Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓንጎልና በሪሑ

ሓንጎልና በሪሑ መኣዝኑ ስሒቱ መልሓስና በሊሑ ነገር ኣብ ርእሲ ነገር ጥሒሱ ደረቱ ኩሉ ፈላጥ ኮይኑ ዝዛረብ እምበር ዝሰምዕ ተሳኢኑ   ዋእ! ሰብ ‘ዶ ሓንጎሉ ይበርሕ ‘ዩ? እወ ይበርሕ: ከመይ ዘይበርሕ   ጨጉሪ ርእሲ ግዳ ዝንቡር ኣብ ድያስፖራ: ምስተሳእነ ዝመክር ካብ ርእሲ ሓሊፉ ናብ ሓንጎል ይሰግር እዚ ግን ልሙድ ከይመስሎኩም ኣይተራእየን ኣብ ካልእ ሃገር ንበይኑ ‘ዩ ናትና ነገር ኩሉ ፈላጥ: ኩሉ ሃብታም: ኩሉ ምሁር ናይ ዓለምና መስተንክር!   ዋእ! ኣንታ ‘ታይ ትብል? ከምዛ ዝብለኩም!   ኣይወሰኽኩ: ኣይጉደልኩ ንዓይኒ ከይኮነና ከይኮነኩም ናይ ሎሚ ኤረትሪያ: ፕሪሞ ናይ ዓለም!  ንብለኩም   ዋእ! ካበይ ዝመጸ ባህሊ ‘ዩ ‘ዚ? ከምዝመስለኒ: ከምዝመስለኒ ‘የ ደልኩ   ኣብ ግዜ ህግደፍ: ኩሉ ብግምጥሊሽ ዝጠመየ ጽጉብ: ጉዕ በርበረ ኮይኑ ድንሽ ፍሩታታት ኣጥፊእካ: ናይ ምራራ ሓሺሽ ኣየ ብላሽ!   ግዝኣተ ህግደፍ ንበትክታት: ኣሰዊዱ ንፈላጣት: ሓሪዱ ንሃብታማት: መንጢሉ ንድኹማት ሕልና: ኣገቢሉ ንሕጊ ረጊጹ ሃገር ብሃገራ ጅሆ ሒዙ   ሕረድ! እሰር! መንዝዕ! ሃግር! ነዞም ፈግራግር ናይ ህግደፍ መምርሒ ሰብ ውሒጦሞ ብፍርሒ   ስለዚ ‘ዩ ድማ ዳርጋ ፍርቂ ህዝቢ ኤርትራ   ሰብ ርእሱ ዘይኮነ ሓንጎሉ በሪሑ መን ብራሕ ኢሉካ ከይበሃል ፈሪሑ ብውሽጡ ጌርዋ ቁርጥም ኣቢልዋ ናይ ውሽጣዊ ብርሒ ኣብ ዘመነ ህግደፍ ጥራይ ኢኹም ትሪኡዋ! Simon G.

ሓንጎልና በሪሑ

መኣዝኑ ስሒቱ

መልሓስና በሊሑ

ነገር ኣብ ርእሲ ነገር ጥሒሱ ደረቱ

ኩሉ ፈላጥ ኮይኑ

ዝዛረብ እምበር ዝሰምዕ ተሳኢኑ

 

ዋእ! ሰብ ‘ዶ ሓንጎሉ ይበርሕ ‘ዩ?

እወ ይበርሕ: ከመይ ዘይበርሕ

 

ጨጉሪ ርእሲ ግዳ ዝንቡር

ኣብ ድያስፖራ: ምስተሳእነ ዝመክር

ካብ ርእሲ ሓሊፉ ናብ ሓንጎል ይሰግር

እዚ ግን ልሙድ ከይመስሎኩም

ኣይተራእየን ኣብ ካልእ ሃገር

ንበይኑ ‘ዩ ናትና ነገር

ኩሉ ፈላጥ: ኩሉ ሃብታም: ኩሉ ምሁር

ናይ ዓለምና መስተንክር!

 

ዋእ! ኣንታ ‘ታይ ትብል?

ከምዛ ዝብለኩም!

 

ኣይወሰኽኩ: ኣይጉደልኩ

ንዓይኒ ከይኮነና ከይኮነኩም

ናይ ሎሚ ኤረትሪያ: ፕሪሞ ናይ ዓለም!  ንብለኩም

 

ዋእ! ካበይ ዝመጸ ባህሊ ‘ዩ ‘ዚ?

ከምዝመስለኒ: ከምዝመስለኒ ‘የ ደልኩ

 

ኣብ ግዜ ህግደፍ: ኩሉ ብግምጥሊሽ

ዝጠመየ ጽጉብ: ጉዕ በርበረ ኮይኑ ድንሽ

ፍሩታታት ኣጥፊእካ: ናይ ምራራ ሓሺሽ

ኣየ ብላሽ!

 

ግዝኣተ ህግደፍ

ንበትክታት: ኣሰዊዱ

ንፈላጣት: ሓሪዱ

ንሃብታማት: መንጢሉ

ንድኹማት ሕልና: ኣገቢሉ

ንሕጊ ረጊጹ

ሃገር ብሃገራ ጅሆ ሒዙ

 

ሕረድ! እሰር!

መንዝዕ! ሃግር!

ነዞም ፈግራግር

ናይ ህግደፍ መምርሒ

ሰብ ውሒጦሞ ብፍርሒ

 

ስለዚ ‘ዩ ድማ ዳርጋ ፍርቂ ህዝቢ ኤርትራ

 

ሰብ ርእሱ ዘይኮነ ሓንጎሉ በሪሑ

መን ብራሕ ኢሉካ ከይበሃል ፈሪሑ

ብውሽጡ ጌርዋ

ቁርጥም ኣቢልዋ

ናይ ውሽጣዊ ብርሒ

ኣብ ዘመነ ህግደፍ ጥራይ ኢኹም ትሪኡዋ!

Simon G.

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Meretse October 13, 2017

    Great poem Simon G
    I can’t wait to read your next poem.
    ኩሉ ፈላጥ ኩሉ ሃብታም ኹሉ ምሁር
    ኩሉ ኔረ ኩሉ ምኩር
    ………..መስተንክር
    መግለጺ ዝተሳእኖ ኩነት

  • merhawit June 7, 2018

    ፈኸራ ዘንጉስ ኢሳያስ።

    ቀቲለዮም ንሰብ ጉራዕ፡
    ኮታስ ንኩላ ኣከለ ኣቢለያ ራዕራዕ።
    ቀቲለዮም፡ማቚሐዮም ንዓዲ መንጎቲ፡
    ጀነራልዶ ትብል ‘ዛ ኩላ ትልንቲ።
    ጣፍ ከይኣቱ ኣዚዘ ካብ ዓዲኳላ፡
    ኣራንሺ ካይመጽእ ካብ ከባቢ ዓላ፡
    ድላየይ’የ ዝገብር ተሓጎማ በላ።
    ኤርትራ ናይ ውልቀይ ንብረት’ያ፡ ወርቃ ይኹን ጨርቃ፡
    ‘ተደለኹ ዕምጻ፡ ‘ተደለኹ ረግጻ፡,
    ‘ተደለኹ የጽምኣ፡ የጸልምታ፡ ‘ተደለኹ ‘ጽንታ፡
    ‘ተደለኹ ንዓረብ የካርያ፡ ዎከማን ይሸጣ።

    ፍርንጭት ዘለዎ ሰብኣይ የለን፡ ደው ኢሉ ዝሸይን፡
    ሓሞት ዘለዎ፡ ንዓይ ዝፈታትን፡
    ንብላሽ ኣየዕበየትንን፡ ዓባየይ ለተመድህን።

    ግደፉኒ ሕጂ፡ ኣረቂ ክጭልጥ ከድኩ ናብ’ንዳ ኣሞረ፡
    ኣብኡ ኣርክበኒ፡ ክብሎ’የ ንሰመረ፡
    ፈሊጥኩሞዶ’ለኹም ‘ቲ በላዕ ሰበረ?
    እንተዘይመጺኡ ግን ወሸለ-ወሸለ፡
    ብቕጽበት ክሰደሉ’የ ንኮሎኔል መቐለ።

POST A COMMENT