Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሎስ ኣንጀለስ ታይምስ፣ ኣብ ዘእንገዶ ሰፊሕ ዓንቀጽ፣ በቲ ብሓደገኛቱ ካብ ዓለም ኣስጋኢ ዝኾነ ጣሻታት ላቲን ኣመሪካ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ካብ ዝኣትዉ ስደተኛታት ዓለም ኤርትራውያን ከምዝርከቡዎም ደጊሙ ኣረጋጊጹ።

ሎስ ኣንጀለስ ታይምስ፣ ዓቕሊ ጽበታዊ ጉዕዞ ብዝብል ኣርእስቲ፣ ቅድሚ ትማሊ 22 ታሕሳስ ኣብ ዘእንገዶ ሰፊሕ ዓንቀጽ፣ በቲ ኣራዊትን ክብ ኣራዊት ዘይፍለዩ ሸፋቱን ነጋዶ ሓሽሽን ዝበዝሑዎ ብሓደገኛቱ ካብ ዓለም ኣስጋኢ ዝኾነ ጣሻታት ላቲን ኣመሪካ ናብ ሕቡራት

ሎስ ኣንጀለስ ታይምስ፣ ዓቕሊ ጽበታዊ ጉዕዞ ብዝብል ኣርእስቲ፣ ቅድሚ ትማሊ 22 ታሕሳስ ኣብ ዘእንገዶ ሰፊሕ ዓንቀጽ፣ በቲ ኣራዊትን ክብ ኣራዊት ዘይፍለዩ ሸፋቱን ነጋዶ ሓሽሽን ዝበዝሑዎ ብሓደገኛቱ ካብ ዓለም ኣስጋኢ ዝኾነ ጣሻታት ላቲን ኣመሪካ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካብ ዝኣትዉ ስደተኛታት ዓለም ኤርትራውያን ከምዝርከቡዎም ብኣብነት ብምጥቃስ ደጊሙ ኣረጋጊጹ።

እቲ ዓቕሊ ጽበታዊ ጉዕዞ ስደት መንእሰያት ኤርትራ ንቡር ከምዘይብሉ ዘመልክት፣ ኤርትራውያን፣ በዚ ብብራዚል ኣቢልካ ሓያለ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ቆሪጽካ ናብ ኣመሪካ ዝወስድ መንገዲ ከምዝጥቀሙ ሕጂ ዝተፈልጠ ምስጢር ኳ እንተዘይኮነ፣ እቲ ኣብ ትሕቲ ውልቀምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ 9 ሚእትዊት ካብ ህዝቢ ኤርትራ ከምዝተሰደደ ዝጠቐሰ ሰፊሕ ጽሑፍ ንሓደ ወዲ 26 ዓመት ሃይለ ዝተባህለ ኤርትራውን ብጾቱን ከም ቀንዲ ኣብነት ናይቲ ዝርዝራዊ ጽሑፍ ኣቕሪቡ ትዅረት ምሃቡ እዩ ኣገዳሲ ዝገብሮ።

ኣመሪካዊት ጽሓፊት ናይቲ ዓንቀጽ፣ ነታ ምስ ሃይለን ብጾቱን ዝተራኸበትላ ናብቲ ናብ ኣመሪካ ዘስግር ጽዑቕ ጣሻ ቅድሚ ምስጋርካ እትርከብ ቱርቦ እትብሃል ናይ ኮሎምብያ ከተማ፣  “ ከምታ ቅድሚ 70 ዓመት ካብ ሂትለር ዘምልጡ ዝነበሩ ስደተኛታት ኤውሮጳ ናብ ኣመሪካ ክሰግሩ ዝጸናተዉላ ዝነበሩ ሞሮካዊት ከተማ፣ ካዛብላንካ እያ እትመስል፣ ቱርቦ ናይ መበል 21 ክፍለዘበን ካዛብላንካ እያ” ክትብል ትገልጻ።

እቶም ስደተኛታት፣ ነቲ ቅድሚ ሓደ ክፍለዘበን ኣትሒዞም ኣመሪካውያን ዳሰስቲ ክመልኩዎ ዝፈተኑ ኣመሪካውያን ዳህሰስትን ባሕረኛታትን ዘሰክሐ፣ ኣብዚ ቀረባ እዋናት ዝፈተኑዎ መንገደኛታት፣ ኣብ ኢድ እቶም FARC ዝብሃሉ ዕጡቓት ወዲቖም ዝጠፍኡሉ፣ ኣብ ርእሲኡ፣ ሞት ብነጋዶ ሰብ፣ ብኣራዊትን ምጥሓል ዝበዝሖ ቀዛፊ ጣሻ ክጓዓዙ ምፍታኖም እቲ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ኩነታት ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ድማ ተንጸባርቕ።

እቲ ሰለስተ ኣሕዋቱ፣ ክልተ ናብ ኤውሮጳ ሓደ ድማ ናብ ኢትዮጵያ ተሰዲዶም ዝተበተኑዎ ሃይለ፣ ብሰንኪ ቲ ደረት ኣልቦ ግዱድ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት፣ ካብ ስደተኛታት ኣሕዋቱ ዘጠራቐሞ ገንዘብ ተጠቒሙ ፈለማ ብርዚል ብምርጋጽ በቲ ኣዝዩ ጽንኩር ጉዕዞ ዝገብሮ ቅብጸታዊ ጉዕዞ ናይ ህይወት ፈተነ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጻ ድማ፣ ኣብ ኤርትራ ካብ እትርከብ ሓብቱ ብ ፈይስቡክ ዝበጽሖ መልእኽቲ ብምጥቃስ፣ “ ናፊቕናካ ኣለና፣ ግን በጃኻ ናብ ገዛ ገጽካ ኣይትመለስ” ብምባል፣ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሕሰም ካብ ኩሉ ‘ቲ ዝገጠሞ ዝነበረ ጽንኩር ኩነታት ከምዝገድድ ትእምት።

ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ብሲናይ ናብ እስራኤል፣ ብምድረበዳ ሰሃራን ማእከላይ ባሕርን ናብ ኤውሮጳ ብደቡባዊ ኤሽያ ናብ ኣውስትራልያ ዘይፈተኑዎ መንገዲ ስደት የልቦን። እቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ቀንዲ ጠንቂ ዝኾነ ፖለቲካዊ ቅልውላው ክሳብ ዘይተፈትሐ ድማ እዚ ሞትን ውርደትን ዝበዝሖ ስደት ኣይክዓርፍን እዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT