Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓለፋ ! እቲ ዓቢ ገበን።

ብኣወልኼር ዓ/ሓፊዝ ኣብ ሓለፋ ዘሳፍወሉ ዳስ ምልኪ፤ ንፍትሒ ይትረፍ ከም ኣሳፋዊ ከም ዕዱም ይህሉ`ዶ  ይኸውን ኢልካ ሃሰው ምባል ግዜኻ ምቅታል`ዩ። ፍትሕን ሓለፋን ብሓደ ክነብሩ ማለት ዘበት`ዩ።  ናይ ሓዲኦም መፈጸምታ ናይቲ ካልኣይ መጀመርታ`ዩ ፡ከም ኣወጻጽኣን ኣተኣታትዋን ቀትርን

ብኣወልኼር ዓ/ሓፊዝ

ኣብ ሓለፋ ዘሳፍወሉ ዳስ ምልኪ፤ ንፍትሒ ይትረፍ ከም ኣሳፋዊ ከም ዕዱም ይህሉ`ዶ  ይኸውን ኢልካ ሃሰው ምባል ግዜኻ ምቅታል`ዩ። ፍትሕን ሓለፋን ብሓደ ክነብሩ ማለት ዘበት`ዩ።  ናይ ሓዲኦም መፈጸምታ ናይቲ ካልኣይ መጀመርታ`ዩ ፡ከም ኣወጻጽኣን ኣተኣታትዋን ቀትርን ለይትን።

ናይ ቀትርን ለይትን ካብ ኣምጻእና፤ ልክዕ`ዩ ቀትርን ለይትን ብሓደ ኣይነብሩን`ዮም፤ ግና ንምጭጫሕ ብዝምልከት`ዩ እመስለኒ “ንደርሆ ኣብ ለይቲ ብሰብ ዝሰርሖ ብርሃን ገይሮም ቀትሪ ከምዘሎ ኮይኑ ከም ዝስመዓ ይገብርዋ`ሞ   ………..” ዝብል ሰሚዔ ነይረ፤  ሕጂ ኸኣ እቶም ኣብ ምልኪ ፍትሒ ኣሎ ኢሎም ዝዛረቡስ ነታ ደርሆ ዝረኸባ`ዶ ረኺብዎም ይኸውን ?!

ሓለፋ እንታይ`ዩ ?

ንኣብነት ንዘይምልከተካ ንዘይግበኣካ ንዘይናትካ ጥራሕ ዘይኮነስ፤ እንተላይ ጉቡእ፡ መሰል፡ ጥሪት፡ ካለኦት ንዝኾነ ነገራዊ ይኹን ሞራላዊ ብጺሒት ቀጥታዊ ሓይልኻ/ስልጣንካ ተጠቂምካ ወይ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ማለት ንሓይልን ስልጣንን ካለኦት ተሞርኪስካ ናትካ ክትገብሮ ወይ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽርካ ከተእትዎ ወይ ክትጥቀመሉ ምኽኣል ሓደ ካብ ዓይነት ሓለፋ`ዩ።

ንዘሎ ይሕመቅ ይጸብቅ ሰብ ዝፍረደሎም ሕግታት ከይተረፈ ረጊጽካ ምኻድ`ውን ኣሎ።ኮታ ብሓለፋ ዘይርገጽ ሕጊ፡ ክብረት፡መሰል፡ንብረት የለን።

ጸቅጢ ሓለፋ ቅድሚ ምድርራቡን ንምልጋሱ ዘሸግርን ቅድሚ ምዃኑን፤ተረገጽቲ በተግ ኢሎም ክትስኡን ክኣልዩዎን ዝኽእሉ ክነሶም ዝበዝሕ ግዜ ኣራፊዶም ዘይክፈል ከፊሎም ክላቀቁ ምርኣይ ዘሕዝን ኣብ ርእሲ ምዃኑ ክጽናዕ ዘለዎ ጸገም`ዩ።

ሰብ ሓለፋ ንሓለፈኦም ብዝተፈላለየ መነጸር`ዮም ዝርእዩዎ።

  • እቶም ስልጥን ዝበሉ ወይ ሃይማኖታዊ ጽልዋ ዘለዎም ወይ ኣብ ጽያፉ ዝኸተተ ገዛ ዓብዮም ዝተኣልዩ፤ሓለፈኦም ሩኡይ ክኸውን ኣብ ርእሲ ዘይምድላዮም ፤ ንእገለ ዓምጺጾም ንእገለ ኣፈራሪሖም ዝረኸብዎ ከምዘይኮነ ንኸርእዩ ይፍትኑ`ዮም።

 

  • እቶም ምልኪ ንዘለዎም ትሑት ፍልጠት፤ ንፈጣሪ ዘይምፍራሕ፤ ንዘለዎም ስሰዔ፤ ኣብ ግምት ብምእታው ከም መሳሪሒ ንኽጥቀመሎም ዘይግበኦም መዝነት እናሃበ ሰብ ሓለፋ ክኾኑ ዝገበሮም ሰባት ከኣ ንሓለፈኦም ከም ብልጫ ጌሮም ስለ ዝርእዩዎ እቶም ኣብ ምድፋር ክብሪ ወዲ ሰብ ቀዳሞት ዝስርዑ`ዮም።

ኣብተን ጉልባበን ዝቀለዓ ኣድሓርሓርቲ ሃገራት ይኹን ኣብተን ዘይቀለዓ፡ ብስም ምርመራ ዝፍጸም ኣጸያፊ፡ ኣስካሕካሒ ተግባራት ኩሉ ሰጋእ ከይበሉ ዝፍጽሙ፤ ትሕቲ እንስሳ ዝኾኑ ሰባት ዝጥረዩ ካብቶም ኣብ ቁጽሪ 2 ዝገለጽናዮም ሰብ ሓለፋ`ዮም።

AAHafiz(187)5/7/2015

 

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT