Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓበሬታ ካብ ሽማግለ ማሕበር ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ Stockholm

ሓበሬታ ብምኽንያት ናይ ዶክተር ተወልደ ተስፋማርያም [ ወዲ ቫካሮ] ዕረፍቲ መበል ሓደ ዓመት ንምዝካር ኩላትና ኤርትራውያን  ብሓባር  ተኣኪብና ክንውዕል ብዓቢ ክብሪ ንዕድም። ዕለት፡  ቀዳም 24 ጥቅምቲ 2015 ቦታ፡   Kista träff , Finlandslokalen ግዜ፡  ካብ ሰዓት 14:00 – 17:00 ብደሓን ምጹ። ሽማግለ

ሓበሬታ

ብምኽንያት ናይ ዶክተር ተወልደ ተስፋማርያም [ ወዲ ቫካሮ] ዕረፍቲ መበል ሓደ ዓመት ንምዝካር ኩላትና ኤርትራውያን  ብሓባር  ተኣኪብና ክንውዕል ብዓቢ ክብሪ ንዕድም።

ዕለት፡  ቀዳም 24 ጥቅምቲ 2015

ቦታ፡   Kista träff , Finlandslokalen

ግዜ፡  ካብ ሰዓት 14:00 – 17:00

ብደሓን ምጹ።

ሽማግለ ማሕበር

ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ Stockholm

aseye.asena@gmail.com

Review overview
8 COMMENTS
  • Semhar October 20, 2015

    Let freedom ring in Eritrea.
    Let semayawit banderana tembelbil ab hagerna.

    • Aida October 20, 2015

      what a joke? do u want come freedom with out fight, we siting at west like monkeys we only talk kkkkk we die and suffering evryday the only salution now, we have to go to field to fight to be freee

      • ccc October 21, 2015

        You! Who are hiding behind the name Aida is the real joke not the movement

  • Berhe Tenesea October 21, 2015

    Yes Wedi Vacaro must be remembered, forever………

  • ኣርዓዶም October 22, 2015

    ሓድነት ኢልካ ብመልሓስ ምጭዳር እንታይ ኢዩ ነገሩ። 60`ላታ ድዮም ዝብሉ ኣቦታት። ሕጂ ድማ፡ ኣብ እንግሊዝ፡ ኣብ ስወደን ኣብ ኖርወይ ይኹን ኣመሪካ፡ ወዲ ቫካሮ እቲ ክገብሮ ዝነበሮ ገይሩ ሓሊፉ፡ ይኹን እምበር፡ ብስም ሓድነት ኤርትራውያን ንረብሓ ገለ ውልቐሰባትን ፍሉያት ጉጅለታትን እንተዘይኮይኑ ህዝቢ ክጥርንፍ ኣይርኣናን።

    እዚ ክኣ ኮነ ኢለ ዘይኮንኩ ዝዛረቦ ዘለኹ፡ ኣብ`ቲ ኣኼባን ኣገባባቱን ተሳቲፈ ስለዝነበርኩ ትዕዝብትታት ብምውሳድን ርኡይ ጉድለታትን ስለዝረኸብክሎም ኢዩ። ቓልሲ ኣንጻር ዓመጽቲ እንዳበልና፡ ከምዚ ናይ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ እንዳበሉ ናይ ውልቓዊ ጥሙሕ ድሌታቶም ንምትግባር ዝብገሱ ግን ክኸውን ኣይነበሮን። ` ፎርም ምላእ፡ እዚ ማለት ግን ኣባል ኮይንካ ማለት ኣይኮነን` እንዳበልካ በቲ ሓደወገን ክኣ ሓድነት እንዳጸዋዕካ ኣይኮነን ቓልሲ። እዚ ርኡይ ናይ ቐልዓለም ቓልሲ ንውሑዳት ክርኣዩሉ ዝድለ ዓይነት ኣገባብ እምበር፡ ግብ ኡ ብተግባር ከርኢ ይትረፍ፡ ህዝቢ ክጥርንፍ ኣይርኣናን።
    እቲ እንኮ ኣማራጺ፡ ሓድነት ቕንዕና ስራሕ ክረጋገጽ ይግብ ኦ። ዝኾነ ሓድነት ንዝደሊ ክኣ ኣባል ክትነፍጎ ኣይግባእን።

    • ድሃብ October 22, 2015

      ሓድነት ዝጽይኑ ሰባት ብፍላይ ኤርትራውያን ክትርኢ ዘደንጹን ዘሕዝንን ኢዩ። ንፋቐር፣ ንራዳዳእ፣ ንተሓላሎ፣ ንከባበር፣ ንጠርነፍ ስለምንታይ ኢኹም ትጸልኡ ኢልካዮም እውን መልሲ ኣይረኽቡልካን ኢዮም። ኮይኑ ግን ኤርትራውያን ድሕነትና ኣብ ሓድነትና ኢዩ ሞ ንሕበር ምስ ትብሎም፣ ብሒቶሞ ሕምብጢጥ ክብሉሉ ዝነበሩ ደምበ ተቓውሞ ከምኡ ኢሉ ሓሸውየ እናተጻወተ ንዘልኣለም ክቕጽለሎም ካብ ዘለዎም ሕልሚ ተላዒሎም ናብ ብድዐን ጠቐነን ይኣትዉ። ብዙሓት ካብዚኣቶም ብፍላይ ምስ ሓደ ውድብ፣ ማሕበር ወይ ምንቅስቓስ ዝተጠርነፉ ኮይኖም ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ኣብ ክንዲ ምጉያይ ማሕበሮም ወይ ሰልፎም ዝተሓባጀረ ቀዳምነታት ሒዙ ሸንኮለል ዝብል ውን እንተኾነ፣ ማሕበርና ሰልፍና እንተዘይኮይኑ ካልእ ህዝቢ ክዓስሎ ዝግብኦ ጥርናፈ ክህሉ የብሉን ዝብሉ ካብ ኢሰያስ ዘይንእሱ ስሱዓት ስልጣንን ህዝብን ሃገርን እንተጠፍኡ ዘይግድሶም ውልቀ ሰባት ኢዮም። ሓው ኣርዓዶም ከኣ፣
      “ሕጂ ድማ፡ ኣብ እንግሊዝ፡ ኣብ ስወደን ኣብ ኖርወይ ይኹን ኣመሪካ፡ ወዲ ቫካሮ እቲ ክገብሮ ዝነበሮ ገይሩ ሓሊፉ፡ ይኹን እምበር፡ ብስም ሓድነት ኤርትራውያን ንረብሓ ገለ ውልቐሰባትን ፍሉያት ጉጅለታትን እንተዘይኮይኑ ህዝቢ ክጥርንፍ ኣይርኣናን።” ክብል ርኢቶ ጽሒፉ ኣሎ’ሞ ሕቶይ ንዕኡ ንሱ ነቲ ቅዱስ ናይ ሓድነት ዕላማ ኣልዒሉ ዝሓለፈ ለባምን ጽቡቕ ኤርትራውያንን ኤርትራን ዘሻቐሎ በዓል ሓቦን ኒሕን ይረሳዕ ዲኻ ትብለና ዘለኻ? ንውልቆም ዝጥቀሙሉ እንተልዮም ዓገብ ኢዩ። እዞም ጥርናፈታት ግን መምርሒታቶም ኣዳልዮም፣ ብዘይኣፋላላይ ንኹሉ ዝሓቁፍ ገይሮም ክሳብ ዝሰርሑሉ ክድገፍን ክድንፍዕን ምበር ክቋናጸብ ኣየድልን። ጌጋታት እንተሃልዩ እናተዘራረብካ ምእራሙን ምምሕያሹን ግቡእ ኢዩ። ካብኡ ሓሊፉ ግን ሓድነት ከም ነውርን ዘይኣድላይን ምግላጹ ካብ ብዙሓት ውልቃዊ ረብሓታቶም ዝተተንከፎም ውን ስለዝርአ ክንቅሓሉ ይግብኦ።

      • ኣርዓዶም October 22, 2015

        ድሃብ
        ኣብ`ቲ መጀመርታ እቲ ንኹልና ዘሰማምዕ ክትብሊ ከምዘይጸናሕኪ፡ ኣብ`ቲ መጨረሽታ ግን ንዓይ ከም ንሓድነት ዝተሓሰመ ገርኪ ኣቕሪብክኒ። ከም ኡ ግን ኣይኮነን። ጉንጭል ኣቢልካ ሰብ ኣይንቐፍን ኢዩ። እንድሕሪ ኣስተብሂልኪ ኮይንኪ፡ ኣብ ኣኬባ ሓድነት ኤርትራውያን ተሳቲፈ ነይረ፡ ዎርክ ሾብ ውን ሰሪሕና። ነቲ ዝሃቡና ፎርም ፡ናይ ሓድነት ማሕበርነት ንመልኦ ዘለና መሲሉኒ ነይሩ። ድሓር ግን ኣብ`ቲ ፎርም፡ “እዚ ትመልኦ ዘለኻ/ኺ፡ ኣባል ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ኮይንካ ማለት ኣይኮነን” ዝብል ነይርዎ።

        ሕጂ ድማ ስለምንታይ ግን ህዝቢ ክጥርነፍ ዘይደለዩ፡ ንውልቐ-ረብሕኦምን ዝንኦምን ዝጥቐምሉ ኢየ ዝብል ዘለኹ። ብዝተኻእለ ጽሑፋት ክትርድኢ ፈትኒ ዝሓፍተይ። ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ብወዲቫካሮ ተጀሚሩ፡ ተሳተፍቲ`ውን ነርና። ንሱ ናብ ዓዲ እዝግሄር ምስ ከደ ግን፡ ስለምንታይ ኣባላት ክንከውን ተነፊጉናን ዝመላእናዮ ፎርምስ ኣባልት ኮይንኮም ማለት ኣይኮነን ተባሂልና፡ ኢዩ እቲ ዝረባ።

        ዝኾነ ይኹን ግን ሓንቲ ክብለኪ ዝደሊ፡ ሽም ሒዙ ኢዩ ዝጉዓዝ ዘሎ እምበር፡ ንህግደፍ ብኸምዚ ዝኸዶ ዘሎ ኣገባብ ከልግሶ ይትረፍ ጽንጽያ ዓይኑ ክንፍረሉ ኣይክእልን ኢዩ። ኩሉ ኣብ ዝምችኦ ቦታ ኮይኑ፡ ኣብ መራኸቢ ቦታ ዝነብረካ ተዛሪብካ፡ ምካድ ተዘይኮይኑ፡ ዝሓዞ ስትራተጂ ይኹን ፕላን የብሉን። በቲ ይኹን በቲ ግን ከም ሓደ ቻሪትይ ደላይ ፍትሒ መጠን የኽብሮ ኢየ።

        ዓወት ንኹሉ ደላይ ፍትሒ።

  • aron November 4, 2015

    yehewatey kemzi elka teredadeka kalesena meketsal ti debeletse mengedi u selezi besemet zeykone beredet ketezerarebelu abi agedasi melekti eyu

    Awet neti wetsu hezbi Eritrea

POST A COMMENT