Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓቅን ዕርቅንዶ ወይስ ሓቅን ፍትሕን ዕርቅን ኣብ ኤርትራ/ግዜኡ ድዩ ሕጂ?

ሓቅን ዕርቅንዶ ወይስ ሓቅን ፍትሕን ዕርቅን ኣብ ኤርትራ/ግዜኡ ድዩ ሕጂ?   ብፍስሓ ናይር ብዙሓት ጸሓፍቲ ኤርትራውያን ብዛዕባ ምስግጋር ካብ ምልካዊ ስርዓት ናብ ደሞክራስያ ክትንትኑ ከለዉ ብዘይካ ምውዳቅ ምልክነት እምበር ሰፊሕ ኣፍልጦ መስርሕ ምስግጋር ናብ ደሞክራስያዊ ከመይ ክኸውን ኣለዎ

ሓቅን ዕርቅንዶ ወይስ ሓቅን ፍትሕን ዕርቅን ኣብ ኤርትራ/ግዜኡ ድዩ ሕጂ?

 

ብፍስሓ ናይር

ብዙሓት ጸሓፍቲ ኤርትራውያን ብዛዕባ ምስግጋር ካብ ምልካዊ ስርዓት ናብ ደሞክራስያ ክትንትኑ ከለዉ ብዘይካ ምውዳቅ ምልክነት እምበር ሰፊሕ ኣፍልጦ መስርሕ ምስግጋር ናብ ደሞክራስያዊ ከመይ ክኸውን ኣለዎ ኢሎም ኣካደምያዊ መጽናዕቲ ዘቅርቡ ኣይረኤናን፣ ተመክሮታት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ካብ ኣፓርተይድ ናብ ደሞክራስያ ከምኡ ድማ ሃገራት ደቡብ ላቲን ኣመሪካን ከም ቺለ ካብ ምልክነት ፒኖሸት ናብ ደሞክራስያ ዝተኸተልዎ መስርሕ ምስግጋር እቲ ኣብ ሩዋንዳን ድሕሪ ዓለታዊ ምጽናት ከምኡ እውን ኣብ ኢትዮጵያን ድሕሪ ምውዳቅ ደርግ መስርሕ ፍርዲ ገበነኛታት ክሳብ ክንደይ ተዓዊቱ ወይ ኣይተዓወተን በቲ ዝተኻየደ መጽናዕትታት ናይ ሰላምን ደሞክራስያን ኣህጉራዊ ትካላት ሰፊሩ ይርከብ።

እዚ ናይ ገበነኛታት ሃገራውን ኣህጉራውን መጋባእያታት ነቲ ዝጸንሔ መስርሕ መሰጋገሪ ብፍትሒ ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ነቶም ገበናት ኣብ ልዕሊ ወዲሰብ ዝፈጸሙ ኣብ ከተማ ኑረንበርግ ከምኡ እውን ኣብ ከተማ ቶክዮ ጽኒሑ ድማ ብሕቡራት ሃገራት ዓለም ዝቆመ ንገበነኛታት ዝፈርድ ኣብ ሩዋንዳን ናይ ቀደም ዩግስላቭያን ሃገራት ኣህጉራዊ ትካላት ፍርዲ ዝትክእ ብኣህራዊ ማሕበረሰብ ተቀባልነት ዘለዎን ሰላምን ደሞክራስያን ኣብታ ብገበናት ዝተላዕጠጠት ሃገር ከምጽእ ይኽእል ብማለት ነቲ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃን ላቲን ኣመሪካን ከም ኣብነት የምጽኡ ፡፤

ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት በቶም ክሳብ ሕጂ ስልጣን ሒዞም ዘለዉ ዝተፈጸመ ገበናት ኣንጻር ስብኣውነትን፣ ናይ ኩናት ገበናትን ካብቲ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃን ላቲን ኣመሪካን ሃገራት ዝኸፍኤ እዩ ፣ ገለ ኤርትራውያን ነቲ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ናይ ሓቅን ዕርቅን ክኸውን ኣለዎ ይብሉ ገሊኦም ድማ ናይ ፍትሒ  መሰጋገሪ ክኸውን ኣለዎ ይብሉ።

ኣብ ናይ ሎሚ ጽሑፋዊ ሓተታይ ብዛዕባ እዘን ክልተ ተመክሮታት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ላቲን ኣመሪካን ከምኡ እውን  ዝተኻየደ መስርሕ ናይቲ ኣብ ግዜ ምስግጋር ዝተፈጸመ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ዜጋታት ብከመይ ከምዝተፈጸመን፣ እቲ በደለኛን ዝተበደለን ከመይ ገሮም፣ ናይ ምሕረትን ምኽሓስን ኣብ ግብሪ ምዋዓሉን፣ እንታይ ይመስል ከምዝነበረን፣ እዚ ተመክሮዚከ ኣብ ኤርትራና ክድገም ይከኣልዶ፣ ኣየናይ መስርሕ ይሓይሽ ተመክሮ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ሓቅን ዕርቅንዶ ወይስ ተመክሮ ፍትሕን ዕርቅን ሃገራት ደቡብ ላቲን ኣመሪካ ካብ ወተሃደራዊ ምልክነት ናብ ደሞክራስያ ብዝብል ምስቲ ኣብ ኤርትራ ዝተፈጸመን ዝፍጸም ዘሎ ገበናት ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ኤርትራ ብምልካዊ ስርዓት ኤርትራን ወላ በቶም ተቃወምቲ ሓይልታትን ኤርትራ።

ኣብነታት ናይ ሓቅነት ኮሚስዮናት ኣብ ምስግጋር ምልክነት ናብ ደሞክራስያ

  1. 1.    ሃገራዊ ኮሚስዮን ንሓቅን ዕርቅን ቺለ
  2. 2.   ኮሚስዮን ሓቂ ናይ ኤል- ሰልቫዶር
  3. 3.   ናይ ሓቅን ዕርቅን ኮሚስዮን ደቡብ ኣፍሪቃ
  4. 4.   ሓቅን ፍትሕን ዕርቅን ከንያ

–       ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ምውዳቅ ምልክነት እቲ ኣብ ግዜ ስርዓት ምልክነት ዝተፈጸመ ገበናት ብከመይ ክግጠም ኢዩ፧

–       መስርሕ ፍትሒ ምንጋስ  ብከመይ ይቀውም፣

–       ጉዳይ ፍርድን ምሕረትን ምውራድ ኩሎም እቶም ኣብ ትሕቲ እቲ ስርዓት ኮይኖም ዝፈርዱን ዝቀትሉን ዝነበሩ፣

–       ጉዳይ መቅጻዕቲ ዘይምዝውታር፣

–       ሕጽረታትን ድኽመታትን

ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ውድቀት ውልቀ- መላኺ ስርዓት ነቲ ዝሓለፈ ገበናት ብክመይ ምግጣም ይሓይሽ

–       ምሕረት ብስምምዕ ኣብ መንጎ በቶም ሓደስትን ዝጸንሑን ብምዝውታር፣

–       ናይ ሓቂ ኮምሲዮን እቲ ቀንዲ ዕላማኦም ድማ ምምርማር ናይቶም ዝተብደሉ ውልቀሰባትን ብሰፊሑ ድማ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ዝተፈጸመ ገበናት፣እዚ ድማ ንፍርዲ ወይ መቅጻዕቲ ዘይኮነ ክኸውን ኣለዎ፣

–       ንኩሎም ናይ ስለያን ፈረድትን መምህራን ናይ በርገሳዊ ኣገልግሎትን ወተሃደራትን ብገበን ዝፍለጡ ምውራዶም፣

–       ገበናዊ ፍርዲ ብሃገርን ኣህጉራውን ደረጃ ምቋም፣

–       ካሕሳ/ ንኩሎም ዝተበደሉ ገንዝባውን ካልእን ብሃገር ደረጃ ምኽሓሶም፣ ናይ ስነ-ኣእምሮኣዊ ሕክምናን፣ ዝጸንሔ ዕዳታቶም ምቅናስን፣ ብስሞም ንክሉ ግዜ መዘኻኸሪ መዘክር ቦታት ምኽፋትን፣ ብስሞም ዝኽሪ መዓልቲ ምውሳን፣

 

ካብዘን 5 መስርሕ መሰጋገርታት ፍትሒ- Transition Justice  ወይ ድማ Reckoning  for past wrongs/ truth commisions and war –crime tribunals

ብዙሓት ተዋሳእቲ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንሕና ደለይቲ ፍትሒ ይብሉ፣ እዚ ግዜ እዚ ግዜ ቃልሲ ካብ ምልካዊ ስርዓት ናብ ደሞክራስያ ስለዝኾነ እቲ መስርሕ  ናይ ፍትሒ ድሕሪ ውድቀት ምልክነት ዝስዕብ ኢዩ፣ ከምቲ  Professor Gene Sharp ኣብ መጽናዕትታቱ ካብ ምልክነት ናብ ደሞክራስያዊ እንተድኣ ነቶም ምስቲ ምልክነት ጸኒሖም እሞ ድሓር ናብ ደሞክራስያዊ ደንበ ዝመጹ ተቀበልዎም ምክንያቱ ክትፈርዱ ምስ እትጅምሩ እቶም ምስቲ ስርዓት ዘለዉ ካባኻትኩም ፈረድቲ ስለ ዝፈርሑ ምስቲ ስርዓት ይሰርሑ፣በዚ ሎሚ ኣብ ደንበ ተቃውሞ ዝር ኤ ዘሎ ናይ ሓድሕድ ምፍራድን ምኹናንን ንጥቅሚ ናይቲ ለውጢ ዝደሊ ዘይኮነስ ንጥቕሚ እቲ ንህዝቢ ኤርትራ ዘጽንት ዘሎ ውልቀ መላኺ ስር ዓት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኢዩ።

ሎሚ ደንበ ተቃውሞ ብዙሓት ምስቲ ስርዓት ወይ ድማ ሱቅ ኢሎም ዝነበሩ ንኣብነት መድረኽ ሃገራዊ ዘተ፣ ብወዲ ቫካሮ ዝምራሕ ናይ ሕዝቢ ምትእኽኻብ ፣ ክቃውሙ ጀሚሮም ኣለዉ ንቀበሎም ፣ ንስማዓዮም፣ እንተነቀፉና ነቀፈታኦም ንቀበል፣ ኣይንንጸጎም።

 

ይቅጽል…………………….

 

ኣብ ቀጻሊ ሓተታይ ነተን ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስኩወን ኣብ ግዜ ምስግጋር ካብ ምውዳቅ ምልክነት ክሳብ ቅዋማውን ደሞክራስያውን ነቲ ኣብ ግዜ ምልክነት ዝተፈጸመ ገበናት ከመይ ክንፍውሶ ኢና ኣብ ተመክሮታት ናይተን ገለ ሃገራት ንምልክነት ስዒረን ነቲ ናይ ፍትሒ መደረኽ ከመይ ገረን ከምዝፈትሑን ንሕዝቦም ከመይ ገሮም ብሰላምን ብልጽግናን ክሰርሑን ክነብሩን ከምዝገበሩ ምስ ናይ ኤርትራ ታሪኽ ብምዝማድ ኣየናይ መገዲ ይሓይሽ ብዝብል ኣምር ክገልጽ ክፍትን ኢየ………………

 

ክሳብ ኣብኡ ንራኸብ ድሓን ቀንዩ።

 

 

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • Tezareb February 13, 2014

    Africa’s dark secret

    A new report by the organization Human Rights Watch details horrific cases of kidnap and torture of Eritrean refugees in Egypt’s lawless Sinai peninsula.

    Here is Deutsche Welle video report

    http://www.dw.de/africas-dark-secret/av-17424530

    ————

  • Zufana February 13, 2014

    DIA regime will go sooner than later, no tyranny live forever but what will follow will be another nightmare. To rebuild a country might not take long but to rebuild the social fabric of a wounded society takes generations. Let’s start that work now.

  • ahmed saleh February 14, 2014

    F . Nayer
    Thanks for the article to give us to do home work to think again and again for better choice .

  • selam February 14, 2014

    Thank you for your effort we need such articles for the betterment of our future.

  • ERITRAWIT February 14, 2014

    Yes the damage is deep very deep indeed thank you to come with the such important issue.

  • Medber February 15, 2014

    I love it,
    Constructive and healthy opinion.
    You are great pls keep going.

POST A COMMENT