Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓንጎል ሰብ ገቢትካ እዝኒ እንተሃብካ፡ ለጋስ ኣየብለካን’ዩ

ህዝቢ ኤርትራ፡ ብዘይ ህግደፍን ቅድሚኡ ዝነበሩ ገዛእቲ ስርዓታትን፡ ነብሱ ክኢሉ ዝመሓደረሉን ዝዳነየሉን ሕግታትን ወግዒታትን ነይሩዎ’ዩ። እቶም ብለባማትን ሰብ ጸጋ ዕድመን ብጥንቃቀ ዝተዳለዉ መማሓደሪ ሕግታትን ደንብታትን፡ ህዝቢ ኤርትራ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ማሕበራውን ዕለታዊ መነባብሮኡን ዘገልገሉን ንዝበዝሕ

ህዝቢ ኤርትራ፡ ብዘይ ህግደፍን ቅድሚኡ ዝነበሩ ገዛእቲ ስርዓታትን፡ ነብሱ ክኢሉ ዝመሓደረሉን ዝዳነየሉን ሕግታትን ወግዒታትን ነይሩዎ’ዩ። እቶም ብለባማትን ሰብ ጸጋ ዕድመን ብጥንቃቀ ዝተዳለዉ መማሓደሪ ሕግታትን ደንብታትን፡ ህዝቢ ኤርትራ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ማሕበራውን ዕለታዊ መነባብሮኡን ዘገልገሉን ንዝበዝሕ ክፋል ሕብረተሰብ ዘርብሕን’ዩ ነይሩ። ይኹን እምበር “ዘራጊ እንከሎ ጽሩይ ማይ ነይስተ” ከምዝብሃል ብሰሪ ኣዕናዊ ሜላታት ስርዓት ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዝነበሮ ክብርታትን ሕግታትን ከምዝጓሓፍን ከምዝኽለስን ኮይኑ። እቶም ኣብ እዋን ራህዋን ጸገምን ህዝብና ዝጓሰየሎምን ልዑል ተራ ዝነበሮምን ሕግታት፡ ስርዓት ህግደፍ ብዝመረጾን ህዝቢ ዘይርዓሞን ተተኪኦም። ንኣብነት ሕግታት መርዓ፡ መውስቦ፡ ሳዕሪ ብላዕ፡ ውርሻ፡ ጤሳ፡ ሕዛእቲ፡ ቀለብ ቆልዓን ፍትሕን ዝኣመሰሉ ጉዳያት፡ ብዘይ ናይ መንግስቲ ጣልቃ ምእታው ህዝቢ ብገዛእ ርእሱን ብምጽውዋርን ይመሓደርን መዕለቢ ይገብረሉን ነይሩ።

ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ንገዛእ ርእሱ ብህዝቢ ዘይተውከለን ብሕጊ ዘይግዛእን ምዃኑ ኣዳዕዲዑ ዝፈልጥ’ኳ እንተኾነ፡ ብጨለ መልሓስ ብዛዕባ ምርጫ፡ ውክልና ስልጣንን ዲሞክራስን ግን ልዕሊ’ቶም ብሕጊ ዝምእዘዙ ስርዓታት’ዩ ከይሓነኸ ዝምድር። እቲ ካብ ኩሉ ዘገርም ድማ፡ ስርዓት ህግደፍ በብግዚኡ ኣብ ማዕከናት ዜናታቱን ብመንገዲ ካድራቱን፡ “ዓዲ እገለ ይኾኑኒ’ዮም ዝበሎም ሓደስቲ ኣማሓደርቲ ዓድታትን ከባብን መሪጾም፡ ናይ ስራሕ ግዜኦም ዘእኽለሉ ድማ ተሰናቢቶም” ኢሉ ከም ዓቢ ኣርእስቲ ይግዕረሉ። ንበሃም ወይ ንእንታይነት ስርዓት ህግደፍ ዘይፈልጥ ገርሂ ሰብ፡ ህዝቢ ኣማሓደርቱ መሪጹ ዝብል መንግስታዊ መግለጺ ክሰምዕ እንከሎ ሓቂ ክመስሎ ይኽእል ይኸውን። “ማይ ኣብ ምንታያ ተዘሪጋ፡ ኣብ ዓይና” ከምዝብሃል፡ እቲ ብቀንዱ ዝተበላሸወ ስርዓት፡ ገበን እናፈጸመን ሕጊ እናረገጸን እንከሎ፡ ፍትሕን ጥዑይ ምሕደራን ክህሉ ኣይሕለምን’ዩ። ብዘይ ምርጫ፡ ቅዋምን ተሓታትነትን ንኣስታት 30 ዓመታት ስልጣን ዓትዒቱ ገባርን ሓዳግን ኮይኑ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፡ ንባዕሉ ብህዝቢ ከይተመርጸ፡ ብሕጊ ከይተማእዘዘን ድኻማቱን ብልጫታቱን ግሉጽነት ዘይብሉን ክንሱ፡ ናይ ከባብን ዓድን ምርጫታትን ገምጋማት ስራሕን ከምዝተኻየደ ንህዝቢ ኤርትራ ክሕብሮ እንከሎ ድማ፡ ብዘይካ ዘበንያ ግርምቢጥስ ማይ ንዓቀብ” ካልእ ትርጉም ክወሃቦ ኣይክእልን’ዩ። ስርዓት ህግደፍ ድማ፡ ቅዋምን ምርጫን ዝብላ ቃላት፡ ሕማም መርዘን ስለዝኾና ክሰምዐንን ክርኤንን ኣይደልን’ዩ።

ስርዓት ህግደፍ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ይኹን ኣብ ወጻኢ ዘለዎ ኣወዳድባ፡ ኣቃውማን ኣገባብ ኣሰራርሓን ብቀንዱ ብኸመይ ስልጣኑ ይዕቅብን ዶላራት ይሓፍስን እምበር፡ ንዕቤትን ሓድነትን ህዝቢ ኤርትራ ሓሊኑ ኣይፈልጥን’ዩ። ስርዓት ህግደፍ ንገዛእ ርእሱ ቅርዑይን ጽፉፉን ኣሰራርሓ ዘይብሉ ብዛዕባ ምርጫ ኣመሓደርቲ ዓድን ከባብን ክልፍልፍ እንከሎ ርእሲ ከይሃብካ መልሓስ ከም ምምጣው’ዩ ዝሕሰብ። ድሕሪ ናጽነት ሃገርና ኣብ ኤርትራ ንስሙ መንግስቲ ይበሃል እምበር ንህዝቢ ኤርትራ ዘሳትፍን ዘርብሕን ሕግታት ምርጫ፡ ኣተዓዳድላ ስልጣን ምምቅራሕ ጸጋታት ሃገር፡ ደረት ስልጣን መራሒ ሃገርን ሚኒስተራትን ዓመታዊ ሃገራዊ ባጀት፡ ምስ ካልኦት ሃገራት ዝግበር ርክባትን ዝምድናታትን፡ መሰላትን ናጽነትን ሃይማኖት ዝኣመሰሉ መሰረታውያንን ውዓል ሕደር ዘየድልዮም ጉዳያት የለውን። ስርዓት ህግደፍ ዝጥቀመሉ ዘሎ ሽጣራታት፡ ከምቲ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ዝኽተሎ ዝነበረ ገባቲ፡ ጸቢብን ናይ ሕኸኸኒ ክሓከካ ሜላ’ዩ፡፡ ካብ ምምሕዳር ዓዲ ክሳብ ሚኒስትሪ ዘሎ ኩሉ ጽፍሕታትን ሓላፍነታትን፡ እቶም ቅድሚ ናጽነት ወሳኒ ቦታ ዝነበሮም ኣባላት ሕብእቲ ሰልፊ’ዩ ተባሒቱ ዘሎ። ንኣብነት ኣብ ዞባ ዓንሰባ ኣመተ ንጉሰ፡ ኣብ ዞባ ማእከል የሱፍ ሳይቅ፡ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ሃይለ ተወልደብርሃን ጸሓፍቲ ዞባ ህግደፍ ኮይኖም፡ እሙናትን ሓለውትን ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ገበርትን ሓደግትን ናይቲ ዞባታትን ምስ ትካላት ጸጥታ ስርዓት ህግደፍ ኮይኖም ህዝቢ ዘሳቅዩን’ዮም’። ኣብ ጽምብላትን ኣጋጣሚታትን ከም ናይ ክብሪ ዕዱማት ብዛዕባ ሃገር ምህናጽን ክብርታት ህግደፍ ምዕቃብን መደረ ከስምዑ ድማ ኣለዎም።

ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ብጉልባብ ኣምባሳደራትን ቆንስላትን ተመዲቦም ዘለዉ ልኡኻት ስርዓት ህግደፍ’ውን፡ መባእታዊ መምዘኒ ናይ ሓንቲ ሃገር ልኡኻት ዘየማልኡን ብቅዓት ዘይብሎምን፡ ቀንዲ መደብ ስርሖም ንደለይቲ ፍትሒ ኣብ ምስላይ ብጉልባብ ዲፕሎማሰኛታት ቁጠባዊ ትካላት ስርዓት ህግደፍ ዘማሓድሩን ሃብቲ ስርዓት ህግደፍ ዝሓብኡን’ዮም። ብየማነ ማንኪን ሓጎስ ክሻን መምርሒታት እናተዋህቡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣገልግሎት ከይሃቡ ካብ ህዝቢ ብስም ክልተ ካብ ሚእቲ ዶላራት ዝእክቡን ሓድነቱ ዝበታትኑን’ዮም። ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ትብዓትን ቅንዕናን እንተልይዎን ብህዝቢ ኤርትራ ይፍቶ’የ ዝብል እምነት እንተልዎን፡ ቅድሚ “ምምሕዳር ዓድን ከባብን ምርጫታት ተኻይዱ፡ ህዝቢ ወከልቱ መሪጹን” ኢሉ ምግዓርን ህዝቢ ምቅሻሽን፡ ንገዛእ ርእሱ ብቅዋም ክመሓደር፡ ህዝቢ ኤርትራ ዝምእምኦ ክመርጽ፡ ሰብኣዊ መሰሉን ክብሩን ክረጋገጽን ኣለዎ። ሓሙሽተ ህዋሳት ህዝቢ ኤርትራ እናተቆጻጸርካ ብዛዕባ ምርጫ ዓድን ከባብን ምድራፍ ግን፡ ኣሽካዕላልን ንዕቀትን’ዩ።

                ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ 4 መጋቢት 2018

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • k.tewolde March 6, 2018

    “ስርዓት ህግደፍ ድማ፡ ቅዋምን ምርጫን ዝብላ ቃላት፡ ሕማም መርዘን ስለዝኾና ክሰምዐንን ክርኤንን ኣይደልን’ዩ።” That is the reason why it is a transitional regime for eternity,a tightly knit clique monopolizing the bread and basket of the nation and keeping the rest out. ABZA TSAHLINA AYTIDEWUSHUNA. If they new better, with efficient utilization of the human and capital resources of the nation both domestic and in diaspora and a legitimate transparent leadership which represents the interests of the people,the nation is blessed with manna for everybody and more,however a person who never drove a Ferrari Testarosa will kill for a Ford Pinto,you got my drift? Thanks Tsilal.

  • Dawit March 7, 2018

    Tslal, why are you so boring all the time, is your boring articles also meant for the boring useless people?

    • k.tewolde March 8, 2018

      Boredom is the outcome of unproductive life,if you are bored EriTv has plenty for your viewing pleasure and some.You must have a mission visiting this site.

POST A COMMENT