Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓቅን ፍትሕን ስለ ህዝብን ሃገርን (1ይ ክፋል)

ኣብዚ ቕንያት’ዚ፣ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ኣብ ዝርከብ ኤርትራዊ ክልታት፣ ኢሳይያስ ሓሚሙ፣ ዓቢዱ፣ ሞይቱ ዝብል ወረ ክላባዕ ቀንዩ ‘ሎ። ዓለምና ምስቲ ኩሉ’ቲ ናይ ሃብታምን ድኻን፣ መላኽን ተመላኽን፣ ዓማጽን ተዓማጽን ፍልልያታ፣ ሓደ ፍትሓዊ ጸጋ እንተልዩዋ ማዕርነት ኣብ ሞት

ኣብዚ ቕንያት’ዚ፣ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ኣብ ዝርከብ ኤርትራዊ ክልታት፣ ኢሳይያስ ሓሚሙ፣ ዓቢዱ፣ ሞይቱ ዝብል ወረ ክላባዕ ቀንዩ ‘ሎ።

ዓለምና ምስቲ ኩሉ’ቲ ናይ ሃብታምን ድኻን፣ መላኽን ተመላኽን፣ ዓማጽን ተዓማጽን ፍልልያታ፣ ሓደ ፍትሓዊ ጸጋ እንተልዩዋ ማዕርነት ኣብ ሞት ‘ዩ። መጠን ገንዘቡን ሓይሉን ብዘየገድስ፣ ካብ ሞት ዘምልጥ ሰብ የልቦን።

እቲ ብኵናትን ሳዕቤናት ስደትን ትንፋስ ኣሽሓት ህይወት ዘይረኣዩ መንእሰያት ዘህለቐ ኢሳይያስ፣ ብዕድመ ካብኡ ዝንእሱ መዛንኡ መዓልቲ መዓልቲ ብግፍዕታቱ፣ ብሕማምን ጭንቀትን እናተሰናበቱ፣ ንሱ ኣብ ከባቢ ህይወት ዕግሽግሽ ዝብለሉ ዘሎ ምኽንያት፣ ነቲ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ካርድ መቝነን ኣትሒዙ ገቢቱዎ ዘሎ ሃብቲ ሃገር ከምድላዩ ኣብ ውልቃዊ ረብሕኡ ከውዕሎ ምሉእ ስልጣን ስለዘለዎ፣ ማዕረ ‘ቶም ላህመት ቀዳማይ ዓለም ዝኾኑ ሰብ-ሓለፋ ብሉጽ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ክረክብ ስለዝኽእል እዩ። እንተኾነ ከም ሰቡ፣ ሓንቲ መዓልቲ ኣላቶ። ሕክምና ‘ውን ብሉጽነቱ ብዘየገድስ መጻንሒ እምበር መናበሪ ስለዘይኮነ፣ እቲ ቀደም፣ “ንኽንደይ ዓመታት ኮን ኣብ ስልጣን ይጸንሕ ይኸውን?” ክብል ናብ ጠንቆልቲ ዝመላለስ ዝነበረ ኢሳይያስ፣ ሎሚ “ንኽንደይ ኣዋርሕ ኮን ብህወተይ ይጸንሕ ይኸውን” ክብል ናብ ጠንቆልቲ ይመላለስ ከምዘሎ ፍሉጥ እዩ። ስለዚ ኣካላዊ ሞቱ ኣይኮነን ከገድሰና ዘለዎ።

ካብቲ ንስነህይወታዊ ኩነታቱ ዝምልከት ንፋስ ዝቀባበለሉ ዘሎ ወረ ግልል ኢልና ብፖለቲካዊ መዳይ እንተርኢናዮ፣ ብዓይኒ ብዙሓት ኤርትራውያን፣ ኢሳይያስ ካብ ዝሓምም፣ ካብ ዝዓብድ፣ ካብ ዝመወት ዓመታት ኣሕሊፉ እዩ። እንተኾነ ነቶም ፖለቲካዊ ነፍሲሀርነት ኢሳይያስ ጥራይ ዘይኮነ፣ ባህርያዊ ሞቱ ዘይተርፍ ምዃኑ ‘ውን ክቕበሉዎ ዘጸግሞም ኣእምሮኦምን ቀልቦምን ብዕዉር ኣምልኾት ዝተደፍነ ሰባት ምጽቃጥን ምሕባእን ‘ሰብኣዮም’ ናይ ኣንበሳ ዘይኮነ ናይ ውኻርያ ምዃኑ ምዝካር ከድልዮም እዩ።

ኢሳይያስ፣ ሰባት “ሓሚሙ ዶ ሞይቱ” ዝብል ወረ ክሳብ ምቅብባል ዝበጽሑ ዝሕብኣሉ ወይ ዘጽቅጠሉ ሓደ ምኽንያት፣ ፊት ንፊት ገጢሙ ክፈትሖን ክብድሆን ከምዝኽእል ዘየተኣማምኖ ከቢድ ኩነታት ከጋጥሞ ኸሎ ካብቲ ጸገም ንምእላይ ዘዘውትሮ ኣመል እዩ።

እቲ ከም ብዓል ቐጠር ናብ ዝኣመሰላ ብዘይ ዕድመን ፕሮቶኮላዊ ቢሮክራስን  ብድድ ኢሉ ክጓዓዘለን ዝኽእል ሃገራት ዓረብ ዝገብሮ መብዛሕትኡ መገሻታት፣ ንቑምነገር ዘይኮነ፣ ኣብ ኤርትራ ምግጣሙ ዝኸብዶ ጸገም ምስ ዝፍጠር ወይ ከኣ ብድሕሪኡ ገለ ጸይቂ ክፍጸም ባዕሉ ትእዛዝ ምስ ኣመሓላለፈ ዝገብሮ ጉዕዞ እዩ።

ሓደ ካብቶም ከምዚ ዝኣመሰሉ ኩሉ ህዝቢ ዝዝክሮም ጭቡጣት ኣብነታት፣ እቲ ኣብ 1998 ኣብ መንጎ ክልተ ሃገራት (ኤርትራን ኢትይጵያን) ኵናት ኣባሪዑ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝተሓብኣሉ መገሻ እዩ። ዋላ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ከይተረፈ፣ ናይ ኣስመራ ቤትመንግስቲ ገዲፉ ፈለማ ኣብ ባጽዕ ሕጂ ድማ ኣብ ዓዲ-ሓሎ ምሽፋቱ ‘ውን መቐጸልታ ናይዚ ኣመል እዩ።   

በዚ መሰረት ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ከም’ዚ ቀንዩዎ ዘሎ ንሃለዋት ኢሳይያስ ዝምልከት፣ “እምበር ዶ ኣሎ ‘ዩ?” ዘብል ወረ ክሳብ ዝላባዕ፣ ካብ ቪድዮ ካሜራ ከይተረፈ ክሕባእ ኣገዲዱዎ ዘሎ ኩነታት ከኣ፣ ናይቲ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ናብ ስደት ኣንፊጹ ሕቖ ኤርትራ ብምስባር፣ በንጻሩ ዓንዲ-ሕቖ ስልጣኑ ክኾኖ ዝመልመሎ ሞላ ኣስገዶምን ሰራዊት ደምሒትን፣ ቅድሚ ክልተ ወርሒ ብድራማዊ መንገዲ ናብ ኢትዮጵያ ምስላም ምዃኑ ዘማትእ ኣይኮነን።

እቲ ንሰራዊት ደምሒት ምስ ጽላሎቶም እናሰኣለ፣ “30- 40 ሽሕ ሰራዊት ኣለዉኒ ጠፋእካ ወያነ” እናበለ ብዓውታ ዝጀሃር ዝነበረ፣ ንእግረ መንገዱ ነቲ ምልኩ ንምስባር ኣብ ውሽጢ ሃገር ክንቀሳቐስ ዝኽእል ሰራዊት ይኹን ህዝቢ ኤርትራ ብተዘዋዋሪ እናፈራርሐ ስነኣእምሮኣዊ ስግኣት ፈጢሩ መግትኢ ተቓውሞ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ኢሳይያስ፣ ብሰንኪ “ጥልመት” ደምሒት፣ ከምቲ ንሱ ዝብሎ፣ “ቀዳድ ገረወይና” ምዃኑ ብውሽጥን ግዳምን ስለዝተቓልዐ፣ ሕርሕራይ ገይሩ ርእሱ ተናዊጹ እዩ። በዚ መንጽር ክርአ ኸሎ ‘ምብኣር፣ እቲ “ዓቢዱ” ዝብሃል ወረ ዝተጋነነ ኣይኮነን።

እቲ ብሰንኪ ኣጉል መሪሕነቱ ሰለስተ ሚእቲ ሽሕ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣስዒሩ ኣስክሬን ከምዝተርፍ ገይሩ ዝበታተነ፣ ሞራል ሚልዮናት ህዝቢ ሰይሩ ሃገር ዘዋረደ፣ ናይ ብሓቂ ኮማንደራት ኣደስኪሉ “ኮማንደር ኢን ቺፍ” ክኸውን ክብል ስዕረት ዝተኸድነ፣ ንዓመታት ኣብ ኣእምሮ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ዘቐመጦ ዝተጋነነ ምስሊ ሰራዊት ደምሒት ንርእሱ ከይተረፈ ሓቂ መሲሉዎ ክኣምኖ ጀሚሩ ዝነበረ ኢሳይያስ፣ ወዮ ናይ ሕልሚ ቅልጽሙ ኣብ ሳልስቲ ሃደሽደሽ ምስ በሎ፣ ኣብቲ ዝለመዶ ብዓቲ ፍርሕን ሕንከትን ተሸጒጡ ከም ልማዱ ክሕባእ ባህርያዊ እዩ። እወ፣ ነቲ ብጭቡጥ ሓይሉ ዘይኮነ ብስነኣእምሮኣዊ መልእኽቱ፣ ከም ኣማራጺ ዝመልመሎ ደምሒት፣ ኣማራጺ ከይገበረሉ ሃንደበት ግዜ ኣርኪቡዎ ስእሊ ደምሒት ሒዙ ጥራይ ምስ ተረፈ፣ ዓበድበድ ካብ ምባል ካልእ ኣማራጺ የብሉን።

ካብ ስእነት ኣማራጽን ውርደትን ንላዕሊ ንኢሳይያስ ዝተራእዮ ብድሆ ግን ማይ ምሕቋኑ፣ ሕልማዊ ሓይሉ በኒኑ ንራዕዲ ምቅልዑ ጥራይ ኣይኮነን። ብቐንዱ እቲ ብናይ ዓመታት ጽዕጹዕ ፕሮፖጋንዳ ኣብ ኣእምሮ ህዝቢ ኤርትራ ዝተሃንጸ ናይ ሓሶት ቅርጺ ደምሒት ካብ ኣእምሮ ህዝቢ ኤርትራ ብኡንብኡ በኒኑ ብትብዓት ክትካእ ከሎ፣ “እቲ ንልዕሊ 10 ዓመት ዝመልመልካዮ ትምክሓሉ ዝነበርካ ሰራዊት ደምሒት ደኣ ናበይ ኣበለ? ስለምንታይ ራሕሪሑካ? ንስኻ ኸ እንታይ ትባቝጥ ኔርካ? ምስጢር ሃገርና ንደምሒት ኣስኒቕካ ኣፋኒኻዮ ክንስኻ ደጊም ከም ቀደም፣ ‘ዋልታ ልኡላውነት ኤርትራ ኣነ ‘የ’ እናበልካ ንእተዳሩኖ ዕንቡረ ደጊም ንኣምኖ ዶ ይመስለካ?…” ንዝብሉ፣ ብመጠን ‘ቲ ኣብ ባይታ ዝተራእየ ሓቀኛ ዓቕሚ ደምሒት ዘይኮነ፣ ማዕረ ‘ቲ ኢሳይያስ ዘጋነኖ ተምሳል ደምሒት ዝኽብደቱ ረዚን ህዝባዊ ሕቶታት መልሲ የብሉን።

ስለ’ዚ ኢሳይያስ፣ ዋላ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣብ ሃለዋቱ ዝግደስ ዘሎ፣ ከም ቀደም ተገሪሁ ኣፍቂሩዎ ክነበረሉ ደልዩ ዘይኮነ፣ ለቢሙ፣ ክጠፍኣሉ ካብ ዘለዎ ሕሱም ባህጊ ምዃኑ እናፈለጠ፣ ኣብ ናይ “ኣሎን የለን” ውርርድ ወይ ከኣ ‘ቢምቦም ባክስ’ ከቲቱ ኣጀንድኡ ብምቕያር ካብቶም ከበድቲ ሕቶታት ከምልጥ ስለዝደለየ እዩ፣ ነቲ ካብ ሜዳ ኣትሒዙ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ኣረጊት ሜላ ዘዘውትር ዘሎ።

ኣብ ከምዚ ኩነታት፣ ድራማን ሜላን ኢሳይያስ ብዘየገድስ፣ ኤርትራውያን ክንልብመሉ ዘለና ጉዳይ እምብኣር፣ ስነተፈጥሮኣዊ ሃለዋት ናይዚ ሓደን ዕደን፣ እንኮን ዓኮን ውልቀመላኺ ዘይኮነስ፣ ህላወን ቀጻልነትን ሃገርናን ህዝብናን እዩ።

ሓደ ካብቲ ንኢሳይያስ ነቲ ካብ ቀደም ኣትሒዙ ዝተጠቕመሉ ዝነበረ ሜላ ባዶ ሰለስተ ኣመል ገይሩዎ ሕጂ ‘ውን ኣእምሮና ንምጭዋይ ክግልገለሉ ዘተባብዖ ዘሎ ምኽንያት ግን፣ መህለኽቲ ወረ ኴንና ምትራፍና እዩ። ወረ ክንረክብ ሃነፍነፍ ኢልና፣ ሓሶት እንተኾይኑ ናብ ምውርዛይ፣ ሓቂ እንተኾይኑ ‘ውን ናብ ምምኽናይ ወዲቕና ብዘይቁምነገር ወርቃዊ ግዜ ነሕልፍ ምህላውና በኸነ ምዃኑ ክስቆረና ኣለዎ።

ኢሳይያስ ነቲ ዓሰርተታት ኣሽሓት መንእሰያት ኤርትራ ዝበልዐ፣ “ትርጉም ዘይብሉ ኵናት” እናበለ ዝዋራዘየሉ ዝነበረ ኣዕናዊ ኩነታት ባዕሉ ዝፈጸሞ ዕንደራ ምዃኑ ምስ ኣረጋገጽና ‘ኳ ትርጉም መስዋእቲ ደቅናን ኣሕዋትናን እንታይ ምንባሩ ዘይሓተትናዮ። ገና ሰብ ቁምነገር፣ ሰብ ስረን ዕጥቅን እንተንነበር፣ ካብዚ ብተምሳል ዕዳ መስዋእቲ ኣብ ገገዛና ተንጠልጢሉ ዘሎ ሓቂ ንላዕሊ ዝጭበጥ ጭብጢ የልቦን። ድሕሪ’ዚ ፖለቲካዊ ነብሰ-ቅትለት ኢሳይያስ፣ መፈለምታ ናይዚ ሕጂ ተኸሲቱ ዘሎ ዳግመ ዕንወት ኤርትራ ዝነበረ ኩነታት’ዚ፣ ኢሳይያስ ኣብ ፖለቲካዊ መድረኽ ኤርትራ ቀንዲ ተዋስኣይ ኮይኑ ን 15 ዓመታት ጸኒሑስ ሞቱን ህላዊኡን ከዛርበና፣ ከም ሰራዊት፣ ከም ህዝብን ከም ሃገርን ክሕንኸና ይግባእ።

ከምቲ ዝጠቐስናዮ፣ ኢሳይያስ ብፖለቲካዊ ዓይኒ ሞይቱ ክንሱ፣ ፖለቲካዊ መተካእታ ኣብ ክንዲ ምፍጣር፣ ኣካላዊ ሞት ኢሳይያስ እንጽበየሉ ምኽንያት እምብኣር ክህሉ ኣይምተገብአን። እምብኣር፣ ወረ ሞቱ ምጽንጻን ገዲፍና ሃለዋትና ክንፈልጥ ምእንቲ፣ “ሞይቱ እንተዝኸውን ከ እንታይ ኮን ምገበርና” ብዝብል ሕቶ ኢና ነብስና ክንብድህ፣ ድልዉነትና ክንፍትሽ ዘለና።

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!

ኣማኑኤል ኢያሱ

17 ሕዳር 2015

ክቡራት ኣንበብቲ፣ ነዚ ኣብ መደምደምታ ዘልዓልናዮ ሕቶ መበገሲ ብምግባር ንዝስዕብ 2ይን መዛዘምን ቃል ኣሰና ኣብ ቀጻሊ ተኸታተሉ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
19 COMMENTS
  • AHMED SALEH November 19, 2015

    Tesfaldet Hayet
    Amaniel is trying to educated that we only believe in God
    and holy books not to any individual . Nobody have a right
    to dictate our life and our fate because it is God given
    power . And for that reason we defend right from wrong and
    the weak from strong .
    Any way HGDF supporters are so blinded from BADO SELESTE
    lies of deceit and one day they will realize it but what
    ever it is we are all for the country we love . We might
    disagree but don’t give chance of haters who divide us .
    I have many friends of them with positive attitude but
    lost in Eritrean politics and opposition supporters with
    negative attitude . Either way what I am trying to say is;
    HADNETNA BIGHIBRI SHET MAENTANA ANXAR WISHTAWN BAEDAWN XELAETNA
    KUBURAT AHWAT ERITRAWIYAN BIHABERA , KULU HALAFAY IYU NIFAKER

  • meg November 20, 2015

    keep the good work Amanuel. Thank you and God bless you.

  • Bimbina November 20, 2015

    Well said Mr Amanuel Eyasu, a lot of the young generation have given up on the older generation, however, your essays make a lot of sense.

    • AHMED SALEH November 21, 2015

      You are absolutely wrong to divert the topic Amanuel tried
      to highlight in his article . And your statement to bring
      mistrust and division between old and young generation stand
      against our common struggle for unity . NY demonstration was
      proven event that might scare you .

  • ዩራኔም-235 November 21, 2015

    Don’t worry, this evil person will be pronounced dead on 02/24/2016.

POST A COMMENT