Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሎሚ ድሮ ምስንባት 2018ን ውልቀ መላኺ ልጅ ሃፀይ ኢሰያስን መድረኽ በጺሕና

ብመጀመርያ ንኣመንቲ ክርስትና ርሑስ ብዓል ልደት ይግበረልና ዓመተ ሰላምን ዓመተ ራህዋን ድማ ብፍላይ ነቲ ንዘመን መመላእታ ኣንጻር ሰንሰለታዊ ኣርዑት መግዛእቲ እተቃለሰ ህዝብና ሎሚ ድማ ካብ ደግሲ መግዛእቲ ውልቀ መላኺ ልጅ ሃፀይ ኢሱ ኣብ 2019 በሪሱ

ብመጀመርያ ንኣመንቲ ክርስትና ርሑስ ብዓል ልደት ይግበረልና ዓመተ ሰላምን ዓመተ ራህዋን ድማ ብፍላይ ነቲ ንዘመን መመላእታ ኣንጻር ሰንሰለታዊ ኣርዑት መግዛእቲ እተቃለሰ ህዝብና ሎሚ ድማ ካብ ደግሲ መግዛእቲ ውልቀ መላኺ ልጅ ሃፀይ ኢሱ ኣብ 2019 በሪሱ ንርኤል ዓመት ምኻና ዘጠራጥ የብሉን።

ኣብ ዛ ትሳነበትና ዘላ ዓመት 2018 እንታይ ተበስርናላን ከሲርናላን ዝብል ሕቶ መልሱ ብርክት ዝበል ምኻኑ ምስ ብዙሓት ኣንበብቲ እዛ ሓጻር ጹሐፍቶይ ንሳማማዓሉ ነጥቢ ኢዩ። ገለ ካብ ነጥብታ ድማ ሃገርና ክሳብ ኣብ ዓርዑት ደግሲ መግዛእቲ ህግደፍን ብሕልሚ ውልቀ መላኪ ሃፀይ ኢሰያስ ዝምራሕ  ሕልማዊ መኽሰብ ንሃፀይ ኢሱን ኮተቴ ውልቀ መላኺ 1ይ/ሚ ዶር ኣቢይን ክኸውን እንከሎ ንህዝብናን ሃገርናን ክሳራ እንበር መክሰብ የብሉን። ሰለዚ ዓመተ 2018 ናይ ልዕሊ ርብዒ ዘመን ንዝኸስተ ድኽመት ጨካናት ስርዓታት መደምደምታ ዱኹማትን ዘይፍትሓውያን ስርዓታት ቅርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ኤርትራ ህግደፍን ኣብ ኢትዮጵያ ወያነን ኣብ ሱዳብ ብምኻኑ ድማ ዝተወጽዕ ህዝበን ብናፍቆ ፍትሓዊን ዲምክራስን ስርዓት ሕንቅንቅ  እንዳበለ ዝፋነዋ ዘሎ።ን2019 ዓመት ብሰላምን ፍትሕን ንኸእንግድ መርሓባ ይብል ኣሎ።

ዓመተ 2018 ኣብ መንጎ ክሊ ሃገርናን ክሊ ጎረቤትና ሃገር ኢትዮጵይ ዝነበረ ናይ 20 ዓመት ድኽመትን ብቅዓቶም መሪሕነተ ክልትኤን ሃገራት ጎሊሑን ብህዝበን ዝተሳዓረሉ ዓመት ኢዩ።እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተርኣየ ህዝባዊ ናዕቢ ዘሕደሮ ኣሰካፊ ለውጢ ዘሰፈና ምስሊ ምልባሳ ንተማሃራይ ናይ ፖለቲካ ውን እተኸወለ ኣይኮነን።የግዳስ ንስርዓት ህግደፍ ውልቀ መላኺ ልጅ ሃፀይ ኢሰያስ ምስ ኮተቴ 1ይ/ሚ ዶር ኣቢይ ሕኸኸኒ ክሓከካ ዝብልሓቱ ንኮረሻ ስልጣኖም ንምጥጣሕ ዝገበርዋ ሕልማዊ ቀብዘርዘር ጎሊሑ ዝተረኣየላን ዓመት ክንደይ ጉዳም ዝርኣናላን ኢያ ማለት ኣብ ዛ ንነብረላ ናይ ፖሎቲካ ዓለም ቁርቁስ ናይ መጀመርያ ውልቀ መላኺ ሃገርና ንሓደ ባዕዳዊ ሃገር ኮተቴ ውልቀ መላኺ 1ይ/ሚ ዶር ኣቢይ  ስልጣኑ ከመቃርሕ ካብ ሃገሩ ወጻኢ  ዝተርኤትላ ዓመት ኢያ። እንተ እቲ 1ይ/ሚ ዶር ኣቢይ ኮቴትነቱ ዘመስከረሉ ኣብ ሃገሩን ኣብ ኤርትራ መጺኡ ዝበሎን ዝደገሞን ድማ “በመጨረሻ ኣንድ መልእኽቲ ኣለኘ” ኢሉ ዝተዛረባ ድማ “እዞም ሎሚ ኣነ ሓደራ ዝብሎ ይብል እዚ ናይ ሰላም መስርሐ ጀሚሩ ዘሎ መታን ክቅጽል ኣብ መራኸቢ ቡዙሃን ትነጥፉ እዞም ጋዜጠኛታትን ኣኽቲቪሰትን ብልጋትን ቲዊተረን ትጽሕፍ ጠጠው ኣበሉ እዚ መስርሕ ሰላም መታን ክዕወት” ኢዩ ዘበለና።እዞም ጠጠዉ ኣብሉ ኢሉ ተደጋጋሚ መጸዋዕታ ዝገበሮ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ዝዋስኡ ድምር ውጺት ቃልሶም ድማ ንለውጢ ፍትሕን ዲምክራስን ምንጋስ እንበር ከምቲ ናቱ ሃነፍነፍ ዶብ ዝጥሓሰ ንኮተቴ ውልቀ መላኪ ምንጋስ ኣይኮነን፤ እሞ ኸ፧ ንኤርትራ ዉጹዕ ህዝቢን ደላይ ፍትሕን ዝኾት ሃገርን ህዝባን ሰቅ ኢልኩም ተገዝኡኒ ተዓገሱ ኣነ ድማ ክገዝኣኩም ካብ ኢሰያስ ፍቃድ ረኺበ ኣለኹ።ንዝበለና ለባም መሳሊ ተዛራቢ ትግርኛ ዝኾነ ኦሮመታይ ኮተቴ ምባለይ ይንእሶ እንበር ኣይዓብዮን ኢዩ።ዝተበሃለትላ ዓመተ 2018 ድሓን ኩኒ ትብሃለሉ በጺሕና ኣሎና።

ካልእ ድማ ዓመተ 2018 ንቡዙሕ ህዝቢ ዓለም ነናቱ ትዝታታት ቀስቂሳ ባህራዊ ተርእዮ ተኸቲላ ትሓልፍ ምህላዋ ንዳነፈቃ ብፍላይ ድማ እቶም ኣብ ዓርዑት ዳግማይ ስቅያት መግዛእቲ ልጅ ሃፀይ ኢሱን ዓለማዊ ምሰሊ ዝነበሮ ድፍዑ ዝነበረት እገዳን ፈሪሳ ድምርን ተደሚርናን ዘለና ፍሉይ ትዝታታት ኣብ መስርሕ ጥልመት ህዝብን ሃገርን ቀይሕ መብራህቲ ዝተወለዓላ ብምኻና ድማ ፉሉይ መዝገብ ሓዚኣ ትሳነበተና ኣላ።ገለ ካብቲ ውልቃዊ ትዝታይ ዝመሰለኒ ግን ከ ዘይኮነ በየናይ ከም ዝጅምሮ ዝሓርበተኒ ተርእዮታት ሎሚ ካብ 2018 ፍጻሜታት ገለ ጦብላሕታ ትዝታተይ ናብ ወርሒ ታሕሳስ 1991 ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝኸድኩለ እተወሃበትኒ መልእኽቲ  ብጋዜጣ ተሸፊና እንካ እዚ ኣ ከይትኸፍታ ኣብቲ ቦሌ ኤየርፕርት ምስ በጻሕካ ኣብኡ ንዝረኸብካዮ ሰብ ሃቦ እንተ ዘይኮነ ኣብኡ ደርብያ ተባሂለ ኣንቲ ሰበይቲ እንታይ ኢኺ ትህብኒ ዘሎኪ ከይታኢሰርኒ የለን ተቀበለኒ እንካ ድኣ ድሕሪ ሎሚ ኣብዚ ቦታ የብላን።እተባሃልኩ መልእኽትስ እንታይ ኮን ይመስለኩም፧ መልሱ ድማ ኣብ ዛ ንሳናበታ ዘለና ዓመት ግን ከብድና ዝቆርጽ እታ ደጊም ቦታን ክብረትን የብላን ተባሂለ ብኽብረት ዘሰነኹዋ ሎሚ ጉልባባ ቀሊዓን ጫጪሓ ኣብ ከተማ ኣስመራ ዝርኣኹዋ ሰንደቅ ዓላማ ኢትዮጵያ ወይ ባንዴራ ኢትዮጰያ ኢያ ኣብ ግዜ ብዓላት ኣብ ዱዃን ትሰቀል ዝበረት ኢያ ነይራ።እንተ ኾነ ሎሚ ብልጂ ሃፀይ ኢሰያስ ቦትኣ ዳግማይ ተታሒዙ ምርኣይና ኢዩ።በሉ ሕጂ እቶም ባንዴራ ሃገርና ተቃጽሉ ደስእንተ ኢሉኩምሲ ባንዴራ ኢትዮጵያ መሊሱ ኣብ ሃገርና ከም ትንብልበን ገይሩ።ካብቲ ቡዙሕ ተርእዮ ዕብዳን ውልቀ መላኺ ልጅ ሃፀይ ኢሱ ኣብ ጎንደር መቃበር ኣባሓጕኡ በጺሑ ዕንበባ ኣንቢሩ ምስ ሰማዕኩ ድማ ኣብ ታሪኽ መግዛእቲ ኢጣልያውያን ንምቁጻይ ዘወደቁ ንብዓል ኣብርሃ ዶበጭ ሞጎስ ኣሰጎዶምን ዘንጸባር ሃወልቲ ኣብ ስድሰ ኪሎ ብለካቲት 6 ይዝከር።ማንም ሰብ ዝርእዮ ክኽውን እንከሎ እቲ ሃወልቲ ስውኣትና ኣብ ልብና እንበር ኣብ መንደቅ ኣይተተኽሎም ሓደ ካብ ቡዙሓት ናይ ከተማ ስዉእ ንሂወት ገድሊ ታሪኽ ናይ ሓርበኛ ስውእ ተመስገን ኣባል ሱሩዕ ዋህዮ ጥሕሻ ምስ ብርሃነ ኣብርሀ ዝነበረ ምስጥር ንኸየውጽእ ዝወሰዶ መስዋእቲ ቦታ ማለት ህንጻ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምርኣየይ ሓደ ካብቲ ዘሐጎሰን ዘሐብን ቆራጽነት ዕንበባ ዘይተነብሮ ወለዶ 60ታት ኢዩ።ንኽብሪ ስውኣትና ንምዝካር ርእስና ንመሬት ደፊእና ዝኣተውዎ ጉድጓድ ብምዝካር ዝክረ ሰማእታት ንገብር።እንተ ኣነ ድማ በታ ህንጻ እግሪ ኣብ ዝሓልፈሉ ግዜ ሰውእ ተመስገን ንመዝካር ከምቲ ንብሩ ዝከረ ሰማእታት ርእሰይ ኣድኒነ ዘይኮነስ እንታይ ድኣ ርእሰይ ኣንቃዕሪረ ካበየነይቲ ደርቢ ኾን ይኸውን ጸድፉ እናበልኩ ይዝኽሮ ነይረ።እዚ ተወፋይነት ድማ መሰረት ናይቶም ኣብ ፍቆዶ ግንባራት ዝነበረ ውግኣት ዘወደቁ ተጋደልቲን ህዝብን ኣብ ስርርዕ ውሽጢ መስመር ጸላኢን እተበጀው ምሰጢር ዓወት ህዘቢ ምኻኑ ካብ ውጹዕ ህዘብና እተሰወረ ኣይኮነን።ታሪኽ ጅግንነት ተመሰገን ዝምሃረትኒ ተጋዳሊት መምህር ምሕረት ኢዮብ ድማ እታ እንኮ ወዱ ንተመስገን ካብራል ምስ ኣዲኡ ተጋዳሊት ኣንባሳደር ሕብረት በርሀ ንሜዳ ዝወጻ እንተ ኾነ ግን ሓሚሙ ብሞት እተፈለየና።ተጋዳሊት መምህር ምሕረት ብዓል ቃልኪዳኩ ንመምህር ተጋዳላይ በራኪ ገብረስላሴ ንጂ15 መሪሑ ንምልኪ ኢሰያስ ብምቁዋም ኣብ ማሕዩር ዘርከብ ኢያ ዝነበረት። ብመስዋእቲ ተመስገን ብፍላይ ድማ እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ሞት ህጻን ወዶም ካብራል ተመስገን ኣብ ልዕሊ መሓዝኣ ተጋዳሊት ኣንባሳደር ሕብርት በርሀ ዝወረደ ኣዝያ ትሓዝን ዝነበረት ተጋዳሊት መምህር መሕረት ኢዮብ ሎሚ ዘኽታማት ደቃ ገዲፋ ሞት መሪጻ ካብ ህንጻ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ጸዲፋ ሞይታ ክብሉኻ ክትሰምዕ ሲ ሃየ ኣንታ ኣለዎ።እታ ሓንቲ ካብ ምሓዙታ ኣልማዝ (ጋል ቸንቶ) ብዓልቲ በይቱ ንብርሃነ ኣብርሀ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ትሓይራ ሎሚ ዓመት ድማ ንሱ ንባዕሉ ብርሃነ ኣብርሀ ኣሰራ ስዒቡ።ምእሳር ማእኮሎት መኮነናት ብዓል ኮረኔላ ሃይለ ብርሃነ (ወዲ ውነሸ) ሌ/ኮረኔል ደምሳስ ገብረኪዳን ኣኩኣ ነታ ጓል 15 ዕድመኣ እንከላ እተሓይት ቺያም ዓሊ ዓብዱ ኢዩ። ከምኡ ድማ ፈተነ ቅትለትን ኣብ ልዕሊ ሚንሰተር ጽዓትን ማዕድን ጀነራል ስብሓት ኤፍረም ንሕኽምና ንወጻኢ ሃገር ንሱዳን ንዱባይ ንዒማራት ወዘተ ከይዱ ምስ ሰማዕኩ ድማ ንነዊሕ ዓመታት ንመጀመርታ 80ታት ብትዝታ ተመሊሰለ።ካብቲ ብዙሕ መሪር ውግኣት ዝተኽፍሎን ዘኸትሎን መስዋእቲ ኣብነት ከጠቅስ ውግእ ሓሬና ገደለ ብኣባለት ክልተ ጋንታ ኮማንዶን ዘባዊ ስራወትን ኣንጻር ገዚፍ ሓይሊ ጸላኢ ስርዓት ወትሃደራዊ ደርጊ እተገብረት ሓያልን ግናይን ውግእ ቅድሚ ስሪሒት መጥቃዕቲ አየርፖርት ሰንበል ኢዩ ዝነበረ።ኣብዛ ውግእ ከቢድ መስዋእቲ እተኸፍለላን ሓለፍቲ ናይተን ክልተ ጋንታ ኣሃዱ ኮማንዶ ዘነበሩ ዝርከብዋም ኢዮም ነየሮም።እቶም ኣሃዱ ኮማንዶ ኩሎም ብኮድ ሽሞም እዩ ዝፍልጡን ዝጽውዑን ዝነበሩ።እቲ ብቲናይ ዝጽዋዕ ዝነበረ ኣዛዚ እተን ጋንታት ኮማንዶ ዝነበረ ዱልዱል መሸከል ቆመና ዘነበሮን ኣዝዩ ጎታን ዝጸጉሩ ኣዝዩ ቀይሕ መልኹዕ ፍረገጹ ግን ሓንቲ ዓይኑ ኣብ ዝነበረ ወራራት ዝፈሰሰት ደያን ኮይኑ ምሉእ ኣካለቱ በሰላ ናይ ባርዕ ቦምባ ወይ ፈንጂ ዝለበሰ እኳ እንተ ነበረ ሎሚ ግን ኣብ ዛ ውግእ ድኣ ተሰዋእ።እንተ እቲ ካልኣዩ ዝበረ ኤፍረም ግን ተወጊኡ ምስ ካልኦት ትካቦ ዝሽሙ ናይ ኮድ ሽሙ ድማ (ምዓሾ) እተባህለ ርእሱ ዝተሃርመ ኣሃዱ ኮማንዶ ዝርከቦም ካብ ኣሃዱ ዘባዊ ሰራዊት ድማ ጸገዛኣብ ርእሱ እተወግአ ሓረስታይ ዝሳጉኡ ኣብ ላዕሊ እግሩን ኢዱን ሳሚኤል ኣብ ታሕታዋይ እግሩ ሓደ ድማ ኣብ ገጹ ማለት መንከሱ (ማንዲብል) ኢዩ ዝበረ እዚ ድማ ክዛረብን ከይበልዕን ኣፉ ተለጊሙ ሓድሸ ስም ማንዲብል ዝብል ሳጓ እተጠመቀ ኢዩ ነይሩ።ድሕሪ ሰለሰተ ምዓልቲ እግሪ ጕዕዞ ብቃሬዛ ተሰኪሞም ብሰብን መጻዓኛን መስመር ጸላኢ ብምስላኸ ናብ ሓወሲ ደጀን ድሕሪ መስመር ጸላኢ ነበረ ማእከላይ ሕክምና መረብ መጺኦም።ምስ ኣባላት ኣሃዱ ኮማንዶ ቅድሚ ክልተ ወርሒ ኣብ ዘይመል ኣብ ሐድሽ ዓዲ ንልዕሊ ሰሙን ብሓንሰብ ተቀሚጥና ነይርና።እቲ ዝነበረኒ ሌላና ድማ ሽዑ ኢዩ ዝጅምር።ናይ ኤፍረም መውጋእቱ ኣብጎኑ መዓጥቁኡ ኢዩ ዝነበረ።እታ ዝሃረመቶ ጥይት ብሰፈር ሸጉጡ ሓሊፋ መዓንጡኡ ዝኣተወት ኢያ ዝነበረት።ከምቲ ሓደ ተጋዳለይ ንህዝብና 10 ግዜ ክንስውኣሉ ኢና ዝብሎ።ኤፍረም ድማ ሓውዩ ዳግማይ ንኽስዋ መንፈስ ዝዓሰሎ እታ ብረት ዘይብላ ዕጠቁ ኣብታ ፍርናሽን መተርኣስን ዘይብላ ዓራት ዕጥቁ ተተርኢሱ ኣብ ሕከምና መረብ ረኸብኩዋ። እታ ዝወጋአቶ ጥይት ኣብ ሰፈር ሸጉጡ በሲዓ ከምዝወጋቶ ምስርኣኹ።እንታይ ኢዩ ዝብሃል፧ ኩናት ዘይውዓለ በሊሕ ኮይነ ዝሓተትኩዎ ሕቶ ድማ ከመይ ድኣ ነዛ ሰፈር ሽጉጥካ እናበስዕት እታ ሽጉጥካ ነታ ጢይት ዘይከልከለታ ዝብል ሕቶይ፧ዝነበረ መልሱ “ሽጉጠይ ድኣ ይትኩሰላ ነይረ” በለኒ።ውግእ ብሽጉጥ እንተ ኾይኑ ክሰብ ክንደይ ሓያል ውግእ ምንባሩ ንምግማቱ ዘሸግር ኣይነበረን። ቲናይ ከ፧ ቲናይ ኣብዚ ካብ ዘይመጸ ዕድል ኣይገበረን ተወጊኡ ነይሩ እተን ኣሃዱታትና መን ሒዘን ከም ዝተረፋ እንድዒ ኢሉ ስኽፍትኡ ዘካፈለኒ መስኪናይ ተጋዳላይ ኤፍረም ንነብሱ ዝሓዘላ ከም ዘለዋስ ንኣሃድኡ ይሓስብ።እቶም ውግኣትና ዝሕክሙ ዝነበሩ ዶክተራትን ነርሳትን ከምዚ ናይ ሎሚ እኽሉ መሳሪሕታት ነይርዎም ማለት ዘይከነሰ እንታይ ድኣ ኒሕን ሓቦን ዝሰረቱ ዕላማ ሓርነት ናጽነት ህዝቦም ኢዩ ነይሩ።እሞ ድኣ ሎሚ እንታይ ኢዩ ጉድና፧ድኽመትን ብቅዓት ሰርዓት ሕልሚ መልካዊ ልጅ ሃፀይ ኢሰያስ ኢዩ።ኣብ ‘ዛ ናይ መረብ ሕክምና ዝነበሩ ኣባለት ካብ ዝዘክሮም ንምጥቃስ ዶር ወረደ፤ anaethetists ኣንስተዜስቲ ኢሞ፤ኣዝመራ ጓለ ተሸ፤ወዲ ግርማይ ፤ጂሮም፤ማሩ …ወዘተ።እቲ ዝገብርዎ መጥባሕቲ ኣብ ትሕቲ ገረብ ኣብ ቴንዳ ኢዩ ዝነበረ።እቲ ውጉእ ተገዳላይ ድማ ኣብ ፍቀዶ ገረብ እንፍጂን ኣንጠልጢሉን ነጸላ ገቲሩ ድሕሪ መውጓእቱ ንዝተረፈት ሂወት ኣብ ትሕቲ ሓልዮት እዞም ዝጠቀስዅዎም ኣባላት ሕክንና የጽልሉ ነይሮም።ኣብ ዛ ቴንዳ እተገብረ መጥባሕቲ ግን ሕጂ ምስዚ ናይ ሎሚ ዜና ጀነራር ስብሓት ኤፍረም ርእሱ ተሃሪሙ ንደገ ንረዲኤታዊ ሕክምና ብብ/ጀነራል ዶር ሃይለ ምሕጹን ተሰንዩ ከይዱ ዝብል ዜና ወይ ወረ ካብ መንግሰቲ ዘይብላ ሃገር መንግሰታዊ መግላጽ ዝጽበዩን ዘይቀበጹን ዉሑዳት ኣይኮኑን። ዶር ወረደ ንሓደ ካብቶም ውጉኣት ኣብ ርእሱ እተወግአ መንእሰይ ጸገዛኣብ እቲ ኹሉ ጉዕዞ ብዘይ እኹል ሕክምናዊ ረዲኤት ሰጊሩ መረብ ዝበጽሐ እቲ ማህረመቱ ኣዝዩ ዝገርም ዓይነት ኢዩ ዝነበረ ካብ መታልሑ ንቅድመት ንግንባሩ ገጽ ዝመጸ በዚ ሓደ ጎኑ ኣትያ በቲ ሓደ ጎኑ ዝጸት ጢይት ኣብ ኣዔንቱ ግን ጽልዋ ዘይገበሩ ማለት ኣብቲ ሽዑ ግዜ ማለተይ ኢየ።ረኽሲ ገይርሉ ርእሱን ገጹን ብሕበጥ ኣዔንቱ ጠፊኡ ኣብ ክጻወሮ ዘየክል ቃንዛ ኣተወ።ንዶር ወረደ ድማ ፈታኒ መድረኽ ኮነ።ንመጥባሕቲ ተባሂላ እተሃንጸት ገዛ ሓዉሲ ትሕቲ መሬት ስለዝነበረት ካብ ደብዳብ ነፈርቲ ንምክልኻል ብኣዕኑድ ዓርኮብከባይ እተሃደመት እቲ መንደቅን ቸመንቶን ምንቃጽ ኣብያ ምዓልቲ ወሲዳ።ንጸገዝኣብ እተገብረሉ መጥባሕቲ ናይ መወድእታ ኣብ ታ ዝነበረት ቴንዳ ኮይኑ ብዶር ወረደን መሳርሕቱ ዕውት መጥባሕቲ ኣካይደምሉ ሓውዩ ብሰላም ማእከላይ ሕኽምና ንዓራርብ ምስ ካልኦት ዝትኣኻኸብ በጺሑ።ካብቲ ሽዑ ማእከላይ ሕክምና ዝበጽሑ ተጋደልቲ ዝዝክሮም ሓንቲ ትርሓሰ ጓል ግርማይ ትብሃል ኣብ ከባቢ ዓላ እግራ በራቂታ እተወግእት ኢያ ዘነበረ ኣጋጣሚ ጥንሰቲ ብምንባራ እግራ ምጽጋን ኣብዩ ምኽንያቱ እቲ ትረኸቦ ምኣዛ ናብቲ ድቂ ሰለዝካፈሎ እቲ ናይ ምጽጋን ግዜ እቲ ህጻንና ክሳብ ዝወለድ ክጸንሕ ኢዩ ዝበሎ ተጋዳላይ ዶር ወረደ ሓቂ ኮይኑ ድሕሪ ጓል ተቦኪራ ሓውያ ኣባል ማእከላይ ሕክምና ተመዲባ እዳሰረሐት እከላንተ ብሃነደበት 1993 ተሰዊኣ።እቶም ካንኦት ምስኦም ንዓራርብ ዝወረዱ ውጉኣት ክልተ ኣባለት ሕክምና ኣብ ዓዲ ጸጸር ብፈንጂ ተሃሪሞም ዝነበሩ ድማ ግርማይ ዲጎ ኢዱን እግሩን፡ ፍጽሙ ሓደ እግሩ ሓደ ታድሰ ኢዱን እግሩን ጀሶ ተጠምጢሞም ዝወረዱ። እንተ እቲ ዓሰርተ ግዜ ክስዋእ እተቀረበ ኣባል ኣዛዚ ጋንታ ኮማንዶ ዝነበረ ተጋዳላይ ኤፍረም እንታይ ኮነ እቲ ዕድሉ፧ናይ ኤፍረም መውጓእቱ ኣብ ከበዱ ብምንባሩ ዝወስዶ መድሃኒት ምስ እንፍጂን እንበር መግብን ማይን ኣይነበረን።ኮይኑ ግን ኤፍረም ምዓናጥኡ ረክሲ ገይሩሉ ተምላስ ጀመሮ።ኣብዚ ዝግበር መጥባሕቲ ግን እኹል ብቅዓትን ተሞኩሮ ኣባለት ሕክምና እንበር እኹል መሳሪሒ ኣይነበረን ካብ x-ray ጀሚርካ ክሳብ ቲ ዘመን ተኽኖሎጂ ዝሓለፎ መደንዘዚ ኢተር ምጥቃም።መጥባሕቲ እዛ ሓዳሽ ገዛ ሓንቲ ዝኽፍላ operation room ብኤፍረም ተጀመራ። ተጋዳላይ ዶር ወረደ ናይ ሰለስተ ስዓት ዝወሰደ መጥባሕቲ ማለት ምዓናጣ ኤፍረም ኣብ ሽሓኒ ኣዉጺኡ እታ ጢይት ዝበሳስዓቶ መዓናጡ ዝሽቀጥ ሸቃቂጡ እንተ ኾነ ግን እታ ጉድኣት ዘውረደት ጥይት ግን ኣበይ ከም ዝኣተወት በዚ ናይ ሰለስተ ስዓት ምሉእ ዝወሰደ መጥብሓቲ ኣይተረኽበት።እንተ እቲ ግዜ ንዓይ ናይ ፈለማ ምዓልቲ ሓካይም መጥብሕቲ ክገብሩ ዝርኣኹዎስ ንዕኦም ኢዩ ዝነበረ ሰለስተ ስዓት ደው ኢልካ ፎርሴፍ ምቅባልን ላንፓዲና ምሓዝ ግን  ንዓይሲ ሳልስቲ ደው ዝበልኩ ኢዩ ኮይኑ እተሰምዓኒ።ንኤፍረም ኣብታ ኦኣር ብደገፍ ኦክስጂን ከስተንፍስ ምስ ገደፍኩዎ ደጊም ኣይርኣክዎን።እቲ ማንዲብል ዘነበረ ታሕታዋይ መንጋግኡ ፈሪሱ መልሓሱ ካብ ኣገልግሎት ወጻኢት ማለት ካብ ምዝራብ ትሓሪማ ኣፉ ውን ካብ ምግቢ ምብላዕን ምስትይን ዓዲ ዊዒለን ነበራ።እቲ ዝወሰዶ ፈሳሲ መግቢ ጸባ ብእንጂቲቨ መለት ብኣፍንጭኡ ዝኣተወ ሻንብቆ ጎማ ወይ ትዩብ ብሶርንኡ ኣቢሉ ናብ ከስዕኡ ዝመርሕ ኢዩ ዝነበረ።እቲ ደቂ ሰባት ኢና ዘብለና ምኽንያት ንሓስብ ጥራይ ብምኻና ኣይኮነን እንታይ ድኣ ተወሳኺ ንዛረብን ንሰምዕን ምስ ደቂ ሰባት ከማና ንረዳዳእ ምኻና ኢዩ። እዚ ጽኑዕ ተጋዳላይ ማንዲብል ግን ካብ ዚ ናይ ወዲ ሰብ ሂወት ወጺኡ ንበይኑ ኣብ ሓንቲ ትሓቲ ገረብ ብምስፋር እቲ ምግቢ ዝህቦ ልክዕ ከመቲ ማይ ብጀሪካን ኣምጺእካ ኣብ ፊስቶ ትግምጥሎ ዘረባ ዘይብሉ ንማንዲብል ድማ እንተ 2 ወይ 3 ኩባያ ጸባ ኣብታ ናይ እንፍጅን ዝነበረት ብራኳ ተዕርቀሉ ብኸምዚ ግን ኣብ ጽቡቅ ምዕባለ ሕውየት ኣምጺኡ ገዲፈዮ ነይረ። ሎሚ ድማ እዚ ኣቶምን ኩሎም ሰንኪሎም ዝተረፉ ኣብ ከሰሰላን ካርቱምን ኣብ ፍቆዶ ዓለም ዝነብሩ ዘለዉ ተጋደልቲ ኤርትራ ሸፋቱ ተባሂሎም።ኣቤተ መግዛእቲ ህግደፍ አፍረዮ ጉዳም!

እንተ እቲ ኣብ ልዕሊ ሚንስተር ማዕድን ጽኣትን ጀነራል ስብሓት ዝብሃል ክልተ ሰልስተ ጥይትን ሰደፍ ሽጉጥን ምሰጢር ግን ምስቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ፍጻሜ ሓደ ካብቲ ዘይተነግረ ነገር ብምዝካር ንከብዲ ኣደ ጉራ-ጉራ ዝብሃል ዘረባ መሰርሕ ሰውራ ዘሳሰዮ ዘረጋግጾ ድማ ንወዲ ዓፋ ሓሙሸ ጥይት ካላሽን ኣብ ኣካላቱ ትሃሪሙ መን ሃራሚኡ ብጀካ ባዕሉ ብሓጥያቱ መን ሃራሚኡ ዝፈልጣ ክሳብ ሕጂ ዝፈልጦ የሎን ማለት ግን ብጀካ ነቶም መተሓጢይቱ ገዲፍካ ማለተይ ኢየ። እንተ እቲ ምሕዋይ ድማ ሕክምና ዓራርብ ካብ ዝነበሩ ሓደ ባዕሉ ብ/ጀነራል ዶር ሃይለ ምሕጹን ኢዩ በቲ ናይ ሜዳን ተመክሮ ዝነበሮም ሓካይምና ግን ክንዮ  ሓጥያት ወዲ ዓፋ ብምኻድ ድማ ሂወቱ ኣድሒኖማ።እንተ ሎሚ ኸ እቲ ዝዉረ ዘሎ ማህረምቱ ሚነሰተር ማዕድን ጽዓትን ጀነራል ሰብሓት ኤፍረም ክንዮ ተመኽሮ ሓካይም ሃገረ ኤርትራን ፈነወ ኣገልግሎት ማዕከን ኤሪ-ቲቪ ውልቀ መላኺ ልጂ ሃፀይ ኢሰያሰን ኮይኑ ኣሎ። እሞ ኽ ሕጂ ክሕደት በደል ጀነራል ስብሓት ኤፍረም ኣብ ልዕሊ መቃልስቱን ህዝቡን ክንዮ ዓቅሚ ሓካይም ስግር ቀይሕ ባሕርና ሃገራት ኣዕራብ ድዩ ክኸውን፧ እንተ እቲ ምሕዛን ከ እንታይ ይገበር ንዝብል ሕቶ ግን መልሰይ ድማ ከም ሰብ ንሂወት ወዲ ሰብ ዶባ ዘይጥሓዘት ዘበለት ይሓዝነሉ ኢዩ ኣርባዕተ ነጥቢ።ኣብ ከምዚ ልእሙነት ምወዳቁን ማለት ግን ነቶም ናይ ቀረበቀን ኣብ ቃልሲ መቃልሰቱ ዝነበሩ ዝኽሓደ ንተቃሊሰሉ ዝብሎ ኣብ ሂወቱ ብዘይናቶም ክውንነት ኣልቦ ምኻኑ ድማ ሕልናዊ ክድዕት ምኻን ሓሊፉ ሃገራዊ ክድዓት ምልባሱ ኢዩ ዘሕዝነኒ።ብኣንጻሩ ኸ ኣብ ትሕቲ ብስርዓ ትውልቀ መላኪ ልጅ ሃፀይ ኢሰያስ ኮይነ ይሕዘነሉዶ ንዝብ ሕቶ ኸ፧ ክምልስ እንተ ኾይነ ድማ ብሕልሚ ልጅ ሃፀይ ኢሰያስ እተሓየሩን እተቀንጸሉን ዜጋታትና መን ምስተ ሓዘነሎም ኢዩ ሕጂ ንጀነራል ስብሓት ክሕዘነሉ፧ ኣብዚ 27 ናይ ባርነት ዓመት ተራ ጀነራል ሰብሓት ኤፍረም ኣብቲ ደበስ ዘይርከቦ ምጥፍእ ጀጋኑናን ህዝብና እሕሕ ብዘይ ምባሉ ኢዩ ዘሓዘነሉ።ኣነ ብውልቀይ ነቲ ጸይቂ ልጅ ሃፀይ ኢሰያስ ኣብ ነብሱ ዘይመጽ ዝመስሎ ዝነበረ ጀነራል ስብሐት ኤፍረም ወረጃ ማዕዶን ማዕዳን ወደሳ ርእይትኡ ዝደርበየልና ማለት ሃዲምኩም ኣፍኩም ሓዙ ስቅ ኢልኩም ሰርናይ መንግሰቲ ካናዳ ዝሃብኹም ብልዑ ፕረሲደንቲ እባ ከምዚ እባ ኢልኩም ኣይትዛረብን ኣይትጽሓፉን ካብ በለና ኣብ ሃገረይ ተገዚኤ ከይኣኽለኒ ኣብ ዘለኻዮ ብወልቀ መላኺ ልጅ ሃፀይ ኢሰያስ ተገዛእ ዝብለኒስ ነዚ ሰነ ሓሳብ መግዛእቲ ዘሳሲ ከመይ ኢለ እሞ ብጾተይን ተሓይሮም እተቃለስናሉ ህዝብና ምህርቲ ናጽነት ሕሰም መግዛእቶም ኣደዳ ስደት ዝገበረ ሕጂ ከመይ ኢለ ኢየ ንጀነራል ስብሓት ርእሰይ ኣድኒነ ዝሓዝነሉ። ኣብ ጽሕፈይ ኣስሚረ ከቀምጥ ዝደሊ ነቶም ኣብ ስነ ሓሳብ ጥፍኣት ደው ዝበሉ ዜጋታትና ዝኸውን ቃላት ንይስሙላህ ዝኸውን ቃላት ጽንዓት ይሃብኩም ዝብል የብለይን።እንተ ብወገነይ ንዝሃቦ ከምቲ ናይ የማነ ሃብተገርግሽ ዕንቆት ዘለዋ መጽሓፍ “ሳሕል ወሪድን እንታይ ኣምጺና፧” ኢዩ ነገሩ። እኹል መልሲ ድማ ውጺኢት 27 ዓመት መግዛእቲ ልጅ ሃፀይ ኢሰያስ ሃገር ዘዕንው ህዝቢ ዘብርስ ካብ ኮነ ድማ ካብ ብስሩ ምምሓው ኢዩ እዚ ማለት ግን ነቲ ናጽነት ዘምጻእ ሰውራ ኤርትራ ምኽሓድ ኮይኑ ዝርድኦም የውሃት የሕዋት ድማ ኣይተሳእኑን።

ኣብ ሃገርይ ደቡብ ኣፍሪቃ ከምዚ ዝብል our struggle is continuing and our victory is certainly ኣብሃህላ ኣሎና።ዝበለና ኣብ ናይ ብራስል በልጂም ኮንፈረን ብ13/12/2018 ኢዩ።እሱ ድማ እቲ ኣዝዩ ዝትንክፍ መልእኽቱ ኣብ ድሮ ቆጸራ ናይ ቤት ፍርዲ ኣብ ልዕሊኡ ብሓደ ወይጦ ህግደፍ ዘወረዶ መጥቃዕቲ ብጽባጽ እንቋቁሖ ማርቲን ብላውት ኢዩ ነይሩ።ኣነ ኾነ ኩሉ ቃለቀቱ ዝሰምዕ ሰብ ብፍላይ ነቲ ንጽብሒቱ ድሕሪ ብይን ቤት ፍርዲ እንደገና ብገለ ወይጦታት ህግደፍ ዳግማይ ዘለፋ ዝወረዶ ዘሕንክ ኢዩ ነይሩ።ገለ ካብቲ ዝበሎ ጽማቅ ቃላቱ ድማ ኣነ በዚ ኣብ ልዕለይ ብዘይፈልጦ ሰብ እተገብረ መጥቃዕቲ ቃልሰይ ጠጦው ኣየብልን ኢየ።ሓደ ነገር ግን ክነግረኩም ኣነ ምስ ሰዉራ ኤርትራን ህዝቡን ዘላለየኒ ሰብ ተጋዳላይ ኤርሚያስ ደበሳይ (ፓፓዮ) ኢዩ። ሎሚ ንሱ ን20 ዓመተ ክሳብ ሎሚ ኣብ ፍርዲ ከይቀረበ ተሓይሩ ይርከብ። እዚ ንጹህ ተቃላሳይ ካብ ማሕዩር ክሳብ ነጻ ብሂወቱ ዘይወጸ ወይውን ሬስኡ ኣብ ኢደይ ካይኣተወ ቃልሰይ ኣቋረጽኩ ማለት ድማ ዘበት ኢዩ በላና። እቲ ዝገርም ግን ናይ እቶም ወይጦታት ህግደፍ መግዛእቲ ልጅ ሃፀይ ኢሰያስ ሽንዲሕዎም ሃገሮም ገዲፎም ተሰዲዶም ክንሶም ኣብ ዝነብሩ ድማ ነቲ ያቆብ ዝተባህለ ህገደፋዊ ኣብ ከተማ ሎንዶን ኣብ ልዕሊ ማርቲን መጥቃዕቲ ዝወሰደ ቤት ፍርዲ ገበነኛ ምኻኑ ኣብ ቅድሚ ዳኛ ኣሚኑን ፍርዱን ተቀቢሉ። እቶም ህግደፋውያን እቲ ውጺኢት ብይን ቤት ፍርዲ ብመንጽር ትጽቢት ህግደፍ ምእሳር ብዘይምንባሩ ከም ዓወት ከይኑ ትዓዊትና እናበሉ ክድብሉ ተርእዮም።እዚ ድማ ኣብ ዓመተ 2018 ህግደፋውያን ኣብ ፍረዲ ዘእንገደት ዓመት ኢያ።

መጸዋዕታ መልእኽቲ መጽሓፍ ሓርበኛ ብርሃነ ኣብርሀ ንዓና ድዩ ነይሩ ወይስ ንውልቀ መላኺ ልጅ ሃፀይ ኢሰያስ ኢዩ ነይሩ፧እቲ ውልቃዊ መልሰይ ድማ ንጽሑፍይ መእሰሪ ወይ መደምደምታ ገይረዮ ኣለኹ።እሞ በሉ እቲ መልሰይ ንኽልቴና ኢዩ ነይሩ ምባል ዘሰነየኒ ነገር ንሕና ንመልእኽቱ ሰሚዕና ይትረፍ ስጉምቲ ክንወስድ እሕሕ ‘ን ኣይበልናን።እንተ ብወገን ዉለቀ መላኺ ልጅ ሃፀይ ግን ነቲ ካብ ሓርበኛ ብርሃነ ኣብርሀ እተዋህቦ መጠንቀቅታ ድማ ቅጽበታዊ መልሲ ብተግባር ፈተነ ቅትለት ኣብ ልዕሊ እሙን ምእዙዝ ዝነበረ ጀነራሉ ስብሓት ኤፍረም ኣርኢዩና ኣሎ።ብፍልይ ዝበለ መልክዕ ቅትለት ካብ ናይ ሓርበኛ ስዉእ ዓሊ ሰይድ ዓብደላ ብሽጋራ ምምራዝ ግን ንዶባት ምስምስ መዕጸዊ ኣይመሮጾን። ከምኡ ድማ ምስኡ ቅርበት ይህልዎም ኢዩ ዝብሎም መኮነናት ይሕይር ኣሎ።መኮነናት ሃገረ ኤርትራ ካብ ኣብ ኩናት ዝኸሰርናዮም ንላዕሊ ብሕልሚ ልጅ ሃፀይ ኢሰያስ መሳሰይቱን ዝጠፍኡ ይበዝሑ።እዚ ግን ብመንጽር ተጋዳላይ መስፍን ሓጎስ ዋጋ የብሉን ምኽንያቱ ምስጢር ተረኺቡለይ ድሕሪ 25 ዓመት ቀታሊ ሰውእ ኣብርሃም ተወልደ ወዲ ዓዱ በራኺ ንጉሰ (ወዲ ፈንቅል) ኢዩ ትሓታቲ እንበር ልጅ ሃፀይ ኢሰያስ ኣይኮነን ዝብለና ዘሎ ብፈርሒ ተሸቅሪሩ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ሰለዝነብር ዘሎ ኢዩ ኢለ ከመኽንየልካ እንተ ኺኢለዮ።ሕጂ ምስ ኩነታት ጀነራል ስብሓት ኤፍረም ኣተኣሳሲሩ ምምጽኡ እንታይ ዕላማ ክወቅዕ ስለዝተኣልመ ኢዩ፧ገና ምስጥር ጸይቂ ኢሰያስን መስፍን ናይ ሓንቲ ሰልዲ ከብድን ሕቆን ኢዩ።ክንደዚ ሪሒቁ ዝነብር ስድርኡ ኣብ ዉሑስ ዘንበረ ሰብ ኢዩ እሞ ድኣ እንታይ እዩ እቲ ጉዱ ፍርሒ ጉርሒ ተገዚሙ፧ መልእኽቲ ሓርበኛ ብርሃነ ኣብርሀ ኣብ ምንጋጋ ዝብኢ ልጅ ሃፀይ ኢሰያስ ኮይኑ ይጓዝም መስፍን ሓጎስ ኣብ ሸወደን ይሓልም።2018 ጉድ ኣዘኪርክና መስፍን ሓጎስ ምቅታል ኣብርሃም ተወልደ ኣጻሪካ ነጊርካና ግርም።ማለት ኢሰያስ ኣብ መገሻ ኣብ ወድከለ ምንበሩ ነጊርካና።መስዋእቲ ወዲ ዓፋ እስካ ብዘይ ኦፐረተር ካብ ግንባር ናቅፋ ቦታኻ ወጻኢ ኣብ ዘይቦታኻ ሓሸከርበብ ክንዱኡ ዝኣክል ግዜ እንታይ ትባቁጥ ነይርካ ኸ ኣጻሪኻ ድኣ ዘይትነግረና፧ንውዕለት ድራማ ቅትለት ናይ ጀነራል ስብሓት ምስ ቅትለት ኢትዮጵያ ትግራዋይ ዝመበቆሉ ጀነራል ሓየሎም እዋን ዘይብሉ ኣብ እንዳመስተ ብሰበይቲ ተባኢሶም ኣብ ኦሎምፕያ ኣዲስ ኣበባ ቀታሊኡ።ጂሚ ወዲ ሽረ ዕባይ ኣስመራ ቀቲልዎ ገዝኡ ከይዱ ደቂሱ። ኩቡራት ኣንበብቲ ብዛዕባ ጀነራል ስብሓት ኤፍረም ዝሕመየሉ poletical corruption እንበር ምቶም ካልኦት ሰበስልጣን ድርብ poletical and financial corruption ዝሕመ ኣይኮነን።ጽሑፈይ ኣብ ዝቅጽል ድራማ ሐድሽ ዓመት ኣብ ልዕሊ ተጋዳልቲ ኣቦይ ሮሞዳንን መሓመድ ኑር፡ ባዱሪ ፡ኣልአሚን መሓመድ ሲዒድ ….ወዘተ ኣብ ካልኦት ከርእየና ክንጽበ የብልናን ዝብል መዘኻኸሪ ኢዩ።እንተ ንሕና ድማ መልእኸቲ ሓርበኛ ተጋደላይ ሕዩር ብርሃነ ኣብርሀ ተቀቢልና ክንትግብር ኣብ 2019 ብዓል ተሰፋ ኢየ።

ርሑስ ሓድሽ ዓመተ ናጽነት ፍትሕን ክንሰግር ድማ ኣበርቲዕና ንቀጽል መገዲ ጉዕዞና።

ፍትሓዊ ዓወት ንውጹዕ ህዝብና

ሰሎሞን የውሃንስ

30/12/2018

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT