Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓባራዊ ራእይ፣ ስሙር ቃልሲ፣ ንናይ ሓባር ዓወት – ኣማኑኤል ኢያሱ ብምኽንያት 18 መስከረም፣ ኣብ ዙሪክ፣ ስዊዘርላንድ ኣብ ዝተኻየደ ሰሚናር ዘቕረቦ መግለጺ

ሰሚናር - ዙሪክ ብምኽንያት 18 መስከረም ጅምላዊ ማእሰርቲ ፖለቲከኛታትን ጋዜጠኛታትን ኤርትራ ሓባራዊ ራእይ፣ ስሙር ቃልሲ፣ ንናይ ሓባር ዓወት  ዝኸበርኩም ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሕን ኣዕሩኽ ኣሰናን ስዊዘርላንድ፣ ንዘይሕጋውን ኣረሜናውን ማእሰርቲ ናይቶም ኣብ ሃገርና ቅዋማዊ መንግስቲ ክትከል፣ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ተኣታትዩ ግዝኣተ

ሰሚናር – ዙሪክ

ብምኽንያት 18 መስከረም ጅምላዊ ማእሰርቲ ፖለቲከኛታትን ጋዜጠኛታትን ኤርትራ

ሓባራዊ ራእይ፣ ስሙር ቃልሲ፣ ንናይ ሓባር ዓወት 

ዝኸበርኩም ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሕን ኣዕሩኽ ኣሰናን ስዊዘርላንድ፣ ንዘይሕጋውን ኣረሜናውን ማእሰርቲ ናይቶም ኣብ ሃገርና ቅዋማዊ መንግስቲ ክትከል፣ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ተኣታትዩ ግዝኣተ ሕጊ ክሰፍን፣ ፍትሒ ክነግስ፣ ቅኑዕን እዋናውን ፖለቲካዊ ሕቶ ዘቕረቡ 11 ላዕለዎት ሚኒስተራትን ጀነራላትን ዝርከቡዎም ላዕለዎት ሓለፍቲ ኤርትራን ካብኣቶም ዘይውሕዱ ጋዜጠኛታትን፣ በቲ ውዲተኛ ውልቀምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብጅምላ ዝተመቝሑላ 18 መስከረም ምኽንያት ብምግባር ንዝገበርኩሙለይ ዕድመ ብልቢ አመስግን። የቐንየለይ። ርሑስ ኣውድኣመት ከኣ ይግበረልኩም።

ከምዚ ጥቕስ ዘበልኩዎ፣ ኣብ 18 መስከረም 2001፣ ቀንዲ ፖለቲካዊ ዕላማ ናይቲ ምልካዊ ስርዓት እቶም ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ነበር ‘ኳ እንተኾኑ፣ እቶም ንጠለብ ናይቶም ሰበስልጣን ብሰንፊሑ ዘአንገዱ 12 ጋዜጠኛታት ብሕቲ ‘ውን ግዳይ ናይቲ ጨካን ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ ኮይኖም እዮም። እቶም መብዛሕትኦም መንእሰያት ዝነበሩ ጋዜጠኛታት ን14 ዓመት መመላእታ ኣብ ምስጢራዊ ማሕዩር ባኺኖም፣ ሃለዋቶም ጠፊኡ ‘ሎ። ይኹን’ምበር ንሳቶም ጥራይ ኣይኮኑን ደሃይ ኣጥፊኦም፣ እቲ ንሓጺር ግዜ ብዝተወሰነ ዓቐን ኣብ ሃገርና ተቐልቂሉ ዝነበረ ናጽነት ምግላጽ ሓሳብ ‘ውን ሽዑ ምስ ሞተ ኣየምለሰን። ብዓይኒ እቲ ኣብ 2001 ዝባን ዲክታተርነቱ ዝተቐለዐ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ሃገርና፣ ንብረት ሓደ ፕረዚደንት ጥራይ ዘይኮነስ፣ ብዓልቲ ሓንቲ ጋዜጣ፣ ሓንቲ ቴሌቭዥን፣ ሓንቲ ራድዮ ክትከውን እያ ተፈሪዳ።

ነዛ ዕለት ‘ዚኣ ኣልዒልና ክንዛረብ ከለና ወትሩ ክንዝክሮ ጥራይ ዘይኮነ፣ ከነስምረሉ ዝግባእ ነጥቢ እንተሃልዩ፣ 18 መስከረም 2001፣ ኣብ ኤርትራ ማእሰርቲ ዝተጀመረላን ማእሰርቲ ዝተወደኣላን ዕለት ከምዘይኮነት እዩ። ብዘይ ሕግን ፍትሕን ሰባት ምእሳር፣ ንጹሃት ምሕቃቕ፣ ካብ ግዜ ሓርነታዊ ቃልሲ ኣትሒዙ ክዝውተር ዝጸንሐ ጽዩፍ ተግባር እዩ። እዚ ርእሰ ምትእምማን ዘይብሉ፣ ዘይቅሱን ኣእምሮ ጥራይ ዝሓስቦ ጥበብ ፈራሓት ‘ዚ ኸኣ፣ ንኢሳይያስን ጉጅሊኡን ሓድሽ ኣይኮነን።

ኣብ ግዜ ቃልሲ፣ ጻዕቂ ህዝቢ ካብ ዝቕመጠሉ ከባቢታት ርሒቕና ኣብ ሳሕል ተነጺልና ኣብ ዝነበርናሉ እዋን፣ ንዝኣሰሩዎምን ዘሕቀቑዎምን ግዳያቶም “ኣሃዱ ቀይሩ፣ ኣብ ኵናት ተሰዊኡ” እናበሉ፣ ክፋኦም ካብቲ ኣእምሮኡ ብባህጊ ናጽነት ተባሒቱ ኣብ ውግኣት ተጸሚዱ ዝነበረ ዝበዝሐ ተጋዳላይ ክኽዉሉዎ ተዛማዲ ምቹእነት ስለዝነበሮም፣ ጭካኒኦም ክስተር ዕድል ረኺቡ ነይሩ እንተዘይኮይኑ፣ ንዓኣቶም ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ ካብ ቀደም ንቡር ስርሖም እዩ ነይሩ። ንሳቶም እምብኣር፣ ዝለመዱዎ ተግባር ‘ዮም ዝቕጽሉ ዘለዉ።

ድሕሪ ናጽነት፣ ቅድሚ እዞም ሕጂ ኣርእስቲ ጌርናዮም ዘለና ፍሉጣት ግዳያት፣ ተጋዳላይ መሪሖም ዝኣተዉ ሓመዶም ዘይነገፉ ከም ብዓል ቢተወደድ ኣብርሃ ዝኣመሰሉ ተባዓት ተጋደልቲ፣ ብምኽንያት ሃይማኖታዊ እምነቶም ብጽልኢ ዝተጠመቱ መሰኻኽር ጅሆቫን ኣመንቲ ምስልምናን፣ ተቓውሞኦም ዘስምዑ ተጋደልትን ስንኩላንን፣ ብድሕሪኦም ድማ ኣመንቲ ጴንጠቆስታል፣ ማእለያ ዘይብሎም መንእሰያት ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎትን ጋዜጠኛታትን፣ ብዓቢኡ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን ኣቦና እንጠንዮስ፣ ተመቝሖምን ሓቒቖምን እዮም። እቲ ብምኽንያት ምንቅስቓስ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ወዲ ዓሊን ብጾቱን ኣቢሉ ዝቐጸለ ማእሰርቲ ኸኣ ገና ኣይዓረፈን። እቶም ዋናታት ናይዚ ገበን ‘ዚ ንርእሶም ክሳብ ዘይተኣስሩን ዘይጠፍኡን ከኣ፣ ብሕጂ ‘ውን ምቑሕ-ማእሰርቲ፣ ምሕቃቕ ክቕጽል እዩ።

ከምዚ ልዕል ኢልና ዝጠቐስናዮ፣ ነፍሲ ወከፍ ህይወት ትርጉም ኣለዋ። ይኹን’ምበር፣ ናይ 18 መስከረም 2001 ዓመተ ምህረት ማእሰርቲ ላዕለዎት ሓለፍትን ወተሃደራዊ ኣዘዝትን ዘለዎ ፍሉይነት ክንክሕዶ ኣይንኽእልን ኢና። እዞም ሃገራውያን ዜጋታት ‘ዚኣቶም፣ ንእስነቶም ከይበቐቑ፣ ስለ ህዝቦም ብኽብ ዝበለ ጽፍሒ ሓላፍነትን ተወፋይነትን ሃገራዊ ግቡኦም ዝፈጸሙ ከም ምዃኖም መጠን፣ መዋእል ህይወቶም ኣወፍዮም ኣብ ዘፍርዩዎ ናጽነት፣ ዝግብኦም ሽልማት ዋላ እንተተረፈ፣ እንተወሓደ ኣብ ክንዲ ቀሲኖም ዘዕርፉ፣ ግዳያት ክኾኑ ከለዉ ፍሉይነቱ ተጎስዩ ዝሕለፍ ኣይኮነን።

ብርግጽ፣ ኣብ 70ታት ‘መንካዕ፣ የሚን’ ተባሂሎም ኤርትራውያን ተቓለስቲ በብጉጅለን ብውልቅን ተለቒሞም ክሓቁ ከለዉ፣ እዞም ሰባት፣ ኣካል ናይቲ ውድብ ነይሮም እዮም። ድሕሪ ናጽነት ከም ብዓል ቢተወደድ ዝኣመሰሉ መዛኑኦም ክእሰሩ፣ ኣድማ ዝገበሩ ተጋደልቲ ክምቍሑ፣ ስንኩላን ክርሸኑ ከለዉ ‘ውን ኣጽቂጦም ‘ዮም።ከምዚ ዝኣመሰለ ብዙሕ ኢንታታት ክድርደር ይኽእል’ዩ። እንተኾነ፣ ነቲ ዘገበሉዎ ገበል መሐንገግያ ክገብሩሉ ክቃለሱዎ ክብሉ ክውሕጦም ከሎ፣ ዓይንኻ እናረኣኻ ስቕ ኢልካ ምርኣይ ካብ ኢንታኦም ዝዓቢ ገበን እዩ።

እዞም ምእንቲ ሃገር ብዝለዓለ ደረጃ ዝተቓለሱ ሃገራውያን፣ ነቲ ሕጂ ዘሎ ውልቀመላኺ መሳርሕቱ ስለዝነበሩ “ባዕሎም ይፈልጡ” እናተባህሉ ስቅያቶም ዕሽሽ ተባሂሉ ክሕለፍ፣ ተወፋይነቶም ክነኣኣስ፣ ኪኖኡ፣ በብዘርከበ ክውንጀሉ ከለዉ፣ ኣብ ርእሲ ‘ቲ ናይ ውልቀመላኺ ምቑሕ፣ ካልእ ምቑሕ ከም ምድራብ እዩ ዝቝጸር። ካብዚ በደል ‘ዚ መታን ክንድሕን እምብኣር፣ ነቐፌታና ፍትሓውን ሚዛናውን ክኸውን ኣለዎ።

ካብዚ ሓፈሻዊ ዕሽሽታን ስቕታን ሓሊፍካ፣ ገለ ካብቶም ድሕሪ ማእሰርቲ ጉጅለ 15፣ “ሕራይ ደኣ ኮኑ” እናበሉ ንኢሳይያስ ብተኣማንነት ዝለኣኹዎ ዘለዉ መጋበርያ፣ “ቀደም ኩስቶ ነቒፉና ወይ ኣንቂፉና ነይሩ” እናበሉ ሕነኦም ዘውጽኡ ዘለዉ ዝመስሎም ‘ውን ኣይተሳእኑን። እንተኾነ፣ እቲ ቀደም ዒላማ ነቐፌታን ማእሰርትን ዝገበሮም ብቐንዱ፣ እቲ ሕጂ ሕኒኦም መዝሚዙ ዝጥቀመሎም ዘሎ ኢሳይያስ እዩ። እቶም ተኣሲሮም ዘለዉ ‘ውን፣ ልክዕ ከምቶም ሕጂ ዝለኣኹ ዘለዉ፣ ብኢሳይያስ ተኣዚዞም ነቲ ነገር ዝወዓሉዎ እዩ። ስለዚ፣ መርዚ ናይቲ ሕነ ኢሳይያስ ክንሱ፣ ኤርትራውያን ነንሕድሕድና ክንባላዕ ከለና፣ እቲ ካብ ክልተ ሞትና ዝጥቀም ዘሎ ኢሳይያስ እዩ። ብሞት ክልቴና ቀታሊና ይጥቀም ምህላዉ ኸኣ’ዩ እቲ ዘሕዝን።

ከም ሰባት መጠን ቀጨውጨው ዝብለና ነገራት ክህሉ ባህርያዊ ‘ኳ እንተኾነ፣ ከምዚ ንዝኣመሰለ ዕቱብ ጉዳያት ካብ ውልቃዊ ስምዒት ብርኽ ኢልና፣ ንሕጋውን ፖለቲካውን ትርጉሙ ኣብ ግምት ዘእተወ ሚዛናዊ ኣጠማምታ ክንገብረሉ ይግባእ።

ቀዳማይ – እዞም ሰበስልጣን እዚኣቶም፣ ኣብ ኤርትራ ቅዋማዊ ስርዓት ክትከል፣ ልዕልና ሕጊ ክረጋገጽ ‘ዮም ጸዊዖም። ሕጋዊ ሕቶኦም ዘይሕጋዊ ምላሽ ስለዝረኸበ ኸኣ፣ ኣብ ማሕዩር ካልኣይ መስዋእቲ ይፍጽሙ ኣለዉ። ንማእሰርቶም ዕሽሽ ክንብሎ ከለና እምብኣር፣ ብተዘዋዋሪ እቲ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ልዕሊኦም ንዝወሰዶ ዘይሕጋዊ ስጉምቲ ኢና ነጽድቖ ዘለና። – ስለዚ ሕጋውያን ኣይኮነን። ምኽንያቱ፣ ምስ ዓማጺ ወጊና። ኣብ ጎኒ ሕግን ፍትሕን ደው ኣይበልናን።

ካልኣይ – ኢሳይያስ ብኣካል ነዞም 11 ላዕለዎት ሰበስልጣንን ካልኦት ምስኣቶም ይደናገጹ ‘ዮም ንዝበሎም ኣገደስቲ ሓለፍትን ‘ኳ እንተመቝሐ፣ ዒላማ ፖለቲካዊ መልእኽቱ ብዓቢኡ ህዝቢ ኤርትራ እዩ።

ኢሳይያስ፣ ኣብ ልዕሊ ‘ቲ ዝኸሓነ ቅርሕንቱ ብምውጻእ ውልቃዊ ህልኻዊ ስምዒቱ ንምርዋይ ዝነበሮ ሕሱም ድሌት፣ ነቶም ምስኡ ኣብ ቃልሲ ዝዓበዩ፣ ብደረጃ ሓላፍነት ዝዳረጉዎ፣ ብጭቡጥ ኣበርክቶኦም ገሊኦም ‘ውን ዝበልጹዎ ላዕለዎት ሓለፍቲ ብምእሳር፣ ተጋዳላይ ይኹን ህዝቢ፣ “እምባእ፣ ነዚኦም ‘ኳ ዘይመሓረ ደኣ ንዓና እንታይ ክርእየልና” ኢሉ ብስምካሕ ተስፋ ቆሪጹ፣ ብስቕታ ተዋሒጡ ክንብርከኸሉ ‘ሞ፣ ኣብ ኮረሻ ምልኪ ምንባር ክቕጽል ዝወሰዶ ስጉምቲ እዩ። ስቕታና ኣምብኣር መርኣያ ተምበርካኽነትና ‘ውን እዩ።

ማዕረማዕረ ’ዚ፣ ነቲ ካብ ግዜ ሰውራ ኣትሒዙ እናሰላሰሎ ዝመጽአ፣ ነቲ ንመዋእሉ ልዕሊ ሰብን ልዕሊ ሕግን ኮይኑ ክነበር ዝኣለሞ ውዲት ኣብ ምትግባር፣ ‘ከዐንቅፉኒ፣ ክዋዳደሩኒ ወይ ክቕድሙኒ ይኽእሉ ‘ዮም’ ንዝብሎም በላሕትን ለባማትን ኤርትራ ናይ ምጽሓይ ዕላማ ኣብ መስከረም 2001 ዓመተ ምህረት መዛዘሚ ገይሩሉ ክብሃል ‘ውን ይከኣል።

ብድሕሪ እዚኣቶም ዝተረፉዎ ባእታታት እንተሃልዮም፣ እንተደልዩ ስርናይ ዝመልኦ እንተድልዩ ዝንጸፎ ክሻ፣ እንተደለየ ኣብ ካንሸልኡ እንተደለየ ኸኣ በረኻበረኻ ዘሕድሮ ህበይ እዮም ኣብ ከባቢኡ ተሪፎም ዘለዉ። ብውልቀሰብ ደረጃ፣ ካብቶም ኣብ ስርዓቱ ዝነበሩ ሰበስልጣን ‘ብድሆ ክኾነኒ እዩ’ ኢሉ ክንድ’ቲ ዝስከፈሉ ብዓል ስልጣን ኣይሓደገን። እንሆ ድማ፣ እቲ ኣብ 2001 ተዋሊኡ ዝነበረ ኢሳይያስ፣ በዚ ዝጠቐስናዮ ዝተዘራረየ ሜላን ሳዕቤናቱን ክሳብ 2015 ጸኒሑ። ንኻልኦት እናጽሓየ 50 ዓምታት ጸኒሑ ማለት እዩ። ኣብዚ ከነስተብህለሉ ዘለና፣ ኢሳይያስ፣ ንሱ ስለዝሓየለ ዘይኮነስ፣ ንሕና ስለዝደኸምና፣ ስለዝተጻወርናዮ፣ ስቕታ ስለዘብዛሕና እዩ ዕድሚኡ ነዊሑ።

መቸም እቲ ምጽናሕ፣ ሓንሳብ ናብ ባጽዕ፣ ሓንሳብ ናብ ዓዲ-ሓሎ ከም ደባይ እናተንቀሳቐስካ፣ ካብቶም ኣብ ማእሰርቲ ብጠበንጃ እተሐልዎም ብዘይፍለ፣ ብረሽራሻት ተኸቢብካ እዩ ተጸኒሑ። ዓይነቱ ብዘየገድስ ግን፣ ኣብ ጸብጻብ ሲ ምስ ምጽናሕ ‘ዩ ዝቝጸር።

ካልእ ኣብ ርእሲ ‘ዞም ዝጠቐስናዮም፣ ብሕግን ፖለቲካን ዝትርጎሙ ሃገራዊ ክሳራታት፣ ኢሳይያስ ነዞም ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ 50 ዓመታት ዘፍረዮም መራሕቲ ከሕቅቖም ከሎ ዝደቖሶም ኣገደስቲ ክብርታት፣ እቶም ውዲቱን ዕንወቱን ክጻወሩ ዘይክእሉ ባህርያት ህዝቢ ኤርትራ እዮም።

እቲ ንህዝቢ ኤርትራ ከም ስልጡን ህዝቢ እናጠቐስና እንምክሓሉ፣ ውጽኢት ፈሪሃ እዝግኣቢሄርን ያታዊ ክብርታትናን ዝኾነ ጥሙር ስነምግባራዊ ባህርያት በብሓደ እንተተምልኪትናዮ፣ ዝርዝሩ ኣብዞም ሰባት እዚኣቶም ኣሎ። ነዞም ግዳያት ኣጸቢቖም ናብ ዝፈልጡዎም ሰባት ቀሪብና፣ ቅንዕና፣ ሓቅነት፣ ፍትሒ፣ ትብዓት፣ ተወፋይነት፣ ልቦና፣ ምቕሉልነት… ወዘተ እናበልና ንእንጠቕሶም ስነምግባራዊ ክብርታት፣ ብኡንብኡ መማዝንቲ ክንረኽበሎም ኣይምጸገመናን ‘ዩ።

ብዶብ ኣመኽንዩ ኢሳይያስ ዝወልዖ፣ እቲ ህይወት ዓሰርተታት ኣሽሓት ብሉጻት መንእሰያት ኤርትራ ዝበልዐ ኵናት ገና ከይተነሃሃረ ከሎ፣ ብእማመ ኣመሪካን ሩዋንዳን ካብቲ መዓት ናይ ምውጻእ ዕድል ኣብ ዘጋጠመሉ ግዜ፣ ሚኒስተር ዜና ነበር በራኺ ገብረስላሰ፣ “ብሕጊ ክንስዕር ንኽእል ኢና” ኢሉ ንዅናት ብልቦና ድሕሪ ምቅዋሙ፣ ብኢሳይያስ “ዘንበርክኽ የብልናን” ዝብል መልሲ ከምዝተዋህቦ ንብዙሓት ሓዱሽ ዛንታ ኣይመስለንን። በራኺ ካብ ጀርመን ተመሊሱ ብትብዓት ለውጢ ክጠለብ ከሎ ግን፣ እቲ “መኻልፍ ረኺብና” ኢሉ፣ ኣብ ክልተ ዓመቱ ምንብርካኽ ነዊሑዎ ብበጠበጥ ክኸይድ ዝተቐስበ፣ ርብዒ መሬት ኤርትራ ንኣህጉራዊ ዓቃብ ሰላም ኣረኪቡ ሓበን ሓርበኛ ህዝቢ ኤርትራ ዝሰበረ ውርደተኛ ኢሳይያስ፣ በታ ርእሰማሉ ዝኾነት ህልኽ ክጸምደሉ ምዃኑ ኣይጠፍኦን። እቲ ገድሊ ተወዲኡ ክንሱ ክሳብ ማእሰርቱ ተጋዳላይ ምዃን ዝቐጸለ ተባዕ፣ ሓቀኛን ለባምን በራኺ ግን፣ ምእንቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ እዋን ነጻነት ‘ውን መስዋእቲ ክኸፍል ድሉውነቱ ብግብሪ ኣመስኪሩ።

ሃይለ ወልደትንሳኤ (ድሩዕ)፣ ገና ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ከሎ፣ ኣብ ጀርመን እቲ ስርዓት ባዕሉ ኣብ ዝወደቦ ሆጭ ዝበለ ህዝባዊ ኣኼባ፣ ህዝቢ ኤርትራ፣ ኣብ ቃራና መንገዲ ከምዘሎ ድሕሪ ምዝኽኻር፣ ክሳርኡ ገምጊሙ፣ ሕጋዊ ቅዋማዊ መንግስቲ ብምትካል ውሕስነት ናጽነቱ ከረጋግጽ ብጥበብን ልቦናን ኣዳዕዲዑ ቅሉዕ መልእኽቲ ብምትሕልላፍ ናብ ኤርትራ ተመሊሱ፣ ናይ ለውጢ ምንቅስቓስ ምቕጻሉ፣ ዓወት ጥራይ ዘይኮነ ዋጋ ክኸፍለሉ ምዃኑ ‘ውን ኣይጠፍኦን።

ሚኒስተር ዞባዊ ምምሕዳር ነበር ማሕሙድ ሸሪፎ፣ ከም ኣቦ ወንበር ንድፊ ሰልፍታትን ምርጫን ዝነበሮ መዝነት ኣብ ስራሕ ንምውዓል፣ ብቐጥታ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ናይቲ ስርዓት ቀሪቡ ነቲ ንድፊ ዝምልከት መግለጺ ንህዝቢ ኤርትራ ንምሃብ ዝወሰዶ ተባዕ ተበግሶ ‘ውን፣ ከምኡ ኣብ ጸሊም መዝገብ ኢሳይያስ ከምዘስፍሮ ኣይሰሓተን።

እዚ ሒደት ኣብነታት ናይቲ ቅድሚ ኣብ ብሕታውያን ጋዜጣታት ብሰፊሑ ዳርጋ ብኹሎም ዝቐጸለ ጎስጓሳት እዩ። ጴጥሮስ ሰለሙን፣ ዑቕበ ኣብርሃ፣ ብርሃነ ገረዝጊሄር፣ ሳልሕ ኬክያ፣ እስቲፋኖስ ስዩም፣ ጀርማኖ ናቲ፣ ኣስቴር ፍስሃጼን፣ ሓምድ ሕምድ ‘ውን ብዘይካ ‘ቲ ኣብቲ ናይ ለውጢ ሰነድ ዘንበሩዎ ክታም፣ ኣብ መትከሎም ረጊጾም ዘርኣዩዎ ተወፋይነትን ዝኸፈሉዎ ዋጋን ቀሊል ኣይኮነን።

እቶም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ብብርዒ ስም ተኸዊልና ነዞም ውፉያት ኣፍና ከከም ዝሃበና እንመዝኖምን እንፈርዶምን ዘለና ሰባት እምብኣር፣ ብሕልና መምስ ነብስና ብቕንዕና እንተተዛሪብና፣ ክንውንጅሎም ኣየምሕረልናን እዩ።

እዞም ሰባት እዚኣቶም፣ ምስቲ ዝነበሮም ሓላፍነት፣ ከምዚ ሕጂ ከም ብዓል ወዲ ገራህቱ፣ በየነ ርእሶም፣ ግርማ ኣስመሮምን ካልኦትን ዝኣመሰሉ መቃጠርቲ ወጠምጠም ምባልስ ግደፉዎ፣ ዋላ ንኢሳይያስ ብዓውታ ከይደገፉ፣ ኣብ ትሕቲኡ ምስራሕ እንተዝቕጽሉ ነይሮም፣ ኢሳይያስ ሰድይኡ ክሳብ ዘይነኽኡሉ ኣይምተንከፎምን። ምርጫኦም ንሱ እንተዝነበር፣ ነዚ ሕጂ ነቒሕናሉ ዘለና ውዲታትን ተንኮላትን ኢሳይያስ ክንፈልጦ ምናልባት ካብቲ ዝተኣሰሩዎ 14 ዓመታት ንላዕሊ ምወሰደልና ነይሩ። ኢሳይያስ ከኣ፣ ገና ብድቁሳትና ከለና፣ ብውሑድ ዋጋ ኣብ ስልጣን ናይ ምንባር ሕልሙ መግሃደ ነይሩ።

ነገር ምስ ጸንከረ፣ “ባዕሉ ይፈልጥ እዚ ህዝቢ፣ ሓንሳብ ኣገልጊልናዮ ኢና፣ ክልተ ህይወት የብልናን፣ ውልቃዊ ጉዳይና ክንገብር ኢና” ኢሎም ከም ከማና ካብ ሃገር ወጺእካ ኣብ ስደት ንምንባር እንተዝመርጹዎ ‘ውን ካብ ኩልና ንዓዓቶም ዝቐለለ ዕድል ነይሩዎም።

ኢንታታቶም ብዘየገድስ (ኢንታታት ዘይብሉ ወዲ ሰብ መቸም የልቦን)፣ ውልቃዊ ህይወቶም ንምድሓን፣ ንስድራቤታቶም፣ ንዕሸላትን ፍቑራት ደቆም ዝበለጸ ህይወት ንምጥጣሕ ዝነበሮም ዕድል ነጺጎም፣ ኣብ ረመጽ ሓዊ ናይቲ ምልካዊ ስርዓት ረጊጾም፣ ብትብዓት መኣዝን ኤርትራ ክዕረ ዘቕረቡዎ ተቓውሞ መርኣያ ተወፋይነቶም እዩ። ነዚ ስጉምቲ እዚ ብምውሳድ ቅድሚ ኹሉ ዝተሳቐዩ፣ ዝሓቐቑ ካልኣይ መስዋእቲ ዝኸፈሉ ንሳቶም፣ ምስኣቶም ብቐረባ ዝተጎድኡ ኸኣ ቤተሰቦም እዮም።

ግደ ሓቂ፣ ንሳቶም ኣብ 2001 ዲሞክራስያዊ ለውጢ ክተኣታቶ ጻውዒት ከቕርቡ ከለዉ ‘ውን ‘ኮ፣ ናብ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ጥራይ ኣይኮኑን ኢዶም ዊጥ ኣቢሎም። ከም ኣካል መሪሕነት ናይ ህዝባዊ ግንባር ይኹን እቲ ስርዓት፣ ነዚ ኩነታት ኣብ ምፍጣር ጌጋታት ከምዝነበሮም ብምእማን፣ ነብሶም ሓዊሶም እዮም ነቐፌታኦም ኣቕሪቦም።

ስለዚ ከም ኤርትራውያን፣ ነቲ ንግዳያት ካልኣይ ግዜ ግዳይ ናይ ምግባር ኣመል፣ ‘ቅዱም ኣይትኹን’ ዝዓይነቱ ኣተሓሳስባ ምኽኑይ ኮይኑ ክቕጽል ዕድል እናሃብና ካልኦት ክስውኡልና ጥራይ ናይ ምጽባይ በለጸኛ ዝንባለና ከየወገድና ክንዕወት ኣይንኽእልን ኢና።

ሕሰቡዎ ‘ሞ፣ ኣብ 2001 ዓመተ ምህረት ንሳቶም ድምጾም ብዓውታ ምስ ኣስምዑ እንተንስዕቦም ‘ኮ፣ ኢሳይያስ ክኣስሮም ኣይምደፈረን። ኢዱ ከንብረሎም ከሎ፣ “እዚኣቶም ‘ኮ ጀጋኑናኢዮም፣ ኣሕሊፍና ኣይንህብን ኢና” ኢልና ‘ሆ’ እንተንብል፣ እዚ ኣብዚ ዝሓለፈ 14 ዓመታት ኣብ ሲናይ፣ ሰሃራ፣ ማእከላይ ባሕሪ ዝወረደ ምፍጣርካ ዘጽልእ፣ ኣሽንባይዶ ነቶም ዝተሰከሙዎ ነቶም ዝሰማዕናዮ ከም ዜጋታት ዘስካሕክሓና ምስ ገዛእ ርእስና ኣብ ምጉት ክንጽመድ ዝቐሰበና፣ ዘዋርድ፣ ዘሕንኽ መዓታት ስደት፣ ምብትታን ህዝቢ ኤርትራ ‘ኮ ኣይምተኸስተን።

ንግዚኡ ነቲ ብፖለቲካዊ ዓይኒ ዝጥመት ሃገራዊ ክሳራናን መኽሰብናን ‘ሞ ነወንዝፎ፣ ከም ሰባት፣ ከም ኣቦታት፣ ከም ኣዴታት ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ከ፣ ድንጋጸ፣ ልውህና ኣይግብኦምን ዶ?

እቲ ሎሚ ቕነ ሓው ምኪኤል ብመንገዲ ራድዮ ኣሰና ንህዝቢ ኤርትራ ክህቦ ዝቐነየ ደም ዘንብዕ ቃል ምስክርነት ኣረሜናዊ ማእሰርቶም ‘ኮ ናይ 2 ኣዋርሕ ጥራይ እዩ። ብድሕሪኡ፣ ንሳቶም 14 ዓመታት ‘ዮም ኣብ ምቝሕ ዘለዉ። እዚ ግዜ ‘ዚ፣ ምስቲ ምእንቲ ናጽነት ብልዑል ድሌት ዝተጋደሉሉ ናይ ቃልሲ ምዋእል ክዳረግ ሒደት ዓመታት እዩ ተሪፉዎ ዘሎ።

መሳቱ እዋን ዝኾንኩም ኣቦታት ኣዴታትን እንተሊኹም፣ እቲ ድሕሪ ምዝዛም ካልኣይ ኵናት ዓለም ካብ 1941 ክሳብ 1952 ኣብ ኤርትራ ተጣይሱ ዝነበረ ወተሃደራዊ ምምሕዳር እንግሊዝ ካብ መዋእል ማእሰርቲ ናይዞም ግዳያት ብ 3 ዓመት ይነውሕ፣ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ዝተሳተፍኩም ተጋደልቲ እንተሊኹም፣ ካብቲ ድሕሪ ምዝላቕ 1978 ክሳብ ምፍራስ ናደው-እዝ ኣብ ግንባር ናቕፋ ብ 1988 ዘካየድኩሞ መሪር ምርብራብ፣ ካብ መዋእል ማእሰርቲ ናይዞም ሓለፍቲ ግንባራትኩም ዝነበሩ መራሕቲ ብ 4 ዓመታት ይንእስ፣ ካብ 1998 ክሳብ 2012 ኣብ ኣገልግሎት ዝተጸመድኩም መንእሰያት እንተሊኹም ከኣ፣ ማእሰርቲ ናይዞም ኣያታትኩም መዘና ናይቲ ናብ ስደት ዘብረረኩም ሕሱም ጊላነት እዩ። ሕሰቡዎ ግዜ!!

ኣጠራጣሪ ሃለዋቶም ኣብ ግምት ኣእቲኻ እቲ ዝኸፍሉዎ ዘለዉ ዋጋ ሽምግልና ጥራይ ኮይኑ እንተጸኒሑ ‘ውን፣ ኤርትራውያን ዕድለኛታት ኢና። እቲ ዕድል ንዓኣቶም ኣይኮነን። ካብኣቶም ንላዕሊ እቲ ዕድል ንህዝቢ ኤርትራ እዩ። ካብ ጎዳጉዲ ወጺኦም ንኽመርሑዎ ዘይኮነ፣ እቲ ኣብ ልዕሊኦም ፈጺሙዎ ዘሎ በደል መታን ክፈዅሰሉ፣ ጣዕሳ መታን ከይከብዶ። ማእሰርቲ ናይዞም ሰባት እዚኣቶም ሓደ ዓመት ክውስኽ ከሎ፣ ገበናዊ ጽዕነትና ክንድኡ ይውስኽ ምህላዉ ክንግንዘቦ ይግባእ። መስዋእቲ ክውሰኾ ከሎ ድማ፣ እቲ ገበን ኮነ እቲ ጣዕሳ ዝኸበደ እዩ።

ነቲ ጉዳይ ፍትሓዊ ገምጋም እንተጌርናሉ እምብኣር፣ እዞም ሃገራውያን፣ ስለ ህዝብን ሃገርን ተቓሊሶም ኣብ ምስጢራዊ ማሕዩር ካልኣይ መስዋእቲ ክፍጽሙ ከለዉ፣ ብዓቢኡ ነቲ ኣብ ልዕሊኦም ገበን ዝፈጸመ ፋሽሽታዊ ኢሳይያስ ጥራይ ዘይኮነ፣ ነቲ ኣብ 50 ዓመት ንዘፍረዮም ጀጋኑ ክከላኸለሎም ዘይከኣለ ህዝቢ ኤርትራ ‘ውን ሓላፍነት ዘሰክም እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ጀጋኑኡ ከዕቍብ ስለዘይከኣለ ‘ዩ እምብኣር ዕርዲ ስኢኑ ዝበታተን፣ ኣሽሓት ደቁ ኣብ ሰሃራ ኣደዳ ጸሓይ ሑጻን፣ ኣብ ሲናይ ኣደዳ በደዊን፣ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣደዳ ዓሳ ኮይኖም ዝሃልቁ ዘለዉ።

ኩሉ ሳዕ ሓባራዊ ራእይን ዕላማን እንተዘይሃልዩካ ውልቃዊ ህይወትካ ውሕስነት የብሉን። በዚ ምኽንያት ከኣ ‘ዩ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ኣብ ከቢድ ቅልውላው ተሸሚሙ ዝርከብ ዘሎ። ውልቃዊ ህይወቱ ካብ ሓባራዊ ዕላማ ስለዘቐደመ ይጠፍእ ኣሎ።

ብሓጺር ኣገላልጻ፣ ኢሳይያስ ምስ ጉጅሊኡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ሰላሕታ ወራር እዩ ዘካይድ ዘሎ። ሰላሕታ እንብለሉ ምኽንያት፣ እቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊ ዜጋ ዝወርድ ዘሎ ስቅያት ርኡይ ስለዘይኮነ፣ ሞት ስለዝወሓደ ኣይኮነን።

ነቲ ጸረ ህዝቢ ወሊዑዎ ዘሎ ኵናት ብመራኸቢ ብዙሃን ስለዘይኣወጆ፣ ብቶኽሲ መዳፍዕ ዘይተሰነየ ኵናት ምዃኑ ጥራይ እዩ ሰላሕታ እንብሎ። እምበር እቲ ዘውርደልና ዘሎ ዕንወትን ጥፍኣትን ካብ ኵናት ዝፍለ ኣይኮነን። ኣሃዝና ክንዲ ናይ ሶርያውን ‘ኳ እንተዘይኮነ ንመወት ኣለና፣ ንስደድ ኣለና፣ ንዋረድ ኣለና፣ ኣብ ጋዜጣታት ዓለም ምስኣቶም መዓልታዊ ንጥቀስ ኣለና።

እቲ ንህዝቢ ኤርትራ ኣግዲዑዎ ዘሎ ግን፣ ሰላሕታ ኵናት ኢሳይያስ ንበይኑ ኣይኮነን። ብኣውርኡ፣ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ሰላሕታ ኵናት ተጻዊሩ፣ ግብረመልሱ ስቕታ ኮይኑ ተሪፉ ምህላዉ እዩ እቲ ዝኸበደ ዕንወት።

ሓደ ተጻይ ከጽንተካ ሳላሕ እናበለ ክቐርበካ ኸሎ ብዓውታ ኣይፋል ብምባል ኢኻ እተፍሽሎ፣ ሓደ ዓማጺ ሰብካ ኣሲሩ፣ “ረስዓዮም!” ክብለካ ከሎ፣ በንጻሩ ሰብካ ብምዝካር ኢኻ ግዳያትካ ተፍትሕ። ተምበርከኽ እንክብለካ፣ ምድቋስካ ክጥዕሞ ይብለካ ምህልዉ ተገንዚብካ “ኣይፋለይን!” ኢልካ ብነድሪ ብድድ ክትብል ኣለካ። ንሰብ ካብ ከልቢ ዝፈልዮ እዚ ባህርይ እዚ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ግን እንሆ ምእዙዝ ምልኪ ኮይኑ ብምትራፉ፣ ኣብ መወዳእታ፣ ቅኑዕን ጌጋን፣ ፍትሕን ዓመጽን ዝልክዓሉ ሞራላዊ መቐቀኒ ‘ኳ ጠፊኡዎ፣ ኣብ ስነኣእሙሮኣዊ ሕንፍሽፍሽ ወዲቑ ይርከብ ኣሎ። ንማእሰርቲ ጥራይ ዘይኮነ ንሞት ይለምዶ ምህላዉ ድማ መርኣያ ናይዚ ሕሉፍ ቅብጸት ዝፈጠሮ ዘይንቡር ኩነተ-ኣእምሮ እዩ።

ካብ ግዜ ሓርነታዊ ቓልሲ ኣትሒዝካ ክሳብ ‘ዚ ሰዓት’ዚ መድረኽ ፖለቲካዊ ተዋስኦ ኢሳይያስን ህዝቢ ኤርትራን እንተተመልከትናዮ ናይ ዓሻን ተንኮለኛን ጸወታ ካርታ (ጠላዕ) ኢልካ ጥራይ እዩ ክግለጽ ዝከኣል። ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ መንጸፍ ሮማዕ ኢሉ፣ ኣብ ኢዱ ዝተረበበ ካርታ፣ መጻውቱ ኣብ ቅድሚኡ ምህላዉን ዘይምህላዉን ክሳብ ዘየለልየሉ ደረጃ ከዊሉዎ፣ ቁጽርታት ካርትኡ ከይሓብአ ዝጣላዕ ዓሻ ተጻዋታይ ክኸውን ከሎ፣ ኢሳይያስ ግን፣ ብሰላሕታ ካብ መቓምጦኡ ተንሲኡ ካርታ ህዝቢ ኤርትራ እናረኣየ ዝጻወት ተንኮለኛ ተጣላዓይ እዩ። ስለዚ ክኸውን ኣለዎ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ 50 ዓመታት ኢሳይያስ ጥራይ ኣብቲ ፖለቲካዊ ጠላዕ ክስዕር ዝርአ ዘሎ።

ካብ ፈለማ ሰብዓታት ኣትሒዙ፣ ነቶም ዘይዲሞክራስያውነቱ ብኣግኡ ዘለለዩ በላሕቲ ኤርትራውያን “መንካዕ” ኢሉ ነጺሉ ኣሕቂቑዎም። ነቶም መንካዕ ንምህራም፣ ከም ዱላ ዝተጠቕመሎም “የሚን” ኢሉ ኣስዒቡዎም።

ነቶም ኣብ 93 ኣድማ ዝገበሩ ዝተጋደልቲ “ዕሸልነት” ኢሉ ብጅምላ ክሕይሮም፣ ንስንኩላን ብኮማንዶ ቖሽሚዱ “ቀበጥበጥ” ኢልኩም ኢሉ ክብድዓሎም ከሎ፣ እቶም ናይ ሽዑ ሚኒስተራት ናይ ድሓር ጉጅለ 15 ኣጽቂጦም፣ ጉጅለ 15 ክምቍሑ ከለዉ “ሕራይ ኮኑ” ኢሉ ዝጨፈረ ምስጦፋ ኑርሕሸን ድሕሪ መስዋእቲ ወዲ-ዓሊ ተቐፊዱ ደሃይ ምስ ኣጥፍአ ከኣ ዝሓተሉ ኣይረኸበን። ስለምንታይ ኩሉ ግዜ ኢሳይያስ ጥራይ ይቕድም ምህላዉ እምብኣር፣ ካብዚ ዝጠቐስናዮ ናይ ጠላዕ ኣብነት ዝሓይሽ መልሲ ዝርከቦ ኣይመስለንን።

ነዚ ተረኽቦ ‘ዚ፣ ብሕልፊ ምስ ፍጻሜ ማእሰርቲ ጉጅለ 15 ኣነጻጺርና ክንርእዮ ኸለና፣ እቶም ጭካኔን ህልኽን ኢሳይያስ ካብ ማንም ሰብ ንላዕሊ ዝፈልጡ፣ “በብውልቂ ‘ውን መዳርግቲ ኢሳይያስ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም’ ኢሉ ሰብ ዝጥምቶም ዝነበረ ላዕለዎት ሰበስልጣን ዝርከቡዎም ኣካላት፣ ተደሚሮም ‘ኳ ንሓደ ኢሳይያስ ብጽኑዕ ክሕዙዎ ዘይምኽኣሎም ዘየተሓሳስብ ኣይኮነን። ንዓኣቶም፣ ከም ሰቦም ካርትኦም እናርኣዩ ምስ ኢሳይያስ ክጣልዑ ዝተጸበዮም ሰብ ኣይነበረን። እንተኾነ፣ ቀደም ብስቕታኦምን ሸለልትነቶምን ምትሕብባሮምን ንኻልኦት ግዳይ ይገብሩ ምንባሮም ብኣሉታ ዝምዘን ክኸውን ከሎ፣ ኣብ መወዳእትኡ ግን ልዕሊ ሰቦም ንሳቶም እዮም ዋጋ ከፊሎም።

ምስቲ ኩሉ ሰብኣዊ ትራጀዲኡን ፖለቲካዊ ክሳርኡን፣ ሓደ ካብዚ ኩነታት’ዚ ዝፈረየ ብኣውንታ ዝግለጽ ውርሻ እንተደኣሃልዩ እምብኣር፣ እቲ ን40 ዓመታት ካብ ዝበዝሐ ኤርትራዊ ተኸዊሉ ዝጸንሐ ምልካዊ፣ ፋሽሽታዊ ባህርያት ኢሳይያስ ተቓሊዑ፣ ኢሳይያስ ኣብ ልቢ ኤርትራውያን ንሕድገት ዝኸውን ሰፈር ከምዘይብሉ ምቕባጹ እዩ። በዚ መንጽር፣ እንተላይ ምዕጻው ብሕታውያን ጋዜጣታትን ጅምላዊ ማእሰርቲ ጋዜጠኛታተንን ደሚርካ ክትርአ ኸላ፣ 2001 ነጥበ መቐይሮ ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ ክትብሃል ትከኣል።

ኢሳይያስን ጉጅሊኡን ቀደም ብስም ሓለዋ ሰውራ ኣታሊሎምና ‘ኳ እንተኾኑ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ተንኮላቶም በብሓደ ተቐሪፉ ውዲቶም ስለዝተቐልዐ፣ ብስም ሃገራዊ ድሕነት ዝቕጽሉዎ ዘለዉ ሰይጣናዊ ተልእኾ ምብራስ ሃገርን ጥፍኣት ህዝብን ፈጺምና ክንጽመሞ ኣይግባእን። ብኣንጻር ‘ቲ ንጥፍኣት ድሎ ኢሎም ዓጢቖሞ ዘለዉ ዕጥቂ፣ ኣእምሮና ንቕሓት፣ ሽምጥና ዕጥቂ ክቕነት ኣለዎ።

ከምዚ ክንብል ከለና፣ ምናልባት፣ “ሰብ ‘ሞ ስለምታይ ‘ዩ ሃገር ዘዕኑ፣ ህዝቢ ዘጥፍእ ዝዕጠቕ?” እናበሉ ንኣበሃህላና ኣጋንኖ ከምስሉዎ ዝህቅኑ ኣይሰኣኑን ይኾኑ። እንተኾነ፣ ንሳቶም ንሕቶኦም ክልሰሓሳባዊ መልሲ ስለዝሰኣኑሉ ንሕና ኣይንጭነቕን። ነቲ ኣብ ባይታ ዝርአ ዘሎ ጭቡጥ ዕንወት ብልክዕ ካብ ምግላጹ ሰጋእመጋእ ኣይንብልን። ላዕሊ ደይብካ ታሕቲ ወሪድካ፣ ኣብ ባይታ፣ ኤርትራ ትዓኑ፣ ህዝባ ይበታተን፣ ይጠፍእ ከምዘሎ፣ ጭቡጥ ነገር እዩ። ምናልባት ኤርትራ ብሰብ ዘይኮነ ብሰይጣን ትምራሕ ከምዘላ ምግንዛብ ዝኣገሞም እንተኾይኖም፣ ሕቶኦም ክኽልሱ ዕድል ምሃቦም ሕማቕ ኣይኮነን። ካብኡ ሓሊፉ፣ ካብ ክልሰሓሳባዊ ሃለውሳኦም፣ ጭብጥና ከምዝሕይል እቲ መዓት ዝወርዶ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ‘ዩ ምስክሩ።

እቲ ንዓና ዘገድሰና ህጹጽን እዋናውን በዳህን ሕቶ እምብኣር፣ ህዝብና ንምድሓን፣ ትንሳኤን ቀጻልነትን ሃገርና ንምርግጋጽ፣ እንታይ ክንገብር ኣለና ዝብል እዩ።

ነዚ ንህዝብና ገጢሙዎ ዘሎ ከቢድ ብድሆ ክንፈትሕ፣ ድሕነት ሃገርና ኣውሒስና ቀጻልነታ ከነረጋግጽ እንተደኣ ኴንና፣ ከምቲ ኣቐዲምና ጥቕስ ዘበልናዮ ሓባራዊ ራእይን ዕላማን፣ ሓባራዊ ኣወዳድባ ቃልሲ ኣማዕቢልና፣ ቀዳምነታትና ሰሪዕና ክንሰርሕ ኣለና።

ሰብ ብዛዕባ ውልቃዊ ህይወቱ ክግደስ፣ ውልቃዊ ባህጊ ክህልዎ ባህርያዊ እዩ። ይኹን’ምበር፣ ካብ ሓባራዊ ዕላማ ዝተነጸለ ውልቃዊ ድሌት ክህሉ ኣይክእልን እዩ። ብሃገርን ህዝብን ደረጃ ክንሓስብ ከለና፣ ብዘይ ፖለቲካዊ ጽላል ክዕንብብ ዝኽእል ብሕታዊ ህይወትን ባህግን ከምዘየልቦ ክንርዳእ ኣለና።

ልክዕ እዩ፣ ኣብ ስደት፣ ከከም ኣድህቦኻን ቀዳምነትካን ተማሂርካ ኣብ ብልጭልጭ ዝበለ ኦፊስ ክትዓዪ፣ ገንዘብ ክትእክብ፣ ገዛ ክትሰርሕ ትኽእል ኢኻ። እንተኾነ ግን፣ ከምቲ ርሃጽ ኣባሓጎታትካን ርሃጽካን ዘይፈሰሶ ርሻን፣ እቲ ስራሕን ገንዘብን ‘ውን ንግዚኡ ዝተኻረኻዮ ዓወት ‘ምበር፣ ምሉእ ዕግበት ዝህበካ፣ እትኾርዓሉ መኣዲ ህይወት ኣይኮነን። ክዳንካን ገዛኻን ነቲ ዘለኻዮ ዓዲ እንተመሰለ፣ ኣእምሮኻ ኣብ ክትዕ ናይ ሃገራውን ባህላውን መንነት ሰበኽ ሳግም ኮይኑ ‘ዩ ዝነበር ዘሎ። ዋላ ንስኻ እንተደለኻዮ፣ እቶም ደቀባት ማዕረ ‘ቶም ንዓኣቶም ዝመስሉ፣ ናትና ዝብሉዎም፣ ክሰርዑኻ ኣይኮኑን። ፓስፖርትኻ ብዘየገድስ፣ ካልኣይ ዜጋ ምዃንካ ኣይተርፈካን እዩ። ከምኡ ስለዝኾነ ‘ዮም እቶም ቅድሜኻ 50 ዓመት ዝተሰደዱ ኤርትራውያን ሃገሮም ዘይረስዑ። እቶም ቅድሚ 200 ዓመት ዝመጽኡ ገላዩ ‘ውን ካብ ኣብሓጎታቶም ብዝወረሱዎ ስንብራት ኣፈላላይን ቅልውላው መንነትን እናተኾርኵሑ ዝነበሩ ዘለዉ።

ስለዚ፣ ሓንሳብ ሓንሳብ፣ ብዛዕባ ሃገርና ክንግደስን ክንንቀሳቐስን ከለና፣ ነቲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ ህዝብና እንገብሮ ረዲኤት ወይ charity ክመስለና የብሉን። ምእንቲ ነብስና ንገብሮ ከምዘለና፣ ንዓና፣ ንደቅናን ደቂ ደቅናን ዘገድስ ዕቱብነት ውጽኢት ከምዘለዎ ተገንዚብና ምስ እንዋስኣሉ፣ ኣበርክቶና ዝያዳ ዕምቆት ክህልዎ ዝሕግዝ እዩ። እቲ ዘዕግብ ብሕታዊ ህይወት ምስ ሃገራዊ መንነት ቀጥታዊ ምትሕሓዝ ዘለዎ ምዃኑ እንተተረዲእና ኸኣ፣ ውልቃዊ ህይወትናን ባህግናን ብዘይ ምቹእ ፖለቲካዊ ጽላል ክዕንብብ ከምዘይክእል ምርድኡ ኣይጽግመናን እዩ። ከም ማንቲለ ዘሊልና ዘሊልና ኣብ ባይታ ምዕላብና ዘይተርፍ ስለዝኾነ ኸኣ ‘ዩ፣ ነቲ ሓባራዊ ዕላማ ብምዕዋት ጥራይ ከነውሕሶ እንኽእል ውልቃዊ ህይወትን ባህግን፣ ሓባራዊ ስትራተጂ ከነውጽኣሉ ዘድሊ።

ኣብቲ እዋናዊ ዓመጽን ማእሰርትን ኣድሂብና ብውሱን መልክዑ ከምዝዳህሰስናዮ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው መበገሲኡ ውልቀመላኽነት ኮይኑ፣ ብቐንዱ ስእነት ሓርነትን ፍትሕን፣ ሕጊ ኣልቦነትን እዩ። ነዚ ግድል ‘ዚ ንምፍታሕ፣ ብንጡፍ ተሳታፍነት ህዝቢ ሕጋዊ ስርዓት ተኺልካ፣ ፍትሕን ሓርነትን ምርግጋጽ ከም ሓባራዊ ዕላማና ክንወስዶ ንኽእል። ነዚ ንምግባር ከኣ እቲ ዓንቀጽ ኮይኑ ዘሎ ውልቀመላኽነት ክምሖ ኣለዎ። ኣብ ምምሓው ውልቀመላኽነት፣ ኣብ ምትካል ሕጊ፣ ምንጋስ ፍትሕን ሓርነትን ዘይሰማማዕ ኤርትራዊ ዘሎ ኸኣ ኣይመስለንን።

ይኹን’ምበር፣ ብቐንዱ መሰረት ናይቲ ሃገርና ወዲቓትሉ ዘላ ቅልውላው ምልካዊ ምሕድራ ናይቲ ገባቲ ስርዓት ‘ኳ እንተኾነ፣ ሃገርና መንግስቲ ጥራይ ኣይኮነትን ስኢና ዘላ። ጸገማ ኣብ ምፍታሕ ቁሊሕ እትብሎ ኣማራጺ ሓይሊ ‘ውን የብላን።

እቲ ኣብ ደገ ዘሎ ደምበ ተቓውሞ ኣብ ወረቐት ነንነብሱ ከም ኣማራጺ ሓይሊ ምግላጽ ዘየጸግሞ ‘ኳ እንተኾነ፣ ነዚ ሃገራዊ ብድሆ ‘ዚ ክገጥም ዝኽእል ኣወዳድባን ኣድማዕነትን የብሉን። እታ ናብ ኤርትራ እተእቱ ዓንቀጽ ሓንቲ፣ ማለት ምፍራስ ውልቀመላኺ ስርዓት ክንሳ፣ ውድባት ኤርትራ ግን 30 – 40 እየን። ከምዚ ዝኾናሉ ምኽንያት፣ እተን ውድባት ብዝሒ ኣባላተን ይኹን ዓቕመን ብዘየገድስ፣ ጠመተአን ስልጣን እዩ። ነቲ ስልጣን ከኣ ኣይከዳኦን ‘የን ክመጽአን እየን ዝጽበያኦ። ተቓወምቲ ውድባት እምበርተቓለስቲ ውድባት ኣይኮናን።

እዚኣቶም ንማለቱ እንድርብዮም ዘለና ሓርጋት ኣይኮኑን። ኣብ መንጎ ተቓወምቲ ውድባትን ተቓለስቲ ውድባትን ፍልልይ ኣሎ።

ኣብ ከም ዓዲ እንግሊዝ ወይ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝኣመሰሉ ናይ መንግስትን ተቓውሞን ሕግን ስርዓትን ዘለዎም ሃገራት፣ ዓቃባዊ ዲዩ ናይ ዕዮ ሰልፍኻ ኣቝምካ፣ ንሓሙሽተ ዓመታት ክትቃወም ጸኒሕካ፣ መዓልትኻ ተጸቢኻ ንስልጣን ትወዳደር፣ ከከም ፖሊሲኻን ህዝባዊ ተቐባልነትካን ድማ ድምጺ ትረክብ ወይ ትስእን።

ኣብ ኤርትራ ግን፣ “ርኣዩለይ ስምዑለይ፣ ብዘይካይ ፖለቲካዊ ሓይሊ የልቦን፣ ስልጣን ንመዋእለይ ‘ዩ” ኢሉ፣ ብወግዒ ዝኣወጀ ውልቀመላኺ ስርዓት እዩ ኣብ ወንበር ተኾይጡ 24 ዓመታት ኣቝጺሩ ዘሎ። ነቲ ቀዲሙ ዝተጠቕሰ ንቡር ዲሞክራስያዊ መስርሕ ተቓውሞን መንግስትን ንምስልሳል እምብኣር፣ እቲ ብሓይሊ ስልጣን ገቢቱ ዘሎ ስርዓት ብዕቱብ ቓልሲ ክእለ ኣለዎ።

እተን ሃገር ከይሓዛ ብተምሳል ሰልፍታት ዝዋስኣ ውድባት ኤርትራ ግን፣ ነቲ ብቐዳምነት ክግበር ዘለዎ ዕማም ቃልሲ ውልቀመላኽነት “እዝግሄር ዋንኡ” ኢለን ብምውንዛፍ፣ ብድሕሪ ‘ቲ ክእለየለን ዝጽበያኦ ስርዓት ክትከል ዝብህጋኦ፣ ብኻልኣይ ሳልሳይ ደረጃ ዝስራዕ ኣጀንዳታት ሃይማኖት፣ ብሄር፣ ኣውራጃ፣ ፈደራላውነት እናጠቐሳ፣ ኣብቲ ደጀነን ኮይኑ ዘሎ ሃገራት ስደት 10 መንግስታት ተቐይሮም ክንሶም፣ “ውልቀመላኺ ስርዓት” ኢለን እናተጻረፋ፣  ን20-30 ዓመታት ተጎጃጂለን ኣብ ምቅዋም ይነብራ ኣለዋ። እዚ ኣተሓሳስባን ኣወዳድባን ‘ዚ ግን ብኣንጻሩ ዕምሪ ናይቲ ዝጽይናኦ ስርዓት ዘናውሕ እዩ።

እቲ ውልቀመላኺ ስርዓት ተማሕዩ፣ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ተረጋጊጹ፣ ልዕልና ሕጊ፣ ፍትሕን ሓርነትን ክነግስ እምብኣር፣ ፖለቲካዊ መድረኽ ኤርትራ መለሳ ክረክብ ክኽለስ ኣለዎ። ምእንቲ ‘ዚ፣ ኩሉ ደላዪ ፍትሒ፣ ንኹሉ ዘሳትፍ ንጹር ዕላማን ናይ ቃልሲ ስትራተጅን ክሕንጽጽ ይግባእ።

ነዚ ደጋጊምና ዝጠቐስናዮ ምውጋድ ውልቀምልኪ፣ ምንጋስ ግዝኣተ ሕግን ፍትሕን ሓርነትን ዘካትት ሓባራዊ ዕላማ ዘዐውት እንኮ ኣወዳድባ ኸኣ ጥርናፈ ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ሓደ ደምበ ተቓውሞ እዩ። ኣብ ስደት ዘለዉ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፣ ብሃይማኖት፣ ብሄር፣ ኣውራጃ ዶብ ከይፈለዩ፣ በብኸተማኦም ኣብ ሓደ መስርዕ ክውደቡ ኣለዎም።

ምእንቲ ‘’ዚ፣ ቅድሚ ኹሉ እተን ውድባት እንብለን ዘለና “ሕልማዊ ሰልፍታት” ፈሪሰን፣ ኣካል ናይቲ ሓፋሽ (Grass Roots) ዝሕመረቱ በብኸተማኡ ዝውደብ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ክኾና ይግባእ።

ብዝኾነ ውድባት ሞያአን ካብ ምቅዋም ዘይሓልፍ እንተደኣኮይኑ፣ ካብቶም ካልኦት ለውጢ ደልዮም ብውልቆም ይኹን ብማሕበር ዝቃወሙ ዘለዉ ኤርትራውያን ዝፈልየን የለን። እቲ በብኸተምኡ ዝውድብ ህዝባዊ ምንቅስቓሳት፣ ካብኡ ሓሊፉ ብኽፍለዓለም፣ ኣብ መወዳእታ ብዓለም ደረጃ ተጠርኒፉ ኸኣ፣ ሓደ ምእኩል ደምበ ተቓውሞ ይምስርት።

እዚ ኣወዳድባ’ዚ ገና ኣብ ዝተሓተ ደረጅኡ ‘ኳ እንተሎ፣ ኣብ ሓያለ ከተማታት ሰሜን ኣመሪካን ገለ ሃገራት ኤውሮጳን፣ ኣብ ስዊዝ ‘ውን ኣቐዲምኩም በብካንቶንታት ዝጀመርኩሞ ምውድዳብ፣ ኣብ ባይታ ታተ ካብ ዝብል ገለ እዋናት ኣሕሊፉ ኣሎ። ስለምንታይ ከምዘይሰጎመን ዝላ ከምዘይጀመረን ምናልባት ድሒርና ክንምለሶ ንኽእል ኢና።

ጥርኑፍ፣ ስሙር ተቓውሞ ምውዳድ ዓቢ ስጉምቲ ‘ኳ እንተኾነ፣ ኣቐዲምና ከምዝጠቐስናዮ ምቅዋም ጥራይ ግን ንግድልና ኣይፈትሖን እዩ። ስለዚ፣ እቲ ስሙር ደምበ ተቓውሞ ናብ ውሽጢ ኤርትራ ናይ ቃልሲ ክንፊ ክዝርግሕ ኣለዎ። እቲ ኣብ ወጻኢ ዝመደበሩ ጥርኑፍ ደምበ ተቓውሞ ተሰማዕነት ኣጥርዩ፣ ኣብ ውሽጢ ምስ ዝመስረቶ ኣድማዒ ናይ ቃልሲ ክንፊ ድልዱል ምትእስሳር እንተፈጢሩ ኸኣ፣ ካብ ዓወት ክዓግቶ ዝኽእል ሓይሊ የልቦን።

ውልቀምልኪ ፈሪሱ፣ እቲ ሓባራዊ ዕላማ ግዝኣተ-ሕግን ፍትሕን፣ ሓርነትን ምስተረጋገጸ እዮም፣ እቶም ሕጂ ክጥርነፉ እንጽውዖም ዘለና ውድባት ከም ዝኾነ ዜጋ ብመሰረት መሰጋገሪ ሕግታት ሰልፊ ኣቝሞም፣ ህዝባዊ ድምጺ ብዝህቦም ፍቓድ ነቶም ዝብህጉዎም ፖሊሲታት ከተግብሩ ክዉንነታዊ ዕድል ዘለዎም።

ስለዚ፣ ኣብ ርእሲ ‘ቲ ከም ኩሉ ኤርትራዊ ደላዪ ለውጢ ድሕነት ሃገር ንምርግጋጽ ዘለዎም ድሌት፣ ነዚ ጥርናፈን ስምረትን ክጓየዩሉ ዝግብኦም ወገናት እንተሃልዮም፣ እቶም ስልጣን ብምጭባጥ ዝብህጉዎም ፖሊሲታት ከተግብሩ ሃንቀውታ ዘለዎም ውድባት እዮም።  ይኹን’ምበር፣ ብሕልፊ መራሕቲ ናይተን ውድባት ናይዚ ህዝባዊ ጥርናፈ’ዚ ዕንቅፋት ኮይኖም ከምዝጸንሑ ዝከሓድ ኣይኮነን።

ገለ መራሕቲ ተቓውሞ፣ ሃገር ከይሓዙ ኣብታ ናይ ውድቦም ሰድያ መሪሕነት ን 20 30 ዓመት ተጣቢቖም ክትርእዮም ከለኻ፣ “ኢሰያስስ ድኣ ዘይ ሰድያ ኣይለቅቕን እዩ ዝበለ፣ እንታይ እዮም ዝገበሩ ዘለዉ ‘ዞም ሰባት ዘብል እዩ።” ንሳቶም፣ ንስምረት፣ ትንሳኤ ህዝብን ሃገርን፣ ካልእስ ይትረፍ ነታ ሰድያ’ኳ ከወፍዩዋ ዝሕርብቶም እንተኾይኑ፣ ካብ ተቓውሞ ሓሊፎም ህይወቶም ንቓልሲ ከወፍዩ ትጽቢት ክትገብረሎም የጸግመካ።

ምስዚ ጅምር ዘበልናዮ ቀጺልና፣ ነዚ ናይ ስምረትን ጥርናፈን ስትራተጂ ንምዕዋት፣ ነቶም ከጋጥሙ ዝጸንሑን ዘይተወገዱን ዕንቅፋታት ምልላይን ምድህሳስን እምብኣር ኣድላዪ እዩ።

እቲ ቀንዲ ዕንቅፋት ስምረት ኤርትራውያን ኮይኑ ዘሎ ጉዳይ ሕድሕድ ዘይምትእምማን እዩ። ዋላ ኣብቲ ኣቐዲምና፣ ምስ ሕሉፍ ህርፋን ስልጣንን ምሕንጋድ ካብ ቃልስን ኣዛሚድና ምስ ውድባት ብምትሕሓዝ ዝገለጽናዮ ጸገም፣ ድጉል ጠንቁ እዚ ዘይምትእምማን እዩ። ነቲ ንውድብ ወይ ማሕበር ካብ ሃገር ንላዕሊ ኣብሊጽካ ናይ ምፍቃር ተርእዮ ዘምጽኦ‘ውን ንሱ ዘይምትእምማን እዩ።

ብኻልእ ኣዘራርባ፣ ሎሚ ይኹን ጽባሕ፣ ወዲ ሃይማኖተይ፣ ወዲ ብሄረይ፣ ወዲ ኣውራጃይ ዘይቅድመሉ፣ ዘይጽውዓሉ ወይ ዘይነግሰሉ ሃገር ይትረፍ ዝዓይነቱ ምትህልላኽ እዩ ጠንቂ ናይቲ ዘይምትእምማን ኮይኑ ዘሎ።

እዚ ጸገም ‘ዚ፣ ካብ ታሪኻዊ ድሕረ ባይታ ናይተን ስለ ናጽነት ዝተቓለሳ ህዝባዊ ግንባርን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ዝተረፈ ኣሰራት፣ ወይ ሕማም ደሓር ከምዘለዎ ‘ውን ምግንዛብ የድሊ።

ልክዕ ከምቲ “ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዓሳን ባሕርን እየ” እናበለ ዝንየት ዝነበረ ‘ሞ፣ ብሰንኪ ጥፍኣቱ፣ ሕቖን ከብድን ምዃኑ ዝተገንዘበ ኢሳይያስ፣ ህዝባዊ ግንባር ጥራይ እዩ መጋበርያ ስልጣን ክኾነኒ ዝኽእል ኢሉ ኣጉል ተስፋ ብምሕዳር፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት “ምናልባት ኣብ ማርስ እንተዘይኮይኑ፣ ኣብ ኤርትራ ብዘይ ህዝባዊ ግንባር ዝካየድ ፖለቲካ የለን።” ክብል ዝተበድዖ፣ እተን ዳርጋ ኩለን ናይ ተ.ሓ.ኤ ድሕረባይታ ዘለወን ውድባት ‘ውን፣ “ብዘይካና ተቓውሞ ዝብሃል የለን” ዝብል ኣተሓሳስባአን ምሉእብምሉእ ዘይምቕያሩ ሓደ ዕንቅፋት ስምረት ደለይቲ ፍትሒ እዩ። ነቲ ብኸምዚ ዝጠቐስናዮ ህዝባዊ መልክዕ ክውደብ ዝህቅን ህዝባዊ ምንቅስቓሳት ካብ ታተ ናብ ምስጓምን ዝላን ከይሰጋገር ዘዐንቅፎ ዘሎ ኸኣ እዚ ኣረእእያ እዚ እዩ።

መቸም ንኢሳይያስን ህዝባዊ ግንባርን ናብ ውልቀመላኽነት ዘሰጋገሮም መሰረታዊ ፖለቲካዊ ጸገም ድሕሪ ናጽነት፣ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ወገናት ሰላምን ዕርቅን ክግበር ዕድል ስለዘይፈጠሩ፣ ስልጣን ንህዝቢ ዘይምርካቦም፣ ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ፖለቲካዊ ተሳታፍነት ምእጋዶም፣ ሃገር ምግባቶም እዩ። እዞም “ተቓውሞ ብመንገድና ጥራይ እዩ ክኸውን ዘለዎ” እናበሉ ንህዝቢ ምቅላስ ዝኸልኡዎ ዘለዉ ተቓወምቲ ደኣ ‘ሞ፣ ከመይ ኢልካ ‘ዮም ስልጣን ንህዝቢ ከረክቡ እምነት ዝንበረሎም?

ጀብሃን ሻዕብያን ሃገራዊ ግቡአን ዝፈጸማ ውድባት፣ መሳርሒ ናጽነት፣ ልኡኻት ህዝቢ ኤርትራ ከምዝነበራ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ታሪኽ ምዃነን ክኣምና ኣለወን። ብወገን መንግስቲ ይኹን ተቓውሞ፣ ከምዚ ዝርአ ዘሎ መጻኢ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምጽልማት ኣዕናዊ ተራአን እንተቐጺለን ግን፣ ነቲ ምስናይ ኩሉ ድኻማቱ ህዝቢ ከም ናቱ ዝተቐበሎ ታሪኸን ‘ውን ክስእናኦ እየን። ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ህዝቢ ናብ ድሕሪት እናተመልሰ ገበናተን ክጽብጽብ ዝውዕለሉ ዘሎ ምኽንያት፣ በዚ ናይ ሕጂ ፍሹል ውጽኢተን ተስፋ ስለዝቖረጸ እዩ። ስለዚ፣ ውድባት ደኣ ናይ ሃገርን ህዝብን ክኾና ኣለወን ‘ምበር፣ ህዝብን ሃገርን ናይ ውድባት ክኾኑ የብሎምን። እቲ ስርዓት ይኹን እቶም ተቓወምቲ ውድባት ንህዝብን ሃገርን ጅሆ ካብ ምሓዝ ክቑጠቡ ኣለዎም።

ኣብዚ ምናልባት ኣብ ደምበ ተቓውሞ ንዝጸንሐ ልሙድ ኣወዳድባ ምርኩስ ጌርና ደኣ ኣብ ውድባት ኣተኵርና ኣለና ‘ምበር፣ ኣብተን ብሲቪክ ማሕበራት ይኹን ካልእ ቅርጽታት ዝንቀሳቐሳ፣ እንተላይ ናይ መንእሰያት ማሕበራት ‘ውን ካብኡ ዘይፍለ ተመሳሳሊ ድኽመታት ኣሎ። ገሊአን ከም ሓፋሽ ውድባት ናይተን ተቓወምቲ ውድባት መለቀብታ ኮይነን ስለዝሰርሓ፣ ብኡንብኡ በቲ ናይ ውድባት ጸገም ክልከፋ ከለዋ፣ እተን ነጻ ዝመስላ ‘ውን ናይ ገዛእ ርእሰን ሕማም ምጥራይ ኣይጽግመንን እዩ።

ኣብ ሓደ ዕማም መቸም፣ ፍሽለት ከጋጥም ከሎ፣ ካብ ሓላፍነት ንምህዳም ሰባት ክሳሰሱን ክፈላለዩን ምርኣይ፣ ዋላ ዘይውርዙይ ኳ እንተኾነ፣ ባህርያዊ እዩ። ኣብ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ዘገርም ፍልይ ዝበለ ተርእዮ ግን፣ ዋላ ኣብቲ ሳሕቲ ጨቖቝ ኢልካ ዝርከብ ዓወት ‘ውን ምውንጃልን ምፍልላይን ዝዝውተር ምዃኑ እዩ። ከም ናይዚ ኣብነት፣ ድሕሪ’ቲ ብዙሓት ካባኻትኩም ዝወዓልኩሙሉ ብ 26 ሰነ ኣብ ጀነቫ ዝተኻየደ፣ ተስፋ ስሙር ቃልሲ ክኸውን ብዙሓት ዝተመነዩሉ፣ ብተሳትፎ ኣሽሓት ህዝቢ ዝተረኽበ ዕዉት ውዕሎ፣ ገለ ውለቀሰባት ዝወሰዱዎ ነቲ ዓወት ዘቋናጽብ ዘይሓላፍነታዊ ስጉምታት ክከዓብ ዘለዎ እዩ።

ሓደ ሓደ ግዜ፣ ህዝቢ ዘይሰዓበና እናበልና ከነማርር ንስማዕ ኢና። እቲ ጸገም ግን ኣብቲ ህዝቢ ዘይኮነ ኣብቶም ከም ፖለቲካዊ መራሕቲ ወይ ተነጣጠፍቲ ዝዋስኡ ላዕለዎት ቀጸላታት (Elits) እዩ ዘሎ። ደረጃኦም ክወርድ ከሎ ነዚ ፍልልያት ዘበጋግሱ፣ ብስም ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ብዝረኸቡዎ ገንዘብ ህዝቢ ዝኸፋፍሉ፣ ሓንሳብ ሓንሳብ ከምዚ ዝጠቐስናዮ ንናይ ህዝቢ ዓወት ሕልኮ ከእትዉሉ ዝረኣዩ ንሳቶም እዮም።

እዚ ንዛረበሉ ዘለና ህዝባዊ ምንቅስቓስ፣ ፍሽለት ደምበ ተቓውሞ ዝተዓዘበ፣ መቃለሲ ባይታ ዝሰኣነ ህዝቢ ዘንቀሎ ምንቅስቓስ እዩ። ስለዚ፣ እቶም መሪሕ ክኾኑ ዘይከኣሉ ባእታታት፣ ብሓፋሽ ክምርሑ ነብሶም ክገንሑ ከምዘለዎም ክዝክሩ ይግባእ። እቲ ሓፋሽ ‘ውን ንገዛእ ርእሱ፣ እንተተወዲቡ፣ ነቲ ስርዓት ይኹን ነቲ ዘይጥዓየ ተቓውሞ ክምክት ዝኽእል ሓይሊ ከምዘለዎ ክግንዘብ ይግባእ። ኣብዚ ክጥቀስ ዘለዎ ሓደ ዝዓበየ ብልጫ ናይቲ ህዝባዊ ምንቅስቓስ፣ ቅርጹን ኣቃውማኡን ኣነጺሩ ብግቡእ እንተደኣ ተወዲቡ፣ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ብውልቀ መራሕቲ ክመጽእ ዝኽእል ፈተነታት ክጻወር ዝኽእል ምዃኑ እዩ። መሰረቱ ህዝቢ ስለዝኾነ፣ ምዅራይን ምሕንጋድን መራሕቲ ይኹን ውልቀሰባት ከፍርሶ ኣይክእልን እዩ።

ብቐንዱ ናብቲ ኣቐዲምና ጅምር ዘበልናዮ፣ ምስዚ ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳት ተሓዊሱ፣ ንኤርትራውያን ቀንዲ ማሕለኻ ገስጋስ ሓባራዊ ቃልሲ ኮይኑ ዓጊቱና ዘሎ ጸገም ኣብ ሃይማኖት፣ ብሄር፣ ኣውራጃ ዝተመስረተ ድሑር ፍልልያት እዩ። እዚ ዘይምትእምማን ዝመለለይኡ ሽግር፣ ብዛዕባ ኤርትራ ሓባራዊ ራእይ ከምዘይብልና ዘመልክት እዩ።

ሰለዚ፣ ብዘተን ልዝብን፣ ኣብ መትከላት ሕግን ፍትሕን፣ ሓርነትን ማዕርነትን ዝተመስረተ ሓባራዊ ራእይ ከነማዕብል ኣለና። እዚ ከም ደለይቲ ፍትሒ እንምስርቶ ህዝባዊ መንቅስቓስ፣ ከም መድረኽ ህንጸት ምትእምማን (Trust/Confidence Building) ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና።

ንምዃኑ 300 ኣመሪካውያን፣ ነቲ ጸሊም ዘርኢ፣ ናይ ኣስላም ሽም ዘለዎ ኦባማ ሓንሳብ ዘይኮነ ክልተ ግዜ ከም ፕረዚደንት ክመርጹዎ እናተሰማምዑ፣ ነዞም ስለስተ ሚልዮን ህዝቢ፣ ሃይማኖትና፣ ብሄርና፣ ኣውራጃና ብዘየገድስ፣ “ኣብ ሕጊ ዝኣምን፣ ፍትሓዊ ቅኑዕ፣ ውፉይ፣ ንኹሎም ዜጋታት ብማዕረ ዝናቢ መራሒ ጥራይ ይኹን” ኢልና ኣብ ሓደ ከይንዓስል፣ ከምቲ ኣቦና ወልደኣብ ዝበሉዎ ከይንሳምማዕ ዘሰማምዓና ደኣ እንታይ እዩ?

ወረ ኣብነት ኦባማ ከይርሕቀና ናብ ዓድና ንምለስ። ምናልባት ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ገሌኹም ዝተኸታተልኩምኒ እንተኔርኩም፣ ኣባሓጎይ ምስ ዓረፈ ኣብ ክንዲ ቀብረይ ‘ወየ’ ኢለ ክገጥመሉ ዝደረኸኒ ኣብዚ ጉዳይ ‘ዚ ዝነበሮ ፍትሓዊ ርእይቶን ልቦናን እዩ።

ኣባሓጎይ ቀሽን ሓኪምን እዩ ነይሩ። ኣብ 1967 መግዛእቲ ኢትዮጵያ ዓድታት ኤርትራውያን ኣመንቲ ምስልምና እናንደደ ጅምላዊ ማሕረዲ ኣብ ዝፍጽመሉ ዝነበረ እዋን፣ ንሓደ ኣስላማይ መንእሰይ ኣብ ክሳዱ ማዕተብ ኣሲሩ ኣድሒኑዎ። ነቲ ግጥሚ ኩሉ ናይ ኣባሓጎይ ዛንታ ‘ውን ኣየቕረብኩሉን። ምቕልል ክብል ምእንቲ ኣሕጽር ኣቢለዮ እምበር፣ ኣብቲ እዋን’ቲ፣ ኣዋርቐን ኣብ ተመዛዚ ፋርማሲኡ ሓቢኡ ዘጽንሓለን ኣዴታት ኣስላም፣ በጃ ዝኾኖም መሻይኽ ‘ውን መዋእሎም ሞጕሶሞ እዮም።

ቅድሚ ኣስታት 50 ዓመታት፣ ኣባሓጎይ ቀሺ ክንሱ፣ ካብ ሃይማኖቱ ሰብነት ኣቐዲሙ፣ ኣብ ክሳድ ኣስላማይ ማዕተብ ኣሲሩ ሓደ ሰብ ከድሕን ከሎ፣ ድሕሪ 50 ዓመት፣ ንሕና ካብ ሃይማኖትና፣ ሃገርና ኣቐዲምና ህዝቢ ዘይነድሕነሉ ምኽንያት እንታይ እዩ?

ዛንታ ኣባሓጎይ ዛንታይ ስለዝኾነ፣ ብቐረባ ስለዝፈልጦ ተኣማሚነ ክዛረበሉ ስለዝኽእል እየ ብኣብነት ዝጠቕሶ ዘለኹ እምበር፣ ኣብቲ እዋን’ቲ፣ እዚ ሰናይ ተግባር ብርቂ ኣይነበረን። ሽዑ ጦርሰራዊትን ኮማንዲስን ካብ ዓድታት ኣስላም ዝዘመቱወን ከብቲ እናኾብኮቡ ናብ መዓስከሮም ክምለሱ ከለዉ፣ ንሓደ ብዕራይ ብ 5 ቅርሺ እንካ ዝበሉዎ ህዝቢ ክርስትያን ‘ውን፣ ደም ብላዕ ኢሉ ኣይተቐበሎምን ጥራይ ዘይኮነ፣ በንጻሩ፣ ብዓይኒ ብዓይኒ ጽልኢ እዮም ርእዩዎም። ሽዑ ሰብኣውነት፣ ፈሪሃ እዝጊኣብሄር፣ ቅንዕና፣ ናይ ህዝቢ ባህሊ እዩ ነይሩ። እዚ ባህሊ እዚ ናበይ ኣበለ?

እምብኣር እቲ ዝበዝሐ ህዝብና፣ ተኸታሊ ሃይማኖት ምስልምና ይኹን ክርስትና፣ ንነውሪ ዓገብ ብሃላይ እዩ። ሕጂ ኣሕዋትና ኣብ ሊብያ ብምኽንያት ሃይማኖታዊ እምነቶም፣ ክርስትያን ስለዝኾኑ ተተመሪጾም፣ ብ ISIS ኣብ ሊብያ ከም ኣባጊዕ ክሕረዱ ከለዉ፣ ብሓባር ዘየንብዓና ምኽንያት የብሉን። ስለምንታይ ከ እዮም እቶም ገለ ሃገሮም እትነድድ ዘላ ኤርትራውያን፣ ካብ ለንደን ይኹን ካብ ካልኦት ከተማታት ኤውሮጳ ናብቲ ሓረድቲ ኣሕዋትና ዝበቖሉሉ ሶርያ ከይዶም ኣብ ውግእ ዝሞቱ ዘለዉ ዝብል ጉዳይ ብዕቱብ ክንርእዮን መፍትሒ ከነናድየሉን ከድልየና እዩ። ኣብ ሸገራብ፣ ሲናይ፣ ሰሃራ ቆርበት ኤርትራውያን ብበደዊንን ራሻይዳን ኣብ ሓዊ ክጥበስ ከሎ፣ ኣማኢት ኤርትራውያን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ክጥሕሉ ከለዉኸ ኩላትና ኤርትራውያን ኣብ ሓደ ዳስ ዶ ነቢዕና? ኣይፋልን። ስለምንታይ? ነፍሲ ወከፍና ንገዛእ ርእሱ ሓቲቱ መልሲ ከዳልወሉ ዝግባእ ሕቶ ‘ኳ እንተኾነ፣ ሕብረተሰብና ብሎነታቱ ዘለቕለቕ ኢሉ ኣብ ቀውሲ ከምዘሎ ዘመልክት ምዃኑ ግን ዝሰሓት ኣይኮነን። ካብ ኣውራጃ፣ ካብ ብሄር ካብ ሃይማኖት፣ ሃገር እንተዘየቐዲምና ንኹላትና ዝምችእ ጽላል ኣይክህልወናን እዩ።

ኣብዚ ምናልባት ውርሻ ቀዳሞት ኣቦታትና ምውካስ ክድልየና ኢዩ። እቶም ዝበዝሑ ኣባሓጎታትና ልክዕ ከም ኣባሓጎይ መርገጺኦም ንጹር ኢዩ ዝነበረ፣ ንኣብነት ንኣባሓጎይ ብሃይማኖት፣ ኩማንዲስ እናቐረቡዎ፣ ሰብኣውነት ኣቐዲሙ ሰብ እዩ ኣድሒኑ። ሎሚ ሎሚ ግን፣ ብሕልፊ ኣብቲ ኣብ ወጻኢ ዝነበር ኤርትራዊ፣ ናይ መንነት ቅልውላው ዝፈጠሮ ጸገማት ይርአ ‘ሎ።  ስለዚ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝነብር ዘሎ ውጹዕ ህዝቢ ከይንብክሎ ክንጥንቀቕ ይግባእ።

ሕሉፍ ሓሊፉ፣ ኣብ ቅድሚ ከምዚ ዝኣመሰለ ዞባዊ ስግኣት ነቲ ብኹሉእንትናኡ፣ ብሃይማኖትን ባህልን ክትፈልዮ ዘይትኽእል ህዝቢ ከበሳ ‘ውን ብኣውራጃዊ ካርታ ምፍልላይ ገኒኑ፣ ማዕረ ብዓውታ፣ “ከምቲ ናይ ብሄር ናይ ሃይማኖት፣ ብኣውራጃ ምውዳብ ‘ውን ማሕረ እዩ፣” እናተባህለ ብዓውታ ክጭፈርን ክጋዓርን ሰሚዕና። ካብ ናይቶም ብዕሽነት ዝጨፈሩ ናይቶም እዝኖም እንተ ተኾርኵሑ ክንሱ፣ እንተ ባህ ኢሉዎ፣ ልቦም ተጠራጢሩ ምጽቃጦም ‘ውን ዘገርም እዩ።

እምብኣር፣ ከም ደቂ ሃገር ኣብ ሓደ ዳስ ክሳብ ዘይሓዘንና ሓባራዊ ራእይ ከነማዕብል፣ ሓቢርና ክንቃለስ፣ ብናይ ሓባር ዓወት ኣብ ሓደ ዳስ ክንሕጎስ ከጸግመና እዩ። ብፍላይ እዞም ኣብ ስደት እንነብር ዘለና ኤርትራውያን በብእዋኑ፣ ምስ ኣሕዋትና እናተረሓሓቕና ምስ ካልኦት እናተቐራረብና፣ ርክብና እናገፍሐ እንተኸይዱ ሓባራዊ ራእይ ክህልወና ዘለና ዕድል መመሊሱ እናጸበበ እዩ ክኸይድ። ስለዚ መጀመርያ ምስ እንራኸብ ኢና ክንዛተን እንኽእል፣ ምስ እንዛተ ኢና ክንተኣማመን እንኽእል፣ ምትእምማን ምስ እንፈጥር ኢና ሓባራዊ ራእይ ከነማዕብል እንኽእል። ሓባራዊ ራእይ ምስ ኣማዕበልና ኢና፣ ብሓባር ተቓሊስና ክንዕወት እንኽእል።

ሃገርና እትርከበሉ ጂኦግራፍያዊ ከባቢ ካብ ሕብርቲ ናይዚ ISIS ዝነተጎሉ ከባቢ ርሑቕ ኣይኮነን፣ ኣብ ዙርያ ናይቲ Epi centre ኢና ዘለና። ሃገርና ብቐደማ፣ መላግቦ ክልተ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታትን ባህልታትን እያ። ሕጂ ኸኣ ውልቀመላኽነት፣ ብሰሜንን ደቡብን ክመጽእ ንዝኽእል ስግኣታት ዝተቓለዐት ልሕልሕቲ መሬት ገይሩዋ ‘ሎ። ስለዚ፣ ንተኣፋፍነት ኩነታት ሃገርና ዝበቅዕ ንቕሓትን ዕቱብነትን ክህልወና ይግባእ።

ንሕና ገና ብዛዕባ ኣውራጃን ሃይማኖታን እናተዛረብና፣ ዕድላት ይሓልፈና፣ ፍጻሜታት ይቕድመና ከምዘሎ ‘ውን ክንዝንግዕ ኣይግባእን።

እቶም ትማሊ፣ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ከም ብዓል ኣልሸባብ ምስ ዝኣመሰለኡ ጥሩፋት እስላማውያን ጉጅለታት ብምትሕብባሩ ዝኾነኑዎን ዝወንጀሉዎን መንግስታት ዓለም፣ ኣብ ዕድናዊ ሃብትና ኢድ ክሕውሱን ዋሕዚ ስደተኛታት ገቲኦም ሕርቃን ህዝቦም ከህድኡን፣ ነቲ ኣብ ቀርኑ ቀርኒ እናብቆለ ክፋኡ ዝገድድ ዘሎ መላኺ ስርዓት፣ ቃላቶም ኣለሳሊሶም ሕሹኽ ክብሉዎ ይስምዑ ኣለዉ።

እቲ ኣቐዲምና ኩነታትና ምብሳል ሓሊፉዎ ከይግርዝም ዚሃብናዮ መጠንቀቕታ እንሆ ምልክታቱ ይርአ። እቲ ጸገም ናይዚ ሓድሽ ምዕባለ ‘ዚ፣ እዞም ረብሓኦም ኣቐዲሞም ዝዋስኡ መንግስታት ምዕራብ ውልቀመላኺ ከዋድቑና ትጽቢት ስለዝነበረና ‘ሞ ተስፋና ስለዝተኾልፈ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ፣ እቲ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ኣሲሩ ደም ዘጕስዖ ውልቀመላኺ ስርዓት ብዝረኽቦ ቁጠባውን ዲፕሎምስያውን ጉንዖ ትንፋስ ለቂቡ ስቅያት ህዝብና ይናዋሕ ምህላዉ እዩ እቲ ዝኸበደ ወጽዓ። ማዕረማዕሪኡ፣ ነቶም ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ዓቕሎም ኣጻቢቡ ካብ ሃገር ድሕሪ ምንፋጹ፣ ንራሻይዳን በደዊንን ከም ኣጽዋር ተጠቒሙ ዝጨፍጨፎም መንእሰያት ኤርትራ፣ ኣብ ስደት ዝህልዎም ናይ ዑቕባ ዕድል ‘ውን ይጸብብ ኣሎ። ስደት መፍትሒ ‘ኳ እንተዘይኮነ፣ ኣሕዋትና፣ ሃገር ስኢኖም ዑቕባ ክስእኑ ኣይግብኦምን እዩ።

እተን ንማእሰርቲ ጉጅለ 15ን ጋዜጠኛታትን፣ መእመናን፣ ንደረት ኣልቦነት ሃገራዊ ኣገልግሎትን ጊላዊ ባህርያቱን እናጠቐሳ ን 15 ዓመታት ምስ ሰሜን ኮርያ እናማሳሰላ ነቲ ስርዓት ዝነቐፋኦ ምዕራባውያን ሃገራት፣ እዞም ኩሎም እሱራት ከምዘይተፈትሑ፣ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ለውጢ ከምዘየልቦ ኣጸቢቐን ይፈልጣ እየን። ይኹን’ምበር፣ ኣብ ርእሲ ምቕዳም ረብሓአን፣ ብሰንኪ ‘ቲ ዝተመቓቐለ ህላወ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ፣ ነቲ ናይ ለውጢ ሓይሊ ተስፋ ስለዝሰኣናሉ ‘ውን እየን፣ ምስ ኢሰይያስ ኣብ ጣውላ ኮፍ ምባል ከም ኣማራጺ ዝወስድኦ ዘለዋ።

ኣብዚ ክንግንዘቦ ዘለና፣ እቲ ዕድል ባዕሉ ኣይኮነን ጠፊኡ፣ ባዕልና ኢና ሓሽሽናዮ። እምበር፣ እቲ ኣብ ልዕሊ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ጸኒዑ ዝጸንሐ እገዳ፣ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንዕሉል ውልቀመላኽነት ናይቲ ስርዓት ኣመልኪቱ ዝዘርግሖ ጸብጻብ ነቲ ናይ ለውጢ ኣጀንዳ ዓበይቲ ህያባት እዮም ነይሮም።

ስለዚ፣ ዘይምጥርናፍና፣ ዘይምስማርና፣ ሞራል ናይቲ ኣብ ውሽጢ ዝርከብ ህዝብና ኣብ ምስባር፣ ብግዳም ክንረኽቦ ንዘለና ኣህጉራዊ ምድንጋጽ ኣብ ምድኻም፣ ብኡ ኣቢሉ ዕድመ ናይቲ ምልካዊ ስርዓትን ስቅያት ህዝብናን ኣብ ምንዋሕ ዘለዎ ኣሉታዊ እጃም ኣዝዩ ዓቢ ምዃኑ ክንግንዘብ የድሊ።

ኣብ ህይወት እንስሳታት ዘርኢ ፊልምታት ኣስተብሂልኩም እንተዄንኩም፣ እቶም ሃዳኖ ኣናብስ፣ ዋላ ነተን ቀርንን ድልዱል ጭዋዳን ዘይብለን ድኹማት ግዳያቶም ብእኩባተን ከለዋ ኣይደፍሩወንን እዮም። ሸቢቦም ሸቢቦም ፋሕፋሕ ምስ ኣበሉወን እዮም፣ ካብተን ዝተነጻጸላ እንስሳታት ድራሮም ዝረኽቡ። ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ከኣ ልክዕ ከምኡ፣ ነዚ ፍልልያት ‘ዚ እናሳወረ ነጻጺሉ ‘ዩ ንህዝቢ ኤርትራ ዝድረሮ ዘሎ።

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ከነረጋግጽ እምብኣር፣ ነቓዕን ፍልልይን ዘይብሉ፣ ስሙር፣ ህዝቢ ዝሰረቱ፣ ሓደ ደምበ ተቓውሞ መስሪትና፣ ዕድልና ክንጥቀመሉ ንፍጻሜታት ክንቅድሞም ኣለና። እዚ ኣብ ውሽጢ ኤርትራውያን ነንሕድሕድና ዘሎ ፍልልይ፣ ዕዳ እምበር ዋጋ ከምዘይብሉ ርዱእ ብምዃኑ ረስዑዎ። ምስ ተቐያያሪ ዞባውን ዓለማውን ኩነታት ውሕስነት ህዝብናን ቀጻልነት ወለዶታቱን ንምርግጋጽ፣ ካብ ፖለቲካዊ ዕሸልነት፣ ዘይብሱልን ምስሉይን ሓርበኝነት ተገላጊልና፣ ስትራተጂካዊ ዞባዊ ምሕዝነት ብምፍጣር፣ መንነትና፣ ባህልናን እምነትናን ከይድፈር ክንከላኸለሉ ድሉዋት ክንከውን ኣለና። ገዛ ጎረቤትካ ሓዊ ክነድድ ከሎ፣ ጥዑይ ይኹን ህልኸኛ ብዘየገድስ፣ ኣብ ምጥፍኡ እትተሓጋገዘሉ ምኽንያት፣ ስለዝፈተኻዮ ወይ ዝሓለኻሉ ጥራይ ኣይኮነን። ብድሕሪ ገዝኡ ገዛኻ ከይቃጸል ስግኣት ስለዘለካ ‘ውን እዩ። ስለዚ፣ ጥበብ ሓባራዊ ረብሓ ክንመሃር። ምልውዋጥ ጠቕሚ ክንፈልጥ ‘ውን ግዜ የዘኻኽረና ‘ሎ።

ኣብዚ መድረኽ ‘ዚ እጃም ናይቶም ናይ ለውጢ መንኮርኮር ዝኾኑ መንእሰያት ኤርትራ ወሳኒ እዩ። ሓያል ውልቀሰብ ተዋህሊሉ እዩ ሓያል ምቅስቓስ ዝኸውን።

ስለዚ መንእሰያት ኤርትራ ከም ውልቀሰባት ‘ውን ብንቕሓትን ተወፋይነትን ነብሶም ሃኒጾም ነዚ ከቢድ ሃገራዊ ብድሆ ንምግጣም ሓጺናዊ ድሉውነት ብምርኣይ፣ ሕመረት ናይቲ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ክኾኑ ይግባእ።

ኣብ መወዳእታ፣ ኣብ መትከላት ግዝኣተ-ሕጊ፣ ፍትሕን ሓርነትን ዝተመስረተ ሓባራዊ ራእይ፣ ሓባራዊ ዕላማ ንምውቃዕ ኣብ ዝተሓንጸጸ ንጹር ስትራተጂ ተመርኵሱ ዝሰላሰል ስሙር ቃልሲ ጥራይ ሓባራዊ ዓወት ከምዘረጋግጽ ደጊመ ከስምረሉ እደሊ።

ኣውድኣመት መዓልቲ፣ ስድራቤትኩምን ኣጋይሽኩምን ገዛ ገዲፍኩም፣ ንሃገራዊ ጉዳይ ቀዳምነት ብምሃብ፣ ኣብዚ መኣዲ ዘተ ብምክፋል ጽን ኢልኩም ዝሰማዕኩምኒ ኣዝየ አመስግነኩም፣ የቐንየለይ።

ኣማኑኤል ኢያሱ

12 መስከረም 2015

ዙሪክ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
19 COMMENTS
  • Berhe Tenesea September 14, 2015

    Excellent points I hope that the diaspora HERD understantd what your main message is.
    The Eritrean herd was and is still unable to understand PFDJ and the Tembenay at all.
    May be the shiro diet day and day out in childhood has great effect or what can one say.

    • Suleiman Salim September 14, 2015

      aboy Tenesea amHaray do aykonun ‘yom?

  • ድሓን ኪዲ ኤርትራ September 14, 2015

    ክቡራት ደቂ ሃገር

    እቲ ሓቂ እዚ ሓው ኣማኑኤል ዝገለጾ እንከሎ እቲ ህዝብና ዝሓስቦ ግን ዝተፈልየን ተስፋኻ ዘቑርጽን እዩ።ንኣብነት ሓሙሽተ ዓመት ይገብር ተጋደልቲ ዝነበሩ ከይተረፈ ተጋጊና ምስ ኢትዮጵያ ምሓሸና ዝብል ጉጉይ ኣረኣእያ ይሰምዕ ኔረ።ሕጂ ግን እቶም ካብ ወጻኢ ዓዲ በጺሖም ዝመጹ ከም ናይ ቀደም ነቐፌታኦም ንኢሳያስን ስርዓትን ጥራይ ዘይኮነ ጽልኦምን ነቐፌታኦምን ኣብ ኩሎም ተጋደልቲ ኮይኑ ትረኽቦ።ገዛውትን ንብረት ህዝብን ዝሰርቁ ዘለዉ ተራ ተጋደልቲ ምኳኖም ትሰምዕ።እቲ ብዓቢኡ ዘሕዝን ድማ እዚ ሓድሽ ትውልዲ ነቲ ገድሊ ከም ዘየድሊ ጥራይ ዘይኮነስ ኣዕናዊ ምዃኑን ምስ ኢትዮጵያ ዝሓሸ ምንባሩን ስዑር ኣተሓሳስባ እናርኣዩ ነታ ሃገር ኣብ ናይዘይምህላው ሓደጋ ዘእትዋ ኣረኣእያ እናገነነ ይመጽእ ኣሎ።እቲ ዝተረፈ ህዝቢ ድማ ብዛዕባ ኤርትራ መታን ከይሰምዕ እናቐንዘዎ ምስ ተጋሩን ኣምሓሩን ዝውዕል ይበዝሕ።ኣሕዋት እንታይ ኴንና ኢና ሃገራውነትናን ሕያውነትናን ኣጥፊእና ፧ ኣነስ ተስፋ እናቖረጽኩ ይኸይድ ኣለኹ ንባዕለይ።ሓደራኹም እዛ ሓውና ኣማኑኤል ዝብላ ዘሎ ናይ መጨረሽታ ዕድልና እያ ንጠቐመላ።እንተዘይኮነ ከም ሃገር ኣይክንህሉን ኢና።ገሌና ኣካል ኢትዮጵያ ገሊኦም ድማ ኣካል ሱዳን ክኾኑ እዮም።

    • KKK September 18, 2015

      Nska tblo eyu
      Beynka tblo eyu mis Ethiopia mhashena zbil atehasasiba. Hzbi Eritrea n leli 30 amet tekalisu eyu Naxinetu amxieu. Selam geyru keynebir gin bgrhneu hade himamu zkone seb Eseyas keebi tsenihu Naxnetu techewyu adeda mtin kertetin koynu.

      Silezi Iseyas ms kede kireyiya eika Eritrea adey.

      Ente nska mo akaydaka yreyo aleku “Afra mesiluka keytregix emni” kal Yemane Barya.

  • Suleiman Salim September 14, 2015

    “እንተዘይኮነ ከም ሃገር ኣይክንህሉን ኢና።ገሌና ኣካል ኢትዮጵያ ገሊኦም ድማ ኣካል ሱዳን ክኾኑ እዮም።”

    Hasawi aytKun:: kem’zi tblo zeloKa zbl men’sey yelon::

  • saving young eritreans September 14, 2015

    suleiman ,

    does it even matter what people think at this juncture ???

  • Yosief October 6, 2015

    ሰላምታ ድሕሪ ምቅዳም። ምጀመርታ ንሓውና ኣማኑአል እያሱ ከምስግን ይፈቱ ካብ ሓገረ ዓድእንግሊዝ ናይ ኣውድኣመት ግዝኡ ስለዘወፈየልና። ብፍላይ ድማ ነቶም እዕሪኽ ኣሰና ፋውንደሽን ነበርቲ ሃገረ ስዊዘርላንድ ነዛ ምዓልቲ ኩዉንዝገበርኩም። እቲ ዝተዋህበና ኣስተምህሮን ዝነበረ ሰፊሕ ዘተን እዝዩ ሃናጽን ሓቂን ዘብረሃልና ብምንባሩ ኣነውን ተሳታፊ ናይዚ መደብ ብምንባረይ ሰፊሕ ዝኾነ ትምህርቲ ቀሲመ። ነዚ ዝቀሰምኪዎ ትምሕርቲ ድማ ብሰፊሕ ኪሰርሓሉን ክቃለሰሉን አየ ምኽንያቲ አቲ መንገዲ ፊትሕን ዓወትን ስለዝኾነ።

POST A COMMENT