Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓሽከት ውድባትን ማሕበራትን ቃልሲ የዐውታ’ዶ…? – ካልኣይ ክፋል

                                   ካልኣይ ክፋል                   ሓሽከት ውድባትን ማሕበራትን ቃልሲ የዐውታ’ዶ…? ኣብ ቀዳማይ ክፋል እዚ ዓብን ተኣፋፍን ግን ከኣ ግድን ክንዝትየሉን መቐይሮ ክንገብረሉን ዘለና ኣርእስቲ ጽሑፈይ፡ ብኤርትራውያን

                                   ካልኣይ ክፋል       

           ሓሽከት ውድባትን ማሕበራትን ቃልሲ የዐውታ’ዶ…?

ኣብ ቀዳማይ ክፋል እዚ ዓብን ተኣፋፍን ግን ከኣ ግድን ክንዝትየሉን መቐይሮ ክንገብረሉን ዘለና ኣርእስቲ ጽሑፈይ፡ ብኤርትራውያን ስደተኛታት ፕሮፌሰር ዳን ኮነል ተሓቲቱ ዝሃቦ መልሲ እንታይ ነበረ፡ ኣብ ዝብል ሓሳብ እየ ጠጠው ኣቢለዮ ነይረ፡፡ ቅድሚ ናብቲ ቀንዲ ሕመረት ጽሑፈይ ምእታወይ ግን፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ዝበጻሓኒ ሓበሬታ፡ ክሰዓብ ዝግበኦ ወሳኒ ተበግሶ ንተኸታተልቲ እዚ ጽሑፍ ንኣንፈይ ወስ ከብል፡፡ እቲ ንደልዮን ንብህጎን ክኸውን ኣለዎ ንብሎን ዘለና ቅኑዕ መገዲ ሓባራዊ ቃልሲ ንሱ ስለ ዝኾነ፡፡ ክልተ ካብቶም ዕጥቂ ብረት ኣልዒሎም ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ኣብ ባይታ ወሪዶም ዝቃለሱ ዘለዉ ውድባት፡ ብመናእሰያት ዝቖመ ውድብ መደፍኤ ከምኡ እውን ግንባር ሃገራዊ ድሕነትን ሰራዊቶም ኣብ ሓደ ግምባር ብሓደ ወተሃደራዊ እዚ ክጥርነፉ ዝተገብረን ዝተወስደን ኣብነታዊ ተበግሶ ኢዩ፡፡ እዞም ክልተ ውድባት ሰራዊቶም ኣብዚ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ሕድሕድ ምብጽጻሕን ስጡም ርክባትን ክገብሩ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሰራዊት ክልቲኡ ውድባት ተሓናፊጹ ከም ዘሎ ርጡብ ሓበሬታ በጺሑኒ ኣሎ፡፡ ሰራዊት ክልቲኡ ውድባት ንሕና ናይ ህዝብን ንህዝብን ኢና፡፡ ስለ ዝኾነ ዝፈላሊ ነገር ስለ ዘይብልና ኣብ ሓደ ክንዓስል ግቡእ ኢዩ ዝብል መርገጺ ብምሓዞም ክምጎስን ክሰዓብን ዝግበኦ ኣብነታዊ ተበግሶ ኢዩ፡፡  ኣብዚ ዝመጽእ ቀረባ መዓልታት ድማ ብእዉጅ ወተሃደራዊ ክንፊ ክልቲኡ ውድባት ብሓደ ከም ዝተጠርነፈ ነቲ ንምሉእ ስምረትን ሓድነትን ሃንቀው ዝብል ዘሎ ደላይ ለውጢ ክግለጽ  ምዃኑ ብቐረባ ካብ ዝረኸብኩዎ ሓበሬታ ዘረጋግጾ ኢዩ፡፡ ክሰዓብ ዝግበኦ ኣብነታዊ ተበግሶ ኢዩ፡፡ ዮሃና ንኽልቲኦም ውድባት ውድብ መደፍኤን ግንባር ሃገራዊ ድሕነትን፡፡ ካልኦት ውድባት እውን ነዚ ኣብነታዊ ተበግሶ ክስዕበኦ ልባዊ ምንዮት ኩሉ ደላይ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ምዃኑ በዚ ኣጋጣሚ ከዘኻኽሮም ይደሊ፡፡

ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ጽሑፈይ ዘቐመጥኩዎ፡ ንዳን ኮነል ብኤርትራውያን መንእሰያት ስደተኛታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝቐረበሉ ሕቶ እዚ ኢዩ፡፡ “ህዝቢ ኤርትራ ብስርዓት ህግደፍ ሓሳረ መከርኡ እናረኣየ፡ እናተቐትለ፡ ብዘይ ፍርዲ ንዓመታት እናተኣስረ፡ ብጅምላ እናተሰደደን እናተበታተነን ማሕበረ-ሰብ ዓለም ይኹን መንግስቲ ኣመሪካ ዝተኸወሎ ኣይመስለናን፡፡ እዚ እናኾነ ስለምንታ’ዩ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ብትሪ ዓገብ ብምባል ኣብ ጎድኒ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ደው ዘይብል? ብፍላይ መንግስቲ ኣመሪካ ስለምንታይ ንደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ኣፍልጦ ዘይህብን ምሉእ ደገፉ ዘይገብርን? ትብል ሕቶ ኢያ ዝነበረት፡፡ መልሲ መሓዛ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ኣመሪካዊ ፕሮፌሰር ዳን ኮነል ከምዚ ዝስዕብ ትሕዝቶ ዝነበሮ ኢዩ፡፡

“ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ግዜ ብፓርላማ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ተጸዊዐ ንጉዳይ ኤርትራ ዝምልከት ኣብ ጭቡጥ መጽናዕቲ ዝተደገፈ ሓበሬታን ርኢቶይን ክህብ ተዓዲመ ነይረ፡፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ማለት ሃገረይ ጉዳይ ኢትዮ- ኤርትራ ብፍላይ ድማ ኣብ ውሽጢ ሃገረ ኤርትራ ኣጋጢሙ ዘሎ ሽግር ብፍላይ ንጉዳይ ምግሃስ ሰብኣዊ  መሰላት ህዝቢ ብህጹጽ ክፍታሕ ሰናይ ድሌትን ቅሩብነትን ኣለዋ፡፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ግዝኣተ ሕጊ ረጊጹ ንህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ ንማሕበረ ሰብ ዓለም እውን ዝህውኽ ተናኻሲ ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ይኽተል ምህላዉ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ይኹን መንግስቲ ኣመሪካ የዐርዩ ይፈልጥን ይከታተሎን ኢዩ፡፡ ይኹን እምበር ኣብዚ ሰዓት እዚ ሃገረይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ክእለ ድሌት ኣለዋ ክብል ኣይክእልን እየ፡፡ እቲ ቀንዲ ስክፍታ እቲ ስርዓት ተኣልዩ ነቲ ክፍጠር ዝኽእል ሃጓፍ ክትክእ ዝኽእል ዝተዳለወ ጥሙር ሓይሊ ዘይምህላዉ ኢዩ፡፡ መንግስቲ ኣመሪካ ብዘይ ቀልዓለም ኣብ ፖለቲካውያን ውድባት ኤርትራ ስክፍታ ኣለዎ፡፡ ነየነይቲ ውድብ ከሓግዝን ኣፍልጦ ክህብን ዘሸግር ኢዩ፡፡ እታ ሓንቲ ኣማራጺኡ እቲ ስርዓት ኣጽፋሩ ኣንዊሑ ከይሕንፍጥ ብማዕቀብን ዲፕሎማስያዊ ኩነኔን ሓይሊ ከም ዝስእንን ከምዘይንቀሳቐስ ምግባርን ጥራይ ኢዩ፡፡ እቲ መልሲ ኣብ ኢድ ህዝቢ ኤርትራን ደምበ ተቓውሞን ኢዩ ዘሎ፡፡ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ይኹን መንግስቲ ኣመሪካ ስጡምን ዝሰመረን ቅኑዕ ራእይ ዝሓዘን ተበግሶ ምስ ዝርእዩ ጥራይ ኢዮም ሓገዞም ክገብሩ ዝኽእሉ፡፡ ስርዓት ህግደፍ ንኽእለ ሓላፍነት ህዝብን ሃገርን ክስከምን ክመርሕን ዝኽእል ጥሙር ዝተወደበ ሓይሊ ክመጽእን ክፍጠርን ክኽእል ኣለዎ፡፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ክትኣሊ መተካእትኡ ከተዳሉ ኣለካ፡፡ ነቲ ክፍጠር ዝኽእል ሃጓፍ ክትዓብስ እንተዘይ ኪኢልካ ምስ ህሉው ኣካይዳ ኤርትራውያን ደምበ ተቓውሞ ናብ ካልእ ዝዓበየን ዝተሓላለኸን ሽግር ምእታው ኢዩ፡፡” ዝብል ኢዩ ዝነበረ፡፡

ኣመሪካዊ መሓዛ ህዝቢ ኤርትራ ፕሮፌሰር ዳን ኮነል ዝሃቦ መልሲ ኣይፋልካን ተጋጊኻ ኢልካ ትምጉቶን ትከራኸሮን ኣይኮነን፡፡ ኣብ ባይታ ዘሎ ዓይኑ ዘፍጠጠ ዝተጨበጠ ሓቂ ንሱ ስለ ዝኾነ፡፡ ትዕዝብትን ርእይቶን ፕሮፌሰር ዳን ኮነል ግን፡ ንለባም ኣምተሉ ምንባሩ ንስሕቶን ይስወረናን ኣይብልን እየ፡፡ ቃል ብቓሉ ስመሩ ሓደ ኩኑ ኣካይዳኹም ከልስዎን መርምርዎን ኣስተኻኽልዎን ኢዩ ዝብል ዝነበረ፡፡ ብዜካዚ ዳን ኮነል ኣብ መዓስከር ኤርትራውያን ስደተኛታት ወሪዱ ኣብ ዝገበሮ ሰፊሕ ሸፈነ ዝነበሮ ቃለመሕትት ምስ ስደተኛታት እውን ነዚ ሕቶ ኣልዒልዎ ነይሩ ኢዩ፡፡ ብወገን ስደተኛታት መንግስቲ ኣመሪካ ብፍላይ ኣብ ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምቲ ዝግባእ ተርኡ ኣይተጻወተን፡፡ ብኣካል መጺእካ ኩነታትና ተዓዚብካዮ ስለ ዘለኻ ካባኻ ዓቢ ተስፋ ክንጽበ ኢና፡፡ ዝብል ርእይቶን ምሕጽንታን ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዝቐረበሉ፡ ከምዚ ክብል ሓቲትዎም ነይሩ ኢዩ፡፡

ኩሉ መንእሰይ ዓዲ ገዲፉ ናብ ኤውሮጳን ኣመሪካን ምግዓዙን ምስዳዱን መፍትሒ ኣይኮነን፡፡ እቲ መድሃኒት ነቲ ንስደት ከም ተምርሑ ዝገብረኩም ዘሎ ቀንዲ ሽግር ምፍላጡን ምእላዩን ኢዩ፡፡ ስለምንታይ ክትቃለሱን ሽግራትኩም ባዕልኹም ክትፈትሑን ዘይትጽዕሩ ዝብል ኢዩ ዝነበረ፡፡ ብወገን ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝረኸቦ መልሲ ሓደን ተመሳሳልን ኢዩ፡፡ ብርግጽ ንሕና ኣብ ብርክና ነስተንፍስ መናእሰያት ኢና፡፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዑቕባ ረኺብና ዓሰርተው ሓሙሽተ ኪሎ ስርናይ ምጽዋቶ unhcr ክንበልዕ ኣይመጻእናን፡፡ እንተኾነ ኩሉ ኣካይዳ ደምበ ተቓውሞ ኣንፈቱ ዝሰሓተን ተስፋ ዘቑርጸካን ኮይኑ፡፡ ኣበየነይቲ ውድብ ክንኣቱ? መን ኢዮም ቁኑዓት ኣየኖት ኢዮም ዘይቁኑዓት ክንፈልጦም ኣይከኣልናን፡፡ ንመርጾ ስኢና ዓይንና ዘይሩና፡፡ ሳላሳን ክልተን ውድባትን ካብአን ብዕጽፊ ዝበዝሓ ማሕበራትን ኣለዋ ክትሰምዕ ከቢድን ዘሰንብድን ኢዩ፡፡ ገና ከይተበገስካ ብምስማዕ ጥራይ ዝነበረካ ሞራልን ተበግሶን ዘልምስ ኢዩ፡፡ ልዕሊ ዝኾነ ውዳቤታቶም ኣዝዩ ጸቢብን ከፋፋልን ኮይኑ፡፡ ሓደ ነቲ ካልእ ከጸልም እምበር ንሕድሕዶም ክተሓላለዩን ናብ ሓደ ሓባራዊ ዛዕባ ክመጹን ኣይረኣናዮምን፡፡ እቲ ዘሕዝን ጸላኢ ኩልና ሓደን ዝተነጸረን ስርዓት ህግደፍ ምዃኑ እናተፈልጠ፡ ደምበ ተቃውሞ ዘራጊቶ ዝኣተዎ ኣከያይዳ ይኽተል ምህላዉ ኢዩ፡፡ ዝብል ተመሳሳሊ ሓሳብ ኢዩ፡፡

ጉዳይና እምበኣር ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓላኽን ኣልማስን መንቀራቕሮ ተቐርቂሩ ኢዩ ዝሰሓግ ዘሎ፡፡ ናይ ኩሉ ብልዑል ወኒ ክቃለስን መስዋእቲ ክኸፍልን ዝደሊ ኤርትራዊ መንእሰይ ሞራሉ ዝሰብር ዘሎ እዚ ግጉይ ኣካይዳ ደምበ ተቓውሞ ኢዩ፡፡ ንብዙሓት ናብ ቃልሲ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ከይኣትዉ ኣማስይኡ ኣብ ናይ ስቕታ ማዕበል ተዋሒጦም ልኡማት ከም ዝኾኑ ዝገብር ዘሎ እዚ ቅድሚ ሞቱ ዝተኣወየሉ ረማሲ ኣካይዳ ደምበ ተቓውሞ ኢዩ፡፡ እዚ ፍጹም ከሰጉም ዘይክእል ሓላኽን ከፋፋልን ኣካይዳ ደምበ ተቓውሞ ከይተዐረየን ከይተስተኻኸለን ሃንቀውታና ክሰምር፡ ናይ ውሑዳን ጉጅለ ስርዓት ህግደፍ ክእለ ድማ ሕልሚ ኢዩ፡፡ ዓሳ ኣብ ባሕሪ እናነበረ ማይ ዘይጥልቂ እንተድኣ ኮይኑ ዓሳነቱ ዘጠራጥር ኢዩ፡፡ ደምበ ተቓውሞ እውን ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ንቃለስ ኣለና ዝብል ጭርሖ እናጨርሑ ድሌትን ባህግን ትርግታን ህዝቢ ክሰምዑን ከድምጹን ዘይክእሉ እንተ ድኣ ኮይኖም፡ መብጽዐኦም ኣብ በረድ ዝተጻሕፈ ባዶሽ ሓሳብ ከይከውን ዘጠራጥረካ ኢዩ፡፡ ድልትን ሕቶን ህዝቢ ክምልስን ክርዳእን ዘይክእል ደምበ ተቓውሞ ከምቲ ኣብ ባሕሪ እናነበረ ማይ ዘይጥልቂ ሮንኬት ዝወደየ ኣርቲፊሻል ዓሳ ከይከውን የፍርሓካ ኢዩ፡፡ ስለ ዝኾነ ደምበ ተቓሞ ንዓመታት ዝወደዮ ናይ ህልኽን ቅርሕንትን ንንፋስን ቁርን ዝዕድምን ዘቃልዕን ዝተመናነሀ ዝበለየ ካቦት ያዕ ክብሎ ኣለዎ፡፡  ኣብ ክልቲኡ ክፋላት ጽሑፈይ ናብቲ ቀንዲ ተኣፋፊ ዛዕባ መእተውን ኣንፈታት መትሓዝን እምበር እቲ ክለዓል ዝግበኦ ቀንዲ ሕመረት ኣይተንከፍኩዎን፡፡ ካብ ሳልሳይ ክፋል ናይዚ ጽሑፍ ግን፡ ናብቲ ቀንድን ጋንግሪን ዝሓዘ ዝመስልን ቀሪጽና ክንድርብዮ ዝግባኣናን ቁስሊ ደምበ ተቓውሞ ብዑምቀት ክኣቱ ምዃነይ ከዘኻኽር ይደሊ፡፡

ይቕጽል………………

ሚኪኤል እምባየ (ኣራንቺ)

Aranchi03@yahoo.com

Tele 251-921924501

aseye.asena@gmail.com

Review overview
8 COMMENTS
  • Tewelde belay August 2, 2013

    We can never expect any tangible thing from the opposition leaders. So we must organize and take charge of the struggle. By this I mean the Diaspora must organize themselves from town Level to District and province to national Level and oush the struggle forward. We must start a mass movement. Otherwise the dictator will stay until he dies of Natural causes.

  • kebaritekle@yahoo.com August 2, 2013

    ዝኸበርካ ኣራንሺ በጃኻ ነቲ ንሃርፎ ጽሑፍካ ካብ ሓደ ሰሙን ንላዕሊ ኣይትደንጉን ኣይተጸብየናን፡፡
    ወትሩ ኣብጎንኻ ኣለና

  • Kabbire August 2, 2013

    ካብዚ ንላዕሊ ዘዕግብ መልሲ የለን። ሓደ ካብ ኣዩ ዘሕዘነኒ፣ ሃደ እዋን ሳሊሕ ጋዲ ጆሃር ዝበሃል ኤርትራዊ እየ ተጋዳላይ ናይ ጀብሃ ኔረ ዝብል፤ ነዚ ለባምን ወረጃን ተሓላቒ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ዳን ኮነል ፣ መጽሓፍ ምስ ጸሓፈ፣ “ዝብኢ” ኢሉ ክጸርፎ ምስ ኣንበብኩ፣ ግርም ኢሉኒ።
    እቶም ኣረግቶትን ብሉያት ተቓወምቲ ዝበሃሉ ዝረብሑ ኣይኮኑን። ከምዚ ስለዝነበሩ ድማ እዮም፣ ሻዕብያን ወያነን ብሓባር ጸሪጎም ጉሒፈሞም።

    ” ንመርጾ ስኢና ዓይንና ዘይሩና፡፡ ሳላሳን ክልተን ውድባትን ካብአን ብዕጽፊ ዝበዝሓ ማሕበራትን ኣለዋ ክትሰምዕ ከቢድን ዘሰንብድን ኢዩ፡፡ ገና ከይተበገስካ ብምስማዕ ጥራይ ዝነበረካ ሞራልን ተበግሶን ዘልምስ ኢዩ፡፡ ልዕሊ ዝኾነ ውዳቤታቶም ኣዝዩ ጸቢብን ከፋፋልን ኮይኑ፡፡ ሓደ ነቲ ካልእ ከጸልም እምበር ንሕድሕዶም ክተሓላለዩን ናብ ሓደ ሓባራዊ ዛዕባ ክመጹን ኣይረኣናዮምን፡፡ እቲ ዘሕዝን ጸላኢ ኩልና ሓደን ዝተነጸረን ስርዓት ህግደፍ ምዃኑ እናተፈልጠ፡ ደምበ ተቃውሞ ዘራጊቶ ዝኣተዎ ኣከያይዳ ይኽተል ምህላዉ ኢዩ፡፡ “

  • Hadish August 3, 2013

    ክቡር ኣራንቺ
    እተቕርቦ ጽሑፋት ምስ ጀመርካዮ ግደፎ ኣይመጸካን’ዩ – ወረ ኣነስ ከይጠፍኣኒ የቐምጦ save)እየ፡፡ እቲ ዝስሕበካ ኣገባብ ጽሑፍካ ጥራይ ዘይኮነስ ትሕዝቶኡን መልእኽቱን እውን’ዩ፡፡ ከምቲ ዝተባህለ ኣይተጸብየና ደኣ ሓደራ – ከማኹም ጸሓፍትን ተመራመርትን’ሲ ይብዝሑልና ደኣ – ተወኣጻዕናዮ ኣይወሓደን!

  • pawloserena2yahoo.com August 3, 2013

    ኣራንቻታ ዘብሄረ ማይተመናይ ብኣኻ ኩሉ ግዜ ምስ ተሓበናን ምስ ኮራዕናን ኢና፡፡
    ኣጆኻ ኣብ ጎንኻ ኣለና

  • ሃገር ሰባት ኣለዉዋ፡፡
    ሰማዓይ ንኣንባባይን እምበር ተፋታፍን ርኢቶ ወሃብን ኣይነበርኩን፡፡ ከም ኩሉ ነቲ ስርዓት ህግደፍ ዝቃወምን ዝጸልእን እየ፡፡ ኣብ ውድባት ተቓወምቲ ኤርትራ ግን ኩሉ ግዜ ቅሬታ ነይሩኒ፡፡ ደፊሩ ዝነቕፎም ከኣ ኣይረኣኹን፡፡ ቅድሚ ሰሙን ሓደ ዓርከይ ተሌፎን ደዊሉ ረድዮ ኤረና ከፊትካ ተኸታተል ተባዕታይ ዝኾነ ሰብ ይዛረብ ኣሎ ይብለኒ፡፡ መንዩ እንታዩ ኢለ ኣይሓተትኩዎን፡፡ ከፊተ ቃለመጠየቕ ሚኪኤል እምባየ ኣራንሺ ዝተባህለ ደራሲ ክመሓላለፍ ሰሚዐ፡፡ ዓርከይ ኣይተጋገየን፡፡ ሚኪኤል ኣራንሺ ተባዕታይ ጥራይ ዘይኮነ ኣርሓ ኢዩ፡፡ ዝተዛረቦ ዘረባ ዝድርበ ኣይነበሮን፡፡ ልዕሊ ኩሉ ዘረብኡ ዝመሰጠኒ ድማ ሽግር ህዝቢ ኤርትራን ሃገረ ኤርትራን ኢሳያስን ህግደፍን ጥራይ ዘይኮኑ ደምበ ተቓወምቲ ውን ንባዕሉ ኣካል ናይቲ ሽግር ኢዩ ዝበሎ ሓሳብ ኢዩ፡፡ ድሕረዚ ንገለ ካብ ኣድሚናት ስመር ደዊለ ስለምንታይ ከም በዓል ኣራንሺ ዝኣመሰሉ ተበዓት ሰባት ዓዲምኩም ትምህርቲ ዘይህቡና ክብል ተወኪሰዮም፡፡ ክንዕድሞ ኢና ክብል መሊሶምለይ፡፡ ንኻልኦት ተቓለስቲ ውን ሓሳበይ ኣካፊለዮም፡፡ ትማሊ ሓሙስ ካልእ ሰብ ደዊሉ ሚኪኤል ኣራንሺ ኣብ መደብ ተዛረብ ክዛረብ ኢዩ ኢሉኒ፡፡ ኣስዒቡ ውን ኣብ ኣሰና ውን ንጉዳይ ተቓወምቲ ዝምልከት ይጽሕፍ ኣሎ ኣንብቦ ኢሉኒ፡፡ ንጉዳይ ደምበ ተቓውሞ ስምረት መንእሰያት ብዛዕባ ሓዳስ መጽሓፉን ሰሉስ ሰፊሕ ግዜ ሂቡ ክዛረብ ምኻኑ ውን ሓቢሩኒ፡፡ ሰሉስ ክሰምዖ ጥራይ ዘይኮንኩ ኣድናቖተይ ክገልጸሉን ዝስማዓኒ ክሓቶን ነዊሓትኒ፡፡
    እንተ እዚ ወርቂ ዝኾነ ጽሑፉ እሞ እንታይ ክወጾ፡፡ ሃገር ዘይተበርበሩ ሰባት ኣለዉዋ፡፡ ከም በዓል ደራሲ ሚኪኤል እምባየ ኣራንሺ፡፡
    ቪቫቫቫቫቫቫ ኣራንሺ

  • Kabbire August 4, 2013

    Here is exhibit one on how the old Jebha are still eating each other. This also shows the whole circus the so called Hagerawi Bayto has been playing. The old guard of Jebha is too old to learn any new tricks.
    The political vision of the old Jebha is too outdated to lead the young Eritreans. This is the reason the young Eritreans in the diaspora never support to the remnants of the old Jebha.

    http://erigazette.org/?p=5969

  • yonas kidane August 4, 2013

    BRAVO ARANSHI,AZIYU GELAXIE XHUF

POST A COMMENT