Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓባራዊ መግለጺ ሓይሊ ዕማም ሲቪክ ህዛብዊ ምንቅስቓስ ምስ ህዝባዊ ሓይሊ ዕማም ጀነቫ

ሓባራዊ መግለጺ ሓይሊ ዕማም ሲቪክ ህዛብዊ ምንቅስቓስ ምስ ህዝባዊ ሓይሊ ዕማም ጀነቫ ድሕሪ ነዊሕን መሪርን ተጋድሎ ዝተረጋገጸ -  28  ናይ ነጻነት  ዓመታት  ኣብ ክንድ ናብ ፍትሕን ሓርነት ሕውየትን ዝሰጋገር፣  ብሰንኪ ምልካዊ ጉጅለ ህግደ ፍ ናብ ምልካዊ መግዛእትን

ሓባራዊ መግለጺ

ሓይሊ ዕማም ሲቪክ ህዛብዊ ምንቅስቓስ ምስ

ህዝባዊ ሓይሊ ዕማም ጀነቫ

ድሕሪ ነዊሕን መሪርን ተጋድሎ ዝተረጋገጸ –  28  ናይ ነጻነት  ዓመታት  ኣብ ክንድ ናብ ፍትሕን ሓርነት ሕውየትን ዝሰጋገር፣  ብሰንኪ ምልካዊ ጉጅለ ህግደ ፍ ናብ ምልካዊ መግዛእትን ጭቆናን ተቐይሩ።  መላእ ሕብረተሰብ ኤርትራ፣ ኣብ ውሽጡ ካብ ዝተሾገጠ  ሕሱም ምልኪ ንኽላቐቕ ዳግም ሰፍ ዘይብል ክሳራ ክሽከም ተገዲዱ። መንእሰያት ኤርትራ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ባርነታዊ ኣገልግሎት ተጸሚዶም። ድሕሪ ነዊሕ ህልከት  እግሮም ናብ ዝመረሖም ሃጽ ኢሎም ክሰደዱን ኣብ ፈቐዶ በረኻታትን ባሕርታትን ክሃልቁ ተገዲዶም።   እታ ቅድስቲ ኣሃዱ ናይ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝኾነት – ስድራ ቤት  –   ኣፍረይቲ ደቃ ስኢና፣  ኣብ ስቓይን ጥሜትን ድኽነትን ክትቁረን ተፈሪዳ።  ዜጋታት ኤርትራ  ብዘይ ክስን ፍርድን ፍትሕን ኣብ ጸልማት ዝዳጎኑላን ዝስወሩላን ፣ ቅዋም ኮነ ስርዓተ-ሕጊ ዘይብላ ሃገር ኮይና።   ሃገራዊ ቁጠባ ልሚሱ፣ እቶም ዝርካቦም ቁጠባዊ ንጥፈታት  በቶም ምልካዊ ጉጅለ ዝቆጻጸሮም ውሑዳት ኮርፖረሽናት ተገቢቶም።  ሓረስቶት  ስቡሕ መሬቶም ተሓዲጎም፣   ናይ ብሕቲ ውፍሪ  ለሚሱ፣  ኤርትራውያን ኣውፈርቲ ካብ ሃገሮም ተሰዲዶም  ኣብ ጎረባብቲ ሃገራትን ክኒኡን ከውፍሩ ተሰጒጎም።

እቲ ንምሉእ ትሕዝቶ ኤርትራ ከም ብሕታዊ ንብረቱ ዝወሰድ ምልካዊ ጉጅለ፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ዘውረዶ ዕንወት ከይኣክል፣ ንልዑላዊ  መሬትን ገማግም ኤርትራን ኣብ ንህዝቢ ኤርትራ ዘይምልከት ውግእ ክዋገየሉ ይርከብ።   ድሕሪ ናይ 20 ዓመት ኣይሰላም/ኣይውግእ፣  በቲ ኣብ ኢትዮጲያ ዝተፈጥረ ለውጢ፣  ንህዝቢ ኤርትራን ትካላቱን ከይተወከሰን፣ ብህንዱድ መንገዲ  ሰላም ዝሽሙ፣ “መደመር”  ዝዕላምኡ ሕቡእ ውዑላትን ሽርሕታትን ይኽትም ኣሎ።  ሕፍር ከይበለ፣ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጲያ  – ስልጣን ኣረኪበካ  ኣለኹ – ድሕሪ ሕጂ ንስኻ ኢኻ ትመርሓና –  ኤርትራን ኢትዮጲያን ከም ሓድ ህዝቢ ከም ሓደ ሃገር ኮይና ክንሰርሕ ኢና  – እናበለ፣ ኣብ ኤርትራ ኣርእይዎ ዘይፈልጥ ደስታ  ኣፍልቡ እናሃረመ ክምድር  ተራእዩ።  እታ ብኣማኢት እሽሓት ደቃ ነጻነታን ልዑላውነታን ዘረጋገጸት ኤርትራ ፣ ዳግም ባዕዳዊ መግዛእቲ የንጸላልዋ ኣሎ።

እቲ ኣብ መንጎ ምብዳህ ምልካዊ ጭቆናን፣ ምውሓስ ነጻነትን ልዑላውነትን ድርብ ቃልሲ ብውሽጥን ብደገን ክገጥም ዝተገደደ ፣ ጸዋርን ዓቃልን ህዝቢ ኤርትራ፣ ነቲ ዝተፈላለይ ሜላታት እናቐያየረ፣ ኣብ ብርሰትን ህልቀትን ዘእተዎ፣ ቅንጣብ ሓልዮትን ርህራሄን ዘይብሉ ምልካዊ ጉጅለን መራሒኡን፣  ይኣክል  ምልካዊ ጭቆና፣ ይኣክል ውዲታዊ ሽርሕታት፣ ይኣክል ባርነት፣ ይኣክል ስደትን ውርደትን፣ ይኣክል ስቕታ፣ ይኣክል ምጽባይ፣ ይኣክል ምፍልላይ – ኣናበል ብልዑል ነድሪ ምልካዊ ጭቆናን፣ ውዲታዊ ሽርሕታትን ክውግድ ይሸባሸብ ኣሎ። ኣብ መዓልቲ ነጻነት ኤርትራ ግንቦት 24 -25 ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝተኻየዱ ዓበይቲ ዕዉታት  ናይ ይኣክል ሰላማዊ ሰልፍታትን፣ ዋዕላታትን፣ በዓላትን  ንፍትሓዊ ህዝባዊ ቃልስና  ናብ ክብ ዝበለ ደረጃ ኣሰጋጊሮሞ ኣለዉ።  እዚ ብልዑል ናህሪ ዝምርሽ ዘሎ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ካብ ነድሪን ቁጠዐን ናብ ስሙር ኣድማዒ ሓይሊ ክቕየር ኣለዎ።  ሃገር ህዝብን ኤርትራ ካብ ኣትዮሞ ዘለዉ ሓደጋ ብምድሓን፣ ፍትሕን ሓርነትን  ሰላምን ሕውየትን ክረጋግጽ፣ ናይ ኩሎም ዜጋታት ኤርትራን ናይ ኩሎም ሰብ ብርኪ ኣካላቱን፣  ስጡም ስምረት ይጥለብ ኣሎ።  ኣቲ ብ14 ሓምለ 2018  ነዚ ሓድሽ መድረኽ ብዕቱብ ንምግጣሙ ዝዓለመ ምትእኽኻብ ሲቪክ ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን፣ እቲ ኣብ ባሕቲ መስከረም 2018 ድሕሪ ሰላማዊ ሰልፊ ጀነቫ ዝቖመ ህዝባዊ ሓይሊ ዕማምን፣ ብውሁድ መንገዲ ይሰርሑ ኣለዉ።  ብምትሕባባር ናይ ክልቲኡ ሓይሊ ዕማማት ዝተዳለወ  መደብ ትግባረን፣ ቻርተር  ሲቪክ ህዝባዊ ምንቅስቓስን፣  ዕላማን ራእን ተልእኾን ምድሓን ሃገርን ህዝብን ብምንጻርን፣ ጭቡጣት ሸቶታት ብምቕራጽን፣ ስሙር ጻዕርታት የካይዱ ኣለዉ።

ዕላማን ራእን ተልእኾን ምድሓን ሃገርን ህዝብን በዚ ዝስዕብ ነጥብታት ክጠቓለል ይኽእል፦

  1. ብመሪር ቃልስን ከቢድ መስዋእትን ዝተረጋገጸ ሃገራዊ ነጻነትን ልዑላውነትን ሓድነት ህዝብን መሬትን ኤርትራ ብምዕቃብ፣ ንሕሱም ምልካዊ ጭኮናን ምልካዊ መግዛእትን ብምውጋድ፣ ኣብ ዓዲ ኣማኢት እሽሓት ስውኣት ዝኾነት ሃገረ ኤርትራ ቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምህናጽ።
  2. እታ ፍረ ከቢድ መስዋእትን መሪር ቃልስን ዝኾነት ኤርትራ፣ ዲሞክራስን ሓርነትን ተረጋጊጹ፣ ፍትሕን  ስርዓተ-ሕጊን ነጊሱ፣ ሰላምን ስኒትን ሰፊኑ፣  መላእ ህዝቢ ኤርትራን ኩሎም ዜጋታታን ናብ ራህዋን ስሉጥ ምዕባለን ክምርሹ ምኻኣል።
  3. ህያው ዕላማታት ሃገርናን ህዝብናን ንምርግጋጽን ሃገርን ህዝብን ንምድሓንን፣ ኩሎም  ተቓለስቲ ንፍትሕን ሓርነትን ዲሞክራስን፣ ኩሎም ሰብ ብርክን ብስጡም ስሙር ህዝባዊ ቃልሲ፣ ሃገሮምን ህዝቦምን ንምድሓን ምጥርናፍን፣ ብብሱል ዓቢ ናይ ዓወት ስትራተጁ ዝምራሕ ስሙር ድምጺን ኣድማዒ ስሙር ቅልጽምን፣ ምልካዊ ስርዓት ምውጋድን፣ ስሉጥን ጽፉፍን ዲሞክራስያዊ ሰላማዊ ምስግጋር ምዕዋት።

ብህዝባዊ ሓይሊ ዕማም ዋዕላ ጀነቫ ዝተዳለወ  ኣብ ህጹጽ ዕማም ምድሓን ሃገርን ህዝብን ቀዳምነት ክውሃቦ ዝግባእ መደበ ትግባረ በዚ ዝስዕብ ክግለጽ ይከኣል፦

  1. ህዝባዊ ጥርናፈ፦ ኣብ ነንነብረሉ ከተማታትን/ሃገራትን ኣህጉርን ህዝባዊ ጥርናፌና  ምድልዳል።  ዓቢ ክፋል ናይ ህዝብና ብሰንኪ ሕሱም ምላካዊ መግዛእቲ ኣብ ፈቐዶ ሃገራት ዓለም ተበቲኑ ኣብ ዘለወሉ እዋን፣ ብቦታ/ከተማ/ ኣከባቢ ደረጃ ኩሎም ንፍትሒ ዝቃለሱን ዜጋታት ኤርትራውያን  ምጥርናፍን፣ ኣብ ሓደ መኣዲ ኣብ ምድሓን ሃገሮምን ህዝቦምን ምስማርን፣ ንኩሉ እቲ ምልካዊ ስርዓት ዝፈጥሮ ሽርሕታትን መደባትን ምፍሻልን፣ ኩሎም ኤርትራውያን ኣብ ጎድኒ ልዑላዊት ሃገርን  ሓርነት ህዝብን ንኽዓስሉ ምስራሕ።
  2. እቲ ብኣከባቢ/ከተማታት ዝተጠርነፈ ኣካላት፣ ብደረጃ ሃገር ንምጥርናፍ፣ ኣብ ሓደ ማእከላይ ቦታ ወከልቶም ብምልእኽ፣ ብደረጃ ሃገር ዝውክልዎም ይመርጹ። ዓቐን ናይ ሃገር ወከልቲ ከከም ዓቐኑ ኮይኑ ካብ 7  ክሳብ 10 ይበጽሕ። ዓበይቲ ሃገራት ከም  ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ ብደረጃ ስቴት ወይ ድማ ብዞናታት ወከልቶም ይመርጹ ።  ወከልቲ  ሃገራት  ናይ ምምራጽ ስራሕ ክሳብ 30 ሰነ 2019 ክውዳእ ይግባእ።
  3. እቶም ካብ ኩለን ሃገራት ዝተመርጹ ወከልቲ ሃገራት ፣ ኣብ ማእከላዊ ቦታ ኣብ ዝግበር ዋዕላ ተጋቢኦም፣ ሰፊሕ ናይ ዓወት ዓቢ ስትራተጂ የጽድቑን ብዓለምለኸ ደረጃ ህዝባዊ ወኪልን ልኡኽን ይመርጹን።  እቲ ዓለምለኻዊ ወኪልን ልኡኽን፣ ብመሰረት ዝጸደቐ ዓቢ ስትራተጂን መደብን፣ ንኹሉ ቃልስታትን የወሃህድን፣ ዕላዊ ኣፈኛን ወኪልን ኮይኑ፣ ኣብ ኩሉ መድረኻት ይመርሕ።  ቦታን ግዜን ዋዕላ ኣብ ተኸታታሊ መግለጺታት ክግለጽ እዩ።

ነዚ ኣብ ላዕሊ ብሕጽር ዝበለ ተዘርዚሩ ዘሎ ኣገዳሲ ህዝባዊ ዕማማት ብምስላጥ   ሃገርናን ህዝብናን ኣብ ምድሓን ክንጸምድን፣  ኩልና ዜጋታት ኤርትራ፣ ካብ ይኣክል ናብ ስጡም ስሙር ስራሕ ክንኣቱ ሃገርናን ህዝብናን ይጽዋዕና ኣሎ።  ኩሎም ማሕበራትን ውድባትን ትካላትን ኤርትራውያን መራሕቲ ሃይማኖትን፣ ምሁራትን ምኩራትን፣ መንእሰያትን፣  ደቂ ኣንስትዮን፣ ነዚ ስሙር ህዝባዊ ቃልሲ ኣብ ምዕዋት ግዲኦም ክገብሩን  ከም ዋኒኖም ክሕዝዎን ንጽውዕ።

ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ንምድሓን፣ ነቲ ብሰፍ ዘይብል መስዋእቲ ዝተረጋገጸ ነጻነትን ልዕላውነትን ኤርትራ ብምዕቃብ፣ ምሉእ ሓርንትን ፍትሕን ሕውየትን ንምርግጋጽ፣ ስሙር ህዝባዊ ቃልሲ መተካእታ የብሉን።  ንስሙርን ስጡምን ህዝባዊ ቃልሲ ድልዱልን ብቑዕን ህዝባዊ ውደባ የድልዮ።  ብቑዕ ህዝባዊ ውደባ ንኹሉ ዓቕምታት ዝጥርንፍን፣ ንህዝባዊ ሓይሊ ናብ ህዝባዊ ማዕበል ዝቕይርን፣ ዓለምለኻዊ ህዝባዊ ወኪል ንህዝባዊ ሓርነታዊ ቃልስና ናብ ክብ ዝበለ ደረጃ ንምስግጋር ስሉጥን ኣድማዒን መንገዲ ብምዃኑ፣  ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዘለና  ኤርትራዉያን ተቓለስቲ ንልዕላውነትን ፍትሕን ከተማዊ ትካላትና ኣደልዲልና፣ ናብ ዞባን ዓለምለኻዊ ባይቶታትን ዝውክሉና ንምረጽ።  ብስሙር ህዝባዊ ቃልሲ ሃገርናን ህዝብናን ንምድሓን ኢድይ ኢድካ ንበል።

 

ህዝባዊ ጥርናፈናን ባይቶታትናን ይደልድል

 ምፍልላይን  ምጽባይን ይኣክል

ምላካዊ ጭኮና ካብ ሱሩ ክንምንከል

ነጻ ልዑላዊ ኤርትራ ንዘለዓለም ክትነበር

ሕድሪ ሰማእታትና ንተግብር

ጀጋኑ ስዉኣትና ብልዑል ክብሪ ንዘክር

 

ህዝባዊ ሓይሊ ዕማም ጀነቫ ምስ

ሓይሊ ዕማም ሲቪክ ህዝባዊ ምንቅስቓስ

31 ግንቦት 2019

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • PATRIOT AKELEGUZETAY June 9, 2019

    SELAM YEHWAT, AMLAK MESAKUM YEKUN, YESALETO , Thank you for leadership for us against the DICTATOR!!!!!

POST A COMMENT