተላምን ያሒትን፣ ኣቱም ሰብ ሰራየ --     ካዕበትን ዓይበትን፣ ኣቱም ሰብ ሓማሰን - ዘራእትን ሰዊትን፣ ኣቱም

ልዛይ  ሰይጣን።
        ____________
ኣቱም ሰብ ደንከለ   —   ርኣይትን ሰማዕትን፣
ሰብ ሰምሃር ሕርጊጎ —  ዋነይትን ሓንበስትን፣
ኣቱም ሰብ  ኣከለ —    ተላምን ያሒትን፣
ኣቱም ሰብ ሰራየ —     ካዕበትን ዓይበትን፣
ኣቱም ሰብ ሓማሰን – ዘራእትን ሰዊትን፣
ኣቱም ሰብ ሳሕለ  —   ሓርበኛን ምዑትን፣
ሰብ ጎላጉል ባርካ —      ነጸርትን ተኮስትን፣
ሰብ ሰንሒት መጋርሕ–  ስርዓትን ዓራትን
ሰብ ኤረይ ብድፍን —    መሃዝትን ብልሓትን፣
ኩሉኻትኩም ሊላይ —   ስኒትን መጎትን፣
ተዓዚብኩሞዶ —        ሃገርና ዝብትን፣
ርእሰ ተንኮል  —         ብሓሶት ዝዓጥን፣
ብዓንተቦ መርዛም —   ጠዋይን ጎባጥን፣
ህዝብና ገሩዎ —        ኣውያትን መልያትን፣
ተመሊሱ ዘበን —     ባርያን ጊላነትን፣
ኣሕዋትና ገሩዎም — ቆራጽን ቆማጥን፣
ኣሓትና ዝሸጠ —     ንዕጸን ፋርስን፣
ኣሓትና ዘምከነ —    ጎርዞን ወራዙትን፣
ክብረን ዝቐንጠጠ — ቲግርማን መጎስን፣
ሃገርና ኣብ ገምገም — ዕርበትን ብርሰትን፣
ተስፋና’ጥፊኡዎም —  ሊቅን ምሁራትን፣
መናእሰይ ኮይኖም — ንስደትን ሞትን፣
ክብርና’ውሪዱዎ —   ዕዳጋን ቅልዓትን፣
ባህልና ደምሲሱ —   ናይ ኣበውን ነብያትን፣
ቅርስና ዘብርስ —    ከውሕን ገዳማትን፣
ሃገርና ጓሕጊሑ —    እልፍን ኣእላፋትን፣
ብገዛእ መሬትና —  ድርቅን ድኽነትን፣
ብገዛእ ንብረትና — ዓጸቦን ጥሜትን፣
ከይዘርአ ዝዓጽድ — ቅሚጦን ንዳእትን፣
ዓውድና ዝዘርፍ — ሓፍስን ምህርትን፣
ዘይትካእ እዩ —    በላይን ጸናትን፣
ንፍለጦ ንፍለጦ — ተንኮሉን ብልሓቱን፣
ኣብ መቓብር ስውእ — ጓይላን ሳዕሳዒትን፣
ልዛይ ሰይጣን እዩ —   ህዝብና ዘማስን፣
ልዛይ ሰይጣንወ —   ስንኩላን ዝርሽን፣
ምስ ሹምባሽ ብሉቕባሽ — ተዃሉን ስብሓትን፣
ምስ ጃዳንዳኡ ኩሎም —  እኩባት ሰያጥን፣
መጸይቲ ደም እዮም — ድዱቓን ዓለቕትን፣
እንታይ ስጋብ ምዃን — ሸለልን ትጽቢትን፣
ኣሕሊፉ ሂቡና  —      ንልምሳንን ሞትን፣
ዓለም ኣጥሚቑና — ብስርቅን ጉሕለትን፣
ኣይነበርናን ዲና– ኩናትን ስሕለት፣
ኣይነበርካን ዲኻ – -ሸላብን ሓየትን፣
ኣይነበርክን ዲኺ — ዋዕሮን ሓናኒትን፣
ናበይ ኢዩ ከይዱ — ቲ ሓቦን ትብዓትን፣
ብሰንኪ ሓደ ሰብ — ልኡኽ ናይ ሰያጥን፣
ኣንታ ሃየ ንግበር — ዘተን ሓድነትን፣
መቓልሕ ክኸይድ — ሩባን ጎቦታትን፣
ናብታ ኤርትራና — ናብ ኩርባ በዓትን፣
ናብ ውሽጢ ከተማን– ሃገረ ሰባትን፣
ሳዕ ንበሎም   —    ጃንዳን ኢሳያስን፣
ህዝብና ክዝነን  —  ክርህዎ ክቐስን፣
ዓወትን ራህዋን ንህዝብና፣
ውድቀትን ብርሰትን ን ኢሳያስን ሰዓብቱን።
ሃይለሚካኤል ድራር ካብ  ጀርመን።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • k.tewolde August 10, 2018

    Deep inside the heart of every genuine Eritrean despite what is depicted outwardly in some,the above poetry dominates the sentiment towards the sinister character and his marauders who are shredding our core identity and who we are to pieces yesterday and today.It is time to weaponize that sentiment into action and orient it towards the right target in unison.Our fate is in our hands.

  • Wedi Hagher August 10, 2018

    Selamat Brother K. Tewelde

    For the first time in our long history of national resitstense against occupiers and now against a brutal dictatorship, we are very close to speak with one voice, and act in unison. We are about to witness a kind of national unity like never before. Partly thanks to DIA: for the first time people were able to see his erreatic behavior with their own eyes. Something he has been doing away from public eyes for decades.

  • Amare Resom August 12, 2018

    This inspiring poem based on the long tested core values of our people could help raise our peoples moral and help them prove their gallantry once again in removing the brutal dictator and establish democratic government elected by them.

POST A COMMENT