Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

”ሓው ሙዓማር ጋዳፊ ብጻይ ኢሳያስ”

መራሕ ሰውራ ሊብያ ሓው ሙዓመር ጋዳፊ ክልተ ጊዜ ብ2005ን ብ2009 ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝበጽሓሉ ብጻይ ኢሳያስ ብክብ ዝበለ ስነስርዓት ተቐቢልዎ:: ኣማኢት ቃፍላይ ሓለዋ ደቀንስትዮ ኣሰንዩ ጥይት ዘይበስዖ ውቁብ ተንዳ ተኺሉ ካብ ዓሰብ ናብ ባጽዕ እናተዘናግዐ

መራሕ ሰውራ ሊብያ ሓው ሙዓመር ጋዳፊ ክልተ ጊዜ ብ2005ን ብ2009 ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝበጽሓሉ ብጻይ ኢሳያስ ብክብ ዝበለ ስነስርዓት ተቐቢልዎ:: ኣማኢት ቃፍላይ ሓለዋ ደቀንስትዮ ኣሰንዩ ጥይት ዘይበስዖ ውቁብ ተንዳ ተኺሉ ካብ ዓሰብ ናብ ባጽዕ እናተዘናግዐ ኣስመራ ኣትዩ:: ኣብቲ ቀዳማይ እግሩ ኣብ ጎልጎል ዳንካልያ ጋዳፊ”ኣብ ከፋት ቦታ ስለዝዓበኹ: ሰጣሕ ጎልጎል ኢየ ዝፈቱ” ከምዝበለ ጋዚጠኛ ኣልሓዲሳ ኣልኤርትርያ ገሊጹ::

ጋዳፊ ግን ክፉት ዲዩ ነይሩ?ካብቲ ”እቲ ምስጢራዊ ዓለም ጋዳፊ” ዝብል  ቢ.ቢ.ሲ ዘቕረቦ መደብ እነሆ :: ኣብቲ መደብ ሊብያውያን ክዛረቡሉ ዘሕንኾም ተግባራት ጋዳፊ ተገሊጹ:: ጋዳፊ ንሊብያ ኣብ ዝገዝኣሉ 41 ዓመት: ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ብምብጻሕ ዓይኒ ንዘውደቐለን ደቂ 15-16 ኣዋልድ ብኢዱ ይትንክፈን:: እተን ሓለውቲ ድማ ነተን ደቀንስትዮ ጨውየን ናብቲ ኣብ ትሕቲ መሬት ዝተሃንጸ ቤት ወሲደን ሕክምናዊ መርመራ ምስ ተገብረለን ጋዳፊ ክብሪ ንጽህናአን ይደፍሮ:: ካብኡ ሓሊፈን እተን ኣዋልድ ደቁን ላዕለዎት ሰበስልጣንን ይቀባበሉለን:: ነቲ ፈተና ዝሓለፋ ኣብ ሓለዋ ጋዳፊ ተመዲበን ድርብ ዕማም ይፍጽማ: ዝበዝሓ ግን ስነኣእምሮኣውን ኣካላውን ጉድኣት ወሪድወን ኣብ ጽርግያ ይድርበያን ካብ: ሕብረተሰብ ተነጺለን ሂወተን የጥፍኣን:: ”ኣገልግሎት ኣወዳት” ዝተሰምዩ  መንእሰያት እውን ግዳያት ከምዝኾኑ ንጋዳፊ 40 ዓመት ዘገልገለ ኣምባሳደር ገሊጹ::ኣብ ሓለዋ ጋዳፊ ካብ ዝተመደባ ደቀንስትዮ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ ድማ 17 ቆልዑ ብጥይት ክርሸኑ ከለው ክዕልላ ከም እተገደዳ ገሊጻ:: ጋዳፊ ንዝረሸኖም ሰባት ኣብ መዝሓሊ ብምኽዛን ክርእዮም ባህታ ይፈጥረሉ ከም ዝነበረ ዝገለጸት ኣደ: በዓልቤታ ተቐቲሉ ድሕሪ 25 ዓመት ሬሳኡ ኣብ መዝሓሊ ረኺባቶ::

ጋዳፊ ኣብ 1996 ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣቡሰሊም 1200 እሱራት ረሺኑ:: ብእከይ ተግባራቱ ስግኣት ስለዝነበሮ ድማ ነቲ ከቆንጅዎ ዝዓጠረ ገጹ መጥባሕቲ ዝገበረሉ ብራዚላዊ ሓኪም ሓፈሻዊ መደንዘዚ ከይጥቀም ኣዚዝዎ:: እዚ ብፕረዚደንት ረገን ጽሉል ከልቢ ማእከላይ ምብራቕ ዝተሰምየ መራሒ ናይ ዘይውዓሎ ኩናት መዳልያ ተሸሊሙ ንዓለም ኣይትጽርኒ ብምባል:ካብ ነዳዲ ሊብያ ዘኻዕበቶ ቢልዮናት ዶላር ኣብ ኤውሮጳን ኣሜሪካን ኣዋፊሩ: ንደቁ  ገበርትን ሓደግትን ገይርዎም:: ሃገራት ምዕራብ ድማ ምስኡ ብምትሕብባር ንተቓወምቱ ኣሕሊፈን ይህባኦም ነይረን:: ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ዝነበረ ቶኒ ብለር ኣብ 2004 ናብ ሊብያ በጺሑ ዝሓለፈ ኣይንርአ ንቕድሚት ንሕሰብ ብምባል ንገበናት ጋዳፊ ብነዳዲ ክሓጽቦ ፈቲኑ::

ጋዳፊ ብጽቡቕ ዝዝከረሉ:-ነፍስወከፍ ሊብያዊ ገዛ ክውንን መሰልን ግቡእን ኢዩ ብምባል ኣብታ ብ1975 ዝጸሓፋ ሓምላይ መጽሓፍ ኣስፊሩ:: ኣገልግሎት ጥዕና ናጻ ኮይኑ: ኣብታ ሃገር ክፍወስ ዘይክእል  ብደገፍ መንግስቲ ኣብ ወጻኢ ሕክምና ይረክብ:: ኣገልግሎት ኤለትሪክ ናጻ ነይሩ::ሊብያውያን ብናጻ ክመሃሩ ብምትብባዑ ኣብ ዘበነ ስልጣኑ ዳርጋ መብዛሕትኦም ሊብያውን  ብደረጃ ዩኒቨርሲቲ ተመሪቖም:: ሓደስቲ ውጻእ ሓዳር 50ሽሕ ዶላር ይወሃቦም: ህጻን ንዝተበኮራ ድማ 5 ሽሕ ዶላር ይወሃበን:: ኣብ ሕርሻ ክዋፈር ንዝመርጽ መሬትን ዘርእን መበገሲ ርእሰ ማልን ብናጻ ይፍቀደሉ::

ጋዳፊ : ኣፍሪቃ ከም ሓንቲ ሃገር ብናይ ሓባር ወርቂ ባጤራ ክትገልግል ራእይ ከምዝነበሮ ንውድቀቱ ጠንቂ ዝኾነ ድማ እዚ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ክገብረኦ ዘንቀዶ መደብ ናይ ሓባር ባጤራ ወርቂ ከምዝኾነ ጸብጻባት የመልክቱ:: ምዕራባውያን ነዳዲን ዕቑር ሃብቲ ኣፍሪቃን በዚ ጋዳፊ ዘውጽኦ መደብ ከይስእንዎ ብዝሓደሮም ስግኣት ንውድቀቱ ተዓጢቖም ይበሃል::

በዚ ኾይኑ በቲ ጋዳፊ ማይ ቢብል ላቭ ሚ ህዝበይ የፍቅረኒ ዩ እናበለ ነቲ ጽቡቕ ጥራይ ብምርኣይ ነቲ ግናይ ተግባራቱ ክርእዮ ብዘይምኽኣሉ ንስድራቤቱን ሃገሩን ለኪሙ ሂወቱ ኣብ ፎኛቱራ ብ2011 ኣብቂዑ::

ኢሳያስ ኣፎርቂ ካብ ጸጋታት ሊብያ ጎሲሙ: ሓው መዓመር ጋዳፊ መራሒ ሰውራ ሊብያ እናበለ ይሙጉሶን ይውድሶን ነበረ::ጋዳፊ ኣብቲ ኣብ 1998 ዝተኻየደ ኩናት ኣንጻር ኢትዮጵያ ነዳዲን ኣጽዋርን ንኢሳያስ ብምሃብ ነቲ ቅድሚ 20ዓመት ምስ መንግስቱ ሃይለማርያም ወጊኑ ኣንጻር ህዝባዊ ግንባር ዘካየዶ መጥቃዕቲ ደቢስዎ::በዚ ድማ ጋዳፊ ንኢሳያስ በዓል ውዕለቱ ከም ዝነበረ ይዝከር::ኢሳያስ ቅድሚ ሓደ ዓመት ውድቀት ጋዳፊ ጥቅምቲ 2010 ኣብ ትሪፖሊ ዝተኻየደ ዋዕላ ኣፍሪቃ ዓረብ ኣብ እተሳተፈሉ ብጋዳፊ ምውቕ ኣቀባብላ ተገይሩሉ::ቅድሚ እዚ እውን ምስ ጋዳፊ ኣብ ኢንጀማይና ጫድ ብኣካል ተደጋጋሚ ጊዜ ድማ ብተለፎን ምስ ጋዳፊ ተራኺቡ::እንተኾነ ጋዳፊ ኣብ ዝሞተሉ ብጽቡቕ ይኹን ብኽፉእ ከይጠቐሶ ሓሊፉ::

ኤርትራ ከም ሊብያ ብነዳዲ ሃብታም ኣይኮነትን:እንተኾነ ንህዝባ ኣኺሉ ዝተርፍ ሃብቲ ባሕርን መሬትን ኣለዋ:: ኢሳያስ ብምልካዊ ኣካይዳኡን ጭካነኡን ጽዩፍ ተግባራቱን ምስ ጋዳፊ ዘመሳስሎ ነገራት ኣለውዎ:: ንሃገር ዝፈየዶ ብጽቡቕ ዝዝከር ግን የብሉን:: ኣብዚ 25 ዓመት ኤርትራ ኣብ ትምህርቲ:ጥዕና:ማሕበራዊ ሂወት ድሕሪት ተመሊሳ:: ሰብኣውን ባህርያውን ጸጋታታ ብኢሳያስን ጉጅለኡን ተባሒቱ: መሬታን ባሕራን ኣብ ዕዳጋ ቀሪቡ::ኢሳያስ ብሽሙን ብወዱን ሚልዮናት ዶላር ኣብ ባንካታት ወጻኢ ከዚኑ ኣሎ::ቅድሚ ናጽነት ኣብ ጃፓን ንኣመንዝራታት 70 ሽሕ ዶላር ይኸፍል ከም ዝነበረን ህዝባዊ ግንባር ካብ ወጻኢዝረኽቦ ዝነበረ ቢልዮናት ዶላር ካብ መን ይለኣኽ ከምዝነበረ ከምዘይፈልጡ ኣባላት ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ናይ ግንባር ሓቢሮም:: ድሕሪ ናጽነት ድማ ምስ ኣሚራትን ነጋውስን ማእከላይ ምብራቕ በይኑ ስምምዕ ብምግባር ሃገር ብዘይጨረታ ሸይጡ::ሕኣብ ባጽዕን ዓዲ ሃሎን ኣዝጊቡ ኣብ ሶማልያ: ኮንጎ: ደቡብ ሱዳን: ኣንጎላ:ኪንያን ካልኦት ሃገራትን ዝፍጽሞ ሸርሒ እዝጊሄር ዋንኡ::

ንጭካነኡ ብዝምልከት:ኣውያት ናይቶም ኣብ ትሕቲ መሬት ብፌሮ ተኣሲሮም ብርሃን ከይርኣዩ ንዓለም ዝሰናበትዎ ኤርትራውያን ሓርበኛታት ይጣራዕ ኣሎ::

ዝርዝር ናይዚ ምናልባት ምስጢራዊ ዓለም ኢሳያስ ብዝብል መደብ ምስ ቀረበ ከም ሊብያውያን ኤርትራውያን እንሓንኩሉ ክኸውን ኢዩ::

ደጎል ድራር

……………………………..

aseye.asena@gmail.com

Review overview
17 COMMENTS
  • Fithi. Haile February 9, 2016

    I understand the cruelity of any dictatorr,What I dont understand is all the dictators and opponents (say Deleyti fithi …etc) try to blame the western.
    May be from child hood we are filled only of the colonialist days.
    Colonialism is overthrown not by the colonized people but with civilization it is avoided by the colonialist themselve.
    That is why we have no problem to live and work in their countries.
    May God bless the blessed ones!

Post a Reply to Fithi. Haile Cancel Reply