Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓሶታት የማነ ገብረኣብ፡ ንግብኣተ-መሬት ስርዓት ኢሳያስ ዘቀላጥፍ’ዩ

ሓሶታት የማነ ገብረኣብ፡ ንግብኣተ-መሬት ስርዓት ኢሳያስ ዘቀላጥፍ’ዩ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ንሓሶታትካ ከቃልዕን ክብድህን ክብል ልዕሊ ዓቅምኻ ኣዎንታዊ ሚዛን ይህበካ ከይህሉ እቅሬታ ግበረለይ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ብጋዜጠኛ ያልዳ ሃኪን (Yalda Hakin) ኣገልግሎት መደበር ራድዮ ዓባይ ብሪጣንያ(BBC) ንኤርትራ

ሓሶታት የማነ ገብረኣብ፡ ንግብኣተ-መሬት ስርዓት ኢሳያስ ዘቀላጥፍ’ዩ

ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ንሓሶታትካ ከቃልዕን ክብድህን ክብል ልዕሊ ዓቅምኻ ኣዎንታዊ ሚዛን ይህበካ ከይህሉ እቅሬታ ግበረለይ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ብጋዜጠኛ ያልዳ ሃኪን (Yalda Hakin) ኣገልግሎት መደበር ራድዮ ዓባይ ብሪጣንያ(BBC) ንኤርትራ ኣብ ዝምልከቱ ዝተፈላለየ ጉዳያት ተሓቲትካ ንዝሃብካዮ መልስታትን መግለጺታትን ኣብ ሰለስተ ነጥብታት ከተኩር። እቲ ዝሃብካዮ መልስታትን  መብለጺታትን፡ ኣብቲ ‘’ሓሶትን ሓሙኹሽትን እናሓደረ ይፎክስ’’ ዝብሃል ምስላ ቀዳሞት’ዩ ዝጠቃለል።

  • ኣብ ኤርትራ፡ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ብዘይ ክሲ ወይ ፍርዲ ኣብ ምስጠራዊ ጎዳጉዲ፡ ኮንተይነራትን ዝኾነ መሳለጥያታት ኣብ ዘይብሉን ቦታታት ኣማኢት ኤርትራውያን ንዓመታት ተሓይሮም ይሳቀዩ ከምዘለዉ ብሩህ ክንሱ፡ ብሓሶትን ሽሕጣንን ተመልሚልካ ዝዓበኻ የማነ ግን ”ሚስጥራዊ ኣብያተ ማእሰርቲ የብልናን፡ ሰባት ኣይነሳቅን ኢና፡ ንሕና ሰባት ምስቃይ ኣትሪርና ኢና ንቃወሞ’’ ክትብል  ዓይንኻ ከይሓሰኻ መሊስካ። ኣቶ የማነ፡ እቶም ብገድላዊ  ኣበርክቶን ብተሞክሮን መምሃራንካ ዝነበሩ’ሞ ብሰሪ’ቲ ንስኻን መሰልትኻን  ንኢሳያስ ዝመጠኹሞ ቀይናን ምኽሪ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ  ብስቃይ ዝተሰውኡን ገና ሞት ዝጽበዩ ዘሎዉን  ኣባላት ጉጅለ 15 ከመይ ኣቢልካ ረሲዕካዮም? እቶም ጉድለታት ንምእራምን ሃገር ንምምዕባልን ርእይቶ ዝሃቡን ሓሳቦም ኣብ ጋዜጣታት ዝጸሓፉ ጋዜጠኛታትን ብሰንክኻ ግደ ማእሰርቲ፡ ምድስካልን ስደትን ኮይኖም ዘለዉ ዜጋታት  ተሓታቲ ምዃንካ ዘንጊዕካ ዲኻ?
  • ኣብ ኤርትራ ብሕጊ ዝምእዘዝ መንግስቲ ከምዘየለን ምርጫ ተኻይዱ ከምዘይፈልጥን ዘካትዕ ኣይኮነን። ከምቲ ኢሳያስን ኮራኩሩን ንዓመታት ዘደጋግምዎ ሓሶት ድማ፡ ኣቶ የማነ፡ ‘’ምስ ኢትዮጵያ ዘሎ ምሕንጻጽ ዶብ ስለዘይተወድአ፡ ቅዋም ኣይተተግበረን፡ ምርጫ ኣይተኻየደን” ክትብል መሊስካ። ወዮ ድኣ እቲ ቀምሽ ኣደይ ሓንኲሉኒ ዝዓይነቱ ምስምስ ምቅራብ ኣመል ስርዓት ኢሳያስ ኮይኑ’ምበር፡ እቲ ሓቂ፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስን መሰልቱን ኣብ ስልጣን ንዓመታት ንምቅጻል፡ ንህዝቢ ኤርትራ ከም ቃሕቶኦም ንምርጋጽን ህዝቢ ንውሽጣዊ ኣበራት ስርዓት ኢሳያስ መታን ከየድህብን ኢዩ እቲ ቀንዲ ምኽንያት። ሕቶ ዘይምሕንጻጽ ዶብ ምስ ኢትዮጵያ ስለዘይተወድአ ቅዋም ንኸይህሉን ምርጫ ንኸይካየድን ከም ሓቂ እንተተወሲዱ፡ ስለምንታይ ኢትዮጵያ ምርጫታት የካይዱ ኣለዉ?
  • ኣሽሓት ኤርትራውያን፡(መብዛሕቶኦም መንእሰያትን ተጋደልቲ ዝነበሩን) ብሰንኪ ደረት ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ሽቅለተ ኣልቦነትን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ዝፈትውዋ ሃገሮምን ቤተሰቦምን ገዲፎም ናብ ወሕስነት ዘይብሉ ስደት የምርሑ ኣለዉ። እቶ የማነ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘሎ ሕቶ ዶብ ስለዘይተወድአ ምኽንያት ምንዋሕ መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኢልካ ዝሃብካዮ ሽሓጢ መልሲ፡ እቲ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳን ሰሜን ኣመሪካን ዘሎ ስደተኛታት ናይ ምቕባል ሉስሉስ ሜላ፡ ኤርትራውያን ናብ ስደት ከምርሑ የተባብዕም ከምዘሎ ገሊጽካ። ወዮ ድኣ ኣብ ከብዲ ጽጉብ ጥሙይ የለን ኮይኑ’ምበር፡ ምውቅቲ ገዝኡ ገዲፉ ኣብ ኣጻምእን ማያትን ብጥሜትን ድኻምን ክምውት፡ ብነጋዶ ሰብ ብካራን ጥይትን ክጉያሕ፡ ኣብ መዓስከር ሰደተናታት ክከላበትን ለማናይ ክኸውንን ዝመርጽ ኮቶ የለን።

ኣቶ የማነ፡ ኩሉ መልስታትካ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዘለካ ንዕቀትን ተበላጺ ጠባይካን ዘንጸብርቕ ኮይኑ፡ ኣብ ቤትማእሰርቲ ስርዓት ኢሳያስ ዝሳቀ፡ ኣብ ስደት ከርፋሕ ናብራ ዘሕልፍን ኣብ ጉዕዞ ስደት ዝመውትን ዝእሰርን፡ ኣብ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝተዋፈረ፡ ውላድ፡ ቤተሰብን ዘመድን ስለዘይብካ ጥራይ ኢኻ ሰማይን ምድርን ዘላግብ ሓሶትን ዓይኒ ሰብ ዘኑቅርን መግለጽን ኣቅሪብካ። ኣቶ የማነ፡ ታሪኽ ክድገም ምዃኑ ክትዝንግዕ የብልካን። ወለዲ፡ ቤተሰብን ኣዕሩኽን ናይ ኩሎም ግዳያት ሞት፡ ማእሰርትን ስደትን ኤርትራውያን ይዕዘቡኻን ጽባሕ ኢድ ኢሳያስ ምስኣርከበትልካ ወይ ብሓይሊ ህዝቢ ምስተቀፈድካን ካብ ተሓታትነት ከምዘይተምልጥ ክትግንዘብ ኣለካ። ኣቶ የማነ፡ ተስፋ እገብር ኩሉ ዝሃብካዮ መሰረት ኣልቦ መግለጺታትን ሓሶታትን ምስቲ ኣብ ኤርትራ ዘሉ ክውንነት ከተገናዝቦን ምስ ሕልናኻ ክትመራመርን። እንተድኣ ‘’እናፈለጠ ዝደቀሰ’ስ ነቅኒቕካዮ ነይሰምዕ’’ ዝዓይነቱ እምነት ሃልዩካ ግን ካብ ከቢድ ድቃስካ ነቅኒቑ ዘበራብር ግዜ ርሑቅ ኣይኮነን።

ጽላል- ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ         መጋቢት 2015

aseye.asena@gmail.com

Review overview
25 COMMENTS
  • yonas March 18, 2015

    YEMANE MONKEY:አብ ኤርትራ ሕገ መንግስቲ አሎ:ነፃነት ናይ ምዝራብን ሐሳብካ ምግላፅን አሎ:ምስጢራዉያን ቤት ማእሰርትታት የለውን:ምርጫ ናይ ዞባውን ምምሕዳራትን ንገብር ኢና ብጀካ ናይ ፕረሲዳንት እዚ ኸአ ወያነን አመሪካን ስለዝፃብኡና ኢዩ:መንእሰያት ናብ ስደት ዘምርሑ ዘለዉ ወያን አመሪካን ኢዮም ተሐተትቲ:ተፃባእቲ በዚሖሙና እምበር ፅቡቕ ንሰጉም አለና:ክንደይ ኢልካ ኢዩሞ ክፅብፀብ ናይዚ 😀
    😀
    ቢያንቶኒ(ተለአአኺ)ዉልቀ መላኺ,ሕጂ ግን ኩሉ ዕርቃኑ ወፂኡ እቶም ናይ ህግደፍ ደገፍቲ ከማን እዚ ሐሳዊ ማንኪ ክብልዎ ጀሞሮም አለው።ድሕሪ ሕጂ ግን ኩሉ ናይ ሐሶት ሎቖትኦም ስለ ዝተወድኦም ሐንቲ ቅላዕ ኢያ ተድልዮም ዘላ ፈጋዕጋዕ ክብሉ።ንዐመታት አየናይ ዝጠቅም ገዛዉቲ ሰሪሖም ኢዮም ከአ ህዝቢ ብኽንደይ መከራን ሽግርን ዘስርሖ ገዛዉቲ አብ ምፍራስ ዝርበፁ።ሰላም ቅሳነትን ራህዋን ንህዝቢ ኤርትራ!!!!!

  • Simon G. March 18, 2015

    I don’t think Monkey did anything wrong. I hope I am not puting him in trouble but you guys missed onething he did and a gesture with it.
    While winking, he lowers his voice (remember the “I shrank it” episode from Seinfeld?) and told the BBC person to add “-ve” sign to everything he uttered thus far.

  • Abisho March 18, 2015

    Simon G What you talking about kkkkkkkkkkkkkkkkkkkk
    you kidding me men, kkkkkkkkkkkkkkkkkkkkkkk I want say same thing for you,just listen,and open your eyes.May be if you sleeping right now, I hope you will be understand when you wake up, what you talking about.
    dear brother don’t told me snake is not killed you, because Yemane means Anaconda snake, he killed all Eritrean peoples with his lunatic mind Isease and others.So that i don’t give mercy for those people once forever.
    thank you .

  • Semhar March 18, 2015

    Number #1 enemy of Eritrea!

    He is a disgrace to ERITREANS!

  • Dahlak March 19, 2015

    “KemaAlka ileyo n’mni seb mesiluni”, goes our Tigrigna adage. This man doesn’t deserve

    too much attention or our time as he is just emni/stone head Sri Lankan.

  • Debre March 19, 2015

    ክቡር ጽላለ
    ኣቀዲመ ክቡር ሰላምታይ ይብጻሕኻ፡
    ቀጺለ ብዛዕባ ሓሶታት የማነ መንኪ ዝጸሓፍካዮ ሓቂ ደገፈይ ክህብ እደሊ። ካብ ሓሶታትቱ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ መድያ እንዳቀረበ ብሓሶት ካብ ዘዐሸወሎም ሓሶታት ሓደ ክውስኽ ደልየ። ጂ 15 ቅዋም ይተግበር ኢሎም ንኢሳይያስ ኣዋጢሮም ሂዞሞ ኣብዝነበረሉ እዋን (እታ እዋን ቀቅድሚ ጂ 15 ምእሳሮም ወርሒ መስከረም ትመስለኒ) ኣብ መድያ ቀሪቡ ኢሳይያስ ናይ ስልጣን ባህጊ ከምዘይብሉ ኣብ ሓጺር እዋን እንተዘይተጋጊየ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ቅዋም ክእወጅ ምዃኑ ዝሓሰዋ ሓሶት ከምዛ ሎሚ ኮይና እያ ትዝከረኒ። ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ ውሽጢ ቀረባ እዋን ክእወጅ እንተኾይኑ ብዝብል ህዝቢ ተረጋጊኡ ጥራይ ዘይኮነ ለሽ ኢሉ እዩ ደቂሱ። ድሕሪኡ ንኽበራበር ዓቅምን ተኽእሎን ኣይረኸበን።

    ኣብ ሕርሻ እንስሳ ዝብል መጽሓፍ ንየማነ መንኪ ዝውክል ገጸ ባህሪ ብትክክል ኣሎ፡ ስከለር ዝበሃል። የማነ መንኪ ሓንቲ ክንዲ ኢምንት ዝኸውን ባህሪ ስከለር ከየትረፈ እዩ ዝወሳእ ዘሎ። ስከለር ናይ ናፖሊዮን ሓሳዊ፡ የማነ መንኪ ከኣ ናይ ኢሳይያስ ሓሳዊ። እቲ ሓሶት ምስኡ ዝተፈጠረ እዩ ዝመስል። ጋዜጠኛ ነበር ሓሳዊ። መልእኽተኛ ዲያብሎስ።
    ምልኪ ይፍረስ ፍትሒ ይንገስ
    ደብረ

  • Madingo March 19, 2015

    Lets all admit it that Yemane (the beautiful African tree monkey) is too smart and a step ahead of

    all of us. I would not be too surprised if he replaces DIA with America and the Europeans blessing.

    • Eritreawit March 19, 2015

      Mandingo,

      IS this means that Yemane Monkey was and still is a spy OMG, it is beleaved he just showed up and became one of the leaders in the cercle of the Dictator in SAHIL/MEDA, all the tegadelti then asked who is he what is his contribution to be elected to lead ? Now it is clear, I will say God help us, he need to goawy,he did enough damadge already Monkey.

    • natu March 20, 2015

      @Madingo !

      I have never seen a smart mon-key, but an EVIL already ! This devilish ‘Eritrean’ animal, who was elected only from one DEVIL/DIA, has unhealthy and worse thoughts than his ugly face. I can no more tolerate seeing the picture of this ugliest creature at all, no matter where and how !

      The harm he has inflicted upon his people and country is unmeasurable and hard to repair.

      I hope God will give one brave Eritrea the grace to liquidate this bad creature with his self-elected chief and free us from the 2-men show.

    • merhawit March 20, 2015

      Monkey a mole planted by the CIA? What a moronic u must be! Eritrea is not even a banana republic – it is much lower. Why should they need Monkey? If they wanted they can turn DIA into their boy at any time of their choice. But true to their Hollywood culture, they want him at this time

      • merhawit March 20, 2015

        Cont’d.

        But true to their Hollywood culture, they want him at this time to play the role of the bad boy, knowing full well that he’s weak and broke, completely devoid of fire power and the necessary human and material resources. But that role of the bad boy still suits him perfectly – both from the point of view of his physical appearance and evil egocentric behavior. Monkey? At best, he can be recruited as occasional informer- a very mini-role!!

  • merhawit March 20, 2015

    isaias Afewerqi’s state religion is called lies. Yemane Monkey is its high priest. The 2 subhumans are so intoxicated by long exposure to overdosis of lies that now they don’t know any more the difference between a lie and a truth.

  • oromay March 21, 2015

    Iwae intay deamo kigebir ilkumwo kab tera nay radio reporter halifu kushkemo zeykiel siltan dub bela miswedeko kimesasel naygudn iyu.

Post a Reply to merhawit Cancel Reply