Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓሻካ!

‘እዋእ!’ ዶ ክብለኪ ‘ኢዋእ!’ ንገርኒ ‘ባ እንታይ ከምዘዋጽእ? ክቐረብ ድየ ክርሕቕ ክረግም ድየ ክምርቕ ክጭክን ድየ ክድንግጽ ክዝልል ድየ ክረግጽ ጠፊኡኒ ‘ኳ እንታይ ከምዝመርጽ ኣቕቢጽኪ ከለኺ ስኢነኪ ምቕባጽ! ርኤኺ ‘ሞ ድንግርግረይ ሩሕ ከምዘለኪ ንዓኺ ምሕታተይ፡ ዛሕልኺ ካብ በረድ ቆሪሩ ዕረኺ ካብ ዕረ ዓርዒሩ ደንዚዝኪ ብዝንታ ኣእምሮ ሜትኪ ክንስኺ

‘እዋእ!’ ዶ ክብለኪ ‘ኢዋእ!’
ንገርኒ ‘ባ እንታይ ከምዘዋጽእ?

ክቐረብ ድየ ክርሕቕ
ክረግም ድየ ክምርቕ
ክጭክን ድየ ክድንግጽ
ክዝልል ድየ ክረግጽ
ጠፊኡኒ ‘ኳ እንታይ ከምዝመርጽ
ኣቕቢጽኪ ከለኺ ስኢነኪ ምቕባጽ!

ርኤኺ ‘ሞ ድንግርግረይ
ሩሕ ከምዘለኪ ንዓኺ ምሕታተይ፡

ዛሕልኺ ካብ በረድ ቆሪሩ
ዕረኺ ካብ ዕረ ዓርዒሩ
ደንዚዝኪ ብዝንታ ኣእምሮ
ሜትኪ ክንስኺ ድሮ
ምቕባጽ ስኢነኪ ፈንጢሰ መኻሮ
ናይታ ዝፈልጠኪ እንከለኺ ዋዕሮ
ምግናዝኪ ገዲፈ ብኽልተ ሜትሮ
እድስቖ ‘ለኹ ናይ በጽሒ ከበሮ
ጸንቃቕ ተረኸብኩ ሩሕኪ ዘበራብሮ፡

ሓሻካ!
ዝላይ ኣሚኖም ከይኮኑ ጸኒሖም ቀባሮ
‘ምበር እንታይ ተሪፉኪ ጉድጓድ ዘይቅበሎ፡

እንሓሳብስ ወረ ገጸይ ይጭልግሞ
ይብድል ከይህሉ ስቓይኪ የሕስሞ
ምጽናሕኪ ካብ ሞት ትንፋስኪ ምሕላው
ካብ ሞት ከይኸፍእ ሬሳኺ ምርራው፡

ወረ ግዜ ‘ሎ
‘መን ይፈልጥ እንተዝብል ንደሊኣ
ሓመድ ጥዒማ ደኾን ምጸደቐት ሽዓ’
ኢለ
እጠዓስ፡ እጭነቕ፡ እማታእ እንሓንሳብ
ንሸለልስ ‘ያኢ ኣድልዩዎ ምሕሳብ !

ኣንቲ ተንስኢ ‘ባ ግበሪ ሓዲኡ
ደንገጺ ብሓልፋይ ይርከቦ ግዲኡ
ሓልዮት ሂቡኪ ‘ምበር ንርእሱ ኸሊኡ
ነብሱ ጎዲኡ’ምበር መዓስ ተጓዲኡ
ኵንዮ ኣፍቃሪቱ ወይ ድማ ኣዲኡ
ኣብ ዓራት ሕልና ደቅሲ ምስኡ

እፈልጦ ‘የ እሙን ብዕሸሉ
በጃ ምዃን’ዩ ኣመሉ
ካብ ሬሳኺ ስለዘይሃደመ ሞትኪ ኣይተልግብሉ
ልቡ ከይስሕቀኪ ፈርሲ ልብኺ ኣስተብሂሉ

መልሓሱ ገይሩ ከንፈርኪ እንተለስለሶ
ምራቑ ወዲኡ ምራቕኪ እንተሐደሶ
ምዓስ ደስ ኢሉዎ ረውዩ ከም ወጠጦ
ይሳቐ ’ምበር ‘ሎ ህይወቱ የምልጦ፡

ተንስኢ ‘ባ ሓሻካ
ንገፍዮ ንዶ ‘ቲ ሓሰኻ
እንታይ ‘ሞ ገዲፉሉ ንስጋኺ
ምፍሓቝ ከይጅምሮ ነዕጽምትኺ፡

ግምስስ ኣይትበሊ ኣብ እግሪ’ቲ ቖልቋል
ኣብ ደረት መቓብር
እጃሙ ‘ዶ ይኮነን ድኹማት ምቕባል?

ተንስኢ ሓሻኻ
ኣብ ወንበር ኮፍ በሊ
ኣብ እግሪ ሽባኻ፡
ዓዲ ክትርእየኪ ብስርዓት ባሪኻ
‘ዓጀብ!’ ክትብለኪ ኣብ ክንዲ ‘ሓሻካ!’።

ኣማኑኤል ኢያሱ
16 ጥሪ 2012

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT