Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ የማነ ገብረኣብ (ማንኪ) ምስ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ኣልበሽር ተራኺቡ።

ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ የማነ ገብረኣብ (ማንኪ) ምስ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ኣልበሽር ተራኺቡ፣ ካብ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝተላእከ ደብዳበ ከምዘብጽሐ ኣገልግግሎት ዜና ሱዳን (SUNA) ኣብ ሎሚ 6 ሚያዝያ ኣብ ዝዘርግሖ ዜና ሓቢሩ። እቲ ብኣህጉራዊ ቤትፍርዲ ተኸሲሱ

ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ የማነ ገብረኣብ (ማንኪ) ምስ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ኣልበሽር ተራኺቡ፣ ካብ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝተላእከ ደብዳበ ከምዘብጽሐ ኣገልግግሎት ዜና ሱዳን (SUNA) ኣብ ሎሚ 6 ሚያዝያ ኣብ ዝዘርግሖ ዜና ሓቢሩ።

እቲ ብኣህጉራዊ ቤትፍርዲ ተኸሲሱ ከም ገበነኛ ዝድለ ዘሎ ኣል በሽርን እቲ ብሃገራት ምዕራብ ዲፕሎማስያዊ ተነጽሎን ኩነኔን ኣጋጢሙዎ ዘሎ ውልቀመላኺ ኢሳይያስን እናተበጻጽሑን መልእኽቲ እናተላዋወጡን ነንሕድሕዶም ክደዓዓሱ ካብ ዝጅምሩ ሓያለ ዓመታት ሓሊፉ ‘ሎ።

ክልቲኦም ናይ ሃገራት ምዕራብ ብፍላይ ድማ ናይ ኣመሪካ ጽልኢ እንደገና ክሳብ ዘራኽቦም ንሓያለ ዓመታት ተጻባእቲ ‘ኳ እንተነበሩ፣ ኣብዚ ቀረባ እዋናት ብፍላይ ብቐጻሊ እናተራኸቡ ኣብ ንቡር ኩነታት ዘለዉ ኣምሲሎም ንኽልቲኡ ህዝብታት ከደናግሩ ክፍትኑ ይረኣዩ።

በሽርን ኢሳይያስን ጥቡቕ ዝምድና ኣለና ኢሎም ብተደጋጋሚ ይዛረቡ እምበር፣ ርክባቶም ውልቃዊ ኮይኑ፣ ካብ ዞባዊ ፕሮፖጋንዳዊ ሃልኪ ዝሓልፍ ኣድማዕነት የብሉን።

እቲ መጋበርያ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኮይኑ ዘሎ የማነ ማንኪ ናብ ሱዳን ክበጽሕ ምዃኑ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ንናይ ኣስመራ ምንጭታት ብምጥቃስ ኣብ ዝቐደመ ዜናታት ሓቢራ እያ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
10 COMMENTS
  • haben April 6, 2014

    time to kidnap this thug and send him to Sinai.

  • Tezareb April 6, 2014

    “ክልተ-ሓደ” ፣ ዝብሉ ከምዚ ምስ ረኣዩ እዮም። እዚኦም ደኣ ዓብድ ናይ ዓረብ እንድዮም።
    ዓርኪ ሰባር፣ ነቓዕ ።

  • Anbesit April 6, 2014

    Forget about these two devils, they are two dead alive.

  • bitew ahferom April 6, 2014

    ኣስኩቱ ኣይትበሉኒ ኣይትሻቐል
    ሃገረይ ብክልል ክትማቓቐል
    ታሊባን ኣብ መታሕት ክቃላቐል
    ህዝበይ ምስ ዴምህትን ቅንጅትን ክዳቐል
    ዓፋርን ኩናማን ምስ ካልእ ከይፋቐር
    መሳርያ ኣትሒዞሞ መሬት ክፋናቐል
    ከብደይ ተረቢጹ ብውጽኣት ቀልቀል
    ክኽትትየ፡ኣለኒ ናይ ኢሳያስን ወያነን ኣሜሪካን እስራኤልን በቀል .
    ወዲ በራድ ጨው እግሩ
    ምስ ኣኮታቱ ስግር መረብ ዝነብሩ
    ሾሞንተ ልቢ ገዛ ገዲፎም ብሓንቲ ዝዞሩ
    ኤርትራና ታሊባን መታሕት ጌሮም ከሕርሩ
    ዓዲ እንግሊዝ ንደቂ ራቢጣ ዘዋፍሩ
    ህዝበ ትግርኛ መታን ናብ ትግራይ ክቕይሩ
    መሲልዎም እምበር ክሳዕ መቐለ ከም ዝባረሩ
    ከቲትና ኣለና ምስ ህግደፍ ኣዝማዶም ክሓብሩ
    ክንድርዕሞም ኢና ውይ ውይ ክሳዕ ዝብሉ.

  • bitew ahferom April 6, 2014

    ደቂ ሃገረይ
    ኢትዮጵያውያን ምስ ፈረንጅን ኣሜሪካውያንን እስራኤላውያንን ተሻሪኾም ነታ ካብ ጥንቲ ካብ ጥቅምቲ ዝነበረት ጥንታዊ ኤርትራዊ ታሪኽ በሪዞም ናቶም ጌሮም ከቕርብዎ ፈቲኖም።ኣቦና ዘርኣይ ደረስ ኣብ ሮማ ባንዴራ ጎረቤትና ዝኾነት ሃገር ርገጽ ነታ ናይ ጣልያን ግን ኣብ መንኩብካ ግበራ ምስ በልዎ ኣፍሪቃዊ ስምዒቱ ኣናሃሂርዎ ኤሪትረያ ሰምፕረ ፕሪሞ ኣፍሪካ ቤነ ኢታልያ ማለዲቶ ኢሉ እዩ ክሳዳቶም ዝቖረጾም።ዝገበሮ ምእንቲ ኣፍሪቃዊ ሓበንን ኤርትራዊ ሃገራውነትን እዩ።
    ኣበራ ወዲ ኣውራጃ ሓማሴን ድማ ኣብ ውግእ ዓድዋ ባንዴራ ኤርትራ ኣብ ጸጋመይቲ ኢዱ ሒዙ ኣቡ ዓሸራ ኣብ የማኑ ጌሩ ፋሽሽቲ ክ ውድእ ምስ ርኣይዎ፣ሃጸ ሚኒሊክ ባዕሎም
    ከሺ የኢትዮጵያ ኣገር ኣማራ
    ኣንድ የኤርትራ ኣገር ኣበራ ከም ዝበሉ ኤርትራዊ ታሪኽ ይገልጽ።
    ነዚ ክሒድና ጽውጽዋይ ናይ ጽዓዱን ኢትዮጵያውያንን እንድሕር ክንኣምን ኴንና እሞ እቲ ቃልስና ብላሽ ንገብሮ ኣለና።ደቂ ሃገር፡ ጽዓዱ ታሪኽ ብስዓርቲ ዝጥዕሞም መገዲ እዩ ዝጽሓፍ ይብሉ።ንሕና ስዓርቲ ስለ ዝኾንና ዝጥዕመና ታሪኽ ኢና ንወስድ።
    ንኽተት ከም ኣስመልና ንስዓር ኢሳያስ ንተምቤን ወያነ ንመቐለ ደፊእና ነቲ ታሊባናዊ ናይ ጭሕሚ ቃልሶም ደምሲስና ንመታሕት ኣሕዋትና ንሕቆፍም ።

    ሃገር ቅድሚ ስድራን ሃይማኖትን ብሄርን
    ኤርትራ ንሽርኪ ኢሳያስን ወያነን እስራኤልን ኣሜሪካን ናይ መታሕት ታሊባንን ደምሲሳ ክትምዕብል ያ።

    • Joharra April 7, 2014

      ኣበራ ወዲ ኣውራጃ ሓማሴን ድማ ኣብ ውግእ ዓድዋ ባንዴራ ኤርትራ ኣብ ጸጋመይቲ ኢዱ ሒዙ………..ABTI GEZE ETI BANDERA ERITREA ENTAY TEMESEL NEYRA?

  • Hidat April 7, 2014

    BITEW AHFEROM MESINAS HAWINA ZEBRYO REKIBU LOL………….. GIN KEMTI MESINAS DEMAHI DEMAHI ZEBZEHO NISKA KEA KEIGEMERKA TALIBAN TALIBAN TALIBAN TALIBAN ABZEHKA

  • sara gual eritra April 7, 2014

    haben
    2nd wuElo new york tedlyo ala
    tsbuk aleka

  • Banna14 April 7, 2014

    Bitew you have some points but you destroying your own argument because you have too much hate
    and believe in conspiracy theories. You can’t just hate the all Tegray people because few idiots. In every society there is the good, the bad and the ugly including ours.

  • demahi April 7, 2014

    bejakum ngeru ab adwa zneberet bandera eritrea

POST A COMMENT